ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ’ውን፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተደጋጊሙ ዝዝረብሉ እዋን ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን።
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 12 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 12 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።

“እምበኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕምየትን ኣርሕቕዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዓብዩ፡ ከም’ቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ።” 1ጴጥ 2፡1-3 (ኤፌ 4፡14,15)
ካብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ሓዋርያ ሰላም፡ ክወጹ እዮም ካብ ማሕዪር ጸላም! ዝብል ሠናይ ወረ ይስማዕ ኣሎ።
መዓልታዊ ፈነወ ራድዮ ተዋህዶ 2017 - Daily Radio broadcasted in 2017
|
ወርሒ |
Month |
|
የካቲት 2017 |
|

“ኣሕዋተየ፡ (ብዓይነቱ) በበይኑ ዝዀነ ፈተና ኺበጽሓኩም ከሎ፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። (ምኽንያቱ) ብእምነትኩም ክትፍተኑ ኸለኹም፡ ጽንዓት’ዩ ዜፍርየልኩም። ግናኸ ብሓንቲ ነገር’ኳ ከይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብትዕግስቲ ጽንዑ፡ . . . እቲ ብጊዜ ፈተና ዚዕገስ ሰብ ብጹእ’ዩ፡ (ምኽንያቱ) ተፈቲኑ(ብዓወት) ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል’ዩ።” ያእ 2፡2-4,12 ካ.ት
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር ዝኾኑ፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥
ዘደቅስ ከይተረኽበ ደቂስካ ክሕደር ዝከኣል ኣይኮነን። ኩሉ ነገር ዘይስምዖም ኮይኖም፥ ደቂሶም ዝሓድሩ እንተተረኽቡ እውን፥ ዘገርም ኣይኮነን።
ሰንበት 31 ታሕሳስ 2017 ኢየሱስ፡ ሕያዋይ ጓሳ

“ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ’ምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ።” 1ጴጥ 1፡22,23(ገላ 5፡7,8)
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ