S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላም ምስ ኵላትና ይኹን። መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፡ መበል 18 ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤና ካብ ሓሙስ 28 ክሳብ 31 ሓምለ 2016 (July 28 to July 31, 2016) (ካብ ፳፩ ክሳብ ፳፬ ሓምለ ፳፻፰ . ግእዝ) ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ከተማ ሮቸስተር ኒው ዮርክ ክካየድ እዩ።

ምስናይ ኸኣ፡ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበ፡ ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።ግብ 1417

እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ክሳዕ ደም ናይ ኣብ መንጎ ቤት መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕዩ። እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።ማቴ 2335,36

 ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅንዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹምሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም። ንጐይታ ዜሐጉሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። ኤፌ 58-10

ኤርትራዊት ቤተ ክስርቲያን ተዋህዶ ስለቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ኣካይዳ። እቲ ጸሎተ ፍትሓት፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜርካ ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ትማሊ ቀዳም 2 ሕዳር 2013 ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ እዩ ተፈጺሙ። ምእመናን ድማ ብጸሎትን ንብዓትን ዝተሰነየ ሓባራዊ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣቕሪቦም። ንሰብ ዘይከኣሎ ንእግዚኣብሔር ይከኣሎ እዩ' ኣምላክ ንመከራና መወዳእታ ይግበረሉ። ኣሜን።

ነቲ ዝተገብረ ጸሎት ንምርኣይ ኣብዚ ዝቕጽል መላግቦ ተወከስ፡ Prayer vigil Service - Washington, DC


  “....ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝረኣኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኵሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ (ኢየሱስ) ከኣ ክትርእዮን፡ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሓረየካ።ግብ 2214,15

በስመ፣ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።

ነቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ደቅና ብጸሎተ ፍትሓት ንምዝካር፡ ቀዳም 2 ሕዳር 2013 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፣ ናይ ዓሱርን ኣርብዓን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ክንገብር ኢና። ስለዚ ተኻፋሊ እዚ ሓዘን እዚ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ዚግበር ሃገራዊ ጸሎተ ፍትሓት ንኽሳተፍ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።

ኣብርሃም ናብ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበይ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠሞ፡ ምስቶም ነዛ ተስፋዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።እብ 118-10

 “ኣይትታለሉ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦዩ።ቈረ 1533

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div