ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣድማሳዊ ስድራቤት (ecumenical family) ንመሰል ደቂ ሰባት ብዝምልከት፡ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣንጻር ገዛእ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ዘለዉ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ግህሰት ከም ዘሎ፡ ጸብጻባት ክበጽሓና ጸኒሑን ኣሎን። ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ገባሮን፡ መንእሰያትን ዝወርድ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ዓዶም ገዲፎም ብብዝሒ ክስደዱ ይረኣዩ ኣለዉ።
“ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ’ኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። (ምኽንያቱ) ኵሉ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ክፉእ ትምኒትን፡ ብሃብትኻ ዕቡይ ምዃንን፡ ካብ ዓለም’ዩ’ምበር፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን። ዓለም (ምስናይ ፍትወታ) ኽትሓልፍ’ያ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር (ክርስትያን) ግን፡ ንዘለኣለም ይነብር።” 1ዮሃ 2፡15-17 ካ.ት
“ናብ’ቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ’ቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም በጺሕኩም ዘለኹም። እምበኣር ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። (ምኽንያቱ) እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘይመለቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ምስ ‘ንኣብይ ከመይ ኢልና ኽንመልቝ ንኽእል፧” እብ 12፡24,25 ካ.ት።
መልእኽቲ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ቀኖናዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ
7 ጥሪ 2017
“ኦ!ጐይታይ፡ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ኣፋንዎ። ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየናኦ’የን። እዚ (ህጻን’ዚ) ኸኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳለኻዮ ድሕነት’ዩ። ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ንህዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ’ዩ።”ሉቃ 2፡29-32 ካ.ት
ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ክምህሮም ከሎ ብዙሕ ግዜ ብምስላ ጌሩ የረድኦም ከም ዝነበረ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ንረኽቦ። ከምኡውን እቶም ለባማትን ክቡራትን ወለድና ኣብ ዘረብኦም ምስላ እናሓወሱ እዮም ዘውግዑ። “መሲለ ዝነግሮ፥ ንኽመስሎ” ድማ ይብሉ። ኣነውን ነዛ ትስዕብ ናይ ምስላ-ዛንታ ኣቕሪበ፡ ናብ ሓጺር ጽሑፈይ ክሓልፍ ባህ ይብለኒ።
“ንስኻትኩም ግና ዕብየት (ወይ ደግነት) ናይ’ቲ ኻብ ጸልማት ናብ’ቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸዉዓኩም (ኣምላኽ) ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ፡ (ንጉሳውያን ካህናት) (Royal Priesthood)፡ ቅዱስ ህዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም።”1ጴጥ 2፡9 ካ.ት
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ