እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ 50 (1ይ መበል14) ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኻብ ነሓሰ 11 ኽሳዕ ነሓሰ 26 ዘሎ ንኡስ ዘመን "ዕጕለ ቋዓት፡ ደስያት፡ ዓይነ ኵሉ"‘ዩ ዚብሃል። ካብ ነሓሰ 17 ኽሳዕ ነሓሰ 20 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ድማ፡ "ንዒ ርግብየ ሠናይት" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦
“መላእኽቲ ናብ ሰማያት ኣዕረግዋ። (ንሳ) ጥዕምቲ ብቓላ፡ ሰናይት ብተግባራ’ያ። ንነብያትን ሓዋርያትን ትባርኽ። ንጻድቃንን ሰማዕታትን ትባርኽ። ነገሥታትን ንግስትታትን (ወነጋስያተ) በህየ ትባርኽ። መላእኽቲ ናብ ሰማያት ኣዕረግዋ። መላእኽቲ ናብ ሰማያት ኣዕረግዋ። እታ ቕድስቲ ድንኳን፡ ንሰማዕታት ኣዲኦም፡ ንመላእኽቲ’ውን ሓብቶም፡ መሕደር ሰላምና’ያ። (ካብ ዚቅ)”
ማለት’ዩ። ኣብ ጾመ ፍልሰታ ተጸሚድና ድሕሪ ምቕናይ፡ ብረድኤት ኣምላኽ ጾምና ብሰላም ፈጺምና፡ ትማሊ በዓለ ፍልሰታ ኸነብዕል ንዘብቅዓና ኣምላኽ፡ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ካብ ምብዓል በዓላት ሓሊፍና፡ ልክዕ ከም’ቲ ቕድስቲ ወላዲቱን ካልኦት ኵሎም ቅዱሳንን ናብ ክብሪ ዝዓረጉ፡ ንኣና’ውን ኣብ’ታ እግዚኣብሄር ዝመደባ ቕድስቲ ዕለት ብኽብርን ናብ ክብርን ንምዕራግ ብቑዓት ይግበረና። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዓልና ናይ ዮሃ 15፡12-25 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ነቲ ጐይታና ድሮ ስቕለቱ፡ ኣብ’ታ ንቕዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን መገዲ ህይወት ገይሩ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓሉ ምሸት ንደቀ መዝሙሩ ዝሃቦ፡ ንሓድሕዳዊ ፍቕርን፡ ምስኡ ንዘሎና ዕርክነታዊ ዝምድናን፡ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዚጽበየናን ዜጋጥመናን ጽልእን ጸበባን ዓብይን ነባርን ምህሮ ዝሃበሉ ኽፍሊ’ዩ። እቲ ናይ ፊል 2-18-23 ንባብና ኸኣ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ቲ ናይ መንፈስ ወዱ ዝዀነ፡ ኣብ ዕዮ ወንጌል ረዳኢኡ ዝነበረ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ዝሃቦ ዜደንቕን ዜቕንእን ምስክርነት ዚገልጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካብ’ዚ ወርቃዊ ምስክርነት’ዚ ዜብኵረና ድማ፡ ነታ ናይ ጐይታና ፍቓድ ጐሲና፡ ነቲ ናትና ስጋዊ ፍቓድ ምድላይ ምዃኑ ኣሚቱልና ኣሎ። እቲ ናይ 2ጴጥ 2፡7-11 ንባብና’ውን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ማእከል ርኹስ ዘመንን ህዝብን እናነበረ ብጽድቂ ዝተመላለሰ፡ በቲ ዚሰምዖን ዚርእዮን ዝነበረ ርኽሰት ድማ፡ ይስቀቕን ይሳቐይን ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ድሕሪ ምግላጽ፡ እግዚኣብሄር ንኽልቲኦም ብኸመይ ከም ዚፈርዶምን ዓስቦም ከም ዚህቦምን ዚገልጽ’ዩ። እቲ ናይ ግብ 27፡1-8 ንባብና ድማ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መጋባእያ ቂሳርያ ይግባይ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ንምቕራብ ብእሱሩ ብመርከብ ናብ ሮማ ናይ ዝገበሮ ጕዕዞ ጸብጻብ ዚትርኽ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ዚ ናይ ዮሃ15፡12-25 ንባብና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።
ምእዙዝነት ክንብል ከለና እንታይ ማለትና’ዩ፧ ናይ’ዚ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ጀማሪኸ መን’ዩ፧ ምእዙዝነት ክንብል ከለና ተኣዛዚ ምዃን ማለትና’ዩ። ናይ’ዚ ዓቢ ኣብነታዊ መምህርና ድማ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል ብምእዛዝ ንፍቓድ ኣብኡ ኣቐዲሙ’ዩ (ፊሊ2፡8 ፣ ሉቃ22፡42)። ናይ ኣብኡ ፍቓድ ድማ "ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ (ዮሃ3፡16) ዝብል’ዩ ዝነበረ፡ ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ እቲ ኣብ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ገና ሓጥኣን ከለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ብምሟቱ በዚ የርኢ ኣሎ (ሮሜ5፡8)። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ዮሃ15፡12 "ከም’ቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ’ዩ ዝበለ’ምበር ‘ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ይእዝዘኩም ኣለኹ’ ጥራይ ኣይኰነን ዝበለ። መጀመርያ ንህይወቱ በጃ ክሳዕ ምሃብ ግብራዊ ፍቕሪ ዘፍቀሮም ጐይታ ባዕሉ’ዩ ብዘይ ቅድመ ኵነት፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ህይወት ዘይብሎም ክነሱ ብኸምኡ ኣፍቀሮም። ኣብ’ዚ ኣምላኽናን ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እናገበረ ዚምህር (ማቴ5፡19) ንሃዋርያት ብቓልን ብግብርን ክፋቐሩ ኣስተምሃረ። ኢየሱስ ከምቲ ልቦናዊ ኣገላልጻ ኣበው ‘እንካ ዘይፈልጥ ሃባ መን ኣልመዶ’ ጀማሪ ፍቕሪ ባዕሉ ኰይኑ’ዩ ተፋቐሩ ኢሉ ዝኣዘዘ። ከም’ዚ ዝበለ ዓቢ ፍቕሪ ካብ ጐይታ ተቐቢልካ’ ልብኻ ብቒም፡ በቐል፡ ሻራ፡ ምፍልላይ ጽልኢ፡ ክፉእ ሃቐና ተመሊኡ ምንባር ናይ ሞት፡ ሞት’ዩ።
ንምንታይ’ዩ ጐይታ ኢየሱስ ንደቀ መዝሙሩ ኣብ ምቕራብ ጊዜ ስንብታኡ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ዚኣዘዞም። ኣብ ህይወቶም ካብ ፍቕሪ ዘጒድል እንታይ ስለ ዝነበረ’ዩ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሃዋርያት ኣብ ጊዜ ሰንብታኡ ቅዱስ ቁርባን ሰሪዑ፡ ኣእጋሮም ድሕሪ ምሕጻቡ "ከም’ቲ ኣነ ዘፍቀርክኹም እናበለ ማለት ኣርኣያ ከም ዝዀኖም ብምግላጽ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ደጋጊሙ መሃሮም። ምኽንያቱ ጐይታ ተልእኾኡ ዛዚሙ ዝሰናበተሉ ጊዜን ሰዓቱን እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ እዋን እቲ ናይ ምድሓን ቃል ወንጌል ካብ ኵሉ መታን፡ ነዚ ተልእኾ’ዚ ብድሕሪኡ ክቕጽልዎ ንደቀ መዝሙሩ’ዩ ሓደራ ዝገድፎ ዘሎ (ማቴ28፡19-20 ፣ ግብ1፡8)። ንዝተዋህቦም ሕድሪ ተልእኾ ወንጌል ብዓወት ንኸተግብሩ ከኣ ናታቶም ብፍቕሪ ተጣሚርካ ሓደ ምዃን መሰረታዊ ሓቅን ኣገዳሲ ረቛሕን’ዩ። ምኽንያቱ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ቤት ወይ መንግስተ ሰረሓ ብዓወት ክትፍጽሞ ይትረፍስ ናይ ህላውነታ ቅርጻልነት’ውን ዝሕሰብ ኣይኰነን (ማቴ3፡24-25 ፣ ሉቃ 11፡17)። ስለ’ዚ ድማ ሃዋርያት ንዕዮ ወንጌል ብፍቕሪ ኣሕዋት ተጣሚሮም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ኰይኖም ክዓዩ እንተ ዘይክኢሎም ህያው ዝዀነ ዕዮ ወንጌል ክዓዪ ዚኽኣል ኣይኰነን። ምናልባት ከም ሓደ ጥርኑፍ ጉጅለ እናተቐናንኡን እናተደፋፍኡን ዘይጥዑይ ህይወት እናመርሑ ንዝተወሰነ ጊዜ ክጸንሑ ይኽእሉ ይዀኑ። ካብኡ ወጻኢ ግን ዘሰልጥዎ ዕዮ ክህሉ ኣይክእልን። ጐይታ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ደቂ መዝሙሩ ብፍቕሪ ንኸይዓብዩ ሓኒቖም ከትርፍዎም ዝኽእሉ ባህርያት ነይሮም’ዮም። ኣብ ማር9፡34 ተገሊጹ ከም ዘሎ ኣብ ንሓድሕዶም ብሉጽ ናይ ምዃን ውድድር ነበሮም። ነዚ ከም ኣብነት ኣጉሊሑ ዘርእዩና ኣደ ደቂ ዜብዴዎስን ክልቲኦም ደቃ ጐይታ ኣብ መንግስቱ ብየማነ ጸጋሙ ከቐምጦም ምሕታታ (ማቴ20፡20) ሃዋርያ ጴጥሮስ’ውን ዓዲ ዘየእቱ ጃህራ ". . . ኵሎም’ኳ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን’የ . . . " ብምባል ንርእሱ ልዕል ኣቢሉ ምጥማቱ (ማቴ26፡33) ክሳዕ ክንደየናይ ንርእስኻ ኣብሊጽካ ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባ ከም ዝነበሮ የርእየና። እዚ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ መድሃኒት ዘይርከቦ መንሽሮ’ዩ። ንሕና’ውን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኴንና ብሓደ መኣዲ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን እንዳ ተቐበልና፡ ብሓደ ኴንና ብሓደ እንዳ ተማህለልና ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍቀረና ንሓድሕድና ክንፋቐር እንተ ዘይክኢልና መወዳእታና ክሳራ ጥራይ’ዩ ዚኸውን።
እዚ ዝሃቦም ትእዛዝ ሓድሽ ኪብሎ ዚኽእል እንታይ ዓይነት መምዘኒ ስለ ዘለዎ’ዩ፧ ዋላስ ቅድሚ ሕጂ ከም’ዚ ዓይነት ትእዛዝ ስለ ዘይነበረ’ዩ፧ እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝእዝዞ ዘሎ ትእዛዝ "ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።" ዝበሎ ንምንጻር ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ ክምህር ከሎ "ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡" ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹ (ማቴ5፡43 ፣ ዘሌ19፡18) ድሕሪ ምባል "ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፡ ጸላእትኹም ፍተው፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። . . . ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ፡ ነቶም ዚፈትውኹም እንተ ፈተኹም እንታይ ዓስቢ ኣለኩም . . . ነሕዋትኩም ጥራይ እንተ ተቐበልኩም እንታይ ሓለፋ ገበርኩም . . . እምበኣርሲ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ፍጹማት ኵኑ" (ማቴ5፡44-48)። ብምባል ብዛዕባ ሓድሽ ትእዛዝ ክርስቶሳዊ ፍቕሪ ኣስተምሃረ። ኣብ ሕጊ ሙሴ ንዘፍቅረካ ምፍቃር ጥራይ’ዩ። ካብ’ዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ብዘይ ቅድመ-ኵነት ንዅሉ’ያ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ድማ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ ጀማሪኣ፡ ጸላእቱ ከለናስ ብሞቱ ባዕሉ በጃና ብምዃን ተዓረቐና (ሮሜ5፡6-8,10)። ናይ’ዛ ክርስቶሳዊት ፍቕሪ እዚኣ ባህርያት ከምቲ ኣብ 1ቈረ13፡4-8 ተዘርዚሩ ዘሎ ናታ’ውን እንተዀነ ዘይትደሊ’ያ ምኽንያቱ ባዕሉ እቲ ጀማሪኣ ዝዀነ ክርስቶስ ኣምላኽና፡ ኣምላኽነቱ ገዲፉ ንምድሓንና መልክዕ ባርያ ወሲዱ’ዩ ፈጺምዎ (ፊሊ2፡6-8)። ንሕናኸ ኣብ ዘመንና ክሳዕ ክንደይ እዛ ፍቕሪ በሪሃትልና ተላቢስናያ ንኸውን፧ ዋላስ ብዛዕባ መሰልና ክንጣበቕን፡ ንርእስና ከነዕብን፡ ናትና ነገር ከነቐድምን ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኽ ኵርኳሕ ኴንና ኣሎና። ጐይታ ዝበሎን ዝደልዮን ከነቀድም እንተ ዘይክኢልና፡ ጫፍ ክርስትና ሒዝካ ምጉዓዝ መወዳእትኡ ጥፍኣት ጥራይ’ዩ።
ከም’ዚ ዓይነት ትእዛዝ ብሓደ ከለው ኣጥቢቑ ምሃቡ ስለምንታይ ኰን ይኸውን፧ ንቅዱሳን ሃዋርያት ዝሃቦ ትእዛዝ ንዓናኸ ይምልከተና ድዩ፧ ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብ’ዛ ዓለም እዚኣ ዘለው ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። (ዮሃ13፡1)። ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ መዝሙሩ ብሓደ ተኣኪቦም ከለው ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ምእዛዙ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ስለ ዝፈለጠ ቅድሚ ምዃዱ እቲ ፍቓድ ኣቦ ኣብ ሰማያት እንታይ ምዃኑ ከፍልጦም ስለ ዘለዎ’ዩ ከምኡ ዝገበረ ዮሃ15፡15,17፡8)። ምኽንያቱ እቲ ዝወሃቦም ሕድሪ ምስፋሕ ወንጌል ማእከላይ ስሕበቱ ፍቕሪ’ዩ። ብዘይ ፍቕሪ ምስፋሕ ወንጌል ዝከኣል ኣይኰነን፡ እንተ ተፈተነ እውን ሓደ እኩብ ክፋል ሕብረተሰብ’ምበር ሰማያዊ ኣፍልጦ ዘለዊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ ሕብረት ወይ ጉባኤ ኣመንቲ ኣይኰነን ዝኸውን። ኣምላኽ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ (1ዮሃ4፡8) ምልኣት ህላውነቱ ከኣ ኣብቲ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ ዘለዎ’ዩ ዝገሃድ። እዚ ኢየሱስ ንደቀ መዝሙሩ ቅድሚ 2000 ዓመታት ዝሃቦም ሓድሽ ትእዛዝ ንዓናኸ ይምልከተና ድዩ፧ ንዝብል ሕቶ መልሱ ኣጸቢቑ ይምልከተና’ዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ዮሃ13፡1 ዘንበብናዮ ". . . ነቶም ዘፍቅሮም ኣብ’ዛ ዓለም እዚኣ ዘለው ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።" ይብል። ኣብ ዮሃ17፡20 ከኣ ብዛዕባ ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ ዝብል ጸሎት ኣብ ኣቦኡ ከቕርብ ከኣ ጐይታ ዝበሎ "ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ’ምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ።" እዚ ሓሳባት ጐይታ ዝጸለዮ ጸሎት ንሃዋርያት ጥራይ ዝምልከት ዘይኰነስ ነዞም ድሕሪ 2000 ዓመታት ኣሚንና ንእንስዕቦ’ውን ዝምልከት’ዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢየሱስ ዝጸለዮ ጸሎት ስለቶም ኣብዛ ምድሪ ብስጋ እናተመላለሰ ዚስዕብዎ ዝነበሩን ስለቶም ድሒሮም ብቓሉ ኣሚኖም ዝስዕብዎ’ዩ ዚጸለየ። በዚ ድማ ፍቕሪ ክርስቶስ ንዅሉ ብማዕረ ዝተዓደለ ምዃኑ ንርዳእ። ስለ ዝዀነ ድማ ናይ ክርስቶስ ምዃን ማለት ፍቕሩ ብናጻ ምቕባል’ዩ። ከምቲ ዘፍቀረና ድማ ንሓድሕድና ክንፋቐር ንዓና’ውን ዝተዋህበና ትእዛዝ ከነመኽንየሉ ዘይንኽእል ክንከፍሎ ዘለና ዕዳ’ዩ (ሮሜ13፡8)።
ንኸይትፋቐር ዝገብር ልምምዳት ህይወት እንታይ ኣሎ፧ ንኸተፍቅር ክትላበሶ ዘለካ መንፈሳዊ ህይወትከ እንታይ’ዩ፧ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ቃለ እግዚኣብሄር ተዘርዚሩልና ዘሎ ቀዳማይ ጐይታ ኢየሱስ ቅዱስ ቁርባን ሰሪዑ ከም ዘገልገሎም፡ ካልኣይ ካብ ድራር ተንሲኡ ክዳውንቱ ኣንቢሩ ዓለባ ኣልዒሉ ብምዕጣቕ ኣእጋር ደቀ መዝሙሩ ሓጸበ፡ ሳልሳይ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ትእዛዝ ሃቦም፡ ራብዓይ ከኣ ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ ጸለየ። ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ኵሉ ክገብር ከሎ እምበኣር ትሕትና ለቢሱ ብትዕግስቲ ንፍቕሪ ብፍቕሪ ኣገልገለ። እዚ ዝገበረ ድማ እታ ብደሙ ዘጥረያ ማሕበሩ (ግብ20፡28) ኣሰሩ ብምስዓብ ብምልኣት ከተገልግሎ’ዩ (1ጴጥ2፡21)። ስለ’ዚ ድማ "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ’ዩ" (ዮሃ15፡12) በሎም። ክርስቶስ ንሃዋርያት ደጋጊሙ ክፋቐሩ ዚምህሮም ዘሎ ፍቕሪ ደም ናይ ክርስትና ስለ ዝዀነ’ዩ። ከም’ቲ ህይወት ብዘይ ደም ክትቅጽል ከም ዘይትኽእል ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ ዝዀነ፡ ክርስትና ብዘይ ፍቕሪ ውድቀት ዘይኰነስ ሞት’ዩ። ካብ ፍቕሩ ጐዲልና ከይንርከብ ኣብ ጸጽባሕ ህይወትና ክንፍትሽ የድልየና። እምበኣር ከም’ቲ ክርስቶስ ዝኣዘዘና ንሓድሕድና ከይንፋቐር ዝዕንቅፈና ልምምዳት ህይወት ገለ ካብኣቶም ክንርኢ ኢና። ምርኡይ ክትከውን ምድላይ፡ እዚ ባህርይ እዚ ንሃዋርያት ኣዝዩ ዘሸገሮም’ዩ (ማር9፡33-34)። ነዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ኢየሱስ "እቲ ኻባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ ባርያኹም ይኹን" ክብል መለሰሎም (ማቴ20፡27)። ከም’ዚ ዓይነት ባህርይ ህዝቢ ኣምላኽ ከይፋቐርን ሓድነቱ ከይሕሎን መንጸሮሮን ኰይንዎ ኣሎ። በዚ ኣተሓሳስባ ዝሓበጠ ኣእምሮ ከም ጐይትኡ ትሕት ብምባል ኣእጋር ኣሕዋቱ ክሓጽብ ዚሕሰብ ኣይኰነን፡ መወዳእትኡ ከኣ ጥፍኣት’ዩ።
ንርእሰይ ይጥዓመኒ ምባል፡ ከምዚ ዓይነት ህይወት ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምግዳስ፡ ኵሉ ጽቡቕ ንዓኻ ጥራይ ምድላይ። ናይ ካልኦት ጸገም ብፍቕሪ ዋጋ ክትከፍል ዘይኰነስ፡ ኣየገድሰካን’ዩ። ክትድገፍ እንተዘይኰይኑ፡ ክትድግፍ ዚሕሰብ ኣይኰነን። እዚ ጻህያይ ስሰዐ ርእሰ ፍትወትን ዝወሓጦ ህይወት ከም’ቲ ክርስቶስ ዘፍቀሮ ከፍቅርን ንዕኡ ዕሽነት’ዩ። ህይወትና በዚ ናይ ጥፍኣት ታኼላ ከይትሕነቕ ክንጥንቀቕ ኣለና (ፊል2፡30)። ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድካ እናኣስተብሃልካን እናተመላላእካን ምንባር’ዩ (2ቈረ8፡14)።
ዘይኰንካዮ ምምሳል፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዝዓደሎ መስፈር እምነት ኣሎ (ሮሜ12፡3)። ነዚ ምፍላጡን፡ ምቕባሉን ክትነብረሉን መንፈሳዊ ዓወት’ዩ። ዘይኰንካዮ ክትመስል ምፍታን ግና ብዘይ ዘርኢ ክትሓርስ ምውፋር’ዩ። ዘይተዘርአ መንፈሳዊ ህይወት ዝህቦ ፍረ ስለ ዘየለ "ዓንጽዓንጾ ንማዕጾ" ከም ዝበሃል ኣብ ከባቢኻ ምስ ዝርከቡ ኣሕዋት ብምጉርፋጥ ካብ ፍቕሪ ኣሕዋት ሃዲምካ ትነብር (ሮሜ12፡9-10)። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረካ ንኸተፍቅር ክትላበሶም ዘሎካ መንፈሳዊ ህይወት ድማ ገለ ክንጠቅስ ኢና።
ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ንህይወቱ ዝገዝኦ ሰብ ትእዛዛት ኣምላኽ ንምሕላው ኵሉ ሳዕ ልቡ ዝተዳለወ’ዩ (1ዮሃ5፡2-3)። ስለ’ዚ ድማ ንኸፍቅር ኣይከብዶን’ዩ።
ዕዳ ፍቕሪ ከም ዘሎካ ምፍላጥ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዋላ ሓንቲ ሰናይ ነገር ዘይብልካ ክነሱ ከም ዘፍቀረካ ምፍላጥ፡ ነቲ "ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኻ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ’ዩ" (ዮሃ15፡12) ዝብል ቃል፡ ዕዳ ፍቕሪ ከም ዘለዎ ብምርዳእ (ሮሜ13፡8) ከምቶም ዓመጽቲ ዘይኰነስ እሙን ብምዃን ዕዳኡ ንምኽፋል ይጋደል።
ትሕትና፡ ከምቲ ጐይታ ዝኣዘዞ ንዅሉ ብማዕረ ከተፍቅር ከቢድ’ኳ እንተ ዀነ፡ ንኵሉ እቲ ናተይ እትብሎ ደርቢኻ ትሕትና ምስ እትዕጠቕ ንሕሱማን ሕያዋይን፡ ንዓማጽን ቅኑዕን፡ ንተጸባይን ለጋስን ብማዕረ ከተፍቕር ውሽጣዊ ሓይሊ ኣለካ። ትሕትና ብዙሕ ዋጋ’ያ እተኽፍል፡ ንፍቕሪ ኢልካ እትወርዶ ምትሓት ኣብ መዕለቢኡ ኣብጺሕካ ንክርስቶስ ከተስምር ትዕግስቲ ብርሃን መንፈሳዊ ጥምጥም’ያ።
መደምደምታ
እታ መደምደምታ ትእዛዝ፡ ሓድሽ ትእዛዝ ዝዀነት ፍቕሪ፡ ፍልይቲ ፍሬን ኵሉ ዝፈልጦ ስለ ዝዀነት ጐይታ ንደቀ መዝሙሩ "በዚ ደቀ መዝሙረይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ’ዩ" (ዮሃ13፡35) ኪብል ዝገለጻ፡ ካብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት (1ጢሞ1፡5) ስለ እትፍልፍል ንኣምላኽ ተሐጒሶ ንልቢ ሰባት ከኣ ተረስርሶ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ካብ ኣምላኽ እትመሃራ (1ተሰ4፡9) ኣብ ግብራዊ ህይወት ንኽትላበሳ ከኣ ብሓይልን ክእለትን ወይ ብጥበብ ሰብ ዘይኰነ ብመንፈስ ኣምላኽ’ዩ ዝኸውን። ነዚ ዚኸውን መንፈስ ንኽትቅበል ድማ በቲ ንዓለም ዕሽነት ዝዀነ ጸሎት ኣብ ቅድሚ ዙፋን ኣምላኽ ምቕራብ የድሊ (ዘካ4፡6 ፣ ቈሎ1፡10 ፣ ኤፌ3፡19 ፣ እብ4፡16)። ምኽንያቱ ሰብ ልቡ ፍቕሪ ኣምላኽ እንተ ዘይገዚእዎ ከም’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍቀሮ ፍቕሪ ከፍቅር ዚከኣል ኣይኰነን። ከም ሰብ ናብ ሰማይ ዘየብጽሕ ምድራዊ ተደናጋጽን ለዋህን ክኸውን ዚከኣል’ዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ዚፈስስ ከኣ በቲ ዝወሃበና መንፈስ ቅዱስ’ዩ (ሮሜ5፡5)። ስለ ዝዀነ ድማ ከምቲ ቃለ እግዚኣብሄር "መንፈስ ኣይተጥፍኡ" (1ተሰ5፡19) ኢሉ ዝምዕደና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣበር ዘይብሎም ብፍቕሪ ዕዙዛት ክንከውን ልብና ንረድኤት ኣምላኽ ይኸፍት "ከም’ቲ ንሕና እነፍቅረኩም፡ ጐይታ ኣብ ንሓድሕድኩም ንሓድሕድኩምን ምስ ኵሉ ሰብን ፍቕሪ የብዝሓልኩምን ይወስኽኩምን። በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመጸላ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና ኣበር ዘይብሎምን ቅዱሳንን ምእንቲ ኽትኰኑ ልብኹም የበርትዕ።" (1ተሰ3፡12-13)። ኵሉ ሳዕ ካብ ጸጋ ጐዲልና መንፈስ ቅዱስ ካባና ርሒቑ ፍጹም ደሪቕና ዘፍቅር ልቢ ዘይብልና ኴንና ከይንህሉ ብልብና መገድና ክንሓስብ ቃሉ የጠንቅቐና’ዩ’ሞ ልብና ምስናይ ኣእዳውና ናብ ኣምላኽ ነልዕል (ሃጌ1፡5)።
ከም’ዚ ዓይነት ትእዛዝ ብሓደ ከለው ኣጥቢቑ ምሃቡ ስለምንታይ ኰን ይኸውን፧ ንቕዱሳን ሃዋርያት ዝሃቦ ትእዛዝ ንዓናኸ ይምልከተና ድዩ፧ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሃዋርያት ክሳዕ ክንድ’ዚ ኣጥቢቑ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ምእዛዙ እቲ ቀንዲ ኣውራ ነገሩ "ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕም፧" (ሉቃ9፡25)። ከም ዚብለና ንሰባት ቃል ብስራት ወንጌል ብምስትምሃር ካብ ሞት ናብ ህይወት ክሳገሩ እናኣገልገሉ ንርእሶም ካብ ህይወት ጐዲሎም ክርከቡ ክፍወስ ዘይከኣል ዘለኣለማዊ ክሳራ ስለዝዀነ’ዩ። እዚ ማለት ከም’ቲ ኣቐዲምና ዘርኣናዮ እቲ ንሓው ዚጸልእ ንኣምላኽ ዘይፈልጦ ቀታል ነፍሲ ብምዃኑ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኣይትነብርን’ያ (1ዮሃ3፡14-15)። እታ ሓድሽ ትእዛዝ መደምደምታ ሕጊ ዝዀነት ፍቕሪ ቅዱሳን ሃዋርያት ክለብስዋ ብኣጽንዖት ዝተነግረሉ ምኽንያት "ንሕና ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገርና ንፈልጥ ኢና። እቲ ዘየፍቅር ግና ብደው ኸሎ ዝሞተ’ዩ። (1ዮሃ3፡14) ዝብል ቃል ኣምላኻዊ ሓቂ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ፍቕሪ ጐዲሎም መወዳእትኦም ሞት ኰይኑ ካብ’ቲ ኣምላኽ ዘዳለወሎም ሰማያዊ ዓስቢ ከይተርፉ ኣቐዲሙ ተነግሮም። ስለ’ዚ ድማ ንሕና ዘይምፍቃርና ንኣምላኽ ከም ዘይንፈልጦ ዘርኢ ጥራይ ዘይኰነስ ቀተልቲ ነፍሲ ገይሩ ኣብ ሞት ስለ ዘንብረና፡ ካብ ፍቕሪ ጐዲልና ከይንህሉ ውሽጥና ንፈትሽ።
እዚ ዚሃቦም ትእዛዝ ሓድሽ ከብሎ ዚኽእል እንታይ ዓይነት መምዘኒ ስለ ዘለዎ’ዩ፧ ዋላስ ቅድሚ ሕጂ ከም’ዚ ዓይነት ትእዛዝ ስለ ዘይነበረ’ዩ፧ ብኻልእ ኣገላልጻ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ብኣካል ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ካብ ሕግታት ኦሪት ኣዝዩ ዘትረሮም ሓደ ካብኡ " ‘ኣይትዘሙ’ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም ኣነ ግና ንጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ዚትምነያ ኵሉ፡ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።" (ማቴ5፡28)። ዚብል ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ድማ ቅዱስ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ መልእኽቱ ኣብ መንጐ ምፍቃርን ዘይምፍቃርን ዘሎ ፍልልያት ከም ናይ መንግስተ ሰማይን ገሃነምን ምዃኑ ኣነጺርዎ ኣሎ። እቲ ዘፍቅር ዘበለ ሰብ ኵሉ ካብ ኣምላኽ ከም ዚተወልደን ንኣምላኽ’ውን ከም ዚፈልጦን (1ዮሃ4፡3) ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ከም ዚነብር (1ዮሃ4፡12)። ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዝተሳገረ (1ዮሃ3፡14)፣ ብኣዝዩ ረዚን ኣገላልጻ ዘርዚርዎ ይርከብ። ብኻልእ ኣገላልጻ ናይ ዘይምፍላጥ ህላውነት ኣምላኽ ካባኻ ምርሓቕ፡ ብዓቢኡ ከኣ ቀታሊ ነፍሲ ብምዃን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይብልካ ዘትርፍ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ እቲ ዘየፍቅር ሰብ ምስ ኣምላኽ ግደ የብሉን። በዚ ድማ ጐይታ ኢየሱስ ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ኣጥቢቑ ኣዘዞም።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
23 ነሓሰ 2026 | ነሓሰ 17, 2018 ግዕዝ (መበል 50 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: 2(2)፣12 "አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዓዕ እግዚአብሔር።ወኢትትኀጐሉ እምፍኖተ ጽድቅ።ሶበ ነደት ፍጡነ መዓቱ።" "ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ’ዩ’ሞ፡ ከይዅሪ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፡ ንወዱ ሰዓምዎ። ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን’ዮም።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ፊል 1፡1-11 |
ዲያቆን |
|
| ያእ 5፡1-6 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 26፡1-8 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ማቴ 15፡6-20 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዝእትነ | መዝሙር፦ ንዒ ርግብየ ሠናይት |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ