“ሓደ’ኳ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ። (ትዕግስቱ) ብኣምላኽ ቅቡል’ዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ፧ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ (ትዕግስቲ’ዚ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል’ዩ። ንስኻትኩም’ውን ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ። ኣረኣያ’ውን ሓደገልኩም። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶት’ውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነገሩ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ኣሕሊፉ ሃቦ’ምበር፡ ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 2፡19-23 ካ.ት
እንሆ፡ እዚ ዕለት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ካብ ትማሊ ሓሙስ፡ ማለት ካብ “በዓል ዕርገት” ጀሚርና፡ ድሮ ናብ “ዘመነ ዕርገት” ኣቲና ኣለና። በዓል ዕርገት፡ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ’ዩ ዚውዕል ኵሉ ጊዜ ድማ ኣብ ሓሙስ መዓልቲ’ዩ ዚውዕል። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ በዓለ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ቕንያት ከኣ “ዘመነ ዕርገት” ይበሃል። እዚ ዘመን’ዚ ዘመነ ትንሳኤ ኺውዳእ ገና ዓሰርተ መዓልታት ተሪፍዎ ኸሎ’ዩ ዚጅምር። ናብ’ቲ ድሕሪ ዘመነ ትንሳኤ ተሰሪዑ ዘሎ ዘመነ ጾም፡ ማለት ናብ ጾመ ሃዋርያት’ውን ዚዝርጋሕ ዘመን’ዩ። ዘመነ ዕርገት ዚነውሓሉን ዚሓጽረሉን ጊዜ ኣለዋ። በዓል ትንሳኤ ናብ መጋቢት 30 ኣብ ዝተሳሕበሉ ዓመት፡ ዘመነ ዕርገት ካብ ግንቦት 9 ክሳዕ ሰነ 17 ዀይኑ፡ ናይ 39 መዓልታት ዘመን ይኸውን። በዓለ ትንሳኤ ናብ ሚያዝያ 27 ኣብ ዝወረደሉ ዓመት ከኣ፡ ዘመነ ዕርገት ካብ ሰነ 6 ኽሳዕ ሰነ 17 ዀይኑ ናብ 11 መዓልታት ዘመን ይኸውን ማለት’ዩ። እዚ ዓመተ ግእዝ 2016፡ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ሚያዝያ ስለ ዘኽበርና ዘመነ ዕርገት 11 መዓልታት’ዩ ኪኸውን። ስለ’ዚ እዚ ዘለናዮ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻብዓይ ሰንበት፡ ናይ ዘመነ ዕርገት ከኣ ቀዳማይ ሰንበት’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ሰንበት ከኣ፡ “በሰንበት ዐረገ ሐመረ” ዘርእስቱ ዀይኑ ብዛዕባ ዕርገት ጐይታና ዚገልጽ’ዩ። ምስባኽ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ፡ “ዘምሩ ለእግዚኣብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማያት” ዚብል ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ቅዱስ ዳዊት ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ዮሃ 14፡1-12፡ ጐይታ ንዕላማ ዕርገቱ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ቓል ተስፋ ዝሓዘ’ዩ (ዮሃ 14፡1-3)። እቲ ጐይታና ብኸመይ ከም ዝዓረገ ዘዘንተወልና ናይ ግብ 1፡6-11 ንባብ’ውን፡ ንዕርገቱን ምጽኣቱን ኣዛሚዱ ተስፋ ዘስነቐ፡ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ትንቢታዊ ቓል ዝሓቘፈ’ዩ።
ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ልክዕ ከም ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ኣካል ናይ’ቲ ብእኡ ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን’ዩ። ጐይታና ዝዓረገሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዘፍስሶ ደሙ ሒዙ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ብምቕራብ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ምእንቲ ኼተዓርቐና’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምስጢር’ዚ ኣብ እብ 9፡15-26 ምስ’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መስዋእትን ዕርቅን ስርዓት ኣዛሚዱ ገሊጽዎን ኣብሪህዎን ኣሎ (ሮሜ 5፡9-11 ፣ 8፡34 ፣2ቈረ 5፡18-21 ፣ ኤፌ 1፡7 ፣ 2፡13-18 ፣ ቈሎ 1፡20-23 ፣ እብ 7፡26-28 ፣ 8፡1-3,6 ፣ 9፡11-15)። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ ቕድም ናብ’ቲ ህዝቢ ምስ ነጸጎሉ፡ ሒዝዎ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር የቕርቦ ነበረ። ሕድገት ሓጢኣትን ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ዚርከብ ድማ ብኸምኡ’ዩ። ክርስቶስ ጐይታና ገንሸል ፋሲካና ዀይኑ ርእሱ መስዋእቲ ምስ ገበረ ድማ ባዕሉ መስዋእቲ፡ ባዕሉ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ገዛእ ደሙ ሒዙ ናብ’ታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታው፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ሕድገት ሓጢኣት ከም ‘ንረክብ ብምግባር ምስኡ ኣተዓረቐና። ዘለኣለማዊ ሊቀ ካህናት ኰይኑ በቲ ህያውን ዘለኣለማውን ደሙ ገይሩ ዘለኣለማዊ ምሕረትን ዕርቅን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣውሃበና። ነቲ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደሙን ዝቘረሶ ስጋኡን ብትንሳኤኡ ህያው መስዋእቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ ብዕርገቱ ናብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ ብምእታው፡ ንዘለኣለም ዓረቐን። እምበኣር “ዕርገት ኣካል ናይ’ቲ ብክርስቶስ ጐይታና ዝተፈጸመ ግብሪ ድሕነት’ዩ” ዚብል መሰረተ እምነትን ኣብ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝተመርኰሰ’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስቲ ትምህርትና፡ ካብቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንባብና ዝተወስደ’ዩ። ናይ’ቲ ክርስቶስ ጐይታና ምእንታና መከራ መስቀል ኪቕበል ከሎ ዘርኣዮ ትዕግስቲ ኣርኣያ ኽንስዕብ ከም ዚግብኣና ዜስተምህር ከኣ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና ናብ ሰማያት ዝዓረገ፡ ንሕና’ውን ኣብ’ታ ዝተመደበት መዓልቲ ምጽኣት ብትንሳኤ ሙታን ዳግማይ ህይወት ለቢስና ምስ ጐይታና ኽንዓርግ ኢና። ነዚ ኽብሪ’ዚ ብቝዓት ኴንና ምእንቲ ኽንርከብ፡ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስ ከነቕልብን፡ ትዕግስትና ንትዕግስቲ ክርስቶስ እትመስል ብኣምላኽ ቅብልቲ ትዕግስቲ ምዃና ኸነረጋግጽን ዝተሰርዓልና ሃንጺ መንፈሳዊ መኣዲ’ዩ።
በደለኛ ትዕግስቲኸ ኣሎ ድዩ፧ ሰብ’ምበር ትዕግስቲዶ ትብድል’ያ፧ እዚ ኣርእስትና እንታይ’ዩ ዚብለና ዘሎ፧ ኣርእስትና እንታይ ይብለና ኸም ዘሎ፡ እቲ ምንጪ ኣርእስትና ዝዀነ መሪሕ ጥቕስና ጽቡቕ ገይሩ መሊስዎ ኣሎ። ብርግጽ በደል ባህርይ’ምበር፡ ኣካል ኣይኰነን። በደል ካብ’ቲ ነጻ ፍቓድ ዘለዎ ኣካል ጥራሕ’ዩ ዚርከብ። ሰብ፡ ኣካልነት (personality) ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ናይ ነጻ ፍቓድ ትዕድልቱ ብዘይ ኣገባብ ብምጥቃም በደል ይፍጸም፡ ብጥዑይ ኣገባብ ብምዝውታር ድማ ጽድቂ ይገብር። ንኽልተ ዜራኽብ ዘይብሎም ባህርያት እና’ዳቐለ ዋላ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ናብ ሓጥእ ባህርያት ናይ ምልዋጥ ኣዕናዊ ዝንባለ’ውን የርእይ’ዩ። ፍቕሪ ምስ በለጻውነት፡ ትዕግስቲ ምስ ጽልኢ ወዘተ እናሓወሰ፡ ነቲ ኸም ሽፋን ከም መጐልበቢ ዚጥቀመሉ ጽቡቕ ባህርይ ዘይመልክዑ ኼልብሶ ይርከብ’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኣብሪህዎ ኸም ዘሎ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ናይ ሰብ ባሮት ዝነበሩ ሰባት፡ ነቶም ጐይተቶም ይብድልዎም’ሞ፡ ብሰሪ በደሎም ንዝወረዶም መቕጻዕቲ ብትዕግስቲ ብምቕባሎም፡ ከም ሓደ ጽቡቕ መንፈሳዊ ባህርይ ዚቝጸረሎም ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ስሑት ኣተሓሳስባ’ዚ ንምእራም፡ ንኣርኣያ ክርስቶስ ብምጥቃስ ሃናጽን ኣራምን ትምህርቲ ጸሓፈሎም።
ትዕግስትና ከም ናይ ብሓቂ ጥዑይን ቅቡልን ትዕግስቲ ዚቝጸረልና፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ትዕግስቲ ምስ ዚመስል ጥራሕ’ዩ ናይ’ቲ ዚወርደና መከራ ጠንቂ ንሕና ባዕላትና እንተ ዄንና ግን ፈቲና ኸይፈተና ኽንቕበሎ ኢና’ምበር፡ መን ካልእ ደኣ ኪቕበለልና’ዩ። ኣይንቕበልን” ኢልና ኽንሃድመሉ እንተ ፈተንና ኸኣ፡ ካልእ መከራ ደኣ ንውስኸሉ’ምበር፡ ክንሃጽመሉ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኣጸጋሚ ዝዀነና ዘሎ፡ ነቲ ብሰሪ በደልካ ዚወርደካ መቕጻዕቲ ምጽማምን፡ ነቲ ጥዕና ዘለዎ ተበዲልካ ከለኻ እትዕገሶ ቅዱስ ትዕግስትን፡ ንኽልቲኡ ብሓደ ቓል፡ “ትዕግስቲ ኢልና ንሰምዮ ምዃንና’ዩ። ርእሱ ዝኸኣለ መፍለዪ ዚዀኖ፡ ነናቱ ቓል ኪግበረሉ’ዩ ዚግባእ። ትዕግስቲ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ (ሮሜ 5፡2-4 ፣ 12፡12 ፣ እብ 10፡36 ፣ 1ጴጥ 4፡13 ፣ ያእ 1፡3-4 ፣ 5፡7 ፣ 8፥11) ኪዕገስ ንዝፈቐደሰ ሰብ፡ ምዕጋስ ኣዝዩ ኪኸብዶን ንምግባሩ ኪጭነቕን ኣይግባእን’ዩ። ብኣንጻሩ ዘይምዕጋስ’ዩ ዓቕሉ ዜጽብበሉን እምብዛ ዚኸብዶን ባህርይ ኪዀኖ ዚግባእ። ኣዕዋፍ ኣብ ሰማይ ምብራር ባህርያዊ ትዕድልተን ስለ ዝዀነ፡ ተሓጒሰን ብቐሊሉ ዚገብራኦ’ዩ። ከም ተመን ብኸብደን ኬንፋሕዃ እንተ ዝደልያ ግን፡ ፈጺመን ኣይምመረጻኦን፡ ኣይምኸኣልኦን ከኣ፡ ትዕግስቲ ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ድማ፡ ልክዕ ከም ምንፋር ነዕዋፍ’ዩ። ሰብ ግና ነቲ ባህርያዊ ትዕድልቱ ደርብዩ፡ መልክዕ ሰይጣን መሪጹን ለቢሱን ንባእስን ጽልእን ቂምታን ከም ንቡርን ቅቡልን፡ ንትዕግስትን ፍቕርን ምሕረትን ከኣ ከም ሕመቕን ድኹምነትን ናብ ምርኣይ ወዲቑ ይርከብ።
እቲ በደልን እቲ ትዕግስትን ንምንታይ’ዩ በበይኑ ዘይምዘን፧ እቲ ትዕግስቲ ንምንታይ በቲ በደል ምኽንያት ዘይቅቡል ዚኸውን፧ ናይ’ዚ ሕቶ’ዚ መልሲ፡ ኣብ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ዚምርኰስ’ዩ። እግዚኣብሄር ፍጹምነትን ምልኣትን ዜፍቅርን ጐደሎነት ዚጽየፍን ኣምላኽ’ዩ። ስለ’ዚ ይትረፍ ኣብ’ቲ ብመልክዕ ዝፈጠሮ ሰብ ኣብ’ቲ ንእኡ ብመስዋእቲ ዚውፈይ እንስሳ’ኳ ጒድለት ኣይዕገስን’ዩ (ዘለ 1፡2-3)። ስለ’ዚ ኽንእዘዝ እንተ ዄንና ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ’ዩ ዚደልየና። መመሪጽና ንገሊኡ ንእዘዞ፡ ንገሊኡ ኸኣ ነፍርሶ እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ሒደት ተኣዝዞና’ውን ኣይቅበሎን’ዩ። ሓደ ሽሕ ትእዛዛት እንተ ዚህልው’ሞ፡ ነተን 999 ኣኽቢርና ነታ ሓንቲ ጥራሕ እንተ ነፍርስ፡ ከም መፍረስቲ ሕጊ ኸም ዘይእዙዛት’ምበርን ከም እዙዛት ኣይፈልጠናን፡ ኣይቅበለናን ከኣ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚርከብ፡ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር’ ዚብል (ንጉሳዊ) ሕጊ እንተ ደኣ ብሓቂ ፈጺምኩምዎ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም። ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ፡ መፍረስቲ ሕጊ ምዃንኩም ይረትዓኩም ኣሎ። ንብዘሎ’ቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ (ጥራሕ) ዚብድል፡ ብዅሉ’ዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ ‘ኣይትዘምው’ ዝበለ ‘ኣይትቕተል’ ድማ በለ። ስለ’ዚ እንተ ዘይዘምኻ’ኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ ኢኻ እዚ ሃዋርያዊ መግለጺ’ዚ፡ ንኽብደት ናይ ሓጢኣት ኣነጺሩን ኣጕሊሑን ዜርእየና’ዩ። ንብዙሕ ሓጢኣት ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ ኣይተጥፍኦን ኢኻ። ከምኡ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። በእላፋት ግብሪ ጽድቂ ንሓንቲ ሓጢኣት’ኳ ኽትስርዝ ወይ ከተከሓሕስ ኣይከኣልን’ዩ። ብኣንጻሩ ግን ነእላፋት ግብሪ ጽድቂ ብሓንቲ ግብሪ ሓጢኣት ከም ዘይነበረ ኽትገብሮ ይከኣል’ዩ። እዚ ናይ ሃዋርያ ያእቆብ ቃል ነዚ ሓቂ’ዚ’ዩ ዜረጋግጸልና። ንሓጢኣትና ምእንቲ ኼጥፍእ፡ ሞት ናይ’ቲ ቕዱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘድለየ ኣይንረስዕ። ግብሪ ሓጢኣት ብግብሪ ጽድቂ ኺከሓሓስ ዘይምኽኣሉ፡ ናይ ኣምላኽ ዘይፍትሓውነት ወይ ዘይርትዓውነት ዘይኰነስ፡ ናይ ሓጢኣት ክብደት ዜመልክተና’ዩ።
ዋላ ኣብ’ዚ ናይ ዓለም ሕጊ’ውን ልክዕ ከምኡ’ዩ። ንዅሉ ሕጊ ብዘይ ዝዀነ ኣበር ሓሊና ኸነብቅዕ፡ ሓንቲ ሕጊ እንተ ጠሓስና፡ ብዛዕባ’ታ ጥሕሰት’ቲኣ ኸይቀጽዐ ኣይሓድገናን’ዩ። ንእኣ እትምጥን ቅጽዓት ይእዝዘልና። ምናልባት ሕሉፍ ታሪኽና መርሚሩ ኬቕልለልና ወይ ኬኽብደልና ይኽእል ይኸውን፡ ከይቀጽዐ ግን ኣይሓድገናን’ዩ። ንሓንቲ ሕጊ ስለ ዝጠሓስና፡ ንዅሉ ሕጊ ኸም ዝጠሓስና ገይሩ ግን ኣይቀጽዓናን’ዩ። ምኽንያቱ ከምኡ ናይ ምግባር ሥልጣንን ከኣልነትን ዘለዎ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ። ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ ፡ ንዝዀነ ሓጢኣት ብኣምላኽ ዚወሃብ ፍርዲ፡ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። ካብ’ዛ ፍርዲ’ዚኣ መዋጽኦ፡ ንረክብ፡ ብሓቀኛ ንስሓ ጥራሕ’ዩ ብንስሓ ምሕረት ዚርከብ ድማ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓጢኣት ሸለል ስለ ዝበሎ ዘይኰነስ፡ ዋጋ ናይ’ቲ ሓጢኣት ድሮ ብሞት ክርስቶስ ስለ ዝተኸፍለ’ዩ። እቲ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ፡ ንኽብደት ሓጢኣት ኬፍኵሶ ኣይክእልን’ዩ። ጽድቅና፡ ይትረፍ ንሓጢኣት ኪድምስስ፡ ብገዛእ ርእሱ ኸም ጽድቂ ኪቝጸር ከም ዘይበቅዕ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።
“ኵላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን’ዩ (ጽድቅና’ውን ከም ጨርቂ መርገም ኰነ)፡ ኵላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቍጸና’ሎ።” ኢሳ 64፡6
ጽድቅና ኽሳዕ ክንድ’ዚ ድኹምን ሕሱርን ስለ ዝዀነ’ዩ። እግዚኣብሄር በቲ መሓርን ሕያዋይን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ብክርስቶስ ኬጽድቐና፡ ጽድቂ ክርስቶስ ኬልብሰና ዝፈቐደ (ኢሳ 53፡6 ፣ ሮሜ 3፡23-28 ፣ 4፡25 ፣ 5፡ 8 ፣16-19 ፣ ኤፌ 2፡5-9 ፣ 1ጴጥ 3፡18 ፣ 1ዮሃ 4፡9-10)
ትዕግስትና ንትዕግስቲ ክርስቶስ ከይመስልን ሓጥእ ትዕግስቲ ኪቝጸርን ዚገብሮ እንታይ’ዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ድሮ ነቲ መልሲ ሂቡና’ዩ። “ትዕግስቲ” ዚበሃል፡ እናተበደልካ ምዕጋስ’ምበር፡ እናብደልካ ምዕጋስ ኣይኰነን። እቲ በዳሊ ንስኻ ባዕልኻ እንተ ዄንካ፡ በቲ ግብርኻ ንኣኻ ዚዕገሰኻ ሰብ ኢኻ ትደልይ ዘለኻ’ምበር፡ ባዕልኻ ተዓጋሲ ኽትከውን ኣይከኣልን’ዩ። ምስ’ቲ ፈታኒ ድያብሎስ ተሓባቢርካ፡ ትዕግስቲ ናይ ካልኦት ክትፈታተን ኣብ ዘይቦታኻ ዝተቐመጥካ ሰብ ኢኻ ትኸውን። በዚ ፈታኒ ግብርኻ’ዚ ኸኣ፡ ናይ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ኣምላኽ ትዕግስቲ’ውን ትፈታተን ምህላውካ ኸተስተውዕል ይግባእ።
እግዚኣብሄር ዚጻምዎን ንጽድቂ ዚቘጽረልናን ትዕግስቲ ኽንዕገስ እንተ ዄንና፡ ዋላ ዝተበደልና ኣብ ዝመስለና እዋን’ኳ፡ ኣብ’ቲ በደል ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ኢድ ከይህልወና ብጥንቃቐን ብዕምቈትን ክንምርምር ይግብኣና። ትዕግስትና እንታይ ክትመስል ከም ዚግብኣ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ብኸም’ዚ ዚስዕብ መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።
“እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም (ዜግብር) ፈሊጥኩም፡ ብሓንቲ’ኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ (ትዕግስትኹም) ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።” ሓደ ኻባኻትኩም (ነዛ ትዕግስቲ’ዚኣ ዚኸውን) ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሓፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሃቦ’ውን’ዩ።” ያእ 1፡3-5
ስለ’ዚ ሓንቲ ትዕግስቲ ጥዕና ዘለዋ ቕብልቲ ትዕግስቲ ንኽትከውን፡ ንእኣ ዜሰንይዋን ፍጹምነት ዜልብስዋን ካልኦት ኣገደስቲ ግብርታት ወይ ባህርያት ኣለው። ካብ’ቶም መሳንይታ ፈሊኻ ንበይና ነጺልካ እንተ ሓዝካያ ልክዕ ዕርቃኑ ኸም ዝወጸ ሰብ፡ ወይ ከኣ ኣገዳሲ ኣካላት ሰብነት ከም ዝጐደሎ ስንኩል ሰብ’ያ ትኸውን። ንኣብነት ውላድና ብእልፊ በደል ላሕ ዜብለና ሕሱም ውላድ ኰይኑ፡ ንእነውርደሉ መቕጻዕቲ ግን ብዘይ ብኽያትን ኣውያትን ብዘይ ፈንጠርጠርን ጸጥ ኢሉ ስለ ዝተቐበለ፡ “እዚ ውሉደይሲ ዓቓልን ዕጉስን ሰብ’ዩ” ኢልና ምተሓጐስናሉዶ፧ እዚ ንሱ ዜርእዮ ዘሎ ተጻውሮ፡ ምትራር ልቢ ምልክት’ምበር፡ ናይ ትዕግስቲ መርኣያ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። በዚ ተጻውሮኡ’ዚ፡ “በዝን ዝኸምዝን ዝጸዓደልኩምን ዝዕረየልኩምን መሲሉኩም’ዩ” ዚብል በቲ ዝወሰድናዮ ስጕምቲ’ውን ክንሕለልን፡ ተስፋ ኽንቈርጽን ምዃንና ዝመልእኽቱ ባህርይ’ዩ። “እዚ መቕጻዕቲ’ዚ ይግብኣኒ’ዩ፡ ይውሕደኒ’ኳ ደኣ” ዝመልእኽቱ ትዕግስቲ እንተ ዚኸውን፡ ናይ በደለኛ ስምዒት መርኣየ ብግብራዊ ስጕምቲ’ውን መሰነዮ ነይሩ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ በደለኛ ትዕግስቲ ድማ ዝውቱር ተመክሮና ስለ ዝዀነ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኣና’ዩ።
በደለኛ ትዕግስቲ ዚኸውን ግን ናይ በደልቲ ትዕግስቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ተበደልቲ ትዕግስቲ’ውን’ዩ። እቲ ተበዳሊ፡ ዋላ እንተ ተዓገእ’ኳ ብምርረት፡ ብጽልኢ፡ ብቒምታ ይዕገስ እንተ’ልዩ፡ ልክዕ ከም’ቶም ቃርማ (ጣንጡ) ኣጽርዮም ገመል ዚውሕጡ ግቡዛት ፈሪሳውያን’ዩ ዚኸውን። ክንዲ ጣንጡ ዚኸውን ንእሽቶ በደል ኣጽሪኻ፡ ኣብ ክንድኡ ክንዲ ገመል ዝምግዛፉ ኻልእ በደል ትፍጽም እንተ’ሊኻ ትርጒም ኣለዎዶ፧ ፍቕሪ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ ባህርያትን ትእዛዛትን እታ ዝዓበየትን ቀዳመይትን ምዃና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙን ኣነጺሩን ነጊሩና’ዩ (ማቴ 22፡34-40 ፣ ሮሜ 13፡8-10 ፣ 1ቈረ 13፡13)። ፍቕሪ፡ ኻብ’ቶም ንትዕግስትና ዜሰንይዋን ፍጹምነት ዜልብስዋን ግብርታት ሓንቲ’ያ። እቲ በዳሊኛ ጸሪፉና፡ ሃሪሙና፡ ብዓመጽ ወሲዱልና ኼብቅዕ፡ ዋላ ሓንቲ ግብረ መልሲ ኸይሃብና ብትዕግስቲ ሓሊፍናዮ፡ ግን ከኣ ኣብ ውሽጥና መጠን ዘይብሉ ብርቱዕ ጽልኢ እንተ ሓዲጉልና፡ ትዕግስትና ምስ ትዕግስቲ ክርስቶስ ክትጽብጸበልና ትኽእልዶ፧ በደለኛን ኣምሰሉን’ምበር፡ ሓቀኛ ትዕግስቲ ኽትስመይ ኣይትበቅዕን’ያ። ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረ 13፡1-3 ብዛዕባ ፍቕሪ ሂብዎ ዘሎ መግለጺ ብምስትውዓል ነንብቦ። እቲ ዓበይቲ ውህበታትን፡ ንድኻታት ምርዳእን ሰማእትነትን፡ ብዘይ ፍቕሪ እንተ ተገይሩ ፈጺሙ ትርጒምን ጥቕምን ከም ዘይህልዎ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ትዕግስቲ ብዘይ ፍቕሪ ድማ ዝገደደት’ምበር፡ ዝሓሸት ክትከውን ኣይከኣልን’ዩ። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኵሉ’ቲ ዚወርዶ ዝነበረ ግፍዕታት፡ ነቶም ገፋዕቱ ኻብ ምፍቃርን ምሕረት ካብ ምግባርን ኪዕንቅፎ ኣይተራእየን (ሮሜ 5፡6-10 ፣ ሉቃ 23፡34)። ንሕና ብኸም’ታ ናቱ ዓይነት ትዕግስቲ ኽንዕገስ፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ብልባዊ ፍቕሪ ኸነፍቅሮም ከም ዚግብኣና ኣብ’ቲ ናይ ከረን ስብከቱ ኣዚዙና ኣሎ።
“ ‘ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ’ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ። ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ ነታ ኻልኣይቲ’ውን ምለሰሉ። ነቲ ኺማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደልይ እታ ኽንዳካ’ውን ሕድገሉ። ሓደ ምዕራፍ (ሓደ ኪሎ ሜተር) ንዝስሓበካን (ባዕልካ ፈቲኻ) ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።” ማቴ 5፡38-42
ኣብ’ዛ ክፍሊ’ዚኣ፡ ጐይታና “ትዕግስቲ” እትብል ቃል ንማለቱ’ኳ ኣይተጠቕመላን። ንትርጒም ናይ ትዕግስቲ ግን፡ ብወርቃዊ ቓላት ኣቐሚጡልና እንሆ፡ ትዕግስቲ ማለት፡ ንኽፉእ ዘይምቕዋም ማለት’ዩ ንኽፉእ ዘይምቅዋም እንታይ ማለት ምዃኑ’ውን ብንጹር ግብራዊ ኣብነታት ኣብሪሁልና ኣሎ። ጒንዲ እዝንኻ ንዝለኽዓካ ሰብ፡ “በጃካ በዛ ኻልኣይቲ ድማ ድገመኒ” ኢልና ኽንልምን ኣይኰነን ጐይታ ዝኣዘዘና። ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ “ኻልኣይ ተመሳሳሊ በደል ብትዕግስቲ ንምቕባል’ውን ዝተዳለኻ ኩን።” ማለት’ዩ። ሰባት ኣብ ልዕሌና ደጋጊሞም ኪብድሉ ዜተባብዖም፡ እቲ በደሎም ኣባና ውጽኢታዊ ዀይኑ ስለ ዚርእይዎ’ዮም። ብምኽንያት’ቲ ዝወረደና በደል ከይንተክኽ ክሳዕ ዜፍርህ ብቝጥዓ ኽንቃጸል፡ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሌና ዝተዘርበ ዘይንእስ ክፉእ ክንዛረብ፡ ዝበኣስ ግብሪ መልሲ ኽንህብ ምስ ረኣዩ “ለካ ተዓዊተሉ’የ፧ እምበኣር ክሳዕ ዚሓርር ግርም ገይረ ኸቃጽሎ’የ” ብምባል፡ ነቲ ንኣኻ ምብዳል ከም ፍሉይን ውጽኢታውን ኣጽዋር ተዓጢቖምዎ ይነብሩ። ሓደ ኪሎ ሜትር ምሉእ እናሰሓበ ኺጐትተካ ንዝመጸ እኩይ ሰብ፡ “እንታይ ኣዳኸመካ” ኢልካ ባዕልኻ ክልተ ኪሎ ሜትር እንተ ኼድካሉ ግን ነቲ ተዓጢቑሉ ዝመጸ መደቡ ስለ ዘፍሸልካሉ፡ ብትዕግስቲኻ እናተገረመ ንኣኻ ምብዳል ውጽኢት ዘይርከቦ ከንቱ ሃልኪ ምዃኑ ተሰቍርዎ ተሓሊሉ ይገድፎ፡ ገለ ቝሩብ ምስትውዓል እንተ’ልይዎ ድማ፡ ናብ ግብራዊ ንስሓ ኺበቅዕ ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ በቲ ሰናይ ትዕግስቲኻ፡ ነቲ እከይ ሃቐናኡ ኣፍሺልካዮን ኣበርዒንካዮን ማለት’ዩ። ተቓውሞ ኣብዚሕካ እንተ ተሃላለኽካዮ ግን፡ ኣብ’ቲ ንሱ ዝኣጐዶ ሓዊ ትስሕነሉ፡ ኣብ’ቲ ባዕሉ ዝተኸሎ እኩይ ጓይላ ግርም ጌርካ ትስዕስዓሉ ስለ ዘለኻ፡ ብኸመይ ካልኦት ማይ-ዘይጠዓሙ ሓደስቲ ናይ ህውከት ጓይላታት ከም ዚተክል ኪጣበብ፡ ከይደቀሰ’ዩ ዚሓድር ስለ’ዚ ንትዕግስቲ ትዕግስቲ ዚገብራ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዒልና በገባብ እንተ ተጠቒምናላን እንተ ኣዘውቲርናያን፡ ተራ ስጋዊ ኣጽዋር ዘይኰነትሲ፡ ሓያልን ሰዓሪትን መለኮታዊት ኣጽዋር ምዃና ጽቡቕ ገይሩ ኺረኣየና’ዩ።
ንትዕግስትና ጽንዓትን ውጽኢታዊን ዚገብራ እንታይ’ዩ፧ ንትዕግስትና ትዕግስቲ ዚገብራ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልና ምዕጋስና፡ መሪሕ ጥቕስና ነዛ ሓቂ’ዚ ኣብ ንጹር ጠቒስዋ ኣሎ። ንትዕግስቲ፡ ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ኪምጥና ዚኽእል ኣካል የለን። ብመሰረቱ ኽንፍጠር ከለና’ውን፡ ምእንቲ ኣምላኽ ጥራሕ’ምበር ምእንቲ ዝዀነ ኻልእ ኣካል ኣይተፈጠርናን። ስለ’ዚ ምእንቲ ርእስና ወይ ምእንቲ ኻልእ ኢልና ኽንዕገስ ምፍታን። ንባዕላ ነታ ትዕግስቲ ዀነ ነቲ ትዕግስቲ ዝኣዘዘ ኣምላኽ ዓብይ ውርደት’ዩ ዚኸውን። ዝዀነ ይኹን ናይ ጽድቂ ባህርይ ኣብ ምትግባር ዓቕሚ ንስእን ዘለና፡ ነቲ እንገብረሉ ዕላማ፡ ነንእሶን ነበላሽዎን ስለ ዘለና’ዩ። ዝዀነ ዓይነት ግብሪ ጽድቂ ወይ ጻድቕ ባህርይ ምእንቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ’ቲ ጻድቕ ኣምላኽ ኢልና ንገብሮ እንተ ዄንና ጥራሕ ኢና፡ ብፍጹምነት ክንገብሮ ‘ንኽእል። ሽዑ ኸኣ’ዩ ክሳዕ ሞት’ኳ ብጽንዓት ክንቅጽሎ ‘ንኽእል። ምእንቲ ርእስና ኢልና እንተገበርናዮን፡ ንትዕግስቲ ዚምጥን ጽድቅን ክብርን ስለ ዘይብልና፡ ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑና ነቋርጾ’ሞ፡ ናብ'ቲ ሓጥእ ምርጫታት ገጽናን ግልብጥ ኢልና ንእኡ ኽንገብር ንጅምር። ምእንቲ’ቲ በዳሊና ወይ ምእንቲ ኻልእ ሰብ ኢልና ኽንዕገስ እንተ ጸኒሕና ደረት ትዕግስትና ማዕረ ኽብሪ ናይ’ቲ ሰብ’ዩ ዚድረት። ምእንቲ ኣምላኽ ጥራሕ ኢልና ኽንገብሮ ኸለና ግን፡ ኣምላኽ ልዕል ዅሉ ምኽንያታት ልዑልን ክቡርን ስለ ዝዀነ፡ ዋላ ህይወትና ኽሳዕ ምኽፋል ክሳዕ ሞት ክንዕገሰሉ ዚግብኦ’ዩ’ሞ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኽንዕገስ የኽእለና’ዩ። እዞም ኵሎም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ቕዱሳን ኣቦታትና ሰብ ኪጾሮ ብዘይክእል ከቢድ ስቓይን መከራን ብዓወት ኪሓልፉ ዝኽኣሉ ምኽንያት ምእንቲ ኣምላኽ ኢሎም ስለ ዝተዓገሱ ጥራሕ’ዮም። ንሕና’ውን ኣብ’ቲ ናይ ማሕበራዊ ህይወት ፈተናታት ኰነ፡ ኣብ’ቲ ናይ እምነት ፈተናታት ዕውታት ኴንና ኽንወጽእ እንተ ዄንና፡ ዝዀነ ኻልእ ኣማራጺ የብልናን። ምእንቲ ኻልእ ምኽንያታት ንሰማዒኡ ብዜገርም ትዕግስቲ ኽንዕገስ እንተ ኸኣልና’ኳ ጻማ ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝኸፍአን ዝመረረን ሕማቕ ዓስቢ ዘለዎ ከንቱ ትዕግስቲ ዝኸውን ይትረፍ ትዕግስቲ ዚጠልብ ከቢድ ጕዳያት፡ ዋላ’ቲ ምብላዕን ምስታይን ካልእ ኵሉ ግብርናን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ክንገብሮ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልና ጥራሕ ክንነብር ዝተኣዘዝና ፍጥረት ምዃንና ኽንዝንግዕ ኣይግብኣናን (ሮሜ 14፡7-10 ፣ 2ቈረ 5፡15 ፣ 1ቈረ 10፡31)። ብመሰረቱ ምንባርና ምእንቲ ኣምላኽ ኰይኑ እንተ ዘይጸኒሑ፡ ትዕግስቲ ዚጠልብ ኰነታት ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ ሽዑ በጺሕና ምእንቲ ኣምላኽ ኢልና ኽንዕገስ ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ኣብ’ቲ ሰላም ዝመልኦ ህዱእ ኵነታት ዘይተዘከረ ኣምላኽ፡ ኣብ’ቲ ብሰሪ በደል ሃዋጽን ሃዋኽን ስምዒታት ዝተለዓዓለሉ ዅነታት፡ ከመይ ጌርካ’ዩ ኺዝከር ዚኽእል፧ ሽዑ እቲ ናይ ህውከትን ባእስን ኣቦ ጓይላ ዝዀነ ድያብሎስ ጥራሕ’ዩ ዚዝከርን ዚኸብርን። እቲ ዅሉ ጊዜ ምእንቲ ኣምላኽ ዚነብር ሓቀኛን ብልህን ክርስትያን ግን፡ ኣብ ልዕሊኡ በደላት ኪፍጸም ከሎ፡ “እንሆ ንኣምላኽ ዘኽብረሉ፡ ነቲ ናቱ ጽድቂ ዝለማመደሉ፡ ብትግስቲ ክርስቶስ ዝዕገሰሉ ወርቃዊ ዕድል መጺኡ” ዚብል መንፈሳዊ ወኒ’ዩ ዚለዓዓሎ። ኣምላኽ ከኣ ምስ’ቶም ኵሉ ጊዜ ምእንትኡ ዚነብሩ ሰባት ስለ ዚነብር፡ እቲ ንባርያኡ ዝገጠሞ ፈተና ናቱ ጒዳይ ስለ ዝዀነ፡ ብምሉእ ሓይሉ’ዩ ዚዋሳእ። በቲ ዜኽእል ጸጋኡ ገይሩ ይድግፎ። ክብሪ ናይ’ቲ ትዕግስቲ’ውን እቲ ዘኽኣለ ኣምላኽ’ምበር፡ እቲ ዝተዓገሰ ሰብ ኣይኰነን ዚወስዶ። እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ብኸም’ዚዩ ንርእሱ ኻብ በደለኛ ትዕግስቲ ዜድሕን።
እምበኣር ህይወትናን ትዕግስናን ንመርምር። ትዕግስቲ ዋጋ ነፍሲ ምዃናን እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ጥራሕ ከም ዘድሕንን (ሉቃ 21፡19 ፣ ማቴ 10፡22 ፣ 24፡13)። ከይረሳዕና፡ ንትዕግስቲ ክርስቶስ ኣጥሪናያን ለቢስናያን ምህላውና ነረጋግጽ። ነዛ ክብርትን ጻድቕን ንብረት’ዚኣ ብሓጢኣት እና’ቋሰልና ዘይባህርያ ኣይነልብሳን ዘይኣበሳኣ ድማ ኣይነሰክማ። ንነፍስና ብትዕግስቲ ክርስቶስ ንሰልማን ነኽብራን።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
16 ሰነ 2024 | ሰነ 9, 2016 ግዕዝ (መበል 40 ሰንበት: ቊ.፵/40) |
||
ምስባክ መዝ.67:32-33: ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ፤ ወዘምሩ ለአምላክነ ፤ ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዐርገ ውስተ ሰማይ። አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 10 : 1 - 13 |
ዲያቆን |
|
1ይ ጴጥ 2 : 20 - ፍም |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ ሐዋ 1 : 6 - 11 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሐ 14 : 1 - 12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ በሰንበት ዐርገ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ