ካብ ኢየሩሳሌም ሰለስተ ኪሎ ሜትር ርሒቃ ኣብ ትርከብ ቢታንያ ትበሃል ዓዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ዘፍቅሮም 3ተ ኣኅዋት ኣልኣዛር፥ ማርታን ማርያምን ዝበሃሉ ነበሩ። እዞም ክቡራት ኣኅዋት ብወገኖም ንጎይታ ብልቢ ስለ ዘፍቅርዎ ማርያም ክቡር ዝዋግኡ ቅዱይ ሽቱ ከም ዝቐብኣቶ፡ ማርታ ድማ ግቡእ መግቢ ብምድላው ከምዘገለገልቶ ኣብ ቤቶምውን ብኽብሪ ይቕበልዎ ከምዝነበሩን ነንብብ።
ከምቲ ‘’ንፍቕርስ እግሪ ትፈልጣ’’ ዝበሃል ክርስቶስ ከኣ ናብ ቤቶም ሓያሎ ግዜ እናተመላለሰ መገዲ እምነትን ሰማያዊ ቃል ኣምላኽን ይምህር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከሎ ‘’ ጎይታ! እቲ ተፍቅሮስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ’’ ዝብል መልእኽቲ በጽሖ። ክርስቶስ ግና ኵነታት ከይተጀመሩ፡ ሓሳብ ከይተጋህዱ፡ ሕቡእ ምሥጢራት ዝርዳእ ኣምላኽ ብምዃኑ ‘’እዚ ሕማም እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ’ዩ፡ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር ንሞት ኣይኮነን’’ በለ። ምሕማሙ ሰሚዑ ከሎ ድማ ክልተ መዓልቲ ጸኒሑ ናብ ቢታንያ ኣተወ። ኣልኣዛር ግና ድሮ ሞይቱስ 4ተ መዓልቲ ጌሩ ነበረ። ዮሓ 11፡4-17።
ጎይታ! ኣብዚ ኔርካ እንተ ትኸውንሲ ……
ኵልና ከም ንፈልጦ: ሞት ብሓቂ መሪር እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብሞት ኣልኣዛር ማርታን ማርያምን ንክርስቶስ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ንብዓትን ጸንሐኦ። ‘’ጎይታይ! ኣብዚ ኔርካ እንተ ትኸውንሲ ኃወይ ኣይምሞተን ኔሩ’’ ዝብል ዘረባ ድማ ቅድም ብማርታ ዳሓር’ውን ብማርያም ዝተደግመ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ሓሳብ እዩ ነይሩ። መልሲ ናይቲ ኵሉ ዝከኣሎ ርሕሩሕ ክርስቶስ ግና እመኒ! ‘’ኃውኺ ኪትንሥእ እዩ’’ ኢሉ ቃል ብሥራት ነገራ። ካብዚ ቀጺሉ ‘’ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ’’ ዝብል ርጉጽ ኣምላኻዊ ሓይሉ ከኣ ገለጸ። ከም ቃሉ ድማ ናብቲ መቓብር ከይዱ ነቲ ፍጹም ጨንዩ ዝማሰነን፡ ኣብ ጉድጓድ መቓብር 4ተ መዓልቲ ዝገበረን ፈታዊኡ ብዓቢይ ድምጺ ‘’ኣልኣዛር ንዓ ናብ ግዳም ውጻእ’’ በለ። ሽዑ እቲ ምዉት ብግንዙ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩ ብእስሩ፥ ገጹውን ብዓለባ ተጎንጕኑ ኸሎ ወፀ። ‘‘ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ’’ ድማ በሎም። ብጣዕሚ ዘገርም ሓይሊ ክርስቶስ። ዮሓ 11፡21-44።
‘’ክቡርን ኣንባቢ እስከ ሎሚ ነቲ ኣብ ግዜ ድኻምና፡ ሕማምና፡ ስደትናን ከቢድ ፈተና ክገጥመና ከሎን ብሓቂ ተስፋ ቆሪጽና ‘’ጎይታይ! ኣብዚ ምሳይ ኔርካ እንተ ትኸውንሲ …… ኢልና ዝሓዘንናሉ ኣጋጣሚታት ዘኪርና ነናትና ታሪኽ ሕይወት ነስተንትን። ከምቲ ሞት ኣልኣዛር ንኽብሪ ኣምላኽ መግለጺ ዝኾነ ብእኡ ድማ ብዙሓት ኣይሁድ ዝኣመኑ፡ ኣብ ሕይወትና ንዝፍጸሙ ነገራት ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ናቱ ዕላማ ከም ዘለዎን፡ ሠናይ ነገራት ከም ዘምጽኣልናን ክንፈልጥ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ‘’ኣነ ዝሓሰበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፥ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ ሓሳብ ደኃን እምበር ሓሳብ ክፉእ የብለይን’ ኢሉ ኣባታዊ ሓልዮቱ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ስለዚ ንሕና ብሽመትና፡ ብሃብትና ይኹን ድኽነትና፡ ብግዜ ራህዋ ይኹን ጸበባ፡ ብሕማም ይኹን ሞት ገለ እንተ ኣጋጠመ እዚ ነገር እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ’ዩ መጹኡ ‘’ፍቓድካ ይኹን ጎይታ’’ ኢልና ብጸጋ ክንቅበሎ ከሎና ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብሎ ሠናይ ነገር እዩ። ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ስለ ዘየሎ ከኣ እምነትና ምስ ጸንዐ መዓት ናብ ምሕረት፡ ፈተና ናብ ዓወት ክቕየር ብርግጽ ክንርኢ ኢና። ኤር 29፡11።
ሕይወት ኣልኣዛር ካብ ሞት ምስ ተንሥአ፡- ኣልኣዛር ምስ ሞተ 4ተ መዓልቲ ኣብ ሲኦል ነበረ ይበሃል። እዚ ድማ ከምቲ ‘’ለእለሂ ኣበሱ ወለእለሂ ኢኣበሱ ቀነዮሙ ሞት’’ ማለት ‘’ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ዝገበሩን ዘይገበሩን ነጊሡ ነበረ’’ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ (ሮሜ 5፡14) ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቒሉ ዓርቢ ናብ ሲኦል ወሪዱ ክሳብ ንዅሎም ድሕነት ዝሰብከሎም ኣብኡ ነበሩ። በዚ መሠረት ኣልኣዛር ማዕሙቕ ሲኦልን ስፍራ ሓጥኣንን ርእዩ ስለ ዝተመልሰ ብድሕሪ ሞት ዝነበረ ሕይወቱ ዝያዳ ብቅድስናን ጸሎትን ዝተሰነየ እዩ ነይሩ። በጀካ ሓንቲ መዓልቲ ክምስ ክብል እንተ ዘይኮይኑ ድማ ብሰሓቅን ከንቱ ዘረባን ዝሓልፍ ግዜ ፍጹም ኣይነበሮን ይብል ታሪኽ ሕይወቱ። ነዚ ኣብ ድሮ ሆሳዕና ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ዓቢይ ተኣምራት ናይ ኣልኣዛር ድሕሪ 4ተ መዓልቲ ካብ ሞት ምትንሣእ ርእዮም ከኣ ብዙሓት ህዝቢ ካብ ኣይሁድ ናብ መገዲ እምነትን ክርስቲያናዊ ሕይወትን ንኽመጹ ብሓቂ ሓጊዝዎም እዩ።
ከምቲ መካኒክ ንመኪና፡ ተክኒሻን ንኮምፒተር፡ ሃናጺ ንቤት ዝሰርሖን ዝጽግኖን ንኣልኣዛር ድማ እቲ ወሃቢ ሕይወት ዝኾነ ለዋህ ጎይታ ዳግማይ ትንፋስ ምስ ሰዅዓሉ ንነዊሕ ዓመታት እዩ ብሕይወት ጸኒሑ። እዚ ክልተ ግዜ ሕይወት፡ ክልተ ግዜ ድማ ሞት ክርኢ ዝተዓደለ ክቡር ሰብ፡ ካብ ሞት ምስ ተንሥአ ምስ ሓዋርያት ኮይኑ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ፡ ሞቱን ትንሣኤኡን ክርኢ በቒዑ እዩ። ድሕሪ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኢድ ሓዋርያት መንፈሳዊ ጸጋ ተቐቢሉ፡ ማዕርግ ኤጲስ ቆጶስ (ጳጳስ) ተቐብአ። እንተ ኾነ ግና ብሊቃነ ካህናትን ኣይሁድን ክቕተል ወትሩ ይደልይዎ ስለ ዝነበሩ ብድሕሪ ሞት እስጢፋኖስ-ሰማዕት ተሰዲዱ ናብ ሃገረ ኣንጾክያ ኣተወ። ኣሰር ክርስቶስን ሓዋርያትን ተኸቲሉ ድማ ንብሥራት ወንጌልን ዕዮ ኣምላኽን ብተወፋይነት ሰበኸ። ቀዳማይ ጳጳስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቆጵሮስ ኮይኑ ከኣ ኣብ መንበር ቅድስና ን40 ዓመታት ጸንሐ። ንህዝቡ ከኣ ቅኑዕ እምነትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንኽረኽቡ ብመንፈሳዊ ጉስነት ኣገልገለ። ማርታን ማርያምን ድማ ከም ኃወን ኣልኣዛር ንዓለም መኒነን ምሉእ ሕይወተን ንኣምላኽ ብምግልጋል ምድራዊ ጉዕዞአን ብድንግልና ዝፈጸማ ቅዱሳት ኣንስቲ እየን።
’ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶም እዮም ዝንስሑ’፡- እዚ ዘረባ’ዚ ንገርሂ ሰማዒኡ ግርም ሓሳብ እዩ ዝመስል። ዝተዛረቦ ድማ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ንስሓን ጽቡቕ ግብርን ዘይነበሮ ምስ ሞተ ብዛዕባ ኣኅዋቱ ተሻቒሉ ንኣቦና ኣብርሃም ዝበሎ እዩ። ገለ እምነት ዝጎደሎም ሰባት’ውን ብድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዘለዎ ኣይንፈልጥን ኢና! ንሲኦል ወይ ንገነት መን ዝረኣየን ኣሎ? ሓደ ሰብ ካብ መቓብር ተንሢኡ እንተ ዝነግረና ግና ርግጸኛታት ምኾንና ዝብሉ ዓያሹ ኣይተሳእኑን። እቲ ሓቂ ግና ካብ ዘመነ ነቢያት (ኤልያስ) ጀሚሮም ክሳብ ዘመን ሓዋርያት (ጳውሎስ) ብሓይሊ እግዚኣብሔር ካብ ሞት ዝተንሥኡ ሰባት ሓያሎ እዮም። እቲ ንሳቶም ዝሃቡዎ ማዕዳን ዝረኣይዎ ነገራትን ድማ ‘’እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ’’ እናበሉ ገሊጾሞ ኣለዉ። ብረብሓ ዓለምን ስስዐ ሥጋን ዝተታለለ ወዲ ሰብ ግና ንሓቀኛ ምስክርነት ክቕበል ፍቓደኛ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ነቲ ካብ ሰማያት ዝወረደ ክርስቶስ ሰቐልዎ፡ ነቲ ካብ ሞት ዝተንሥአ ጻድቕ ኣልኣዛርውን ሊቃነ ካህናት ኽቐትልዎ መኸሩ። ንሕና ክርስቲያን ብናብራናን ኣካይዳናን ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ ብዘይምውፋይና ከኣ ሓቀኛ ትምህርቲ ጎይታ ጽውጽዋይ ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት ብዙሓት እዮም።
መጠቓለሊ፡- ክቡራት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ከምቲ ‘’ነቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰበኹልኩም መራሕቲ ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ’’ ዝብል ማዕዳ ዘሎ፡ ካብዚ ናይ ጻድቕ ኣልኣዛር ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ብዙሕ ክንመሃር ይግብኣና። ወላ’ኳ ልቢ ሕዝቢ ዓለም ከም እምኒ ተሪሩ ብንስሓን ጽኑዕ እምነትን ከይመላለስ ካብ ፈጣሪኡ ርሒቑ እንተሎ፡ ሕጂውን ‘’እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕ’ውን ቃል ክርስቶስ እዩ’’ (ሮሜ 10፡17)፡ ስለዚ ኣምላኽ ዝሃበና ቅዱስ ጽሑፋትን ሕግታትን እንተ ሓሎና ዓስቢ ክንረክብ ኢና። ንቃል እግዚኣብሔር ገዲፍና ንቓል ዓለም እንተ ሰማዕና ግና ነቲ ብዘመን ማይ ኣይኂ፡ ሓዊ ሶዶምን ገሞራን፡ መዓት ከተማ ነነዌ ዘጋጠመ ኵነታት ዘኪርና ፍርዲ ከም ዘሎና ክንስሕቶ ኣይግባእን። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ፍጹም፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ኪኸውን፥ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ ንተግሳጽ፥ ንምእራም፤ ንቅኑዕ ናብራን ንመምሃርን ዝጠቅም ስለ ዝኾነ ታኣምራት ክርስቶስን ታሪኽ ቅዱሳት ሰባትን ምንባብ ከነዘውትር ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ።1ጢሞ 3፡17
በረኸት ኣልኣዛር ጻድቕ ምስ ኵልና ይኹን!
ካብ ስንክሳር 27 ግንቦት ገጽ 747 ዝተወስደ
ካህን ሓለፎም ዓ/ማርያም
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ