“ንሕና ግና፡ ከም’ቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበይ ኣለና።” 2ጴጥ 3፡13
እዚ ዘለናዮ ሰንበት፡ ናይ’ዚ ዓብዪ ጾም ሓምሻይ ሰንበት’ዩ፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ድማ “ደብረ ዘይት” ይብሃል። እዚ፡ “ደብረ-ዘይት” ዚበሃል ከረን (ጐቦ) ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ዚርከብ ከረን’ዩ። ስም ናይ’ዚ ኸረን ከም መጸውዒ ናይ’ዚ ሰንበት’ዚ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ጐይታና ብዛዕባ ምጽኣቱ ሰፊሕን ዝርዝራውን ትምህርቲ ዝሃበሉ ቦታ ብምዃኑ’ዩ። ስለ’ዚ እዚ ዘለናዮ ሰንበትን እዚ ዚስዕብ ሳምንትን፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና ብዕምቈት እነስተንትነሉን፡ ተስፋ ምጽኣቱ ኣብ ልብናን ናብራናን ይገሃድ ምህላዉ እነረጋግጸሉን፡ ንምጽኣቱ ድሉዋትን ንቑሓትን ብቑዓትን ኴንና ንጽበይ ምህላውናን ዘይምህላውናን ርእስና እንምርምረሉን ቕንያት’ዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ’ዚ እተስተምህረሉ ጊዜ ደኣ ትስራዕ’ምበር “ኣብ ዓመት ምሉእ ብዛዕባ ምጽኣቱ እንሓስበሉ ጊዜ እዚ ቕንያት’ዚ ጥራሕ’ዩ” ማለት ዘይምዃኑ ግን ኸነስተውዕል ይግብኣና። ምጽኣት ጐይታና መዓልታዊ ኽንሓስቦን ክንዳለወሉን ዚግብኣና ናይ ዕድመ ምሉእ ተልእኾና’ዩ። ዝተጸበናሉ ጊዜ እናነውሐ ብዝኸደ መጠን፡ ነቲ ናይ ምጽባይ ዓቕልናን ተገዳስነትናን ኪፈታተኖን፡ “ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” ናብ ምባል ኪደፍኣናን ተኽእሎ ኸም ዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ። ናይ ሓቀኛ ተጸባዪ መንነትን ብልጫን ዚገሃድ ከኣ በዚ “ምድንጓይ”’ዚ’ዩ። ዕድመ ወዲ-ሰብ ካብ ሰብዓ ሰማንያ ዓመታት ኣይሓልፍን’ዩ። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘለኣለማዊ ናብራ ንሰማንያ ዓመታት ዚኣክል ተጸቢናዮ ማለት ግና፡ ኣዝዩ ነዊሕ ተጸቢና ማለት ኣይኰነን። ምኽንያቱ ሰማንያ ዓመታት ናይ’ቲ ዚጽበየና ዘሎ ዘለኣለም ክንደይ ሚእታዊት ምዀና፧ ዘለኣለም፡ መወዳእታ ቝጽሪ ስለ ዘይብሉስ፡ ክትስልሖ (ክትቅምሮ)’ውን ኣይሕሰብን’ዩ። ስለ’ዚ ነዚ ኽንድ’ዚ ዚኣክል ዘለኣለማዊ ዘመን ንሰማንያ ዓመታት ዚኣክል ስለ ዝተጸበየ፡ ኣዝዩ ነዊሕን ዓቕልኻ ዚፈታተንን ናይ ትጽቢት ዘመን ከም ዘሕለፈ ዚሓስብ ሰብ እንተ’ልዩ፡ ንመንን እንታይን ይጽበይ ከም ዘሎ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ጥራሕ’ዩ ኪኸውን ዚኽእል። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኸኣ፡ ሳዕቤን ዘይምጽባይ እንታይ ምዃኑ ዘይምፍላጡ’ውን’ዩ ዚቃላዕ ዘሎ። መስጣ ዘይምጽባይ ምስ ድያብሎስ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ተደርቢኻ ምስቓይ ምዃኑ ዚፈልጥ ሰብ ብትጽቢቱ ኺሕጐስ’ምበር ኪሕለል ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ እዚ “ደብረ-ዘይት” ዝተሰምየ ሰንበትን ሰሙንን፡ ንዓመት ምሉእ ጥራሕ ዘይኰነ ንዕድመና ምሉእ ዚኸውን ሓይሊ-ትጽቢት ኬዕጥቐና፡ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ናይ’ቲ ኺመጽእ እንጽበዮ ዘለና ጐይታን ልዑል ትጽቢት ምዃኑ ኺዝንጋዕ ኣይግባእን። ትጽቢትና ኣበላሺና ትጽቢት ጐይታ ንዀልፍን ንዕንቅፍን ከይንህልው ድማ ልዑል ጥንቃቐ ኽንገብር ይግብኣና።
ትጽቢት ተስፋና እንታይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ኣብ ልብና ዜሕድረልና ትጽቢት፡ ናይ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ትጽቢት’ዩ። ምኽንያቱ ኣብኡ ኣብ’ዚ ዘንበብናዮ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ መልእኽቲ፡ እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ብሓዊ ቝጥዓኡን ብሓዊ መለኮቱን መኺኻን በኒናን ክትሓልፍ ምዃና ተገሊጹልና ኣሎ።
“እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ንሓዊ ተዓቚሩ፡ እቶም ንእግዚአብሔር ዘይፈርሁ ሰባት ተፈሪዶም ክሳዕ ዚጠፍኡ ይሕለው ኣሎ። . . . መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ’ያ፡ ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍ’ዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኺመክኽ’ዩ፡ ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድ’ዩ። . . . እታ መዓልቲ’ቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብር’ያ። ንሕና ግና፡ ከም’ቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንጽበይ ኣለና።” 2ጴጥ 3፡7,10-13 ካ.ት
እዚ ዘለናዮ ስርዓተ-ጸሓይን (solar system) እዛ ዘለናያ ዓለምን ብኸም’ዚ ዜሰክሕ ኣገባብ ኽትጠፍእ ምዃና በቲ ባዕሉ ዝፈጠራ ልዑል ኣምላኽ እናተነግረና፡ ነባሪት ዓለም ከም ዝዀነት ቈጺርና፡ መሰረትና ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኽንገብር፡ ብፍቕራ ተለኺፍና ኽንነብር እንተ መረጽና፡ ንእግዚአብሔር ከም ሓደ ኺእመን ዘይክእል ሓሳዊ ጌርና ንገልጾን ንጸርፎን ከም ዘለና ኸነስተውዕል ይግብኣና። ነዚ ኣምላኽ’ዚ ኸም ዝኣመንናዮን ከም እነኽብሮን እንገልጸሉ ሓደ መገዲ፡ ንተስፋኡ ኣሚንና ንፍጻመ ናይ’ቲ ተስፋ ብእምነት ክንጽበይ ከለና’ዩ። እግዚአብሔር ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ከም ዚፈጥር ገና ኻብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዘተስፈዎ ሓቂ’ዩ።
“እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር’የ’ሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢ’ውን ኣይኪሕሰብን’ዩ።” ኢሳ 65፡17
ኣብ’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስዝረኣዮ ትንቢታዊ ራእይ’ውን እዚ ሓቂ’ዚ ደጊሙ ተገሊጹ’ዩ።
“ብድሕር’ዚ ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ኣሰር ዘይብሎም’ውን ጠፍኡ።” ራእ 20፡11 ካ.ት
“ብድሕር’ዚ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ረኣኹ። ከመይሲ እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም’ዮም።” ራእ 21፡1 ካ.ት
እዚ ዘሎ ዅሉ ሓሊፉስ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኪፍጠር ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ መሊሱልና ኸም ዘሎ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ምድርን ስለ ዘድለየ’ዩ። እዛ እንነብረላ ዘለና ርኽስቲ ዓለም፡ ዓመጻ’ምበር ጽድቂ ዚነብረላ ዓለም ኣይኰነትን። ምኽንያቱ ብድያብሎስ እትግዛእን እትመሓደርን ዓለም’ያ። ጽድቂ ነዛ ዓለም’ዚኣ፡ ጓናን ነውርን ነገር’ዩ። ኣብ’ዛ ርኽስቲ ዓለም’ዚኣ እቲ ጽድቂ ዜፍቅርን ዚገብርን ሰብ ኣዝዩ ጽሉእ ሰብ’ዩ። ጐይታናን ሃዋርያቱን ከኣ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣረጋጊጾምልና’ዮም።
“ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ’ያ’ሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ’የ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም’ምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ’ዚ ዓለም ትጸልኣኩም’ያ።” ዮሃ 15፡18,19
“ኣሕዋተይ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ።” 1ዮሃ 3፡13
“ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለም’ውን በቲ እኩይ ተታሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።” 1ዮሃ 5፡19
ስለ’ዚ ነዛ ንክርስቶስን ንሰዓብቱን ኣዝያ እትጸልእን እተሳድድን፡ በቲ እኩይ ድያብሎስ እትመሓደርን ዓለም፡ ከመይ ኢልና “ክትነብር’ያ” ኢልና ኽንጽበይ ንኽእል፧ እቲ ነዛ ዓለም’ዚኣ ዜፍቅራ ኽትነብረሉ ኸኣ ዚምነይ ሰብ፡ እቲ ኻብ ዓለም ዝዀነ ዓለማዊ፡ ልክዕ ከምኣ ንሱ’ውን በቲ እኩይ ድያብሎስ ዝተታሕዘ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ጐይታ ድማ ካብዛ ዓለም’ዚኣን ካብ’ቲ መርዛም ፍቕራን ምእንቲ ኼናግፈና’ዩ፡ ስጋና ለቢሱ ነዚ ዅሉ መከራ መስቀል ኪጸውር ዝፈቐደ።
“ካብ እግዚአብሔር ኣቦናን፡ ካብ’ቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብ’ዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።” ገላ 1፡3,4
“ኣቱም ከሓድቲ፡ ንዓለም ምፍቃርሲ ንኣምላኽ ምጽላእ ከም ዝዀነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ዓርኪ ዓለም ኪኸውን ዚደልይ ሰብ፡ ጸላእ ኣምላኽ ይኸውን።” ያእ 4፡4 ካ.ት
“ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን (ናብራ) ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም’ዩ’ምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ክትሓልፍ’ያ፡ ፍትወታ ኸኣ (ኪሓልፍ’ዩ)፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና፡ ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 2፡15-17
ነስተውዕል ደኣ!! ዓለምን ፍትወታን ጥራሕ ኣይኰኑን ዚሓልፉ። እቶም ፈተውታ’ውን ካብ’ቲ ናታ ሕልፈት ብዚኸፍእ መጠን ኪሓልፉ’ዮም። ዓለምን እቲ ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ኣሰሩ ኽሳዕ ዘይርከብ ብሓዊ በኒኑ ኺጠፍእ’ዩ። ፈተውቲ ዓለም ዝዀንና ሰባት ግን ኣብ’ቲ ንዓለም ዘጥፍአ ሓዊ ንዘለኣለም እናተሳቐና ኢና እንነብር። ነዚ ምግባር ከኣ ንኣምላኽ ኣዝዩ ቐሊል’ዩ። ነቶም ኣብ ሓዊ ዝተደርበዩ ሰለስተ እሙናቱ፡ ሽታ ሓዊ’ኳ ኸም ዘይህልዎም ገይሩ ዘውጽአ ኣምላኽ’ዩ። ነቶም ብፍቕሪ ዓለም ዝጠለምዎ ድማ በቲ ሓዊ ኸም ዘይጠፍኡ ግን ከኣ ኣዝዮም ከም ዚሳቐዩ ገይሩ ሕነ ቕድስናኡ ኺፈድዮም ዚኽእል ኣምላኽ’ዩ። ስለ’ዚ ምስዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ምንዝርና ፍቕሪ ኻብ ዚሕዘና፡ ምስ’ቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናይ ቅድስና ፍቕሪ እንተ ሓዘና’ዩ ዜሕሸና። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብጽድቂ ምምልላስ ጊዝያዊ ስቓይን መከራን’ዩ ዚወልደልካ። እቲ እንጽበዮ ዘለና ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ግና ጽድቂ ዚነብረሉን ዚነግሰሉን ዓለም’ዩ። ነዚ ጽድቂ ዚነብረሉ ዓለም ዘሎና ናፍቖትን ትጽቢትን፡ መለክዒ ናይ’ቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ምዃኑ ኣጸቢቕና ነስተውዕል። ንኽብደት ብኺሎ፡ ንፈሳሲ ብሊትሮ፡ ንንውሓትን ስፍሓትን ብሜትሮ ንሙቐት ብቴርሞ ሜትር፡ ንጸቕጢ ኣየር ድማ ብሜርኩሪ ንዕቅኖ። ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ፍቕሪ፡ ኣምላኽ ከኣ በቲ ንዓለምን ፍትወታን ዘሎና ጽልእን በቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕርን ኢና እንዕቅኖ።
መልእኽቲ ትጽቢትና እንታይ’ዩ፧ ናይ ትጽቢትና ግብራዊ መልእኽቲ፡ ኣዝዩ ሓያልን ብዙሕን’ዩ። እግዚአብሔር ናይ ትጽቢት ዘመን ኪሰርዓልና ዝደረኾ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ኣኣብ’ቲ ዘለናዮ ቤተ ክርስቲያን፡ “ክርስቶስ ከም’ቲ ዝበሎ ተመሊሱ ዚመጽእዶ ይመስለኩም፧” ዚብል ሕያዋይ ሓታቲ እንተ ዚህልው፡ ዝዀነ ይኹን ደፊሩ፡ “ዚመጽእ ኣይመስለንን” ዚብል ሰብ ፈጺሙ ኣይምተረኽበን። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ብምጽኣቱ ኸም እትኣምኑ ዜረጋግጽ እንታይ ግብራዊ ስጒምትታት ትወስዱ፧” ኢሉ በዳሂ ሕቶ እንተ ዜስዕበልና ግን ኵላትና ብሕፍረት ርእስና ደፊእና ምድሪ ኽትውሕጠና ምተመነና ኔርና። ምኽንያቱ ንምጽኣቱ ዘይንጽበይ ምዃንና እቲ ዓይነት ህይወትናን ናብራናን ተጠሊዑ ብዓውታ’ዩ ዚምስክር። ብፍቕሪ ገዲፉ ብጽልኢ ዚመላለስ ሰብ፡ ክርስቶስ ተመሊሱ ኸም ዚመጽእ ፈጺሙ ዘይኣምን ሰብ’ዩ። ምኽንያቱ ንክርስቶስ እናተጸበኻስ ኣብ ጽልኢ ኽትነብር ኣይከኣልን’ዩ። ብዛዕባ ትዕግስቲ፡ ምሕረት፡ ትሕትና፡ ወዘተ’ውን ልክዕ ከምኡ’ዩ። ኣብ ህይወትና እትርከብ ዝዀነት ትኹን ፍረ፡ ናይ ዓይነት ትጽቢትና ነጸብራቕ’ያ። እቶም ተጸበይቲ ፍረ ጽድቂ ይፈርዩ፡ እቶም ንምጽኣቱ ዘይጽበዩ ኸሓድቲ ግና ፍረ- ዓመጻ’ዮም ዚፈርዩ። ስለ’ዚ በቲ ኣጸባብያና ብዛዕባ ኣምላኽ እነሕልፎ ንጹርን ከቢድን መልእኽትታት ኣሎ።
1. ብዛዕባ ሓቅነቱ፦ እቲ ሓቀኛ ግብራዊ ተጸባዪ፡ እቲ ንክርስቶስ “ሓቀኛ’ዩ” ኢሉ ዚኣምኖ ጥራሕ’ዩ። ጐይታና፡ “ተመሊሰ መጺአ ክወስደኩም’የ” ኢሉ ተደጋጋሚ ተስፋ ሂቡ’ዩ (1ዮሃ 14፡3)። እቲ ክርስቶስ ሓቀኛ ጥራሕ ዘይኰነስ ሓቂ’ውን ምዃኑ ዚኣምን ሰብ፡ ነዚ ተስፋ’ዚ ነቒሑ’ዩ ዚጽበዮ። ኢዱ ኣጣሚሩ ዘይኰነስ፡ ህይወቱ ኣጽርዩ (ክዳኑ ኣጻዕድዩ)፡ ዕዮ ገዛኡ ፈጺሙ’ዩ ዚጽበይ። እቲ ኻብ’ዚ ሓላፍነቱ’ዚ ዝበዀረ ክርስትያን ግና፡ በቲ ግብራዊ ኣካይዳኡ፡ “ክርስቶስ ሓሳዊ’ዩ፡ ዚመጽእ እንተ ዚኸውን ቀደም ምመጸ ነይሩ፡ “ክመጽእ’የ” ኻብ ዚብል ጥራሕ ክንደይ መዋእል ሓሊፉ’ሎ።” ዚብል መልእኽቲ’ዩ ዜሕልፍ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንሕና ዝመሃዝናዮ ዘይኰነስ ቃል እግዚአብሔር ዜረጋግጾ ሓቂ’ዩ።
“ሓጢኣት ኣይገበርናን” እንተ በልና፡ (ንኣምላኽ) ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉ’ውን ኣባና የሎን።”1ዮሃ 1፡10
“ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን እቲ ምስክር (ናይ ኣምላኽ) ኣብ ልቡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝሃቦ ምስክር ስለ ዘይኣመነ፡ ንኣምላኽ ሓሳዊ ይገብሮ።” 1ዮሃ 5፡10
ካባና ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ፡ “ኣምላኽ ሓሳዊ’ዩ” ኺብል ዚደፍር ከም ዘይርከብ ብምሉእ ምትእምማን ኪመሓል ምተኻእለ ነይሩ። እቲ ኣዝዩ ዜሕዝን ግና፡ በቲ ንምጽኣት ጐይታ ዘሎና ኣጸባብያ፡ ሓንሳእን ክልተ ሳዕን ጥራሕ ዘይኰነ ዕድመና ምሉእ መዓልቲ መጸ ብተደጋጋሚ ንብሎ ምህላውና’ዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑን ከም’ቲ ዝበሎ ድማ ኪመጽእ ምዃኑን ንኣምን እንተ ንኸውን፡ ንመብዛሕትኡ’ዚ ሎሚ እነዘውትሮ ዘረባን ግብርን ፈጺምና ኣይምወዓልናዮን ኔርና። ፈጺምና ኽንስሕቶ ዘይግብኣና ሓቂ ኸኣ ኣሎ። ዝዀነ ተግባር፡ ከም ተግባር ንባዕሉ ጥራሕ (the act per se) ዘይኰነ፡ በቲ ዜሕልፎ መልእኽቲ’ዩ ዝለዓለ ኣገዳስነትን ኣቓልቦን ዚወሃቦ። “ኣምላኽ ሓሳዊ’ዩ” ምባል ብጽልእን ዝሙትን ካብ ምምልላስ ዝኸበደ ምዃኑ ዘየማትእ ሓቂ’ዩ። ነዚ ጊዝያውን ምድራውን ሓጢኣት ኣዝዩ ኸቢድ ዚገብሮን ዘለኣለማዊ ፍርዲ ዜውህቦን ከኣ፡ በቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዜሕልፎ መልእኽቲ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዘረባናን ግብርናን ብዙሕ ክንጥንቀቕ ዚግብኣና። ጥንቁቓት ክንከውን ዜኽእለና ኸኣ፡ እቲ ብዛዕባ ተስፋ ምጽኣቱ ዘሎና እምነትን ትጽቢትን ምዃኑ ብምልኣት ነስተውዕሎ።
2. ብዛዕባ ዅሉ ፈላጥነቱን ኵሉ ኸኣልነቱን፦ ኣጸባብያና ብዛዕባ ከኣልነቱን ፈላጥነቱን ንዘለና ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዚቐልዖ። እግዚአብሔር “ንእንዛረቦ ዅሉ ይሰምዖ’ዩ፡ ንእንገብሮ ዅሉ ይርእዮን ይፈልጦን ይዝክሮን’ዩ” ዚብል እምነትን ርድኢትን እንተ ዚህልወና፡ ካብ መብዛሕትኡ’ዚ ሎሚ ኣራኺሱና ዘሎ ኣበሳ ንጹሃት ምዀንና ኔርና። ንወዲ ሰብ ብሓጢኣት ኪብርትዕ ዚገብሮ፡ “እግዚአብሔር ኣይርእይ ኣይሰምዕ” ዚብል ዕዉር ርድኢት ስለ ዘለዎ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ ጠቒስዎ ኣሎ።
“ኵሉ ሓሳባት ናይ’ቲ ረሲእ፡ “ኣምላኽ የልቦን”’ዩ። ብትዕቢቱ ኸኣ፡ “ኣይምርምርን’ዩ” ይብል ኣሎ። . . . ንሱ ብልቡ፡ “ኣምላኽ ረሲዑ፡ ገጹ ኸዊሉ’ዩ፡ ከቶ ኣይኪርእዮን’ዩ” ይብል። . . . ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፡ ብልቡ ኸኣ፡ “ኣይክትምርምርን ኢኻ” ዚብሎ፧” መዝ 10፡4,11,13
“ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፡ ንዘኽታማት ከኣ ይሓርዱ’ዮም’ሞ፡ “እግዚአብሔር ኣይርእዮን፡ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን’ዩ”፡ ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፡ ኣስተውዕሉ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ መዓስ ኢኹም እትልብሙ፧ እዝኒ ዝተኸለሰ ኣይሰምዕንዶ፧ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ’ዩ፧” መዝ 94፡6-9
ናይ መብዛሕትኡ ሓጢኣትና ጠንቂ እዚ ዝተጠቕሰ ኣተሓሳስባ’ዩ። ስለ’ዚ ኢና ኻብ ሰብ ተሓቢእና ንምንዝር፡ ንኣምላኽ ግና ከም ዘየለን ኪርእይ ከም ዘይክእል ዕዉርን ስለ እንሓስቦ፡ ኣብ ግምት’ኳ ኣይነእትዎን ኢና። በዚ ተግባርና’ዚ ኸኣ “ካብ ኣምላኽሲ ሰብ ይዓብይን የፍርህን” ኢልና ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘለና ንዕቀት ንቐልዕ ምህላውና’ኳ ኣይንፈልጥን ኢና።
ኵሉ ዚኽእል ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ምዃኑ ብውሽጥና ስለ እንኽሕድ ከኣ፡ ድሕሪ ሞትናን ምብስባስናን ካብ ሞት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ፍርዲ መንበሩ ኣቚሙ ኺፈርደና ምዃኑ ኣይንኣምንን፡ ፈጺምና’ውን ኣይንሓስቦን ኢና። እዚ ኸኣ፡ ብሕቡእ ይኹን ብግህዶ፡ ሓጢኣት ንምግባር ድሕር ዘይንብል ደፋራት ይገብረና ኣሎ። ነቲ ሓጢኣት ብድኻምነትና ኸነመኽንየሉ ንኽእል ንኸውን። ነቲ ሓጢኣትና ብንስሓ ሕድገት ሓጢኣት ክንረኽበሉ ዘይምድላይና ንርእሱ ግን ብምጽኣቱ፡ ብኸኣልነቱ፡ ብፍርዳዊ ስልጣኑ ዘይንኣምን ከሓድቲ ምዃንና ዜቃልዓና’ዩ።
እቲ እንገብሮ ዓይነታት ግብሪ ማእለያ ስለ ዘይብሉ ንዅሉ እናጠቐስና መልእኽቱ ኽንትርጒም፡ ኣብ’ዚ ሓጺር ጽሑፍን ስብከትን ዚከኣል ኣይኰነን። እዚ ድሮ ተገሊጹ ዘሎ ግና ንዅሉ ተግባራትና ብኸምኡ ኽንምርምር ከም ዜለብመና ጥርጥር የልቦን። ስለ’ዚ በቲ ኣብ ርእስና ዀነ ኣብ ካልኦት እንገብሮ ዅሉ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽን ምጽኣቱን ዘሎና ቕኑዕ ኣረኣእያ ንምግላጽ ክንጥቀመሉ ይግብኣና።
ረብሓ ትጽቢትናኸ እንታይ’ዩ፧ ብዙሕን ክቡርን ረብሓታት’ዩ ዘለዎ። ንዅሉ ኽንጽብጽብ ግን ዚከኣል ኣይኰነን። ናይ ተስፋ ምጽኣቱ ዝዓበየ ረብሓ፡ ርእስና ኸነንጽህ ዚሕግዘና ምዃኑ’ዩ።
“ . . ንሱ (ብምጽኣቱ) ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከም’ታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና’ሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል ንፈልጥ ኣለና። እዛ ተስፋ (ምጽኣቱ)’ዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከም’ቲ (ክርስቶስ) ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።” 1ዮሃ 3፡2,3
ሰብ ከኣ፡ ሓጢኣት ብዘይ ምግባርን ካብ’ቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ከኣ ብንስሓ ሕድገት ሓጢኣት ብምርካብን’ዩ ዚነጽህ። እቲ ኻብ ሓጢኣት ዝነጽሀ ኸኣ ብጽድቂ’ዩ ዚስለም። ምኽንያቱ እቲ ኻብ ጽልኢ ዝነጽሀ፡ ኬፍቅር ብምኽኣሉ’ዩ ምንጻሁ ዜረጋግጽ። እዚ ናይ ምንጻህ ተግባር ንዅሉ ኻልእ ምድራዊ ረብሓታት ትጽቢት ኬጠቓልል ዚኽእል’ዩ። እቲ ድሕሪ’ቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብሮ ምጽኣት ዚርከብ ረብሓ ግን፡ በቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“....ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም።” ዝበሎ ቓል ጥራሕ’ዩ ኺግለጽ ዚኽእል (1ቈረ 2፡9)። እቶም እሙናት ተጸበይቲ፡ እቶም ብምጽባይ ነቲ እኩይ ሰይጣንን ነታ ዝሳቐየቶም እክይቲ ዓለምን ዝሰዓሩ ሰባት፡ ጐይታና “ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ’የ፡ ኣብ’ታ መቕደሰይ ዓንዲ ኽገብሮ’የ፡ ስመይን ስም ኣቦይን ስም ናይታ ሓዳስ ኢየሩሳሌምን ክጽሕፈሉ’የ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኑ ምሳይ ኪመላለስ’ዩ፡ ንስሙ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን መላእኽቱን ክእመኖ’የ፡ ኰዀብ ጽባሕ ክህቦ’የ፡ ካብ’ቲ ስዉር ማና ኽህቦ’የ፡ ሓደ’ኳ ዘይፈልጦ ሓድሽ ስም ክህቦ’የ፡ ካብ’ታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ’የ፡ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኪጒዳእን’ዩ።” ብምባል ዘተስፈዎ ዅሉ ተስፋታት ኪውንንዎ’ዮም (ራእ 2፡7,11,17,28፣ 3,5,12,21)። ዘይሓልፍን ዘይጽምልውን ዘይረክስን ርስቲ ኪቕበሉ፡ ኣኽሊል ክብሪ፡ ኣኽሊል ጽድቂ፡ ኣኽሊል ህይወት ኪወሃቦም’ዩ፡ ብዘይንገር ክቡር ሓጐስ ኪሕጐሱ’ዮም (1ጴጥ 1፡3,4,6-9፣ 5፡4፣ ያእ 1፡12 2ጢሞ 4፡8 ማቴ 19፡28,29)። እቲ ተስፋታት ብብዝሑ ዀነ ብዓይነቱ መግለጺ ዀነ መዳርግቲ ዘይርከቦ’ዩ። ንምጽኣቱ ኽንጽበይ ዝመኸረልና ድማ፡ ነዚ ረብሓታት’ዚ ምእንቲ ኼጐናጽፈና’ምበር፡ ሰንፈላል ምእንቲ ኺገብረና ኣይኰነን። እምበኣር ከም’ቲ ተስፋኡ እሙናት ተጸበይቲ ምዃንና ነረጋግጽ። ከም’ቶም ብዘይ ምጽባይ ዚኽሕድዎ ዓያሱ ኣይንኹን። ፍቕሪ ናይ’ዛ ሓላፊትን ለካሚትን ዓለም ከም ዘይለኸፈና ወርትግ ርግጸኛታት ንኹን!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ዕለት፥ መጋቢት ፲፰, ፳፻፲፬ ግዕዝ (27 መጋቢት 2022 ፈ).[ መበል 29 ሰንበት: ቊ.42/፵፪] |
||||
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ |
||||
ዲያቆን |
ንፍቀ ዲያቆን |
ንፍቀ ካህን |
ወንጌል |
ቅዳሴ |
1ተሰ 4፡13-ፍጻመ |
2ጴጥ 3፡7-ፍጻመ |
ግብ 24፡10-21 |
ማቴ 24፡1-28 |
ዘአትናቴዎስ/ያዕቆብ ዘሥሩግ |
መዝ ፵፱(፶)፡፫ “እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ። ወአምላክነሂ ኢያረምም። እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።” “ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፡ ህቦብላ ንፋስውን ይኸብቦ።” |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ