“ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ’ምበር፡ ንሓጐስ ዚኸውን ኣይመስልን’ዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ’ዩ ዚፈርይ።” እብ 12፡11
እዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና “ዘመፃጒዕ” (ዘመጻጒዕ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፈዋስነትን ኵሉ ከኣልነትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትነሉን ክንመሃረሉን ዝተሰርዓልና መዓልቲ ድማ’ዩ። ነዛ ሰንበት’ዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክሳዕ’ታ እትስዕብ ሓምሸይቲ ሰንበት ንዘሎ መዓልታት ናይ’ዚ ሰሙን’ዚ’ውን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ክንመሃርን፡ ብዛዕባ ህልዊን ናይ መጻእን ጥዕናዊ ጸገማትና’ውን ኣብኡ ምውካል እንመሃረሉን እንለማመደሉን ሰሙን’ዩ። እዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን ብዛዕባ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዝመጽጒዐ’ሞ ብጐይታና ዝተፈወሰ ሰብኣይ ዚትርኽ ናይ ዮሃ 5፡1-18 ክፍሊ ወንጌል’ዩ። ናይ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ታሪኽ ህይወት፡ ምስ’ዚ ንሎሚ ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲ ስብከት ዚሰማማዕ’ዩ። በቲ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ፦
“ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዚአብሔር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕና’ውን ብስምብራቱ ሓወና።” ዚብል ብዛዕባ ጐይታና ዝተነግረ ትንቢት መሰረት፡ ናይ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ሕማም ባዕሉ ብምጻር ፈወሶ (ኢሳ 53፡4,5)። እቲ ንብዙሓት ሰባት ምፍዋሱ፡ ፍጻመ ናይ’ዚ ትንቢት’ዚ ኸም ዜመልክት፡ እቲ ወንጌላውን ሃዋርያን ዝዀነ ቅዱስ ማቴዎስ፦ “ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት (ሰባት) ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ‘ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምና’ውን ጾረ’ እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽአ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ማቴ 8፡16,17)። እምበኣር፡ እዚ ተኣምራዊ ሕውየት ናይ’ዚ ሰብኣይ’ዚ’ውን፡ ኣካል ናይ’ዚ ትንቢታዊ ፍጻመ’ዩ። እዚ ሰብኣይ’ዚ ተፈዊሱ ድሕሪ ምኻዱ ድሕሪ ገለ መዓልታት ምስ ጐይታ ብኣካል ተራኸቡ’ሞ፡ “እንሆ ሓዊኻ፡ ካብ’ዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል።” ብምባል፡ እቲ ቐዳማይ ሕማሙ’ውን ብሰሪ ዝፈጸሞ በደል ዝተዋህቦ መቕጻዕቲ ኸም ዝዀነ ዜስምዕ ቃል ተዛረቦ (ዮሃ 5፡14)። እቲ ናይ እብ 12፡11-17 ንባብና’ውን፡ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ረብሓን ናይ ቅጽዓት መሰረታዊ ርድኢት ዜጨብጠና ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ብዕምቈት ክንድህስሶ ኣገዳሲ’ዩ።
ረብሓ ኣምላኻዊ ቕጽዓት እንታይ’ዩ፧ እግዚአብሔር ንምንታይ’ዩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ቅጽዓት ዜዘውትር፧ ናይ ሎሚ ንባብና ኻብ ፍቕዲ 11 ዚጅምር ኰይኑ’ምበር፡ እቲ ኣብ’ዛ ምዕራፍ’ዚኣ ዝተገልጸ ረብሓ ናይ ቅጽዓት ካብ ፍቕዲ 4-11 ዝተዘርግሐ’ዩ። በዚ ንባብ’ዚ መሰረት፡ ረብሓ ቕጽዓት እዚ ዚስዕብ’ዩ።
1ይ. ኣምላኽ ፍቕሩ ዚገልጸሉ መገዲ’ዩ። (ፍ.5.6)
2ይ. መርትዖ ውልድነትና’ዩ። (ፍ.7-9 ዘዳ 8፡5 ምሳ 3፡11,12)
3ይ. ካብ ቅድስና ኣምላኽ እንማቐለሉ’ዩ። (ፍ.10)
4ይ. ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እንፈርየሉ’ዩ (ፍ.11)
5ይ. መፈጸምታና ዘለኣለማዊ ሓጐስ ዚገብር’ዩ። (ፍ.11)
እዘን ክልተ ናይ መወዳእታ ረብሓታት ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብና ዚርከባ’የን። ነተን ቀዳሞት ሰለስተ ረብሓታት ከኣ ኣብ ናይ ካልእ መዓልታት ንባብ ክንረኽቦ ኢና። ብዛዕባ ቕጽዓትን ረብሓታቱን ዝተማልአ ስእሊ ምእንቲ ኽንረክብ ዝተጠቕሰ’ዩ። ናይ ብሓቂ ብምስትውዓል እንድሕር ተረዲእናዮ፡ ንጊዜኡ ዚመርርን ዜጒህይን’ኳ እንተ መሰለ፡ ኣምላኻዊ ቕጽዓት ኣዝዩ ተበሃጊ መንፈሳዊ ህያብ ምዃኑ ከቶ ዘይከሓድ’ዩ። ነዚ ረብሓታት’ዚ ኣስተውዒልካ፡ በቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱን ሰናይን ባህርዩ ተደሪኹ ዚህበካ ቕጽዓት ክትሕጐስ እትኽእል፡ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ዝተኸፍተ፡ ብርሃን ኣምላኽ ዝበርሃሉ ሰብ ምዃን ከም ዚሓትት ርዱእ ሓቂ’ዩ። ሰባት በቲ ንረብሓኦም ኢሉ እግዚአብሔር ዘውረደሎም ቅጽዓት ተጐዲኦም ዚተርፉ ኸኣ እዚ መንፈሳዊ ብቕዓት’ዚ ስለ ዚጐድሎም’ዩ። ንቕጽዓት ኣምላኽ ብትዕግስቲ ተቐቢልካ ረብሓታቱ ክትጐናጸፍ ምኽኣል፡ ናይ መንፈሳዊ ብጽሕናን ብስለትን ብቑዕ መለክዒ’ዩ። እቶም ነዚ ብስለት’ዚ ዝበጽሕዎ ናይ ኣምላኽ ሰባት፡ እግዚአብሔር ኪቐጽዖም ክሳዕ ምልማን’ዮም ዚበጽሑ። ነብዪ ኤርምያስ፡ ሓደ ኻብ’ቶም ነዚ ደረጃ’ዚ ዝበቕዕዎ ናይ ኣምላኽ ቅዱሳን’ዩ።
“ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስ’ውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ፡ እፈልጥ ኣለኹ። ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ፡ ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ፡ ብቝጥዓኻ ኣይኰነን።” ኤር 10፡23,24
እዚ ቕዱስ ነብዪ’ዚ፡ ንስጒምቱ ባዕሉ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ ስለ ዝተረድአ፡ ረድኤት ኣምላኽ ከም ዜድልዮ ኣስተውዓለ። እታ ስጒምቱ እተቕንዕ ካብ ኣምላኽ ዚጽበያ ረድኤት ድማ መቕጻዕቲ ዀነት። ብትብዓት ከኣ “ቅጽዓኒ” ኢሉ ለመነ። ንመብዛሕትና ከም’ዚ ዘመሰለ ልማኖ፡ ናይ ዓያሱ ዀይኑ ስለ ዚስምዓና፡ ይትረፍ ከምኡ ኢልና ኽንልምን፡ ነዛ ንምንባቡ ወይ ንምስምዑ’ዩ ዜሰቅቐና።
ነብዪ ኢሳይያስ’ውን ብዛዕባ ንህዝቢ ይሁዳ ዝወረዶ ጸበባ ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ መገዲ ህዝቢ ኺበላሸው ከሎ ናይ እግዚአብሔር ምትእትታው ኢድ የድልይ ከም ዝነበረ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹ ኣሎ።
“ካብ ሰማይ ኣመንጽር፡ ካብ’ቲ ማሕደር ቅድስናኻን ግርማኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ኣበይ ኣሎ፧ ርሕራሔ ልብኻን ካበይ ተኸልከለ። . . . ዎ እግዚአብሔር ካብ መገድኻ ኽንዘብል፡ ከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኺተርር ዝሓደግካና ስለምንታይ ኢኻ፧ ስለ ባሮትካ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ። . . . ብጸበባ ደለዩኻ፡ ቅጽዓትካ ምስ ረኸቦም፡ ሰላሕ ኢሎም ጸሎት ኣፍሰሱ።” ኢሳ 63፡15,17፣ 26፡16
ካብ’ዚ ሓሳብ’ዚ ኸም እንርድኦ፡ ካብ መገዱ ኺዝምብሉን ልቦም ኪተርር ከሎን፡ ብቕጽዓት ናብ’ቲ መገዱ ኺመልሶም ትጽቢት ከም ዝነበሮ ዜመልክት’ዩ። ቅጽዓት ንእግዚአብሔር መግለጺ ፍቕሩ፡ መርኣያ ሓልዮቱን ሕያውነቱን’ዩ። ነቲ መስፈር ዓመጻኡ ዘይመልአን ዘመን ንስሓኡ ዘይወድአን ውልቀ ሰብ ኰነ ህዝቢ ብምሕረቱ ይቐጽዖን የቕንዖን፡ ነቲ ዝቐበጾ ህዝቢ ግን ንጥፍኣቱ ብቝጥዓኡ ይቐጽዖን የብርሶን (ኤር 30፡11)። ክሳዕ ሕጂ ብዝረኣናዮ መሰረት፡ ቅጽዓት ኣምላኽ
6ይ. መገድኻ የቕንዕ (ኤር 10፡23,24)
7ይ. ጸሎትካን ምውካልካን የዕዝዝ (ኢሳ 63፡15,17፣ 26፡16)
እቲ 8ይ ረብሓ ኸኣ “ብጽእና ዜውህብ” ምዃኑ’ዩ።
“እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዚግስጾ ሰብ’ሲ ብጹእ’ዩ፡ ስለ’ዚ ንመቕጻዕቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣይትንዐቆ።” እዮ 5፡17
“ዎ እግዚአብሔር፡ ጕድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኵዓት፡ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ’ዩ።” መዝ 94፡12,13
“ብጹእ” ማለት “ምስጉን” ማለት’ዩ። ነቶም ነቲ ዝተመደበሎም ቅጽዓት ብጸጋ ተቐቢሎም መገዶም ብምቕናዕ ንሓሳብ ኣምላኽ ዜገልግሉ ሰባት፡ እግዚአብሔር ይንእዶምን የመስግኖምን’ዩ። ናይ እግዚአብሔር ምስጋና ኸኣ፡ ከም ናይ ሰብ ናእዳ ባዶ ቓላት ጥራሕ ኣይኰነን። ጻማ ዜውህብ፡ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ዜጐናጽፍ ናእዳ’ዩ። ስለ’ዚ ይኽበድ ይቕለል፡ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ በቲ እግዚአብሔር ብፍቕሩን ብሕያውነቱን ተደሪኹ ዚህበና ቕጽዓት፡ ናብ’ዚ ብጽእና’ዚ ምብጻሕና ኸነረጋግጽ ይግባእ። ከመይሲ፡ ንቕጽዓት ኣምላኽ ምጽላእ ማለት፡ ነቲ ብቕጽዓቱ ዝተገልጸ ሰናይ ሓሳብን ክቡር ዕላማን ምጽያፍን ምስትንዓቕን ማለት’ዩ።
እግዚአብሔር ብኸመይ’ዩ ዚቐጽዕ፧ ኣገባብ ቅጽዓቱ እንታይ ይመስል፧ እግዚአብሔር ዚኣክል ኣምላኽ፡ “ብዘይ ኣገባብ ስቕ ኢሉ፡ ብሃውሪ’ዩ ዚቐጽዕ” ኢልካ ምሕሳብ ኣዝዩ ኸቢድ ስሕተት’ዩ። ሰብ፡ እዚ ድኹምን ዓመጸኛን ፍጥረት’ኳ፡ ነቲ ንገበን ዚህቦ ቕጽዓት ተመጣጣንን ኣገባባውን (ኣገባብ ዘለዎን) ኪገብሮ ይጋደል’ዩ። እግዚአብሔር ካብ ዚጥቀመሎም ኣገባባት ቅጽዓት ነዚ ዚስዕብ ይመስል።
1ይ. ብልክዕ ይቐጽዕ፦ እዚ ናይ እግዚአብሔር ኣገባብ ኪርድኣና እንተ ዀይኑ፡ ናይ ቅጽዓት መንፈሳዊ ትርጒም ኪርድኣና ይግባእ። ምቕጻዕ ማለት ግብሩ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዚምለሶ ምግባር ማለት’ዩ። እቲ ዚቕጻዕ ኵሉ ጊዜ እቲ እኩይ ግብሪ ስለ ዝዀነ፡ ግብርኻ ናብ ርእስኻ ኪምለሰካ ኸሎ፡ ጥዑም ኰይኑ ኣይምለሰካን’ዩ። ንሓጢኣት ብሓጐስ ዚገብሮ ሰብ፡ እቲ ሓጢኣቱ ኸም መቕጻዕቲ ዀይኑ ኺምለሶ ኸሎ ግና ኣዝዩ ይምረር’ምበር ኪሕጐስ ኣይክእልን’ዩ። እታ ብሓጢኣትካ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ኰነ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝኸዓኻዮ ምርረት፡ በቲ ዝሰፈርካሉ መስፈሪ መጠን ኣብ ልዕሌኻ ምስ ተኻዕወ፡ ዓስቢ ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኣካ። “ኣነ ኸኣ ብሰሪ ኣካይዳኦም ክቐጽዖም፡ ግብሮም ክመልሰሎም’የ።” ሆሴ 4፡9
እግዚአብሔር ነቲ ኣበሳና ኣብ ልዕሌና ኺመልሰልና ኸሎ ነቲ ኣበሳና ብዚምጥን ብልክዕ’ምበር ካብ’ቲ ዚግብኣና ንላዕሊ ኣይቀጽዕን’ዩ።
“ምእንቲ ኸድሕነካስ፡ ኣነ ምሳኻ’የ፡ ነቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ዅላቶም ህዝብታት ብጥራስ ከጥፍኦም’የ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን’የ፡ ብልክዕ ደኣ’የ ዝግስጸካ’ምበር፡ ከይቀጻዕኩስ (ፈጺመ) ኣይሓድገካን’የ፡ ...” ኤር 30፡11
“ከም’ቲ ነቶም ወቓዕቱ (ገይሩ) ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ’ዩ፧ ወይስ ከም’ቲ ንቕቱላቱ ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ’ዩ፧ ኣርሒቕካ ብምስጓጒ ብልክዕ ቀጻዕካዮ፡ ብመዓልቲ ንፋስ-ምብራቕ፡ ብብርቱዕ ህቦብላ ደፍኦ።” ኢሳ 27፡7,8
ስለ’ዚ እግዚአብሔር፡ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ገይሩ ዚቐጽዕ ገፋዒ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርና ኸይንሓስቦ ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ነቶም “ብጥራስ ዘጥፍኦም”’ውን ልዕሊ ልክዕ ቀጺዕዎም ማለት ኣይኰነን። ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ናይ ሓጢኣትካ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይሩ ኸም ዚቐጽዕ ዝተዛረበሉ ጊዜ ኣሎ (ዘሌ 26፡28)። እዚ ግና፡ ብዘይ ልክዕ ዘይግብኦም መቕጻዕቲ ኸም ዝሃቦም ኣየስምዕን’ዩ። ነቲ ኣበሳ’ቲ ኣብ’ዛ ምድሪ ኺወሃብ ዚግብኦ መቕጻዕቲ ኽንድኡ ኸም ዝዀነ በቲ መለኮታዊ ፍትሑ ዝወሰኖ ስለ ዝዀነ’ዩ።
2ይ. ከም ፍቓዱ’ዩ ዚቐጽዕ፦ ሉኣላዊ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብምንታይን፡ መዓስን ማዕረ ኽንደይን ከም ዚቐጽዕ ባዕሉ ብናቱ ፍቓድ’ዩ ዚውስኖ። “ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም’የ፡ ኣብ’ቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩ፡ ህዝብታት ንጒድኣቶም ኪእከቡ’ዮም።” ሆሴ 10፡10
“ብኸም’ዚ ዓይነት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ብኸም’ዚ መጠን እንተ ዚቐጽዓኒ” ኢልና ኣብ’ቲ ናቱ ሉኣላዊ ፍቓድ ኢድና ኸነእትው ኣይንኽእልን ኢና። እታ ዝመደበልናን ዘውረደልናን ቅጽዓት ብዓይነታ ብጊዜኣ ዀነ ብኽብደታ እታ ልክዕናን እታ ዝበለጸት እተሕሸናን ቅጽዓት ምዃና ኣሚንና ብጸጋን ብምስጋናን ክንቅበላ ጥራሕ’ዩ ዚግብኣና። ነፍሲ ወከፍ ርእይቶና፡ እግዚአብሔር ግጉይን ዘይሚዛናውን ምዃኑ ኼእምን ዚፍትን ዓለወኛ ርእይቶ’ዩ። ከም’ቲ ንቕዱስ ዳዊት ብምሕረቱ ዝገበረሉ፡ ካብ’ቲ ንሱ ተመጣጣኒ ኢሉ ዝመደቦ ቕጽዓት ክንመርጽ እንተ ፈቐደልና ጽቡቕ’ዩ (2ሳሙ 24፡10-14)። ቅዱስ ዳዊት’ውን ዓይነት ናይ ቅጽዓት ኣይመረጸን፡ ዓይነት ኢድ’ዩ ዝመረጸ። “ኣብ ኢድ ሰብ ኣይተውድቐኒ” ዝበለ፡ ናይ ሰብ ዚኸብድ ኰይኑ ዘይኰነስ ሰብ ኵሉ ጊዜ ኪኖ’ቲ ዝተኣዘዞን ዝተፈቕደሉን ዚሓልፍ ስለ ዝዀነ’ዩ።
3ይ. ብምሕረቱ ይቐጽዕ፦ እዚ ኣገባብ ቅጽዓት’ዚ ነቶም ብልቢ ዚፈርህዎ ዝተሓዝአ ቕጽዓት’ዩ። ወዲ ሰብ ድኹም ፍጥረት ከም ምዃኑ መጠን፡ ዋላ ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ክነሱ፡ ናብ’ቲ ዚጽየፎ ሓጢኣት ዚወድቀሉ እዋን ብዙሕ’ዩ። እግዚአብሔር ከኣ ነቲ ንሓጢኣት እናተጸየፎ ዚወድቆ ባርያኡን፡ ነቲ ንሓጢኣት ብባህታን ብልዑል ፍቕርን ዚፍጸሞ ዓመጸኛ ሰብን ብሓደ ዓይኒ ኺርእዮም እቲ ቕዱስን ፍትሓውን ባህሪኡ ኣየኽእሎን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ነቲ ዚፈርሆ ባርያኡ ከም መጠን ሓጢኣቱ ዘይኰነስ ብምሕረት ይቐጽዖ (እዝ 9፡13)።
“እግዚአብሔር ርሕሩሕን መሓርን’ዩ፡ ንዅራ ደንጓዪ፡ ብሳህሊ ድማ ምሉእ’ዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕን፡ ንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን’ዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፡ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን’ዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን። . . . ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፡ ከምኡ እግዚአብሔር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም’ዩ።” መዝ 103፡8-11,13
4ይ. ብቝጥዓኡ ይቐጽዕ፦ ከም’ዚ ዝበለ ቝጥዓ ነቶም እግዚአብሔር ዝቐበጾም ብባህርዮም ደቂ ቝጥዓ ዝዀኑ ሰባት ዝተሓዝአ’ዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብቝጥዓይ፡ ብነድረይ፡ ብዅራይ ወቓዕክዎም ኣጥፋእክዎም” ወዘተ ዚብል ቃል ናይ እግዚአብሔር ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። “ኣነ ባዕለይ ብእተዘርግሐት ኢድን ብብርቱዕ ቅልጽምን ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቝጥዓ ክዋግኣኩም’የ።” ኤር 21፡5
ልዕሊ ኢልና ኸም ዘንበብናዮ፡ እግዚአብሔር ብባህርዩ ንዅራ ደንጓዪ ንምሕረት ግና ቅልጡፍ’ዩ። ናብ’ቲ ንሱ ዘይደልዮ መኣዝን ብግብርና እንደፍኦ ንሕና ባዕላትና ኢና። ስለ’ዚ ብተዘዋዋሪ መገዲ ነቲ ኺወርደና እንደልዮ ዓይነትን ኣገባብን ናይ ቅጽዓት ባዕላትና ኢና እንመርጾን እንጽውዖን ማለት’ዩ።
5ይ. ከይነገረ (ከየፍለጠ) ኣይቀጽዕን’ዩ፦ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ብነብያቱን ሃዋርያቱን ዝገለጾ መስጣ ሓጢኣትን ጻማ ጽድቅን ዚገልጽ ትሕዝቶ ዝመልአ’ዩ። ሰባት ካብ ኣበሳኦም እንተ ዘይተመሊሶም እንታይ ከም ዜውርደሎም፡ ብነብያቱ ደጋጊሙ መዓልትን ለይትን ንዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ምንጋሩ’ዩ፡ ቅጽዓቱ ዜውርድ። ንኣብነት ንህዝቢ ይሁዳ ብነብዪ ኤርምያስ ጥራሕ ንልዕሊ 23 ዓመታት’ዩ ደጋጊሙ ነጊርዎም። ንመን እንታይ ከም ዚወርዶ ኸይተረፈ ዘርዚሩ ይገልጽ ነበረ (ኤር 25፡3፣ 20፡1-6፣ 22፡17-19፣ 28፡12-17)። ከይነገረ ኸም ዘይቀጽዕ፦
“ኪኸዱ ኸለው መርበበይ ክዝርግሓሎም፡ ከም ኣዕዋፍ (ካብ) ሰማይ ከውርዶም፡ ከም’ቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጽዖም’የ።” ብምባል ኣረጋጊጹልና’ዩ (ሆሴ 7፡12)። እግዚአብሔር ንመንን መዓስን ብኸመይን ከም ዚቐጽዕ ዘርዚሩ ዚነግር መጽሓፍ ኣብ ኢድካን ኣብ ገዛኻን እናሃለወ፡ “እግዚአብሔር ኣይነገረንን” ምባል፡ ውጹእ ክሕደት ምዃኑ ኸኣ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን።
በቲ ዝተቐበሎ ቕጽዓት ናይ ኣምላኽ ዚረብሕ መን’ዩ፧ ፍተዎ ጽልኣዮ ብዘየገድስ፡ ቅጽዓት ኣምላኽ ኣብ ዝባንካ ስለ ዝወረደ ጥራሕ፡ ረቢሕካ ኸም ዘየስምዕ ርዱእ’ዩ። ብቕጽዓት እንረብሕ፡ ንዕላማ ናይ’ቲ መቕጻዕቲ ምስ እነገልግል፡ ማለት እወታዊ መልሰ- ግብሪ ምስ እንህብ’ዩ። እግዚአብሔር ንኽልተ ምኽንያት’ዩ መቕጻዕቱ ዜውርድ።
እቲ ቐዳማይ፡ ናብ ሓጢኣት ካብ ምውዳቕ ንኺሕልወና ኪኸውን ከሎ፡ ናይ’ዚ ዕላማ’ዚ ዝለዓለ ኣብነት እቲ ናብ ናይ ትዕቢት ኣበሳ ምእንቲ ኸይወድቕ ዜሳቕይ ሕማም ኣብ ስጋኡ ዝተሰዅዓሉ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ዩ (2ቈረ 12፡7-10)። ዕላማ ናይ’ቲ ሕማም ስጋ ምስ ተነግሮ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንርእሱ ኻብ ትዕቢት ካብ ምሕላው ሓሊፉ፡ በቲ እግዚአብሔር ዝሓሰበሉ ሰናይ ሓሳብ ክሳዕ ምሕጓስን ምምካሕን በጽሐ። እቲ በቲ ቕጽዓት ዓብይ ደገፍ ተገይሩሉ ኼብቅዕ ናብ ሓጢኣት ዚወድቕ ግና፡ ኣይረብሕን ጥራሕ ዘይኰነስ ድርብ መቕጻዕቲ ዚጽበዮ ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ እግዚአብሔር በቲ መቕጻዕቲ ኼስልጦ ዝሓሰቦ ሰናይ ዕላማ ከንቱ ስለ ዝገበሮ’ዩ። እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ ድሮ ኻብ ዝኣተኻዮ ሓጢኣት ብንስሓ ምእንቲ ኺመልሰካ’ዩ። ብምሉእ ልብኻ ተመሊስካ ኣብ’ታ መገዲ ኣምላኽ ምስ እትጸንዕ፡ ድርብ ረብሓ ትጐናጸፍ። እቲ ቐዳማይ ረብሓ ኻብ ጥፍኣት ምድሓንካ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ረብሓ ድማ፡ ነቲ ቕዱስ ናይ ኣምላኽ ዕላማ ስለ ዘኽበርካ፡ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ዓብይ ክብሪ ትቕበል ምዃንካ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ተሪርን ህልኸኛን ልቢ ዝነበሮ ንጉስ ምናሴ ኣዝዩ መሪር ቅጽዓት ምስ ወረዶ፡ ብምሉእ ንስሓ ናብ ኣምላኽ ስለ ዝተመልሰ፡ ምሩኽ ካብ ምዃን ድሒኑ ናብ’ቲ ናይ ንግስነት ዝፋኑን መንግስቱን ተመልሰ (2ዜና 33፡10-13)። እቲ ብተግሳጽን ቅጽዓትን ምምላስ ዝኣበየ ንጉስ ኣሳ ግና፡ በቲ ዝወረዶ ናይ መንሽሮ መቕጻዕቲ፡ ብሞት ናብ መቓብር ወረደ (2ዜና 16፡7-14)። ስለ’ዚ ረብሓ ቕጽዓት ኣብ’ቲ ንሕና እንህቦ መልሰ-ግብሪ ኸም ዚምርኰስ ከነስተውዕል ይግብኣና።
ናይ ቅጽዓት ናይ መወዳእታ ውጽኢት ብኸመይ’ዩ ሓጐስ ዚኸውን፧ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ነዚ ሕቶ’ዚ ዚምልስ’ዩ። እቲ መልእኽቲ ናይ’ቲ ዝተዋህቦ ቕጽዓት ተረዲእዎ፡ ብእኡ መሰረት መገዱ ዘቕንዐ ሰብ፡ በቲ ዝወሰዶ ስጒምቲ ስለ ዝተዓወተ ምሕጓሱ ዘይተርፍ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣትይዎ ዝነበረ መገዲ ሓጢኣት፡ ልክዕ ከም ዚናወጽ ባሕሪ ኣናዊጹ ንሰላሙ ዘሪግዎ ስለ’ዚ ዝጸንሕ፡ እቲ መቕጻዕቲ ናብ’ቲ ንቡር መንፈሳዊ ርግኣት ስለ ዚመልሶ ኣዝዩ ይሕጐስ (ኢሳ 57፡20,21)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ እግዚአብሔር ዝመደበሉ ቕጽዓት-ስጋ ብጸጋ ተቐቢሉ ስለ ዝተመርሓሉ፡ በቲ ድኻም ስጋኡ ኽሳዕ ምሕጓስን ክሳዕ ምሕባንን በጽሐ። ብጽእና ዝረኸበ፡ ካብ ቅድስና ኣምላኽ ዝተመቕለ፡ ውልድነቱ ዘረጋገጸ ሰብ እንተ ዘይተሓጐሰ፡ መን ካልእ ኪሕጐስ ምኸኣለ፧ እቲ ዘለኣለማዊ ሓጐስን ክብርን ከኣ እቲ ዝዓበየ ረብሓና’ዩ። እቲ ብቕጽዓት መገዱ ዘተኻኸለ ሰብ ናብ’ቲ ናይ እግዚአብሔር ሓጐስ’ዩ ኺኣትው። እቲ ብመቕጻዕቲ’ኳ ዘይቀንዐ ሰብ ግን፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝጀመረ ቕጽዓቱ፡ ናብ’ቲ ድሕሪ ትንሳኤ ሙታን ዘሎ ዘለኣለማዊ ቕጽዓት ኪሰግር’ዩ
“ጐይታ ኸኣ ነቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዘለዎም ካብ ፈተና ኸመይ ገይሩ ኸም ዜድሕኖም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ድማ እናቐጽዐ ኸመይ ገይሩ ክሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ከም ዜጽንሖም ይፈልጥ’ዩ።” 2ጴጥ 2፡9
“ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም’ዩ። እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተአሚኑ’ዩ’ሞ፡ ኢየሱስ በታ መዓልቲ’ቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ኪኸብርን ኣብቶም ዝኣመኑ ኺግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታናን ኽብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኪቕጽዑ’ዮም።” 2ተሰ 1፡8-10
እምበኣር ነዚ ቕጽዓት ብዚምልከት፡ ርእስና ኽንምርምር ይግብኣና። ካብ’ቶም ብቕጽዓት ዚረብሑ ዲና ወይስ ካብ’ቶም ንምድራዊ ቕጽዓቶም ናብ ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ዜዕብይዎ ዓያሱ ኢና፧ ኣብ’ዚ ናይ ቅጽዓትና ጊዜ፡ ብትርሪ ልቢ፡ ብህልኽ፡ ብትዕቢት ንናይ ሰይጣን ሓሳብዶ ነገልግል ኣለና፧ ወይስ ብትሕትና፡ ብተኣዝዞ፡ ብስቡር ልቢ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሓሳብ ነኽብርን ነገልግልን ኣለና፧ ነዚ ሕቶ’ዚ መዓልታዊ ንርእስና ኽንሓትትን፡ ኣበየናይ ደምበ ኸም ዘለና ኽንፈልጥን ይግብኣና። እግዚአብሔር እንተ ዀነ፡ ይትረፍ ቅጽዓት ዚኣክል ዓብይ ነገር፡ ብዛዕባ ሓንቲ ንጽል ጸጒሪ ርእስና’ውን ዚጥንቀቕ ኣምላኽ’ዩ (ማቴ 10፡29,30)። ስለ’ዚ በቲ ብሕያውነቱ ዜውርደልና ቕጽዓት ንፍቓዱ ኣገልጊልና ናብ’ቲ ዘለኣለማዊ ሓጐሱ ኸም እንኣትው ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መጋቢት ፲፩, ፳፻፲፬ ግዕዝ (20 መጋቢት 2022 ፈ).[ መበል 28 ሰንበት: ቊ.41/፵፩] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ቈሎ 2፡16-ፍጻመ |
ያእ 4፡1-12 |
ግብ 5፡17-30 |
ዮሃ 2፡12-ፍጻመ |
ዘእግዚእነ |
መዝ.፮፡፪-፫ “ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ። ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ። ነፍሥየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።” ዓዲ፡ መዝ ፵(፵፩)፡፫,፬ “እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ። ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ። አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ