S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

(ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት) ክሳዕ ዘለና፡ (ብኣካል) ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና ንፈልጥ ኢና። (ግናኸ) ኵሉ ሳዕ ትብዓት ኣሎና። ምኽንያቱ ብእምነትምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን ንነብር ዘለና። ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብር ድማ (ባህጊ ኣሎና) (ኣብ ምድሪ ብህይወት) እንተለና ወይ እንተ ሞትና፡ (ንኣምላኽ) ከነሐጕስ ንጽዕት ኣለና። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ ብስጋዊ ህይወቱ ኸሎ ዝገበሮ ሰናይ ወይ እኩይ (ግብሪ ዓስቢ) እምንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብ ኢና።” 2ቈረ 56-10 .

እንሆ እዚ ዕለት ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤዩ። ደጊም ናብ ምዝዛም ዘመን ትንሳኤ ገጽና ንቐርብ ኣለና። ዘመነ ትንሳኤ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ መበል 50 መዓልቱ ዜብቅዕ። ጽባሕ ሓሙስ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ድማበዓል ዕርገት> ከነብዕል ኢና። ዕርገት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ናይ ድሕረ-ትንሳኤኡ ዓበይቲ ፍጻመታት ሓደዩ። ኣብ ዚስዕብ ሰንበት ብዛዕባ ዕርገት መዝሙር ተሰሪዑሉ ስለ ዘሎ፡ ሽዑ ኽንመሃረሉ ኢና። ነዚ ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ግናፋሲካዘርእስቱዩ። ሓፈሻዊ ትርጕም ናይ መዝሙር ኸኣ ከም ዚስዕብ (ፋሲካ ማለት ቃል ብቓሉሓሊፉማለት እዩ። እስራኤላውያን መልኣኽ እግዚኣብሄር ነቲ ደም እቲ ገንሸል እተለኽየ ልዳት ኣፍ ደገ ቤት እናሓለፈ ንነፍሲ ወከፍ በዅሪ ግብጺ ስለ ዝቐጽዐ፡ ንበዓሎም ፋሲካ (Passover) በልዎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ካብ ሓጢኣና ደምሲሱ ስለ ዘድሓነና፡ ቤተ ክርስቲያን ነዚ  ፋሲካ ትብሎ ኣላ በዚ ምኽንያት ሓፈሻዊ ትርጕን ናይ መዝሙር ከኣእዛ ዕለት እዚኣ ቅድስቲ ብምዃና ንተሓጐስን ባህ ድማ ይበለናን። እዛ ዕለት እዚ ምጽንናዕን ዕረፍትን እያ። ሰማይን ምድርን ብእኣ ባህ ይበሎም። ፋስካ መዘከርታ በዓል ጐይታና እያይብል) እቲ በዚ መዝሙር ዝተሰርዐ፡ ንባብ ቅዱስ ወንጌል። ብዛዕባ ቅዱስ ጴጥሮስ ሻብዓይ ርእሱ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ምስ ተመልሰሞ፡ ጐይታ ኣብኡ ኸም ዝተገልጸሎም ዳግማይውን ናብ ናይ ሃዋርያት ተልእኾኡ ኸም ዝመለሶ ዚትርኽ ክፍሊ ናይ ወንጌል ዮሃንስዩ። እዛ ፍጻመዚኣ ቅድሚ ዕርገቱ ንደቀ መዛሙርቱ ብእኩብ ዝተራእየላ ናይ መወዳእታ ጊዜዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ዝተራእዮም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ። እዚ ናይ ሕጂ ግና ኣብ ምድሪ ገሊላ፡ ኣብ ባሕሪ ጥብርያዶስ (ባሕሪ ገሊላ)’ዩ። እቲ ኣብ እዋን ዝተፈጸመ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምራት፡ ንኻልኣይ ጊዚኡ ዝተፈጸመዩ። ካብ ሞያ ምግፋፍ ዓሳ፡ ናብ ናይ ሃዋርያነት ምግፋፍ ሰብ ኬሰጋግሮ ኸሎ፡ ብናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምራት ዝነበረ (ሉቃ 51-11) ካብ ምግፋፍ ሰብ ናብ ምግፋፍ ዓሳ ኺምለስ ንብጾቱ መሪሕዎም ምስ ከደ፡ ናብ ሰማያዊት ናይ ሃዋርያነት ናይ ምግፋፍ ሰብ ኣገልግሎቱ ኺመልሶ ኸሎ ድማ፡ ነታ ተኣምራትቲኣ ብምድጋም መለሶ። ጐይታና ምዃኑ ኼለልይዋ ዚኸኣሉ፡ ብመልክዑ ወይ ብድምጹ ዘይኰነ፡ በቲ ንሱ ጥራይ ዚገብሮ ፍሉይ ተኣምራቱዩ። ወንጌላዊ ሉቃስ፡ ክሳዕ ዕለተ ዕርገቱ ጐይታና ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ይዋስኦምን የገልግሎምን ከም ዝነበረ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ክሳዕ ዝዓረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሓረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም። ድሕሪ ስቅያቱ (ትንሳኤኡ) 40 መዓልታት እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘራኣዮምን ጽሒፈልካ ኣለኹ።ግብ 12-3

ሓደ ኻብ ብዙሕ መፈለጥታታት ከኣ፡ እቲ ኣብ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ተኣምራትዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ካብ ጐይታና ኣብ ኢድ ጸላእቱ ወዲቑ ዝተታሕዘላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ ንጐይታ ብዙሕ ኣየሐጐሶን። ጐይታና ተታሒዙ ኣብ ኢድቶም ሕሱማት ኣይሁድ ኣትዩ፡ ኣብ ቅድሚቶም ሊቃነ ካህናት ምስ ቈመ፡ምስኡ ነይሩዚብል ክስሲ ምስ ቀረበሉ፡ነዚ ሰብኣይ ኣይፈልጦንኢሉ ኸሓደ። እንተ ዀነ ዘይከም ይሁዳ፡ ብመሪር ብኽያት ልባውን ሓያልን ንስሓ ስለ ዝኣተወ፡ ካብ ስፍራን ማዕርግን ናይ ሃዋርያነቱ ኣይተዓንቀፈን። ንጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ብዓይኑ ድሕሪ ምርኣዩን፡ ምስኡ ድሕሪ ምብላዑን ድማ፡ ናብ ቐደም ቀቢጹ ዝሓደጎ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ዋኒኑን ስርሑን ኪምለስ፡ ንሽዱሽተ ኻልኦት መሪሑ ምስ ከደ ኸኣ፡ ንጐይታ ኣየሓጐሶን(ሉቃ 2441-43 ግብ 1040,41) ነቲ ነታ ናብ ኣገልግሎት ዝጸውዓሉ ቐዳመይቲ ተኣምራት ድሕሪ ምድጋም፡ ናብ ሃዋርያትዊ ኣገልግሎቱ ኺመልሶ ዳግማይ ተራእዮ። ኣብ ዚስዕብ ክፍሊ ናይ ምዕራፍ እንተ ኣንበብናዮ፡ካብዚኣቶም ኣብሊጽካተፍቅረኒ እንተ ዄንካ፡ ኣባጊዐይ ኣብልዕ፡ ኣባጊዐይ ሓልውብምባል ብኣገልግሎቱ ዀነ ብሞቱ ኺስዕቦ ጸውዖን ኣዘዞን፡ በቲ ንሱ ዝገበሮን ጐይታና ዝተዛረቦን፡ ማዕረ ኽንደይ ሕልናኡ ኸም ዝተወቕሰውን ወንጌላዊ ዮሃንስ ገሊጽዎ ኣሎ (ዮሃ 2115-23) እቲ መልእኽቶ ነቶም ሓቢሮም ናብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመልሱ ሾብዓተ ሃዋርያት ድማምበር፡ ንቕዱስ ጴጥሮስ ጥራይ ኣይነበረን። ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ንዅላቶም ሃዋርያት ወኪሉ፡እንሆ ንሕና ንዅሉ ሓዲግና ስዓብናካ፡ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና።ኢሉ ሓቲቱስ፡ ኣዝዩ ዜሐጕስን ዜተባብዕን መልሲ ዝረኸበሉ እዋን ነይሩ (ማቴ 1927-30) ካብ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ታሪኽን፡ ካብ ጐይታ ንኣታቶም ዝገበረሎምን ዝተዛረቦምን ተማሂርና፡ ነቲ ንጐይታ ዜሐጕስ ጸዓት ክንዕቅቦን ከነሐይሎን፡ ነዚ ሃዋርያዊ ኣስተምህሮ ብምስትውዓል ክንመሃሮን ከነተግብሮን ይግብኣና።

ንኣምላኽ ኸነሐጕስ ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ ነቲ ንኣና ዜሐጕስከ ደኣ ብዘይካና መን ካልእ ኺገብሮ፧ ንእግዚኣብሄር ኸነሐጕሶ ዜድልየሉ ምኽንያት ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ንሕና ደቂ ሰባት ዝተፈጠርናሉ ዕላማን ናይ ህይወት ተልእኾናን ንሱ ስለ ዝዀነ (ኤፌ 210 ቲቶ 38,14) ኪፈጥረና ኸሎ፡ ዘይከም ካልእ ኵሉ ፍጥረት፡ ብናቱ መልክዕን ምስልን ዝፈጠረሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ካብ ናቱ ባህርይ ስለ ዝተኻፈልና፡ እንታይ ከም ዜሐጕሶን እንታይ ከም ዝጌጕህዮን ዚፈልጥን ግብርታት ዚመዝንን ሕልና ኣሎና። ስለ ንእግዚኣብሄር ዜሐጕሶ ኽንፈልጥን ክንገብርን ዜኽእለና፡ ምሉእ ተፈጥሮኣውን ባህርያውን ብቕዓት ኣሎና ማለትዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እግዚኣብሄር ኪፈጥረና ኸሎ፡ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ዘሎና ሰባት ገይሩ ዝፈጠረና። እዚ ማለት ከኣ፡ ፈቲና ኽንገብር፡ እንተ ዘይደለና ኸኣ ክንኣብይ ወይ ክንገድፍ ንኽእለሉ ስልጣንን መሰልን ኣሎና። እዚ መሰል ግና ተሓታትነት ዘለዎ መሰልዩ። ነቲ ናይ ነጻ ፍቓድ መሰልና ነቲ ዝሃበና ኣምላኽ ኣብ ምኽባር እንተ ተጠቒምናሉ፡ ካብ ኣምላኽ ክቡር ዓስቢ ንረክብ። ብኣንጻሩ ንኣምላኽ ነቲ ፈጣሪና ብዘየኽብር መገዲ እንተ ተጠቐምናሉ ግን፡ መሪር ፍርዲ ንቕበለሉ ማለትዩ። ከም ዝበለ ናይ ምርጫ ዕድል ዝሃበና ግን ንኼፈንጥረና ዘይኰነ ብፍታው፡ ፍቓድናን ንፍቓዱ ኣግዚእና፡ ናብ መለኮታዊ ኽብሪ እንኣትወሉ ሓለፋን ዕድልን ኪህበና ስለ ዝደለየዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ገዛእ ፍቓዶም መስዋእቲ ብምግባር፡ ነቲ ልኡላውን ቅዱስን ፍቓዱ ብዚገብሩ ሰባት ዝሕጐስ። ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ፍቓድካ መስዋእቲ ምግባር፡ ልክዕ ብህይወትካ መስዋእቲ ኸም ምግባር ዚቝጸር ክብሪ ዘለዎ። ምኽንያቱ ህይወትካ ንመስዋእትነት ኣሕሊፍካ ምሃብ ዚኽእልዋ፡ እቶም ንዅሉ ፍቓዶም መስዋእቲ ኺገብሩ ዘይሽገሩ ሰባት ጥራሕዮም። እዚ ዝዓይነቱ መንፈሳዊ ህይወት ከኣ ዝለዓለ ናይ መንፈሳዊ ብስለትን መንፈሳዊ ኽብርን መለክዒዩ። ነታ ኽብርቲ መንግስቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚወርስዋ፡ እቶም ገበርቲ ፍቓዱ ጥራሕ ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ (ማቴ 721-23)

እቲ ንኣና ዜሐጕሰና ምግባር ግን ንኣና ዝተዋህበ ተልእኾ ኣይኰነን። ንኣምላኽ ከም ዚሕጐስ ምግባር፡ ናትና ናይ ህይወት ተልእኾ እንተ ዀይኑ፡ ናትና ምሕጓስ ከኣ ናይ ኣምላኽ ግደ ዚኸውን። ናትና ሓጐስ ከም ዓስቢ ኻብ ኣምላኽ እንቕበሎምበር፡ ከም ተልእኾና ወሲድና ባዕላትና እንዕጠቐሉን እንሃልከሉን ኣይኰነን። ኣብ ምድሪዚኣ እቲ ዝለዓለ ምኽንያት ናይ ሓጐስና፡ እቲ ንኣምላኽ ከነሐጕስ ምኽኣልናዩ። እቲ ዝዓበየን ፍጹምን ሓጐስና ግን፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ዓስብና እንቕበለሉ መንግስተ ሰማያት ምስ ኣተና እንረኽቦዩ። ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኪቕበሎ ዚኽእል ሓጐስ፡ ኣብ ክልተ ዚኽፈል። ንሱ ኸኣ መንፈሳዊ ወይ ከኣ ስጋዊ ሓጐስዩ። ስጋዊ ሓጐስ፡ ስጋዊ ነገራት ዚወልዶ ሓጐስዩ። ምብላዕ ምስታይ፡ ገንዘብን ንብረትን ምጥራይ መውስቦን ውላድን ምርካብ፡ ትምህርትን ስራሕን ምርካብ፡ ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ምርካብ፡ ስልጣንን ማሕበራዊ ኽብርን ምርካብ፡ ምንዝርናን ዝርጋንን ጸወታን ጓይላን ወዘተ ዝኣመሰሉ ጒዳያት ንዓለማዊ ሰብ ጊዝያዊ ሓጐስ ዚህብዎ ፍጻመታትዮም። ነቲ መንፈሳዊ ሰብ ገለ ኻብዞም ፍጻመታትዚኣቶም ዜድልይዎን ዜሐጕስዎን እንተ ዀኑ፡ እቲ ቐንድን መሰረታውን ሓጐሱ ኣይኰኑን። ምእንቲ መንፈሳዊ ሓጐሱ ኢሉ መስዋእቲ ኺገብሮም ዚኽእል ዓይነትዮም። እቲ ንሰዓብቲ ኣምላኽ ዝተመደበ መንፈሳዊ ሓጐስ ግን፡ ኵሉ ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ጥራሕ ዘተኰረዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ትእዛዛቱ ምሕላው እግዚኣብሄር ብህይወትካን ብኣገልግሎትካን ከቢሩ ምርኣይ ብደረጃ ህዝቢ ዀነ ብውልቀ ሰባት እግዚኣብሄር ኪኸብር ምርኣይ ሰባት ናብ እግዚኣብሄር ብንስሓ ኺመለሱ፡ ካብ ክሕደት ናብ እምነት፡ ካብ ዓለማውነት ናብ መንፈሳውነት ኪበቕዑ ምርኣይ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጕዳያት፡ ነቲ ሃቀና ክርስትያን ብመንፈሳዊ ሓጐስ ዜጽግብዎ ጕዳያትዮም።

ኣምላኽ ከም ዚሕጐስ ናይ ምግባር ድርኺትና ኣብ ምንታይ ኺምርኰስ ዚግብኦ? መሪሕ ጥቕስና ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ ብዛዕባ ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት ከለና ዝገበርናዮ ዅሉ ግብሪ፡ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብን ግቡእ ዓስብና ኽንቅበልን ኢና። ስለ ንኣምላኽ ናይ ምሕጐስ ጸዓትና ድማ በዚ ኽውንነት ዚድረኽ። ምጽኣት ዘይሓስብ ኣእምሮ፡ ንኣምላኽ ብዛዕባ ምሕጐስ ዚሓስበሉ ሕልናን ሓይልን ኣይህልዎንዩ። ንኣምላኽ ምሕጐስ ልክዕ ከም ንስኡናት ምርዳእ ዝዓይነቱ፡ ናይ ግብረ-ሰናይ ተግባር ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ሓጐስ ስለ ዚውሕዶስ፡ ክንምላኣሉ ኢልናንገብሮ ግብሪ ኣይኰነን። (ሓጐስ፡ ናይ ኣምላኽ ባህርይዩ። እግዚኣብሄር ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዚሕጐስ። ብገዛእ ባህርዩ፡ ብገዛእ ተግባሩ ዚሕጐስ) (ዘዳ 30 9-10 ኢሳ 625 6519 ኤር 246 32 40-41 ጸፎ 316-17 ሉቃ 1021) ፍጥረት ዚውስኸሉ ዀነ ዜጕድለሉ ሓጐስ የብሉን። ሰናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግን፡ ንሕና ነቲ ዝተፈጠርናሉ ዕላማን ተልእኾን ክንዕወተሉ ኸለና፡ እቲ ኸምኡ እንረኽቦ ረብሓን ክብርን፡ ብዛዕባና ኺሕጐስ ይገብሮ ኤሊፋዝ ቴማናውን ኤሊሁ ቡዛውን (ኣዕሩክ እዮብ) ብዛዕባ ሓቂ ዜገርም ሓሳብ ጽሒፎም ኣለው።

ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕም ይኽእልዩ፧ ኣይፋሉን፡ እቲ (ጥበበኛ) ንርእሱ ዚጠቅም። እቲ ዅሉ ዚኽእል (ኣምላኽሲ) ጻድቕ ብምዃንካዶ ዚረኽቦ ሓገዝ ኣለዎዩ። ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ፡ ካብኡዶ ረብሓ ኣለዎዩ፧ ዚዘልፈካ ወይስ ምሳኻ ናብ ፍርዲ ዚኣትው፡ (ገለ ኸይትገብሮ) ስለ ዚፈርሃካ ድዩ፧እዮ 222-4

እዮብ፥ <ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ> ምባልካ ቕኑዕ ኣይኰነን። ንእግዚኣብሄር ከኣ፡ <እንተ በደልኩ፡ ንኣኻ እንታይ (ገይረካ) እንተ ዘይበደልኩኻ እንታይ ረብሓይ፧> ትብሎ ኣለኻ። . . . እንተ በደልካ ንእግዚኣብሄ እንታይ ትገብሮ፧ ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ እንታይ ትጐድኦ፧ ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ ንኣምላኽ እንታይ ትህቦ፧ ካብ ኢድካ ዘቕብሎኸ እንታይዩ። ሓጢኣትካ ንዝኸማኻ ሰብ (ይጐድኦ ይኸውን) ጽድቅኻውን ንሰብ (ይጠቕሞ ይኸውን)” እዮ 352,3,6-8 (. + .)

ኢዮብኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ እየምባልካ ቕኑዕ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ከኣእንተ በደልኩ ንኣኻ እንታይ ይብጽሓካ፧ እንተ ዘይበደልኩኸ እንታይ እዩ ረብሓይትብሎ ኣሎኻ። . . . እንተ በደልካ፥ ንእግዚኣብሄር እንታይ ትገብሮ፧ ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ፥ እንታይ ትጐድኦ፧ ጻድቕ እንተ ኾንካ ንኣምላኽ እንታይ ትህቦ፧ ካብ ኢድካ ዚቕበሎኸ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣትካ ንዝኸማኻ ሰብ እዩ ዚጐድእ፥ ጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ እዩ ዚጠቅሞ። (ኢዮ 352-3 6-8 .)

ስለ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ነገር ክንገብር ከለና፡ ንኣምላኽ ንሕግዞ፡ ዝጐደሎ ነገር ንምልኣሉ ኸም ዘለና ሕያዎት ሰባት ጌርና ንርእስና ኸይንርእያ ኽንጥንቀቕ ይግብኣና። ኵሉ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኢልናንገብሮ፡ ምእንቲ ርእስና ኢልና ኢናንገብሮ። ዓስቢ ናይቲ ዝገበርናዮ ንእኡ ዜሐጕሶ ግብሪ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንባረኸሉ እንተ ዀንና፡ እቲ ቐንድን ዘለኣለማውን ዓስቡ ግን ኣብ ምጽኣት ጐይታና ኢና ንቕበሎ (ማቴ 1927,30 1ጴጥ 16-9 413,14) ስለ ኸኣተስፋኹም ብምሉኡ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ እትረኽብዎ ጸጋ ይኹን፡ዚብል ሃዋርያዊ ቃል ተዋህበና (1ጴጥ 113 .) ጐይታና ባዕሉ ዀነ ዅላቶም ሃዋርያቱ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ደጋጊሞም ብኣጽንዖት ዚምሕጸኑናን ዜዘኻኽሩናን፡ ብምጽኣቱ ኽንረብሕምበር፡ ከይንጕዳእዩ። ንዅሉ መንፈሳውን ማሕበራውን ህይወትና ብመንጽር ምጽኣት ኢና ኽንመርሖን ከነማእዝኖን ዚግብኣና። ኵሉ ጊዜ ምጽኣቱ ቐልጢፉ ኸም ዚፍጸም ክንሓስብን ብእኡ መሰረት ከኣ ክንዳለውንምበር ከምቶም ብስሑት እምነት ተደሪኾም፡ትንሳኤ ሙታን የለን፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ዚብሉ ወይውን ከምቶም ብፍቕሪ ዓለም ተዋሒጦም፡ ጐይታ ኺድንጒየሎም ዚምነዩን፡ኪድንጕይኢሎም ዚኣምኑን ክንከውን ኣይግባእን (2ጴጥ 34 ማቴ 448-51) ንምጽኣት ዘይምዝካርን ዘይምትስፋውን፡ ንህይወትካውን ብእኡ ዘይምምራሕን ነዚ ምድራዊ ህይወትካ ብሓጢኣት ዜጋዕዝይን፡ ንዘለኣለማዊ መጻኢኻ ድማ ዜጸልምትን መንፈሳዊ ድንቍርናዩ።

ነቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስን ዘየሐጕስን ግብርታትከ ብኸመይ ኢናንፈልጦ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና፡ እቲ ንኣምላኽ ዜሕጕሶን ዘየሐጕሶን ኣብ ልብና ኣብ ሕልናና ጽሑፍ (ሮሜ 118,19 . 212-16 .) ስለ ድማ እቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ፈጺሞም ሰሚዖም ዘይፈልጡ ኣረማውያን፡ ኣብ ምጽኣቱ በቲ ኣብ ውሽጦም ዝተጻሕፈ ሕጊ-ሕልና ዚፍረዱ (ሮሜ 214-16) ንኣና ንክርስትያን ህዝቢ ግና፡ እቲ ምስጢር ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዋሂቡናዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶን ዘየሐጕሶን ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝርን ብንጹር ኣገባብን ሰፊሩልና ኣሎ። እቲ ንኣምላኽ ኬሐጕስ ምሉእ ፍቓድ ዘለዎ ክርስትያን፡ ነዚ ቕዱስ መጽሓፍ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን የንብቦን ይምርምሮን፡ ነቲ ዝተገልጸሉን ዝቐደሶምን ሓቂ ድማ ብግብሪ ይፍጽሞ። እቲ ይትረፍ ኪምርሓሉ፡ ኣብ ገዝኡ ኸም ዘሎ ዘይዝክሮን ፈጺሙ ዘየንብቦን <ክርስትያን> ግን፡ ንህይወቱ ብደመ ነፍሲ፡ ብሃሰሰ ለባም ስለ ዚመርሓ፡ ንእግዚኣብሄር ኬጕህዮን ኬቘጥዖንምበር፡ ኬሐጕሶ ዘይደልይ ዓለወኛ ሰብዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብሓጐስ ምንባርን ምምርማርን ዘለዎ መንፈሳዊ ረብሓ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ብምኽሪ ረሲኣን (ሰባት) ዘይመላለስ፡ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም (ምስ መላገጽቲ ሰባት) ዘይቅመጥ፡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፡ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእዩ። ንሱ ከም ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ፡ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።

እዚ ቕዱስ መልእኽቲዚ፡ ክልተ ኣገደስቲ ረብሓታት ናይ ምምርማር ቃል-ኣምላኽ ጠቒሱልና ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ረብሓ፡ ካብ ንኣምላኽ ዘየሐጕሶን ዜጕህዮን ግብርታትን ዝምድናታትን የርሕቐና ምዃኑዩ። እቲ ኻልኣይ ረብሓ ድማ፡ ነቲ ንእግዚኣብሄር ዜሐጕሶ ናይ ጽድቂ ፍረ ኽንፈርይ ዜኽእለና ምዃኑዩ። ስለ እቲ ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ኬሐጕስን፡ ምድራዊ ህይወቱ ኪቕድሶን ዘለኣለማዊ መጻኢኡ ኼጸብቕን ዝተዓጥቀ ክርስትያን፡ ንህይወቱ ኣብ ናይ ህይወት ዓይኒ ማይን ፈለግን ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚተኽላ። ንቓል ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ኼንብቦን ኪምርምሮን ኬጽንዖን ኪእዘዞን፡ ብስብከት ኪሰምዖን ልዑል ሓጐስ ዘይሰምዖ ክርስትያን፡ መሪር ሳዕቤንን ዜኸትል ገለ መንፈሳዊ ጸገም ከም ዘለዎ፡ ፈጺሙ ዘየጠራጥርዩ። እግዚኣብሄር ንቕዱስ ዳዊትዝኸም ልበይ፡ ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር ከም ልበይ ዝበለ ሰብኣይኢሉ መስኪሩሉ ኣሎ (ግብ 1322 2ሳሙ 1314) ካብ ንኣምላኽ ዘሐጐስ ልማዱን ተግባሩን ሓደ ድማ፡ ብዛዕባ ቓል እግዚኣብሄር ዝነበሮ ዕዙዝ ሓጐስ (መዝ 11914,16,24,35,47,70,77,92,111,143,162,174) ናይ ብሓቂ ኸነሐጕሶ እንደልይ ሰባት እንተ ዄንና፡ ንኣናውን ካብ ናይ ቅዱስ ዳዊት ዝተፈልየ ኻልእ ምርጫ ኺህልወና ኣይክእልን፡ ኣይግባእን ከኣዩ።

ብመገዲ ምስክራትካ ኸም ብዅሉ ሃብቲ ገይረ ተሐጐስኩ።  . . . ብእኡ ባህ ኢሉኒ እዩ እሞ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኣመላልሰኒ። . . . ሕግኻ ደስታይ እንተ ዘይነብርሲ፣ ዛጊት ብመከራይ ምጠፋእኩ ነይረ። . . . መከራን ሽጋርን ረኸበኒ፣ ትእዛዛትካ ግና ደስታይ እዩ።  . . . ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ይብለኒ ኣሎ።

ቅዱስ ጳውሎስውን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዜሐጕስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጠሉ እንኽእል ጥበብ እንታይ ምዃኑ ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

“. . . ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹምሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ (እንታይ ምዃኑ) እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።ኤፌ 58-9

እዚ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ብዛዕባ ምምርማር ቅዱሳት ጽሑፋት ጥራይ ኣይኰነን ዚዛረበና ዘሎ። ብዛዕባ ዅሉ ነገር ክንምርምር ዚእዝዝዘናዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ መርሚርና ኸነብቅዕ፡ ንእኡ መሰረት ብምግባር፡ ንኻልእ ኵሉ ነገርና ዘይምርምር እንተ ዄንና እንታይ ትርጕም ኣለዎ። ቅዱስ ጽሑፋት ኣንቢብናን መርሚርናን ብዝረከብናዮ ብርሃን፡ ንህይወት፡ ግብርና፡ ዝምድናታትና፡ ዘለናዮ ዘሕለፍናዮን፡ ኵሉ ዅነታትን ክንምርምር ይግብኣና። ሽዑ ኢና ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወትና ዘሐጐስናዮን ዘየሐጐስናዮን ፈሊጥና ብዛዕባ ፍሽለትና ሓቀኛ ንስሓ፡ ብዛዕባ ዓወትና ድማ ልባዊ ምስጋና ኸነቕርብ ንኽእል ካብ ናይ ሕሉፍ ተመክሮና ተላዒልና ድማ ንህልዊ ኣካይዳናን ንናይ መጻኢ ውሳነታትናን ከነተካኽልን ከነጥዕዮንንኽእል። ከከም መዓልትና ዝሃበናን ከከም ዝመስለና፡ ብሃውሪ ንመላለስ እንተ ዄንና ግን፡ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ፍረ ኺርከበና ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ንመንፈሳዊ ህይወትና፡ ብኸም ኣቦታትና፡ኣይ ከም ኣዴኻ ዝለኣኸትካ፡ ዕዳጋ ኸም ዝጸንሓካዚብልዎ ኣገባብ ክንመርሓ ኣይግብኣናንዩ። እዛ ዓለምዚኣ ናይ ሓጢኣትን ርኽሰትን ዕዳጋያ። በቲ ንሳ ዘቕረበትልና ዅነታት ንምራሕ እንተ ዄንና፡ ንድያብሎስ ክሳዕ እንዳረጎ ክንስይጥን ኢና። እቲ ዕዳጋ ዚደለየ ይኹንን ይበልን ብዘየገድስስ፡ ንሕና ግና በታ ኣምላኽ ዝኣዘዘልናን ዚሕጐሰልናን መገዲ ጥራሕ ክንመላለስ ዚግባእ። ብዕዳጋ ሓጢኣት ካብ ምርባሕ ምእንቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክንጕዳእ ዜሕሸና፡ ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ ምጽኣት ምስ ኰነ፡ ኣብ መንበር ፍርዲ እታ ዘስሓተትና ዓለም ዘይኰነትሲ፡ እቲ ዘጕሃናዮ ኣምላኽ ተቐሚጡ ዚጸንሓናን ዚፈርደናን። ስለ ሚዛን ኣተሓሳስባና ብቓል እግዚኣብሄር ድሕሪ ምትኽኽኻልና፡ ዝዀነ ይኹን ቅድሚ ምዝራብናን ምግባርናንኣብ ዅነታትዚኣ ብኸመይ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፧ ነዚ ኵነትት ብኸመይ ኣብ ምጽኣቱ ጽቡቕ ዝፍደየሉ፧ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። ናይ ድኹም ሰብ ነገር ኰይኑና ኣብ ዝተዓንቀፍናሉን ንኣምላኽ ብዘጕሃናሉን ዅሉ ጉዳያት ድማ፡ ንህይወት ብዚኸውን ዘየጣዕስ ንስሓ ንእግዚኣብሄር ክንድብሶ ይግብኣና።

ንእግዚኣብሄር ኣብ ምሕጓስ ኵሉ ጊዜ ኺዕወት ዚኽእል ሰብ መንዩ፧ እቲ ምስጢር ዓወቱኸ እንታይዩ፧ ጐይታና ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኬሐጕሶን ኬኽብሮን ዚኽእል፡ እቲ ገዛእ ርእሱ ዝቐበጸ ሰብ ጥራሕ (ማቴ 1624,25 ማር 834, ሉቃ 923) እቲ ንገዛእ ርእሱ ዝቐበጸ ሰብ፡ ንርእሱ ኬኽብር ኣይደልይንዩ። ርእሱ ኪቐብጽ ዚደልየሉ ምኽንያት ከኣ ንኣምላኽ ኬሐጕሶን ኬኽብሮን ስለ ዝደለየዩ። ስለ ይትረፍ ግብሪ ጽድቂ ምዝውታር፡ ዋላ ህይወትካ መስዋእቲ ምግባር ዚጠልብ ኵነታት እንተ ኣጋጠሞውን፡ ድሕሪ ኣይብልንዩ። ጐይታና ነቲ ዝለኣኾ ኣቦምበር፡ ንርእሱ ኬኽብር ስለ ዘይደለየ፡ ንገዛእ ፍቓዱ ሓዲጉ ፍቓድ ናይ ኣቦኡ ጥራሕ ይደልይ ነበረ (ዮሃ 434 530 638 718 854 ፊል 26-8 እብ 55 ሮሜ 152,3) “ . . . ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብርሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንንዩ፡ብምባልውን ኣርኣያዊ ተኣምሮኡ ሂቡና ኣሎ (ዮሃ 829) እቲ ብኣገልግሎቱ ንኣምላኽ ዘስመረ ቅዱስ ጳውሎስውን

ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን፡ ንህይወተይ ኣየናሕስየላንዩ። ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይርእያንየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽዩ።

ክሳዕ ምባል በጺሑ (ግብ 2024) እቲ ኽሳዕ ፍጹምነት ኣብ ምብጻሕ ዝተዓወተ ቅዱስ እዮብውን፡ ኣነስ ፍጹምየ፡ ንነፍሰይ ግዲ የብለይ፡ ንህይወተይውን እንዕቃየ።” ኢሉና እዮ 921) ስለ ጐይታና ብዓብ ዀነ እቶም ኣብነታውያንን ዕውታትን ቅዱሳንን ኣቦታትና፡ በዚ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምቕባጽ ጥበብ ከም ዝተዓወቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዜረጋገጸልና፡ ምዕዶን ጸሎትን ናይ ቅዱሳን ሃዋርያ እንታይ ምዃኑ

ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ እናፈረኹም፡ ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹም፡ ንእኡ ዚበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፡ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኸተሐጕስዎ፡ ንጽልይ ኣሎና።” ብምባል ቅዱስ ጳውሎስ፡ ምስናይ ንእኡ እነሓጕሰሉ መገድታት ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ (ቈሎ 110 .) ስለ ንሕናውን ናይ ህይወት ተልእኾና ንጐይታና ብዅሉ ነገርና ኸም ዚሕጐስ ምግባር ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ ገዛእ ርእስና ብምቕባጽ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ሓጐስን ክብረትን ከይደለና፡ ንኣምላኽ ብዅለንተናና ኸነሐጕሶ ኽንጽዕት ይግብኣና። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘየሐጕስዎ፡ ከቢድ ፍርዲ ዚወርዶም (1ቈረ 105,6 1ተሰ 215,16 ኢሳ 6512 663,4) ነቶም ንእኡ ዜሐጕስ ዚሓርዩ ግን፡ ናብ ናቱ መለኮታዊ ሓጐስን ክብርን ኬእትዎም (ማቴ 2520-23) ስለ ንእኡ ንኸነሐጕስ፡ ኣብ ናቱ ዜኽእል ጸጋ ብምልኣት ተወኪልና፡ ብመንፈሱ ኺረድኣና ኣብ ጸሎት ተጸሚድና፡ ብምሉእ ሓይልና ኽንጽዕተሉን ክንተግሃሉን ይግብኣና።

እምበኣር ምልስ ኢልና ሕሉፍን ህልውን ህይወትና ንመርምር። ንሓጐስ ኣምላኽ እነዕዝዝ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ መለኮታዊ ሓጐሱ ኽንካፈል እንበቅዕን ሰባት ምዃንና ነረጋግጽ። ንእግዚኣብሄር ከም ዚጕህይ ብምግባር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣይንፍረድን ኣይንጨክንን። ነቲ ንእግዚኣብሄር እነሐጕስሉ ዅሉ መገድታት መርሚርና ማዕረ ስምና ንፍለጦ። ኣዚና እንመልኮን እንሕጐሰሉን ጥበብና ንግበሮ። ነቲ ፍጹምን ዘለኣለማውን ሓጐስ ደኣ ነማዕድውምበር፡ በዚ ፈኵስን በናንን ምድራዊ ሓጐስ ኣይንጠበር!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 2024 |  2, 2016 ግዕዝ (መበል 39 ሰንበት: ቊ.፴፱/39)

ምስባክ

መዝ. 84 : 5 - 6

ብፁዓን ኵሎሙ እለ ይነብሩ ውስተ ቤትከ ፤ ወለዓለመ ዓለም ይሴብሑከ ፤ ብፁዕ ብእሲ ዘእምኀቤከ ረድኤቱ እግዚኦ።

አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።

ንባባት

ኣንባቢ

1ይ ቆሮ 14 : 29 - ፍም

ዲያቆን

ያዕ 5 : 12 - 16

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ ሐዋ 13 : 24 - 31

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 7 : 24 - 35

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ 

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div