ናብ ኣዳለውቲ መጽሄት ብሥራት ኅብረት ወንጌላውያን።
መንፈሳዊ ሰላምታና ብምቕዳም፣
ኣስዒብና ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2011, ዝተሓትመት መጽሄት ብሥራት፣ ቁጽሪ 60 ኣብ ገጽ 22, ብመምህር ስብሓት ዘርኤ፣ እተጻሕፈት ዝምልከት ክንጽሕፍ ተገዲድና ኣሎና።
እቲ ጸሓፊ ንቅዱሳን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣመልኪቱ፣ “ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢይ ክብርታትን ኣምልኾን ዝግበረሎም ዝትረኸሎምን ቅዱሳን መዓርግ ዝለበሱ ልዕሊ ኣምላኽ ዝምለኹን ዝኸብሩን ዝፍርሑን እውን ሰባት እዮም። ካብቲ ናይ ፈጠራ ልቢወለድ ታሪኽ ዝደረስዎን ዝሰኣልዎ ስእሊ እስከ ገለ ንጥቀስ፣” ድሕሪ ምባል ቅዱስ ጊዮርጊስ፣ ኣቡነ ኣረጋዊ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቂርቆስ፣ ዘይኮነን ዘይመስልን ታሪኾም ሰኒዑ፣ ኣስፊርዎ ይርከብ።
ብዓቢኡ ነቲ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተጠምቀን ብድኅነት ክርስቶስ ንዝኣምንን ዘምልኽን ብጀካ ሓደ ኣምላኽ ካልእ ንዘየምልኽን ሕዝቢ ከምዚ ዓይነት ድፍረትን ጣዖትን ሰባትን ከም ዘምልኹ ገርካ ኣብ ጽሑፍ ብመጽሄት ጽሑፋት ምዝርጋሕ፣ ብሓቂ ዘሕዝንን፣ ንዕቀት ነቲ ቅዱስ ሕዝቢን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኣብ ሓድሕድ ክርስቲያናት ህውከትን ጽልእን ዝጽሕትር ባእሲ ንምትካል ዝዓለመ ሓደገኛ እዩ።
ስለዚ ኣዳለውቲ እዚ መጽሄትን፣ ብፍላይ ድማ ጸሓፊ እዚ ምስናይ ይቕረታ ክእርሞን ኣብ ቀጻሊ መጽሄት ብግልጺ ምስናይ ይቕሬታኡ ብፍላይ ነቶም ብቅዱሳን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢልና ዝተቐበልናዮም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምእመናን ይቕረታ ክሓትትን ጌጋኡ ክእርምን ብመንፈሳውን ኅውነታውን ፍቕሪ ብትሕትና እናሓተትና፣
እዚ ጽሑፍ እዚ ተኣሪሙ ምስ ዘይወጽእ ግን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ክርስቲያናት ንዝፍጠር ጽልኢ ተሓተቲ ኣዳለውቲ እዚ ጽሑፍ እዚ ምዃንኩም እናገለጽና፣ ብወገናውን ሓላፍነት ናይ ሃይማኖትና ስለ ዘሎና ዘይንደልዮን ዘይንምነዮን እኳ እንተ ኾንና፣ ናብ ምእመናንና ክንዝርግሕን ብጽሑፋትና ድማ መልሲ ክንህበሉ ምዃንና ኣቐዲምና ነዘኻኽር።
እግዚኣብሔር ሰላሙን ምሕረቱን የብዝሓልና።
ጐይታና ኣብታ ተታሒዙ ዚስቀለላ ናይ መወዳእታ ፋሲካ ኣይሁድ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጽባቐ ናይቲ ቤት መቕደስ ኬዛርብዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና ነቲ ሓሳባቶም ገና ብቓላት ከይገለጽዎ ኸለው ኣብ ልቦም ከሎ ኣስተውዒልዎ ነበረ። ከምቲ ቕዱስ ዳዊት፡ “ጐይታየ፡ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒ’ውን ንምቕማጠይን ምትንሳአይን ትፈልጦ፡ ንሓሰበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፡ እንሆ ዅሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፡ ንብዘሎ መገደይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።” ዝበሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ’ውን ከም ኵሉ ዚፈልጥን ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ፍጹም ኣምላኽን መጠን፡ ነቲ ኺብልዎ ዝደለዩ ሓሳብ ኣስተውዒልዎን ፈሊጥዎን ነበረ (መዝ 139፡1-4)።
“የሱስ ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓሳብካን አፍቅሮ:: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ:: እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ አፍቅሮ::” እያ (ማቴዎስ 22:37-39)።
እዚ ዕለት እዚ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ “በዓለ-ሓዋርያት” ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። ካብ በዓል መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ድማ ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንና “ጾመ ሃዋርያት” ኢላ ዝሰመየቶ ጾም ኢና ተጸሚድና ጸኒሕና። ነዚ ዕለት እዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ናይ ወንጌል ንባብ ድማ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸመይን ንኽንደይን ንመንን ንሃዋርያነት ከም ዝሓረየ ዚገልጸልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስና ኻብቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ሰባት ንሃዋርያት ንምሕራይ ዝተጠቕመሉ ረቛሒታት እንታይ ምንባሩ ኣይገልጸልናን እዩ።
ድሕሪ በኣተ-ክረምት (ምእትው ክረምቲ) እዚ ዕለት እዚ ኻልኣይ ሰንበት ምዃኑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ምስላ ዘርእን ዘራእን’ ኢና ዝረኣና፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ብዛዕባ፡ “ምስላ ስርናይን ክርዳድን” ክንመሃር ተሰሪዑልና ኣሎ። እዚ ኽቡርን ረቂቕን ምስላ እዚ፡ ንውልቀ ክርስትያንን ብዓባያ ንቤተ ክርስትያንን ኣዝዩ ዓብዪ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ እዩ። ደቀ መዛሙርቱ ኺትርጕመሎም ምስ ሓተትዎ፡ ጐይታና ብደረጃ ዓለም’ውን ከም ዚትርጐም ኣብ ማቴ 13፡37-43 “እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ (ክርስቶስ) እዩ።
ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታሪኻ ካብ ስደትን ፈተናን ዘዕረፈትሉ ዘመን ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን እዩ። ከመይሲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ነዓይ ኣይተቐበለትንን እሞ፣ ንኣኻትኩምውን ኣይትቐበለኩምን እያ፣ ክብል ብቅዱስ ቃሉ ነጊሩና ስለ ዘሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ዓለማውያን ነገስታትን መራሕትን፣ ደም ንጹሃት ክርስቲያናት እናኣፍሰሱ፣ ን2000 ዓመት ጸኒሖምን ይቕጽሉ’ዉን ኣለዉ። በብጊዚኡ ንሳቶም ክሓልፉ እንከለዉ፣ እታ ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ግን ገና ትቕጽል ኣላ እኳድኣ በርቲዓ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ