“(ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት) ክሳዕ ዘለና፡ (ብኣካል) ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና ንፈልጥ ኢና። (ግናኸ) ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና። ምኽንያቱ ብእምነት’ምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን ንነብር ዘለና። ካብ’ዚ ስጋ’ዚ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብር ድማ (ባህጊ ኣሎና)። (ኣብ’ዛ ምድሪ ብህይወት) እንተ’ለና ወይ እንተ ሞትና፡ (ንኣምላኽ) ከነሐጕስ ንጽዕት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ’ቲ ብስጋዊ ህይወቱ ኸሎ ዝገበሮ ሰናይ ወይ እኩይ (ግብሪ ዓስቢ) እምንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብ ኢና።” 2ቈረ 5፡6-10 ካ.ት
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ደጊም ናብ ምዝዛም ዘመን ትንሳኤ ገጽና ንቐርብ ኣለና። ዘመነ ትንሳኤ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ መበል 50 መዓልቱ’ዩ ዜብቅዕ። ጽባሕ ሓሙስ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ድማ “በዓል ዕርገት> ከነብዕል ኢና። ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቶም ናይ ድሕረ-ትንሳኤኡ ዓበይቲ ፍጻመታት ሓደ’ዩ። ኣብ’ቲ ዚስዕብ ሰንበት ብዛዕባ ዕርገት መዝሙር ተሰሪዑሉ ስለ ዘሎ፡ ሽዑ ኽንመሃረሉ ኢና። ነዚ ሰንበት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ግና “ፋሲካ” ዘርእስቱ’ዩ። ሓፈሻዊ ትርጕም ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ኸኣ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ (ፋሲካ ማለት ቃል ብቓሉ “ሓሊፉ” ማለት እዩ። እስራኤላውያን መልኣኽ እግዚኣብሄር ነቲ ደም እቲ ገንሸል እተለኽየ ልዳት ኣፍ ደገ ቤት እናሓለፈ ፡ ንነፍሲ ወከፍ በዅሪ ግብጺ ስለ ዝቐጽዐ፡ ንበዓሎም ፋሲካ (Passover) በልዎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ካብ ሓጢኣና ደምሲሱ ስለ ዘድሓነና፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ፋሲካ ትብሎ ኣላ ። በዚ ምኽንያት ሓፈሻዊ ትርጕን ናይ መዝሙር ከኣ “እዛ ዕለት እዚኣ ቅድስቲ ብምዃና ንተሓጐስን ባህ ድማ ይበለናን። እዛ ዕለት እዚ ምጽንናዕን ዕረፍትን እያ። ሰማይን ምድርን ብእኣ ባህ ይበሎም። ፋስካ መዘከርታ በዓል ጐይታና እያ” ይብል)። እቲ በዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ፡ ንባብ ቅዱስ ወንጌል። ብዛዕባ’ቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ሻብዓይ ርእሱ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ምስ ተመልሰ’ሞ፡ ጐይታ ኣብኡ ኸም ዝተገልጸሎም ዳግማይ’ውን ናብ’ቲ ናይ ሃዋርያት ተልእኾኡ ኸም ዝመለሶ ዚትርኽ ክፍሊ ናይ ወንጌል ዮሃንስ’ዩ። እዛ ፍጻመ’ዚኣ ቅድሚ ዕርገቱ ንደቀ መዛሙርቱ ብእኩብ ዝተራእየላ ናይ መወዳእታ ጊዜ’ዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ዝተራእዮም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም’ዩ ዝነበረ። እዚ ናይ ሕጂ ግና ኣብ ምድሪ ገሊላ፡ ኣብ ባሕሪ ጥብርያዶስ (ባሕሪ ገሊላ)’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተፈጸመ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምራት፡ ንኻልኣይ ጊዚኡ ዝተፈጸመ’ዩ። ካብ ሞያ ምግፋፍ ዓሳ፡ ናብ ናይ ሃዋርያነት ምግፋፍ ሰብ ኬሰጋግሮ ኸሎ፡ ብናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምራት’ዩ ዝነበረ (ሉቃ 5፡1-11)። ካብ ምግፋፍ ሰብ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ኺምለስ ንብጾቱ መሪሕዎም ምስ ከደ፡ ናብ’ታ ሰማያዊት ናይ ሃዋርያነት ናይ ምግፋፍ ሰብ ኣገልግሎቱ ኺመልሶ ኸሎ ድማ፡ ነታ ተኣምራት’ቲኣ ብምድጋም መለሶ። ጐይታና ምዃኑ ኼለልይዋ ዚኸኣሉ፡ ብመልክዑ ወይ ብድምጹ ዘይኰነ፡ በቲ ንሱ ጥራይ ዚገብሮ ፍሉይ ተኣምራቱ’ዩ። ወንጌላዊ ሉቃስ፡ ክሳዕ ዕለተ ዕርገቱ ጐይታና ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ይዋስኦምን የገልግሎምን ከም ዝነበረ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“ክሳዕ’ታ ዝዓረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሓረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም። ድሕሪ ስቅያቱ (ትንሳኤኡ) 40 መዓልታት እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘራኣዮምን ጽሒፈልካ ኣለኹ።” ግብ 1፡2-3
ሓደ ኻብ’ቲ ብዙሕ መፈለጥታታት ከኣ፡ እቲ ኣብ’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምራት’ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ካብ’ታ ጐይታና ኣብ ኢድ ጸላእቱ ወዲቑ ዝተታሕዘላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ንጐይታ ብዙሕ ኣየሐጐሶን። ጐይታና ተታሒዙ ኣብ ኢድ’ቶም ሕሱማት ኣይሁድ ኣትዩ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ሊቃነ ካህናት ምስ ቈመ፡ “ምስኡ ነይሩ’ዩ” ዚብል ክስሲ ምስ ቀረበሉ፡ “ነዚ ሰብኣይ’ዚ ኣይፈልጦን’የ” ኢሉ ኸሓደ። እንተ ዀነ ዘይከም ይሁዳ፡ ብመሪር ብኽያት ልባ’ውን ሓያልን ንስሓ ስለ ዝኣተወ፡ ካብ ስፍራን ማዕርግን ናይ ሃዋርያነቱ ኣይተዓንቀፈን። ንጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ብዓይኑ ድሕሪ ምርኣዩን፡ ምስኡ ድሕሪ ምብላዑን ድማ፡ ናብ’ቲ ቐደም ቀቢጹ ዝሓደጎ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ዋኒኑን ስርሑን ኪምለስ፡ ንሽዱሽተ ኻልኦት መሪሑ ምስ ከደ ኸኣ፡ ንጐይታ ኣየሓጐሶን(ሉቃ 24፡41-43 ፣ ግብ 10፡40,41)። ነቲ ነታ ናብ ኣገልግሎት ዝጸውዓሉ ቐዳመይቲ ተኣምራት ድሕሪ ምድጋም፡ ናብ’ታ ሃዋርያትዊ ኣገልግሎቱ ኺመልሶ ዳግማይ ተራእዮ። ኣብ’ቲ ዚስዕብ ክፍሊ ናይ’ቲ ምዕራፍ እንተ ኣንበብናዮ፡ “ካብ’ዚኣቶም ኣብሊጽካ’ተፍቅረኒ እንተ ዄንካ፡ ኣባጊዐይ ኣብልዕ፡ ኣባጊዐይ ሓልው” ብምባል ብኣገልግሎቱ ዀነ ብሞቱ ኺስዕቦ ጸውዖን ኣዘዞን፡ በቲ ንሱ ዝገበሮን ጐይታና ዝተዛረቦን፡ ማዕረ ኽንደይ ሕልናኡ ኸም ዝተወቕሰ’ውን ወንጌላዊ ዮሃንስ ገሊጽዎ ኣሎ (ዮሃ 21፡15-23)። እቲ መልእኽቶ ነቶም ሓቢሮም ናብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመልሱ ሾብዓተ ሃዋርያት ድማ’ምበር፡ ንቕዱስ ጴጥሮስ ጥራይ ኣይነበረን። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንዅላቶም ሃዋርያት ወኪሉ፡ “እንሆ ንሕና ንዅሉ ሓዲግና ስዓብናካ፡ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና።” ኢሉ ሓቲቱስ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስን ዜተባብዕን መልሲ ዝረኸበሉ እዋን ነይሩ’ዩ (ማቴ 19፡27-30)። ካብ’ዚ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ታሪኽን፡ ካብ’ቲ ጐይታ ንኣታቶም ዝገበረሎምን ዝተዛረቦምን ተማሂርና፡ ነቲ ንጐይታ ዜሐጕስ ጸዓት ክንዕቅቦን ከነሐይሎን፡ ነዚ ሃዋርያዊ ኣስተምህሮ’ዚ ብምስትውዓል ክንመሃሮን ከነተግብሮን ይግብኣና።
ንኣምላኽ ኸነሐጕስ ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ነቲ ንኣና ዜሐጕስከ ደኣ ብዘይካና መን ካልእ’ዩ ኺገብሮ፧ ንእግዚኣብሄር ኸነሐጕሶ ዜድልየሉ ምኽንያት ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ንሕና ደቂ ሰባት ዝተፈጠርናሉ ዕላማን ናይ ህይወት ተልእኾናን ንሱ ስለ ዝዀነ’ዩ (ኤፌ 2፡10 ፣ ቲቶ 3፡8,14)። ኪፈጥረና ኸሎ፡ ዘይከም ካልእ ኵሉ ፍጥረት፡ ብናቱ መልክዕን ምስልን ዝፈጠረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ካብ’ቲ ናቱ ባህርይ ስለ ዝተኻፈልና፡ እንታይ ከም ዜሐጕሶን እንታይ ከም ዝጌጕህዮን ዚፈልጥን ግብርታት ዚመዝንን ሕልና ኣሎና። ስለ’ዚ ንእግዚኣብሄር ዜሐጕሶ ኽንፈልጥን ክንገብርን ዜኽእለና፡ ምሉእ ተፈጥሮኣውን ባህርያውን ብቕዓት ኣሎና ማለት’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እግዚኣብሄር ኪፈጥረና ኸሎ፡ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ዘሎና ሰባት ገይሩ’ዩ ዝፈጠረና። እዚ ማለት ከኣ፡ ፈቲና ኽንገብር፡ እንተ ዘይደለና ኸኣ ክንኣብይ ወይ ክንገድፍ ንኽእለሉ ስልጣንን መሰልን ኣሎና። እዚ መሰል’ዚ ግና ተሓታትነት ዘለዎ መሰል’ዩ። ነቲ ናይ ነጻ ፍቓድ መሰልና ነቲ ዝሃበና ኣምላኽ ኣብ ምኽባር እንተ ተጠቒምናሉ፡ ካብ ኣምላኽ ክቡር ዓስቢ ንረክብ። ብኣንጻሩ ንኣምላኽ ነቲ ፈጣሪና ብዘየኽብር መገዲ እንተ ተጠቐምናሉ ግን፡ መሪር ፍርዲ ንቕበለሉ ማለት’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ናይ ምርጫ ዕድል ዝሃበና ግን ንኼፈንጥረና ዘይኰነ ብፍታው፡ ፍቓድናን ንፍቓዱ ኣግዚእና፡ ናብ መለኮታዊ ኽብሪ እንኣትወሉ ሓለፋን ዕድልን ኪህበና ስለ ዝደለየ’ዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ገዛእ ፍቓዶም መስዋእቲ ብምግባር፡ ነቲ ልኡላውን ቅዱስን ፍቓዱ ብዚገብሩ ሰባት’ዩ ዝሕጐስ። ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ፍቓድካ መስዋእቲ ምግባር፡ ልክዕ ብህይወትካ መስዋእቲ ኸም ምግባር ዚቝጸር ክብሪ’ዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ህይወትካ ንመስዋእትነት ኣሕሊፍካ ምሃብ ዚኽእልዋ፡ እቶም ንዅሉ ፍቓዶም መስዋእቲ ኺገብሩ ዘይሽገሩ ሰባት ጥራሕ’ዮም። እዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ህይወት ከኣ ዝለዓለ ናይ መንፈሳዊ ብስለትን መንፈሳዊ ኽብርን መለክዒ’ዩ። ነታ ኽብርቲ መንግስቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚወርስዋ፡ እቶም ገበርቲ ፍቓዱ ጥራሕ ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ማቴ 7፡21-23)።
እቲ ንኣና ዜሐጕሰና ምግባር ግን ንኣና ዝተዋህበ ተልእኾ ኣይኰነን። ንኣምላኽ ከም ዚሕጐስ ምግባር፡ ናትና ናይ ህይወት ተልእኾ እንተ ዀይኑ፡ ናትና ምሕጓስ ከኣ ናይ ኣምላኽ ግደ’ዩ ዚኸውን። ናትና ሓጐስ ከም ዓስቢ ኻብ ኣምላኽ እንቕበሎ’ምበር፡ ከም ተልእኾና ወሲድና ባዕላትና እንዕጠቐሉን እንሃልከሉን ኣይኰነን። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ እቲ ዝለዓለ ምኽንያት ናይ ሓጐስና፡ እቲ ንኣምላኽ ከነሐጕስ ምኽኣልና’ዩ። እቲ ዝዓበየን ፍጹምን ሓጐስና ግን፡ ኣብ ሰማያት ኣብ’ቲ ዓስብና እንቕበለሉ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣተና እንረኽቦ’ዩ። ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኪቕበሎ ዚኽእል ሓጐስ፡ ኣብ ክልተ’ዩ ዚኽፈል። ንሱ ኸኣ መንፈሳዊ ወይ ከኣ ስጋዊ ሓጐስ’ዩ። ስጋዊ ሓጐስ፡ ስጋዊ ነገራት ዚወልዶ ሓጐስ’ዩ። ምብላዕ ምስታይ፡ ገንዘብን ንብረትን ምጥራይ መውስቦን ውላድን ምርካብ፡ ትምህርትን ስራሕን ምርካብ፡ ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ምርካብ፡ ስልጣንን ማሕበራዊ ኽብርን ምርካብ፡ ምንዝርናን ዝርጋንን ጸወታን ጓይላን ወዘተ ዝኣመሰሉ ጒዳያት ንዓለማዊ ሰብ ጊዝያዊ ሓጐስ ዚህብዎ ፍጻመታት’ዮም። ነቲ መንፈሳዊ ሰብ ገለ ኻብ’ዞም ፍጻመታት’ዚኣቶም ዜድልይዎን ዜሐጕስዎን’ኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ቐንድን መሰረታውን ሓጐሱ ኣይኰኑን። ምእንቲ መንፈሳዊ ሓጐሱ ኢሉ መስዋእቲ ኺገብሮም ዚኽእል ዓይነት’ዮም። እቲ ንሰዓብቲ ኣምላኽ ዝተመደበ መንፈሳዊ ሓጐስ ግን፡ ኵሉ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ጥራሕ ዘተኰረ’ዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ፣ ትእዛዛቱ ምሕላው ፣ እግዚኣብሄር ብህይወትካን ብኣገልግሎትካን ከቢሩ ምርኣይ ፣ ብደረጃ ህዝቢ ዀነ ብውልቀ ሰባት እግዚኣብሄር ኪኸብር ምርኣይ ፣ ሰባት ናብ እግዚኣብሄር ብንስሓ ኺመለሱ፡ ካብ ክሕደት ናብ እምነት፡ ካብ ዓለማውነት ናብ መንፈሳውነት ኪበቕዑ ምርኣይ ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጕዳያት፡ ነቲ ሃቀና ክርስትያን ብመንፈሳዊ ሓጐስ ዜጽግብዎ ጕዳያት’ዮም።
ኣምላኽ ከም ዚሕጐስ ናይ ምግባር ድርኺትና ኣብ ምንታይ’ዩ ኺምርኰስ ዚግብኦ? መሪሕ ጥቕስና ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ብዛዕባ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ከለና ዝገበርናዮ ዅሉ ግብሪ፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብን ግቡእ ዓስብና ኽንቅበልን ኢና። ስለ’ዚ ንኣምላኽ ናይ ምሕጐስ ጸዓትና ድማ በዚ ኽውንነት’ዚ’ዩ ዚድረኽ። ምጽኣት ዘይሓስብ ኣእምሮ፡ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምሕጐስ ዚሓስበሉ ሕልናን ሓይልን ኣይህልዎን’ዩ። ንኣምላኽ ምሕጐስ ልክዕ ከም’ዚ ንስኡናት ምርዳእ ዝዓይነቱ፡ ናይ ግብረ-ሰናይ ተግባር ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ሓጐስ ስለ ዚውሕዶስ፡ ክንምላኣሉ ኢልና ‘ንገብሮ ግብሪ ኣይኰነን። (ሓጐስ፡ ናይ ኣምላኽ ባህርይ’ዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ’ዩ ዚሕጐስ። ብገዛእ ባህርዩ፡ ብገዛእ ተግባሩ’ዩ ዚሕጐስ) (ዘዳ 30፡ 9-10 ፣ ኢሳ 62፡5 ፣65፡19 ፣ ኤር 24፡6 ፣ 32፡ 40-41 ፣ ጸፎ 3፡16-17 ፣ ሉቃ 10፡21) ፍጥረት ዚውስኸሉ ዀነ ዜጕድለሉ ሓጐስ የብሉን። ሰናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግን፡ ንሕና ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዕላማን ተልእኾን ክንዕወተሉ ኸለና፡ እቲ ኸምኡ እንረኽቦ ረብሓን ክብርን፡ ብዛዕባና ኺሕጐስ ይገብሮ’ዩ ኤሊፋዝ ቴማናውን ኤሊሁ ቡዛውን (ኣዕሩክ እዮብ) ብዛዕባ’ዚ ሓቂ’ዚ ዜገርም ሓሳብ ጽሒፎም ኣለው።
“ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕም ይኽእል’ዩ፧ ኣይፋሉን፡ እቲ (ጥበበኛ) ንርእሱ’ዩ ዚጠቅም። እቲ ዅሉ ዚኽእል (ኣምላኽሲ) ጻድቕ ብምዃንካዶ ዚረኽቦ ሓገዝ ኣለዎ’ዩ። ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ፡ ካብኡዶ ረብሓ ኣለዎ’ዩ፧ ዚዘልፈካ ወይስ ምሳኻ ናብ ፍርዲ ዚኣትው፡ (ገለ ኸይትገብሮ) ስለ ዚፈርሃካ ድዩ፧” እዮ 22፡2-4
“እዮብ፥ <ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ’የ> ምባልካ ቕኑዕ ኣይኰነን። ንእግዚኣብሄር ከኣ፡ <እንተ በደልኩ፡ ንኣኻ እንታይ (ገይረካ)፧ እንተ ዘይበደልኩኻ እንታይ’ዩ ረብሓይ፧> ትብሎ ኣለኻ። . . . እንተ በደልካ ንእግዚኣብሄ እንታይ ትገብሮ፧ ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ እንታይ ትጐድኦ፧ ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ ንኣምላኽ እንታይ ትህቦ፧ ካብ ኢድካ ዘቕብሎኸ እንታይ’ዩ። ሓጢኣትካ ንዝኸማኻ ሰብ (ይጐድኦ ይኸውን)። ጽድቅኻ’ውን ንሰብ (ይጠቕሞ ይኸውን)፧” እዮ 35፡2,3,6-8 (ካ.ት + ቀ.ት)
“ኢዮብ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ እየ’ ምባልካ ቕኑዕ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ከኣ ‘እንተ በደልኩ ንኣኻ እንታይ ይብጽሓካ፧ እንተ ዘይበደልኩኸ እንታይ እዩ ረብሓይ’ ትብሎ ኣሎኻ። . . . እንተ በደልካ፥ ንእግዚኣብሄር እንታይ ትገብሮ፧ ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ፥ እንታይ ትጐድኦ፧ ጻድቕ እንተ ኾንካ ንኣምላኽ እንታይ ትህቦ፧ ካብ ኢድካ ዚቕበሎኸ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣትካ ንዝኸማኻ ሰብ እዩ ዚጐድእ፥ ጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ እዩ ዚጠቅሞ። (ኢዮ 35፡2-3 ፣ 6-8 ካ.ት)
ስለ’ዚ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ነገር ክንገብር ከለና፡ ንኣምላኽ ንሕግዞ፡ ዝጐደሎ ነገር ንምልኣሉ ኸም ዘለና ሕያዎት ሰባት ጌርና ንርእስና ኸይንርእያ ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ኵሉ’ቲ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኢልና ‘ንገብሮ፡ ምእንቲ ርእስና ኢልና ኢና ‘ንገብሮ። ዓስቢ ናይቲ’ቲ ዝገበርናዮ ንእኡ ዜሐጕሶ ግብሪ ድማ፡ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ንባረኸሉ’ኳ እንተ ዀንና፡ እቲ ቐንድን ዘለኣለማውን ዓስቡ ግን ኣብ ምጽኣት ጐይታና ኢና ንቕበሎ (ማቴ 19፡27,30 ፣ 1ጴጥ 1፡6-9 ፣ 4፡13,14)። ስለ’ዚ ኸኣ “ተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ’ቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን፡ “ ዚብል ሃዋርያዊ ቃል ተዋህበና (1ጴጥ 1፡13 ካ.ት)። ጐይታና ባዕሉ ዀነ ዅላቶም ሃዋርያቱ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ደጋጊሞም ብኣጽንዖት ዚምሕጸኑናን ዜዘኻኽሩናን፡ ብምጽኣቱ ኽንረብሕ’ምበር፡ ከይንጕዳእ’ዩ። ንዅሉ መንፈሳውን ማሕበራውን ህይወትና ብመንጽር ምጽኣት ኢና ኽንመርሖን ከነማእዝኖን ዚግብኣና። ኵሉ ጊዜ ምጽኣቱ ቐልጢፉ ኸም ዚፍጸም ክንሓስብን ብእኡ መሰረት ከኣ ክንዳለውን’ምበር ከም’ቶም ብስሑት እምነት ተደሪኾም፡ “ትንሳኤ ሙታን የለን፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዚብሉ ወይ’ውን ከም’ቶም ብፍቕሪ ዓለም ተዋሒጦም፡ ጐይታ ኺድንጒየሎም ዚምነዩን፡ “ኪድንጕይ’ዩ” ኢሎም ዚኣምኑን ክንከውን ኣይግባእን’ዩ (2ጴጥ 3፡4 ማቴ 4፡48-51)። ንምጽኣት ዘይምዝካርን ዘይምትስፋውን፡ ንህይወትካ’ውን ብእኡ ዘይምምራሕን ነዚ ምድራዊ ህይወትካ ብሓጢኣት ዜጋዕዝይን፡ ንዘለኣለማዊ መጻኢኻ ድማ ዜጸልምትን መንፈሳዊ ድንቍርና’ዩ።
ነቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስን ዘየሐጕስን ግብርታትከ ብኸመይ ኢና ‘ንፈልጦ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና፡ እቲ ንኣምላኽ ዜሕጕሶን ዘየሐጕሶን ኣብ ልብና ኣብ ሕልናና ጽሑፍ’ዩ (ሮሜ 1፡18,19 ካ.ት ፣ 2፡12-16 ካ.ት)። ስለ’ዚ ድማ’ዩ እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ፈጺሞም ሰሚዖም ዘይፈልጡ ኣረማውያን፡ ኣብ ምጽኣቱ በቲ ኣብ ውሽጦም ዝተጻሕፈ ሕጊ-ሕልና ዚፍረዱ (ሮሜ 2፡14-16)። ንኣና ንክርስትያን ህዝቢ ግና፡ እቲ ምስጢር ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዋሂቡና’ዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶን ዘየሐጕሶን ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝርን ብንጹር ኣገባብን ሰፊሩልና ኣሎ። እቲ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ምሉእ ፍቓድ ዘለዎ ክርስትያን፡ ነዚ ቕዱስ መጽሓፍ’ዚ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን የንብቦን ይምርምሮን፡ ነቲ ዝተገልጸሉን ዝቐደሶምን ሓቂ ድማ ብግብሪ ይፍጽሞ። እቲ ይትረፍ ኪምርሓሉ፡ ኣብ ገዝኡ ኸም ዘሎ’ኳ ዘይዝክሮን ፈጺሙ ዘየንብቦን <ክርስትያን> ግን፡ ንህይወቱ ብደመ ነፍሲ፡ ብሃሰሰ ለባም ስለ ዚመርሓ፡ ንእግዚኣብሄር ኬጕህዮን ኬቘጥዖን’ምበር፡ ኬሐጕሶ ዘይደልይ ዓለወኛ ሰብ’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብሓጐስ ምንባርን ምምርማርን ዘለዎ መንፈሳዊ ረብሓ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ብምኽሪ ረሲኣን (ሰባት) ዘይመላለስ፡ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም (ምስ መላገጽቲ ሰባት) ዘይቅመጥ፡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፡ ነቲ ሕጉ’ውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ’ዩ። ንሱ ከም’ታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉ’ውን ይሰልጦ።”
እዚ ቕዱስ መልእኽቲ’ዚ፡ ክልተ ኣገደስቲ ረብሓታት ናይ ምምርማር ቃል-ኣምላኽ ጠቒሱልና ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ረብሓ፡ ካብ’ቲ ንኣምላኽ ዘየሐጕሶን ዜጕህዮን ግብርታትን ዝምድናታትን የርሕቐና ምዃኑ’ዩ። እቲ ኻልኣይ ረብሓ ድማ፡ ነቲ ንእግዚኣብሄር ዜሐጕሶ ናይ ጽድቂ ፍረ ኽንፈርይ ዜኽእለና ምዃኑ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ኬሐጕስን፡ ምድራዊ ህይወቱ ኪቕድሶን ዘለኣለማዊ መጻኢኡ ኼጸብቕን ዝተዓጥቀ ክርስትያን፡ ንህይወቱ ኣብ’ቲ ናይ ህይወት ዓይኒ ማይን ፈለግን ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ’ዩ ዚተኽላ። ንቓል ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ኼንብቦን ኪምርምሮን ኬጽንዖን ኪእዘዞን፡ ብስብከት ኪሰምዖን ልዑል ሓጐስ ዘይሰምዖ ክርስትያን፡ መሪር ሳዕቤንን ዜኸትል ገለ መንፈሳዊ ጸገም ከም ዘለዎ፡ ፈጺሙ ዘየጠራጥር’ዩ። እግዚኣብሄር ንቕዱስ ዳዊት “ዝኸም ልበይ፡ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ከም ልበይ ዝበለ ሰብኣይ” ኢሉ መስኪሩሉ ኣሎ (ግብ 13፡22 ፣ 2ሳሙ 13፡14)። ካብ’ቲ ንኣምላኽ ዘሐጐስ ልማዱን ተግባሩን ሓደ ድማ፡ ብዛዕባ ቓል እግዚኣብሄር ዝነበሮ ዕዙዝ ሓጐስ’ዩ (መዝ 119፡14,16,24,35,47,70,77,92,111,143,162,174)። ናይ ብሓቂ ኸነሐጕሶ እንደልይ ሰባት እንተ ዄንና፡ ንኣና’ውን ካብ’ዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ዝተፈልየ ኻልእ ምርጫ ኺህልወና ኣይክእልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ።
“ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ። . . . ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ። . . . ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ። . . . መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፣ ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ። . . . ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ ኣሎ። “
ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዜሐጕስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጠሉ እንኽእል ጥበብ እንታይ ምዃኑ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“. . . ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም’ሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ (እንታይ ምዃኑ) እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።” ኤፌ 5፡8-9።
እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ’ዚ ብዛዕባ ምምርማር ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ኣይኰነን ዚዛረበና ዘሎ። ብዛዕባ ዅሉ ነገር ክንምርምር ዚእዝዝዘና’ዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ መርሚርና ኸነብቅዕ፡ ንእኡ መሰረት ብምግባር፡ ንኻልእ ኵሉ ነገርና ዘይምርምር እንተ ዄንና እንታይ ትርጕም ኣለዎ። ቅዱስ ጽሑፋት ኣንቢብናን መርሚርናን ብዝረከብናዮ ብርሃን፡ ንህይወት፡ ግብርና፡ ዝምድናታትና፡ ዘለናዮ ዘሕለፍናዮን፡ ኵሉ ዅነታትን ክንምርምር ይግብኣና። ሽዑ ኢና ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወትና ዘሐጐስናዮን ዘየሐጐስናዮን ፈሊጥና ብዛዕባ ፍሽለትና ሓቀኛ ንስሓ፡ ብዛዕባ ዓወትና ድማ ልባዊ ምስጋና ኸነቕርብ ንኽእል ። ካብ’ዚ ናይ ሕሉፍ ተመክሮና ተላዒልና ድማ ንህልዊ ኣካይዳናን ንናይ መጻኢ ውሳነታትናን ከነተካኽልን ከነጥዕዮን ‘ንኽእል። ከከም መዓልትና ዝሃበናን ከከም ዝመስለና፡ ብሃውሪ ንመላለስ እንተ ዄንና ግን፡ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ፍረ ኺርከበና ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ንመንፈሳዊ ህይወትና፡ ብኸም’ዚ ኣቦታትና፡ “ኣይ ከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካ፡ ዕዳጋ ኸም ዝጸንሓካ” ዚብልዎ ኣገባብ ክንመርሓ ኣይግብኣናን’ዩ። እዛ ዓለም’ዚኣ ናይ ሓጢኣትን ርኽሰትን ዕዳጋ’ያ። በቲ ንሳ ዘቕረበትልና ዅነታት ንምራሕ እንተ ዄንና፡ ንድያብሎስ ክሳዕ እንዳረጎ ክንስይጥን ኢና። እቲ ዕዳጋ ዚደለየ ይኹንን ይበልን ብዘየገድስስ፡ ንሕና ግና በታ ኣምላኽ ዝኣዘዘልናን ዚሕጐሰልናን መገዲ ጥራሕ ክንመላለስ’ዩ ዚግባእ። ብዕዳጋ ሓጢኣት ካብ ምርባሕ ምእንቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክንጕዳእ’ዩ ዜሕሸና፡ ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ ምጽኣት ምስ ኰነ፡ ኣብ’ታ መንበር ፍርዲ እታ ዘስሓተትና ዓለም ዘይኰነትሲ፡ እቲ ዘጕሃናዮ ኣምላኽ’ዩ ተቐሚጡ ዚጸንሓናን ዚፈርደናን። ስለ’ዚ ሚዛን ኣተሓሳስባና ብቓል እግዚኣብሄር ድሕሪ ምትኽኽኻልና፡ ዝዀነ ይኹን ቅድሚ ምዝራብናን ምግባርናን “ኣብ’ዛ ዅነታት’ዚኣ ብኸመይ’የ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፧ ነዚ ኵነትት’ዚ ብኸመይ’የ ኣብ ምጽኣቱ ጽቡቕ ዝፍደየሉ፧” ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። ናይ ድኹም ሰብ ነገር ኰይኑና ኣብ ዝተዓንቀፍናሉን ንኣምላኽ ብዘጕሃናሉን ዅሉ ጉዳያት ድማ፡ ንህይወት ብዚኸውን ዘየጣዕስ ንስሓ ንእግዚኣብሄር ክንድብሶ ይግብኣና።
ንእግዚኣብሄር ኣብ ምሕጓስ ኵሉ ጊዜ ኺዕወት ዚኽእል ሰብ መን’ዩ፧ እቲ ምስጢር ዓወቱኸ እንታይ’ዩ፧ ጐይታና ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኬሐጕሶን ኬኽብሮን ዚኽእል፡ እቲ ገዛእ ርእሱ ዝቐበጸ ሰብ ጥራሕ’ዩ (ማቴ 16፡24,25 ፣ ማር 8፡34, ፣ ሉቃ 9፡23)። እቲ ንገዛእ ርእሱ ዝቐበጸ ሰብ፡ ንርእሱ ኬኽብር ኣይደልይን’ዩ። ርእሱ ኪቐብጽ ዚደልየሉ ምኽንያት ከኣ ንኣምላኽ ኬሐጕሶን ኬኽብሮን ስለ ዝደለየ’ዩ። ስለ’ዚ ይትረፍ ግብሪ ጽድቂ ምዝውታር፡ ዋላ ህይወትካ መስዋእቲ ምግባር ዚጠልብ ኵነታት እንተ ኣጋጠሞ’ውን፡ ድሕሪ ኣይብልን’ዩ። ጐይታና ነቲ ዝለኣኾ ኣቦ’ምበር፡ ንርእሱ ኬኽብር ስለ ዘይደለየ፡ ንገዛእ ፍቓዱ ሓዲጉ ፍቓድ ናይ ኣቦኡ ጥራሕ ይደልይ ነበረ (ዮሃ 4፡34 ፣ 5፡30 ፣ 6፡38 ፣ 7፡18 8፡54 ፣ ፊል 2፡6-8 ፣ እብ 5፡5 ፣ ሮሜ 15፡2,3)። “ . . . ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር’የ’ሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን’ዩ፡” ብምባል’ውን ኣርኣያዊ ተኣምሮኡ ሂቡና ኣሎ (ዮሃ 8፡29)። እቲ ብኣገልግሎቱ ንኣምላኽ ዘስመረ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን
“ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን፡ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን’ዩ። ከም ክብርቲ ገይረ’ውን ኣይርእያን’የ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ’ዩ።”
ክሳዕ ምባል በጺሑ’ዩ (ግብ 20፡24) እቲ ኽሳዕ ፍጹምነት ኣብ ምብጻሕ ዝተዓወተ ቅዱስ እዮብ’ውን፡ “ኣነስ ፍጹም’የ፡ ንነፍሰይ’ኳ ግዲ የብለይ፡ ንህይወተይ’ውን እንዕቃ’የ።” ኢሉና’ሎ እዮ 9፡21)። ስለ’ዚ ጐይታና ብዓብ’ዩ ዀነ እቶም ኣብነታውያንን ዕውታትን ቅዱሳንን ኣቦታትና፡ በዚ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምቕባጽ ጥበብ ከም ዝተዓወቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ’ዩ ዜረጋገጸልና፡ ምዕዶን ጸሎትን ናይ ቅዱሳን ሃዋርያ እንታይ ምዃኑ
“ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈረኹም፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹም፡ ንእኡ ዚበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፡ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኸተሐጕስዎ፡ ንጽልይ ኣሎና።” ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ፡ ምስናይ’ቲ ንእኡ እነሓጕሰሉ መገድታት ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ (ቈሎ 1፡10 ካ.ት)። ስለ’ዚ ንሕና’ውን ናይ ህይወት ተልእኾና ንጐይታና ብዅሉ ነገርና ኸም ዚሕጐስ ምግባር ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ገዛእ ርእስና ብምቕባጽ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ሓጐስን ክብረትን ከይደለና፡ ንኣምላኽ ብዅለንተናና ኸነሐጕሶ ኽንጽዕት ይግብኣና። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘየሐጕስዎ፡ ከቢድ ፍርዲ’ዩ ዚወርዶም (1ቈረ 10፡5,6 ፣ 1ተሰ 2፡15,16 ፣ ኢሳ 65፡12 ፣ 66፡3,4)። ነቶም ንእኡ ዜሐጕስ ዚሓርዩ ግን፡ ናብ’ቲ ናቱ መለኮታዊ ሓጐስን ክብርን ኬእትዎም’ዩ (ማቴ 25፡20-23)። ስለ’ዚ ንእኡ ንኸነሐጕስ፡ ኣብ’ቲ ናቱ ዜኽእል ጸጋ ብምልኣት ተወኪልና፡ ብመንፈሱ ኺረድኣና ኣብ ጸሎት ተጸሚድና፡ ብምሉእ ሓይልና ኽንጽዕተሉን ክንተግሃሉን ይግብኣና።
እምበኣር ምልስ ኢልና ሕሉፍን ህልውን ህይወትና ንመርምር። ንሓጐስ ኣምላኽ እነዕዝዝ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ’ቲ መለኮታዊ ሓጐሱ ኽንካፈል እንበቅዕን ሰባት ምዃንና ነረጋግጽ። ንእግዚኣብሄር ከም ዚጕህይ ብምግባር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣይንፍረድን ኣይንጨክንን። ነቲ ንእግዚኣብሄር እነሐጕስሉ ዅሉ መገድታት መርሚርና ማዕረ ስምና ንፍለጦ። ኣዚና እንመልኮን እንሕጐሰሉን ጥበብና ንግበሮ። ነቲ ፍጹምን ዘለኣለማውን ሓጐስ ደኣ ነማዕድው’ምበር፡ በዚ ፈኵስን በናንን ምድራዊ ሓጐስ ኣይንጠበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
9 ሰነ 2024 | ሰነ 2, 2016 ግዕዝ (መበል 39 ሰንበት: ቊ.፴፱/39) |
||
ምስባክ መዝ. 84 : 5 - 6 ብፁዓን ኵሎሙ እለ ይነብሩ ውስተ ቤትከ ፤ ወለዓለመ ዓለም ይሴብሑከ ፤ ብፁዕ ብእሲ ዘእምኀቤከ ረድኤቱ እግዚኦ። አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ይ ቆሮ 14 : 29 - ፍም |
ዲያቆን |
|
ያዕ 5 : 12 - 16 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ ሐዋ 13 : 24 - 31 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 7 : 24 - 35 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ