
እተን ሓዋርያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝበሃላ፡ ማለት ናይ ኦሬንታልን ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ከምኡውን ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ስነ መለኮት ዘተ ካብ 25-28 ጥሪ 2011 ኣብ ሮማ ተጋቢኡ ቀንዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።
ክቡራንን ክቡራትን ምእመናን ኣብ ውሽጥን ወጻእን።
ደድሕሪ ኣሮን ክህነት ኣብ ሥልጣን ክህነት ዝመጸ ፊንሃስ ነበረ። በቲ ዝገበሮ ሰናይ ቅንኢ ርእዩ፡ ንዕኡን ንደቁን ኪዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹም ኢሉ፡ ኪዳን ከም ዝኣተወሉ እዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ይዛረቡ (ዘህ፡25:11-15; ሲራክ 45:24) "እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንኹራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል እንሆ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከአ ኣተዓሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን”። ኣብዚ ሕጂ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝግብኣና እቲ “ኪዳን” ዝብል ቃል እዩ።
“ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ’ምበር፡ ንሓጐስ ዚኸውን ኣይመስልን’ዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ’ዩ ዚፈርይ።” እብ 12፡11
እዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዓብይ ጾም፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና “ዘመፃጒዕ” (ዘመጻጒዕ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፈዋስነትን ኵሉ ከኣልነትን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተንትነሉን ክንመሃረሉን ዝተሰርዓልና መዓልቲ ድማ’ዩ። ነዛ ሰንበት’ዚኣ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክሳዕ’ታ እትስዕብ ሓምሸይቲ ሰንበት ንዘሎ መዓልታት ናይ’ዚ ሰሙን’ዚ’ውን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ክንመሃርን፡ ብዛዕባ ህልዊን ናይ መጻእን ጥዕናዊ ጸገማትና’ውን ኣብኡ ምውካል እንመሃረሉን እንለማመደሉን ሰሙን’ዩ። እዚ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል’ውን ብዛዕባ ንሰላሳን ሸሞንተን ዓመታት ዝመጽጒዐ’ሞ ብጐይታና ዝተፈወሰ ሰብኣይ ዚትርኽ ናይ ዮሃ 5፡1-18 ክፍሊ ወንጌል’ዩ። ናይ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ታሪኽ ህይወት፡ ምስ’ዚ ንሎሚ ተዳልዩልና ዘሎ ኣርእስቲ ስብከት ዚሰማማዕ’ዩ። በቲ ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ፦
![]()
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፍትዋት ኣኅዋተይ ካህናት፡ ዲያቆናትን ምእመናንን፡ እንቋዕ ናብ እዚ ርእሰ በዓላት ዝኾነ በዓል እዚ ብሰላም ኣብጽሓና ኣምላክ።
በቲ መጀመርያ ዘመን ክርስትና ዝነበሩ ሰባት፡ ስለ ትንሣኤ ካብ ምዉታት ኪንገሮም እንከሎ፡ ገለ ይሳለቑ (ይሕጭጩ ) ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡ ፴፩)። ይኹን ደኣ እምበር ካብ እቶም መራሕቶም እኳ በቲ ትምህርቲ እቲ ደኣ ይኣምኑ ነበሩ (ግብ.ሓዋ. ፲፯፡፴፬)። ገለ ከኣ ንምንታይ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሢኡ፡ ተባሂሉ ትምህርቲ ተዋህበ ኢሎም ነቦታትና ሓዋርያት፡ ኣብ ሓለዋ (ማእሰርቲ) ዘእተዉ፡ ዘጠንቀቑ፣ ዝገረፉ ነበሩ። ቁጽሪ እቶም ኣመንቲ ግና ፴፻ (3000) ኮነ (ግብ.ሓዋ. ፪፡፵፩። ተቓውምኦም ግና ቀጸለ ቁጽሪ ኣመንቲ ከኣ ፶፻ (5000) በጽሐ (ግብ.ሓዋ.፬፡፬)።
ሓደ መዓልቲ ንሓዋርያት ንምቕታል (ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፫) ዕዉር ብምራን፣ ሓንካስ ብምንርኩስ ተኣከቡ፣ ሓዋርያት ካብ ሓለዋ ብህጹጽ ተጸውዑ። ብዙኅ ወቀሳታት ተዘርበ።
ከይጸበበ ኣይርሁን እዩ እሞ፡ ኣብ እዚ ኩሉ ጸበባ እዚ፡ ኣይሁድ ዝኣምንዎ ሰብ ንሓዋርያት ዚሕለቕ ሕግን ፍትሕን ዝኽእልን ዝፈልጥን ነታ ሓቂ ዚፈልጣን ዚገብራን እተማህረ ሰብ (ሂለል ሃዛቀን) ዝኾነ መምህር ኦሪት ገማልኤል ተላዒሉ፡ እዚ ምኽሪ እዚን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ኾይኑ ክፈርስ እዩ፡ ካብ ኣምላኽ እንተ ኾይኑ ግና ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም ምስ ኣምላኽ ከይትበኣሱ( ግብ.ሓዋ. ፭፡፴፬- ፴፱)።
ብካልእ ጊዜ ከኣ ወዲ ጠርሴስ ካብ ነገደ ብንያም ተመሃሪ ገማልኤል (ግብ.ሓዋ.፳፪) ዝኾነ፡ ሳውል ኣነ እንከለኹ እዚ ሃይማኖት እዚ ኣይነብርን እዩ ኢሉ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ውሒዶም ናብ ደማስቆ ጎየየ። ካብ ሊቃነ ካህናት ነታ ማኅበር ከጥፍእ ፍቓድ ተቐቢሉ (ገላ.፩፡ ፲፫- ፲፬፡ ግብ.ሓዋ. ፱፡፪)(ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ ከምዝበሃል)ሰባት ንኽኣስር ናብ ደማስቆ ከደ። ሊቃነ ካህናት፣ ሰብን ስንቅን ከይወሰኹሉውን ኣይተርፉን።
ኃይሊ ኣሎኒ ኢሉ ካብኡ ዚኅይል ኣብ መገዲ ተጸበዮ። ጐይታና፣ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሰማያዊ ባውዛ ፈነወሉ። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን ነቶም ምእመናን ዘፋጥጠሎም ዝነበረ ኣዕይንቱ ብርሃኑ ተሰወረ። በቲ ምእመናን ኪኣስረሉ ኢሉ ኂዝዎ ዝነበረ ገመድ፡ ተመሪሑ ናብ ከተማ ደማስቆ በጽሐ (ግብ. ሓዋ. ፱፡፰)። ወዮ "እሩቅ ብእሲ" እዩ፣ ኣይተንሥአን፣ ዝብሎ ዝነበረ ጐይታና ድማ ከም ዝተንሥአ ኣረጋገጸሉ። ጉያኡ ክሳብ ዚውድእ፡ ምእመናን ንምብዛኅ ጐየየ (፪ጢሞ. ፬፡፯)። ወዮም ብዝተንሥአ ጐይታ ዝኣምኑ ከኣ ቁጽሮም ኣእላፋት እናኾነ ከደ(ግብ.ሓዋ.፳፩፡፰)።
በዓል ትንሣኤ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቂ ዝበሎ ርእሰ በዓላት እዩ። ኣልኣዛር ካብ ምዉታት እንተ ተንሥአ ነዓ ውጻእ ተባሂሉ እምበር ባዕሉ ኣይተንሥአን። (ዮሓ.፲፩)። ኣቦታትና ሓዋርያት ናብ ሥራሕ ቅድሚ ምውፋሮም ንሓዋርያ ማትያስ ኣብ ክንዲ ይሁዳ ዝመረጽዎ ብትንሣኤ ክርስቶስ ንኽምስክር እዩ (ግብ. ሓዋ.፩፡፳፪)።
ኣብዚ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ እተሰምዕዎ መልእኽቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (፩ ቈሮን ፲፭) እቲ ኩሉ ምሳሌ ሂቡ ዝተጻሕፈ ንትንሣኤ ንምብራህ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ነቶም ካብ ፍልስጥኤም ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስቶስ ሓንሳእ ስለ ኃጢኣትና ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ ኢሉ ዝተጻሕፈሎም( ፩ጴጥ.፫፡፲፰)ነኣና’ውን ትምህርቲ ኮይኑና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ተማሃሪኡ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ኣብ ዚጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል። “ነቲ ከም ወንጌል ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኰነ ካብ ምዉታት ዝተንሥአ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ።”(፪ጢሞ.፪፡፰)። ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያውን ኣብቲ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ራእይ ፩፡፲፰። “ኣነ እቲ ቀዳማይ እቲ ዳሕራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሞይተውን ነበርኩ እነሆ ከኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ።”
እቲ ዝጥመቕ ሰብ ኩሉ ከኣ ብትንሣኤ ምውታን ክኣምን ኣለዎ። ኣብቲ ጸሎተ ሃይማኖት "ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን” ብትንሣኤ ምዉታን ተስፋ ንገብር”። እንብሎ፡ እቲ ትንሣኤ ዓቢይ መልእኽቲ ስለ ዝኾነ እዩ።
ጽቡቕ በዓል ይግበረልና ኣምላኽ።
ነደ ሥዉዕ፡ ኃፍቲ ሥዉዕ፡ ጓል ሥዉዕ ጽንዓት የሃበልና ኣምላክ። ነፍሲ እቶም ሥዉዓት ይምሓረልና።
ዝጐዪ መንእሰይ፡ ዝመክር ዝገንሕ ዘጸናንዕ ሽማግለ፡ ፍርዲ ዘየጉድል በላዕቲ ጉቦ ዘርሕቕ መራሕ ሃገር ኣየጥፍእ ኣምላክ።
ብጸሎት እዞም ኣቦታት።
ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ናይ እስክንድርያ።
ቀዳማይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልና ይኩን።
መቃርዮስ ኣቡን።
ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሑ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (ጥሪ 28 - 30/ 2011 ፤ ጥሪ ፳ - ፳፪ 2003 ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ ብኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአ ሓድሽ ህንጻ ቦኽሪ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም
“ፍቓድ ኣምላኽ ንስኻትኩም ክትቅደሱ፡ ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ’ዩ።” 1 ተሰ 4፡3 ካ.ት።
መልእኽቲ ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን፡
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስ ኵላትና ይኹን እናበልና፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ ሠናይ ድሌት ምእመናን ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢይ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብታ ዓባይ ከተማ ኒው ዮርክ ብኤርትራዊ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ እናተመርሐ ብምዕሩግ ኣገባብ ክካየድ ሰፊሕ ምድላው ይግበር ከም ዘሎ ብሓጎስ ክንሕብር ንፈቱ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ