እዚ ዓንቀጽ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ዓንቀጽ ዓሰርተው ሓደ፡ ብሓደ ተታሓሒዙ ክንበብ ክኽእል ምእንቲ፡ "ብትንሳኤ ሙውታን ተስፋ ንገብር ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ፥ ኣሜን ተባሂሉ ክንበብ ይግባእ
እዚ ቓል እምነት እዚ ብዛዕባ እቲ ብሕጂ ክመጽእ ዘለዎ ተስፋና ዝዀነ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ ዝገልጽ። ንሳቶም ከኣ ትንሣኤ ሙዉታን ዘለዓለማዊ ህይወት እዮም። ብዛዕባ ትንሣኤ ሙዉታንን ብዛዕባ መወዳእታ ፍርድን ኣብ ዓንቀጽ 11 ብመጠኑ ተመልኪትና ኣሎና። ቀጺልና ድማ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ህይወትን ብዛዕባ መንግሥተ ሰማያትን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ ክፍትን እየ።
ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከም ዝተገልጸ፡ ነቲ ዝመጽእ ህይወት መንግሥተ ሰማያት ተስፋ ንገብር ኢልና እምነት ትምህርትና ክንቅጽል ኣሎና። ንዝመጽእ ህይወት ተስፋ ንገብር ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና ከም ዝዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ብብሩህ ክፈልጦ ይግባእ። ሓደ መንገደኛ ክይድ ውዒሉ ኣብ ሓደ ኣድራሻ ክበጽሕ ከም ዝዀነ ዘይፈልጥ ተጓዓዛይ የልቦን። ከምኡ ድማ ክርስቲያናት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክሳብ ዘሎዉ ተጓዓዝቲ መንገደኛታት ንመንገሥቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ፡ ዝበጽሕዎ ዝዓለምዎ ቦታን ሃገርን ብትኽክል ክርድእዎ ኣለዎም። እንተዘይኰነ ዓላማ-ኣልቦ ኰይኖም ወይ መገዲ ጠፊእዎም ዓዊኖም ኣብ ጐልጐል ክተርፉ ግድን እዩ። ስለዚ ንሕና ክርስቲያናት፡ ዓላማና ክንፈልጥ ብተስፋ ጸኒዕና ክንነብር ምእንቲ ኢልና ኢና እዚ በብእዋኑ ንጽሕፎ ዘሎና ጽሑፋት ቀዳሞት ኣቦታት ንትንትኖ ዘሎና። ተስፋና ብእምነት እንተ ተሰነየ ዓላማና ኣብ ሓደ እዋን መፍጸምታ ክህልዎ ግድን እዩ። ህይወትና ኣብቲ ክርስቶስ ዝሃበና ዓቢ ተስፋዊ ቓል ኪዳን ክንምስርታ ግድን እዩ። ነታ ትመጽእ ሰማያዊት ሃገር፡ ኣብ ምድሪ ኰይና እናተኻታተልና ብቁምነገር እናሓሰብና ብተስፋ ንነብር እንተድኣ ኰይና፡ ናበይ ንኸይድ ከም ዘሎና እንፈልጥ፡ ክንበጽሖ ዝደለና ሃገር ንፈልጥ ስለ ዝዀና፡ ዕላማና ዓወት ኣብ ርእሲ ዓወት ከጓናጽፈና ግድን እዩ።
እታ ኣሚንና ብተስፋ ክንበጽሓ ዕለት ዕለት ናብኣ ገጽና ንጐዓዘላ ዘሎና ገነት ከም ዝዀነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ነጊሩና ኣሎ። እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ስለ ዘሎዋ፡ ሃረር ኢልና ንጽበያ ኣሎና፡ ናብዛ ሃገር እዚኣ ክንበጽሕ እንኽእል ግና ብክርስቶስ ኣቢልና እንተዘይኰይኑ፡ ብኻልእ ኣቢልና ክንበጽሓ ኣይንኽእልን ኢና። ከመይሲ ዝዀነ መራሕ ሃይማኖት፡ ሊቅ፡ ጠቢብ፡ ክኢላ ከምዚ ዝኣመሰለት ሃገር ብዘይ ክርስቶስ ዝተመባጽዔ የልቦን። እቲ መገድን ሓቅን ክርስቶስ ባዕሉ እቲ ኣፍደገ ባዕሉ ምሂሩ ባዕሉ ስለ ዝተመባጽዔ።
እዛ ተስፋ እዚኣ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከሎ ተገልጸት። እቲ ኣብ የማኑ ተሰቒሉ ዝነበረ ከታሪ፡ ንጐይታ ዘክረኒ ኢሉ ምስ ለመኖ፡ ጐይታ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ” ኢሉ ነቲ ተስፋ ዘይነበሮ ቃል ተስፋ ሃቦ። በታ ዕለት እቲኣ ድማ ንተስፋ ረኸባ። ብኣጸደ ነፍስ ገነት ክኣቱ ከኣለ። ሎሚ'ውን ከምቲ ብየማን ክርስቶስ ዝተሰቕለ ከታሪ፡ ብሓጢኣትና ተጸጺትና፡ ነቲ ስለሌ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣሚና ብመንግሥትኻ ምስ ትመጽእ ዘክረኒ ኢልና ብሓቀኛ ልቢ እንተ ተነሳሕና። ጐይታ ንተስፋና ከጽንዓልና እሙንን ሓቀኛን እዩ። ንነፍስና ድማ ኣብ ገነት የእትወልና። ብዳግማይ ምጽኣቱ ድማ ነፍስና ሥጋናን ኣውሃሂዱ መንግሥተ ሰማይ ክንወርስ ናይ ዘለዓለም ህይወት ክንረክብ የብቅዓና። ንሕና ድማ ክርስቶስ ሓቀኛ መስዋእትና ከም ዝዀነ እናሓሰብና ክሳብ ዘሎና ንእግዚኣብሔር ነበስግኖ'
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ