ኣምላኽ፥ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፥ ከይጠፍእሲ፥ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፥ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፥ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፥ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፥ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፥ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ (ዮሃ፡ 3፡16-18)።
ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 28 - 30/ 2011 ፤ ጥሪ ፳ - ፳፪ 2003 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ ብኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአ ሓድሽ ህንጻ ቦኽሪ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም

“ነፍሲ ወከፍ ከም’ቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይ’ቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።” 1ጴጥ 4፡10። እዛ ቅድስቲ ዕለት’ዚኣ ሻምነይቲ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾምን ዕለተ ሆሳእናን’ያ። ሆሳእና ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ኣዝዩ ዓብይ ክብረ-በዓል’ዩ። ንመጀመርታ ጊዜ ጐይታና ብደረጃ ህዝቢ ዓብዪ ኽብሪ ዝረኸበሉ ዕለት ድማ’ዩ። ብቕዱሳን ነብያት ዝተነግሩ ትንቢታት ዝተፈጸመሉ መዓልቲ’ውን’ዩ። እዚ በዓል’ዚ ውጽኢት ስራሕ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኣብ’ቲ ዕለት’ቲ ከተማ ዘናዓበ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ኪህልው ዝሰርሐን ዝወደበን ሽማግለ (ኮሚቴ) ኣይነበረን።
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ሕጊ ማለት ብሥልጣን ሓጋጊኡ ዝተሰርዔ፡ ክትገብሮ ዚግብኣካን ክትገብሮ ዘይግብኣካን ፈልዩ ዚእዝዘካን ዝሰርዓካን፡ ሕጊ
“ኣብ’ቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተላዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ።” ሮሜ 7፡5 ካ.ት
ናብ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን፡
ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንጥሪ/January 30-31/ 2010 (ጥሪ ፳፪ - ፳፫ 2002 ዓ.ም. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ