“ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተዚኸውንሲ፥ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ” በለ። ብሉይ ኪዳን ዝተጻሕፈሉ ቛንቛ እብራይስጢ ከም ዝነበረ፥ ኩላትና
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነዛ እተቐደሰት ሰንበት’ዚኣ ሰሪዓትልና ዘላ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓያሱን ድኻታትን ኴንና ኸይንርከብ ዚሕልወና፡ ብድርኺት መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ሓድሽ ኪዳን’ዩ። እዚ ኣብቲ ምስላ ተጠቒሱ ዘሎ ዓሻ ሰብኣይ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ፈትዩ ዝሃቦ በረኸት ብምእካቡ ኣይኰነን ዝተነቕፈ። ነቲ እግዚኣብሄር ዘብዝሓሉ በረኸት ኣብቲ ግራቱ ይርገፍ እንተ ዚሓድጎ’ሞ ዝገደደ ዕሽነትን ኣበሳን ምተቘጽረሉ ነይሩ። ነቲ ጽሑፍ ከም ዚግባእ እንተ ኣስተውዒልናሉ፡ እቲ ኣበሳኡን ዕሽነቱን፡ ብሓንትን ኣገዳሲትን ቃል ተገሊጹልና ኣሎ። ንሳ ኸኣ፡ እታ “ንርእሱ” እትብል ቃል’ያ።
ገዳም ደብረ ሊባኖስ ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሪ ሓበሻ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብጥንታዉነቶም ዝፍለጡ ገዳማት
ትርጉም ድሕነት
ድሕነት ብመን ይርከብ?
ድሕነት ብኸመይ ይርከብ? (ኦርቶዶክሳዊ ኣረኣእያ)
ምንዳይ ኣገዳስነት ዘድሕን ጎይታ
“...ኪኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ኪጭነቑ ረኣዮም. . ኵላቶም ረኣይዎ’ሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ ‘ኣጆኹም ኣነ’የ፡ ኣይትፍርሁ’ ኢሉ ተዛረቦም። (ማር 6፡48,50)። እቲ ነዚ ዕለት’ዚ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያን ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ወንጌል፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ሕጊ-ተፈጥሮ ምዃኑ ብዛዕባ ዘመስከረ ተኣምር ዜዘንትው’ዩ። ብጃልባ ናብ ማዕዶ ኺሳገሩ ኣሰናቢትዎም ድሕሪ ምኻዱ፡ ምስቲ ዝለኣኾ ፍቁር ኣቦኡ ብጸሎት ኪላዘብ ናብ ከረን ደየበ። ኣበየናይ ሰዓታት ከም ዘሰናበቶም እንተ ዘይነገረና’ኳ፡ ኣብ ራብዓይ ምቃል ለይቲ (ካብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ ኽሳዕ ወጋሕታ ሰዓት ሽዱሽተ ዘሎ ጊዜ) ኣብ ማእከል ባሕሪ ገሊላ ብማዕበል ኪናወጹ ጸንሕዎ።
ደቂ እስራኤል ብስደት ንብዙሕ ዓመታት (ከባቢ 400 ዓመታት ) ኣብ ምድሪ ግብጺ ብስደት ከም ዝተቐመጡ መጽሓፍ ቕዱስ ይነግረና። እዚ ኩሉ
“ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” ማቴ 7፡19 እዚ ሰንበት እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንህይወትና ምስቲ ዘሎ ወቅቲ ናይ ክራማት ብምግንዛብ ክንፍትሽ ዝሕግዘና ጽሑፋት ወንጌል እናቅረበት እያ፡ ተዘካክረና። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ኦም ብፍሪኡ ይፍለጥ ከም ዝኮነ ንሕና ድማ ብፍረና ከመይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ንልለይ ንሎሚ ካብ ዝቀረበልና ወንጌል ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንማሃር ኢና። ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ከሎ ንሃዋርያት ካብ ነብያት ሓሶት ክንጥንቀቕ ከም ዘድሊ ሓበረ። ምጥንቃቕ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ሓሶት ሓቂ መሲለ ኪቐርብን ከደናግርን ስለ ዝኽእል እዩ። ንዓና ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሕዝበ ክርስትያን እሞ ክንደይ ጸሚምናሉ ኣብ ዘሎና ብትንቢታት ክንደይ ምጥንቃቕ ዘየድልየና። ነቢይ ሓሶት ብውሽጡ ሓደገኛ ክነሱ ብደጊኡ ግን ድሓን መሲለ ክረአ ይኽእል። ማለት ቆርበት በጊዕ ተኸድነ ተኹላ ኮይኑ ይመጸካ። ንዓናኸ ሎሚ እንታይ ይመጻና ከም ዘሎ እሞ ነስተውዕል ሕዝበ ክርስትያን። ስለዚ ቆርበት ሕልፍ ኢልካ ውሽጡ ክትምርምር የድሉ። ሎሚ ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ዘለዉ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ናይ እግዚኣብሄር ዘይኮኑ መልእኽትታት ከመይ ንመምዮም ንህሉ፧ ንሓሰውቲ ነብያት ብኸመይ ከም እንፈልጦምን፡ ብኸመይ ክንርእዮምን ከም ዝግብኣና ቃል እግዚኣብሄር ብንጹር ይገልጸልና እዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነት ንርኤይ፡
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ