ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኻትኩም ይኹን።
ብምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመነ ጾመ ፍልሰታ፥ ካብ ሰኑይ፥ ፩ ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ነሓሰ ፳፻፱ (7 August - 21, 2017) እዉጅ ጾም እዩ።
“...ሰባት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ካብ ርኽሰት ዓለም (ድሕሪ ምምላቖም)፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም’ዩ ዚገድድ። ንሳቶም (ነታ ሓቂ) እናፈለጥዋ፡ ካብ’ቲ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ (ካብ መጀመርታኡ) እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። እዚ (ንድሕሪት ምምላሶም) ከኣ፡ እቲ ‘ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ’፡ ከምኡ ኸኣ፡ ‘ሓሰማ ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ (ኣብ ሓመድ) ኣንገርገረት’ ዚብል ምስላ፡ ሓቂ ኸም ዝዀነ (ዜረድእ’ዩ)።” 2ጴጥ 2፡20-22 ካ.ት
ሰንበት 19 ሚያዝያ 2015: “ክርስቲያን ምዃን” ጥራይ ዝበደሎም 30 ሓበሻ (ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን) ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ብኣረሜናውያን ብዘሰቅቅ ኩነታት ኣገባብ ኣብ ሊብያ ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ንስድራ ቤቶም እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ክህብ ነቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝዓረፉ ሰማእታት ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ወትሩ ብጸሎት ክትዝክሮም ክትነብር እያ።
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ
ሓሙስ 31 ነሓሰ 2017
“እዞም ኵላቶም (ቅዱሳን’ዚኣቶም) ነተን (ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለው ዝተዋህባኦም ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ (ብዓይኒ እምነት) ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ፡ ኣብዛ’ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞተ። እቶም ከም’ዚ (ዚገብሩ) ኸኣ፡ (ነታ ሰማያዊት) ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዮ ኣለው። ነታ ዝወጹላ (ምድራዊት) ሃገር ሓስቦም እንተ ዚዀኑ፡ (ናብኣ) ኺምለሱ ጊዜ ነይሮም’ዩ። ሕጂ ግና (ነታ ዝበለጸት ማለት ነታ ሰማያዊት ሃገር) ይናፍቑ ኣለው። ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ (ሰማያዊት) ከተማ ኣዳሊወሎም ኣሎ’ሞ፡ “ኣምላኾም” ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን’ዩ።” እብ 11፡13-16,47 ካ.ት
ቀዳም 14 መጋቢት 2015 (March 14, 2015) ብክፍሊ ትምህርትን ስብከትን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ንሰብ ቃል-ኪዳን ዝምልከት ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ናይ ሓደ መዓልቲ ትምህርታዊ መደብ ኣብ ደብረ ሰላም መድሃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተኻይዱ። እቲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ምድላዋት ዝተገብረሉ
መግለጺ ብዛዕባ ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 3ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ።
“
ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ (ኪመርሓካ ከም ዚኽእል) ሰኣን ምፍላጥካስ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣለኻ” ሮሜ 2፡4-5
ቀሺ ፕሮፈሶር ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሓሙስ 27 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ ኣሰና ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሰሉስ 28 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ VOA Tigrigna ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
ቀሺ ፕሮፈሶር ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብዛዕባ ጉዳይ ዕርቂ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሓሙስ 20 ሓምለ 2017 ምስ ሬድዮ SBS Tigrinya ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ
“
ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33 (ነህ 9፡20)
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ