እንድርያስ ወዲ ዘብዴዎስ ሓደ ካብቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ናይ ጎይታ ኮይኑ እቲ ቀዳማይ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰዓበ ሓዋርያ እዩ። ንሱ ብመጀመርታ ንክርስቶስ ምስ
ረኸቦ ናብ ኃዉ ጴጥሮስ ከይዱ ‘’ንመሲሕ ረኺብናዮ’’ በሎ። እዚ ማለት ከኣ ‘’ንክርስቶስ ረኪብናዮ’’ ማለት እዩ። ከምዚ ኢሉ ምስ ነገሮ ድማ ናብ ኢየሱስ ወሰዶ ይብል ቅዱስ ጽሑፋት (ዮሓ 1፡41)። እቲ ፊልጶስ ዝበሃል በዓል ቤተ ሳይዳ፡ ወዲ ዓዶም ንእንድርያስን ጴጥሮስን እንተ ኾነውን ንናትናኤል ምስ ረኸቦ ‘’እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ፥ ነቢያትውን ብዛዕብኡ ዝጸሓፉ ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ በዓል ናዝሬት ረኺብናዮ’’ ክብል ኣበሠሮ። ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክልተ ሓሳባት ክንርድኦ እንኽእል ነገር ምስባኽ ቃል እግዚኣብሔር ብኣሕዋትካን ስድራ ቤትካን ጀሚሩ ናብ ኩሎም ጎረባብትኻ፡ ደቂ ዓድኻን ምሉእ ዓለምን ከስፋሕፍሕ ከምዝግብኦ ክንርዳእ ንኽእል። ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ንሓዋርያት ክእዝዞም ከሎ ‘’መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና ኃይሊ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ ከኣ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም’’ እዩ ዝበሎም። ግሓ 1፡8-9።
በዚ መሠረት መንፈሳዊ ዕዮ ወንጌል ብ12 ውሑዳት ሓዋርያትን 72 ኣርድእትን ጀሚሩ በብቑሩብ ናብ 500 ብጾትን ካልኦት ኣመንትን እናተሰብከ፡ ናብ ኹሉ ዓለም ዝበጽሐ ጥዑም ዜና ብሥራት እዩ። ከምቲ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ ‘’ብዛዕባ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ ንሕና ዝሰማዕናዮ ዝጠመትናዮ በእዳውና ዝረምሰስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና። ሕይወት ተገሊጻ እያ፡ ንሕና ኸኣ ርኢናያ ኢና፡ ንምስክር’ውን ኣሎና’’ ክብል ዝጸሓፈ (1ዮሓ 1፡1-2)። ንሕና ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝኾንና ኣመንቲ ድማ ‘’ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ፥ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ’’ ዝብል ቅዱስ ቃል-ኣምላኽ መሠረት ጌርና ከከም መንፈሳዊ ፍልጠትና ንኻልኦት ብርሃን-ወንጌል ከነካፍል ክርስቲያናዊ ግዴታናን ሓላፍነትናን ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እወ ከምቲ ገሊኦም እዚ ስራሕ መነኮሳት-ካህናት’ዩ፡ ገሊኦም ከኣ እዚስ ናይ ዲያቆናትን ሰበኽትን መደብ እዩ! እናበሉ ኣብ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ካብ ምስታፍ ኣእዳዎም ኣጣሚሮምን ኣፎም ዓጽዮምን ሱቕ ዝብሉ ክንከውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት ‘’ንመገዲ ሠናይ መን እዩ ዘርእየና!’’ እናበሉ ዝጭነቑን ንሓቂ ሰኣን ምፍላጦም ብስሱዓት ተዃሉ ተታሊሎም ብመገዲ ሓሶት ዝጓዓዙን ውሑዳት ከምዘይኮኑ ክንርዳእ የድሊ።
ኣቦና ዳዊት’ውን ብወገኑ ‘’እግዚኣብሔር ሠናይ ምዃኑ ንዑ ጠዓሙን ረኣዩን’’ (መዝ 34፡8) እናበለ ንኹሉ ሰብ ይዕድም ኢዩ። እወ ካብ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ቤት ኣምላኽ ምንባር ዝጥዕም ወይ ዝምቅር ፍጹም የልቦን። እዚ ግና እቲ ንእግዚኣብሔር ዝፈለጦን ቤት ኣምላኽ ዝጠዓሞን ሰብ ጥራይ እዩ ጥዑም ምዃኑ ዝፈልጦ። ምኽንያቱ ንበርበረ’ውን መሪር ምዃኑ እንፈለጦ ምስ ጠዓምናዮ እዩ። ገለ-ገለ ሰባት መስተን ዝሙትን ጥዑም ዝመስሎም ኣለዉ፡ ገለ’ውን ብገንዘብን ወርቅን ጣዕሚ ናብራ ዝመጽእ ዝመስሎም ኣይሳኣኑን። እንተኾነ ግና ከምቲ ቅዱስ ጽሑፋት ‘’ክፉእ ካብ ክፉኣት’ዩ ዚወጽእ’’ ዝበለ፡ ሠናይን ጥዑም ነገራትን ድማ ካብቲ ወሃቢ ሠናያት ዝኾነ እግዚኣብሔር ጥራይ’ዩ ዝመጽእ። ስለዚ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ! ዝብል ትንቢት ኣብ ልዕሌና ንኸይፍጸም ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ብግቡእ ንፍለጦ፡ ንኽንፈልጦ ድማ ንስዓቦ። ሆሴ 6፡3።
እምበኣር ግብሪ እንድርያስ ንግበር ክንብል ከሎና፡ ኩሉ ሰብ ናብቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ሓቀኛ እምነት ክበጽሕን ሕይወት ዘለዓለም ምእንቲ ክወርስን ካብ ዝብል ሠናይ ምኽሪ ደኣ እምበር ቅዱሳን ሓዋርያት ዘይኣዘዝዎ ኣገባብ ትምህርትን ስብከትን ንጀምር ማለትና ኣይኾነን። እቲ ኣተኵርና ከነስተውዕሎ ዝግባእ ግና ከምቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ክምህር ከሎ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ብኣፎምን ሥጋዊ ትምክሕቶምን ‘’ንሕና ውሉድ ኣብርሃም ኢና! ሓደ ኣቦውን ኣሎና ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ!’’ እናበሉስ ግብሪ ኣብርሃም ገዲፎም ነቲ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክቐትልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ከሓድቲ ሰባት፡ ኣብዚ ዘሎና ዘመንውን፡ ገለ ቀንኣት ሰባት ብኣፎም ንሕና ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና! ሕጊ ኣምላኽውን ነኽብር ኢና! እናበሉስ ጽልኢ፡ ዓመጽ፡ ሓሶትን ጥልመትን ናብ ደቂ-ሰባት ዘስፋሕፍሑ ንዕንወት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝተዓጥቁ ከም ዘለዉ ብፍሬኦምን ተግባሮምን ምፍላጦም የድሊ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መንበረ ጵጵስና ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ውሽጣዊ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መጠን፡ በቲ ዝገብሮ ዘሎ ዘይሕለል ጻዕሪ ኩሉ ኣማኒ ተዋህዶ ቃል እግዚኣብሔር ተመጊቡ መንፈሳዊ ዕቤት ከርኢ፡ ብሥጋ ነፍስን ክባረኽ፡ ምስ ኩሉ ሰብ ተሰማሚዑ ብፍቕርን ሰላምን ምእንቲ ኽነብር መደባት ሰሪዑ ይሰርሕ ኣሎ። ናይዚ ዕዮ ቀንዲ መበገሲ ዕላማ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብጸጋ-ጥመቀት ዝወለደቶም መእሰያትን ገለ ምእመናንን ሰኣን መንፈሳዊ ጉስነት ናብ ዘይተደልየ ክሕደት ሃይማኖትን ብመገዲ ኃጢኣትን ዝጎዓዙ ስለ ዘለዉ ብእምነቶም ክጸንዑን ሕይወቶም ክድሕኑን ስለ ዝተደልየ ደኣ እምበር ቁጽሪ ሰብ ንምብዛሕን ኣብያተ ክርስቲያናት ብሰብ ንኽመልእን ተባሂሉ ዝመጸ ተራ መደብ ኣይኮነን። ዝኾነ ሰብ ኣብዚ ኣገልግሎት ወንጌል ብምስታፍ እጃሙ ከበርክት ንዝደሊ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ድማ እቲ ኣፍ-ደገ ቤት ኣምላኽ ንኹሉ ክፉት ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ።
እምበኣርከስ ሎሚ ንሕና ከም ሓዋርያ እንድርያስ ተጊህና መኽሊትና ከነሽርፍን ውዲት ሰይጣን ከነፍርስን እንተ ዘይክኢልና ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ብዓመጽትን ስሱዓት ሰባትን ተጎቢኣ ናብ ዕንወትን ከቢድ ስቅያትን ክትወድቕ ከም ትኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስረተት ቤተ ክርስቲያን፡ ቅዱሳን ሓዋርያትን ሰማዕታትን ብሕድሪ ዘረከቡና ሃይማኖት፡ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከላ ብስቕታ ዕሽሽ ኢልና ኽንሓልፎ ከኣ ንሕልና ዘቕስን ኣይኮነን። እቲ መንፈሳዊ መጓሰ ክበታተን፡ እታ ቅንዕቲ መገዲ ኣምላኽ ክትጽረፍ፡ እሙናት መራሕታ ብኹሉ ክዋረዱ እናረኣኻ፡ ንጊዚያዊ ሕሜታን ጸርፍን ፈሪህካ ሱቕ ምባል ድማ ምስ ክሳራ’ምበር ምስ ረብሓ ዝቑጸር ሥራሕ ኣይኮነን።
እምበኣር እስከ ሎሚ ግብሪ እንድርያስ ሓዋርያ ንግበር፡ ነቶም ዝጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን ሰባት ከኣ ‘’ሰማያዊ ኣምላኽ ከዕርፈኩምሲ ናብኡ ብእምነት ቅረቡ ኢልና ናብ ክርስቶስ ነምጽኣዮም። ከምኡውን ነቶም ሓልዮት ሓዳርን ናብራ ዓለምን ኣጨኒቑዎም ኣብ ተስፋ ምቑራጽን ምንጽርጻርን ዘለዉ ኣሕዋትና ኣብ ክንዲ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኮይና ‘’ንሱ ይሓልየልኩም ኢዩ’ሞ ንኹሉ ሓልዮትኩም ናብኡ ኣውድቕዎ’’ እናበልና ካብ ሽግሮም ንኽገላገሉ ንሓግዞም። 1ጴጥ 5፡7። ከምኡ’ውን ነቶም ሓቅን ሓሶትን፡ ስርናይን ክርዳድን፡ እምነትን ክሕደትን፡ ምፍልላዩን ምርድኡን ስኢኖም ኣብ ምጥርጣር ዝሰፈኖ ሰንፍላል ሕይወትን ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋትና ‘’ነታ ሓቂ ሓዝዋ እሞ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም ኢያ’’ እናበልና ናብቲ እሙን መገድን ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሕና ነምጽኣዮም። ዮሓ 14፡6።
ብተወሳኺ ከኣ እስከ ሎሚ ኵላትና ከም ሓዋርያ እንድርያስ ኮንና፡ ነቶም ኣብ ኢመይል ኣድራሻና ዘለዉ ኣዕሩኽትና ተገዲስና ብምልኣኽ ናብ www.tewahdo.org ኣትዮም እዋናዊ ሓበሬታ ክረኽቡን መንፈሳዊ ጽሑፋት ከንብቡን፡ ንቅኑዕ ኣንፈት ጉዕዞ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና’ውን ክከታተሉ ንሓብሮም። እወ ነታ ብዝያዳ ተመሓይሻ ትሰፍሕን ትምዕብልን ዘላ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ዳት ኦርግ ክበጽሕዋ እስከ ንዓድሞም። ከምኡ ድማ ነታ ልዕሊ 58 ዓመት ዕድመ ዘለዋ፡ ብነዊሕ ታሪኽን ጽቡቕ ዝኽርን እትፍለጥ እንኮ ወግዓዊት ልሳን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶና ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ተሓቲማ ከም ዘላ ነበሥሮም። ንሸሞንተ ዓመታት ካብ ሕትመትን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ተኣጊዳ ድሕሪ ምጽንሓ፡ ብሠናይ ፍቓድ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ብልዑል ተገዳስነት ዋና ኣዳላዊአ ዝነበረ ክቡር ዲያቆን ተኽለማርያም ምርካጽዮንን ብጸሎት ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ብዘይሕለል ጻዕሪ ኣሕዋትን ዳግማይ ተሓቲማ፡ ናብ ኩሉ ሰብ ትዝርጋሕ ስለዘላ ንዝፈልጥዋ ምእንቲ ክዝክርዋ፡ ነቶም ዘይፈለጥዋ ድማ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣንበብታ ንክኾኑ ኣብ ኢዶም ከምትበጽሕ ንግበር።
ኣብ መደምደምታ ክንብሎ ንደሊ ንሕና ክርስቲያን ውሉድ ናይቲ ክቡር ክርስቶስ ኢና። ቅዱስ ወንጌል ድማ ዘድሕን ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ንሕናውን ወንጌል እንተ ሰበኽና ንምክሓሉ ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክንሰብኽን ክንምህርን እዙዛት ኢና። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽና ግና ወይልና። 1ቆሮ 9፡16። እምነት ኣሎኒ ምባል ከኣ ኣኻሊ ኣይኮነን። እምነት ምግባር እንተ ዘይብልላስ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ያዕ 2፡17። ስለዚ ብዛዕባ እታ ኣብ ልብና ዘላ ሓቀኛ እምነት ንኻልኦት ክነግርን ክንምስክርን ደኣ እምበር፡ ንክቡር ጊዜና ብዘይጠቅም ወረ ተባህለ-ተገብረ ክንብልን ፈቐዶ ጓይላ-ዳንኬራ ክንዘልልን እዋኑ ዝፈቕዶ ኮይኑ ኣይስምዓናን። ንኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላም ይሓልዋልና። ንዓና ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ተጊህና ንኸነገልግል ኣምላኽ ጸጋን ጥበብን የብዝሓልና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ