“ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ኣብ መበል 14
ዓመታዊ ጉባኤ መምበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ናይ ዕርቂ ጻውዒት ምግባርኩም ኣዝየ ተሓጒሰ፤ ምኽንያቱ ኣብ ቤተክርስትያንና ኣብ 2005 ዓ.ም. ፈረንጂ ብዝተፈጸመ ገበን ልቦም ካብ ዝተሰብሩ ጓል ቤተክርስትያን ሓንቲ ብምዃነይ። እዚ ፈትና’ዚ ነታ ካብ ህጻነይ ዝፈልጣ ቤተክርስትያን ዘመን ትንሣኤ መጽዩላ ኣብ ዝበልናሉ እዋን ብምዃኑ ንመንፈስ ብዙሓት ደለይቲ ጽቡቛ ጎዲኡ እዩ።
ካብቶም ብመጀመርያ ዝተጎዳእኩም ኣቦታት ክነስኹም፡ ልቦና የዕቢኹም፡ ናይ ርሑቕ ጠሚትኩምን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኽኩምን ዝገብርክምዎ ጻውዒት እዋናውን ታሪኻውን እዩ። ኣብ ውሽጢ ውግዘት፡ ክርክር፡ ጽልእን ምጽልላምን ዝሰፈነሉ ኩነታት ኮይኑ ብዛዕባ ሰላም ኪሓስብን ንሰላም ክጽውዕን ዝኽእል፡ እቲ ምስ ኣምላኽ ስምረት ዘሎዎ ሰብ ጥራይ እዩ። ንጻውዒትኩም ሰሚዖም ንዝተፈጸመ ኩሉ ግህሰት፡ ቁስልን በሰላን ሕውየት ከነዳዩ እቲ ኩሉ ዝክኣሎ ኣምላኽ ዓይነ-ልቦናኦም ኪኸፍተሎም ንልምኖ።
ሓንቲ ኣደ ካብ ሰሜን ኣመሪካ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ