S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ዕለት 1/30/2015 ክሳብ 2/12015 ክብረ በዓል ኦርቶዶክሳዊት ቤክ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ በይ ኤርያ ብድምቀት ተኸቢሩ። 

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነቲ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉዳይ ዕርቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ብምግባር፥ ዕለት 13 ሓምለ 2017 “እግዚኣብሔር ምሉእን ሓቀኛን ዕርቂ ይግብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፥ ሠናይ ትምኒትና ገሊጽና፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ብቓሎም ንምእመናን ቃለ ቡራኬ ክህቡ፥ ንዝተነብረ ውግዘት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጸሎተ ሥርየት ከልዕልዎን ጸዊዕና።Read more ...

“ሓደ’ኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ። (ትዕግስቱ) ብኣምላኽ ቅቡል’ዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ (ትዕግስቲ’ዚ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ። ኣረኣያ’ውን ሓደገልኩም። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶት’ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነገሩ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ኣሕሊፉ ሃቦ’ምበር፡ ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 2፡19-23 ካ.ት

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነቲ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉዳይ ዕርቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ብምግባር፥ ዕለት 13 ሓምለ 2017 “እግዚኣብሔር ምሉእን ሓቀኛን ዕርቂ ይግብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፥ ሠናይ ትምኒትና ገሊጽና፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ብቓሎም ንምእመናን ቃለ ቡራኬ ክህቡ፥ ንዝተነብረ ውግዘት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጸሎተ ሥርየት ከልዕልዎን ጸዊዕና።

“(ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት) ክሳዕ ዘለና፡ (ብኣካል) ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና ንፈልጥ ኢና። (ግናኸ) ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና። ምኽንያቱ ብእምነት’ምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን ንነብር ዘለና። ካብ’ዚ ስጋ’ዚ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብር ድማ (ባህጊ ኣሎና)። (ኣብ’ዛ ምድሪ ብህይወት) እንተ’ለና ወይ እንተ ሞትና፡ (ንኣምላኽ) ከነሐጕስ ንጽዕት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ’ቲ ብስጋዊ ህይወቱ ኸሎ ዝገበሮ ሰናይ ወይ እኩይ (ግብሪ ዓስቢ) እምንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብ ኢና።” 2ቈረ 5፡6-10 ካ.ት

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2014 ኣብ እስራኤል ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ንምእመናን ዓቢይ ምጽንናዕ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ስደት እስራኤል ንዝነብር መእመንን ውሉደ ክህነትን ዓቢይ ምጽንናዕን ሞራልን ተስፋን ኮይኖምዎ ቀንዮም።

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

13 ሓምለ 2017 ዓ.ም.

ብዕለት 11 ሓምለ 2017 ዝወጸ መግለጺ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፥ ንዕርቂ፥ ንሰላምን ድኅነትን ቤተ ክርስቲያን ኣንፈት ዝህብ ጽቡቕ ጅማሮ ምዃኑ ብምእማን፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ እቲ ጅማሮ፥ ኣዝዩ ከም ዘሕጎሶን ንሓቀኛ ዕርቅን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝድግፍን ብመትከል ሓጎሱ ይገልጽ።

“. . . ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና። እቲ በራሲ (ስጋና) ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ (ስጋና) ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦ’ዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ’ቲ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸም’ዩ። ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ (ብልሕኻ)፧ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ትወግእ፡ ሓጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ሓይሊ ትረክብ።” 1ቈረ 15፡52-56 ካ.ት

“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ (መንፈሳዊ) ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ፡ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ሕይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩም’ውን ምስኡ ኽትግለጹ ኢኹም።” ቈሎ 3፡1-4 ካ.ት

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div