ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-
28 ታሕሳስ 2008 ግእዝ (7 ጥሪ 2016 ፈረንጂ) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት'ዚ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ሕይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ኢሉ ጀሚሩ፡ ቅዱስ ኣንያኖስ፡ ቅዱስ ሜልዮስ፡ ቅዱስ ከድረኖስ… እናበለ ብዘይምቍራጽ ቀጺሉ መበል 117 ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ዝበጽሐ ሃዋርያዊ ሰንሰለት፡
“ኢየሱስ ድማ፡ ‘ንዑ ተመስሑ’ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ’ኳ ፡ ‘ንስኻ መን ኢኻ፧’ ኢሉ ኺሓቶ ዝደፈረ የልቦን።”ዮሃ: 21፡12። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንሎሚ ኣብ ዝሰርዓትልና ናይ ወንጌል ንባብ ከም ዘንበብናዮ፡ ጐይታና ኽልተ ጊዜ ብእኩባቶም ተገሊጹ፡ ህያው ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም ኬብቅዕ፡ ገለ ኻብ ሃዋርያት ዘይትጽበዮ ስጕምቲ ኺወስዱ ተራእዩ። ጐይታና ንሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓው እንድርያስን መርከቦም እናሓጸቡን እናኣዐረዩን ከለው፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ካብቲ ንስድራኦም ዚጥውሩሉ ሞያ ምግፋፍ ዓሳን ብቐንዱ ኻብ ስድራ ቤቶምን ፈልዩ ወሲድዎም ነበረ (ማቴ 4፡18-20)። ካባታቶም ሕልፍ ኢሉ’ውን ንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ፡ “ሰዓቡኒ” ኢሉ ምስ ጸውዖም ነቲ ሽማግለ ኣቦኦም፡ ነቲ ሞያኦምን ጃልባኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ (ማቴ 4፡21-22)። ጐይታና ምሳታቶም ኣብ ዝነበረለን ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዓመታት፡ ናብ ጃልባኦም ሞያኦምን ኰነ ናብ ስድራ ቤቶም ኣይተመልሱን።
ኣብ ግብሪ ሓዋርያት 10ይ ምዕራፍ “1 - ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያዊ
ትርጉም ካልኣይ ልደት፣ ነቲ ኣረጊት ሰብካ ምስ ኩሉ ክፉእ ሓሳቡን ባህርዩን ኣሊኻ ሓድሽ ሰብ ክርስቶስ ምልባስ ማለት እዩ። ነቲ ኣዳማዊ ባህርይ ብቓል ኣምላኽ ጌርካ ስዓሮ፣ ካብ ኣምላኽ ዳግማይ ብጥምቀት ተወለድ። ኣምላኽ ውሉዱ ክትኮኖ ጸዊዑካ እዩ'ሞ መንግስቱ ክትወርስ ውሉድ ኣምላኽ ንምዃን እዙዝ ኩን። ንክርስቶስ ብኹሉ ህይወትካ ምሰሎ፣ ኣሰር ክርስቶስ ተኸተል፣ ህይወት ድማ ክትረክብ More...
“ንሳቶም ከኣ፡ ‘ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን’ኳ ተራእይዎ’ በሉ።”ሉቃ 24፡34። ጐይታና፡ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ለመንኩ” ድሕሪ ምባሉ፡ “ንስኻ ምስ ተመለስካ ድማ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም” ኢሉ ተማሕጺንዎ ነበረ። እዛ “ምስ ተመለስካ” እትብል ቃል ካብ እምነት ርሒቑ ከም ዝነበረ ዜመልክተና እዩ። ኣብታ ህሞት’ቲኣኣ ኻብ እምነት ስለ ዝረሓቐ ድማ’ዩ ብቐሊል ምፍርራህ ኪኽሕድ ዝኸኣለ። ምስ ተመልሰ ኼጸናንዖም ዚንገሮ ዘሎ፡ ንሳቶም’ውን በታ ሚሔ ናይ ሰይጣን ካብ እምነቶም ተዳኺሞም ስለ ዝነበሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ፡ “ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለው፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖም ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማር 16፡14)።
ታሪክ ቅድስት ቤተ ክርስትያንና ምልስ ኢልና እንተ ርኢናዮ ብኣስታት 333 ካብ መንበረ ማርቆስ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ መበል 20 ፓትርያርክ ግብጺ ዝተቐበአ ቅዱስ ፍሬሚናጦስ (ናይ ኣምላክ ሰብ) ክርስትና ተቐበልና። ቅዱስ ፍሬሚናጦስ (ኣባ ሰላማ) ጵጵስና ተቐቢሎም ኣብ ሃገርናን ኣብ ኢትዮጵያን የገልግሉ ነበሩ። ካብዚ ጊዜ ኣትሒዙ ድማ ክህነት እናሃበት ጳጳሳት እናለኣኸት መንበር ማርቆስ እስክንድርያ ተገልግለናን ትጓስየናን ነበረት።
እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያና ሰሪዓትልና ዘላ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ናይ ወንጌል፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታኦም ድሕሪ ምስምዖም እኳ ተስፋ ቘሪጾም ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ገጾም ዚጐዓዙ ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣስፊሑ ኣዘንትዩልና ኣሎ። ናይቲ ኻልኣዩ ስም እኳ እንተ ዘይተፈልጠ ናይቲ ሓደ ስም ግና ቀለዮጳ ነበረ። ስለዚ ካብ ሃዋርያት ዘይኰኑስ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዞም ክልተ ሰባት ብዛዕባ ፍጻሜታት ናይቲ ሳልስቲ እናተዘራረቡ ኺጐዓዙ ኸለው፡ ጐይታ ኸም ሓላፍ መገዲ ተመሲሉ ተጸምቢሩ መጓዕዝቶም ኰነ። ዘይፈልጥዎ ጋሻ ተጸምቢርዎም ክነሱ፡ ገና ኣርእስቶም ከይለወጡ ዝርርቦም ቀጸሉ። ጐይታ ብዛዕባ’ቲ ተጨኒቖም ዚዘራረብሉ ዘለው ጕዳይ ምስ ሓተቶም ፡ ስነ ልቦናዊ ዀነ መንፈሳዊ ሃለዋቶም ከም መስትያት ቀሊዑ ዜርእይ ሓጺር ጽሟቕ መልሲ ሃብዎ። እቲ መልሲ ብዛዕባ መንነትን ዓይነት ህይወትን ናይ ጐይታ ዜደንቕ መግለጺ ዝሓዘ ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ሞቱን ትንሳኤኡን’ውን ዜጠቓልል’ዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ