“እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ’ዩ ዚመጽእ ዘሎ፧ ካብ’ቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኰነን፧” ያእ 4፡1
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና እዚ ሳልሳይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም “ዘምኵራብ” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። ኣብ’ቲ ዝተነብበልናን ዘንበብናዮን ናይ ቅዱስ ወንጌል ክፍሊ፡ ጐይታና ብቕንኣት ቤቱ ተላዒሉ፡ ነቶም ንቤተ መቕደስ ኣይሁድ ዕዳጋ እንስሳን ትካል ሸርፍን ናብ ምዃን ዝለወጥዎ ሰባት ከም ዝሰጐጎምን ንቤቱ በዓቲ ጐሓሉት ካብ ምዃን ከም ዘጽረያን ተነጊሩና ኣሎ። እዚ ታሪኽ’ዚ ንኣና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ኸኣ፡ ንመቕደስ ስጋና እቲ ሰራቒ (ጕሒላ) ዲያብሎስ ካብ ዘስረጸልና እኩይ ባህርያትን ግብርን ወርትግ ከነጽርያ ኸም ዚግብኣና’ዩ። እቶም ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያን ተሰሪዖምልና ዘለዉ ዅላቶም ኣጽዋማት፡ ነፍስናን ስጋናን ከነንጽህን ክንቅድስን ዝተሰርዑልና’ዮም። ቃል እግዚአብሔር ደጋጊሙ ኸም ዜስተምህረና፡ እግዚአብሔር ጾም ቅዱሳኑ ዜፍቅር ኣምላኽ’ዩ። ንጾምና ኻብ ግብረ-ኣምልኾ ናብ ግብሪ ዓመጻ ዚልውጥ እኩይ ጸላኢ ግን ኣሎና። ምኽንያቱ እቲ ንኣምላኽ ዜሐጒሶ ጾምና፡ ንእኡ ግን የፍርሶ’ዩ። ፈጺምና ዘይንጸውም እንተ ዄንናሉ፡ ንእኡ ኣዝዩ ዓብዪ ባህታን ቅሳነትን’ዩ ዚፈጥረሉ። ካብ ጾም ኪኽልክለና ከም ዘይክእል እንተ ኣረጋጊጹ ግን፡ ንጾምና ኬበላሽዎን እግዚአብሔር ከም ዚጽየፎ ኺገብርን’ዩ ዚጋደል። ሓደ ኻብ’ቲ ንጾምና ኸንቱ ንምግባር ዚጥቀመሉ ጥበቡ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድና፡ ዘይቅህም ሃልሃልታ ባእሲ ምእጓድ’ዩ። በዚ ተግባሩ’ዚ እምብዛ ውሕሉልን ምኩርን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ዳርጋ 99% ይሰልጦ’ዩ። ጽዉዓት ብዙሓት ሕሩያት ግና ሒደት ዚዀኑሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ ነዛ ጥበቡ’ዚኣ ገና ኻብ ጥንቲ፡ ካብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ የዘውትራ ምንባሩ፡ እግዚአብሔር ብብርዒ ነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።
“. . . እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም። ክትጾሙ ኸለኹም ትበኣሱን ትከራኸሩን ብሕሱም ጕስጢ ትዋቕዑን ኣለኹም። ጸሎትኩም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘለኹም።” ኢሳ 58፡3,4 ካ.ት
ካብ’ዚ ቓል’ዚ ኸም እንግንዘቦ፡ ባእስን ክርክርን ጾምና ንኣምላኽ ዘይኰነስ ንሰይጣን ከም ዝተወፈየ ኣገልግሎት’ዩ ዚገብሮ። ንመቕደስ ስጋኡ ኻብ’ዚ በካሊ ሓጢኣት’ዚ ዘየጽረየ ሰብ፡ ጾሙ ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ’ምበር ከም መንፈሳዊ ስነ ምግባርን ከም ግብረ ኣምልኾን ኣይቍጸረሉን’ዩ።
ንምንታይ ኢና ንበኣስ፧ እዚ ኣበሳ’ዚ ንምንታይ’ዩ ዘይበትከልና፧
ናይ ሎሚ ትምህርትና ዕላማ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ’ዚ ንምምላስ’ዩ። ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ ንጹር መልሲ፡ ጐይታና ብመልእኽቲ ቅዱስ ሃዋርያኡ ያእቆብ ገይሩ መሊሱልና ኣሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና ኸኣ ንሱ’ዩ። ንጾምናን ጸሎትናን ፍረ ዘይብሉ መኻን ስነ ምግባር ዚገብሮ ዘሎ፡ እዚ ዘየባትኽ ባእስን ክርክርን ጸርፍን ጽልእን ቂምታን ቅንእን ትዕቢትን ወዘተን’ዩ። “ባእሲ ተፈጺሙ” ንምባል ናይ ግድን ክንዋቓዕ ክንቃተል ኣለና ማለት ኣይኰነን። ንሓውኻ፡ ንብጻይካ ዘይምፍቃር፡ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ “ቅትለት ነፍሲ (murder)’ዩ። ንመሪሕ ጥቕስና’ሞ ምልስ ኢልና ብምስትውዓል ነንብቦ። ክንደይ ዓይነት ውግእ’ዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ እቲ ውግእ ክልተ’ዩ።
1ይ እቲ ምስ ሰባት ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ውግእ
2ይ እቲ ኣብ ገዛእ-ኣካላትና ዘሎ ውግእ።
ነቲ ምስ ሰባት እንገብሮ ውግእ ንፈልጦ ኢና። ነቲ ኣብ ኣካላትና ዘሎ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእ ግን ፈጺምና ኣይንፈልጦን፡ ኣይነስተውዕለሉን ከኣ ኢና። ናይ’ቲ ምስ ሰባት እንገብሮ ውግእ መሰረታዊ ጠንቂ፡ እቲ ኣብ ኣካላትና ዚካየድ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእ ምዃኑ ምፍላጥ’ሞ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ እንተ ንፈልጥ፡ ነቲ ምስ ሰባት እንገብሮ ውግእ ፈጺምና ኸነቋርጾ፡ እንተ ወሓደ ኸኣ ኣዚና ኸነጕድሎ ምኸኣልና ኔርና። ምስ ሰባት ኣብ ምውጋእ ክንግደስን ርእስና ብእኡ ኽንጸምድን ዚገብረና ዘሎ፡ ኣብ’ቲ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእ ወርትግ ስዑራት ስለ ዝዀንና’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዓሮስ ባርያኡ ይዀኖ’ዩ” ኸም ዝበለ፡ ንሕና’ውን ፍትወት ስጋ ስለ ዝሰዓረና፡ ናይ ፍትወት ስጋ ባሮት ኴንና ንርከብ ኣለና (2ጴጥ 2፡19)። እቲ ዝሰዓረና ፍትወት ስጋ፡ ነቲ ስዑር ኣካላትና ተጠቒሙ፡ ውግእን ባእስን፡ ጸርፍን ጽልእን፡ ቂምታን ሕነን ከም እንፈርይ ይገብረና ኣሎ። ስለ’ዚ ኣብ ባእስን ክርክርን ክንጽመድ ከለና፡ “ኣነ’ኮ ብፍትወት ስጋ ዝተሰዓርኩ ምሩኽ’የ። ፍትወት ስጋይ ዝኣዘዘኒ እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝሓሸን ዝመረጽክዎን ካልእ ግብሪ ኽገብር ኣይክእልን’የ” ዚብል ግብራዊ መልእኽቲ ንሰብን ንኣምላኽን ነመሓላልፍ ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግባእ። እቲ ብፍትወት ስጋ ዝተሳዕረ ስጋዊ ሰብ እንታይ ከም ዚሓስብን ከም ዚብልን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ሰናይ ንምግባር ድልየት ኣሎኒ’ምበር፡ ምግባር ሰናይሲ የብለይን። ስለ’ዚ ኣባይ ማለት ኣብ ሰብኣዊ ባህርየይ (ኣብ ስጋይ) ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ ኽገብሮ ዝደልይ ሰናይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልይ ነገር’የ ዝገብር ዘለኹ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገበርክዎ ግና ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ሓጢኣት’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።” ሮሜ 7፡17-20 ካ.ት
እዚ “ሓጢኣት” ዚብሎ ዘሎ፡ ነቲ ትምኒት ወይ ፍትወት ናይ ሓጢኣት ምዃኑ ኸኣ፡ ኣቐዲሙ፦ “ኣብ’ቲ ብስጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ፡ ብሕጊ ተለዓዒሉ ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይይ ነበረ።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ሮሜ 7፡5 ካ.ት)። ኣብ ስጋና “ትምኒት፡ ፍትወት” ናይ ስጋ (ናይ ሓጢኣት) ይዓይዪ እንተ’ልዩ፡ ሰብነትና ፋብሪካ ናይ ሓጢኣት’ዩ ዚኸውን። ሓጢኣት ከኣ፡ እቲ ንሞት ዚኸውን ፍረ ናይ ስጋ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ነቲ ኣብ መንጎ ትምኒትን (ፍትወትን) ሓጢኣትን ሞትን ዘሎ ዝምድና ብኸም’ዚ ዚስዕብ ኣስፊሩልና ኣሎ።
“ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን’ዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሓቱ።” ያእ 1፡14-16 ካ.ት
እምበኣር፡ ናይ’ዚ ኣብ ህይወትና ዚኽሰት ዘሎ ዘየቋርጽ ፍረ ናይ ሓጢኣት፡ ትምኒት ወይ ፍትወት ስጋ ዚወልዶን ዚፈርዮን’ዩ። ሓደ ኻብ’ቲ ሞት ዜስዕብ ፍረታት ናይ’ዚ ፍትወት ስጋ ድማ ውግእን ባእስን’ዩ። ስለ’ዚ’ዩ ሰይጣን ንስጋና ወርትግ ብትምኒትን ፍትወትን ኪዋግኦ ዚነብር። ፍትወት ስጋ፡ ሰይጣን ኣብ ስጋና ዜካይዶ ውግእ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፦
“ኣቱም ፍቁራተይ፡ (ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ) ኣጋይሽን ስደተኛታትን ስለ ዝዀንኩም፡ <ካብ’ቲ ምስ ነፍሲ ዚዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ>፡ እናበልኩ እመኽረኩም ኣለኹ።” ብዚብል ቃል ገሊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 2፡11 ካ.ት)። ነፍስን ስጋን፡ ከም ኣካላት ሓደ ሰብነት መጠን፡ ተሰማሚዐን ኪነብራ እናተገብአን፡ ስጋ ንነፍሲ ክትወግኣ ዚገብር ዘሎ፡ ትምኒት-ስጋ ወይ ፍትወት ስጋ’ዩ።
ነቲ ኣብ ገዛእ ኣካላትና ሰፊሩ ዚወግኣናን፡ ምስ ኣሕዋትና ዜዋግኣናን ፍትወት ስጋ ብኸመይ ኢና እንስዕሮ፧
ብውግእ ኪቐትለካ ኻብ ዝመጸ ጸላኢ እትድሕነሉ ዝበለጸ ሜላ ኺህልው ናይ ግድን’ዩ። እቲ ዝበለጸ ሜላ፡ ነቲ ዚወግኣካ ፍትወት ስጋ ወጊእካ ምቕታል’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፦ “ስለ’ዚ ነቲ ስጋዊ ስምዒትኩም፡ ማለት ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ እቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ስሰዐ፡ ቅተሉ።” ብምባል፡ ካብ ምርኮ ሰይጣንን ፍትወት ስጋን እነምልጠሉ ኻልእ መዋጽኦ ኸም ዘይብልና ኣመልኪቱና ኣሎ (ቈሎ 3፡5 ካ.ት)። ንሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ’ውን፡ ብዛዕባ ርእሱ ሓዊሱ ገሊጹልና ኣሎ።
“እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም (ነቲ ሰብኣዊ ባህርዮም) ምስ ናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም። . . . በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት፡ ኣነ’ውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሓቕ።” ገላ 5፡23፣ 6፡14,15
ነቲ ኣብ ስጋና ዀይኑ ዜሸግረናን ናብ ሓጢኣት ዚደፍኣናን ስጋዊ ወይ ሰብኣዊ ባህርይ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣረጊት ሰብ” ኢሉ’ዩ ዚሰምዮ (ሮሜ 6፡6,7፣ ቈሎ 3፡9,10፣ 2፡11)። ነዚ ብፍትወት ስጋ ዚዓይዪ ኣረጊት ሰብ ሰቒልና እንተ ዘይቀቲልናዮ፡ በቲ መርዛምን ርሱንን ፍላጻኡ ወጊኡ ኪቐትለናን፡ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ኺህበናን’ዩ። ስለ’ዚ ከምቲ ቕዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም ዝመዓዱና ነዚ መልክዕ ሰይጣን ዜልብሰና ኣረጊት ሰብና ቐንጢጥና ኣብ መስቀል ብምስቃል ክንቀትሎ፡ ብኣንጻሩ ነቲ ጽድቅን ቅድስናን ዝመለለዪኡ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ይግብኣና።
“ምስኡ (ምስ ክርስቶስ) ሓቢርና እንተ ደኣ ሞይትና ምስኡ ሓቢርና ከም እንትንስእ ርጉጽ’ዩ። ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ፡ ንፈልጥ ኢና። ከመይ እቲ ዝሞተ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣለና።” ሮሜ 6፡5-8 ካ.ት
“እታ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተምሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ’ሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።” ኤፌ 4፡21-24
“ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባ’ውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ’ቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።” ቈሎ 3፡8-10
ንፍትወት ስጋ ብምንታይ ኢና እንወግኦ፧
ዕጥቂ ኸይዓጠቕካ ጥራይ ኢድካ ዄንካ ዚግበር ውግእ ከም ዘየልቦ ፍሉጥ’ዩ። ፍትወት ስጋ ባህርይ’ምበር ኣካል ስለ ዘይኰነ፡ ብመንፈሳዊ ኣጽዋር’ምበር ብኣካላዊ ኣጽዋር ክትዋግኦ ኣይከኣልን’ዩ። ክንዓጥቆ ዚግብኣና ቐዳማይ ኣጽዋር፡ ናይ ኣተሓሳስባ ኣጽዋር’ዩ።
“ደጊም ክርስቶስ ምእንታና (ብስጋ) ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ’ዩ’ሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን (ህይወትኩም) ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር ንፍትወት (ስጋኹም) ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩም’ውን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን ብጓይላ፡ ብመስተ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸለኹም። ፍቓድ (ስጋ) ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል።” 1ጴጥ 4፡1-3
ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር ንፍቓድን ፍትወትን ናይ ስጋኻ ኸይትነብር፡ ብሓሳብ ኣእምሮኻ ቈራጽ ውሳነ እንተ ዘይወሲንካ፡ ክትሰዓር’ምበር ክትስዕር ከም ዘይኰንካ ርዱእ’ዩ። ነዚ ናይ ሓሳብ ኣጽዋር’ዚ ኸይዓጠቕካ፡ ነቲ ኻልእ ኣጽዋር ኣምላኽ ክትዓጥቆን ክትጥቀመሉን ኣይከኣል’ዩ። ብሓሳብ ጥራሕ ክንዋጋእ ስለ ዘይንኽእል ነቲ ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንዓጥቆ ናይ ግድን’ዩ።
“ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት’ዩ’ምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን’ሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለ’ዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም’ውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ።” ኤፌ 6፡10-13
እቲ ኣጽዋር ከኣ ሓቅን ጽድቅን እምነትን ወንጌል ሰላምን ምድሓንን ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ምዃኑ ኣስዒቡ ተዘርዚሩልና ኣሎ (ኤፌ 6፡14-18፣ 1ተሰ 5፡8)። ንፍትወት ስጋን ነቲ ብፍትወት ስጋ ዚገዝኣና ሰይጣንን ኵሎም ስልጣናቱን እንስዕረሉ ኣጽዋርና እዚ ጥራሕ’ዩ። ነዚ ዘይዓጠቐ ክርስትያን፡ ኣብ ውግእ ከይበጽሐ’ኳ ስዑር’ዩ። ምኽንያቱ ሓቂ እንተ ዘይዓጢቕና ናይ ግድን ሓሶት ዓጢቕና ኸም ዘለና ርዱእ’ዩ። ኣብ መንጐ ሓቅን-ሓሶትን ቦታ የልቦን። እቲ ኣዝዩ ደስ ዜብል ብስራት ግና እቲ ኣጽዋር ውግእ ንዅላቶም ቅዱሳን ዘዐወተ ፍቱን ኣጽዋር ምዃኑ’ዩ። እቲ በዚ ፍቱን ኣጽዋር’ዚ ዝተዓወተ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“(ስጋ ዝለበስና’ኳ እንተ ዀንና) ብስጋዊ መገድስ ኣይንዋጋእን ኢና። ኣጽዋር ውግእና ድማ ጽኑዕ ዕርድታት (ናይ ሓጢኣት) ዜፍርስ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎ ኣጽዋር’ዩ’ምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ንዚከራኸረና ንረትዖ። ነቲ ንፍልጠት ኣምላኽ ብትዕቢት ዚቃረን ኵሉ ነፍርሶ፡ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ ንክርስቶስ ከም ዚግዛእ ንገብሮ።” ኢሉና’ሎ (1ቈረ 10፡3-5 ካ.ት)። ንፍትወት ስጋና ስዒርና ብጽድቂ ኽንነብርን ንኣምላኽ ከነኽብርን እንተ ዄንና፡ ነዚ መለኮታዊ ሓይሊ ዘለዎ ዕጥቂ ኽንዓጥቕ ይግብኣና።
ባእስን ፍትወት ስጋንከ ብኸመይ’ዮም ዚዛመዱ፧ መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ንፍትወት ስጋ፡ ምስ ጾታዊ ፍትወት ጥራሕ ኢና ነዛምዶ። ፍትወት ስጋ ኺበሃል ከሎ ግን እቲ ኸም ሰባት መጠን እንምነዮን እንብህጎን ኵሉ ስጋዊ ድልየታት ዜጠቓልል’ዩ። ገንዘብ፡ ብልዒ፡ ተድላ (pleasure)፡ ክብረት፡ ልዕልና፡ ዋዛ፡ ወዘተ ስጋዊ ፍትወት’ዩ። እቲ ነዚ ምእንቲ ኽትረክብ እትፍጽሞ ግብርታትን እተርእዮ ስምዒታትን ከኣ ሓጢኣት’ዩ። ነዚ ስጋዊ ድልየታትና ንኸይንረክብ ዚዕንቅፈና ንዝዀነ ዅሉ እነርእዮ ወይ እንህቦ መልሰ ግብሪ ድማ ሓጢኣት’ዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ንሓጢኣት ዚወልዶ ትምኒት ወይ ፍትወት’ዩ። ከም’ቲ ንሰብ ክንላለዮ ወይ ክንፈልጦ ኸለና፡ “መን’ዩ፡ ወዲ መን’ዩ፡ ካበይ መጺኡ፡ ኣበይ’ዩ ዓዱ” ወዘተ ኢልና እንሓትት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ህይወትና ዚኽሰት ሓጢኣት’ውን ከምኡ ኢልና ኽንሓትት ግቡእ’ዩ። ክንሰርቕ ዚገብረና ናይ ረብሓ ፍትወት ስጋ’ዩ። ክንዝምውን ክንምንዝርን ዚገብረና ናይ ጾታዊ ዕግበት ትምኒት’ዩ። ክንበኣስን ክንዋጋእን ዚገብረና’ውን ረብሓ ናይ ምርካብ፡ ልዕሊ ሰብ ናይ ምዃን፡ ክትመልኽ ናይ ምድላይ፡ ዓብላሊ ናይ ምዃን፡ ቀዳምነት ናይ ምርካብ ትምኒትና’ዩ። ነዘን ትምኒትና’ዚኣተን ንኸይነዕግብ ዚኽልከለና ዅሉ ሰብ፡ ጸላኢና ዀይኑ ስለ ዚረኣየና ብዝተፈላለየ መገዲ ብጸርፊ፡ ብማህረምቲ፡ ብጽልኢ፡ ብቒምታ፡ ብሕምየት ወዘተ ኽንዋግኦ ንርከብ። እቲ ብፍትወት ስጋ ዚግዛእን ዚምራሕን ሰብ፡ ንዝምድናታቱ ብናይ ጽድቂ ኣገባብ ኪዕቅቦምን ኪሃንጾምን ኣይደልን’ዩ። ውግእ ኣብ ዘለዎ፡ ኵሉ ጊዜ ዕንወት ጥራሕ’ዩ ዚስዕብ። ሰባት ብቦምብን ብመዳፍዕን ኪዋግኡ ኸለዉ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከም ዚወርድ፡ ሰባት ብፍትወት ስጋ ኺዋግኡ ኸለዉ ድማ ኣብ ዝምድናታት’ዩ ከቢድ ሃስያን ዕንወትን ዚወርድ። ሰብ ኪዳን ብፍትወት ስጋ እንተ ተዋጊኦም፡ ነቲ ብስም ቅድስት ስላሴ ዝቘመ ሓዳሮም ብፍትሕ የፍርስዎ። እቶም በዚ ኺዳን’ዚ እተወልዱ ደቂ፡ ብንጽል ወላዲ ይዓብዩ። እዚ ድማ ከቢድ ማሕበራውን ስነ ልቦናውን ቍጠባውን ቅልውላው ይፈጥር። እቲ ብፍትወት ስጋ ዚዋጋእ መጻምድቲ ኣብ’ቲ ግርጭት ላዕላይ ኢድ ጨቢጡ ዕዉት ኰይኑ ኺወጽእ ኣብ ከቢድ ህልኽ ይጽመድ። ዝበዝሐ ንብረትን ገንዘብን ኪምቀል ይጋደል። ንዅሎም ወይ’ውን ንዚበዝሑ ኻብ’ቶም ደቆም ንኺወስዱ ኣብ ደቆም ናይ’ቲ መጻምድቶም ጽልኢ ኼሕድሩሎም ዚከኣሎም ኵሉ ይገብሩ። እዚ ዅሉ ድማ፡ ቀዳምነት ንምርካብ፡ ዓብላሊ ንምዃን፡ ረብሓ ስጋ ንምዕዛዝ፡ ዝሓሸ መጻምድቲ ንምርካብ ዝዓለመ’ዩ።
ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወለድኻን ዚግበር ምስ ርስቲ ዝተተሓሓዘ ባእስን ክርክርን፡ ርኡይ ናይ ፍትወት ስጋ ውግእ’ዩ። በዚ ኸም’ዚ ዘይሓልፍ ስድራ ቤት ኣሎ ኽትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ክሳዕ ናብ ምቅታል ዝዓለመ ብብርቱዕ ጽልኢ ዝተደረኸ ተሃንድዶን ባእስን’ዩ ዚረኣይ። ብሻራ ተወዳዲብካ ዚግበር ተንኰል፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሐ ጒዳይ እንተ ዀይኑ፡ ጒቦ ብምሃብ፡ ሓሰውቲ መሰኻኽር ብምዕሳብ፡ ፍርድን ፍትሕን ንምጥምዛዝ ዚግበር ጻዕሪ ጸብጺብካን ገሊጽካን ዚውዳእ ኣይኰነን።
ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ፡ ኣስራሕን ሰራሕተኛን፡ ዓሚልን ዋና ትካልን፡ ናይ ትካል ሰብ ብርኪ፡ ጐረባብቲ፡ መሳርሕቲ፡ መማህርቲ ወዘተ ዚረኣይ ኵሉ ባእስን ውግእን ጠንቁ ፍትወት ስጋ ንምዕጋብ ዝዓለመ እኩይ ተበግሶታት’ዩ። እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ’ምበር ንፍቓድ ርእሱ ወይ ንፍትወት ስጋኡ ከይግዛእ ዝመረጸን ዝወሰነን ሰብ ግን፡ ብዘይካ ሰላምን ፍቕርን ካልእ ምርጫ ኼልዕል ፈጺሙ ኣይኰነሉን’ዩ።
ንፍትወቱ ቐቲሉ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚግዛእ ሰብከ እንታይ’ዩ ዚገብር፧
1ይ ንብጻዩ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ (ፊሊ 2፡3)። ነዚ ኸኣ ጥቕሚ ርእሱ ሰዊኡ ንጥቕሚ ብጻዩ ብምሕላይ ይፍጽሞ (2ቈረ 10፡24,23፣ 9፡19-22፣ 8፡13፣ ፊሊ 2፡4)።
2ይ ካብ ብጻዩ ንዚወርዶ በደል ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ይጾሮ (ማቴ 10፡22፣ 24፡13)። እናተመረረን ደም እናጠዓሞን ዘይኰነ ብሓጐስ ይዕገስ (እብ 10፡34፣ 2ቈረ 11፡19)። ብደረቕ ናይ ትዕግስቲ ስምዒት ዘይኰነስ፡ ጐደሎ ብዘይብላ፡ ፍጹምነትን ምሉእነትን ብእተጐናጽፍ፡ ግብራዊት ብዝዀነት ትዕግስቲ ይዕገስ (ያእ 1፡4፣ ሉቃ 8፡15)
3ይ ንዅሉ ግብሩ ብፍቕሪ ይገብሮ (1ቈረ 16፡14)። ዝዀነ ይኹን ተግባር ብዘይ ፍቕሪ ከንቱን ትርጒም ኣልቦን ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ፡ ነታ ናብ ፍጻመ እተብጽሕ ፍቕሪ ኻብ ህይወቱ ኺፈልያ ኣይኰነሉን’ዩ (ሮሜ 13፡1-8፣ 1ቈረ 13፡8-10፣ ቈሎ 3፡14)። በደል ብጻይካ ክትጸውርን ክትከድንን እተኽእል ፍቕሪ ጥራሕ ምዃና ስለ ዚፈልጥ፡ ኪፈልያን ኪፍለያን ኣይኰነሉን’ዩ (1ጴጥ 4፡8,9፣ ምሳ 10፡12፣ 17፡9)።
4ይ ንዚወርዶ ዅሉ በደል ብምሕረት ይሓልፎ። ኣይቅየምን፡ ኣይምረርን ከኣ’ዩ። ንርእሱ ብምሕረት ኣምላኽ ይነብር ከም ዘሎ ስለ ዚፈልጥ፡ ንሱ ምሕረት ይገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ እግዚአብሔር ምሕረት ኪገብረሎም ምእንትኦም ይልምን (ማቴ 6፡14,15፣ 18፡21-35፣ ኤፌ 4፡32፣ ቈሎ 3፡12,13)።
እምበኣር ንርእስና ንመርምር። ነቲ ሰይጣን ኣብ ውሽጥና ዚኣጕዶ ፍትወት ስጋ ዝሰዓርና ዕዉታት ዲና፧ ኣብ ስጋናን ኣብ ኵሉ ዝምድናታትናን ፍቓድ ኣምላኽዶ ወይስ ፍትወት ስጋና ይገዝእ ኣሎ፧ ዝምድናታትና እንታይ ይመስል ኣሎ፧ ዓውደ ውግእዶ ዓውዲ ሰላምን ጽድቅን፧ ነቲ ንፍትወት ስጋ ኽንዕወተሉ ዜኽእለና ኣጽዋር ኣምላኽ ዓጢቕናዮን ንዋግኣሉንዶ ኣሎና፧ ነዚ ሕቶታት’ዚ እንህቦ መልሲ፡ እቲ ዘለኣለማዊ መጻኢና እንታይ ከም ዚመስል ብንጹር ዜርእየና’ዩ።
እምበኣር ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰባትን ዜባእሰና ፍትወት ስጋ ደኣ ንበኣሶ’ምበር፡ ብፍትወት ስጋስ ምስ ሓደ’ኳ ኣይንበኣስ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መጋቢት ፬, ፳፻፲፬ ግዕዝ (13 መጋቢት 2022 ፈ).[ መበል 27 ሰንበት: ቊ.40/፵ ] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
ቈሎ 2፡16-ፍጻመ |
ያእ 4፡1-12 |
ግብ 5፡17-30 |
ዮሃ 2፡12-ፍጻመ |
ዘእግዚእነ |
መዝ ፷፰(፷፱)፡፱-፲ “እስመ ቅንአተ ቤትከ በልዐኒ። ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ። ወቀፃእክዋ በጾም ለነፍስየ።” መዝ ዳዊት 69: 9-10 “ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፡ ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ’ዩ’ሞ፡ ነሕዋተይ ጓና፡ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፡ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ