ኣርባዕተ መንእሰያት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል፡ ብ12 መስከረም 2010 (2 መስከረም 2003 ግእዝ) ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ( ብኢድ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተቐቢኦም። እቲ
ጸሎት-ቅብኣት ኣብቲ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2003 ዓመተ-ምሕረት ግእዝ ዝተመሓላለፈ ኣገልግሎት ብመራኸቢ መርበብ ሓብሬታ ተዋህዶ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሑ።እዞም መዓርገ-ዲቁና ዝተቐብኡ መንእሰያት ኣብ ኣሜርካ ዝተወልዱ ኮይኖም ተረከብቲ ሕድሪ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ስለ ዝኮኑ፣ ንእግዚኣብሔር ብምሉእ ልቦም ከገልግልዎ ምእመናን ብጸሎት ክዝክርዎም ነዘኻክር። ኣብዚ ምፍራስ ሕጊ ዝገነነሉ ጊዜ: ሃዋርያዊ ሕግን እምነት ቤተ ክርስቲያንን ክሕልዉ: ነታ ብደም ክርስቶስ ዝተነድቀት ቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ እግዚኣብሔር ሓርዩዎም እዩ'ሞ ብእምነት ክነብሩ፣ ኩሉ ደገፍ ከይፍለዮም ሓደራ ንብል።
ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ መንፈሳዊ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ-ስያትል ንዓብይትን ንመንእሰያትን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቦም። ብተወሳኺ፣ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካይድዎ ክፉት ዘተ፣ ኣብ መንፈሳውን ሕግን ቤተ ክርስትያን ዘተኾረ ቃለ መሕትት ኣካይዶም። እቲ መደብ ብቐጥታ ኣብዚ መርበብዚ ኣብ እዋኑ እኳ እንተተመሓላለፈ፣ ምእመናን ክረብሕሉ ምእንቲ ብሲዲ መልክዕ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ምኻኑ በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር።
ብተወሳኺ፣ ኣብ ድሮ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ንህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬ፣ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተሪር ዝኾነ መልእኽቲ ንጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣመሓላሊፎም። ኣብ መልእኽቶም፣ "ከምቲ ኮፍ እትብልሉ ዘሎኹም መናብር ሸረር ሸረር ዝብል፡ ከምኡ ከኣ ዓለም እናተሽከረከረት ክትሓልፍ እያ" ክብሉ ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣዘኻኺሮም። ብቕኑዕናን ብፍትሕን እንተዘይመሪሖም፣ ብታሪኽ ከምዝሕተቱ ድማ ኣባታዊ ማዕዳ ሂቦም። ንጳጳሳት ተዋህዶ ድማ ትብዓት ክገብሩ፣ ንሰብ ዘይኮነ ንኣምላኽ ከገልግሉ ከምዘለዎም ሕውነታዊ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ነቲ መንደዓት ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ዘሎ ኣቶ ድማ ነቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ዳግማይ ክሓስበሉ ኣዘኻኺሮም። ኣብ መዕጸዊ መልእኽቶም፣ ብዘይካ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ካልእ መራሒ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ከምዘየለ ድሕሪ ምንጻር፣ ኣምላኽ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ክህቦ ጸልዮም።
ጳጳስ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ፣ ልዕሊ ሾሞንተ (8) ቋንቋታት ዝፈልጡ ሎሚ ብህይወት ካብ ዘሎዉ ውሑዳት ናይ ቋንቋ ሊቃውንቲ ሓደ እዮም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ