S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድሚ ሕጂ መንግሥቲ ኤርትራን ውሑዳት ጳጳሳትን ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ግሂሶም፡ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ 4ይ ፓትርያርክ ኢሎም ምሻሞም ይፍለጥ። እንሆ ሕጂ’ውን ዳግም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ንምሻም ይሸባሸቡ ኣለዉ።

“ኣብ’ዛ ህይወት’ዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።”1ቈረ 15፡19

“ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ከም’ቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነ’ውን ኣባኻ፡ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና (ሓደ)ኣ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን ኣለኹ። ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ንሳቶም’ውን ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ዝሃብካኒ ሃብክዎም። እዚ (ዝገበርኩ) ድማ፡ ከም’ቲ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ ዝዀንካ፡ ንሳቶም’ውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪዀኑ . . .’ዩ።” ዮሃ 17፡21-23 ካ.ት

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራን ምእመናንን ምእመናትን፥ ከምኡ’ውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘሎኹም  ፈተውትን።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን።

“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16

መበል 19 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ክካየድ እዩ። ጉባኤ ዝካየደሉ ካብ 20 ክሳብ 23 ሓምለ 2017 (July 20 to July 23, 2017) እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ዓመታዊ ጉባኤ ከተሕልፍዎ ብኣኽብሮት ንዕድም። Read more ...

“ኣነ’ኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን። ንገዛእ ርእሰይ’ውን ኣይፈርድን’የ። ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ፡ በዚ ግና ጻድቕ’የ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽ’ዩ።” 1ቈረ 4፡3,4 ካ.ት

ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ነቲ ብመራሕቲ ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ጸሓፊኡን ዝተወሰነ ውግዘት፥ ንስኻትኩም ኢኹም ኣለዓዒልኩሞ ብዝብል ምኽንያት መንግስቲ ኤርትራ ንኽኣስሮም ይደናደን ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጹ ናብ ኢትዮጵያ ክስደዱ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም ዓሰርተ መነኮሳት ገዳማት ኤርትራ ፥ ካብዘን ዝሰዕባ አድባራት ዝተሰዱ እዮም።

መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቕ

ረቡዕ 31 ግንቦት 2017

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div