መባእታዊ ድሕረ ባይታ፡ ዓለም ከም ሓንቲ ደምበ ኮይና ኣብ ክልተ ጫፍ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ተራኺቦም: ኣብ ሓንቲ ህሞት ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ሓቢሮም ክዝትዩ ኣብ ዝኽእልሉ ኩነት በጺሕና ኣለና። እዚ ዘይተኣደነ ክስተት'ዚ ኣብ መንፈሳዊን ስነ ፍልጠታዊን መኣዲ ኮይኖም ፍልጠቶምን ዓቕሞምን ከወሃህዱ ንብዙሓት ኣህዛብ ኣኽኢልዎም እዩ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ: ብዙሓት ቤተ ክርስትያናት'ውን ነዚ ሓድሽ መራኸቢ ተጠቒመን ብዶብ: ብሃገር: ብቦታ ከይተወሰና ሃዋርያዊ ዕዮታተን የሳልጣ ኣለዋ። ንሕና ድማ ነዚ ማዕከን ሓበሬታ'ዚ ዝጀመርናዮ፡ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ'ውን ሃዋርያዊ ተልእኮኣ ንምስላጥ ነዚ ዘመን-ዝወለዶ ተክኖሎጂ እዚ ክትቀመሉ ይግባእ ካብ ዝብል መንፈሳዊ ቅንኢ ዝበቖለ እዩ። ብዝያዳ ኣመንቲ ክርስቶሳውያን ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዓለም ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝርከብሉ ህሞት: ኣብ ጉስነት እቶም ብራሕቂ ቦታ ይኹን ብግዜ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ክትበጽሖም ዘይከኣለት ምእመናን ሓጋዚ ተራ ኣለዎ ኢልና ስለ እንኣመን እዩ።
ብውሑድ ዓቕምን ብቅዱስ ቅንእን ብ29 ግንቦት 2002 ዓ.ም ዝተጀመረ ማዕከን ሓበሬታ ተዋህዶ: እንሆ ሎሚ ናብ ዝዓበየን ዝሓሸን ይሰጋገር ኣሎ። እዚ ድማ ሳላ ረዲኤት እግዚኣብሄር: ተሳትፎ ምእመናን ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን: ጸሎት ናይ ኣቦታት ካህናትን ትግሃት ኣገልገልትን እዩ። እዚ ግና አብ ናይ መወዳእታ ደረጅኡ በጺሑ ማለት አይኮነን። እቲ ራእይ ኪኖው ትሕዝቶን ዓቕምን ናይዚ ግዝያዊ ማዕከን ሓበሬታ እዚ ዝጠመተ እዩ።
ራእይና፡ እዚ ማዕከን ሓበሬታ'ዚ መኽዘን ፍልጠትን ማዕከን ቤተ-መጻሕፍትን ኮይኑ፡ ምእመናን ዝምገብሉ፡ ውሉደ-ክህነት ዝህነጽሉ፡ ምሁራት ዝመራመርሉ፡ ቅርስን ንብረትን ቤተ ክርስትያን ዝዕቀበሉ፡ ንመንፈሳዊን ስነ ምርምን ቤተ ክርስትያንና ዘማእክል ክኸውን እዩ።
ክሳብ ሕጂ ዝተሰርሑ ስርሓት
ገለ ገለ ብሉጽ ረብሓታት ናይዚ መራኸቢ እዚ
ክፍሊ ስነ-ጽሑፍ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ