S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በደለኛ ትዕግስቲ (መበል 40 ሰንበት: ቊ.፵/40, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ

ሓደ ተዓሚጹ ኸሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢሉ እንተ ተዓገሰ። (ትዕግስቱ) ብኣምላኽ ቅቡልዩ። በደል እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩምከ እንታይ ሓበን ኣለዎ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ (ትዕግስቲ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡልዩ። ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስ ድማ ኣስኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ። ኣረኣያውን ሓደገልኩም። ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን። ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ኣይጸረፈን። መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነገሩ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ኣምላኽ ደኣ ኣሕሊፉ ሃቦምበር፡ ኣየፈራርሀን።” 1ጴጥ 219-23 .

እንሆ፡ እዚ ዕለት ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤዩ። ካብ ትማሊ ሓሙስ፡ ማለት ካብ በዓል ዕርገትጀሚርና፡ ድሮ ናብዘመነ ዕርገትኣቲና ኣለና። በዓል ዕርገት፡ ካብ ዕለተ ትንሳኤ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ዚውዕል ኵሉ ጊዜ ድማ ኣብ ሓሙስ መዓልቲ ዚውዕል። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ በዓለ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ቕንያት ከኣ ዘመነ ዕርገትይበሃል። እዚ ዘመን ዘመነ ትንሳኤ ኺውዳእ ገና ዓሰርተ መዓልታት ተሪፍዎ ኸሎ ዚጅምር። ናብ ድሕሪ ዘመነ ትንሳኤ ተሰሪዑ ዘሎ ዘመነ ጾም፡ ማለት ናብ ጾመ ሃዋርያትውን ዚዝርጋሕ ዘመንዩ። ዘመነ ዕርገት ዚነውሓሉን ዚሓጽረሉን ጊዜ ኣለዋ። በዓል ትንሳኤ ናብ መጋቢት 30 ኣብ ዝተሳሕበሉ ዓመት፡ ዘመነ ዕርገት ካብ ግንቦት 9 ክሳዕ ሰነ 17 ዀይኑ፡ ናይ 39 መዓልታት ዘመን ይኸውን። በዓለ ትንሳኤ ናብ ሚያዝያ 27 ኣብ ዝወረደሉ ዓመት ከኣ፡ ዘመነ ዕርገት ካብ ሰነ 6 ኽሳዕ ሰነ 17 ዀይኑ ናብ 11 መዓልታት ዘመን ይኸውን ማለትዩ። እዚ ዓመተ ግእዝ 2016 በዓለ ትንሳኤ ኣብ ሚያዝያ ስለ ዘኽበርና ዘመነ ዕርገት 11 መዓልታት ኪኸውን። ስለ እዚ ዘለናዮ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻብዓይ ሰንበት፡ ናይ ዘመነ ዕርገት ከኣ ቀዳማይ ሰንበትዩ። ናይ ዕለት መዝሙር ሰንበት ከኣ፡በሰንበት ዐረገ ሐመረዘርእስቱ ዀይኑ ብዛዕባ ዕርገት ጐይታና ዚገልጽዩ። ምስባኽ ናይ ዕለትዚ፡ዘምሩ ለእግዚኣብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማያትዚብል ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ቅዱስ ዳዊት ትንቢታዊ መዝሙርዩ። ናይ ዕለት ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ዮሃ 141-12 ጐይታ ንዕላማ ዕርገቱ ኣመልኪቱ ዝተዛረቦ ቓል ተስፋ ዝሓዘ (ዮሃ 141-3) እቲ ጐይታና ብኸመይ ከም ዝዓረገ ዘዘንተወልና ናይ ግብ 16-11 ንባብውን፡ ንዕርገቱን ምጽኣቱን ኣዛሚዱ ተስፋ ዘስነቐ፡ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ትንቢታዊ ቓል ዝሓቘፈዩ።

ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ልክዕ ከም ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ኣካል ናይ ብእኡ ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓንዩ። ጐይታና ዝዓረገሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዘፍስሶ ደሙ ሒዙ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ብምቕራብ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ምእንቲ ኼተዓርቐናዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምስጢር ኣብ እብ 915-26 ምስ ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ መስዋእትን ዕርቅን ስርዓት ኣዛሚዱ ገሊጽዎን ኣብሪህዎን ኣሎ (ሮሜ 59-11 834 2ቈረ 518-21 ኤፌ 17 213-18 ቈሎ 120-23 እብ 726-28 81-3,6 911-15) ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ ቕድም ናብ ህዝቢ ምስ ነጸጎሉ፡ ሒዝዎ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር የቕርቦ ነበረ። ሕድገት ሓጢኣትን ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ዚርከብ ድማ ብኸምኡዩ። ክርስቶስ ጐይታና ገንሸል ፋሲካና ዀይኑ ርእሱ መስዋእቲ ምስ ገበረ ድማ ባዕሉ መስዋእቲ፡ ባዕሉ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ገዛእ ደሙ ሒዙ ናብ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታው፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ሕድገት ሓጢኣት ከምንረክብ ብምግባር ምስኡ ኣተዓረቐና። ዘለኣለማዊ ሊቀ ካህናት ኰይኑ በቲ ህያውን ዘለኣለማውን ደሙ ገይሩ ዘለኣለማዊ ምሕረትን ዕርቅን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣውሃበና። ነቲ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደሙን ዝቘረሶ ስጋኡን ብትንሳኤኡ ህያው መስዋእቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ ብዕርገቱ ናብ ሰማያዊት መቕደስ ብምእታው፡ ንዘለኣለም ዓረቐን። እምበኣርዕርገት ኣካል ናይ ብክርስቶስ ጐይታና ዝተፈጸመ ግብሪ ድሕነትዚብል መሰረተ እምነትን ኣብ ሓቂ ዝተመርኰሰዩ።

ናይ ዕለት ኣርእስቲ ትምህርትና፡ ካብቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንባብና ዝተወስደዩ። ናይ ክርስቶስ ጐይታና ምእንታና መከራ መስቀል ኪቕበል ከሎ ዘርኣዮ ትዕግስቲ ኣርኣያ ኽንስዕብ ከም ዚግብኣና ዜስተምህር ከኣዩ። ከም ጐይታና ናብ ሰማያት ዝዓረገ፡ ንሕናውን ኣብ ዝተመደበት መዓልቲ ምጽኣት ብትንሳኤ ሙታን ዳግማይ ህይወት ለቢስና ምስ ጐይታና ኽንዓርግ ኢና። ነዚ ኽብሪ ብቝዓት ኴንና ምእንቲ ኽንርከብ፡ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስ ከነቕልብን፡ ትዕግስትና ንትዕግስቲ ክርስቶስ እትመስል ብኣምላኽ ቅብልቲ ትዕግስቲ ምዃና ኸነረጋግጽን ዝተሰርዓልና ሃንጺ መንፈሳዊ መኣዲዩ።

በደለኛ ትዕግስቲኸ ኣሎ ድዩ፧ ሰብምበር ትዕግስቲዶ ትብድልያ፧ እዚ ኣርእስትና እንታይ ዚብለና ዘሎ፧ ኣርእስትና እንታይ ይብለና ኸም ዘሎ፡ እቲ ምንጪ ኣርእስትና ዝዀነ መሪሕ ጥቕስና ጽቡቕ ገይሩ መሊስዎ ኣሎ። ብርግጽ በደል ባህርይምበር፡ ኣካል ኣይኰነን። በደል ካብ ነጻ ፍቓድ ዘለዎ ኣካል ጥራሕ ዚርከብ። ሰብ፡ ኣካልነት (personality) ስለ ዘለዎ፡ ነቲ ናይ ነጻ ፍቓድ ትዕድልቱ ብዘይ ኣገባብ ብምጥቃም በደል ይፍጸም፡ ብጥዑይ ኣገባብ ብምዝውታር ድማ ጽድቂ ይገብር። ንኽልተ ዜራኽብ ዘይብሎም ባህርያት እናዳቐለ ዋላ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት ናብ ሓጥእ ባህርያት ናይ ምልዋጥ ኣዕናዊ ዝንባለውን የርእይዩ። ፍቕሪ ምስ በለጻውነት፡ ትዕግስቲ ምስ ጽልኢ ወዘተ እናሓወሰ፡ ነቲ ኸም ሽፋን ከም መጐልበቢ ዚጥቀመሉ ጽቡቕ ባህርይ ዘይመልክዑ ኼልብሶ ይርከብዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ኣብሪህዎ ኸም ዘሎ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ናይ ሰብ ባሮት ዝነበሩ ሰባት፡ ነቶም ጐይተቶም ይብድልዎምሞ፡ ብሰሪ በደሎም ንዝወረዶም መቕጻዕቲ ብትዕግስቲ ብምቕባሎም፡ ከም ሓደ ጽቡቕ መንፈሳዊ ባህርይ ዚቝጸረሎም ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ስሑት ኣተሓሳስባ ንምእራም፡ ንኣርኣያ ክርስቶስ ብምጥቃስ ሃናጽን ኣራምን ትምህርቲ ጸሓፈሎም።

ትዕግስትና ከም ናይ ብሓቂ ጥዑይን ቅቡልን ትዕግስቲ ዚቝጸረልና፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ትዕግስቲ ምስ ዚመስል ጥራሕ ናይ ዚወርደና መከራ ጠንቂ ንሕና ባዕላትና እንተ ዄንና ግን ፈቲና ኸይፈተና ኽንቕበሎ ኢናምበር፡ መን ካልእ ደኣ ኪቕበለልናዩ። ኣይንቕበልንኢልና ኽንሃድመሉ እንተ ፈተንና ኸኣ፡ ካልእ መከራ ደኣ ንውስኸሉምበር፡ ክንሃጽመሉ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኣጸጋሚ ዝዀነና ዘሎ፡ ነቲ ብሰሪ በደልካ ዚወርደካ መቕጻዕቲ ምጽማምን፡ ነቲ ጥዕና ዘለዎ ተበዲልካ ከለኻ እትዕገሶ ቅዱስ ትዕግስትን፡ ንኽልቲኡ ብሓደ ቓል፡ትዕግስቲ ኢልና ንሰምዮ ምዃንናዩ። ርእሱ ዝኸኣለ መፍለዪ ዚዀኖ፡ ነናቱ ቓል ኪግበረሉ ዚግባእ። ትዕግስቲ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ (ሮሜ 52-4 1212 እብ 1036 1ጴጥ 413 ያእ 13-4 57 811) ኪዕገስ ንዝፈቐደሰ ሰብ፡ ምዕጋስ ኣዝዩ ኪኸብዶን ንምግባሩ ኪጭነቕን ኣይግባእንዩ። ብኣንጻሩ ዘይምዕጋስ ዓቕሉ ዜጽብበሉን እምብዛ ዚኸብዶን ባህርይ ኪዀኖ ዚግባእ። ኣዕዋፍ ኣብ ሰማይ ምብራር ባህርያዊ ትዕድልተን ስለ ዝዀነ፡ ተሓጒሰን ብቐሊሉ ዚገብራኦዩ። ከም ተመን ብኸብደን ኬንፋሕዃ እንተ ዝደልያ ግን፡ ፈጺመን ኣይምመረጻኦን፡ ኣይምኸኣልኦን ከኣ፡ ትዕግስቲ ነቲ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ ድማ፡ ልክዕ ከም ምንፋር ነዕዋፍዩ። ሰብ ግና ነቲ ባህርያዊ ትዕድልቱ ደርብዩ፡ መልክዕ ሰይጣን መሪጹን ለቢሱን ንባእስን ጽልእን ቂምታን ከም ንቡርን ቅቡልን፡ ንትዕግስትን ፍቕርን ምሕረትን ከኣ ከም ሕመቕን ድኹምነትን ናብ ምርኣይ ወዲቑ ይርከብ።

እቲ በደልን እቲ ትዕግስትን ንምንታይ በበይኑ ዘይምዘን፧ እቲ ትዕግስቲ ንምንታይ በቲ በደል ምኽንያት ዘይቅቡል ዚኸውን፧ ናይ ሕቶ መልሲ፡ ኣብ ባህርይ ናይ እግዚኣብሄር ዚምርኰስዩ። እግዚኣብሄር ፍጹምነትን ምልኣትን ዜፍቅርን ጐደሎነት ዚጽየፍን ኣምላኽዩ። ስለ ይትረፍ ኣብ ብመልክዕ ዝፈጠሮ ሰብ ኣብ ንእኡ ብመስዋእቲ ዚውፈይ እንስሳ ጒድለት ኣይዕገስን (ዘለ 12-3) ስለ ኽንእዘዝ እንተ ዄንና ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ ዚደልየና። መመሪጽና ንገሊኡ ንእዘዞ፡ ንገሊኡ ኸኣ ነፍርሶ እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ሒደት ተኣዝዞናውን ኣይቅበሎንዩ። ሓደ ሽሕ ትእዛዛት እንተ ዚህልውሞ፡ ነተን 999 ኣኽቢርና ነታ ሓንቲ ጥራሕ እንተ ነፍርስ፡ ከም መፍረስቲ ሕጊ ኸም ዘይእዙዛትምበርን ከም እዙዛት ኣይፈልጠናን፡ ኣይቅበለናን ከኣዩ። ነዚ ሓቂ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ።

ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዚርከብ፡ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅርዚብል (ንጉሳዊ) ሕጊ እንተ ደኣ ብሓቂ ፈጺምኩምዎ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም። ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ፡ መፍረስቲ ሕጊ ምዃንኩም ይረትዓኩም ኣሎ። ንብዘሎ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ (ጥራሕ) ዚብድል፡ ብዅሉ በደለኛ ዚኸውን። እቲኣይትዘምውዝበለኣይትቕተልድማ በለ። ስለ እንተ ዘይዘምኻኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረስ ሕጊ ኢኻ እዚ ሃዋርያዊ መግለጺዚ፡ ንኽብደት ናይ ሓጢኣት ኣነጺሩን ኣጕሊሑን ዜርእየናዩ። ንብዙሕ ሓጢኣት ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ ኣይተጥፍኦን ኢኻ። ከምኡ ጥራሕ ግን ኣይኰነን። በእላፋት ግብሪ ጽድቂ ንሓንቲ ሓጢኣት ኽትስርዝ ወይ ከተከሓሕስ ኣይከኣልንዩ። ብኣንጻሩ ግን ነእላፋት ግብሪ ጽድቂ ብሓንቲ ግብሪ ሓጢኣት ከም ዘይነበረ ኽትገብሮ ይከኣልዩ። እዚ ናይ ሃዋርያ ያእቆብ ቃል ነዚ ሓቂ ዜረጋግጸልና። ንሓጢኣትና ምእንቲ ኼጥፍእ፡ ሞት ናይ ቕዱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘድለየ ኣይንረስዕ። ግብሪ ሓጢኣት ብግብሪ ጽድቂ ኺከሓሓስ ዘይምኽኣሉ፡ ናይ ኣምላኽ ዘይፍትሓውነት ወይ ዘይርትዓውነት ዘይኰነስ፡ ናይ ሓጢኣት ክብደት ዜመልክተናዩ።

ዋላ ኣብ ናይ ዓለም ሕጊውን ልክዕ ከምኡዩ። ንዅሉ ሕጊ ብዘይ ዝዀነ ኣበር ሓሊና ኸነብቅዕ፡ ሓንቲ ሕጊ እንተ ጠሓስና፡ ብዛዕባ ጥሕሰትቲኣ ኸይቀጽዐ ኣይሓድገናንዩ። ንእኣ እትምጥን ቅጽዓት ይእዝዘልና። ምናልባት ሕሉፍ ታሪኽና መርሚሩ ኬቕልለልና ወይ ኬኽብደልና ይኽእል ይኸውን፡ ከይቀጽዐ ግን ኣይሓድገናንዩ። ንሓንቲ ሕጊ ስለ ዝጠሓስና፡ ንዅሉ ሕጊ ኸም ዝጠሓስና ገይሩ ግን ኣይቀጽዓናንዩ። ምኽንያቱ ከምኡ ናይ ምግባር ሥልጣንን ከኣልነትን ዘለዎ ኣምላኽ ጥራሕዩ። ይኽበድ ይቕለል ብዘየገድስ ንዝዀነ ሓጢኣት ብኣምላኽ ዚወሃብ ፍርዲ፡ ዘለኣለማዊ ሞትዩ። ካብ ፍርዲዚኣ መዋጽኦ፡ ንረክብ፡ ብሓቀኛ ንስሓ ጥራሕ ብንስሓ ምሕረት ዚርከብ ድማ፡ ኣምላኽ ነቲ ሓጢኣት ሸለል ስለ ዝበሎ ዘይኰነስ፡ ዋጋ ናይ ሓጢኣት ድሮ ብሞት ክርስቶስ ስለ ዝተኸፍለዩ። እቲ ዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ፡ ንኽብደት ሓጢኣት ኬፍኵሶ ኣይክእልንዩ። ጽድቅና፡ ይትረፍ ንሓጢኣት ኪድምስስ፡ ብገዛእ ርእሱ ኸም ጽድቂ ኪቝጸር ከም ዘይበቅዕ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ።

ኵላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን (ጽድቅናውን ከም ጨርቂ መርገም ኰነ) ኵላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቍጸናሎ።ኢሳ 646

ጽድቅና ኽሳዕ ክንድ ድኹምን ሕሱርን ስለ ዝዀነዩ። እግዚኣብሄር በቲ መሓርን ሕያዋይን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ብክርስቶስ ኬጽድቐና፡ ጽድቂ ክርስቶስ ኬልብሰና ዝፈቐደ (ኢሳ 536 ሮሜ 323-28 425 5 8 16-19 ኤፌ 25-9 1ጴጥ 318 1ዮሃ 49-10) 

ትዕግስትና ንትዕግስቲ ክርስቶስ ከይመስልን ሓጥእ ትዕግስቲ ኪቝጸርን ዚገብሮ እንታይዩ፧ መሪሕ ጥቕስና ድሮ ነቲ መልሲ ሂቡናዩ።ትዕግስቲዚበሃል፡ እናተበደልካ ምዕጋስምበር፡ እናብደልካ ምዕጋስ ኣይኰነን። እቲ በዳሊ ንስኻ ባዕልኻ እንተ ዄንካ፡ በቲ ግብርኻ ንኣኻ ዚዕገሰኻ ሰብ ኢኻ ትደልይ ዘለኻምበር፡ ባዕልኻ ተዓጋሲ ኽትከውን ኣይከኣልንዩ። ምስ ፈታኒ ድያብሎስ ተሓባቢርካ፡ ትዕግስቲ ናይ ካልኦት ክትፈታተን ኣብ ዘይቦታኻ ዝተቐመጥካ ሰብ ኢኻ ትኸውን። በዚ ፈታኒ ግብርኻ ኸኣ፡ ናይ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ኣምላኽ ትዕግስቲውን ትፈታተን ምህላውካ ኸተስተውዕል ይግባእ።

እግዚኣብሄር ዚጻምዎን ንጽድቂ ዚቘጽረልናን ትዕግስቲ ኽንዕገስ እንተ ዄንና፡ ዋላ ዝተበደልና ኣብ ዝመስለና እዋንኳ፡ ኣብ በደል ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ኢድ ከይህልወና ብጥንቃቐን ብዕምቈትን ክንምርምር ይግብኣና። ትዕግስትና እንታይ ክትመስል ከም ዚግብኣ ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ ብኸም ዚስዕብ መገዲ ገሊጹልና ኣሎ።

እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም (ዜግብር) ፈሊጥኩም፡ ብሓንቲ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ (ትዕግስትኹም) ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።ሓደ ኻባኻትኩም (ነዛ ትዕግስቲዚኣ ዚኸውን) ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሓፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሃቦውንዩ።ያእ 13-5

ስለ ሓንቲ ትዕግስቲ ጥዕና ዘለዋ ቕብልቲ ትዕግስቲ ንኽትከውን፡ ንእኣ ዜሰንይዋን ፍጹምነት ዜልብስዋን ካልኦት ኣገደስቲ ግብርታት ወይ ባህርያት ኣለው። ካብቶም መሳንይታ ፈሊኻ ንበይና ነጺልካ እንተ ሓዝካያ ልክዕ ዕርቃኑ ኸም ዝወጸ ሰብ፡ ወይ ከኣ ኣገዳሲ ኣካላት ሰብነት ከም ዝጐደሎ ስንኩል ሰብ ትኸውን። ንኣብነት ውላድና ብእልፊ በደል ላሕ ዜብለና ሕሱም ውላድ ኰይኑ፡ ንእነውርደሉ መቕጻዕቲ ግን ብዘይ ብኽያትን ኣውያትን ብዘይ ፈንጠርጠርን ጸጥ ኢሉ ስለ ዝተቐበለ፡እዚ ውሉደይሲ ዓቓልን ዕጉስን ሰብኢልና ምተሓጐስናሉዶ፧ እዚ ንሱ ዜርእዮ ዘሎ ተጻውሮ፡ ምትራር ልቢ ምልክትምበር፡ ናይ ትዕግስቲ መርኣያ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። በዚ ተጻውሮኡዚ፡በዝን ዝኸምዝን ዝጸዓደልኩምን ዝዕረየልኩምን መሲሉኩምዚብል በቲ ዝወሰድናዮ ስጕምቲውን ክንሕለልን፡ ተስፋ ኽንቈርጽን ምዃንና ዝመልእኽቱ ባህርይዩ።እዚ መቕጻዕቲ ይግብኣኒዩ፡ ይውሕደኒ ደኣዝመልእኽቱ ትዕግስቲ እንተ ዚኸውን፡ ናይ በደለኛ ስምዒት መርኣየ ብግብራዊ ስጕምቲውን መሰነዮ ነይሩ። ከም ዝዓይነቱ በደለኛ ትዕግስቲ ድማ ዝውቱር ተመክሮና ስለ ዝዀነ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኣናዩ።

በደለኛ ትዕግስቲ ዚኸውን ግን ናይ በደልቲ ትዕግስቲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናይ ተበደልቲ ትዕግስቲውንዩ። እቲ ተበዳሊ፡ ዋላ እንተ ተዓገእ ብምርረት፡ ብጽልኢ፡ ብቒምታ ይዕገስ እንተልዩ፡ ልክዕ ከምቶም ቃርማ (ጣንጡ) ኣጽርዮም ገመል ዚውሕጡ ግቡዛት ፈሪሳውያን ዚኸውን። ክንዲ ጣንጡ ዚኸውን ንእሽቶ በደል ኣጽሪኻ፡ ኣብ ክንድኡ ክንዲ ገመል ዝምግዛፉ ኻልእ በደል ትፍጽም እንተሊኻ ትርጒም ኣለዎዶ፧ ፍቕሪ፡ ካብ ኵሉ ኻልእ ባህርያትን ትእዛዛትን እታ ዝዓበየትን ቀዳመይትን ምዃና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙን ኣነጺሩን ነጊሩና (ማቴ 2234-40 ሮሜ 138-10 1ቈረ 1313) ፍቕሪ፡ ኻብቶም ንትዕግስትና ዜሰንይዋን ፍጹምነት ዜልብስዋን ግብርታት ሓንቲያ። እቲ በዳሊኛ ጸሪፉና፡ ሃሪሙና፡ ብዓመጽ ወሲዱልና ኼብቅዕ፡ ዋላ ሓንቲ ግብረ መልሲ ኸይሃብና ብትዕግስቲ ሓሊፍናዮ፡ ግን ከኣ ኣብ ውሽጥና መጠን ዘይብሉ ብርቱዕ ጽልኢ እንተ ሓዲጉልና፡ ትዕግስትና ምስ ትዕግስቲ ክርስቶስ ክትጽብጸበልና ትኽእልዶ፧ በደለኛን ኣምሰሉንምበር፡ ሓቀኛ ትዕግስቲ ኽትስመይ ኣይትበቅዕንያ። ነቲ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቈረ 131-3 ብዛዕባ ፍቕሪ ሂብዎ ዘሎ መግለጺ ብምስትውዓል ነንብቦ። እቲ ዓበይቲ ውህበታትን፡ ንድኻታት ምርዳእን ሰማእትነትን፡ ብዘይ ፍቕሪ እንተ ተገይሩ ፈጺሙ ትርጒምን ጥቕምን ከም ዘይህልዎ ብንጹር ተነጊሩና ኣሎ። ትዕግስቲ ብዘይ ፍቕሪ ድማ ዝገደደትምበር፡ ዝሓሸት ክትከውን ኣይከኣልንዩ። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኵሉ ዚወርዶ ዝነበረ ግፍዕታት፡ ነቶም ገፋዕቱ ኻብ ምፍቃርን ምሕረት ካብ ምግባርን ኪዕንቅፎ ኣይተራእየን (ሮሜ 56-10 ሉቃ 2334) ንሕና ብኸም ናቱ ዓይነት ትዕግስቲ ኽንዕገስ፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ብልባዊ ፍቕሪ ኸነፍቅሮም ከም ዚግብኣና ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ኣዚዙና ኣሎ።

“ ‘ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ። ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ ነታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኺማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደልይ እታ ኽንዳካውን ሕድገሉ። ሓደ ምዕራፍ (ሓደ ኪሎ ሜተር) ንዝስሓበካን (ባዕልካ ፈቲኻ) ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ።ማቴ 538-42

ኣብ ክፍሊዚኣ፡ ጐይታናትዕግስቲእትብል ቃል ንማለቱ ኣይተጠቕመላን። ንትርጒም ናይ ትዕግስቲ ግን፡ ብወርቃዊ ቓላት ኣቐሚጡልና እንሆ፡ ትዕግስቲ ማለት፡ ንኽፉእ ዘይምቕዋም ማለት ንኽፉእ ዘይምቅዋም እንታይ ማለት ምዃኑውን ብንጹር ግብራዊ ኣብነታት ኣብሪሁልና ኣሎ። ጒንዲ እዝንኻ ንዝለኽዓካ ሰብ፡በጃካ በዛ ኻልኣይቲ ድማ ድገመኒኢልና ኽንልምን ኣይኰነን ጐይታ ዝኣዘዘና። ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ኻልኣይ ተመሳሳሊ በደል ብትዕግስቲ ንምቕባልውን ዝተዳለኻ ኩን።ማለትዩ። ሰባት ኣብ ልዕሌና ደጋጊሞም ኪብድሉ ዜተባብዖም፡ እቲ በደሎም ኣባና ውጽኢታዊ ዀይኑ ስለ ዚርእይዎዮም። ብምኽንያት ዝወረደና በደል ከይንተክኽ ክሳዕ ዜፍርህ ብቝጥዓ ኽንቃጸል፡ ካብ ኣብ ልዕሌና ዝተዘርበ ዘይንእስ ክፉእ ክንዛረብ፡ ዝበኣስ ግብሪ መልሲ ኽንህብ ምስ ረኣዩለካ ተዓዊተሉየ፧ እምበኣር ክሳዕ ዚሓርር ግርም ገይረ ኸቃጽሎብምባል፡ ነቲ ንኣኻ ምብዳል ከም ፍሉይን ውጽኢታውን ኣጽዋር ተዓጢቖምዎ ይነብሩ። ሓደ ኪሎ ሜትር ምሉእ እናሰሓበ ኺጐትተካ ንዝመጸ እኩይ ሰብ፡እንታይ ኣዳኸመካኢልካ ባዕልኻ ክልተ ኪሎ ሜትር እንተ ኼድካሉ ግን ነቲ ተዓጢቑሉ ዝመጸ መደቡ ስለ ዘፍሸልካሉ፡ ብትዕግስቲኻ እናተገረመ ንኣኻ ምብዳል ውጽኢት ዘይርከቦ ከንቱ ሃልኪ ምዃኑ ተሰቍርዎ ተሓሊሉ ይገድፎ፡ ገለ ቝሩብ ምስትውዓል እንተልይዎ ድማ፡ ናብ ግብራዊ ንስሓ ኺበቅዕ ይኽእልዩ። ስለ በቲ ሰናይ ትዕግስቲኻ፡ ነቲ እከይ ሃቐናኡ ኣፍሺልካዮን ኣበርዒንካዮን ማለትዩ። ተቓውሞ ኣብዚሕካ እንተ ተሃላለኽካዮ ግን፡ ኣብ ንሱ ዝኣጐዶ ሓዊ ትስሕነሉ፡ ኣብ ባዕሉ ዝተኸሎ እኩይ ጓይላ ግርም ጌርካ ትስዕስዓሉ ስለ ዘለኻ፡ ብኸመይ ካልኦት ማይ-ዘይጠዓሙ ሓደስቲ ናይ ህውከት ጓይላታት ከም ዚተክል ኪጣበብ፡ ከይደቀሰ ዚሓድር ስለ ንትዕግስቲ ትዕግስቲ ዚገብራ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዒልና በገባብ እንተ ተጠቒምናላን እንተ ኣዘውቲርናያን፡ ተራ ስጋዊ ኣጽዋር ዘይኰነትሲ፡ ሓያልን ሰዓሪትን መለኮታዊት ኣጽዋር ምዃና ጽቡቕ ገይሩ ኺረኣየናዩ።

ንትዕግስትና ጽንዓትን ውጽኢታዊን ዚገብራ እንታይዩ፧ ንትዕግስትና ትዕግስቲ ዚገብራ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልና ምዕጋስና፡ መሪሕ ጥቕስና ነዛ ሓቂ ኣብ ንጹር ጠቒስዋ ኣሎ። ንትዕግስቲ፡ ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ኪምጥና ዚኽእል ኣካል የለን። ብመሰረቱ ኽንፍጠር ከለናውን፡ ምእንቲ ኣምላኽ ጥራሕምበር ምእንቲ ዝዀነ ኻልእ ኣካል ኣይተፈጠርናን። ስለ ምእንቲ ርእስና ወይ ምእንቲ ኻልእ ኢልና ኽንዕገስ ምፍታን። ንባዕላ ነታ ትዕግስቲ ዀነ ነቲ ትዕግስቲ ዝኣዘዘ ኣምላኽ ዓብይ ውርደት ዚኸውን። ዝዀነ ይኹን ናይ ጽድቂ ባህርይ ኣብ ምትግባር ዓቕሚ ንስእን ዘለና፡ ነቲ እንገብረሉ ዕላማ፡ ነንእሶን ነበላሽዎን ስለ ዘለናዩ። ዝዀነ ዓይነት ግብሪ ጽድቂ ወይ ጻድቕ ባህርይ ምእንቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ጻድቕ ኣምላኽ ኢልና ንገብሮ እንተ ዄንና ጥራሕ ኢና፡ ብፍጹምነት ክንገብሮንኽእል። ሽዑ ኸኣ ክሳዕ ሞት ብጽንዓት ክንቅጽሎንኽእል። ምእንቲ ርእስና ኢልና እንተገበርናዮን፡ ንትዕግስቲ ዚምጥን ጽድቅን ክብርን ስለ ዘይብልና፡ ልዕሊ ዓቕምና ዀይኑና ነቋርጾሞ፡ ናብ' ሓጥእ ምርጫታት ገጽናን ግልብጥ ኢልና ንእኡ ኽንገብር ንጅምር። ምእንቲ በዳሊና ወይ ምእንቲ ኻልእ ሰብ ኢልና ኽንዕገስ እንተ ጸኒሕና ደረት ትዕግስትና ማዕረ ኽብሪ ናይ ሰብ ዚድረት። ምእንቲ ኣምላኽ ጥራሕ ኢልና ኽንገብሮ ኸለና ግን፡ ኣምላኽ ልዕል ዅሉ ምኽንያታት ልዑልን ክቡርን ስለ ዝዀነ፡ ዋላ ህይወትና ኽሳዕ ምኽፋል ክሳዕ ሞት ክንዕገሰሉ ዚግብኦሞ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኽንዕገስ የኽእለናዩ። እዞም ኵሎም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ቕዱሳን ኣቦታትና ሰብ ኪጾሮ ብዘይክእል ከቢድ ስቓይን መከራን ብዓወት ኪሓልፉ ዝኽኣሉ ምኽንያት ምእንቲ ኣምላኽ ኢሎም ስለ ዝተዓገሱ ጥራሕዮም። ንሕናውን ኣብ ናይ ማሕበራዊ ህይወት ፈተናታት ኰነ፡ ኣብ ናይ እምነት ፈተናታት ዕውታት ኴንና ኽንወጽእ እንተ ዄንና፡ ዝዀነ ኻልእ ኣማራጺ የብልናን። ምእንቲ ኻልእ ምኽንያታት ንሰማዒኡ ብዜገርም ትዕግስቲ ኽንዕገስ እንተ ኸኣልና ጻማ ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኰነስ ዝኸፍአን ዝመረረን ሕማቕ ዓስቢ ዘለዎ ከንቱ ትዕግስቲ ዝኸውን ይትረፍ ትዕግስቲ ዚጠልብ ከቢድ ጕዳያት፡ ዋላ ምብላዕን ምስታይን ካልእ ኵሉ ግብርናን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢልና ክንገብሮ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልና ጥራሕ ክንነብር ዝተኣዘዝና ፍጥረት ምዃንና ኽንዝንግዕ ኣይግብኣናን (ሮሜ 147-10 2ቈረ 515 1ቈረ 1031) ብመሰረቱ ምንባርና ምእንቲ ኣምላኽ ኰይኑ እንተ ዘይጸኒሑ፡ ትዕግስቲ ዚጠልብ ኰነታት ምስ ተፈጥረ፡ ኣብ ሽዑ በጺሕና ምእንቲ ኣምላኽ ኢልና ኽንዕገስ ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ኣብ ሰላም ዝመልኦ ህዱእ ኵነታት ዘይተዘከረ ኣምላኽ፡ ኣብ ብሰሪ በደል ሃዋጽን ሃዋኽን ስምዒታት ዝተለዓዓለሉ ዅነታት፡ ከመይ ጌርካ ኺዝከር ዚኽእል፧ ሽዑ እቲ ናይ ህውከትን ባእስን ኣቦ ጓይላ ዝዀነ ድያብሎስ ጥራሕ ዚዝከርን ዚኸብርን። እቲ ዅሉ ጊዜ ምእንቲ ኣምላኽ ዚነብር ሓቀኛን ብልህን ክርስትያን ግን፡ ኣብ ልዕሊኡ በደላት ኪፍጸም ከሎ፡እንሆ ንኣምላኽ ዘኽብረሉ፡ ነቲ ናቱ ጽድቂ ዝለማመደሉ፡ ብትግስቲ ክርስቶስ ዝዕገሰሉ ወርቃዊ ዕድል መጺኡዚብል መንፈሳዊ ወኒ ዚለዓዓሎ። ኣምላኽ ከኣ ምስቶም ኵሉ ጊዜ ምእንትኡ ዚነብሩ ሰባት ስለ ዚነብር፡ እቲ ንባርያኡ ዝገጠሞ ፈተና ናቱ ጒዳይ ስለ ዝዀነ፡ ብምሉእ ሓይሉ ዚዋሳእ። በቲ ዜኽእል ጸጋኡ ገይሩ ይድግፎ። ክብሪ ናይ ትዕግስቲውን እቲ ዘኽኣለ ኣምላኽምበር፡ እቲ ዝተዓገሰ ሰብ ኣይኰነን ዚወስዶ። እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ብኸምዚዩ ንርእሱ ኻብ በደለኛ ትዕግስቲ ዜድሕን።

እምበኣር ህይወትናን ትዕግስናን ንመርምር። ትዕግስቲ ዋጋ ነፍሲ ምዃናን እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ጥራሕ ከም ዘድሕንን (ሉቃ 2119 ማቴ 1022 2413) ከይረሳዕና፡ ንትዕግስቲ ክርስቶስ ኣጥሪናያን ለቢስናያን ምህላውና ነረጋግጽ። ነዛ ክብርትን ጻድቕን ንብረትዚኣ ብሓጢኣት እናቋሰልና ዘይባህርያ ኣይነልብሳን ዘይኣበሳኣ ድማ ኣይነሰክማ። ንነፍስና ብትዕግስቲ ክርስቶስ ንሰልማን ነኽብራን።  

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

16  2024 |  9, 2016 ግዕዝ (መበል 40 ሰንበት: ቊ.፵/40)

ምስባክ

መዝ.67:32-33: ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚአብሔር ፤ ወዘምሩ ለአምላክነ ፤ ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዐርገ ውስተ ሰማይ።

አቱም መንግስትታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 10 : 1 - 13

ዲያቆን

1ይ ጴጥ 2 : 20 - ፍም

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ ሐዋ 1 : 6 - 11

ንፍቅ ካህን

ዮሐ 14 : 1 - 12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ በሰንበት ዐርገ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div