ካልኣይ ምጽኣት መዓስ እዩ ዝፍጸም
ብኻልኣይ ምጽኣቱስ ብኣዝዩ ዘፍርሕን ዘደንቕን ዘንቀጥቅጥን ኣመጻጽኣ ንጉሠ ነገሥት እዩ ዝመጽእ። በቲ ንሱ ዝምለሰሉ ጊዜያት ብዙሓት ምልክታት ክረኤ
እዩ። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግሥቲ ኣብ ልዕሊ መንግሥቲ ክትንስኡ፡ ኣብ በቦትኡ ድማ ምንቅጥቃጥ መሬት ክስማዕን ክረኤን እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ድማ ቅድሜኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ መከራ ክወርድ እዩ። ሓይሊ ሰማያት (ከዋኽብትን ፕላኔትን) ድማ ክናወጽ እዮም። እዚ ናይ ፈለማ መጠንቀቕታ ንደቂ ሰባት እዩ። ብድሕሪ እዚ ጐይታ ብኣእላፋት መላእክቱ ተዓጂቡ ብብርቱዕ ሓይልን መለኮታዊ ግርማን ንምልእቲ ዓለም ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ክግለጽ እዩ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ምድሪ ዘለዉ ደቂ ሰባት ድማ ናብ ጐይታ ክእከቡ እዮም። (ማቴ፡24፡29-31) "እንሆ ብደመና ይመጽእ ኵሎም ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ’ውን ኪበኽዩሉ እዮም።" ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ እታ ሰዓትን ዕለትን እቲኣስ ክንደይ ኰን ተፍርህ እያ (ራእ፡ 1፡7)
እምብኣርከስ በዛ ኣዝያ እተፍርህ ዕለት እዚኣ ጐይታ ብግርማ መለኰቱ ብልዑላዊ ክብሩ ምስ ተገልጸ፡ እቶም ሽዑ ዝዀኑ ነገራት ካብዚ ንደሓር ካብ ነዊሑ ብሓጺሩ ክንጽሕፍ ክንፍትን ኢና። ቀዳማይ ትንሣኤ ሙዉታን ክኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ድማ እቲ እግባይ ዝየብሉ ናይ ወዳእታ ፍርዲ ኣዩ።
ኣፈጻጽማ ምሥጢረ ትንሣኤ
ምሥጢረ ትንሣኤ ሙዉታን ከመይ ኢሉ እዩ ዝፍጸም፧ ንዝብል ሕቶ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ መሊስዎ ኣሎ። "እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኵላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኵላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዅሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሓልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕና'ውን ክንልወጥ ኢና (1ቆረ፡15፡51-52)። መለኸት ክብል ከሎ ናይ እግዚኣብሔር ኣዋጅ ናይ መለኸት ትእዛዝ ማለት እዩ። ነዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ ከምዚ ገይሩ ገሊጽዎ ዘሎ "ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱ'ውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡ'ውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቓላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ" (1ተሰ፡4፡16-18)። ኣልኣዛር ድምጺ ጐይታ ሰሚዑ ካብ መቓብር ከም ዝተንሥኤ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኩላቶም ብጐይታ ደቂሶም ዘለዉ ድምጹ ሰሚዖም ክነቕሑ እዮም (ዮሃ፡ 11፡38-44 5፡25-29)።
እምብኣርከስ ምስጢር ትንሣኤ ሙታን ብትእዛዝ ጐይታ እዩ ዝፍጸም። እዚ ትእዛዝ እዚ ድማ በቲ ሊቀ መላእክቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓያል መልኣኽ፡ ብድምጹ ትንሣኤ ክእውጅ እዩ። ንሙዉታት ዘተንሥእ ጐይታ ባዕሉ እኳ እንተኸነ፡ ብትእዛዝ ጐይታ ምዉታት ክትንሥኡ ዝእውጅ ግና፡ እቲ ስለ "ህዝቢ እግዚኣብሔር ዝቖውም ዓቢ መልኣኽ” ዝበሎ ዳንኤል፡ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ኣዩ።
ሓዋርያ ጳውሎስ "ዳሕረዋይ መለከት ምስ ተነፍሔ" ከም ዝበለ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ኣዋጅ ድምጺ መለኸት ከም ዘሎ ኣመልኪቱልና ኣሎ። ብተወሳኺ ብትእዛዝ ጐይታ ሙዉታን ንምትንሣእ ሰለስተ ጊዜ መለኽት ከም ዝንፋሕ፡ እቲ ሓደ ካብ ኣቦታት ዝዀነ ያዕቆብ ዘሰሩግ ከምዚ ኢሉ ይምህረና። “በታ ቀዳመይቲ ኣዋጅ እቲ ኹሉ ፋሕ ብትን ኢሉ ዝነበረ ኣካላት ካብታ ዝነኣሰትን ዝደቐቐትን ክሳዕ እታ ዝዓበየት ኣብ ሓደ ቦታ ተራኺቡ ይእከብ። በታ ካልኣይቲ ኣዋጅ ድማ ከም ሓድሽ ሬሳ ይኸውን። እዚ ማለት ኣዕጽምቱን ሥጋኡን ተዋሃሂዱ ይራኸብ። በታ ሳልሰይቲ ኣዋጅ መለኸት ድማ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ብቅጽበት ዓይኒ ሙዉታን ይትንስኡ እናበለ ይምህረና (ቅዳሴ ያእቆብ ዘሥሩግ ቁጽር 91-92።1ቆረ፡15፡ 51-57)።
መውዳእታ ፍርዲ
ኩላቶም ሙዉታን ምስ ተንሥኡ ናይ መውዳእታ ፍርዲ ይመጽእ። ሽዑ ጎይታ ነቲ ምእንቲ ምድሓን ደቂ ሰባት ኢሉ ነቲ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ሕማም ሞቱን ኣብ ኣእዳ'ውን ኣእጋሩን ጎኑን ዘለዉ ምልክታት ስቕለቱ፡ ጻድቃናትን ሓጥኣንን ከላቶም ከም ዝርእይዎ ክገብሮም እዩ። ኩላተን የዒንቲ ድማ ክርእያኦ እየን ከም ዝተባህለ። እቶም ዝወግእዎ ከይተረፉ ክርእይዎ እዮም ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ኣይሁድን ሮማውያንን ከይተረፉ ክርእይዎ እዮም። ስለዚ ድማ እዩ ምድራውያን ዝዀኑ ሰባት ዋይ ዋይ እናበሉ ከልቅስሉ እዮም ተባሂሉ ዝተጻሕፈ። (ራእይ 1፡7) ጐይታ ከምዚ ገይሩ ምግላጹ ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነን፡ ጐይታ ስለ ሓጢኣቶምን ስለ በደሎምን ኣብ ክንዳኦም ፍርዲ ሞት ዝተቐበለ፡ ስሌኦም ከም ምዃኑ ኣሚኖም ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም ብስነ ምግባር እናነበሩ ክሳዕ መውዳእታ ንዝተዓገሱ ጻድቃናት ዓስቦም ክህቦም መሰረታዊ ምኽንያተ-ሞቱን ትንሣኤኡን እዚ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ነቶም ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዝፈጸሞ መስዋእቲ ምድሓን ነጺጐም ዘይተቐበልዎ ሓጥኣን፡ ብሰንኪ ዘይምእማኖም ንስርየት ሓጢኣት ብሰንኪ ዘይምቕባሎም ክወቅሶም እዩ። ካብ ናይቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ መንግሥቲ ግደ ስለ ዘየብሎም፡ ኣብ ደገ ክተርፉ እዮም። ንሳቶ'ምውን ባዕሎም ንባዕሎም ስለ ዝፍረዱዋ፡ ማለት ብሓጢኣቶም ስለ ዝተፈርዱ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ደገ ክተርፉ እዮም እምበር ገጹ ክርእዩ ዓቕሚ የብሎምን (ምሳሌ 28፡1)።
ሙሴ ኣብ ባላ ተመን ምስ ሰቐለ፡ ነቶም ኣብ በረኻ ነርብዓ ዓመት ከርተት ዝበሉ ደቂ እስራኤል፡ ብሰንኪ በደሎም ኣትማን ነኸስዎም እሞ ሞቱ፡ ሽዑ እግዚኣብሔር ንሙሴ፡ ምስሊ ተመን ኣብ ኣብ ዕንጨይቲ ስቐሎ እሞ ነቲ ዝተሰቕለ ተመን ዝረኣየ ዘበለ ክድሕን እዩ በሎ፡ ሙሴ ድማ ከምኡ ገበረ። እዚ ምስሊ ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣትና ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ዝስቀል ጎይታ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኢና ኩሉ ግዜ “መስቀል ሓይልና መስቀል ጽንዕና” እንብሎ። ነዚ መስቀል እዚ ርእዮም ክድሕኑ ዘይደለዩ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ግና ክርእይዎ እዮም። ከመይሲ ጎይታ ነቲ ኣብ መስቀል ዝተወግኤ ጐኑን፡ ዝተሸንከረ ኣእዳውን ኣእጋሩን ንብዝሓት ዘይኣምኑ ከርእዮም እዩ። ስለዚ መስቀል ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ዓቢ ግደ ኣለዎ። (ዮሃ፡1፡29 1ዮሃ፡1፡7 ራእይ 7፡14፡ 21፡27)
ኣብ ፍርዲ ዝቐርቡ እቶም ጨሪሾም ዘይኣመኑ ጥራይ ኣይኰኑን፡ ኣብ ፍርዲ ዝቐርቡስ እምነት ዝኣምኑ እሞ ብግብሪ ዘይነብሩሉ ድማ እዮም። ኣሚኖም ብግብሪ ስለ ዘይነበሩሉ ማለት ከምቲ ሓደ መክሊት ተቐቢሉ ነታ መኽሊት ከይነግደላ ወይ ንነጋዶ ከይህባ፡ ከይትጠፍእ ኢሉ ኣብ ቤቱ ጉድጓድ ኩዒቱ ዝቐበራ ሰብኣይ እዮም ዝመስሉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እግዚኣብሔር ከም ዘሎ ይኣምኑ እንተዀነ ብተግባር ጸረ እምነቶም ዝኰነ ተግባራት ስለ ዝሰርሑ ንባዕላቶም ግብሮም ይፈርዶም፡ ብምሳሌኦም ድማ ወዲቖም ንኻልኦት ስለ ዘዕልዉን ዘውድቑን፡ ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም ንጥፍኣት ይፍረዱ (ቲቶስ 1፡16)። ብግብሪ ዘይትትርጐም እምነት ምውቲ እያ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ጽቡቅ ግብሪ ዘየብሉ ዘበለ፡ እምነቱ ከንቱ እያ (ያኢ፡ 2፡14-26)። ምኽንያቱ ነቲ ብፍቅሪ እግዚኣብሔርን ብጽቡቅ ተግባርን ክርስቶስን ዝተሰረተ እምነት ስለ ዝኸሓደ።
ምናልባሽ እቲ ክሕደት ከመይ እዩ፧ ክንብል ንኽእል ንኸውን፡ ክሕደት ማለት ንድኻታት ክትረድእ እናኸኣልካ ከሎኻ የእዳውካ ዘይምዝርጋሕ፡ ምስ ገበርቲ እከይ እዩ ዘቑጽር። ምኽንያቱ ብናትና ስቕታን ዘይምግዳስን ካልኦት ክጉድኡ ስለ ዝኽእሉ። ስለዚ ክፉእ ብዘይ ምግባር ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ተግባር ብዘይ ምግባርና ሰባት ዝብደሉን ዝጉዱኡን እንተ ዀይኖም፡ ንክርስቶስ ከም ዝበደልና ተቖጺሩ ኣብታ ናይ መጨረስታ ዕለተ ፍርዲ ተሓተቲ ኢና። ስለዚ በዚ ምኽንያት እዩ ነቶም ጽቡቕ ተግባር ዘለዎም ገበርቲ ሰናይ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ኢሉ ዝተጻሕፈሎም።
“ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉሥ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለውልኩም መንግሥቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስተኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዓሪቐ፡ ከደንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስተናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናካ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዓሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሓሚምካ ራኤናካ ወይ ተኣሲርካ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉሥ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
"ድሕሪዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቁ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለዓለም ሓዊ።" ምስ በሎም ነተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ሽዱሽተ ምግባረ ሠናይ ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስተኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዓሪቐ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሓሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዓሪቕካ፡ ወይ ሓሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፡ ኢሎም ይመልሱሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናኣሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለዓለም ህይወት ኪኸዱ እዮም (ማቴ፡25፡ 31-46)።
እምብኣርከስ ኣብ መወዳእታ ኹሉ ሕይወትና ብምግባርና ፍርዲ ከም ዘሎ ተመልኪትና ኣሎና። እምነትና ብጽቡቕ ስራሕ እንተዘይተገልጸት፡ ካብ ፍርዲ ከምዘይንድሕን ተጻሒፉስ ኣንቢብናዮ ኣሎና። ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቲ ንኣምኖ ክርስቶስ ናይ ኩሉ ሰናይ ተግባር ዋና ካብ ዀነ፡ እምነትና ኣብ ቅድሜኡ ጽቡቕ ተግባር እንተዘየብላ፡ ይኣምን እየ ማለትሲ ኣይጠቅምን። ከመይሲ ሰይጣንውን ምግባር ስለ ዘየብሉ ድኣሉ ዝጠፍኤ እምበር፡ እግዚኣብሔር ከም ዘሎስ ኣጸቢቑ ይኣምን እዩ።
እምነትና ብግብርና ክምርመር ከሎ፡ ክርስቶስ ከም ጽጉም ኣብ ማእከል ጽጉማት ኣሎ፡ ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ፡ ንድኻታት ዝድንግጸሎም ዘጸናንዑዎምን ዝምጽውቱሎምን ንዝተሽገሩ ንዝሓመሙ ንዝተኣስሩ ዘጸናንዑን ዝበጽሑን ዝረድኡን ኣመንቲ ንክርስቶስ ከም ዝገበሩሉ እዩ ዝቁጸር ወይ ድማ ንእግዚኣብሔር ከም ዘለቅሕዎ እዩ ዝቁጸር እሞ ግብርና ንመርምር።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ