S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሞት ብዓወት ተዋሕጠ (መበል 38 ሰንበት: ቊ.፴፰/38, 2024 ፈ | 2016 ግዕዝ

. . . ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። እቲ በራሲ (ስጋና) ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ (ስጋና) ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑሞት ብዓወት ተዋሕጠዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸምዩ። ሞት! ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ሞት! ኣበይ ኣሎ (ብልሕኻ) ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ትወግእ፡ ሓጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ሓይሊ ትረክብ።” 1ቈረ 1552-56 .

እዚ ዕለትዚ፡ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤዩ። ቅንያት ትንሳኤ ብምዃኑ፡ ናይ ዕለት መዝሙር ቅዱስ ያሬድውንአርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት” (ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣርኣየ) ዘርእስቱዩ። ኵሉ ንባባትን ምስባኽንውን፡ ነቲ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘለዎ ስልጣን ዜንጸባርቕዩ። እቲ ምስባክ ናይ ዕለትዚ፡ ምስ ታሪኽ እስራኤላውያን ተዛሚዱ እንተ ተጠቕሰ፡ ብዛዕባ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘርኣዮ ስልጣንን ዓወትን ዚገልጽ ትንቢታዊ መዝሙርዩ።

ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፡ መቓውሖም ከኣ ሰባበረ፡ መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ . . .” ዚብል ቃል፡ ምስ ታሪኽ እስራኤል ኣዛሚድና እንተ ረኣናዮ፡ መዓጹን መሽጐርን ሰቢሩ ኸም ዘውጽኦም ዚነግር ታሪኽ ኣይነንብብን ኢና። ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ንዝነበሩ ንሞት ስዒሩ ዘውጽኦም ጐይታናዩ። እዚ መዝሙር ኣብ ውሽጢ ታሪኽ እስራኤላውያን ዝተነግረ መሲሓዊ ትንቢት (ኢሳ 91-2) ኣብ ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ መልእኽቲ፡ ክርስቶስ ብፍቕሪ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዜነግረና ገሊጹልና ኣሎ። ሓይልን ስልጣንን ናይ ሞት ብክርስቶስ እንተ ዘይሰዓር፡ ስለ ዘፍቀረ ጥራሕ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዚሰግር ሰብ ኣይምሃለወን ነይሩ። እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ድማ፡ ንጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ኸም ዘይከኣለን፡ ንማእሰር-ሞት ፈቲሑ ኻብ ሙታን ከም ዝተንስአ፡ ብልሳን ቅዱስ ጴጥሮስ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቕዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 168-11 ጽሒፍዎ ዘሎ ቓል፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኻብ ዘርኡ ዝዀነ፡ ካብ ምውታትውን ዝተንስአ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተነበዮ፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብብቕዓት ተርጉሙልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስውን ነዚ ትንቢት ንሰብ ኣንጾክያ (ናይ ጵሲድያ) ተርጒሙሎም ኣሎ (ግብ 1334-37)

እዚ ምንጪ ናይ ኣርእስትናን ትምህርትናን ኰይኑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ ኵሉ ትሕዝቶኡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታንን ስዕረት ሞትንዩ። እዚ መበል 15 ምዕራፍ ናይ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ፡ ንቤተ ክርስትያን ቀንዲ ምንጭን መሰረትን ናይ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሰፊሕ ትምህርቲ ኺህብ ዝተደረኸሉ ምኽንያት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንትንሳኤ ሙታን የለንዚብል ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተኣታትዩ፡ ነታ ቤተ ክርስትያን የናውጻ ስለ ዝነበረዩ። ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ እቶም ብትንሳኤ ክርስቶስ ንኣምን ኢናዚብሉ፡ ንርእሶምውን ከም ክርስትያን ዚቐጽሩ ሰባት ዘልዓልዎ ስሑት እምነት ምዃኑዩ። ትንሳኤ ሙታን ዘየለን ዘየድልይን እንተ ዀይኑ፡ ዘዝሞቱ ንዘለኣለም ኣብ መመቓብሩ ደቂሱ ዚነብር እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ክርስቶስ ጐይታና ኻብ ምንታይ ኬድሕነና ዝሞተን ዝተንስአን፧ ትንሳኤ ሙታን እንተ ዘየልቦ ተሓታትነትን ፍርድን የለን ማለትዩ። ፍርዲ ዘየለ እንተ ዀይኑ ኸኣ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን የለን። ስለ መድሓኒንደልየሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይኪህልወናንዩ። ሕሰም ናይ ስሑት ትምህርቲ፡ ናይ ሒዝካዮ ዘለኻ ስሕተት ናይ መወዳእታ መዓልቦኡን መልእኽቱን ከተስተውዕሎ ዘይፈቕደልካ ምዃኑዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ትንሳኤ ሙታን ዘየልቦ እንተ ዀይኑ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስአን፡ እምነት ክርስትናውን ከንቱዩ፡ እቶም ናብ እምነት ክርስትና ዘእተውዎም ሃዋርያትውን ሓሰውቲዮም ማለትዩ። ስለ ኸኣ ንህይወትካ ማሕለኻታት እትገብረላ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ስለ ዘየለ፡ ከም እንስሳ እናበላዕካ እናሰተኻ፡ ከም ዝደለኻዮ እናዓንደርካን እናዓበድካን ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ትንሳኤ ሙታን የልቦን ማለት፡ ካብ እንስሳ ዚፈልየና ዋላ ሓንቲ ነገር የብልናን ማለትዩ። ስለ ንምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ምሉእ ብምሉእ ዘይምርዳእን ዘይምእማንን ናብ መዋጽኦ ዘይብሉ ደልሃመት ስለ ዜውድቐና፡ ቤተ ክርስትያንና ዀነ ዅላትና ኣገልገልትን ምእመናንን፡ ነዚ ዘለናዮ ዘመነ ትንሳኤ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታንን ዘሎና ርድኢትን ፍልጠትን እነዕምቘሉ፡ እምነትናውን እነዕብየሉ ዘመን ጌርና ኽንጥቀመሉ ዚግባእ፡ ናይ ዕለት መልእኽትናውን ኣካል ናይ ኺግበር ዚግብኦ ስጕምቲዩ።

ንሞት ንምንታይ ኢና ኽሳዕ ክንድ ኣዕቢናንርእዮ፧ ሞት እንታይ ድዩ፧ ንሞት በቲ ሓቀኛ መንነቱ ንዚፈልጦ፡ እዚሞት ብዓወት ተዋሕጠዚብል ቃል፡ ኣዝዩ ዓብይ ናይ ብስራት መልእኽቲዩ። ሞት፡ ሕሱም ጸላኢዩ፡ ሞት ሕሱም ጓሳ (1ቈረ 1526 መዝ 4914) ብምኽንያት ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሓጥእ ባህርይን፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የብልናን (ሮሜ 512,14) ናብ ማሕረዲ ኸም ዚኽብከባ ከብቲ ንዅላትና ይኽብክበና ኣሎ። ካብ ሓይልን ስልጣንን ናይ ሞት ንሓዋሩ እንገላገለሉ እንኮ መዋጽኦና፡ ትንሳኤ ሙታን ጥራሕዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታ፡ ዚሰዓር ጸላኢ፡ ሞት (1ቈረ 1526)

መብዛሕትና ንሞት ከም ሓደ ኵነት ወይ ክስተት ጌርና ጥራሕ ኢናንርድኦ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ሞት መንፈስ ምዃኑ፡ ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ሓደ ምዃኑ ዚነግረና። ምስ ተሳዕረ ድማ ፍርዲ ዚቕበል ረቂቕ መንፈስዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዚዝውተርመልኣከ ሞትዚብል ስያመ ድማ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መግለጺ ዚሰማማዕዩ። ኣካልነት ናይ ሞት ካብ ዚገልጹልና ጥቕስታት ሓደ፡ እቲ በቲ ዝተሓርደ ገንሸል፡ ብጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ራብዓይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ዘጋጠመ ዅነታት ዚገልጽ ናይ ራእ 67,8 ጥቕሲዩ።

“(ኢየሱስ) ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ ናይ ራብዓይ እንስሳ፡ንዓኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እንሆ ቡላ ፈረስ (ጸሊም ፈረስ)’ውን ረኣኹ። ስም ናይ ተወጢሕዎ ዝነበረውንሞት”’ዩ። ሲኦልውን ይስዕቦ ነበረ። ንራብዓይ ኣፍ ናይ ምድሪ ድማ፡ ብዅናትን ብጥምየትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም።

እዚ ቓልዚ፡ ሞት ኣካልነት ዘለዎ ረቂቕ መንፈስ ምዃኑ ዜረጋግጸልናዩ። ሞት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ሲኦልውን ደድሕሪ ሞት ዚስዕብ ኣካልነት ዘለዎ ረቂቕ መንፈስ ምዃኑ የረጋግጸልና ኣሎ። ዋላቶም ኵሉ ጊዜ ንወዲ ሰብ ዚፈታተንዎን ዜህልቕዎን ውግእ (ኵናት) ደርቅን ጥምየትን፡ ፌራ (ለበዳዊ ሕማማት)ን፡ ካልኦት ዓይነታት ናይ መዓትን፡ ብፍርዲ ኣምላኽ ግን ከኣ ብኣተግባርነት ናይ ናይ ጥፍኣት መንፈስ ዚፍጸም ምዃኑ ተገሊጹልና እንሆ።

እዚ መልኣከ-ሞት ተሓታትነትን ፍርድን ዚጽበዮ ኣካል ምዃኑውን መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ብትንሳኤ ሙታን ንዅላቶም ሓጥኣንን ጻድቃንን ኣብ ቅድሚ መንበሩ ኣቝሙ ኺፈርድ ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ዚፍረዶም፡ ሞትን ሲኦልንዮም።

ብድሕሪ ነቲ ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ኣሰር ዘይብሎምውን ጠፍኡ። ምውታት ድማ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ። መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። መጽሓፍ ህይወት ዝዀነ ኻልእ መጽሓፍውን ተገንጸለ። እቶም ምውታት ድማ፡ ከም ኣብ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለው ምውታት ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን ነቶም ኣብኣቶም ዘለው ምውታት ሃቡ። (እቶም ምውታት) ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ።ቀላይ ሓዊማለትካልኣይ ሞት”’ዩ። ስሙ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ (ዅሉ ሰብ) ናብ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።ራእ 2011-15 .

ብመሰረት ትንቢታዊ ራእይዚ፡ ሞት ንባዕሉውን ሞት ተፈሪድዎ ኺመውትዩ። እቲ ዅላትና ሰባት እንሞቶ ቐዳማይ ሞት ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ነይሩምበር፡ እቲ ኣብ ቀላይ ሓዊ ብስቓይ ዚንበሮ ኻልኣይ ሞትሲ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ናይ ቕዱስ ገንሸል ጥራሕዩ። ሞት ንርእሱ፡ በቲ ኻልኣይ ሞት ተኣሲሩ ኺሳቐይ ኪነብርዩ። ሓንሳእ ብትንሳኤ ክርስቶስ ተሳዒሩ ስለ ዝዀነ፡ ጐይታና ብኽብሪ ምስ ተገልጸ፡ ሞትን ሲኦልን ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ዅላቶም ምውታት፡ ከይፈተው ሰላሕ ኢሎም ኬረክብዎምዮም። መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ፡ መዓልቲ ትንሳኤ ሙታን፡ ስልጣን ሞትን ሲኦልን ምሉእ ብምሉእ ተገፊፉ፡ ንርእሶም ዚፍረዱሉን ዚሞቱሉን መዓልቲዩ።ሞት ብዓወት ተዋሕጠዚብል ብስራታውን ትንቢታውን ቃል ብግብሪ ዚፍጸመሉ ዝተባረኸ ዕለትዩ።

ብመሰረቱ ግን ብኸመይዮም ሞት ክሳዕ ክንዲ ዓብዪ ስልጣን ኪህልዎ ዝኸኣለ፧ ግደ ሓቂ እቲ ስልጣን ናይ እግዚኣብሄር ጥራሕምበር፡ ናይ ሞት ኣይኰነን። ንሓጥኣን ሞት ዝፈረደን ዝኣዘዘን እግዚኣብሄርዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ንሓጢኣት ዚግብኦን ዚምጥኖን ፍትሓዊ ፍርዲ፡ ዘለኣለማዊ ሞትዩ። ነስተውዕል፡ ዘለኣለማዊ ሞትምበር፡ እዚ ጊዝያዊ ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን ዚበሃል ዘሎ። እዚ ስጋና ሞይቱ ናብ መቓብር እንኣትወሉ ሞት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሞት ዜሳግረና ድንድል (ቢንቶ)’ምበር፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣይኰነን። ኣካላዊ ሞት፡ ሓጥእ ይኹን ጻድቕ፡ ኵሉ ሰብ ዚሞቶ ሞትዩ። ዘለኣለማዊ ሞት ግን ሓጥኣን ጥራሕ ዚሞትዎ ሞትዩ። ስለ እቲ ፍርድን ስልጣንን ናይ ኣምላኽምበር፡ ናይ ኣተግባሪ መንፈስ፡ ናይ ሞት ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሓጢኣት ሞት ምስ ፈረደ፡ ነዚ ናይ ሞት መንፈስ ኣሕሊፉ ዚህበካ። ንሱ ድማ ሞይኡን ተልእኾኡን ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ብትንሳኤ ናብ ዋንኡ ናብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዜረክበካ ኣብ ትሕቲኡ ኼሳቕየካ ይነብር።

ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ገይሩ ዚቐትል። ብኣገላልጻ ናይ ቀዳማይ ትርጒም፡ ሓጢኣት፡ ብልሒ ናይ ሞትዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓጢኣት ናይ ሞት ኣጽዋርዩ። ስለ ሓጢኣት ኪፈታተነና፡ ኣብ ኣፍ ደገ ልብና ዀይኑ ኺቃጸወና ኸሎ፡ ሓጢኣት ዘይኰነስ ሞት ዚቃጸወና ዘሎ።ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእከም ዝተባህለ፡ መንፈሳዊ ድንቍርናና ናብ ኢድ ሞት ኣሕሊፉ ዚህበና ዘሎ (ሆሴ 46 ኢሳ 513) ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ተዳልያ ዘላ ናይ ሓጢኣት ጸወታ ጥራይ ኢና ንጥምት። እታ ሓጢኣት፡ ሞት ዘጻወዳ መፈንጠራ ምዃና ምስትውዓል ንስእን። ዓሳ ብመቝለብ ዚገፍፍ ሰብ፡ ነታ ዓሳ ዚሕዘላ ብልሒ፡ ብቕልዕታ ናብ ማይ ኣየእትዋንዩ። ምኽንያቱ ዓይኑ እናረኣየ ቐታሊኡ ብልሒ ዚውሕጥ ዓሻ ዓሳ የለን። ስለ ነታ መቝለብ፡ ዓሳ ኺበልዖ ብዚደልይ ምግቢ ገይሩ ይሽፍና። ሽዑ እቲ ዓሻ ዓሳ፡ ነቲ ተንጠልጢሉ ዘሎ ገመድን ነታ ቐታሊ ብልሕን ፈትዩ ይርስዖሞ፡ ነቲ ቐታሊ ብልሒ ምስ ዝተዳለወሉ ናይ ጥበራ ምግቢ ደሪቡ ይውሕጦ። ምግቢ ዝወሓጠ መሲልዎ ሞት ይውሕጥሞ፡ ንርእሱ ምግቢ ናይ ብዓል መቝለብ ይኸውን። ሰብ ዓሻ ድማ፡ ልክዕ ከም በሃም እንስሳ፡ ነቲ ሞት ዘዳለወሉ ሓጢኣት እናወሓጠ፡ ድራር ሞት ይኸውን። ስለ ቅርጽን ቍመናን ናይ ሰብ ዝለበሰ እንስሳ እንተ ዘይኴንና፡ ሓጢኣት ክንሓስብ፡ ሓጢኣት ክንዛረብ፡ ወይ ሓጢኣት ክንገብር ዚፈታተነናን ዚዕድመናን ኵነታት ኪፍጠር ከሎ፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ነቲ መቝለብ ሒዙ ዚጽበየና ዘሎ ሞት ክንርእይ ዚግባእ።

ንሓጥእ ሰብ ሞት ዝኣዘዞ፡ ሕጊ-ኣምላኽዩ። ፍርዲ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ኣፍ ደገንኸፍት ግን፡ ንሕና እቶም ፈጸምቲ ሓጢኣት ኢና። ስለ ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ንሞት ዕድል ንፈጥረሉን ዲል ንህቦን ዘለና ባዕላትና ኢና። ንሕና ሓጢኣት ምግባር እንተ ነቋርጽ፡ ሞት ዚገብሮ ዝሰኣነ ስራሕ-ኣልቦ መንፈስ ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ዚቐትለና ዘሎ ሓጢኣትናምበር፡ ሕጊ ኣምላኽ ኣይኰነን።ከይትመውትሲ ካብዚኣ ኣይትብላዕትብል ሓንቲ ትእዛዝ ምኽባር ተሪር ዓቐብ ኰይኑ ዝተሰምዖም ኣዳምን ሄዋንን፡ ኢዶም ዘርጊሖም ሓጢኣት ምስ ወሓጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ሞት ወሓጦም። ካብ ዕለትቲኣ ጀሚሩ፡ መልኣከ-ሞት ጾሙ ሓዲሩ፡ ስራሕ ስኢኑ ኣይፈልጥንዩ። ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ጽድቅን ቅድስናን ናይ እግዚኣብሄር ዚፍጸም ከቢድ በደልዩ። ይኹን ደኣምበር፡ እግዚኣብሄር ሞት ናይ ዋላ ሓደ ሓጥእ ሰብ ኣይፈትውንዩ። ስለ ኸኣ፡ ሞት ረሲእዶ እፈትውየ፡ ፍታወይሲ (እቲ ሓጥእ) ኻብ መገዱ ኺምለስ ብህይወትውን ኪነብርዶ ኣይኰነን፧ . . . ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንንዩ። . . . ስለምንታይከትሞቱ፡ ካብ እኩይ መገድኹም ተመለሱ።” ብምባል ተማሕጺኑና ኣሎ (ህዝ 1823,31,32 3311) ስለ ኽንሓጥእ ከለና ንባህግን ፍታውን ናይ ሞት ኢና ነገልግል ዘለናምበር፡ ነቲ ንሓጢኣት ሞት ዝፈረደ ፍትሓዊ ኣምላኽ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብሞትና ዚሕጐስ እንተ ዚኸውን፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ንኼድሕነና፡ ነቲ ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኣይምሃበን ነይሩ (ዮሃ 315,16 ሮሜ 56,8,10)

መሪሕ ጥቕስና፡ ብኸመይ ሞት ንሕጊ ኣምላኽ ተጠቒሙ ከም ዚቐትለና ዚገልጸልና ዘሎ፧ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ዝተፈጸመሉ ታሪኽ እንተ መርመርና፡ ሰይጣን ንሄዋን ንኼስሕታ ዝተጠቕመሉ ሜላ፡ ነዚ ሕቶና ብግቡእ ይምልሶዩ። ነታ ሕጊ ንኼፍርስዋ፡ ንባዕላ ነታ ሕጊ ተጠቕመላ። ሰይጣን እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝኣዘዘ፡ እንታይ ድማ ከም ዝኸልከለ፡ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ክነሱ፡ ንሄዋን፡ኣምላኽሲ፡ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ፡ኢሉዶ ኣዚዙዩ፧ኢሉ ሓተታ። ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ብቕኑዕ መገዲ ድሕሪ ምምላሳ፡ እግዚኣብሄር ዘይቅኑዕ ናይ ሓሶት ትእዛዝ ከም ዝሃበ፡ ምእንቲ ኸይመዓራረይዎ ኢሉ ብተንኰል ከም ዝኣዘዞ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነታ ትእዛዝ ኣፍሪስካ ኻብ ዝተኸልከለ ፍረ ምብላዕ ዘለዎ ረብሓ ዘርዘረላ። በዚ ሜላኡ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ሓቀኛታት (Genuiness) ከም ዚጠራጠሩገበሮም። ናይ ገዛእ ርእሱ ቕንዕናን ሓቀኛነትን ኬርእዮምን ኬረጋግጸሎምን ኣይፈተነን፡ ኪገብሮውን ኣየድልዮንዩ። እታ ብዛዕባ ቕንዕና ናይ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዝፈጠራ ነቓዕ፡ ናብ ሓጢኣትን ናብ መሪር ሳዕቤናቱን ንኸተጽድፎም፡ ብቕዕቲ ዕንቅፋት ዝነበረት። ሓንሳእ ዝተዓንቀፈን ገርህነቱን ንጽህናኡን ዘጥፍአ ሕልና ድማ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ትዕድልቱ ኣንጻር ረብሓኡን ኣንጻር ልኡላውነትን ጽድቅን ናይ ኣምላኽ ኪጥቀመሉ ድሕር ኣይብልንዩ።

ብዛዕባ ንኽንርዳእ ጥቕሲውን ኣየድልየናንዩ። ካብ ቘልዑ ኸለና ዀነ ምስ ዓበናውን ዘይሓድገና ባህርይናን ተመክሮናን ጥራሕ ክንርድኦ ንኽእል ኢና።ነዚኣ ኸይትሕዛ፡ ከይትትንክፋዚብል ትርር ዝበለ ትእዛዝን መጠንቀቕታን እንተ ተዋሂቡና፡ ዋላ ቕድሚ ሕጂ ንርእያን ዘይንግደሰላን ዝጸናሕና፡ ካብ ከምኣትብል ትእዛዝ ዝተዋህበትና መዓልቲ ጀሚሩ፡ ክንዕገሶን ከነዐግሶን ዘይንኽእል ገለ ዓይነት ህንጡይነት ኣብ ውሽጥና ተላዒሉ ኪህውጸናን ኪርብጸናን ይጅምር።መዓስ ኸልካልየይ እልይ ዚብለለይሞ፡ ከፊተ ዝርእያዚብል ኣጕል ጥሙሕ ኬናውጸና ይጅምር፡ ከይወዓልና ኸይሓደርና ድማ ንገብሮ። ሰይጣን ኣብ ቐዳመይቲ ርክቡን ፈተንኡን ብቐሊሉ ኺዕወት ዝኸኣለ፡ ብዘይ ምኽንያት ካብ ባዶ ተላዒሉ ኪኸውን ኣይክእልንዩ። ዋላ ነታ ትእዛዝ ክሳዕ ምጥሓስ ደኣ ኣይድፍኣዮምምበር፡ እቲኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋውንዚብል ትእዛዝ፡ነዚ ዅሉ ብዘይ ዝዀነ ደረት ፈቒዱልናስ፡ ንምንታይ ነዚኣ ጥራሕ ዚኽልክለና፧ዚብል ሓሳብ ኣብ ውሽጦም ተደጒሉ ኸም ዝጸንሐ ዘየጠራጥርዩ። ኣቦታትና፡ጥቓ ትኪ ዘሎ ዓይኒ ኣይተብክይከም ዚብሉ ሽዑ እቲ ናይ ሰይጣን ኣብጽሖም። እዚ ተርእዮ ዝተኸስተ፡ ገና ሓጥእ ባህርይ ናብ ሰብ ከይሰረጸን ከይሰረተን ከሎ ዝተፈጸመዩ። እዞም ሓጥእ ባህርይ ኣብ ውሽጥና ኣዕሚቑ ምስ ሰረተ ዝተወለድና ደቂ ኣዳም ግና ብዛዕባ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እንታይ ከም ዚመስል፡ ባዕላትና ዋናታቱን ተጠቀምቱን ስለ ዝዀንና፡ ዝዀነ ዓይነት ትንተና ኣየድልየናንዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ባህርይ ጽቡቕ ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።

ስለ ንኣምላኽ (ዚኸውን) ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ ንስኻትኩምውን ንኻልእ፡ ማለት ነቲ ኻብ ምውታት ዝተንስአ (ክርስቶስ) ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብ (ኣሲሩኩም ዝነበረ) ሕጊ ሙሴ ሓራ ወጺእኩም ኢኹም (ካብ ሕጊ ሞትኩም) ኣብ ብስጋንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ ብሕጊ ተለዓዒሉ (ብሕጊ ተነቓኒቑ) ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ። . . . (እሞ) እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ (እቲ ሕጊ፡ ትምኒት ሓጢኣት ዜለዓዕል እንተ ዀይኑ) እቲ ሕጊዶ (ንርእሱ) ሓጢኣትዩ፧ ያእ ኣይፋሉን፡ ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊዘይገንዘብካ ኣይትተምነይ እንተ ዘይብል፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት፡ ብዘይ ሕጊ ምውትዩ። ሓጢኣት ግና፡ ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር ክፉእ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዓለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ፡ ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ሞት ኰነኒ። (ምኽንያቱ) ሓጢኣት ምኽንያቱ ረኺቡ፡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ ብእኡውን ቀተለኒ።

ኣበሰኛ ዚኸውን ዘሎ እቲ ሓጢኣትምበር፡ እቲ ትእዛዝ ኣይኰነን። እዚ ብልሓተኛ ተመን፡ ዲያብሎስ፡ ንድኻምና መዝሚዙ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ንጥፍኣትና ይጥቀመሉ ኣሎ። እቲ ሕጊ ኣምላኽ፡ ህይወት ንኼምጽእን ንኺዕቅብን ዝተዋህበ። ንህይወት ክንጥቀመሉ ዝነበረና ኸኣ፡ እቶም ህይወት ኣዝዩ ዜድልየናን ዜርብሓናን ደቂ ሰባት ኢና። ንሕና ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ሓለፋን ስልጣንን ንዒቕና ምስ ደርበናዮ ግን፡ ሽዑ እዚ ሕሱም ጸላኢና፡ በቲ ጻድቕ ሕጊ ንትምኒት ስጋና እናለዓዓለን እናዕፈረን እቲ ንሞት ዚኸውን ፍረ፡ ማለት ሓጢኣት፡ ኣብ ህይወትና ብዘይ መጠን ከም ዚፈርይ ገበሮ። ናይ ሓጢኣት ፍትሓዊ ብይን ሞት ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ሕጊ ቀተለና። በቲ ሕጊ ኣስሒቱስ፡ በቲ ሕጊ ኣቕተለና። ነቲ ንህይወት ዝተዋህበና ትእዛዝ፡ ንጥፍኣትና ንሞትና ተጠቒሙ መዝመዞ።

እዚ ረቂቕ ብልሓት ናይ ሰይጣን ደኣ ብኸመይ ፈሸለ፧ እዚ እምብዛ ዕውት ዝነበረ ሞት፡ ብኸመይ ብዓወት ክርስቶስ ዝተዋሕጠ፧ ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ብሞት ስዒርዎ ንሞት፡ ብገዛእ ኣጽዋሩ ብሞት ሰዓሮ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ብኽልተ መገዲ ስዒርዎ። እቲ ቐዳማይ መገዱ፡ ስጋ ኣዳም ዝለበሰ ፍጹም ሰብ ክነሱ፡ ሓጢኣት ብዘይምፍጻሙስለ እቲ ንሕጊ ተጠቒሙ ንዅሉ ሰብ ዜስሕተሉ ጥበቡ፡ ኣብ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኪሰርሓሉ ኣይከኣለን። ኣብ ብድያብሎስ ዚፍተነሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ጽሑፋት እናጠቐሰ ብእኡ ኼስሕቶን ኪቐትሎን እንተ ተጋደለ ፈጺሙ ኣይሰለጦን (ማቴ 41-11 ሉቃ 41-13) ጐይታና ግና፡ ነቲ ንህይወት ዝተዋህቦ ትእዛዛት፡ ንህይወት ስለ ዝተጠቕመሉ፡ ዲያብሎስ ፈሸላ (ማቴ 517-20 ገላ 312 ዮሃ 519,36 638 828,38 1038 1248-50 1410,11,13) በዚ ኸኣ እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና ኰነ። እቲ ኻልኣይ መገዲ ድማ ሞቱን ትንሳኤኡንዩ። ብሞቱ ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዕዳ ሓጢኣት ስለ ዝኸፈሎ ንድያብሎስ ንሓጥእ ሰብ ዚቐትለሉ ምኽንያት ከልኦ። ዲያብሎስ፡እዚ ሰብ እዝን እትን ስለ ዝገበረ ሞት ይግብኦኢሉ ኪኸስስ ምስ ተላዕለ፡ንሞቱ ክርስቶስ ሞይቱሉዚብል ረታዒ መልሲ ዚወሃቦ። ስለ ኸኣእቲ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩተባህለ (ራእ 1210) ኣብ ሞት ጥራይ ግን ኣይተደረተን። ሞት ኣጽኑዑ ኺሕዞ ስለ ዘይከኣለ፡ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ብምትንሳእ በዅሪ ትንሳኤ ዀነ (ግብ 224) ከም ኣብ ክንዳና ዝሞተ፡ ኣብ ክንዳናውን ስለ ዝተንስአ፡ ኵላትና እንትንስኣሉ መሰረት ኣንጸፈ። ዋላ ኽሳዕ ዕለተ ምጽኣት፡ ስጋና ኣብ ትሕቲኡ እንተ ጸንሐ፡ እታ መዓልቲ ፍርዱ ምስ ኣኸለት ግን፡ ኣብ ኢዱ ዝጸንሑ ዅላቶም ምውታት ኣረኪቡ፡ ንሱ ንባዕሉ ኺመውትዩ። ጐይታ ብኸም መገዲ ገይሩ፡ ስለ ዝሰዓሮ፡ነቲ ብሕግጋትን ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ ተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ካብ ማእከልና ኣርሓቖ። ነቶም (ናይ ሞት) ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ (ብሞት) ምስ ሰዓሮም (ብትንሳኤኡ) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ (ብግልጺ) ኣስተሓፈሮም።" ተባህለልና (ቈሎ 214,15 .) ከም ኣብ ቅዳሴ ናይ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ማለትእቲ ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ምእንቲ ኺስዕሮ ሞተ ፡ንምውታት ህያዋን ምእንቲ ኺገብሮም ሞተ ዚብለና፡ ጐይታና ብሞቱን ብትንሳኤኡን ስዒሩ፡ ንሞት ብገዛእ ኣጽዋሩ ኣስተሓፊርዎዩ። ክብሪ ነቲ ንሞት ዘስተሓፈሮ፡ ብሞቱን ትንሳኤኡን ድማ ዘድሓነና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን።

እዚ ብክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተፈጸመ ዓወት፡ ንዅሉ ሰብ ዚብጽሖ ዓወት ድዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ዓወት ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም፡ ነቲ ኣረጊት ሰቦም ምስ ናይ ፍትወቱን ግብሩን ቀንጢጦም ኣብ መስቀል ዝሰቐል ካብ ሓጢኣቶም ምስ ክርስቶስ ሞይቶም ንጽድቂ ምስኡ ዝተንስኡ ክርስትያን ጥራሕ ዚምልከትዩ። እቶም ምስ ክርስቶስ ምዃን ዝተጸየፉ ሓጥኣን ግና፡ ምስ ዝመረጽዎ ድያብሎስን ሞትን ንዘለኣለም ኣብ ቐላይ ሓዊ ነቲ ኻልኣይ ሞት ኬአንግድዎ ኺነብሩዮም።

እምበኣር መገድና ንመርምርሞ፡ ናይ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተፈጸመ ዓወት ተኻፈልቲ፡ ኣካላት ናይ ንሞት ዝወሓጦ ዓወት ክርስቶስ ምዃንና ብግብራዊ መገዲ ነረጋግጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 2024 | ግንቦት 25, 2016 ግዕዝ (መበል 38 ሰንበት: ቊ.፴፰/38)

ምስባክ

መዝ. ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮

ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።

መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ  15፡50-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-32

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 21፡15-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div