ኣብቲ ዕለት ነቲ በዓል ዝምልከት ትምህርቲ፡ ብክቡር ቀሲስ ዶክቶር ኣስሞሮም ሞሳዝጊ ኣገልጋሊ ደብረ ግእዛን መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን፡ ኣዝዩ መሳጥን ሃናጽን ዝኾነ ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ።
ኣብ ትምህርቶም፡ መስቀል ኃይልና መስቀል ጽንዕና፡ መስቀል መድኃኒት ነፍስና፡ ክንብል እንከሎና፡ ብኹለንትናና ክንብሎ ይግብኣና። ብተለምዶ ግቡእና ጥራይ ኮይኑ ዘይኮነስ ብተመስጦ ሒልናን ብውሽጣዊ መንፈሳዊ ድርኺትን ተሰኒና ክንብሎ ከነኽብሮ እዩ ዝግባእ ዚብል ካብ 1ቈሮ.1፡18-25 ዘሎ መሠረት ብምግባር ልቢ ምእመናን ዝመሰጠን ዘረስረሰን ትምህርቲ ኣቕሪቦም።
መንእሰያት ናይቲ ቤተ ክርስቲያንውን ነቲ በዓል ዝምልከት ሕጽር ዝበለ ድራማ ሓዘል ትምህርቲ ንሕዝቢ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሓንስን ቀሲስ ዶክቶር ኣስመሮም ሞሳዝግን ብምዃን ነቲ ዳሜራ ባሪኾም ወሊዖሞ። ምእመናን ብመዝሙርን ብዕልልታን ሓጎሶም እናገለጹ፡ ኣቦታት ሆየ ሆየ፡ ዓመት ንዓመታ የድግመና እናበሉ፡ ኣዴታት ድማ ንመስቀለይ ንመስቀለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይ ዚብል ባህላዊ ደርፍታት ተሰንዩ እቲ ጽምብል በዓል ተኻይዱ።
ኣብ መውዳእታ ድማ እታ ዳሜራ ናብ ምብራቕ ገጻ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ሕዝቢ ናይ ጽቡቕ ተስፋን ምንዮትን ምዃኑ ሓጎሱ ገሊጹ።
እግዚኣብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቕድስት ቤተ ክርስቲያን ይሓሉ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ