ክርስቶስ ናይቲ ዝመጽእ ሕይወት ተስፋና እዩ
ንተስፋ ህይወትና ካብ ክርስቶስ ፈሊና ክንርዮ ኣይንኽእልን፡ ምኽንያቱ ክርስቶስ በይኑ ትንሣኤን ህይወትን ስለ ዝዀነ (ዮሃ፡ 11፡25)። ንሱ ሎሚ ንነፍስና ትንሣኤ
ልቦና ሂቡ ናይ ሓድሽ ሕይወት ተስፋ ተሳተፍቲ ክንከውን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክንነብር ኣብቅዓና። ስለዚ ድማ እቲ ጽሑፍ ካብ ሓጢኣት ተፈሊኹም "መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይውትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩም'ውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም" (ቆሎሴ 3፡3-4) ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ተስፋ ህይወትና ምስ ክርስቶስ ዝተተሓሓዘ ከም ዝዀነ ዝመሃረና። ከመይሲ ብጥምቀት ምስኡ ስለ ዝሞትና፡ ምስኡ ድማ ስለ ዝተንሣእና። ስለዚ ብሞቱን ብትንሣኤኡን ንዕኡ መሲልና ስለ ዘሎና፡ ምስኡ ሓደ ከም ዝዀና ከረድኣና ከሎ ድማ። "እምብኣርከስ ምስ ክርስቶስ ካብ ተንሣእኩም ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ተቐሚጡ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ እምበር ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን"። እናበለ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ተስፋና ዘለዎ ልብና ድማ ኣብኡ ክህሉ ይምዕደና (ቆሎሴ 3፡1-4)እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ተስፋና፡ ካብታ ዓለም ዝተፈጠረትላ ግዜ ኣትሒዙ፡ መንግሥተ ሰማያት ከም ዝዀነ፡ ጎይታ ባዕሉ ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ፡ 25፡34)። ደስታ መንግሥተ ሰማያት ኣብ ምድሪ ኰይና ኣእምሮና ከዕቁሮን ክግምቶን ፈጺሙ ዘይከኣለና እዩ። ጽሑፍ’ውን፥ “እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፥ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም” እዩ ዝብል (1ቆረ፡2፡9)።
እዚ ዘለዓለማዊ ደስታ እዚ፡ ነቶም ብእምነት ክርስቶስ ጸኒዖም ኣብ ትሕቲ ጸጋኡ ክሳዕ መጨረስታ ብትዕግስትን ብተስፋን ጸኒዖምን ኣጽኒዖምን እናተጸበዩ ዝመላለሱ ዝወሃብ ክቡር ህያብ እዩ። እዚኣቶም ንገዛእ ርእሶም ካብ ኩሉ ኩፉእ ነገር ከልኪሎም ስለ ሓጢኣቶም ንስሓ ዝኣትዉ፡ ስለ በደሎም ካሕሳ ዝኸፍሉን ዝቓንዑን ይቕረታ ዝሓቱን ቅዱስ ፍረ ዝፈርዩን ክዀኑ ኣለዎም። ብእምነቶም ኰነ ብጽቡቕ ተግባሮም ዘይዕበዩን ዘይመጻደቑን ልኡማት ዝዀኑ፡ ንሕና ቱሑታት ኣገልገልትኻ ክንገብሮ ዝግብኣና ገበርና እናበሉ ትሕትና ተዓጢቖም ፍቕሪ ዝለብሱ፡ ብኹሉ መዕቀኒ ገዛእ ርእሶም ንእግዚኣብሔር ዝወፈዩ እዮም ንመንግሥቱ ዝወርሱዋ (ሉቃ፡ 17፡10)
እታ እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ካብ ምምስራት ዓለም ኣትሒዙ ዘዳለወሎም ዝተፈላለየ ሓጐስን ደስታን ዘለዋ ሃገር ከም ዝወርሱ ዝተነግሮም፡ ነቶም ብስም ጥራይ ግብሪ ዘየብሎም፡ ክርስቲያናት ተባሂሎምዝጽውዑ ዘይኰነስ፡ ንሱ ዘለዋስ ነቶም ብልቦምን ብሓቀኛ መንፈሶምን ዝኣምኑን ዝአምኑን ብግብሪ ዝነብሩሉን ኣመንቲ ጥራይ ክኸውን ንዓኣቶም ንሃገር ተስፋ ከም ዝበቕዑ መረጋገጺ ዝዀኖም ማሕተም መንፈስ ቅዱስ ንምስክር ተዋህቦም። እዚ ድማ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ርስቲ ከም ዘለዎም ዘረጋግጽ ዕርቡን እዩ። እዚ ማለት እቲ ዝቅድስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጦም ሓደረ እሞ ቅዱሳን ተባሂሎም ተጸውዑ። ቅዱሳን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክነብሩ ከለዉ፡ ወረስቲ መንግሥተ ሰማያት ከም ዝዀኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዘረጋግጸሎም (ኤፈ፡ 1፡13-14 2ቆረ፡1፡22 5፡5)። ንሳቶም ብጥምቀት ካብ እግዚኣብሔር ወልድነት ጸጋ ብመንፈስ ስለ ዝተዋህቦም፡ ንመከራኡን ሞቱን ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ስለ ዝተቐበሉ፡ ተኻፈልቲ ክብሩን መዋርቲ መንግሥቱን ክዀኑ ብክርስቶስ ሥልጣን ተዋህቡ። (ሮሜ 8፡12-17)
ተስፋ መንግስተ ሰማያትን ጸጋ ዘለዓለማዊ ህይወትን መዓስ ከም ዝወሃበናን ብኸመይ ከም ዝወሃበናን ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ንሳቶም ድማ ብዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ከም ዝፍጸም፡ ከምዚ ኢሎም ይምስክሩ፡ በቲ ግዜ እቲ፡ እዚ ኣረጊት ዓለም እዚ ሓሊፉ፡ ሓድሽ ዓለም ክመጽእ እዩ ኢሎም ይምስክሩ። ከምዚ ከም ዝኸውን ድማ ብፍልጠት ሃይማኖት ድኣ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ኣብ ፍልጠት እዛ ዓለም እዚኣ ተመስሪትና ኣይከኰናን። እንተዀነ ዓለም ከም ትሓልፍ፡ ናይዛ ዓለም እዚኣ ሊቓውንቲ’ውን ብናቶም ኣመለኻኽታን ተገንዝቦን ዓለም እትሓልፍ ዘውትር ይዛረቡላ እዮም። ንሕና ግና ኣብ ሃይማኖት ተመርኵስና ከም ቃል እግዚኣብሔር ኣብ መውዳእታ ኹሉ ነገራት፡ እቲ ሓያል ኣምላኽ ባዕሉ ዓለም ዝፈጠረ፡ ነዚ ኣረጊት ዓለም እዚ ኣሕሊፉ ሓድሽ ዓለም ከምጽእ ከም ዝዀነ ድኣ ንዛረብ ኣሎና እምበር ከም ኣመለኻኽታ ሰብ ኣይተመልከትናን።
ገለ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንባቡ እምበር ምሥጢሩ ዘይተረድኦም፡ ኣብ ሃይማኖት ኣሎና ዝብሉ ቁጽሪ ዘየብሎም ማሕበራት ከይተረፈ፡ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይትሓልፈን እያ፡ ብሓዊ ኣይክትመክኽን እያ ንሕና ንዘለኣለም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክነብር ኢና እናበሉ ከም ዝምህሩ ዕለት ዕለት ንሰምዖም ኣሎና።
ሓዋርያ ጰጥሮስ ግና ሰማይን ምድርን ከመይ ኢሎም ከም ዝሓልፉ ከምዚ ገይሩ ይገልጸልና፡ ነታ “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፥ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍ እዩ፥ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፥ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዂሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ፥ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፥ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፥ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሔርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፥ ከምቲ ተስፋኡ፥ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና። እናበለ እዛ ዓለም እዚኣ ከመይ ኢላ ከም እትሓልፍ ይምህረና (2ጰጥ፡ 3፡10-13)።
እምብኣርከስ ብቓል ተስፋ ሂቡ ዝፍጽም ንሱ እቲ ሰማይን ምድርን ካብ ዘይነበረ ዝፈጠረ፡ ዕለቱ ምስ ኣኸለ ድማ ናብ ዘይነበረ ዝልውጦ ልዑል እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ብግርማ መለኮቱ ብሓያል ኣምላኽነቱ፡ ንድኹም ሰብ ዝግለጸሉ ግዜ ብዳግማይ ምጽኣቱ ክኸውን እዩ። በቲ ግዜ እቲ ድማ ከምዚ ክፈርደልና እዩ።
“ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፥ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፥ ዓበይትን ናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፥ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፥ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፥ ሞትን ሲኦልውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣዩ፥ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝዀነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፥ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
ካብ ናብ ቀላይ ሓዊ ምድርባይ የድሕነና፡ ስምና ኣብ መጽሓፍ ህይወት ይጽሓፈልና። (ራእይ 20፡11-15”
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ