“ከም እዙዛት ውሉድ’ምበር፡ ከም’ቲ ኣብ ዘመን ድንቍርና ኸለኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም (ክፉእ) ትምኒት ኣይትግበሩ። “ኣነ ቅዱስ’የ’ሞ ቅዱሳት ኩኑ፡” ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከም’ቲ እቲ ዝጸውዓኩም (ኣምላኽ) ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም’ውን ብዅሉ (ናብራኹም) ቅዱሳት ኩኑ።” 1ጴጥ 1፡14-16
መልእኽቲ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ቀኖናዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
7 ጥሪ 2017
“ማርያም ድማ በለት፡ 'ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡' መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ’ዩ’ሞ፡ ስሙ ቅዱስ’ዩ። እንሆ ኻብ ሕጂ ዅሎም ወለዶታት 'ብጽእቲ' ኺብሉኒ’ዮም።”ሉቃ 1፡46-49
“ፍቕሪ ንኣምላኽ ትእዛዛቱ ኽንሕልው’ዩ’ሞ፡ ትእዛዛቱ’ውን ኣይከቢድን’ዩ።” 1ዮሃ 5፡3
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣድማሳዊ ስድራቤት (ecumenical family) ንመሰል ደቂ ሰባት ብዝምልከት፡ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣንጻር ገዛእ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ዘለዉ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ግህሰት ከም ዘሎ፡ ጸብጻባት ክበጽሓና ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ገባሮን፡ መንእሰያትን ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ዓዶም ገዲፎም ብብዝሒ ክስደዱ ይረኣዩ ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፥ ኣባ ባስልዮስ ዝበሃሉ ኣቡን ብፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝተሸሙ ግናኸ ኣንጻሮም ዝተዓጥቁ ምስ ሓደ መነኮስ ናብ ሰሜን ኣሜርካ ኣትዮም
“ንሕና’ውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር (ሰብ) ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር።” 1ዮሃ 4፡16
ኣብዚ እዋን እዚ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት ዝሓትዎ ሕቶ ድማ "ንሕናዶ ካብ ዓለምና ዝተፈለየ ኣበሳን ሓጢኣትን ጌርና
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ