“ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘለኹም (መንፈስ ቅዱስ) ንሱ ኣፍሰሶ።” ግብ 2፡33 (ነህ 9፡20)
ርሑስ በዓል መንፈስ ቅዱስ ይግበረልና!! እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻምናይን ናይ መወዳእታን ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገት ከኣ ካልኣይ ሰንበት’ዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድማ’ዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ልክዕ ከም በዓለ ትንሳኤ ኵሉ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ሰንበት’ዩ ዚውዕል። ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ድሕሪ 50 መዓልታት፡ ድሕረ በዓለ ዕርገት ድማ ድሕሪ 10 መዓልታት ዚበዓል በዓል’ዩ። በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ “በዓለ ሓምሳ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ፡ በዓለ ጴንጤቆስጤ” ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ’ዩ። እቲ ኽልተ መጻውዒኡ፡ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝተወስደ ቓላት’ዩ። “ጴንጠቆስጤ” ማለት “መበል 50” ማለት ኪኸውን ከሎ፧ “ጰራቅሊጦስ” ማለት ከኣ “ኣብ ጐንኻ ዚቐውም፡ ዚረድእ፡ ዜጸናንዕ” ማለት’ዩ። ካብ’ታ ብዓለ መንፈስ ቅዱስ ዝወዓለትላ ሰንበት ክሳዕ’ታ ‘ትስዕብ ሰንበት ዘሎ ቕንያት ዘመነ ጰራቅሊጦስ “(ዘመነ መንፈስ ቅዱስ)” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዛዕባ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈትን ብስፍሓትን ክንመሃረሉ ከነስተንትነሉን፡ ነቲ ወሃቢና ኣምላኽ ከነመስግነሉን ዝተሰርዓልና ኽቡር ዘመን’ዩ።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብዛዕባ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈትን ብስፍሓትን እተስተምህረሉ መሰረተ እምነታ፡ “ምስጢረ ሜሮን” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ኻብ’ቲ ሾብዓተ ድማ ኣብ “ምስጢረ ስላሴ (ምሥጢረ ሥላሴ)’ እንመሃሮ’ዩ። “መንፈስ ቅዱስ፡”፡ ናይ’ቲ ኻብ ሓንቲ ኻብ ዘለኣለም ምስ እግዚኣብሄር ኣቦን ምስ እግዚኣብሄር ወልድን ዝነበረን ዘሎን ንዘለኣለም ዚነብርን ናይ ቅድስት ስላሴ ሳልሳይ ኣካል ዝዀነን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ናይ ህላወ ስሙ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ኣምላኽነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ዚኽሕድ፡ ኣካልነት ከም ዘይብሉ ረቂቕ ሓይሊ ኸም ኰነ ዚገልጽ ስሑት ትምህርቲ (መናፍቕነት) ንምትእትታው፡ መቕደንዮስ ዝተባህለ መናፍቕ ምስ ተላዕለ፡ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ 381 ዓ.ም ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ብምስራዕ ኣውጊዛቶ’ያ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኻብ እትኣምነለን ሰለስተ ዓበይቲ ጉባኤታት ሓንቲ ድማ፡ እዛ ኣምላኽነት መንፈስ ቅዱስ ዘረጋገጸትላ ጕባኤ’ያ።በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ልክዕ ከም በዓለ ትንሳኤ፡ ካብ ብሉይ ኪዳን ኣትሒዙ ጽኑዕ መሰረት ዝነበሮ በዓል’ምበር፡ ብሃንደበት ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ዝጀመረ በዓል ኣይኰነን። ኣብ ዘመነ ኦሪት ንኺበዓሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ሰለስተ ዓበይ’ቲ በዓላት ነይሮም (ዘዳ 16፡16 ፣ ዘጸ 23፡17)። እቲ ቐዳማይ “በዓለ ፋሲካ (በዓል ቅጫ))” ይበሃል (ዘዳ 16፡1-8)። ናይ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ፋሲካ ወይ በዓለ ትንሳኤ ድማ፡ ብትኽክል ኣብ’ታ ናይ ብሉይ ኪዳን መዓልቲ ፋሲካ’ያ ውዒላ። ስለ’ዚ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ፋሲካ ጽላሎቱን ትንቢታዊ ስርዓቱን’ዩ ዝነበረ (ዘዳ 16፡1-8 ፣ 1ቈረ 5፡7,8)። እቲ ኻልኣይ በዓል ከኣ፡ “በዓል ሰሙናት” ዝተሰምየ፡ ካብታ ዕለተ ፋሲካ ሾብዓተ ሰሙናት ቈጺርካ ኣብ ኢየሩሳሌም ዚበዓል በዓል’ዩ። (ዘዳ 16፡9-12)። ሕጂ’ውን በዓለ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ሾብዓተ ሰሙናት ቈጺርና ኢና ነብዕሎ ዘለና። ስለ’ዚ እታ ናይ ብሉይ ኪዳን በዓል ሰሙናትን እዛ ናይ ሓድሽ ኪዳን በዓለ ሓምሳን (በዓለ መንፈስ ቅዱስን) ብትኽክል ኣብ ሓንቲ ዕለት’የን ዚውዕላ ዘለዋ። ስለ’ዚ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓት ናይ’ዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን በዓለ መንፈስ ቅዱስ ትንቢታዊ ጽላሎቱ ወይ ትንቢታዊ ትእምርቱ (ምልክቱ) ምዃኑ ኽንርዳእ ይግባእ። ኣብ’ዛ “በዓለ ሰሙናት” እስራኤላውያን ካብ’ቲ ዘእተውዎ ናይ ቀውዒ ፍርያቶም ሒዞም ኬብዕሉ ይመጹ ነበሩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ፡ ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ ነቲ “ፍረ መንፈስ” ዝተሰምየ፡ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝፈረናዮ መንፈሳዊ ባህርያት ሒዝና ኢና ነብዕሎ (ገላ 5፡22)። ብፍረ መንፈስ ተሰሊሙ ንበዓለ መንፈስ ቅዱስ ዘየኽብር ክርስትያንን፡ ናይ ምድሩ በዅሪ ፍርያት ከይሓዘ ጥራይ ኢዱ ጠልጠል እናበለ ዚመጽእ እስራኤላውን፡ ዝዀነ ፍልልይ ዘይብሎም፡ ብኣምላኽ ፍንፉናት ዝዀኑ ሓደ ዓይነት ሰባት’ዮም። ኵላትና ብምስጢረ ሜሮን ማሕደርን መቕደስን ናይ መንፈስ ቅዱስ ናይ ምዃን ክብሪ ዝተዓደልና ክርስትያን ህዝቢ ኢና። ነዚ በዓል’ዚ ብመንፈስ ቅዱስ ብዝፈረናዮ ፍረ መንፈስ ተሰሊምና ኸነብዕልን ክንነብርን ብኣምላኽ ልዑል ትጽቢት ዚግበረልና ህዝቢ ድማ ኢና። እምበኣር፡ ነዚ ኽቡር ዕለትን ቅንያትን’ዚ ብፍረ መንፈስ ተሰሊምና’ምበር፡ ብፍረ ሰይጣን፡ ብሓጢኣት፡ ተደዊንና ዘይምሱል መሲልና ነብዕሎ ኸይንህልው ክንጥንቀቕ ይግብኣና። እግዚኣብሄ መንፈስ ቅዱስ ማሕደሩ ዚገብረና ብፍረ ጽድቂ ንኸነኽብሮ’ምበር፡ ብፍረ ሓጢኣት ንኸነዋርዶ ስለ ዘይኰነ፡ እዚ ዕለትን ቅንያትን’ዚ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ርእስና ብዘይ ንሕስያ ብምምርማር፡ ንዝጠበቐና ሓጢኣት ብንስሓ ለቒምና ህይወትና እነጽርየሉ፡ ነቲ ደርቢናዮ ዝጸናሕና ፍረ መንፈስ ኣልዒልና እንስለመሉ፡ ናይቲ ዝፈጠረና ኣምላኽ መልክዕን ምስልን ኣብ ህይወትና እንሕድሰሉ ቕንያት ክንገብሮ ይግብኣና።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንበዓለ ትንሳኤን ንበዓለ መንፈስ ቅዱስን ከም ሓንቲ መዓልቲ (ከመ አሐቲ ዕለት)’ያ፡ ትርእየን። ስለ’ዚ መዝሙርን ምስባኽን ንባባትን ናይ ክልቲኡ በዓላት ምሉእ ብምሉእ ሓደ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ትምህርቲ ድማ፡ ሓደ ኻብ’ቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዚገብረልና ግብርታት’ዩ። መንፈስ ቅዱስ፡ መምህር ናይ ክርስትያንን ናይ ቤተ ክርስትያን’ዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ’ዚ ኣገልግሎቱ’ዚ ብልዑል ተገዳስነትን ብዓሚቝ ተመስጦን ኽንመሃር ልብና ኸነዳልው ይግባእ።
ስለምንታይ’ዩ ብመንፈስ ቅዱስ ክንመሃር ዜድልየና፧ በቶም ዘለውና መምህራን ወይ’ውን ባዕላትና እንተ ተመሃርናዶ ኣይምኣኸለን፧ ምስትምሃር መለኮታዊ’ምበር፡ ሰብኣዊ ባህርይ ኣይኰነነ (ማቴ 10፡20 ፣ 26፡ 41 ፣ ሉቃ 12፡11 ፣ 21፡ 14-15 ፣ ዮሃ 14፡16 ፣ 15፡26 ፣ 16፡13-14 ፣ 1ቈረ 2፡10-13 ፣ 1ዮሃ 2፡20,27)። እግዚኣብሄር ብመልኽዑን ብምስሉን ስለ ዝፈጠረና፡ ነዚ ናይ ምስትምሃር ባህርዩ ድማ ተወራሲ ባህርይ ኪኸውን ፈቒዱ ስለ ዝዓደለና ኢና ንሓድሕድና ኸነስተምህር ንኽእል ዘለና’ምበር፡ ምስትምሃር ገዛእ ባህርይና ወይ ናይ ባህርይ ገንዘብና ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ይትረፍ ብዛዕባ መንፈሳውን ሰማያውን ጒዳያት፡ ዋላ’ቲ ብዛዕባ ስጋውን ምድራውን ጒዳያት’ውን፡ እግዚኣብሄር ስለ ዝመሃረናን ስለ ዝከሰተልናን’ምበር፡ ባዕላትና ስለ ዝበጻሕናዮን ስለ ዝፈለጥናዮን ኣይኰንናን እንመሃሮን እነስተምህሮን (ኢሳ 28፡23-29)። እግዚኣብሄር ፈትዩ ብሕያውነቱ ኻብ’ቲ ናይ ምስትምሃር ባህርዩ እንተ ዘየካፍለና፡ ከም’ዞም ዘየስተምህሩን ዘይመሃሩ እንስሳታት ኴንና ምተረፍና ኔርና።
እቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዚምህርቱ መምህራን’ውን፡ ካብ ኣምላኽ ዝተማህሩ’ምበር፡ ካብ ርእሶም ዜምጽእዎ የብሎምን። ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣንቢቦም፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምስጢር ፈሊጦም ኬስተውዕልዎ ዚኽእሉ፡ ብረድኤት ኣምላኽ’ዩ። ነቶም ኣገልገልቱ መምህራን ኰነ ነቲ ብኣኣቶም ዚግልገል ህዝብን ምእንቲ ኺምህር ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ቃሉ ዘሎ ምስጢራት ይገልጸሎም። እግዚኣብሄር ንዘይገለጸሉ ሰብ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቱም መጽሓፍ’ዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዘይከሲቱልካ፡ ይትረፍ ምስጢራት ክትፈልጥ፡ ነዛ ምንባብ’ኳ ኸም ‘ትጽገም ገሊጹልና ኣሎ። “ተደነቑን ተገረሙን፡ ተዓመቱን ዑሩን፡ ስኹራት (ኢኹም)፡ ግናኸ ኣይብወይንን፡ ስንከልከል (ትብሉ)፡ ግናኸ ብብርቱዕ መስተ ኣይኰነን። እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ከቢድ ምትኻስ ክዕዩልኩም ኣሎ’ሞ ነዒንትኹም ደፊንወን፡ ንነብያትን ንሓለቓታትኩምን ንሰብ ራእይን ኣጐልቢብዎም ኣሎ። ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ። ንሓደ ንባብ ዚፈልጥ፡ 'እንካ እስከ ነዚ ኣንብብ።' ኢሎም እንተ ሃብዎ፡ ንሱ ከኣ፡ 'ሕቱም’ዩ’ሞ፡ ኣይኰነለይን’ዩ' ኢሉ ይምልስ።” ኢሳ 29፡9-11
እግዚኣብሄር ብኣካይዳኻ እንተ ዘይተሓጕሱ፡ ነቶም ነእምሮን ምስትውዓልን ናይ ሰባት ምድፋን ዝሞያኦም ኣጋንንቲ’ዩ ኣሕሊፉ ዚህበካ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ዝሰማዕካዮን ዘንበብካዮ፡ ካብ ልብኻን ኣእምሮኻን መንጢሎም ይወስድዎ (ማቴ 13፡19)። ዋላ ነቲ ፊደላት እንተ ሓዝካዮ’ኳ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ምስጢራት ንኸይተስተውዕሎ ንልብኻ ይደፍኖ።
“እቲ እንሰብኮ ወንጌል ስውር እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ’ቶም ዚጠፍኡ ጥራይ’ዩ ዝተሰወረ እቲ ገዛኢ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዝዀነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይርእዩ ንልቢ ናይ’ቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። . . . ምኽንያቱ፡ እቲ <ኣብ ጸልማት ብርሃን ይብራህ> ዝበለ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ገጽ ክርስቶስ ክብሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኺህበና፡ ኣብ ልብና ኸም ዚበርህ ገበሮ።” 2ቈረ 4፡3,4,6 ካ.ት
ንልብናን ምስትውዓልናን ዚደፍን፡ ድያብሎስ’ዩ። ከም ዚበርህ ዚገብር ድማ ኣምላኽ’ዩ። ስለ’ዚ ነስተውዕልን ንመሃርን እንተ’ሊና፡ እግዚኣብሄር ይምህረና ኸም ዘሎ፡ ነቲ ዚደፍንን ዜጸልምትን ሰይጣን ኣባና ኸየስልጥ ይኽልክሎ ኸም ዘሎ ኸነስተውዕል ይግባእ’ምበር፡ መስተውዓልቲ ምዃንና ባዕላትና ንመሃር ከም ዘለናን ብምሕሳብ፡ ንግብሪ ኣምላኽ ክንክሕዶ ኣይግባእን’ዩ።
“ 'እዚ (ኣባይ ትርእይዎ ዘለኹም) እቲ ምሳኻትኩም ከለኹ፡ <እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ ዝተጻሕፈ ዅሉ ኪፍጸም (ናይ ግድን’ዩ)' ኢለ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ’ዩ።> በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን ኣእምሮኦም ከፈተሎም።” (ሉቃ 24፡44,45 ካ.ት)
ምእንቲ ኽትመሃርን ክትኣምንን ኢሉ ንሊድያ ልባ ዝኸፈተላ’ውን እግዚኣብሄር ባዕሉ’ዩ (ግብ 16፡14)። እዚ ተግባሩ’ዚ ድማ ኣካል ናይ’ቲ ናይ ምስትምሃር ተግባሩ’ዩ። ናይ መምህርነት ውህበት-ጸጋ እናሃበ ንህዝቡ ዜስተምህር እግዚኣብሄር’ዩ (ኤፌ 4፡11-13 ፣ 1ጢሞ 2፡7 ፣ 2ጢሞ 1፡11 ፣ 1ቈረ 12፡8,28,29)። ስለ’ዚ እቲ ናይ ምስትምሃር ጸጋ ተዋሂብዎ ዜስተምህር ሰብ፡ ደው ኢሉ ጽቡቕ ስለ ዝመሃረ፡ እቲ መምህር ንሱ ኸም ዝዀነ ኽንሓስብ ኣይግባእን’ዩ። እቲ እንኮን ሓቀኛን መምህር፡ እግዚኣብሄር’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ ጐይታና፦
“ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ’ዮም፡ (ንሓድሕድኩም) <መምህራን፥ ኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።” ብምባል ኣጠንቂቝና ኣሎ (ማቴ 23፡8)።
መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ’ዩ ዜስተምህረና፡ መንፈስ ቅዱስ መምህርና ኪኸውን ብቅድስት ስላሴ ዝተገብረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ እዚ “ብኸመይ’ዩ ዜስተምህረና፧ ዚብል ሕቶ፡ ናይ ቴክኒክ ወይ ናይ ሜላ ሕቶ ኣይኰነን። ጐይታና ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦኡ ኸም ዚምለስ ኪነግሮም ምስ ጀመረ፡ ኵላቶም ከም ዝጐሃዩ ተዓዘቦም (ዮሃ 14፡2-4,28 ፣ 16፡5,6,16-22)። ስለ’ዚ ድማ፡ ብዛዕባ ናቱ ናይ ምኻድ ረብሓ ኺገልጸሎም ተደረኸ።
“ሕጂ ግና ናብ’ቲ ዝለኣኸኒ (ኣቦይ) እኸይድ ኣለኹ። . . . እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ብጓሂ መልአ። ግናኸ (ኣነ) እንተ ኸድኹም ኸም ዜሕሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣለኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩ፡ እቲ መጸናንዒ (መንፈስ ቅዱስ) ናባኻትኩም ኣይመጽእን’ዩ’ሞ፡ እንተ ኼድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰድደልኩም’የ። . . . ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር፡ ኣባኻትኩም’ውን ኪነብር’ዩ’ሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም።” ዮሃ 16፡5-7 ፣ 14፡16,17
ጐይታና፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገዳስነት ናይ ምምጻእ መንፈስ ቅዱስ ኣጕሊሑ ኼርእዮም ስለ ዝደለየ፡ ንሱ ባዕሉ እንተ ኸደ’ሞ፡ ንመንፈስ ቅዱስ እንተ ለኣኸሎም ከም ዜሕሾም ነገሮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ጐይታ ምስኣቶም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ከፊእዎም ወይ ጐዲልዎም ከም ዝነበረ ዜስምዕ ኣይኰነን። ኣብ ምስጢረ ስላሴ ኸም እንመሃሮ፡ ሰለስቲኦም ኣካላት ስላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሰለስተ ስለ ዝዀኑ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ናባና ምስ ዚወርድ ዚፍጽሞ ናቱ ፍሉይ ግብሪ ስለ ዘለዎ፡ በቲ ናቱ ግብሪ ኸም ‘ንግልገልን ከም ‘ንረብሕን ንኼመልክተና ዝበሎ’ዩ። “ንዘለኣለም ምሳና ዚነብር ‘ኣባና ዚነብር መንፈስ” ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ዅሉ ነገር ይምህረናን ይመርሓናን ይድግፈናን የጸናንዓናን’ዩ። ዋላ ኣቦን ወልድ’ውን ኵሉ ጊዜ ምሳና እንተ ዀኑ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህላወ ኣብ ውሽጥና ግን ዝዓዘዘ ምዃኑ ዜመልክተና’ዩ። ጐይታና “ኣነ እንተ ኸድኩ፡ ንሱ እንተመጸ የሕሸኩም” ድሕሪ ምባሉ፡ ትሕት ኢሉ፡ “ገና ብዙሕ ነገር ዝነግረኩም ኣሎኒ፡ እንተ ዀነ ሕጂ ክትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ኺመርሓኩም’ዩ። ንሱ ነቲ ዝሰምዖ ዘበለ’ዩ ዚዛረብ’ምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብ’ዩ፡ ነቲ (ብሕጂ) ኺመጽእ ዘለዎ ነገራት’ውን ኬፍልጠኩም’ዩ። ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዚነግረኩም ንኣይ ኬኽብረኒ’ዩ። እቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ዅሉ ናተይ’ዩ። ስለ’ዚ’የ፡ <ካባይ ወሲዱ ኺነግረኩም’ዩ' ዝበልኩ።” ኢልዎም ኣሎ (ዮሃ 16፡12-15 ካ.ት)። እዚ ኣበሃህላ’ዚ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ሓዲሩ እንተ ዘይኣኽሊና፡ ሰሚዕና ኽንጾሮም ዘይንኽእል መለኮታዊ ምስጢራት ከም ዘለው ዜመልክተና’ዩ። ስለ’ዚ ነዞም ፍሉያትን ከበድትን ምስጢራት ንኣና ንድኹማት ፍጥረት ናይ ምስትምሃር ሓላፍነት ወይ ግብሪ፡ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ነቲ ናይ ምስማዕን ናይ ምርዳእን ዓቕምና እናኣጐልበተ ናብ ምሉእ ፍልጠት ሓቂ ዜብጽሓና ቅዱስ መንፈስ’ዩ። ሰኣን ናይ ምስትውዓል ዓቕምና፡ ንኣና ተራ ቓላት ወይ ተራ ግብሪ ዚመስለና ነገር፡ ብኣንጻሩ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ምስጢረ ዝሓዘለ ጕዳይ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ሰባት ንጐይታና ኺርእይዎ ኸለዉ ኣዝዩ ንዑቕ፡ ድኹም ተራ ሰብ ኰይኑ ይረኣዮም ነበረ (ኢሳ 53፡1-4 ፣ ማቴ 26፡67 ፣ 12፡2-3 ፣ እብ ዮሃ 1፡10-11)። እንተ ዀነ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ዝተሰወረ፡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ድማ ኣብኡ ዝሓደረ፡ እቲ ዝለዓለ ምስጢር ኣምላኽ ንሱ’ዩ ዝነበረ (ቈሎ 2፡2,3 ካ.ት ፣ ፊል 3፡8 ካ.ት ፣ 1ቈረ 1፡18-24 ፣ 30-31 ፣ 2፡ 6-7 ፣ ኤፌ1፡8-10)። ኣብ’ታ ምስጢረ ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸት፡ ጐይታና እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ኺሓጽብ ተዓጢቑ ምስ ተደበረ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ኣይትሓጽበንን ኢኻ” ኢሉ ኣቕበጸ። ጐይታና ነቲ ኣእጋር ናይ ምሕጻቡ ምስጢር ኬረድኦ ኣይተጋደለን። ምኽንያቱ ነቲ ምስጢር’ቲ ኺርዳእ ዜኽእሎም ዓቕሚ ገና ኸም ዘየጥረዮ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ “ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን ኢኻ፡ ደሓር ግን ኽትፈልጦ ኢኻ፡” በሎ (ዮሃ 13፡7)። ጐይታ ንጽባሒቱ’ዩ ተሰቒሉ ኺመውት፡ መዓስ ደኣ’ዩ ኼፍልጦ፧ እዚ ማለት፡ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚመሃርዎን ዚፈልጥዎን ንምምልካት ዝበሎ’ዩ። እዛ ምሕጻብ እግሪ ብተራ ኣእምሮና ኽንርድኦ ዘይንኽእል ረቂቕ ምስጢራት እንተ’ልይዋ፡ እቲ ገና ኻብ መጀመርታ ኽትርእዮ ኸለኻ ዓበይቲ ምስጢራት ዘለዎ ምዃኑ ዚርድኣካ ጕዳያትከ ደኣ፡ ማዕረ ኽንደይ ኪኸብደና ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ እቲ መምህር ምስጢራት ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ሓዲሩ መቕደሱ ኺገብረና ኣዝዩ ዜሕሸናን ኣድላይን ዝዀነ፡ ጐይታና፦
“እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ።” ዝበለና ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። (ዮሃ 14፡26)። ቅዱስ ጳውሎስ ንመምህርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ብዕምቈት ዝፈለጠን ብግብሪ ዘስተማቐረን ሃዋርያ ነበረ። ከም’ቶም ካልኦት ሃዋርያት ኣብ እግሪ ጐይታና ኾፍ ኢሉ ስለ ዘይተማህረ፡ ኵሉ’ቲ ዜስተንክርን ዝተራቐቐን ፍልጠቱ ካብ መፈስ ቅዱስ ዝተማህሮ’ዩ። ነዚ ተመክሮ’ዝን ንመሃርነት ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ቃለይን ስብከተይን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብዚህቦ ምርዳእ’ምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ፍልስፍና ኣይነበረን። እዚ (ዝገበርኩሉ ምኽንያት ከኣ) እምነትኩም ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ’ምበር፡ ኣብ ጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትምስረት’ዩ። ኣብ ማእከል’ቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ግና፡ ጥበብ ንዛረብ ኢና። . . . ንሕናስ፡ ነቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብርና ዘዳለዎ ሕቡእን ምስጢርን ዝዀነ ጥበብ ኢና ንዛረብ። ካብ ገዛእቲ ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ሓደኳ ነዚ ጥበብ’ዚ ዝፈለጦ የልቦን። እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ኸም’ቲ ጽሑፍ ዚብሎ፡ <ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ (ኣብ ልቢ ሰብ ዘይተሓስበ) ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ።> ንኣና ግና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና። (ምኽንያቱ) እቲ (ናይ ኣምላኽ) መንፈስ ንዅሉ ንመዓሙቝ ኣምላኽ’ውን ከይተረፈ፡ ዚምርምር’ዩ። . . . መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ’ኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ (ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ) ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ’ምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ (መንፈሳዊ ሓቂ ብመንፈሳዊ፡ ቋንቋ ወይ ቃላት እናገለጽና)፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ዘይኰነስ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል ንዛረብ ኣለና። መንፈስ እግዚኣብሄር ዘይብሉ ሰብ፡ ነቲ ኻብ መንፈስ ኣምላኽ ዚመጽእ (ትምህርቲ ወይ ምስጢራት) ኣይቅበሎን’ዩ። ምኽንያቱ ንእኡ ዕሽነት’ዩ። ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኪፈልጦ ኣይክእልን’ዩ።” 1ቈረ 2፡4-14 ካ.ት
ንመሃርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ንላዕሊ ገይሩ ዚገልጾ ኻልእ ጽሑፍ ኪርከብ ኣይከኣልን’ዩ። ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዘይተማህረ ሰብ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፈልጦ ዋላ ሓንቲ’ኳ ኣይህልዎን’ዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቑ ብምጽናዕ ብዙሕ ፊደላትን ሓበሬታታትን ኬዋህልል ይኽእል’ዩ። ንኣምላኽን ንምስጢራቱን ኪፈልጦ ግን ኣይክእልን’ዩ። ፊደላዊ ፍልጠት ከኣ ብትዕቢት ነፊሑ ይቐትል’ምበር፡ ካልእ ረብሓ የብሉን (1ቈረ 8፡1 ፣ 2ቈረ 3፡6)።
ካብ መንፈስ ቅዱስን ብመንፈስ ቅዱስን ኪመሃር ዚኽእል መን’ዩ፧ ብእኡን ካብኡን ናይ ምምሃር ረብሓኸ እንታይ’ዩ፧ በቲ ጐይታና ባዕሉን ብቕዱስ ሃዋርያኡን ዝገለጸልና ሓቂ መሰረት፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዚመሃር፡ እቲ ኣብ ውሽጡ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ ሰብ ጥራሕ’ዩ። እቲ ብመሰረቱ ንመንፈስ ኣምላኽ ናብ ውሽጡ ዘይተቐበሎን፡ እቲ ሓዲርዎ ንዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ብእልፊ ሓጢኣት ከም ዚወጽእ ዝገበሮን ግና፡ ንመንፈስ ቅዱስ ጓናን ጸላእን ስለ ዝዀነ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኪመሃር ኣይክእልን’ዩ። ቅዱስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ድሕሪ ምግባሩ ኺንሳሕ ከሎ፡ <ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ> ኢሉ ዝተማህጸነሉ ምኽንያቱ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዘይብልካ ናይ ምዃን መሪር ሳዕቤን፡ ካብ ህይወት ናይ’ቲ ጐይታኡ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተማህረ’ዩ (መዝ 51፡10-12 ፣ 1ሳሙ 10፡6-11 ፣ 16፡14-23)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን <መንፈስ ቅዱስ ኣይተጥፍኡ> ኢሉ ምዒዱና ኣሎ (1ተሰ 5፡19 ካ.ት)። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኣገዳስነት ናይ ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈለጠት’ያ ብምስጢረ ሜሮን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ክንውለድን ብእኡ ኽንምላእን እትገብር። ካብኡ እናተመሃርና፡ ንእኡ እናተኣዘዝና፡ ብጽድቅን ቅድስናን እንተ ነበርና፡ ማሕተም ድሕነትናን ዕርቡን ናይ ሰማያዊ ርስትናን ኰይኑ ምሳና ኺነብር’ዩ (2ቈረ 1፡21,22 ፣ ኤፌ 1፡13)። ብዕልወት ካብ ኣምላኽ ርሒቕና፡ ንቕዱስ መንፈሱ እንተ ኣጕሃናዮ ግን፡ ጸላኢና ዀይኑ ባዕሉ ኺዋጋና’ዩ (ኢሳ 63፡9-14 ፣ ኤፌ 4፡30)።
እስራኤላውያን ዜስተምህር ጽቡቕ መንፈስ ካብ እግዚኣብሄር ተዋሂብዎም’ኳ እንተ ነበረ፡ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ብእልፊ መዓት ናብ’ታ ምድሪ ተስፋ ኸይኣተዉ ኣብ በረኻ ከም ዚውጽኡ ገበሮም (ነህ 9፡20 ፣ 1ቈረ 10፡2-11)።
ነቲ ብምልኣት ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ብኽብሪ እንተ ተኣዘዝናዮን እንተ ዓቀብናዮን ግና፡ ካብ ምስትምሃር ሓሊፉ፡ ንድኻም ስጋና ደጊፉ፡ ኣብ’ቲ ንሱ ዝመሃረና ጸኒዕና ኸም ‘ንነብርን ከም ‘ንእዘዞን ይገብረና።
“ንስኻኩም ድማ ቅብኣት ካብ’ቲ ቅዱስ (ኣምላኽ) ኣሎኩም፡ ንዅሉ’ውን ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . ንስኻትኩምሲ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰርማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር፡ . . . ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ወልድን ኣብ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። . . . ንስኻትኩምሲ፡ ከም’ቲ ቕብኣቱ (መንፈሱ) ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ . . . ከም’ቲ ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም ኣብኡ ክትነብሩ ኢኹም። እምበኣር እቲ ኻብኡ ዝተቐበልኩምዎ ቅብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ’ሞ፡ ሓደ’ኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን’ዩ።” 1ዮሃ 2፡20,24-27)።
እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተማህረ ሰብ፡ እቲ ዝተማህሮ ትምህርቲ ኣብ ውሽጡ ጸኒዑ ይነብር፡ ንሱ ድማ ልክዕ ከም’ቲ ዝተማህሮ ዀይኑ ይነብር ማለት’ዩ። ከም’ቲ ዝተመሃርናዮ ኸይንነብር ንጽገም ምህላውና ካብ’ዚ ብቑዕን ዜኽእልን መንፈስ ቅዱስ ንመሃር ከም ዘየለና ዜመልክተና’ዩ። እምበኣር ኣብ’ዚ ዝተባረኸ በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡ እቲ ሓያል መምህር ገና ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ኸም ዘሎ ኸም ዘየጥፋእናዮ፡ ንሕና’ውን ንፉዓት ተመሃሮኡን ተኣዘዝቱን ኴንና ትምህርትና ንከታተልን ነተግብርን ምህላውና ነረጋግጽ። እቲ ናይ ብሓቂ ናይ ተመሃራይ ልቢ ዘለዎ ክርስትያንን <ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምሃረኒ፡ ኣብ’ቲ ዝተመሃርክዎ ጸኒዐ ኽነብር’ውን ኣኽእለኒ> ኢሉ ኺጽልይ ይግብኦ። መንፈስ ቅዱስ፡ ነቶም ካብኡ ኺመሃሩ ፍቓደኛ ልቢ ዘለዎም፡ ነቲ ኻብኡ ዚርከብ ትምህርትን ምስጢርን ከም እኽለ ማይ ዚጠምይዎን ዚጸምእዎን’ምበር፡ ንዝረኸቦ ዅሉ ሰብ ኣመንንጊጉ ኣየስተምህርን’ዩ። ንጽምኣት ናይ’ቶም ብሓቀኛ እምነትን ብሰናይ ሕልናን ዚልምንዎ ግና፡ ከየርወየ ዘይኰልፍ እሙንን ሰናይን መንፈስ’ዩ።
እምበኣር ዓይነት ህይወትናን ናብራናን ንመርምር ማሕደርን ተመሃሮን ናይ’ዚ ቕዱስ መንፈስ’ዚ ምዃንናን ዘይምዃናን ነረጋግጽ። ነዛ ዓለም’ዚኣ ዚስዕርዋ፡ እቶም እሙናት ተመሃሮ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ’ዮም። ስለ’ዚ ምርጫን መኣዝንን ናይ ህይወትና ኣተኻኺልና ብመምህርነት መሪሕነትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ሰዓር ንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
23 ሰነ 2024 | ሰነ 16, 2016 ግዕዝ (መበል 41 ሰንበት: ቊ.፵፩/41) |
||
ምስባክ መዝ. 78:65/፸፯÷፷፭ ወተንሥኣ እግዚኣብሔር ከመ ዘነቅሓ እምንዋም ወከመ ኃያል ውኅዳገ ወይን ወቀተለ ጾሮ በድህሬሁ። ሽዑ እግዚኣብሔር ከም ደቂሱ ዝንበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኾይኑ ተንስኤ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ውቕዖም |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ይ ቆሮ 15 : 20 - 41 |
ዲያቆን |
|
1 ጴጥ 3 : 15 - end |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ ሐዋ 2 : 22 - 36 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሓ 20 : 1 - 18 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ ተንሥኣ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ