“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ’ዩ።” 1 ተሰ 4፡3 ካ.ት።
እዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ናይ ዓብይ- ጾም (ጾመ ኣርብዓ) ካልኣይ ሰንበት ኰይኑ፡ ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና “ቅድስት” ይብሃል፡ “ቅድስት” ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ህይወት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት፡ እተባረኸት፡ እተፈልየት ስለ ዝነበረ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ኻብ ዝተሰርዑልና ንባባት ሓድሽ ኪዳን፡ እቲ ነዚ ኣርእስትና ዝሓዘ ንባብ፡ እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፎ መልእኽቲ’ዩ። ኣብ’ዚ ኣርእስትና ተጠቒሰን ዘለዋ ሰለስተ ኣገደስቲ ሓሳባት፡ “ፍቓድ ኣምላኽ፡ ቅድስና፡ ምንዝርና” ዚብላ’የን። በየናይ መገዲ ኸም እንኸይድ ዚውስኖ፡ እቲ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዘሎና መርገጺ’ዩ። እቲ ንኣምላኽን ንፍቓዱን ዜኽብር ሰብ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ቅድስና’ዩ ዚመርጽ። እቲ ንኣምላኽን ንፍቓዱን ዚንዕቕ ግና ምርጫኡ ምንዝርና እዩ። ስለ’ዚ ነቲ ተግባርና ንበይኑ ኸም ተግባር ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብመንጽር ፍቓድ ኣምላኽ ኪምዘን’ዩ ዚግባእ። እዚ መሪሕ ጥቕስና ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዜመልክተና ዘሎ። እዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ናይ ሸሞንተ ሳምንታት ጾም፡ ብቕድስና ፍቓድ ኣምላኽ እናፈጸምና እንተ ጾምናዮ’ዩ፡ ቅቡል ጾም ዚዀነልና። ግብሪ ርኽሰት እናገበርና ኽንዲ ዝደለናዮ እንተ ጾምና፡ ርእስና ብጾም ምሕሳእና፡ ፍርዲ’ምበር ምሕረት ኣየውርደልናን’ዩ። እስራኤላውያን ሰብነቶም ክሳዕ ዚሓስእ እናጾሙ ኸለዉ፡ እግዚአብሔር ንጾሞም ከም ዘይተቐበሎ ምስ ተረድኡ ንእግዚአብሔር፦
“ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይረኣኻና፡ ስለ ምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻ’ውን ግዱ ዘይገበርካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እግዚአብሔር ከኣ፡ ጒድለቶም እንታይ ምዃኑ፡
“ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም። እንሆ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘለኹም።”
ብምባል ኣፍለጦም (ኢሳ 58፡3,4)። ካብ’ዚ ቓል’ዚ ኸም እንርድኦ’ምበር፡ ጾም ተግባርካ እናገበርካ ዘይኰነስ፡ ተግባር ኣምላኽ እናገበርካ ዚፍጸም ስነ-ምግባር’ዩ። ተግባር ኣምላኽ ከኣ ቅድስና’ዩ። ስለ’ዚ ብዘይ ቅድስና ዚፍጸም ጾም፡ ትርጒም ኣልቦ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ዜገድስን ክንመሃሮ ዚግብኣናን’ዩ።
ኣብ ጊዜ ጾምና ኣገዳስነት ፍቓድ ኣምላኽ ማዕረ ኽንደይ’ዩ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ጊዜ ጾም ኰነ ኣብ ጊዜ ብልዖት፡ ዝዀነ ፍልልይ ብዘይብሉ መጠን፡ ብማዕረ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ጊዜ ጾም ፍሉይነት ዚህቦ ግና፡ ንሕና ተወሳኺ መንፈሳዊ ስጒምቲ ንወስድ ስለ ዘለና፡ ተወሳኺ ጥንቃቐ ክንገብር ስለ ዜድልየና’ዩ። እግዚአብሔር ዘይቅበለልና እንተ ዀይኑ፡ ንምንታይ ስጋና ንቐጽዕ፧ ጾም እቲ ዝኸበደ ስጒምቲ’ኳ እንተ ዀነ፡ ዕብየት ኣገዳስነቱ ግን ምስ ቅድስና ኣይዳረግን’ዩ። ስለ ዘይጾምካ ቕድስናኻ ከንቱ ኣይከውንን’ዩ። ስለ ዘይተቐደስካ ግን ጾምካ ኸንቱ ጥራሕ ዘይኰነ ሓጢኣት’ዩ ዚኸውን። ስለ’ዚ ኢና ኻብ ምንታይ ከም ዝጾምና፡ ንኽንደይ ከም ዝጾምና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ (ከመይ ኴንና) ከም ዝጾምና ኣዝዩ ኼገድሰና ዚግባእ። ጐይታና፡ ብዛዕባ ፍቓድ ኣቦኡ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብንጹር ገሊጹልና’ዩ። ደቀ መዛሙርቱ፡ ካብ ዕዳጋ ምግቢ ዓዲጎም መጺኦም፡ “ብላዕ” ኢሎም ምስ ዓደምዎ ዝሃቦም መልሲ፡ ብዝያዳ ኣብ እዋን ጾምና ኽንዝክሮ ዚግባእ መምርሒ’ዩ።
“ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ። . . . ብልዐይሲ ፍቓድ’ቲ ዝለኣከኒ ኽገብር፡ ዕዮኡ’ውን ክፍጽም’ዩ።” ዮሃ 4፡32,34
እምበኣር ናይ ጾም ወቕቲ፡ ብልዒ ስጋ እንሕረመሉ፡ ብልዒ ክርስቶስ ከኣ እንምገበሉ ወቕቲ’ዩ። ብልዒ ክርስቶስ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። ብልዒ ስጋ እንሕሰም፡ ብብልዒ ክርስቶስ ኣዚና ምእንቲ ኽንጸግብ’ዩ። ንሕና ግን ነቲ ዕላማ ገልቢጥና ነቲ ስጋ’ውን ክርስቶሳውን ምግቢ ደሪብና ተሓሲምና፡ ነፍስናን ስጋናን ብሓንሳእ እንተ ሓስአ (እንተ ዓበረ)፡ ወጽዓ’ምበር ረብሓ ኣይንረኽበሉን ኢና። ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ብልዒ-ስጋ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ ግብሪ-ስጋውን ክንጸውም’ዩ። “ግብሪ-ስጋ” ኣብ ዚብል ቃል ዚሕቈፉ ዅሎም ሓጢኣት ድማ ኣብ ገላ 5፡19-21 ተዘርዚሮም ኣለዉ። ኣብ’ቲ ልማዳዊ ኣዘራርባና ግና “ግብሪ-ስጋ” ኽንብል ከለና፡ ንጾታዊ ርክብ (ስጋዊ-ርክብ) ጥራሕ ከም ዚምልከት ጌርና ኢና እንሓስብ። ብጾታዊ ርክብ ዚፍጸም ምንዝርና ወይ ዝሙት፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ግብሪ ስጋ ሓደ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ፍቓድ ኣምላኽ ክንብል ከለና፡ ካብ ኵሉ’ቲ ዝርዝር ግብረ-ስጋ ምዕቃብ ማለት ምዃኑ ኽርድኣና ይግባእ።
ብኸመይ’ዩ ቅድስና ፍቓድ ኣምላኽ ዚኸውን፧ እቲ ምኽንያት፡ እግዚአብሔር ቅዱስ ስለ ዝዀነ’ዩ። ቅድስና፡ ናይ እግዚአብሔር ባህርይን ተግባርን’ዩ። ኣብ መለኮት ዝዀነ ዓይነትን መጠንን ናይ ርኽሰት የልቦን። ስለ’ዚ ኸኣ፡ “ኣነ ቅዱስ’የ” እናበለ ብዛዕባ ቕድስናኡ ተዛረበና። ብዘይካኡ ቅዱስ ኣምላኽ ስለ ዘየለ፡ ብቕድስና ዚመሳሰሎን ብቕድስናኡ ኽንድኡ ዝኸበረን የልቦን። ነብዪ ሙሴ ኸኣ ብዛዕባኡ ኸም’ዚ ኢሉ ተኣመነ።
“ዎ እግዚአብሔር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ኸማኻ ዝበለ መን’ዩ፧ ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡ ብቕድስናኸ ከማኻ ዝኸበረ መን’ዩ፧” ዘጸ 15፡11
እቲ ዝለዓለ ፍቓድ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ርእሱ ዀነ ብዛዕባና፡ ቅድስና ስለ ዝዀነ፡ ከም’ቲ ንሱ ቕዱስ ዝዀነ ንሕና’ውን ቅዱሳን ክንከውን ደጋጊሙ ኣዘዘና።
“ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ፡ “ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ቅዱስ’የ’ሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ” ዘሌ 19፡2
“ኣነ እግዚአብሔር ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም’የ።”ዘሌ 20፡26
““ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ ንብረትኩም (ናብራኹም) ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 1፡15,16
ስለ’ዚ እግዚአብሔር ኣባና ተፈጺሙ ኺርእዮ ዚደልይ ፍቓዱ፡ ቅድስና ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ገሊጹልና’ዩ። ካብ’ዚ ናቱ ዝተፈልየ ኻልእ ፍቓድ እንተ’ልዩና’ሞ፡ ንፍቓድና ኽንስዕብ እንተ ፈቒድና፡ ናቱ ዘይምዃንናን ናቱ ኽንከውን ከም ዘይንደልይን ነረጋግጽ ኣለና ማለት’ዩ። ብምምንዛር እንተ ረኸስና፡ ነቲ ተግባርና፡ “ብፍትወት ስጋ ስለ ዝተቓጸልኩ፡ ስለ ዘስሓተትኒ፡ ስለ ዝዓመጸኒ” ኢልና ደጋዊ ምኽኒት ከነቕርብ ንፍትን ንኸውን። ወይ’ውን ሓሶት ብምዝራብ ርእስና እንተ ኣርከስና፡ “ስለ ዝፈራህኩ፡ ስለ ዝተሰከፍኩ፡ ወዘተ” ኢልና ኸነመኽንይ ዚከኣል’ዩ። እቲ ግብራዊ ናብ ኣምላኽ ዚመሓላለፍ መልእኽቲ ግን፡ “ካብ ብቕድስና ናትካ ምዃን፡ ብርኽሰት ናይ ዲያብሎስ ምዃን የሕሸኒ” ዚብል ግብራዊ ምርጫን መልእኽትን’ዩ። ቅድስና ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧
ቅዱስ ማለት “ፍሉይ” ፡ “ቀደሰ” ማለት ከኣ “ፈለየ” ማለት’ዩ። ዝዀነ ሰብ ፍቓድ እግዚአብሔር ንምግባር ኪውስንን ኪፍጽምን ከሎ፡ ርእሱ ንኣምላኽ ይቕድስ ኣሎ ማለት’ዩ። ገንዘቡ ወይ ንብረቱ፡ ወይ’ውን ጒልበቱን ክእለቱን ጊዜኡን ንኣምላኽ ኪውፍይ ከሎ፡ ነቲ ዝወፈዮ ነገር “ንኣምላኽ ቀዲስዎ ኣሎ” ይብሃል። እቲ ሓቂ’ምበር ሓሶት ከይዛረብ ዝወሰነ፡ ልሳኑ ንእግዚአብሔር ይቕድስ ኣሎ። ሰብ ብቓል ኪዳን ወይ ብድንግልና ኺነብር ከሎ ንብዘሎ ስጋኡ ንኣምላኽ ይቕድሶ ኣሎ። ነብዪ ሙሴ ሕጊ እግዚአብሔር ኪምህር ከሎ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብሪህዎ’ሎ።
“እቲ ንእግዚአብሔር ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ካብኡ (ካብ’ቲ እንስሳ) ንእግዚአብሔር ዝተዋህበ ዅሉ ቅዱስ ይኹን። . . . ሰብ ቤቱ ንእግዚአብሔር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን (ብገንዘብ) ይገምግማ። ከም’ቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም።” ዘሌ 27፡9,14
እቶም ሌዋውያን ካብ’ቲ ዕሽር ናይ’ቲ ህዝቢ እቲ ዚግብኦም ምስ ወሰዱ፡ ካብኡ እቲ በብሉጹ ድማ ዕሽር ገይሮም ነቶም ካህናት ኪህቡ ኣዘዞም። እቲ ህዝቢ ንእግዚአብሔር ዝሃቦ ዅሉ ድማ “እተቐደሰ” ተባህለ።
“ካብ’ቲ እተዋህበኩም ኵሉ፡ ካብ’ቲ እተቐደሰ ኻብ ኵሉ’ቲ ብሉጽ፡ እቲ ናይ እግዚአብሔር ዚልዓል መስዋእቲ ኣቕርቡ . . . ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ ኣልዓልኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይትጾሩን፡ እቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኸኣ ኣይተርክሱን ኣይትሞቱን ከኣ።” ዘሁ 18፡29,32
እምበኣር “ምቕዳስ” ማለት፡ ንብረትካ ይኹን ኣካላትካ “ንእግዚአብሔር ምፍላይ” ማለት’ዩ። ንሕናን ኵሉ ትሕዝቶናን ብመሰረቱ ናይ እግዚአብሔር ስለ ዝዀንና፡ ኵሉ ጊዜ ቅዱሳት ክንከውን ይግብኣና። ኣእምሮና ንእግዚአብሔር ዝተቐደሰ ምስ ዚኸውን፡ ንእግዚአብሔር ዜኽብር ሓሳባት ጥራሕ ይሓስብ። ልሳንና ንእግዚአብሔር ምስ ዚቕደስ፡ ንእግዚአብሔር ዜኽብር ቃላት ጥራሕ ንዛረበሉ። እዚ ማለት ካብ ልሳንና ሓሶት፡ ጸርፊ፡ ሕምየት፡ ምጒርምራም፡ ላግጺ፡ ማሕላ ወዘተ ኣይነውጽእን ኢና ማለት’ዩ። ንኻልእ ኵሉ ኣካላትና ምስ እንቕድሶ ድማ፡ በቲ ኣካል’ቲ እግዚአብሔር ዚኸብረሉ ጥራሕ ንገብር። መሪሕ ጥቕስና ንጾታዊ ቕድስና ዜመልክት ስለ ዝዀነ ናብኡ ኣድሂብና ኽንመሃር ኢና።
ጾታዊ ቕድስና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧
ወዲ ሰብ፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጥረ፡ ካብ’ቲ ዝተፈጥረሉ ዘመን ጀሚሩ ኣካል ናይ እግዚአብሔር’ዩ። ምኽንያቱ ኺፈጥረና ኸሎ፡ ንስጋና ኻብ ሓመድ ምድሪ’ኳ እንተ ሰርሖ፡ ኡፍ ኢሉ ኻብ’ቲ መንፈሱ ስለ ዘካፈለና፡ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ኣካልነት ጽኑዕን ርጉጽን’ዩ። ኣዳምን ሄዋንን ግና ብምርጫኦም ብሓጢኣት ኪረኽሱ ስለ ዝመረጹ፡ ካብ እግዚአብሔር ተፈልዩ። ነዚ ሓድነትን ኣካልነትን’ዚ ምእንቲ ኺመልሰልናን ምእንቲ ኸደልድሎን ድማ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ስጋና ኺለብስ ብምግባር ኣካል ሰብነቱ ገበረና። ስለ’ዚ ንሕና ካብ መንፈሱ ስለ ዝተኻፈልና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሱ’ውን ካብ ስጋና ስለ ዝተኻፈለ እቲ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ኣካልነት ኣዝዩ ደልደለ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ጽድቅና ዘበለ ዅሉ ናይ ኣምላኽ ጽድቂ’ዩ። ሓጢኣት ክንገብር ከለና ድማ፡ ኣብ ልዕሌና ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣካሉ ዝዀንና ክርስቶስ ኢና እንፍጽም። ስለ’ዚ ኸኣ፦
“እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣርስከ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ’የ፧ ያእ ኣይፋለይን። እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ’ዮም” ብሁል’ዩ’ሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ’ዩ” ተባህለልና (1ቈረ 6፡15-17)። እምበኣር ሓደ ሰብ ኣብ ምንዝርናን ዝሙትን ኪወድቕ ከሎ፡ ነቲ ቕዱስን ምሳና ሓድነት ዘለዎን ስጋ ክርስቶስ ወሲዱ፡ ምስ ርኽስቲ (ርኹስ) ሰብ ሓደ ኣካል ኪገብሮ ይፍትን ኣሎ ማለት’ዩ። ምንዝርና፡ ርእሲ ዅሉ ሓጢኣት ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ኣብ ካልእ ኵሉ ሓጢኣት ምስቲ መሓጥእትኻ ሓደ ኣካል ኣይትኸውንን ኢኻ። ኣብ ምንዝርና ግን ኣካላዊ ሓድነት ስለ ዘሎ፡ በቲ ምስ ክርስቶስ’ውን ዘሎና ኣካላዊ ሓድነት ንእኡ (ንክርስቶስ) ናብ’ዚ ርኹስ ናይ ኣመንዝራ ኣካልነት ከነእትዎ ንጋደል ኣለና ማለት’ዩ። ኣካል ክርስቶስ ድሕሪ ምዃንና ዚግበር ዝዀነ ሓጢኣት፡ ነቲ ኣካልናን ኣካሉን ዝዀንና ክርስቶስ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ናይ ምግባር እኩይ ፈተነ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ እንኪገልጽ፦
“ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት’ዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!!”
ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (ገላ 2፡17)። እምበኣር ምስ ዝዀነ ሰብ ክንዝምው ወይ ክንምንዝር ከለና፡ ብስጋ ክርስቶስ ጌርና ንምንዝርን ንዝምውን ከም ዘለና ኽንፈልጥ ይግብኣና። ምኽንያቱ ክርስቶስ ስጋና ለቢሱ ኣብ መስቀል ካብ ዝሞተላ መዓልቲ ንደሓር ስጋና ናይ ክርስቶስ’ምበር ናትና ኣይኰነን። ነዚ ድኹምን ሓጥእን ስጋና በቲ ኽቡርን ጻድቕን ደሙ ዓዲግዎ’ዩ። ንዅሉ ህዝቢ ዓለም፡ ካብ ፍጥረት ክሳዕ ምጽኣት ኣብ ዘሎ ጊዜ ንዝተወልደ ዅሉ ህዝቢ’ዩ ዓዲግዎ። ንዝኣመነን ንዘይኣመነን፡ ንዝፈለጠን ንዘይፈለጠን ንዅሉ ዓዲግዎ’ዩ። እቲ ዚኣምን ሰብ እናፈለጠ እንተ ሓጥአ፡ ብዝኸበደ ይፍረድ (ሉቃ 12፡47)። እቲ ዘይኣመነ ዅሉ ድማ ብሰሪ ዘይምእማኑ ይፍረድ (ዮሃ 3፡18-21)። ነዚ ሓቂ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም’ሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይ’ቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለ’ዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።”
ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ (1ቈረ 6፡19,20)። እቲ ዋጋ ድማ ብወርቂ ወይ ብባጤራ እንተ ዚኸውን ኣይምኸበደን ነይሩ። ክርስቶስ ግን ነቲ ብመሪር ስቓይን ውርደትን ዝፈሰሰ ኽቡር ደሙ ኣፍሲሱ’ዩ ዓዲጉና። ደም ጐይታና ድማ ከም’ዚ ናትና ደም-ስጋ ጥራሕ ኣይኰነን። ክርስቶስ ስግው-ቃል (Incarnate logo)፡ ማለት ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን’ምበር ሰብ ጥራሕ ኣይኰነን። እቲ ደሙ ክብሪ መለኮት ዘለዎ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅድምን ድሕርን ምፍሳሱ ንዝነበረ ዅሉ ወለዶታት ሰብ ብሓንቲ መስዋእቲ ኺዕድግን ኬድሕንን ዝኸኣለ።
“ከመይ ካብ’ቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ ኸንቱ ዝዀነ ህይወት፡ ብደም ናይ’ቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል፡ ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደሓንኩም’ምበር ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ብወርቂ ኸም ዘይኰነ ትፈልጡ ኢኹም።” 1ጴጥ 1፡18,19 ካ.ት
“ንሳቶም ከኣ፡ “ተሓሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽ ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ጌርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ’ዮም’ሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙ’ውን ክትፈትሖ ብቚዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።” ራእ 5፡9,10
ስለ’ዚ ብስጋና ጾታዊ ጸወታ ንጻወት ዘለና ኣብ ዚመስለና እዋን፡ በቲ ንምድሓንና ዝፈሰሰ ኽቡር ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ከም ዝተጻወትና ኺስቈረና ይግባእ። ንሱ ንኼድሕነና ተሰዊኡስ ንሕና ኸኣ ንእኡ ንምርካስ ብዕሉግ ጸወታ ኽንጻወት ከለና፡ ኣበሳና ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ርዱእ’ዩ።
ዓስቢ ጾታዊ ርኽሰትናኸ እንታይ’ዩ፧ እቲ በዚ ርኹስ ጸወታ እንረኽቦ ረብሓን ብሰሩ ዚወርደና ፍርድንከ ዚመጣጠን ድዩ፧
ነቲ መሪሕ ጥቕስና ስዒቡ ዝተጻሕፈ መጠንቀቕታ፡ ዓስቢ ርኽሰትና እንታይ ምዃኑን ብመን ከም እንፍደይን ኣፍሊጡና’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ኣብ መወዳእታ ሕነ ዚፈድየና፡ ባዕሉ ኣምላኽ’ዩ። እዚ ኣምላኽ’ዚ እቲ ንሰብነቱ ብምንዝርና ዝተጻወትናሉ ክርስቶስ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ዚፈርድ ንሱ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ባዕሉን ሃዋርያቱን ገሊጾምልና’ዮም (ማቴ 16፡27፣ ዮሃ 5፡22-29፣ 2ጢሞ 4፡1-4)። ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚባላዕ ሓዊ’ዩ። ኣብ ፍርዱ ምውዳቕ ከመይ ከቢድ ምዃኑ፡
“ንሕናስ ነቲ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ’ዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈድይ’የ” ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ “እግዚአብሔር ንህዝቡ ኺፈርዶ’ዩ”፡ ዝበለ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ’ዩ።”
“ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ’ዩ፡ ስለ’ዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጒስ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።”
ብዚብል ቃል ተገሊጹልና ኣሎ (እብ 10፡30,31፣ 12፡28,29)። ኣብ ምሉእ ዕድመና ብምንዝርና እንራኸሰለን ሓጸርቲ ጊዜታት ተደሚረን፡ ካብ ሒደት ሰዓታት ወይ ሰሙናት ኣይሓልፋን’የን። ምናልባት ምስ’ቲ በእምሮና ርኽሰት እነሰላስለሉን ስእለ-ጽዩፍ ብምዕዛብ እነሕልፎ ጊዜን ተደሚሩ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ይመልእ ይኸውን። ኣብ ኢድ’ቲ ዚባላዕ ሓዊ ወዲቕና እነሕልፎ መሪርን ዘለኣለማዊ ስቓይን ግን፡ መለክዒ ዀነ መግለጺ ዘይርከቦ’ዩ። ኣቦታትና እንኪምስሉ፡ “ከልብስ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ዓጽሚ’ምበር፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ዱላ ነይርእይ” ይብሉ። ናትና ዕሽነት’ውን ነዚ ናይ’ዚ ኸልቢ ይመስል ኣሎ። ብዛዕባ በዚ ርኹስ ጸወታ እንረኽቦ ጊዝያዊ ባህታ’ምበር፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሌና ተንጠልጢሉ ዘሎ ፍርዲ ኣምላኽ ኸይሓሰብና ንጥፍኣትና ንተግህ ኣለና። እቲ ርኽሰትና ኣባና ጥራሕ ዚድረት እንተ ዚኸውን፡ ዋላ ዚጠቅም ኣይኹን፡ ነቲ ዕሽነትና ምኽኑይ ክንገብሮ ምፈተንና ኔርና። እቲ ኣበሳ ግን ኣብ’ቲ ንድሕነትና ኺብል ርእሱ ዘዋረደን ዝሰውአን፡ ብደሙ ድማ ኣካል ሰብነቱ ዝገበረና ክርስቶስ ይፍጸም ብምህላዉ፡ ክብደት ኣበሳና ልዕሊ ግምት ኣእምሮና ይኸውን ኣሎ። ኣብ ዝዀነ ዓይነታት ናይ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ዚዝርዝር ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምንዝርና ፈጺማ ዘይትስገር ሓጢኣት’ያ (ማር 7፡20-23፣ 1ቈረ 5፡10,11፣ 6፡9,10 ገላ 5፡19-21፣ ኤፌ 5፡3-5፣ ቈሎ 3፡5,6፣ 1ጢሞ 1፡9,10)። ስለ’ዚ ድማ፦ “ካብ ምንዝርና ህደሙ፡ ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ’ዩ (ዚገብሮ)። ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ’ዩ ሓጢኣት ዚገብር።” “ከም’ቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ’ሞ፡ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር።” ዚብል ጽኑዕ ሃዋርያውን መለኮታውን መጠንቀቕታ ተዋህበና (1ቈረ 6፡18፣ 10፡8)
እምበኣር እቲ ርእሱ ኻብ ምንዝርና ኣርሒቑ ብቕድስና ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዚመላለስ ሰብ፡ ንኣምላኽ ዜኽብር ሰብ’ዩ። ከም ዓስቡ ድማ ንዘለኣለም ብኽብርን ብሓጐስን ነጊሱ ኺነብር’ዩ’ሞ፡ ነዚ ቕዱስ ህይወት’ዚ ምርጫና ንግበሮ፡ ከምኡ ንኽንገብር ከኣ፦ “እምበኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት’ዚ ኻብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብ’ቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ (ሓጢኣት) ርእስና ነንጽህ።” ዚብል ሃዋርያዊ ጻውዒትን ትእዛዝን ተዋሂቡና’ሎ (2ቈረ 7፡1)። እምበኣር ርእስና ንመርምር’ሞ፡ ካብ’ቲ ብኣእምሮ፡ ብኣካል፡ በዒንቲ ዝፈጸምናዮን እንፍጽሞ ዘለናን ኣበሳና ብንስሓ ንመለስ። ነቲ ኣካል ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነ ስጋና ብምንዝርና ኣይነራኽሶን ኣይነማስኖን። ዘለኣለማዊ መጻኢና ምእንቲ ኺጽብቐልና ርእስና ብቕድስናን ብንጽህናን ንሓልው። ካብ ምንዝርና ምህዳም፡ ናይ ምድሓን ጥበብና ምዃኑ ኣስተውዒልና ዘይህመሉን ዘይሕለሉን ቅዱሳት ሃደምቲ ንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ የካቲት ፳፯, ፳፻፲፬ ግዕዝ (6 መጋቢት 2022 ፈ). [መበል 26 ሰንበት: ቊ.39/፴፱ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባባት |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ተሰ 4፡1-12 |
1ጴጥ 1፡13-25 |
ግብ 3፡17-29 |
ማቴ 6፡16-24 |
ዘአትናቴዎስ |
መዝ.፺፭(፺፭)፡፭,፮ “እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ። አሚን ወሠናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።” ዓዲ፡ መዝ.፻፬(፻፭)፡፩-፪ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ። ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ። ሰብሑ ወዘምሩ ሎቱ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ