“. . . ንሕና’ውን ክንልወጥ ኢና። እቲ በራሲ (ስጋና) ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ (ስጋና) ኸኣ ዘይሙማት ኪለብስ ይግብኦ’ዩ። እቲ በራሲ ዘይምብራስ፡ እቲ መዋቲ’ውን ዘይሙማት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ’ቲ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ጽሑፍ ቃል ኪፍጸም’ዩ። ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ኦ ሞት! ኣበይ ኣሎ (ብልሕኻ)፧ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ትወግእ፡ ሓጢኣት ከኣ ካብ ሕጊ ሓይሊ ትረክብ።” 1ቈረ 15፡52-56 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ፡ ሓምሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። ቅንያት ትንሳኤ ብምዃኑ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ’ውን “አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት” (ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣርኣየ) ዘርእስቱ’ዩ። ኵሉ’ቲ ንባባትን ምስባኽን’ውን፡ ነቲ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘለዎ ስልጣን ዜንጸባርቕ’ዩ። እቲ ምስባክ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ምስ ታሪኽ እስራኤላውያን ተዛሚዱ’ኳ እንተ ተጠቕሰ፡ ብዛዕባ ጐይታ ኣብ ልዕሊ ሞት ዘርኣዮ ስልጣንን ዓወትን ዚገልጽ ትንቢታዊ መዝሙር’ዩ።
“ካብ ጸልማትን ድነ ሞትን ኣውጽኦም፡ መቓውሖም ከኣ ሰባበረ፡ መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ . . .” ዚብል ቃል፡ ምስ ታሪኽ እስራኤል ኣዛሚድና እንተ ረኣናዮ፡ መዓጹን መሽጐርን ሰቢሩ ኸም ዘውጽኦም ዚነግር ታሪኽ ኣይነንብብን ኢና። ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ንዝነበሩ ንሞት ስዒሩ ዘውጽኦም ጐይታና’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ እስራኤላውያን ዝተነግረ መሲሓዊ ትንቢት’ዩ (ኢሳ 9፡1-2)። ኣብ’ቲ ናይ ሃዋርያ ዮሃንስ መልእኽቲ፡ ክርስቶስ ብፍቕሪ ካብ ሞት ናብ ህይወት ከም ዜነግረና ገሊጹልና ኣሎ። ሓይልን ስልጣንን ናይ ሞት ብክርስቶስ እንተ ዘይሰዓር፡ ስለ ዘፍቀረ ጥራሕ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዚሰግር ሰብ ኣይምሃለወን ነይሩ። እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ድማ፡ ንጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ኸም ዘይከኣለን፡ ንማእሰር-ሞት ፈቲሑ ኻብ ሙታን ከም ዝተንስአ፡ ብልሳን ቅዱስ ጴጥሮስ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ቕዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 16፡8-11 ጽሒፍዎ ዘሎ ቓል፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኻብ ዘርኡ ዝዀነ፡ ካብ ምውታት’ውን ዝተንስአ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተነበዮ፡ ብረድኤት መንፈስ ቅዱስ ብብቕዓት ተርጉሙልና ኣሎ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ትንቢት’ዚ ንሰብ ኣንጾክያ (ናይ ጵሲድያ) ተርጒሙሎም ኣሎ (ግብ 13፡34-37)።
እዚ ምንጪ ናይ ኣርእስትናን ትምህርትናን ኰይኑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ ኵሉ ትሕዝቶኡ ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታንን ስዕረት ሞትን’ዩ። እዚ መበል 15 ምዕራፍ ናይ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ፡ ንቤተ ክርስትያን ቀንዲ ምንጭን መሰረትን ናይ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሰፊሕ ትምህርቲ ኺህብ ዝተደረኸሉ ምኽንያት፡ ኣብ’ታ ቤተ ክርስትያን “ትንሳኤ ሙታን የለን” ዚብል ናይ ሓሶት ትምህርቲ ተኣታት’ዩ፡ ነታ ቤተ ክርስትያን የናውጻ ስለ ዝነበረ’ዩ። ኣዝዩ ዜሕዝን ከኣ እቶም ብትንሳኤ ክርስቶስ ንኣምን ኢና” ዚብሉ፡ ንርእሶም’ውን ከም ክርስትያን ዚቐጽሩ ሰባት ዘልዓልዎ ስሑት እምነት ምዃኑ’ዩ። ትንሳኤ ሙታን ዘየለን ዘየድልይን እንተ ዀይኑ፡ ዘዝሞቱ ንዘለኣለም ኣብ መመቓብሩ ደቂሱ ዚነብር እንተ ዀይኑ ደኣ፡ ክርስቶስ ጐይታና ኻብ ምንታይ ኬድሕነና’ዩ ዝሞተን ዝተንስአን፧ ትንሳኤ ሙታን እንተ ዘየልቦ ተሓታትነትን ፍርድን የለን ማለት’ዩ። ፍርዲ ዘየለ እንተ ዀይኑ ኸኣ ዘለኣለማዊ ሞትን ስቓይን የለን። ስለ’ዚ መድሓኒ ‘ንደልየሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ኣይኪህልወናን’ዩ። ሕሰም ናይ ስሑት ትምህርቲ፡ ናይ’ቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ስሕተት ናይ መወዳእታ መዓልቦኡን መልእኽቱን ከተስተውዕሎ ዘይፈቕደልካ ምዃኑ’ዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ትንሳኤ ሙታን ዘየልቦ እንተ ዀይኑ፡ ክርስቶስ’ውን ኣይተንስአን፡ እምነት ክርስትና’ውን ከንቱ’ዩ፡ እቶም ናብ እምነት ክርስትና ዘእተውዎም ሃዋርያት‘ውን ሓሰውቲ’ዮም ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ንህይወትካ ማሕለኻታት እትገብረላ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ስለ ዘየለ፡ ከም እንስሳ እናበላዕካ እናሰተኻ፡ ከም ዝደለኻዮ እናዓንደርካን እናዓበድካን ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ትንሳኤ ሙታን የልቦን ማለት፡ ካብ እንስሳ ዚፈልየና ዋላ ሓንቲ ነገር የብልናን ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ንምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ምሉእ ብምሉእ ዘይምርዳእን ዘይምእማንን ናብ መዋጽኦ ዘይብሉ ደልሃመት ስለ ዜውድቐና፡ ቤተ ክርስትያንና ዀነ ዅላትና ኣገልገልትን ምእመናንን፡ ነዚ ዘለናዮ ዘመነ ትንሳኤ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታናን ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታንን ዘሎና ርድኢትን ፍልጠትን እነዕምቘሉ፡ እምነትና’ውን እነዕብየሉ ዘመን ጌርና ኽንጥቀመሉ’ዩ ዚግባእ፡ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መልእኽትና’ውን ኣካል ናይ’ቲ ኺግበር ዚግብኦ ስጕምቲ’ዩ።
ንሞት ንምንታይ ኢና ኽሳዕ ክንድ’ዚ ኣዕቢና ‘ንርእዮ፧ ሞት እንታይ ድዩ፧ ንሞት በቲ ሓቀኛ መንነቱ ንዚፈልጦ፡ እዚ “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ቃል፡ ኣዝዩ ዓብይ ናይ ብስራት መልእኽቲ’ዩ። ሞት፡ ሕሱም ጸላኢ’ዩ፡ ሞት ሕሱም ጓሳ’ዩ (1ቈረ 15፡26 ፣ መዝ 49፡14)። ብምኽንያት’ቲ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሓጥእ ባህርይን፡ ካብ ኣዳም ጀሚሩ ብሞት ዘይሓልፍ ሰብ የብልናን (ሮሜ 5፡12,14)። ናብ ማሕረዲ ኸም ዚኽብከባ ከብቲ ንዅላትና ይኽብክበና ኣሎ። ካብ ሓይልን ስልጣንን ናይ ሞት ንሓዋሩ እንገላገለሉ እንኮ መዋጽኦና፡ ትንሳኤ ሙታን ጥራሕ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታ፡ ዚሰዓር ጸላኢ፡ ሞት’ዩ (1ቈረ 15፡26)።
መብዛሕትና ንሞት ከም ሓደ ኵነት ወይ ክስተት ጌርና ጥራሕ ኢና ‘ንርድኦ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ሞት መንፈስ ምዃኑ፡ ካብ’ቶም ርኹሳት መናፍስቲ ሓደ ምዃኑ’ዩ ዚነግረና። ምስ ተሳዕረ ድማ ፍርዲ ዚቕበል ረቂቕ መንፈስ’ዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዚዝውተር “መልኣከ ሞት” ዚብል ስያመ ድማ፡ ምስ’ዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መግለጺ ዚሰማማዕ’ዩ። ኣካልነት ናይ ሞት ካብ ዚገልጹልና ጥቕስታት ሓደ፡ እቲ በቲ ዝተሓርደ ገንሸል፡ ብጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ራብዓይ ማሕተም ምስ ተፈትሐ ዘጋጠመ ዅነታት ዚገልጽ ናይ ራእ 6፡7,8 ጥቕሲ’ዩ።
“(ኢየሱስ) ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ ናይ’ቲ ራብዓይ እንስሳ፡ “ንዓ” ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እንሆ ቡላ ፈረስ (ጸሊም ፈረስ)’ውን ረኣኹ። ስም ናይ’ቲ ተወጢሕዎ ዝነበረ’ውን “ሞት”’ዩ። ሲኦል’ውን ይስዕቦ ነበረ። ንራብዓይ ኣፍ ናይ ምድሪ ድማ፡ ብዅናትን ብጥምየትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም።”
እዚ ቓል’ዚ፡ ሞት ኣካልነት ዘለዎ ረቂቕ መንፈስ ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ። ሞት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ሲኦል’ውን ደድሕሪ ሞት ዚስዕብ ኣካልነት ዘለዎ ረቂቕ መንፈስ ምዃኑ የረጋግጸልና ኣሎ። ዋላ’ቶም ኵሉ ጊዜ ንወዲ ሰብ ዚፈታተንዎን ዜህልቕዎን ውግእ (ኵናት)፡ ደርቅን ጥምየትን፡ ፌራ (ለበዳዊ ሕማማት)ን፡ ካልኦት ዓይነታት ናይ መዓትን፡ ብፍርዲ ኣምላኽ ግን ከኣ ብኣተግባርነት ናይ’ዚ ናይ ጥፍኣት መንፈስ ዚፍጸም ምዃኑ ተገሊጹልና እንሆ።
እዚ መልኣከ-ሞት’ዚ ተሓታትነትን ፍርድን ዚጽበዮ ኣካል ምዃኑ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ። ጐይታና ብምጽኣቱ ተገሊጹ ብትንሳኤ ሙታን ንዅላቶም ሓጥኣንን ጻድቃንን ኣብ ቅድሚ መንበሩ ኣቝሙ ኺፈርድ ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ዚፍረዶም፡ ሞትን ሲኦልን’ዮም።
“ብድሕሪ’ዚ ነቲ ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ኣሰር ዘይብሎም’ውን ጠፍኡ። ምውታት ድማ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ። መጻሕፍቲ’ውን ተገንጸሉ። መጽሓፍ ህይወት ዝዀነ ኻልእ መጽሓፍ’ውን ተገንጸለ። እቶም ምውታት ድማ፡ ከም’ቲ ኣብ’ቲ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለው ምውታት ሃበት። ሞትን ሲኦልን’ውን ነቶም ኣብኣቶም ዘለው ምውታት ሃቡ። (እቶም ምውታት) ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልን’ውን ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። “ቀላይ ሓዊ” ማለት “ካልኣይ ሞት”’ዩ። ስሙ ኣብ’ቲ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ (ዅሉ ሰብ)፡ ናብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።”ራእ 20፡11-15 ካ.ት
ብመሰረት’ዚ ትንቢታዊ ራእይ’ዚ፡ ሞት ንባዕሉ’ውን ሞት ተፈሪድዎ ኺመውት’ዩ። እቲ ዅላትና ሰባት እንሞቶ ቐዳማይ ሞት’ዩ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ነይሩ’ምበር፡ እቲ ኣብ ቀላይ ሓዊ ብስቓይ ዚንበሮ ኻልኣይ ሞትሲ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ናይ’ቲ ቕዱስ ገንሸል ጥራሕ’ዩ። ሞት ንርእሱ፡ በቲ ኻልኣይ ሞት ተኣሲሩ ኺሳቐይ ኪነብር’ዩ። ሓንሳእ ብትንሳኤ ክርስቶስ ተሳዒሩ ስለ ዝዀነ፡ ጐይታና ብኽብሪ ምስ ተገልጸ፡ ሞትን ሲኦልን ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኖም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ዅላቶም ምውታት፡ ከይፈተው ሰላሕ ኢሎም ኬረክብዎም’ዮም። መዓልቲ ምጽኣት ጐይታ፡ መዓልቲ ትንሳኤ ሙታን፡ ስልጣን ሞትን ሲኦልን ምሉእ ብምሉእ ተገፊፉ፡ ንርእሶም ዚፍረዱሉን ዚሞቱሉን መዓልቲ’ዩ። “ሞት ብዓወት ተዋሕጠ” ዚብል ብስራታውን ትንቢታውን ቃል ብግብሪ ዚፍጸመሉ ዝተባረኸ ዕለት’ዩ።
ብመሰረቱ ግን ብኸመይ’ዮም ሞት ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዓብዪ ስልጣን ኪህልዎ ዝኸኣለ፧ ግደ ሓቂ እቲ ስልጣን ናይ እግዚኣብሄር ጥራሕ’ምበር፡ ናይ ሞት ኣይኰነን። ንሓጥኣን ሞት ዝፈረደን ዝኣዘዘን እግዚኣብሄር’ዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ንሓጢኣት ዚግብኦን ዚምጥኖን ፍትሓዊ ፍርዲ፡ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። ነስተውዕል፡ ዘለኣለማዊ ሞት’ምበር፡ እዚ ጊዝያዊ ኣካላዊ ሞት ኣይኰነን ዚበሃል ዘሎ። እዚ ስጋና ሞይቱ ናብ መቓብር እንኣትወሉ ሞት፡ ናብ’ቲ ዘለኣለማዊ ሞት ዜሳግረና ድንድል (ቢንቶ)’ምበር፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣይኰነን። ኣካላዊ ሞት፡ ሓጥእ ይኹን ጻድቕ፡ ኵሉ ሰብ ዚሞቶ ሞት’ዩ። ዘለኣለማዊ ሞት ግን ሓጥኣን ጥራሕ ዚሞትዎ ሞት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ፍርድን ስልጣንን ናይ ኣምላኽ’ምበር፡ ናይ’ቲ ኣተግባሪ መንፈስ፡ ናይ ሞት ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሓጢኣት ሞት ምስ ፈረደ፡ ነዚ ናይ ሞት መንፈስ’ዩ ኣሕሊፉ ዚህበካ። ንሱ ድማ ሞይኡን ተልእኾኡን ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ብትንሳኤ ናብ ዋንኡ ናብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዜረክበካ ኣብ ትሕቲኡ ኼሳቕየካ ይነብር።
ኣብ መሪሕ ጥቕስና ብንጹር ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሞት ብሓይሊ ሓጢኣት ገይሩ’ዩ ዚቐትል። ብኣገላልጻ ናይ ቀዳማይ ትርጒም፡ ሓጢኣት፡ ብልሒ ናይ ሞት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓጢኣት ናይ ሞት ኣጽዋር’ዩ። ስለ’ዚ ሓጢኣት ኪፈታተነና፡ ኣብ ኣፍ ደገ ልብና ዀይኑ ኺቃጸወና ኸሎ፡ ሓጢኣት ዘይኰነስ ሞት’ዩ ዚቃጸወና ዘሎ። “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ” ከም ዝተባህለ፡ መንፈሳዊ ድንቍርናና’ዩ ናብ ኢድ ሞት ኣሕሊፉ ዚህበና ዘሎ (ሆሴ 4፡6 ፣ ኢሳ 5፡13)። ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ተዳልያ ዘላ ናይ ሓጢኣት ጸወታ ጥራይ ኢና ንጥምት። እታ ሓጢኣት፡ ሞት ዘጻወዳ መፈንጠራ ምዃና ምስትውዓል ንስእን። ዓሳ ብመቝለብ ዚገፍፍ ሰብ፡ ነታ ዓሳ ዚሕዘላ ብልሒ፡ ብቕልዕታ ናብ’ቲ ማይ ኣየእትዋን’ዩ። ምኽንያቱ ዓይኑ እናረኣየ ቐታሊኡ ብልሒ ዚውሕጥ ዓሻ ዓሳ የለን። ስለ’ዚ ነታ መቝለብ፡ ዓሳ ኺበልዖ ብዚደልይ ምግቢ ገይሩ ይሽፍና። ሽዑ እቲ ዓሻ ዓሳ፡ ነቲ ተንጠልጢሉ ዘሎ ገመድን ነታ ቐታሊ ብልሕን ፈትዩ ይርስዖ’ሞ፡ ነቲ ቐታሊ ብልሒ ምስ’ቲ ዝተዳለወሉ ናይ ጥበራ ምግቢ ደሪቡ ይውሕጦ። ምግቢ ዝወሓጠ መሲልዎ ሞት ይውሕጥ’ሞ፡ ንርእሱ ምግቢ ናይ’ቲ ብዓል መቝለብ ይኸውን። ሰብ ዓሻ ድማ፡ ልክዕ ከም በሃም እንስሳ፡ ነቲ ሞት ዘዳለወሉ ሓጢኣት እናወሓጠ፡ ድራር ሞት ይኸውን። ስለ’ዚ ቅርጽን ቍመናን ናይ ሰብ ዝለበሰ እንስሳ እንተ ዘይኴንና፡ ሓጢኣት ክንሓስብ፡ ሓጢኣት ክንዛረብ፡ ወይ ሓጢኣት ክንገብር ዚፈታተነናን ዚዕድመናን ኵነታት ኪፍጠር ከሎ፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይኰነስ፡ ነቲ መቝለብ ሒዙ ዚጽበየና ዘሎ ሞት ክንርእይ’ዩ ዚግባእ።
ንሓጥእ ሰብ ሞት ዝኣዘዞ፡ ሕጊ-ኣምላኽ’ዩ። ፍርዲ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ኣፍ ደገ ‘ንኸፍት ግን፡ ንሕና እቶም ፈጸምቲ ሓጢኣት ኢና። ስለ’ዚ ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ንሞት ዕድል ንፈጥረሉን ዲል ንህቦን ዘለና ባዕላትና ኢና። ንሕና ሓጢኣት ምግባር እንተ ነቋርጽ፡ ሞት ዚገብሮ ዝሰኣነ ስራሕ-ኣልቦ መንፈስ ኰይኑ ምተረፈ ነይሩ። ዚቐትለና ዘሎ ሓጢኣትና’ምበር፡ ሕጊ ኣምላኽ ኣይኰነን። “ከይትመውትሲ ካብ’ዚኣ ኣይትብላዕ” ን’ትብል ሓንቲ ትእዛዝ ምኽባር ተሪር ዓቐብ ኰይኑ ዝተሰምዖም ኣዳምን ሄዋንን፡ ኢዶም ዘርጊሖም ሓጢኣት ምስ ወሓጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ሞት ወሓጦም። ካብ’ታ ዕለት’ቲኣ ጀሚሩ፡ መልኣከ-ሞት ጾሙ ሓዲሩ፡ ስራሕ ስኢኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ጽድቅን ቅድስናን ናይ እግዚኣብሄር ዚፍጸም ከቢድ በደል’ዩ። ይኹን ደኣ’ምበር፡ እግዚኣብሄር ሞት ናይ ዋላ ሓደ ሓጥእ ሰብ’ኳ ኣይፈትውን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ፡ “ሞት ረሲእዶ እፈትው’የ፡ ፍታወይሲ (እቲ ሓጥእ) ኻብ መገዱ ኺምለስ’ሞ ብህይወት’ውን ኪነብርዶ ኣይኰነን፧ . . . ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን’ዩ። . . . ስለምንታይከ ‘ትሞቱ፡ ካብ’ቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ።” ብምባል ተማሕጺኑና ኣሎ (ህዝ 18፡23,31,32 ፣ 33፡11)። ስለ’ዚ ኽንሓጥእ ከለና ንባህግን ፍታውን ናይ ሞት ኢና ነገልግል ዘለና’ምበር፡ ነቲ ንሓጢኣት ሞት ዝፈረደ ፍትሓዊ ኣምላኽ ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብሞትና ዚሕጐስ እንተ ዚኸውን፡ ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ንኼድሕነና፡ ነቲ ሓደ ወዱ ንሞት ኣሕሊፉ ኣይምሃበን ነይሩ (ዮሃ 3፡15,16 ፣ ሮሜ 5፡6,8,10)።
መሪሕ ጥቕስና፡ ብኸመይ’ዩ ሞት ንሕጊ ኣምላኽ ተጠቒሙ ከም ዚቐትለና ዚገልጸልና ዘሎ፧ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ነቲ ናይ መጀመርታ ሓጢኣት ዝተፈጸመሉ ታሪኽ እንተ መርመርና፡ ሰይጣን ንሄዋን ንኼስሕታ ዝተጠቕመሉ ሜላ፡ ነዚ ሕቶና’ዚ ብግቡእ ይምልሶ’ዩ። ነታ ሕጊ ንኼፍርስዋ፡ ንባዕላ ነታ ሕጊ ተጠቕመላ። ሰይጣን እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዝኣዘዘ፡ እንታይ ድማ ከም ዝኸልከለ፡ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ክነሱ፡ ንሄዋን፡ “ኣምላኽሲ፡ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ፡” ኢሉዶ ኣዚዙ’ዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ብቕኑዕ መገዲ ድሕሪ ምምላሳ፡ እግዚኣብሄር ዘይቅኑዕ ናይ ሓሶት ትእዛዝ ከም ዝሃበ፡ ምእንቲ ኸይመዓራረይዎ ኢሉ ብተንኰል ከም ዝኣዘዞ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነታ ትእዛዝ ኣፍሪስካ ኻብ’ቲ ዝተኸልከለ ፍረ ምብላዕ ዘለዎ ረብሓ ዘርዘረላ። በዚ ሜላኡ’ዚ ብዛዕባ ናይ እግዚኣብሄር ሓቀኛታት (Genuiness) ከም ዚጠራጠሩ ‘ገበሮም። ናይ ገዛእ ርእሱ ቕንዕናን ሓቀኛነትን ኬርእዮምን ኬረጋግጸሎምን ኣይፈተነን፡ ኪገብሮ’ውን ኣየድልዮን’ዩ። እታ ብዛዕባ ቕንዕና ናይ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ዝፈጠራ ነቓዕ፡ ናብ ሓጢኣትን ናብ’ቲ መሪር ሳዕቤናቱን ንኸተጽድፎም፡ ብቕዕቲ ዕንቅፋት’ያ ዝነበረት። ሓንሳእ ዝተዓንቀፈን ገርህነቱን ንጽህናኡን ዘጥፍአ ሕልና ድማ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ትዕድልቱ ኣንጻር ረብሓኡን ኣንጻር ልኡላውነትን ጽድቅን ናይ ኣምላኽ ኪጥቀመሉ ድሕር ኣይብልን’ዩ።
ብዛዕባ’ዚ ንኽንርዳእ ጥቕሲ’ውን ኣየድልየናን’ዩ። ካብ’ቲ ቘልዑ ኸለና ዀነ ምስ ዓበና’ውን ዘይሓድገና ባህርይናን ተመክሮናን ጥራሕ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። “ነዚኣ ኸይትሕዛ፡ ከይትትንክፋ” ዚብል ትርር ዝበለ ትእዛዝን መጠንቀቕታን እንተ ተዋሂቡና፡ ዋላ ቕድሚ ሕጂ ንርእያን ዘይንግደሰላን ዝጸናሕና፡ ካብ’ታ ከምኣ ‘ትብል ትእዛዝ ዝተዋህበትና መዓልቲ ጀሚሩ፡ ክንዕገሶን ከነዐግሶን ዘይንኽእል ገለ ዓይነት ህንጡይነት ኣብ ውሽጥና ተላዒሉ ኪህውጸናን ኪርብጸናን ይጅምር። “መዓስ’ዩ’ዚ ኸልካልየይ እልይ ዚብለለይ’ሞ፡ ከፊተ ዝርእያ” ዚብል ኣጕል ጥሙሕ ኬናውጸና ይጅምር፡ ከይወዓልና ኸይሓደርና ድማ ንገብሮ። ሰይጣን ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ርክቡን ፈተንኡን ብቐሊሉ ኺዕወት ዝኸኣለ፡ ብዘይ ምኽንያት ካብ ባዶ ተላዒሉ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ዋላ ነታ ትእዛዝ ክሳዕ ምጥሓስ ደኣ ኣይድፍኣዮም’ምበር፡ እቲ “ኣይትብልዑ፡ ኣይትተንክይዋ’ውን” ዚብል ትእዛዝ፡ “ነዚ ዅሉ ብዘይ ዝዀነ ደረት ፈቒዱልናስ፡ ንምንታይ ነዚኣ ጥራሕ ዚኽልክለና፧” ዚብል ሓሳብ ኣብ ውሽጦም ተደጒሉ ኸም ዝጸንሐ ዘየጠራጥር’ዩ። ኣቦታትና፡ “ጥቓ ትኪ ዘሎ ዓይኒ ኣይተብክይ” ከም ዚብሉ ሽዑ እቲ ናይ ሰይጣን ኣብጽሖም። እዚ ተርእዮ’ዚ ዝተኸስተ፡ ገና ሓጥእ ባህርይ ናብ ሰብ ከይሰረጸን ከይሰረተን ከሎ ዝተፈጸመ’ዩ። እዞም ሓጥእ ባህርይ ኣብ ውሽጥና ኣዕሚቑ ምስ ሰረተ ዝተወለድና ደቂ ኣዳም ግና ብዛዕባ ትእዛዝ ኣምላኽ ዘሎና ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን እንታይ ከም ዚመስል፡ ባዕላትና ዋናታቱን ተጠቀምቱን ስለ ዝዀንና፡ ዝዀነ ዓይነት ትንተና ኣየድልየናን’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ባህርይ’ዚ ጽቡቕ ገይሩ ኣብሪሁልና ኣሎ።
“ስለ’ዚ ንኣምላኽ (ዚኸውን) ፍረ ምእንቲ ኽንፈርይ ንስኻትኩም’ውን ንኻልእ፡ ማለት ነቲ ኻብ ምውታት ዝተንስአ (ክርስቶስ) ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብ’ቲ (ኣሲሩኩም ዝነበረ) ሕጊ ሙሴ ሓራ ወጺእኩም ኢኹም (ካብ’ቲ ሕጊ ሞትኩም)። ኣብ’ቲ ብስጋ ‘ንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ፡ ንሞት ዚኸውን ፍረ ኺፈርይ ብሕጊ ተለዓዒሉ (ብሕጊ ተነቓኒቑ) ኣብ ስጋና ትምኒት ሓጢኣት ይዓይዪ ነበረ። . . . (እሞ) እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ (እቲ ሕጊ፡ ትምኒት ሓጢኣት ዜለዓዕል እንተ ዀይኑ) እቲ ሕጊዶ (ንርእሱ) ሓጢኣት’ዩ፧ ያእ ኣይፋሉን፡ ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ “ዘይገንዘብካ ኣይትተምነይ”፡ እንተ ዘይብል፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሓጢኣት፡ ብዘይ ሕጊ ምውት’ዩ። ሓጢኣት ግና፡ ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር ክፉእ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዓለለይ። ቀደም ብዘይ ሕጊ (ሕጊ ኸይተዋህበ ኸሎ) ኣነ ህያው ነበርኩ፡ ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። እቲ ህይወት ኬምጽእ ዝተዋህበ ትእዛዝ፡ ንኣይ ሞት ኰነኒ። (ምኽንያቱ) ሓጢኣት ምኽንያቱ ረኺቡ፡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ፡ ብእኡ’ውን ቀተለኒ።”
ኣበሰኛ ዚኸውን ዘሎ እቲ ሓጢኣት’ምበር፡ እቲ ትእዛዝ ኣይኰነን። እዚ ብልሓተኛ ተመን፡ ዲያብሎስ፡ ንድኻምና መዝሚዙ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ንጥፍኣትና ይጥቀመሉ ኣሎ። እቲ ሕጊ ኣምላኽ፡ ህይወት ንኼምጽእን ንኺዕቅብን’ዩ ዝተዋህበ። ንህይወት ክንጥቀመሉ ዝነበረና ኸኣ፡ እቶም ህይወት ኣዝዩ ዜድልየናን ዜርብሓናን ደቂ ሰባት ኢና። ንሕና ነቲ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ሓለፋን ስልጣንን ንዒቕና ምስ ደርበናዮ ግን፡ ሽዑ እዚ ሕሱም ጸላኢና፡ በቲ ጻድቕ ሕጊ ንትምኒት ስጋና እና’ለዓዓለን እና’ዕፈረን እቲ ንሞት ዚኸውን ፍረ፡ ማለት ሓጢኣት፡ ኣብ ህይወትና ብዘይ መጠን ከም ዚፈርይ ገበሮ። ናይ ሓጢኣት ፍትሓዊ ብይን ሞት ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ሕጊ ቀተለና። በቲ ሕጊ ኣስሒቱስ፡ በቲ ሕጊ ኣቕተለና። ነቲ ንህይወት ዝተዋህበና ትእዛዝ፡ ንጥፍኣትና ንሞትና ተጠቒሙ መዝመዞ።
እዚ ረቂቕ ብልሓት ናይ ሰይጣን ደኣ ብኸመይ ፈሸለ፧ እዚ እምብዛ ዕውት ዝነበረ ሞት፡ ብኸመይ’ዩ ብዓወት ክርስቶስ ዝተዋሕጠ፧ ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ብሞት’ዩ ስዒርዎ ንሞት፡ ብገዛእ ኣጽዋሩ ብሞት ሰዓሮ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ብኽልተ መገዲ’ዩ ስዒርዎ። እቲ ቐዳማይ መገዱ፡ ስጋ ኣዳም ዝለበሰ ፍጹም ሰብ ክነሱ፡ ሓጢኣት ብዘይምፍጻሙ’ዩ ( ስለ’ዚ እቲ ንሕጊ ተጠቒሙ ንዅሉ ሰብ ዜስሕተሉ ጥበቡ፡ ኣብ ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኪሰርሓሉ ኣይከኣለን። ኣብ’ቲ ብድያብሎስ ዚፍተነሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ጽሑፋት እናጠቐሰ ብእኡ ኼስሕቶን ኪቐትሎን እንተ ተጋደለ’ኳ ፈጺሙ ኣይሰለጦን (ማቴ 4፡1-11 ፣ ሉቃ 4፡1-13)። ጐይታና ግና፡ ነቲ ንህይወት ዝተዋህቦ ትእዛዛት፡ ንህይወት ስለ ዝተጠቕመሉ፡ ዲያብሎስ ፈሸላ (ማቴ 5፡17-20 ፣ ገላ 3፡12 ፣ ዮሃ 5፡19,36 ፣ 6፡38 ፣ 8፡28,38 ፣ 10፡38 ፣ 12፡48-50 ፣ 14፡10,11,13)። በዚ ኸኣ እቲ ዝለዓለ ኣርኣያና ኰነ። እቲ ኻልኣይ መገዲ ድማ ሞቱን ትንሳኤኡን’ዩ። ብሞቱ ናይ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዕዳ ሓጢኣት ስለ ዝኸፈሎ ንድያብሎስ ንሓጥእ ሰብ ዚቐትለሉ ምኽንያት ከልኦ። ዲያብሎስ፡ “እዚ ሰብ’ዚ እዝን እትን ስለ ዝገበረ ሞት ይግብኦ’ዩ” ኢሉ ኪኸስስ ምስ ተላዕለ፡ “ንሞቱ ክርስቶስ ሞይቱሉ’ዩ” ዚብል ረታዒ መልሲ’ዩ ዚወሃቦ። ስለ’ዚ ኸኣ “እቲ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ’ዩ” ተባህለ (ራእ 12፡10)። ኣብ ሞት ጥራይ ግን ኣይተደረተን። ሞት ኣጽኑዑ ኺሕዞ ስለ ዘይከኣለ፡ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ብምትንሳእ በዅሪ ትንሳኤ ዀነ (ግብ 2፡24)። ከም’ቲ ኣብ ክንዳና ዝሞተ፡ ኣብ ክንዳና’ውን ስለ ዝተንስአ፡ ኵላትና እንትንስኣሉ መሰረት ኣንጸፈ። ዋላ ኽሳዕ ዕለተ ምጽኣት፡ ስጋና ኣብ ትሕቲኡ እንተ ጸንሐ፡ እታ መዓልቲ ፍርዱ ምስ ኣኸለት ግን፡ ኣብ ኢዱ ዝጸንሑ ዅላቶም ምውታት ኣረኪቡ፡ ንሱ ንባዕሉ ኺመውት’ዩ። ጐይታ ብኸም’ዚ መገዲ’ዚ ገይሩ፡ ስለ ዝሰዓሮ፡ “ነቲ ብሕግጋትን ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ ተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሰሶ፡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ’ውን ካብ ማእከልና ኣርሓቖ። ነቶም (ናይ ሞት) ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ ብመስቀሉ (ብሞት) ምስ ሰዓሮም (ብትንሳኤኡ) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ (ብግልጺ) ኣስተሓፈሮም።" ተባህለልና (ቈሎ 2፡14,15 ካ.ት)። ከም’ቲ ኣብ ቅዳሴ ናይ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ማለት “እቲ ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ምእንቲ ኺስዕሮ ሞተ ፡ንምውታት ህያዋን ምእንቲ ኺገብሮም ሞተ ዚብለና፡ ጐይታና ብሞቱን ብትንሳኤኡን ስዒሩ፡ ንሞት ብገዛእ ኣጽዋሩ ኣስተሓፊርዎ’ዩ። ክብሪ ነቲ ንሞት ዘስተሓፈሮ፡ ብሞቱን ትንሳኤኡን ድማ ዘድሓነና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን።
እዚ ብክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተፈጸመ ዓወት፡ ንዅሉ ሰብ ዚብጽሖ ዓወት ድዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ዓወት’ዚ ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም፡ ነቲ ኣረጊት ሰቦም ምስ ናይ ፍትወቱን ግብሩን ቀንጢጦም ኣብ መስቀል ዝሰቐል’ሞ ካብ ሓጢኣቶም ምስ ክርስቶስ ሞይቶም ንጽድቂ ምስኡ ዝተንስኡ ክርስትያን ጥራሕ ዚምልከት’ዩ። እቶም ምስ ክርስቶስ ምዃን ዝተጸየፉ ሓጥኣን ግና፡ ምስ’ቲ ዝመረጽዎ ድያብሎስን ሞትን ንዘለኣለም ኣብ’ቲ ቐላይ ሓዊ ነቲ ኻልኣይ ሞት ኬአንግድዎ ኺነብሩ’ዮም።
እምበኣር መገድና ንመርምር’ሞ፡ ናይ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝተፈጸመ ዓወት ተኻፈልቲ፡ ኣካላት ናይ’ቲ ንሞት ዝወሓጦ ዓወት ክርስቶስ ምዃንና ብግብራዊ መገዲ ነረጋግጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
2 ሰነ 2024 | ግንቦት 25, 2016 ግዕዝ (መበል 38 ሰንበት: ቊ.፴፰/38) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮ ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት። መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡50-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 2፡22-32 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 21፡15-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘዲዮስቆሮስ |መዝሙር፦ አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ