መጽሓፍ ሕይወት፡- ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝርከብ መጽሓፍ፡ ኣስማት ናይቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለሱን ሕጉን ትእዛዙን ኣኽቢሮም ምድራዊ ጉዕዝኦም ዝፍጽሙን ሰባት ዝሓዘ ሰማያዊ መዝገብ እዩ።
ናይ ኵሎም ቅዱሳንን ወረስቲ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዝኾኑ ኣመንቲ ዝርዝር ስም ዝሓዘ ጻማ እምነቶም ተራእዩ ጸጋ ኣምላኾም ዝረኽብሉን፡ ኣኽሊል ክብሪ ዝወሃብሉን ሕያው መጽሓፍ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ኣስማት ዓበይትን ነኣሽቱን ሰብኡትን ኣንስትን መነንቲ ባሕታውያንን ምእመናንን ካብ ኩሉ ዓሌታትን ሃገራትን ብሓደ ጎይታ፥ ሓንቲ እምነትን ሓንቲ ጥምቀትን ዝሰመሩ ንሓደ ሰማያዊ ዕላማ ዝተጸውዑ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን እሙናት ሰዓብቲ ኢየሱስ ክርስቶስን ተመዝጊቦም ኣለዉ። ኤፈ 4:5። መጽሓፍ ሕይወት ኣብዚ ዓለም ብግዝፉ ዘይንርእዮ እኳ እንተ ኾነ ኣብታ ብእምነት እትመጽእ መንግሥቲ ኣምላኽ ጥራይ ዝግንጸል ብምዃኑ ‘’ሠራቂ ኣብ ዘይረኽቦ፥ ነቐዝ ኣብ ዘየበላሽዎ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጎድል ሃብትን ኣብ ሰማይ ዕቖሩ’’ እናበለ ስምና ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ንኽህሉ ክርስቶስ ኣገዳሲ ትምህርቲ ከምዝሃበና ኣይንረስዕ። ሉቃ 12፡33።
ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ዝምዝገብ ስም፡- ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ ‘’ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተጻሕፈ ደኣ ተሓጎሱ እምበር መናፍስቲ ስለ ዝተመልኩልኩም ኣይትተሓጎሱ’’ ከምዝበሎም ንዝክር ኢና። ሉቃ 10፡20 ሎሚ ንዓና ዘሐጉሰና ዘሎ እንታይ እዩ? ሥልጣንና፡ ሃብትና ትምህርትና ወዘተ……እዚ ኩሉ ከንቱ እዩ። ግናኸ ‘ብጎይታ ዅሉ ሳዕ ተሓጎሱ ደጊመ ተሓጎሱ እብል ኣሎኹ’’ ከም ዝበለ ጽሑፍ ብጎይታ ጥራይ እዩ ነባሪ ሓጎስ ዝርከብ። እቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ዝጸሓፉ ሰባት ከኣ ሓቀኛ እምነት ዝኽተሉ፡ ብዘየቋርጽ ጸሎትን ፍቕሪ ኣሕዋትን ኣብነት ዝኾኑ፡ ክብርቲ ሕይወቶም ዘወፍዩ፡ ንስስዐ፡ ዓመጻን ጽልእን ረጊጾም ኣብ መንፈሳዊ ዓወት ዝበጽሑ እዮም። ሓዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ‘’ንስኻትኩምሲ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነደቕኩም፥ ደጊም ደቂ ዓድም ንቕዱሳን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኮንኩምን ይብል። ኤፈ 2፡20። ክቡር ኣንባቢ እሞኽ ደኣ ኣብቲ ቅኑዕ መሠረት ክርስቶስ ጸኒዕናዶ ንኣምላኽ ነገልግል ኣሎና? ደቂ ዓዶም ንቕዱሳን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ብምዃንዶ ንእግዚኣብሔርን ሰብን ነሐጉስ ኣሎና? ነፍሲ ወከፍና ንገዛእ ሕይወትና ንመርምር። እምበኣር ነቲ ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን መሰል ዝሃበና ፈጣሪ ገዲፍና ካብ ቤት ኣምላኽን ወጻኢ ከይንህሉ ንጠንቀቕ። ስምና ብሓቂ ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ኽምዝገብ እንተ ኾይኑ ኸኣ ልባዊ ፍቕሪ፡ ጽኑዕ እምነት፡ ዘየቋርጽ ተስፋን ንኣምላኽ ዝግዛእ ሕይወትን ክህልወና ይግባእ።
ካብ መጽሓፍ ሕይወት ዝሕከኽ ስም፡- ብዘመን ሙሴ ነቢይ ደቂ እስራኤል ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ወደቑ ሙሴ ኣብ ጸገም ኣተወ። ንእግዚኣብሔር ከኣ በጃኻ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም እንተ ዘይኮነስ ስመይ ካብ መጽሓፍካ ሕኸኮ ኢሉ ለመነ። እግዚኣብሔር ድማ ነቲ ዝበደለኒ እየ ካብ መጽሓፈይ ዝሓኮ በሎ። ዘጸ 32፡33 ስለዚ ናይ ዝኾነ ስም ሰብ ካብ መጽሓፈ ሕይወት ዝሕከኽ ብሰሪ በደልናን ሓጢኣትናን ጥራይ እዩ ዝኸውን። እቶም ንኣምላኽ ዝብድሉ፡ ንቅዱሳን ዝጻረሩ፡ ንጣኦት ዘገልግሉ፡ ምስ ጠንቆልቱ ዝሓብሩ፡ ብሓላፊ ዓለም ዝታለሉን ብሰይጣን ዝተሳዕሩን ካብ መጽሓፍ ሕይወት ከም ዝሕከኹ ኣየጠራጥርን እዩ። ምኽንያቱ ብርሃን ምስ ጸልማት፡ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ ክርስቶስ ምስ ዲያብሎስ ሕብረት ስለ ዘይብሎም፡ እቶም ንኣምላኽ ዝበደሉ ድማ ኣብ መንግሥቲ ኣምላኽ ቦታ የብሎም። 1ቆሮ 6፡9-10።
ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ስምካ/ኪ ተጻሒፉዶ?፡- ‘’ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ’’ ዝብል ዓቢይ ጥቕሲ እቲ ሽታ ግዚያዊ ስም ግና ነባሪ ከም ዝኾነ የብርሃልና። ስለዚ ኵሉ ግዜ ስምና ክጥቀስ ከሎ ንጽቡቕ ሥራሕና ወይ ንሕማቕን ግብርናን እዩ ዘዘንቱ። በቲ ሠናይ ስራሕና ከም መልኣኽ፡ ብሕማቕ ግብርና ከኣ ሰይጣን እዩ! እናተበሃልና ክንጽዋዕ ከኣ ግድን ይኸውን። ንሕና ከም ክርስቲያን መጠን እምበኣር ስምና ኣብ ሰማያዊ መዝገብ ኣምላኽ ክጸሓፍ እንተ ደሊና ዝከኣል ነገር እዩ። ‘’ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ኳሕኵሑ ኪረሓወልኩም እዩ’’ (ሉቃ 7፡7) ዝበለ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊ ሎምን ንዘለዓለምን ሕያው እዩ። ቃሉ ከኣ ጸኒዑ እዩ ዝነብር። ኣብዚ ክንርድኦ ዝግብኣና ግና ከምቶም ብእምነት ጀሚሮም ብክሕደት ዝወድኡ፡ ካብ የማን ናብ ጸጋም ዝጎዓዙ፡ ብሓጢኣት ናብ ክልቲኡ ወገን ዝሕንክሱ ከይንኸውን ብዙሕ ምስትውዓል የድሊ። እግዚኣብሔር ነቶም ፍትሒ ዝሕልዉን ምእንቲ ስሙ ፈተና ዝቕበሉን ሰባት ብርግጽ ክባርኾም እዩ። ትእዛዙ ዚሰምዑ፡ ኪዳኖም ዘጽንዑን፡ ንዕዮ ኣምላኽ ስሉባት ዝኾኑን ድማ ‘’ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህበካ እየ። እወ ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህበካ እየ’’ ስለ ዝብል ብተስፋን ጸሎትን ክንጸንዕ ሠናይ እዩ። ኢሳ 56፡5።
መጠቓለሊ፡- ገለ ሰባት ‘’ስም እግዚኣብሔር ዚጽውዕ ዘበለ ኵሉ ክድሕን እዩ’’ ዝብል ጥቕሲ ሒዞም ንባዕሎም ኣብ ምድንጋር ይኣትዉ እዮም። እንተኾነ ግና ቅዱስ ወንጌል ‘’ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር ጎይታይ! ጎይታይ! ዚብለኒ ኵሉ ናብ መንግሥተ ሰማያት ኣይኣቱን እዩ። በታ መዓልቲ ብዙኃት ጎይታይ ብስምካዶ ትንቢት ኣይተዛረብናን ኢና? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውጻእናን? ብስምካስ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን? ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ከቶ ኣይፈልጠኩምን እየ፥ ካባይ ርሓቑ! ክብሎም እየ’’ (ማቴ 7፡21) ዝብል ስምዕታ ከነስተውዕሎ ይግብኣና። ብዝተረፈ ስም ኣምላኽ ምጽዋዕ ዘይኮነስ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር’ዩ እቲ ቀንዲ ዘርብሕ። ኣነ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ እየ! ኣነ ክርስቲያን እየ! ኣነ እፈልጥ እየ! እንበልና ብግብርና ኣብ መገዲ ጸጋም ከይንህሉ ንጥንቀቕ። ስለዚ ኣእምሮና ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ስምና ድማ ብምሕረት ኣምላኽ ምስ በዓል ሙሴ፡ ጳውሎስን ቀሌምንጦስን ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ንኽህሉ ብእምነት ንጽዓር! ፊሊ 4፡3።
ኣምላኽ ተኻፈልቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ይግበረና!
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ