ክቕድሱ ከለዉ፡ በቲ ጐይታና የሱስ ይዛረበሉ ኔሩ’ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ቋንቋ ኣራማይስጥ (ናይ ሎሚ ሲራይክ) እዮም ዝቕድሱ፡ ወግዓዊ መጸውዒ ስሞም “ኣግናጤዎስ ዘካ ቀዳማዊ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ወግዓዊ መዓርገ ስልጣኖም ድማ፡ “ፓትርያርክ ዘ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕን” ዝብል ነበረ።
ብ21 ሚያዝያ 1933 ተወሊዶም ብ21 መጋቢት 2014 ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኦም ዝሞቱ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዘካ ቀዳማዊ፡ ንሶርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ካብ 1980 ኣትሒዞም ን33 ዓመታት እዮም መሪሖማ። ብዝሓደሮም ሕማም ልቢ፡ ኣብ ጀርመን ካብ 20 ለካቲት ኣትሒዙ ሕክምናዊ ረድኤት ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ እዮም ትማሊ ዓርቢ ዓሪፎም፡ ዝብል ዜና ዝዝርጋሕ ዘሎ። መስርሕ ምጉዕዓዝ ሬሳ ቅዱስ ፓትርያርክ ካብ ጀርመን ናብ ሊባኖስ ካብኡ ድማ ብምድሪ ናብ ሶርያ ምስ ተዛዘመ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሶርያ ዕለተ ቀብሪ ብወግዒ ክእውጅ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
ፓትርያርክነት ቅዱስ ኣቡነ ዘካ ቀዳማዊ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ዝተደረተ ኣይነበረን። ሶርያ፡ ሊባኖስ፡ እስራኤል፡ ዒራቕ፡ ኩወይት፡ ኢራን፡ ደቡብ ምብራቕ ቱርኪ፡ ከምኡ’ውን ህንዲ ኣብ ትሕቲ እታ ቤተክርስቲያን ተማእኪለን ስለዝመሓደራ ብሓደ መዳይ፡ ብጥንቲ ኸኣ ከምቲ ኣብ ግብረሓዋርያት 11፡26 ተጠቒሱ ዘሎ፡ እታ ቤተክርስቲያን መንበራ ኣብ ኣንጾክያ ስለዝነበረን፡ በዚ ምኽንያት እዚ እቶም መራሒ፡ “ፓትርያርክ ዘ ኣንጾክያን ናይ መላእ ምብራቕን” ተባሂሎም ይስመዩ። መንበረ ፓትርያርክ ዘኣንጾክያ ኣብ መበል 13 ክፍለዘመን ካብ ኣንጾክያ ናብ ደቡብ ቱርኪ ክቕየር ከሎ ክሳዕ 1933 ኣብ ቱርኪ እዩ ዝነበረ። ብ1933 ግን በቲ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ እቲ መንበር ናብ ሆምስ ዝተባህለ ቦታ ናብ ሶርያ ክቕየር ከኣለ። ብ1959 ድማ ናብታ ርእሰ ከተማ ሶርያ ዝኾነት ደማስቆ ተቐይረ’ሞ ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣቡኡ ይርከብ ኣሎ።
ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዘካ መን ነበሩ? እንተተባህለስ መን ኢልና ኮን ክንጠቕስ ምኸኣልና? ኦርቶዶክሳውያን ኢና እናበልና ብዛዕባ ኦርቶዶክሳውያን ኣቦታት ዘይምፍላጥና ኸ ምስ ምንታይ እዩ ኾን ክቝጸር?! ኣብ ባቕዳድ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ኣብያተ ክርስቲያናትን ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ዘህነጹ፡ ብዙሓት ናይ ምምሃሪን መወከስን መጻሕፍቲ ዘዳለዉ፡ መንእሰያት ቅድስናኦምን ንጽህናኦም ሓልዮም ንኽነብሩ ዝለዓለ መንፈሳዊ ንቕሓትን ድጋፍን ኣብ ምግባር ዝተጸምዱ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ ሕብረት ክገብራ ብርኡይ ዝጸዓሩ ኣቦ እዮም ኔሮም እምበኣር፡ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ።
እታ ብ452 ድሕሪ’ቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዘጋጠመ ምምቕቓል ናይ ቤተክርስቲያን፡ ባዕላዊ ምምሕዳር ዝኣወጀት ሶርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡ ቀዳማይ ፓትርያርካ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝኾነ እያ እትኣምን። ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ ድማ ንፓትርያርክ ኣግናጥዮስ ቅዱስ ያእቆብ ሳልሳዊ ብምትካእ መበል 122 ፓትርያርክ ናይታ ቤተክርስቲያን ኮኑ።
ካብ ናይ ኒውዮርክ ሓፈሻዊ ናይ ስነ-መለኰት ኮሌጅን ካብ ናይ ሽወደን ትካል መጽናዕቲ ኦሬንታልን ናይ ክብሪ ናይ ዶክተርነት ማዕርግ ዝተቐበሉ፡ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ፡ ብቛንቃታት ሲራይክ፡ ዓረብን እንግሊዝን ዲፕሎማ ዝዓተሩ፡ ብዓውድታት ታሪኽ፡ ፍልስፍና፡ ስነመለኮትን ቀኖና ቤተክርስቲያንን ከኣ ዝለዕለ ነጥቢ ዘመዝገቡ ዕዉት ኣቦ ነበሩ። ንሶም ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ንመምሃርን መወከስን ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ድማ ይፍለጥ።
ብፍሉይ ክጥቀስ ዝግብኦ ካልእ ዝገበርዎ ዓቢ ኣብርክቶ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ዝውጽእዎ ሓባራዊ ንሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ብዝምልከት መግለጺ፡ ውህደት ክልቲኤን ኣሓት ኣብያተክርስቲያን ክህሉ ከምዝብህጉ ምትንባሆም እዩ። “ኣብቲ ብ451 ዓ.ም ኣብ ኬልቄዶን ንቤተክርስቲያን ኣብ ክልተ ዝኸፈለ ኣኼባ፡ ናይ ቃላትን ባህልን ፍልልይ ዘስዓቦ ደኣ’ምበር ብመሰረቱ ናብ ክልተ ከምቅል ዝኽእል ዝተፈላለየ ናይ ምስጢረ ስጋዌ እምነት ስለዝነበረ ኣይኮነን፡ በዚ መሰረት እዚ ድማ እቲ ነዛ ቤተክርስቲያን ናብ ክልተ መቒልዋ ዘሎ ናይ ሽዑ ኣኼባ፡ ሎሚ ሓቀኛ መርትዖ ክንረኽበሉ ንኽእል ኣይኮነን፡” ዝብል ትሕዞ ዘለዎ ድማ እዩ እቲ ሽዑ ወጺኡ ዝነበረ መግለጺ። ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ፡ ኦሬንታላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ንሓድሕደን ክህልወን ዝግባእ ሕብረትን ናይ ቀረባ ርክብን ብዝምልከት ዝገበርዎ ኣበርክቶ’ውን ክርሳዕ ኣይግብኦን። ብፍላይ እቲ ካብ 1998 ኣትሒዞም ተዓዊቶሙሉ ዘለዉ ናይ ሰለስተ ፓትርያርካት ዓመታዊ ርክብ ድማ ከም ኣብነት ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ናይ ሶርያ፡ ግብጽን ኣርመንን ስሩዕ ናይ ፓትርያርካት ዓመታዊ ርክብ ካብ 1998 ኣትሒዙ ዕዉት ኮይኑ ዘሎ ኣገዳሲ ርክብ መራሕቲ ቤተክርስቲያን እዩ።
ሓጺር ድሕረ ባይታ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ
ክሳዕ ወዲ 12 ዓመት፡ ሰናክሬብ
ብ21 ሚያዝያ 1933 ሞስኡል ኣብ እትበሃል ኣብ ሰሜን ዒራቕ እትርከብ ከተማ ተወልዱ። መጸውዒ ስሞም ሰናክሬብ ዝብል ነበረ። ገና ብህጻንነቶም ወለዶም ስለዝሞቱ ግን ኣብ መበል 12 ዓመት ዕድሚኦም ምስ ሰለስተ ኣሕዋቶም ሰለስተ ኣሓቶምን ዘኽተሙ። ቅዱስ ኣቡነ ዛካ፡ ናይ መባእታ ትምህርቶም ኣብ ቤትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ከምኡ’ውን ኣብ ቤትምህርቲ ቅዱስ ቶማስ ተማህሩ።
ካብ ኣናጉንስጢስ ክሳዕ ክህነት፡ ዛካ
ኣብ መበል 13 ዓመት ዕድሚኦም ኣብታ ዝተወልዱላ ከተማ ሞስኡል፡ ናይ ስነመለኮት ትምህቲ ጀመሩ። ኣብቲ ቤትምህርቲ ድማ እቲ ሰናክሬብ ዝብል ስሞም ተሪፉ ዛካ ብዝብል ስም ተተክአ። ኣብ መብል 15 ዓመት ዕድሚኦም ኣናጉንስጢስ (ኣንባቤ መጻሕፍት)ዝብል ናይ ማዕርገ ዲቁና ዝተሓተ ማዕርግ ተቐበሉ። ኣብ መበል 20 ዓመት ዕድሚኦም ንፍቅ ዲያቆን ተሾሙ። ኣብ መበል 21 ዓመት ዕድሚኦም ከኣ ካብቲ ካብ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ከለዉ ዝብህግዎ ዝነበሩ ፈላሲ ናይ ምዃን ባህጊ ብ 6 ሰነ 1954 ዓም መንኰሱ። ድሕሪ ምንኩስና ኣብ መበል 22 ዕድሚኦም፡ ማዕርገ ዲቁና ተቐበሉ። ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ብሉጽ ተማሃራይ ምንባሮምን ናይ ኮሌጅ ትምህርቶም ድማ 97% ብምምዝጋብ ከምዝዛዘምዎ እዩ ዝፍለጥ። ብ1957 ዕለት 27 ናይ ወርሒ ሕዳር ብኢድ ፓትርያርክ ቅዱስ ያዕቆብ ሳልሳዊ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሚኦም ማዕርገ ክህነት ተሾሙ።
ካብ ኮሌጅ ክሳዕ መዓርገ ጵጵስና፡
ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ፡ ብ1960 ኣብ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ “ሓፈሻዊ ስነመለኮታዊ ኮሌጅ” ትምህርቶም ንምቕጻል ቅድሚ ምኻዶም፡ ካብ 1955 ክሳዕ 1958 ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ተማሂሮም ብዲፕሎማ ተመሪቖም ነበሩ። ኣብ ናይ ኒውዮርክ “ሓፈሻዊ ስነመለኮታዊ ኮሌጅ” ድማ ንኽልተ ዓመታት “ኦሬንታላዊ ቋንቋታትን ናይ መጋቢነት ስነመለኮት፡ ከምኡን ፍልስፍናን” ዝብል ዓውዲ ትምህርቲ ኣጽኒዕም ቋንቋ እንግሊዝ ድማ ብዝግባእ መለኹ። እዚ ናይ ኒዮርክ ኮሌጅ ደሓር ብ 1983 ን ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ ብዓውዲ ስነ-መለኮት፡ ናይ ክብሪ ማዕርገ ዶክተርነት ሸለሞም።
ካብ ሊቀ-ጳጳስ ክሳዕ ፓትርያርክ
ብ1963 ሊቀጳጳስ ዘ ሞስኡል (ናይታ ተውሊዶም ዝዓበዩላ ኣብ ዒራቕ እትርከብ ከተማ) ኮይኖም ተቐብኡ። ብ1969 ናብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ናብ ባቕዳድ ተሰጋጊሮም ብመዓርገ ሊቀ-ጵጵስና ኣገልገሉ። ብ1978 ከኣ ግዚያዊ ሊቀ-ጳጳስ ዘ ኣውስትራልያ ኮይኖም እናገልገሉ ከለዉ፡ ብ1980 ኣብ ዝተገብረ ሕርያ መበል 122 ፓትርያርክ፡ ነቶም ብሞት ዝተፈልዩ ፓትርያርክ ቅዱስ ያዕቆብ ሳልሳዊ ተኪኦም ፓትርያርክ ንምዃን ብ14 መስከረም 1980 ማዕርገ ፕትርክና ተቐብኡ።
ዕረፍቲ
ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ዛካ ቀዳማዊ፡ ብዝሓደሮም ሕማም ልቢ ካብ 20 ለካቲት 2014 ኣትሒዞም ኣብ ሃገረ ጀርመን ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡ ድሕሪ ምጽናሕ ዓርቢ 21 መጋቢት 2014 ዓሪፎም።
ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም!
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ