በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራን ምእመናንን ምእመናትን፥ ከምኡ’ውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘሎኹም ፈተውትን።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብ ሕማም ይርከቡ ኣለዉ።
ስለዚ ኣብ ዘዘሎኹሞ ኮንኩም ብብቋንቋኹም፥ ካብ ሎሚ ዕለት 17 ግንቦት 2017 (ግንቦት ፱, ፳፻፱) ጀሚርኩም፥ ስለ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጸሎት ክግበር ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እጽውዕ ኣሎኹ።
ከምኡውን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ይኹን ብውልቂ እትጽልዩ ካህናት ኣብ ኩሉ መደብ ጸሎትኩም፥ መሓረነ-ኣብን መስተበቊዕ በእንተ ድውያንን፥ ክትጽልዩ ሓደራ እብለኩም።
ብፍሉይ ከኣ ሰንበት 21 ግንቦት 2017 (ግንቦት ፲፫, ፳፻፱ ግእዝ) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ቅዳሴ፥ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘጽንሓቶ ሥርዓት ጸሎት ቅዳሴ ከም ዘለዎ ናይ ዕለቱ ኮይኑ፥ ኣብ ኩሉ ጸሎታት ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምሕረት ከውርደሎምን፥ ነታ ሃገር እግዚኣብሔር ክዕረቓን፥ ብጥብኣትን ብመንፈሳዊ ኣስተንትኖን ፍቕርን ኩላትና ብጸሎት ክንነቅሕ ኣባታዊ ለበዋይን ጸዋዒተይን ብስም እግዚኣብሔር አመሓላልፍ፥
እግዚኣብሔር ጸሎትና ይቀበለልና። ኣሜን።
ኣቡን መቃርዮስ
ጳጳስ ዲበኩሉ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ