በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ብኣቆጻጽራ ግእዝ 29 ታሕሳስ 2000 (7 ጥሪ 2008) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ካብ ብዙሕ ክስተታት በዓል ልደት ቅዱሳን መላእክት ኣብ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ሥምረት
ኣምላክ ዘለዎም ሰባት” ሉቃ. 2፡14 ብማለት ዝዘመርዎ ሓደ ዓቢይ ንዓለምና ዘድልያ እዋናዊ መልእኽቲ እዩ። እዚ ድማ ሰብ ኣብ ዓለማዊ ሕይወቱ እቲ ዝዓበየ ዘድልዩ ነገር ሰላም እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ሀ. ሰላም ምስ ኣምላኽ፡- ካብ ኩሉ ክፍኣትን ኃጢኣትን ርሒቕካ፡ ምስ ኣምላኽ ብዕርቅን ሰላምን ምንባር እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ኦኣለም ዘይትህበና ካብ ኣምላኽ እዩ ዝርከብ። ኃጢኣት ካብ ኣምላኽ ዝፈሊ፡ ሰብ ምስ ኣምላኩ ሰላም ዝኸልኦ ስለ ዝኾነ፡ ብዕርቂ ምስ ኣምላኽ ክንነብር ይምህር።
ለ. ሰላም ምስ ኩሉ ሰብ፡- ሃይማኖትካ ሓሊኻ፡ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላምን ፍቕርን ክትነብር፡ ካብ ትእዛዝ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ እዩ። ሰላም ምስ ሰብ ምስ ዚጠፍኣካ፡ ውሽጣዊ ሕይወትካ ይጉዳእ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር እዩ ኣዚዙ።
ሐ. ሰላም ናይ ሒልና፡- ናይ ሒልና ሰላም ዝሰኣነ ሰብ፡ ንርእሱ፡ ንስድራ ቤቱ፡ ንወገኑ ንሃገሩ ከቢድ ናይ ሒልና ጸገም እዩ። “እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ኪሕልዎ እዩ’ ፊልጲ 4፡7 ከም ዝተባህለ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሰላም ናይ ሒልና እቲ ዝዓበየ እዩ።
ሎሚ ዓለምና እዚ ሰላም እዚ ማለት ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ምስ ሰብ፡ ሰላም ናይ ሒልና ዝጎደሎም ስለ ዝተመልአት፡ ኣብ ምሕማስን ውግእን ወረ ውግእን፡ ተሸሚማ፡ ትርከብ።
ስለዚ ኩሉ ምእመን፡ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሰላም መላእኽቲ ዘበሠሩና ሰላም ተሓልዩ ክነብር፡ ብጸሎትን እምነትን ፍቕርን ክጸንዕ፡ እናተማሕጸንና።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ወሪዱ ዘሎ፡ ከቢድ ፈተና፡ ብጸሎትን ምህልላን፡ ክንዝክሮ፡ ርእሲ ቤተክርስቲያን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ እግዚኣብሔር ብጥዕናን ሰላምን ክሕልወልና ብጸሎት ክንተግህ መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።
ደጊምና ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና።
እግዚኣብሔር ንሃገርና ኤርትራ ሰላሙን ረድኤቱን ይሃባ።
ቆሞስ ከሰተ ገብረሚካኤል
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቦ መንበር።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ