S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ ኣፍሰሶ።ግብ 233 (ነህ 920)

ርሑስ በዓል መንፈስ ቅዱስ ይግበረልና!! እንሆ ዕለት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻምናይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት ከኣ ካልኣይ ሰንበትዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድማዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ልክዕ ከም በዓለ ትንሳኤ ኵሉ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ዚውዕል። ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ድሕሪ 50 መዓልታት፡ ድሕረ በዓለ ዕርገት ድማ ድሕሪ 10 መዓልታት ዚበዓል በዓልዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ፡ በዓለ ጴንጤቆስጤተባሂሉውን ይጽዋዕዩ። እቲ ኽልተ መጻውዒኡ፡ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወስደ ቓላትዩ።ጴንጠቆስጤማለትመበል 50” ማለት ኪኸውን ከሎ፧ጰራቅሊጦስማለት ከኣኣብ ጐንኻ ዚቐውም፡ ዚረድእ፡ ዜጸናንዕማለትዩ። ካብ ብዓለ መንፈስ ቅዱስ ዝወዓለትላ ሰንበት ክሳዕትስዕብ ሰንበት ዘሎ ቕንያት ዘመነ ጰራቅሊጦስ “(ዘመነ መንፈስ ቅዱስ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈትን ብስፍሓትን ክንመሃረሉ ከነስተንትነሉን፡ ነቲ ወሃቢና ኣምላኽ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና ኽቡር ዘመንዩ።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈትን ብስፍሓትን እተስተምህረሉ መሰረተ እምነታ፡ምስጢረ ሜሮን”  ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ኻብ ሾብዓተ ድማ ኣብምስጢረ ስላሴ (ምሥጢረ ሥላሴ)’ እንመሃሮዩ።መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ኻብ ሓንቲ ኻብ ዘለኣለም ምስ እግዚኣብሄር ኣቦን ምስ እግዚኣብሄር ወልድን ዝነበረን ዘሎን ንዘለኣለም ዚነብርን ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ህላወ ስሙዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ኣምላኽነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ዚኽሕድ፡ ኣካልነት ከም ዘይብሉ ረቂቕ ሓይሊ ኸም ኰነ ዚገልጽ ስሑት ትምህርቲ (መናፍቕነት) ንምትእትታው፡ መቕደንዮስ ዝተባህለ መናፍቕ ምስ ተላዕለ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ 381 . ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ብምስራዕ ኣውጊዛቶያ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኻብ እትኣምነለን ሰለስተ ዓበይቲ ጉባኤታት ሓንቲ ድማ፡ እዛ ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ዘረጋገጸትላ ጕባኤያ።በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ልክዕ ከም በዓለ ትንሳኤ፡ ካብ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ ጽኑዕ መሰረት ዝነበሮ በዓልምበር፡ ብሃንደበት ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ዝጀመረ በዓል ኣይኰነን። ኣብ ዘመነ ኦሪት ንኺበዓሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ሰለስተ ዓበይ በዓላት ነይሮም (ዘዳ 1616 ዘጸ 2317) እቲ ቐዳማይበዓለ ፋሲካ (በዓል ቅጫ))” ይበሃል (ዘዳ 161-8) ናይ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ፋሲካ ወይ በዓለ ትንሳኤ ድማ፡ ብትኽክል ኣብ ናይ ብሉይ ኪዳን መዓልቲ ፋሲካ ውዒላ። ስለ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ፋሲካ ጽላሎቱን ትንቢታዊ ስርዓቱን ዝነበረ (ዘዳ 161-8 1ቈረ 57,8) እቲ ኻልኣይ በዓል ከኣ፡በዓል ሰሙናትዝተሰምየ፡ ካብታ ዕለተ ፋሲካ ሾብዓተ ሰሙናት ቈጺርካ ኣብ ኢየሩሳሌም ዚበዓል በዓልዩ። (ዘዳ 169-12) ሕጂውን በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ሾብዓተ ሰሙናት ቈጺርና ኢና ነብዕሎ ዘለና። ስለ እታ ናይ ብሉይ ኪዳን በዓል ሰሙናትን እዛ ናይ ሓድሽ ኪዳን በዓለ ሓምሳን (በዓለ መንፈስ ቅዱስን) ብትኽክል ኣብ ሓንቲ ዕለትየን ዚውዕላ ዘለዋ። ስለ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት ናይ ናይ ሓድሽ ኪዳን በዓለ መንፈስ ቅዱስ ትንቢታዊ ጽላሎቱ ወይ ትንቢታዊ ትእምርቱ (ምልክቱ) ምዃኑ ኽንርዳእ ይግባእ። ኣብበዓለ ሰሙናትእስራኤላውያን ካብ ዘእተውዎ ናይ ቀውዒ ፍርያቶም ሒዞም ኬብዕሉ ይመጹ ነበሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ነቲፍረ መንፈስዝተሰምየ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝፈረናዮ መንፈሳዊ ባህርያት ሒዝና ኢና ነብዕሎ (ገላ 522) ብፍረ መንፈስ ተሰሊሙ ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘየኽብር ክርስትያንን፡ ናይ ምድሩ በዅሪ ፍርያት ከይሓዘ ጥራይ ኢዱ ጠልጠል እናበለ ዚመጽእ እስራኤላውን፡ ዝዀነ ፍልልይ ዘይብሎም፡ ብኣምላኽ ፍንፉናት ዝዀኑ ሓደ ዓይነት ሰባትዮም። ኵላትና ብምስጢረ ሜሮን ማሕደርን መቕደስን ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምዃን ክብሪ ዝተዓደልና ክርስትያን ህዝቢ ኢና። ነዚ በዓል ብመንፈስ ቅዱስ ብዝፈረናዮ ፍረ መንፈስ ተሰሊምና ኸነብዕልን ክንነብርን ብኣምላኽ ልዑል ትጽቢት ዚግበረልና ህዝቢ ድማ ኢና። እምበኣር፡ ነዚ ኽቡር ዕለትን ቅንያትን ብፍረ መንፈስ ተሰሊምናምበር፡ ብፍረ ሰይጣን፡ ብሓጢኣት፡ ተደዊንና ዘይምሱል መሲልና ነብዕሎ ኸይንህልው ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እግዚኣብሄ መንፈስ ቅዱስ ማሕደሩ ዚገብረና ብፍረ ጽድቂ ንኸነኽብሮምበር፡ ብፍረ ሓጢኣት ንኸነዋርዶ ስለ ዘይኰነ፡ እዚ ዕለትን ቅንያትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ርእስና ብዘይ ንሕስያ ብምምርማር፡ ንዝጠበቐና ሓጢኣት ብንስሓ ለቒምና ህይወትና እነጽርየሉ፡ ነቲ ደርቢናዮ ዝጸናሕና ፍረ መንፈስ ኣልዒልና እንስለመሉ፡ ናይቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ መልክዕን ምስልን ኣብ ህይወትና እንሕድሰሉ ቕንያት ክንገብሮ ይግብኣና።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንበዓለ ትንሳኤን ንበዓለ መንፈስ ቅዱስን ከም ሓንቲ መዓልቲ (ከመ አሐቲ ዕለት)’ያ፡ ትርእየን። ስለ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ናይ ክልቲኡ በዓላት ምሉእ ብምሉእ ሓደዩ። ነዚ ዕለት ተሰሪዑልና ዘሎ ትምህርቲ ድማ፡ ሓደ ኻብ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዚገብረልና ግብርታትዩ። መንፈስ ቅዱስ፡ መምህር ናይ ክርስትያንን ናይ ቤተ ክርስትያንዩ። ስለ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን ኽንመሃር ልብና ኸነዳልው ይግባእ።

ስለምንታይ ብመንፈስ ቅዱስ ክንመሃር ዜድልየና፧ በቶም ዘለውና መምህራን ወይውን ባዕላትና እንተ ተመሃርናዶ ኣይምኣኸለን፧ ምስትምሃር መለኮታዊምበር፡ ሰብኣዊ ባህርይ ኣይኰነነ (ማቴ 1020 26 41 ሉቃ 1211 21 14-15 ዮሃ 1416 1526 1613-14 1ቈረ 210-13 1ዮሃ 220,27) እግዚኣብሄር ብመልኽዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠረና፡ ነዚ ናይ ምስትምሃር ባህርዩ ድማ ተወራሲ ባህርይ ኪኸውን ፈቒዱ ስለ ዝዓደለና ኢና ንሓድሕድና ኸነስተምህር ንኽእል ዘለናምበር፡ ምስትምሃር ገዛእ ባህርይና ወይ ናይ ባህርይ ገንዘብና ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ይትረፍ ብዛዕባ መንፈሳውን ሰማያውን ጒዳያት፡ ዋላ ብዛዕባ ስጋውን ምድራውን ጒዳያትውን፡ እግዚኣብሄር ስለ ዝመሃረናን ስለ ዝከሰተልናንምበር፡ ባዕላትና ስለ ዝበጻሕናዮን ስለ ዝፈለጥናዮን ኣይኰንናን እንመሃሮን እነስተምህሮን (ኢሳ 2823-29) እግዚኣብሄር ፈትዩ ብሕያውነቱ ኻብ ናይ ምስትምሃር ባህርዩ እንተ ዘየካፍለና፡ ከምዞም ዘየስተምህሩን ዘይመሃሩ እንስሳታት ኴንና ምተረፍና ኔርና።

እቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚምህርቱ መምህራንውን፡ ካብ ኣምላኽ ዝተማህሩምበር፡ ካብ ርእሶም ዜምጽእዎ የብሎምን። ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣንቢቦም፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምስጢር ፈሊጦም ኬስተውዕልዎ ዚኽእሉ፡ ብረድኤት ኣምላኽዩ። ነቶም ኣገልገልቱ መምህራን ኰነ ነቲ ብኣኣቶም ዚግልገል ህዝብን ምእንቲ ኺምህር ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ምስጢራት ይገልጸሎም። እግዚኣብሄር ንዘይገለጸሉ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቱም መጽሓፍዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዘይከሲቱልካ፡ ይትረፍ ምስጢራት ክትፈልጥ፡ ነዛ ምንባብ ኸምትጽገም ገሊጹልና ኣሎ። ተደነቑን ተገረሙን፡ ተዓመቱን ዑሩን፡ ስኹራት (ኢኹም) ግናኸ ኣይብወይንን፡ ስንከልከል (ትብሉ) ግናኸ ብብርቱዕ መስተ ኣይኰነን። እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ከቢድ ምትኻስ ክዕዩልኩም ኣሎ ነዒንትኹም ደፊንወን፡ ንነብያትን ንሓለቓታትኩምን ንሰብ ራእይን ኣጐልቢብዎም ኣሎ። ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ። ንሓደ ንባብ ዚፈልጥ፡ 'እንካ እስከ ነዚ ኣንብብ።'  ኢሎም እንተ ሃብዎ፡ ንሱ ከኣ፡ 'ሕቱምሞ፡ ኣይኰነለይንዩ' ኢሉ ይምልስ።ኢሳ 299-11

እግዚኣብሄር ብኣካይዳኻ እንተ ዘይተሓጕሱ፡ ነቶም ነእምሮን ምስትውዓልን ናይ ሰባት ምድፋን ዝሞያኦም ኣጋንንቲ ኣሕሊፉ ዚህበካ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ዝሰማዕካዮን ዘንበብካዮ፡ ካብ ልብኻን ኣእምሮኻን መንጢሎም ይወስድዎ (ማቴ 1319) ዋላ ነቲ ፊደላት እንተ ሓዝካዮ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምስጢራት ንኸይተስተውዕሎ ንልብኻ ይደፍኖ።

እቲ እንሰብኮ ወንጌል ስውር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብቶም ዚጠፍኡ ጥራይ ዝተሰወረ እቲ ገዛኢ ናይ ዓለምዚኣ ዝዀነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ ንልቢ ናይቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። . . .  ምኽንያቱ፡ እቲ <ኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ> ዝበለ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኺህበና፡ ኣብ ልብና ኸም ዚበርህ ገበሮ።” 2ቈረ 43,4,6 .

ንልብናን ምስትውዓልናን ዚደፍን፡ ድያብሎስዩ። ከም ዚበርህ ዚገብር ድማ ኣምላኽዩ። ስለ ነስተውዕልን ንመሃርን እንተሊና፡ እግዚኣብሄር ይምህረና ኸም ዘሎ፡ ነቲ ዚደፍንን ዜጸልምትን ሰይጣን ኣባና ኸየስልጥ ይኽልክሎ ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእምበር፡ መስተውዓልቲ ምዃንና ባዕላትና ንመሃር ከም ዘለናን ብምሕሳብ፡ ንግብሪ ኣምላኽ ክንክሕዶ ኣይግባእንዩ።

“ 'እዚ (ኣባይ ትርእይዎ ዘለኹም) እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ <እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ ዝተጻሕፈ ዅሉ ኪፍጸም (ናይ ግድን)' ኢለ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይዩ።> በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን ኣእምሮኦም ከፈተሎም።” (ሉቃ 2444,45 .)

ምእንቲ ኽትመሃርን ክትኣምንን ኢሉ ንሊድያ ልባ ዝኸፈተላውን እግዚኣብሄር ባዕሉ (ግብ 1614) እዚ ተግባሩ ድማ ኣካል ናይ ናይ ምስትምሃር ተግባሩዩ። ናይ መምህርነት ውህበት-ጸጋ እናሃበ ንህዝቡ ዜስተምህር እግዚኣብሄር (ኤፌ 411-13 1ጢሞ 27 2ጢሞ 111 1ቈረ 128,28,29) ስለ እቲ ናይ ምስትምሃር ጸጋ ተዋሂብዎ ዜስተምህር ሰብ፡ ደው ኢሉ ጽቡቕ ስለ ዝመሃረ፡ እቲ መምህር ንሱ ኸም ዝዀነ ኽንሓስብ ኣይግባእንዩ። እቲ እንኮን ሓቀኛን መምህር፡ እግዚኣብሄርዩ። ስለ ኸኣ፡ ጐይታና፦

ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደዮም፡ (ንሓድሕድኩም) <መምህራን፥ ኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።ብምባል ኣጠንቂቝና ኣሎ (ማቴ 238)

መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ዜስተምህረና፡ መንፈስ ቅዱስ መምህርና ኪኸውን ብቅድስት ስላሴ ዝተገብረሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ እዚብኸመይ ዜስተምህረና፧ ዚብል ሕቶ፡ ናይ ቴክኒክ ወይ ናይ ሜላ ሕቶ ኣይኰነን። ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ኸም ዚምለስ ኪነግሮም ምስ ጀመረ፡ ኵላቶም ከም ዝጐሃዩ ተዓዘቦም (ዮሃ 142-4,28 165,6,16-22) ስለ ድማ፡ ብዛዕባ ናቱ ናይ ምኻድ ረብሓ ኺገልጸሎም ተደረኸ።

ሕጂ ግና ናብ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) እኸይድ ኣለኹ። . . .  እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ብጓሂ መልአ። ግናኸ (ኣነ) እንተ ኸድኹም ኸም ዜሕሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩ፡ እቲ መጸናንዒ (መንፈስ ቅዱስ) ናባኻትኩም ኣይመጽእንሞ፡ እንተ ኼድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰድደልኩምየ። . . .  ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩምዩ። ነቲ  መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላንዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር፡ ኣባኻትኩምውን ኪነብርሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።” ዮሃ 165-7 1416,17

ጐይታና፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገዳስነት ናይ ምምጻእ መንፈስ ቅዱስ ኣጕሊሑ ኼርእዮም ስለ ዝደለየ፡ ንሱ ባዕሉ እንተ ኸደሞ፡ ንመንፈስ ቅዱስ እንተ ለኣኸሎም ከም ዜሕሾም ነገሮም። እዚ ኣበሃህላ ጐይታ ምስኣቶም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ከፊእዎም ወይ ጐዲልዎም ከም ዝነበረ ዜስምዕ ኣይኰነን። ኣብ ምስጢረ ስላሴ ኸም እንመሃሮ፡ ሰለስቲኦም ኣካላት ስላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሰለስተ ስለ ዝዀኑ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ናባና ምስ ዚወርድ ዚፍጽሞ ናቱ ፍሉይ ግብሪ ስለ ዘለዎ፡ በቲ ናቱ ግብሪ ኸምንግልገልን ከምንረብሕን ንኼመልክተና ዝበሎዩ።ንዘለኣለም ምሳና ዚነብርኣባና ዚነብር መንፈስስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ይምህረናን ይመርሓናን ይድግፈናን የጸናንዓናንዩ። ዋላ ኣቦን ወልድውን ኵሉ ጊዜ ምሳና እንተ ዀኑ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህላወ ኣብ ውሽጥና ግን ዝዓዘዘ ምዃኑ ዜመልክተናዩ። ጐይታናኣነ እንተ ኸድኩ፡ ንሱ እንተመጸ የሕሸኩምድሕሪ ምባሉ፡ ትሕት ኢሉ፡ ገና ብዙሕ ነገር ዝነግረኩም ኣሎኒ፡ እንተ ዀነ ሕጂ ክትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ኺመርሓኩምዩ። ንሱ ነቲ ዝሰምዖ ዘበለ ዚዛረብምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብዩ፡ ነቲ (ብሕጂ) ኺመጽእ ዘለዎ ነገራትውን ኬፍልጠኩምዩ። ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዚነግረኩም ንኣይ ኬኽብረኒዩ። እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ዅሉ ናተይዩ። ስለየ፡ <ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩምዩ' ዝበልኩ።” ኢልዎም ኣሎ (ዮሃ 1612-15 .) እዚ ኣበሃህላ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ሓዲሩ እንተ ዘይኣኽሊና፡ ሰሚዕና ኽንጾሮም ዘይንኽእል መለኮታዊ ምስጢራት ከም ዘለው ዜመልክተናዩ። ስለ ነዞም ፍሉያትን ከበድትን ምስጢራት ንኣና ንድኹማት ፍጥረት ናይ ምስትምሃር ሓላፍነት ወይ ግብሪ፡ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስዩ። ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ነቲ ናይ ምስማዕን ናይ ምርዳእን ዓቕምና እናኣጐልበተ ናብ ምሉእ ፍልጠት ሓቂ ዜብጽሓና ቅዱስ መንፈስዩ። ሰኣን ናይ ምስትውዓል ዓቕምና፡ ንኣና ተራ ቓላት ወይ ተራ ግብሪ ዚመስለና ነገር፡ ብኣንጻሩ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ምስጢረ ዝሓዘለ ጕዳይ ኪኸውን ይኽእልዩ። ሰባት ንጐይታና ኺርእይዎ ኸለዉ ኣዝዩ ንዑቕ፡ ድኹም ተራ ሰብ ኰይኑ ይረኣዮም ነበረ (ኢሳ 531-4 ማቴ 2667 122-3 እብ  ዮሃ 110-11) እንተ ዀነ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ዝተሰወረ፡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ድማ ኣብኡ ዝሓደረ፡ እቲ ዝለዓለ ምስጢር ኣምላኽ ንሱ ዝነበረ (ቈሎ 22,3 . ፊል 38 . 1ቈረ 118-24 30-31 2 6-7 ኤፌ18-10) ኣብ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ጐይታና እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ኺሓጽብ ተዓጢቑ ምስ ተደበረ፡ ቅዱስ ጴጥሮስንስኻ ኣይትሓጽበንን ኢኻኢሉ ኣቕበጸ። ጐይታና ነቲ ኣእጋር ናይ ምሕጻቡ ምስጢር ኬረድኦ ኣይተጋደለን። ምኽንያቱ ነቲ ምስጢር ኺርዳእ ዜኽእሎም ዓቕሚ ገና ኸም ዘየጥረዮ ይፈልጥ ስለ ዝነበረዩ። ስለ ኸኣ፡ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን ኢኻ፡ ደሓር ግን ኽትፈልጦ ኢኻ፡በሎ (ዮሃ 137) ጐይታ ንጽባሒቱ ተሰቒሉ ኺመውት፡ መዓስ ደኣ ኼፍልጦ፧ እዚ ማለት፡ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚመሃርዎን ዚፈልጥዎን ንምምልካት ዝበሎዩ። እዛ ምሕጻብ እግሪ ብተራ ኣእምሮና ኽንርድኦ ዘይንኽእል ረቂቕ ምስጢራት እንተልይዋ፡ እቲ ገና ኻብ መጀመርታ ኽትርእዮ ኸለኻ ዓበይቲ ምስጢራት ዘለዎ ምዃኑ ዚርድኣካ ጕዳያትከ ደኣ፡ ማዕረ ኽንደይ ኪኸብደና ማለትዩ። ስለ ኸኣ እቲ መምህር ምስጢራት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ሓዲሩ መቕደሱ ኺገብረና ኣዝዩ ዜሕሸናን ኣድላይን ዝዀነ፡ ጐይታና፦

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩምዩ።” ዝበለና ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። (ዮሃ 1426) ቅዱስ ጳውሎስ ንመምህርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈት ዝፈለጠን ብግብሪ ዘስተማቐረን ሃዋርያ ነበረ። ከምቶም ካልኦት ሃዋርያት ኣብ እግሪ ጐይታና ኾፍ ኢሉ ስለ ዘይተማህረ፡ ኵሉ ዜስተንክርን ዝተራቐቐን ፍልጠቱ ካብ መፈስ ቅዱስ ዝተማህሮዩ። ነዚ ተመክሮዝን ንመሃርነት ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ቃለይን ስብከተይን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብዚህቦ ምርዳእምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ፍልስፍና ኣይነበረን። እዚ (ዝገበርኩሉ ምኽንያት ከኣ) እምነትኩም ኣብ ሓይሊ ኣምላኽምበር፡ ኣብ ጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትምስረትዩ። ኣብ ማእከልቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ግና፡ ጥበብ ንዛረብ ኢና። . . . ንሕናስ፡ ነቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ ሕቡእን ምስጢርን ዝዀነ ጥበብ ኢና ንዛረብ። ካብ ገዛእቲ ናይ ዓለምዚኣ ሓደኳ ነዚ ጥበብ ዝፈለጦ የልቦን። እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ኸም ጽሑፍ ዚብሎ፡ <ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ (ኣብ ልቢ ሰብ ዘይተሓስበ) ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ።> ንኣና ግና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና። (ምኽንያቱ) እቲ (ናይ ኣምላኽ) መንፈስ ንዅሉ ንመዓሙቝ ኣምላኽውን ከይተረፈ፡ ዚምርምርዩ። . . . መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ (ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ) ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ (መንፈሳዊ ሓቂ ብመንፈሳዊ፡ ቋንቋ ወይ ቃላት እናገለጽና) ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ዘይኰነስ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል ንዛረብ ኣለና። መንፈስ እግዚኣብሄር ዘይብሉ ሰብ፡ ነቲ ኻብ መንፈስ ኣምላኽ ዚመጽእ (ትምህርቲ ወይ ምስጢራት) ኣይቅበሎንዩ። ምኽንያቱ ንእኡ ዕሽነትዩ። ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኪፈልጦ ኣይክእልንዩ።” 1ቈረ 24-14 .

ንመሃርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ሃዋርያዊ ቓል ንላዕሊ ገይሩ ዚገልጾ ኻልእ ጽሑፍ ኪርከብ ኣይከኣልንዩ። ብመሰረት ሃዋርያዊ ቓልዚ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዘይተማህረ ሰብ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፈልጦ ዋላ ሓንቲ ኣይህልዎንዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቑ ብምጽናዕ ብዙሕ ፊደላትን ሓበሬታታትን ኬዋህልል ይኽእልዩ። ንኣምላኽን ንምስጢራቱን ኪፈልጦ ግን ኣይክእልንዩ። ፊደላዊ ፍልጠት ከኣ ብትዕቢት ነፊሑ ይቐትልምበር፡ ካልእ ረብሓ የብሉን (1ቈረ 81 2ቈረ 36)

ካብ መንፈስ ቅዱስን ብመንፈስ ቅዱስን ኪመሃር ዚኽእል መንዩ፧ ብእኡን ካብኡን ናይ ምምሃር ረብሓኸ እንታይዩ፧ በቲ ጐይታና ባዕሉን ብቕዱስ ሃዋርያኡን ዝገለጸልና ሓቂ መሰረት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዚመሃር፡ እቲ ኣብ ውሽጡ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብ ጥራሕዩ። እቲ ብመሰረቱ ንመንፈስ ኣምላኽ ናብ ውሽጡ ዘይተቐበሎን፡ እቲ ሓዲርዎ ንዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ብእልፊ ሓጢኣት ከም ዚወጽእ ዝገበሮን ግና፡ ንመንፈስ ቅዱስ ጓናን ጸላእን ስለ ዝዀነ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኪመሃር ኣይክእልንዩ። ቅዱስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ድሕሪ ምግባሩ ኺንሳሕ ከሎ፡ <ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ> ኢሉ ዝተማህጸነሉ ምኽንያቱ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዘይብልካ ናይ ምዃን መሪር ሳዕቤን፡ ካብ ህይወት ናይ ጐይታኡ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተማህረ (መዝ 5110-12 1ሳሙ 106-11 1614-23) ቅዱስ ጳውሎስውን <መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ> ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (1ተሰ 519 .) ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣገዳስነት ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈለጠት ብምስጢረ ሜሮን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ክንውለድን ብእኡ ኽንምላእን እትገብር። ካብኡ እናተመሃርና፡ ንእኡ እናተኣዘዝና፡ ብጽድቅን ቅድስናን እንተ ነበርና፡ ማሕተም ድሕነትናን ዕርቡን ናይ ሰማያዊ ርስትናን ኰይኑ ምሳና ኺነብር (2ቈረ 121,22 ኤፌ 113) ብዕልወት ካብ ኣምላኽ ርሒቕና፡ ንቕዱስ መንፈሱ እንተ ኣጕሃናዮ ግን፡ ጸላኢና ዀይኑ ባዕሉ ኺዋጋና (ኢሳ 639-14 ኤፌ 430)

እስራኤላውያን ዜስተምህር ጽቡቕ መንፈስ ካብ እግዚኣብሄር ተዋሂብዎም እንተ ነበረ፡ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ብእልፊ መዓት ናብ ምድሪ ተስፋ ኸይኣተዉ ኣብ በረኻ ከም ዚውጽኡ ገበሮም (ነህ 920 1ቈረ 102-11)

ነቲ ብምልኣት ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ብኽብሪ እንተ ተኣዘዝናዮን እንተ ዓቀብናዮን ግና፡ ካብ ምስትምሃር ሓሊፉ፡ ንድኻም ስጋና ደጊፉ፡ ኣብ ንሱ ዝመሃረና ጸኒዕና ኸምንነብርን ከምንእዘዞን ይገብረና።

ንስኻኩም ድማ ቅብኣት ካብ ቅዱስ (ኣምላኽ) ኣሎኩም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . ንስኻትኩምሲ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰርማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር፡ . . . ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። . . . ንስኻትኩምሲ፡ ከም ቕብኣቱ (መንፈሱ) ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ . . . ከም ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም ኣብኡ ክትነብሩ ኢኹም። እምበኣር እቲ ኻብኡ ዝተቐበልኩምዎ ቅብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎሞ፡ ሓደ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምንዩ።” 1ዮሃ 220,24-27)

እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተማህረ ሰብ፡ እቲ ዝተማህሮ ትምህርቲ ኣብ ውሽጡ ጸኒዑ ይነብር፡ ንሱ ድማ ልክዕ ከም ዝተማህሮ ዀይኑ ይነብር ማለትዩ። ከም ዝተመሃርናዮ ኸይንነብር ንጽገም ምህላውና ካብ ብቑዕን ዜኽእልን መንፈስ ቅዱስ ንመሃር ከም ዘየለና ዜመልክተናዩ። እምበኣር ኣብ ዝተባረኸ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ሓያል መምህር ገና ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ኸም ዘሎ ኸም ዘየጥፋእናዮ፡ ንሕናውን ንፉዓት ተመሃሮኡን ተኣዘዝቱን ኴንና ትምህርትና ንከታተልን ነተግብርን ምህላውና ነረጋግጽ። እቲ ናይ ብሓቂ ናይ ተመሃራይ ልቢ ዘለዎ ክርስትያንን < ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምሃረኒ፡ ኣብ ዝተመሃርክዎ ጸኒዐ ኽነብርውን ኣኽእለኒ> ኢሉ ኺጽልይ ይግብኦ። መንፈስ ቅዱስ፡ ነቶም ካብኡ ኺመሃሩ ፍቓደኛ ልቢ ዘለዎም፡ ነቲ ኻብኡ ዚርከብ ትምህርትን ምስጢርን ከም እኽለ ማይ ዚጠምይዎን ዚጸምእዎንምበር፡ ንዝረኸቦ ዅሉ ሰብ ኣመንንጊጉ ኣየስተምህርንዩ። ንጽምኣት ናይቶም ብሓቀኛ እምነትን ብሰናይ ሕልናን ዚልምንዎ ግና፡ ከየርወየ ዘይኰልፍ እሙንን ሰናይን መንፈስዩ።

እምበኣር ዓይነት ህይወትናን ናብራናን ንመርምር ማሕደርን ተመሃሮን ናይ ቕዱስ መንፈስ ምዃንናን ዘይምዃናን ነረጋግጽ። ነዛ ዓለምዚኣ ዚስዕርዋ፡ እቶም እሙናት ተመሃሮ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ጥራሕዮም። ስለ ምርጫን መኣዝንን ናይ ህይወትና ኣተኻኺልና ብመምህርነት መሪሕነትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰዓር ንኹን!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

23  2024 |  16, 2016 ግዕዝ (መበል 41 ሰንበት: ቊ.፵፩/41)

ምስባክ

መዝ. 78:65/፸፯÷፷፭

ወተንሥኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘነቅሓ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን ወቀተለ ጾሮ በድህሬሁ።

ሽዑ እግዚኣብሔር ከም ደቂሱ ዝንበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኾይኑ ተንስኤ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ውቕዖም

ንባባት

ኣንባቢ

1ይ ቆሮ 15 : 20 - 41

ዲያቆን

1 ጴጥ 3 : 15 - end

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ ሐዋ 2 : 22 - 36

ንፍቅ ካህን

ዮሓ 20 : 1 - 18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ ተንሥኣ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div