S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ (ኪመርሓካ ከም ዚኽእል) ሰኣን ምፍላጥካስ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣለኻሮሜ 24-5

 

ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘሎ ሰኑይ ጾመ ሃዋርያት ካብ ዚጅምር ድሮ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ። እዚ ጾም ብመሰረት በዓለ ትንሳኤ ዚውዕለሉ ዕለት ኪነውሕን ኪሓጽርን ዚኽእል ኰይኑ ሓምለ 5 . ጉባኤ ሃዋርያት ወይ ከኣ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዚኽበረሉ በዓል ይዛዘም። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብታ ንመጀመርታ ጊዜ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠመቑላ ዕለት ብኡንብኡ ስብከቱ እንተ ጀመረ ጾምን ጸሎትን ኣካል ናይ ኣገልግሎቶም ዝነበረ። በዛ ቐዳመይቲ ስብከቱ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ብክርስቶስ ኣሚኖም ምስ ተጠምቁ፡ ጸሎት ኣካል ናይ ዝጀመርዎ ክርስትያናዊ ህይወት ከም ዝነበረ።

ንሳቶም ከኣ ብትምህርቲ ሃዋርያትን ሓቢሮም ብምንባርን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።ብምባል ተገሊጹ ኣሎ (ግብ 242 .) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን በርናባስን ቀዳማይ ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ኣንጾክያ ካብ ዝነበረት ቤተ ክርስትያንዮም ጀሚሮምዎ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ ዝነበሩ ነብያትን መምህራንን ብጾምን ብጸሎትን እናኣገልገሉ ኸለው ድማ መንፈስ ቅዱስ፡“. . . ‘ነቲ ዝመረጽክዎም ኣገልግሎት ንበርናባስን ንሳውልን (ጳውሎስን) ፍለዩለይበሎም።

ከም መንፈስ ቅዱስ ዝኣዘዞም ከም ዝገበሩ ድማ ካብቲ ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም ኣፋነውዎም”  ዚብል ቃል ንርዳእ። ከም ንሳቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪጾም፡ ብጾምን ጸሎትን ኣገልግሎቶም ዝጀመሩ፡ ንሳቶም ድማ ብግዲኦም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተኸሉሉ ቦታ ዅሉ ነዚ ኣገባብ ይኸተሉ ኸም ዝነበሩ ኣብ ናይ ዕለት ንባብ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ምስ ሸሙሎም ድማ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።ግብ 1423

እምበኣር ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሃዋርያዊ ኣገባብ መሰረት ብምግባር ካብ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት በረከት ምእንቲ ኽንካፈል ነዚ ጾመ ሃዋርያት ሰሪዓትልና ዘላ። እቶም ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ብምፍጻምን ብምምሃርን እነገልግል ጾምና ንበረኸት ምእንቲ ኺዀነልና እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ

በዚ ምኽንያት ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ከተሓድስ አዘክረካ ኣለኹ። ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ሓይልን ፍቅርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእንምበር መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን።” ዝበሎ ቓል ንዘክር (2ጢሞ 16-7 .) ካብ ጾም ነቲ ኣባና ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ኬሐድሰልና፡ ኣገልግሎትና ድማ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ብፍቕርን እናወሰኸ ከም ዚኸይድ ምእንቲ ኺገብረልና ንጹምን ንጸልይን። ነቲ ኣብ ግራቱ ዘውፈረና ጐይታ፡ ኣሰር ቅዱሳን ሃዋርያቱ ብምስዓብ ብዙሕን ነባርን ፍረ ድማ ንፍረየሉ (ዮሃ 158,16 ግብ 241 44) ኵላትና ምእመናን ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያን ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። ብዘሎ ምረትን ነድርን ቍጣዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ክፍኣት ካባኻትኩም ይርሓቕ። ግናኸ ከም ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኴንኩም ይቕረ ተብሃሃሉ።” ዝበሎም ቃል ንዘክር (ኤፌ 430-32 .) ነቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ዜጕሂ ኣባና ዘሎ ባህርያትን ተግባራትን ከም መስትያት ክንርእይ ዜኽእለና ቅዱስ ቃሉዩ። ሓድሽ ኪዳን ዕለት ዕለት እናኣንበብና ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕሂ እናኣርሓቕና ነቲ ዜሓጕሶ ኸኣ ንተኣዘዞ። ከም ቅዱሳን ሃዋርያት ዝመሃሩና ቅዱስ ህይወት ብምንባር እሙናት መሰኻኽር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን ነዚ ጾመ ሃዋርያት ብግብዝና ሰብ ንኺርእየልና ዘይኰነስ ብሓቂ ንጹምን ንጸልይን። ኣብዘን ተሪፈናና ዘለዋ ናይ ጾም መዓልትታት ካብ ግብሪ ሃዋርያት መዓልታዊ ከክልተ ምዕራፋት ብጽሞና ደጋጊምና እናኣንበብና ካብ በረኸት ቅዱሳን ሃዋርያት ክንካፈል ንጸልይ። እግዚኣብሄር ጾምና ይባርኽ።

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 18 ክሳዕ ሰነ 25 ‘ዘመነ ኣስተምህሮይብሃል። ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ግእዝ ዓመት ክልተ ዘመነ ኣስተምህሮይብሃል። ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ግእዝ ዓመት ክልተ ዘመነ ኣስተምህሮ ዘሎ። እቲ ቐዳማይ ድማ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ ታሕሳስ 6 ዀይኑ፡ እቲ ድሕሪኡ ዚስዕብዘመነ ስብከትኣብ ዚሓድረሉ ጊዜ ግን ክሳዕ ታሕሳስ 12 ኺምጠጥ (ኺዓርግ) ዚኽእልዩ።ዘመነ ኣስተምህሮጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝሃቦ ኣስተምህሮታትን መሰረት ብምግባር ብዝተሰርዑ ንባባት ምእንቲ ኽንመሃር ዝተገብረዩ። ካብ ማቴ 221-14 ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ካብ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ብምስላ ኻብ ዝመሃሮ ኣስተምህሮታት ሓደዩ። እቲ ዝበዝሐ ምስላታት መንግስተ ሰማይ ሃዋርያ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈልና ወንጌል ዚርከብ። ኣብ ናይ ዕለተ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝሰማዕናዮ፡ መንግስተ ሰማይ ንወዱ መርዓ ብዘዳለወ ንጉስ ተመሲላ ዘላ። ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ምስላ ነቲ ብሕያውነቱ መንግስተ ሰማይ ኣዳልዩ ንዘለኣለም ምስኡ ብሓጐስ ክንነብር ዝዓደመና እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዜቘጥዖ ፈሊጥና ምእንቲ ኽንጥንቀቕዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዕድመ ብዝዀነ ምኽንያት ሸለል ምባል፡ ነቶም ንሱ ዝለኣኾም ሰበኽቲ ወንጌል ምውራድን ምቕታልን፡ ከምኡውን ንዝገበረልና ዕድመ ዚበቅዕ ህይወት ከይሓዝና ምቕራብ ግዳይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ጌሩ ናብ ናይ ዘለኣለም ቅጽዓት ዜውርደና ተግባር ምዃኑ ዜስተምህር ምስላዩ።

ናይ ዕለት ትምህርቲ ካብ ሓሳብ ብዙሕ ከይረሓቐ ካብ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣመልኪቱ ዝጸሓፎሃብቲ ሕያውነቱ ኣይትንዓቒብዚብል ኣርእስቲ ኪኸውን (ሮሜ 24-5)

ሃብቲ ሕያውነትት ኣምላኽ ብምንታይ ዚግለጽ፧

እግዚኣብሄር ብባህሪኡ ሕያዋይ ለዋህንዩ። እግዚኣብሄር ብዅሉ ኸኣልነቱ ንዅሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኺፈጥር ከሎ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ዝፈጠሮ ሰናይ ዘይኰነ ዋላ ሓደ የለን። ህይወት ንዘለዎም ኣትክልቲ፡ እንስሳ፡ ኣዕዋፍ ይኹኑ ኣብ ማያት ንዘለው ህይወት ዘለዎም ነፍሳት ዜድልዮም ኵሉ ምግብን ስርዓትን ኣዳልዩ ፈጢርዎም (ዘፍ ምዕ 1) ንሰብ ድማ ብፍሉይ፡ ብምስሉን ብመልክዑን ብኣእዳው ሰፊሑ ኣብ ባዕሉ ዝተኸላ ኤደን ገነት ኣቐመጦ ምስኡ ብሰላምን ብሓጐስን ዜንብሮ ሕጊ ድማ ሃቦ (ዘፍ 2816,17) ሰብ ዝጐደሎ ዘይብሉ ንእግዚኣብሄር ዜጕህይን ዜቘጥዖን ሓጢኣት ምስ ፈጸመውን ብሕያውነት ሃብታም ስለ ዝዀነ ብኡንብኡ ከም ዘይነበረ ገይሩ ኼጥፍኦ ኣይፈተወን። እኳ ደኣ ብውድቀቱ ንዘለኣለም ምይቱ፡ ካብ ኣምላኹ ተፈልዩ ምእንቲ ኸይተርፍ ዳግማይ ዕድል ኪህቦ መረጸ። እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ዚዓርቀሉ ህይወት ዘለእለም መንግስተ ሰማያት ዚወርሰሉ መገዲ ምድሓን እግዚኣብሄር ባዕሉ ኣዳለወሉ። ነዚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ መገዲ ምድሓን ማለት ናይ ዕርቂ ስራሕኣነ ኣይግብኣኒን፡ ከም ስለ ዝገበርኩ ኣድሒኑኒ፡ኪብል ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እቲ ብክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝተገብረልና ናይ መድሓን ወይ ዕርቂ ስራሕ ገና ድኹማት፡ ሓጥኣንን ጸላእቲ ኣምላኽን ከለና ብሕያውነቱ ዝተገብረልና ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪህዎዩ።

ገና ድኹማት ከሎና ክርስቶስ በቲ ምዱብ ጊዜ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። . . . ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱሞ። ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ። እምበኣር ሕጂ ብደሙ ዝጸደቕና ኻብ ኰንና፡ ካብ ቝጥዓኡ ደኣ ብእኡ ክንደይ ኣዚና ዘይንድሕን፧ ጸላእቱ ከለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፧ ካብ ተዓረቕና ደኣ ብህይወቱ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን!”  ሮሜ 568-10 .

እግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ምልኣኹ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ፍጹም ጻድቕ ክነሱ ስጋና ለቢሱ ኣብ ክንዳና ኣብ መስቀል ሙማቱ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣባና ድኹማት ሰባት ሓዲሩ ህይወት ምሃቡ ዓብዪ መግለጺ ናይ ሃብቲ ሕያውነት ኣምላኽዩ። ነዚ ሕያውነቱ ኣሚኖም ብጽድቂ ንዝሰዓብዎ ሰባት ከኣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ተዳልዩሎም ዘሎ መርዓ ኸም ብምስላ ጐይታ ዝመሃሮ ርጕጽ ምዃኑ ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብራእይ ገለጸሉ።

ሽዑ ኸም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸም ዚስዕብ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ፡ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽና ነጊሱ። መርዓ እቲ ገንሸል (ኢየሱስ ክርስቶስ) በጺሑ፡ መርዓቱውን (ቤተ ክርስትያን) ማለት ዅሎም ምእመናን) ተዳልያ ኣላ። ስለዚ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና ንእኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ። ዜንጸባርቕን ጽሩይ ሻሽ ክትክደን ከኣ ተዋህባ።ሻሽ ናይቶም ቅዱሳን ግብሪ ጽድቂዩ። ብድሕር እቲ መልኣኽእቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል ዝተዓደሙ ብጹኣንዮምኢልካ ጸሓፍ በለኒ። ቀጺሉ ኸኣእዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽበለኒ።” ራእ 196-9 .

ጊዜኡ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚምለስ ጐይታመንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ ተነስሑን እመኑንእናበሉ ዚሰብኩ ኣገልገልቱ ለኣኸልና። ነቶም ዓሰርተው ሓደ ኣብ መገዲ ተቐሚጦም ከለው በሎም ድማ፡ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን እቲ ዘይኣመነን ግና ኪዅነንዩ።” ብምባል ለኣኾም (ማር 1615-16) ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣግሪጳ እሱር ኰይኑ ቐሪቡ ኺመጻረይ ከሎ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ከም ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ፦

ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ . . . ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣትን ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ፡ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም እልእከካ ኣለኹ። . . . ምእንት ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኪንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን . . . ኣብ ደማስቆ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ . . . ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ኣብሰርኩ . . . “ ግብ 2618-20

እቲ ብቕዱሳን ሃዋርያት ዝጀመረ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ምስባኽ ኣገልግሎት ከኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ኰይኑ መዓልቲ ፍርዲ ኽሳዕ ዚበጽሕ ትቕጽሎ ኣላ (ሉቃ 2447) በዚ ኣገልግሎታ ቤተ ክርስትያን ኣካል ናይ ሕያውነት ኣምላኽ ዚግለጸሉ መገዲ ዀይና ኸም ዘላ ኽንርዳእ ይግባእ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዚዛረበሉ ዘሎ ሕያውነት ኣምላኽ ምስ ክንርእዮ ዝጸናሕና ሕያውነት ኣምላኽ ብኸመይ ዚዛመጽ፧ ምልስ ኢልና ታሪኽ ደቂ ሰባትን ተግባራትናን ክንርኢ ኸለና፡ ብዛዕባ ሕያውነት ኣምላኽ ኪንገረና ኸሎ እንህቦ መልሰ ግብሪ ኣዝዩ ዜሕፍርዩ። ንብዘሎ ስምዒትናን ሓሳብናን ዚቘጻጸር፡ ከምኡውን ምሉእ ኣድህቦና እንህቦ ጕዳይ መዓልታዊ መነባብሮና ብምዃኑ ተስፋ ምጽኣቱን ንመንግስተ ሰማያት ዚምልከት መልእኽቲ ኺንገረና ኸሎ ካብ ምስማዕ ሓሊፍና ኣይነተዅረሉን ኢና። እቶም ዝበዛሕና ነቶም ጐይታ ኣብ ዝሃቦ ምስላ ዘለው፡ ተዓዲሞም ኬብቅዑ ግናኸ ነቲ ዕድመ ሸለል ኢሎም ነናብ ዋኒኖም ዝኸዱ ዕዱማት ኢና ንመስል። እግዚኣብሄር ግንሓንሳእ ዓዲመዮምብምባልባዕሎም ይፈልጡኢሉ ስቕ ኣይበለን። ወይውን ንዕድመኡ ስለ ዝነዓቑን ብዙሕ ስለ ዘኽሰርዎን ብኡንብኡ ብቝጥዓ ተላዒሉ ኼጥፍኦም ኣይወሰነን። እቲ ኣዝዩ ዜገርም፡

ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማት፡እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ሰባብሕተይን ኣስዋረይን ሓሪደ፡ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎምኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ።ማቴ 224

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ብትዕግስቱን ብምሕረቱን ብንስሓ ናብኡ ኽንምለስ ንመንግስቱ ዚበቅዕ ናብራ ኽንነብር ብሕያውነቱ ደጋጊሙ ዚህበና ዘሎ ዕድል ከነቕልበሉ ዚደልየና ዘሎመንግስተ ሰማያት ቀሪቡ ኣላ ተነስሑን እመኑንዚብል ጻውዒት ደጋጊምና ሰሚዕና ኸነብቅዕ ዘይምንሳሕና፡ ብዛዕባ ባህርያት እግዚኣብሄርን ብዛዕባ መንግስተ ሰማያትን ዘሎና ዝንቡዕ ርድኢት ዜንጸባርቕ።

በቲ እግዚኣብሄር ዚህበና ዘሎ ተደጋጋሚ ዕድል ናይ ንስሓ ዘይምጥቃምና፡ ዘይምንሳህ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ዘይምፍላጥናን ዘይምቕባልናን ዜረድእ። ነቲተነስሑእናበለ ዕድመ ሂቡ ዚዕድመና ዘሎ ኣምላኽ ልክዕ ከምቶም ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ኪገብሩ ዘይክእሉ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ጣኦታት ቈጺርናዮ ከም ዘለና ዚገልጽ ከቢድ ናይ ክሕደት መልእኽቲ ዘለዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ጥራይ ዘይኰነስ ፍትሓዊ ኣምላኽ ምዃኑ ፈተና ንርስዖ። ንሊቀ ነብያት ሙሴ ኻብ ዝተገልጸሉ ባህርያት እግዚኣብሄር እተን ክልተንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ኣብ ደቂደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ፡ዚብል ንረክብ (ዘጸ 347) ኣብ ካልእ እዋን ከኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚባላዕ ሓዊ ቀናእ ኣምላኽሞ፡ ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።” ብምባል ንህዝቢ እስራኤል ተዛሪብዎም ኣሎ (ዘዳ 424 እብ 1229)

ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ዓቃልን ጸዋርን ጥራይ ዘይኰነስ ዚቝጣዕን ዚቐጽዕን ኣምላኽ ምዃኑ ንዘክር (ሮሜ 118 ቈሎ 36-7 2ተሰ 2 ኤር 1010 ኢሳ 525)

እቲ ኻልእ ብዘይምንሳሕና እንገልጾ መልእኽቲ ድማ፡ ብዘይካ ካብ ምድሪ ዘሎ ናብራ ካልእ እንጽበዮ ተስፋ ኸም ዘየልቦ፡ ናይ ሰብ ህይወት መጀመርታኡን መወዳእታኡን እዛ ጊዜያዊት ህይወት ጥራይ ምዃና ዚገልጽዩ። እዚ ድማ ከምቶም ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ

ኣብተን ዳሕሮተ መዓልትታት ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ ቕድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶምተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸም ዝነበሮ እዩ ዘሎኺብሉ እዮም።

ዝበሎም ሰባት ኴንና ኣለና ማለት (2ጴጥ 33-4 .) ልብና ኺተርር፡ ነቲ ብሕያውነቱ ናይ ንስሓ ዕድል ዚህበና ዘሎ ኣምላኽ ንዒቕና ብላግጺ ኸነሕልፎ ዚገብረና ዘሎ ፍትወት ስጋናዩ። ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ፍርድን ኪንገረና ኸሎ፡ ዋላ ኸምቶም ከሓድቲ ኣፍና ኣውጺእናድሕሪ ሞት ዘሎ መን ርእይዎ፧እንተ ዘይበልና፡ ብዘይ ምንሳሕናን ከም ፍቓድ ርእስና ብሓጢኣት ምንባርናን ግን ከሓድቲ ምዃንና እንገልጽ ብዙሓት ኢና። እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርን ኵሉ ኸከም ግብሩ ቕኑዕ ፍርዲ ዚቕበለላ መዓልትን ግን ኣብ ኣምላኽ ዝመደባ እዋን ከይደንጐየት ከይቀልጠፈት ከም ሰራቒ ኰይና ክትመጽእ (2ጴጥ 310) ኣብ ዘመነ ትንሳኤ ኽንመሃሮ ከም ዝቐነና፡ ካብ ዝተመደበ ኣካላዊ ሞት ዜምልጥ ሰብ ከም ዘየለ፡ ካብ ኣካላዊ ትንሳኤ ካብ ምውታትን ፍርድን ኬምልጥ ዚኽእል ሰብ ድማ የለን። ጐይታ ባዕሉ ብዛዕባ ምምጻእ መንግስተ ኣምላኽ ንዘመነ ኖህን ንዘመነ ሎጥን ኣብነት ጌሩ ዘስተምሃሮ ቓል ንዘክር።

ከም ብዘመነ ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመነ ወዲ ሰብ (ጐይታ ዚመጸሉ መዓልቲ)’ውን ከምኡ ኪኸውንዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ ድማ ንዅሎም ኣጥፍኦም፡ ብዘመነ ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ይሸጡን ይሻየጡን፡ ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወጸለ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወሪዱ ንዅሎም ኣጥፍኦም። በታ ወዲ ሰብ (ጐይታ) ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውንዩ። ሉቃ 1726-29 .

እቲ ሎሚ ጊዜ ኸሎና ኽንምልሶ ዚግብኣና ሕቶምበኣር ነዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዚህበና ዘሎ ዕድል ናይ ንስሓ ኸመይ ንጥቀመሉ ኣለና፧ ዚብልዩ።

ንሱ (መድሓኒና ኣምላኽናን) ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን ዚፈቱ። ኣምላኽ ሓደዩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደዩ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ፡ እዚ ኸኣ ጊዜኡ ምስ በጸሐ፡ ኣምላኽ ኵሉ ኺድሕን ከም ዚደሊ ምስክርዩ።” 1ጢሞ 24-6

ጐይታስ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑምበር፡ ሓደ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎምበር፡ ከም ንገሊኣቶም ዚመስሎም ንተስፋኡ ኣየደንጒዮንዩ።” 1ጴጥ 39

ክቡራት ምእመናን፡ ንሕና በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ጥምቀትን ሜሮንንውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ እቲ መድሓኒና ኸኣ መዋርስቱኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና (ሮሜ 817) ይኹን ደኣምበር፡ ኵሉ ኣነባብራና ግን ካብ ጽውዓና ዝረሓቐዩ። እቶም ዝበዛሕና ምእመናን፡ ነቲ ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዝረኸብና ዕርቅን ውልድነትን ፍቕርን ዕምቈቱ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኣይንፈልጦን ኢና። ኵሉ ኣነባብራና ኺረኣይ ከሎ፡ ነቲ ጐይታ ኼስተምህር ከሎ ዝገለጾጥፍእ ወዲእዩ ዚመስል (ሉቃ 1511-24) እቲ ወዲ ንኣቦኡካብ ጥሪት እቲ ዚብጽሓኒ ግደ ሃበኒበሎ እሞ፡ ኣቦኡ ድማ መቐሎ። እቲ ወዲ ኸኣ ናብ ርሑቕ ሃገር ከይዱ ነቲ ብጽሒቱ ዝሩግ ህይወት እናነበረ በተኖ። ንሕና ድማ ልክዕ ከምኡ ነቲ ብጸጋ ጥምቀትን ሜሮንን ዝረኸብናዮ ሃብቲ ውልደነት ኣምላኽን መንፈሳዊ ርስትን ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ርሒቕና ብምንባር ፈጺምና ደቂ እዚ ቕዱስ ኣምላኽ ክሳዕ ዘይንመስል ነቲ መንፈሳዊ ምቅሊትና ኣባኺንናዮ ኢና። ኣእጋርና ኣብ ክንዲ ናብ ቤተ ክርስትያን ናብ ቤት ምዝንጋዕን ዝርጋናን ኪኸዳ ዚቐልለን። ኣእዳውና ኣብ ክንዲ ንልግስን ሰናይ ግብርን ንባእስን ስርቅንየን ዚፈጥና። ብኣፍና (ብልሳና) ሕምየትን ጸርፍን ጸለመን ሓሶትን ምዝራብ ዚሰልጠና። ልብና ኣብ ክንዲ ፍቕርን ድንጋጽን ምሕረትን፡ ቂምን ጽልእን ተንኰልን ዚቐልሎ። ብምስጢረ ተክሊል ዝጀመርዎ ሓዳር ኬፍርሱ፡ ብስርቅን ብባእስን ወዘተ . . . ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቦምሃይማኖትካ፧ተባሂሎም ኪሕተቱ ኸለው ከይተሰከፉኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትያንኪብሉ ውሑዳት ኣይኰኑን። ብሓፈሻ እዚ ሎሚ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ንርእዮ ዘለና ዜሕፍር መንፈሳዊ ኣካይዳ፡ ነቲ ንምድሓን ዚዀነና ፍልጠት ሓቅን መንፈስ ቅዱስን ስለ ዘጥፋእናዮዩ። እምበኣር ሎሚ ኣእጋርና ናብ ቤተ ክርስትያን ኣቕኒዑ ነዚ ትምህርቲ ኽንመሃር ወይውን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክንሰምዕን ከነንብብን ቅድል ሂቡና ዘሎ፡ ኣምላኽ ብሕያውነቱን ብዓቕሉን ብትዕግስቱን ንነፍስ ወከፍና ናብ ንስሓ ኺመርሓና ስለ ዝደለየዩ።

ንስሓ፡ ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻበደልካ ተኣሚንካ ናብ ኣምላኽ ምምላስማለትዩ። ቃል እግዚኣብሄር ከይትሰምዕ ልብኻ ኣትሪርካ ብፍትወት ስጋኻ ካብ ምንባር ወጺእካ ናብ መገዲ ኣምላኽ ምምላስዩ። እቲ ጥፉእ ወዲ ኵሉ ካብ ቤተ ኣቦኡ ዝወሰዶ ገንዘብ ዘርዩ ምስ ወድአ ቤት ኣቦኡ ዘኪሩ።

ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱእንጌራ ዚተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይዮም፧ ኣነ ግና ኣብ ብጥምየት እመውት ኣለኹ። ተንሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ ! ኣቦ ኣብ ቅድሚ ሰማይን (ኣምላኽን) ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ ደጊም ወድኻ ክበሃል ኣይበቅዕንየ፡ ከም ሓደ ኻብ ገላውኻ ግበረኒ ክብሎበለ።

ከም ዝበሎም ምስ ገበረ ድማ፡ ኣቦኡ ከም ኺጽበዮ ዝጸንሐ ገና ርሑቕ ከሎ ምስ ረኣዮ ብድንጋጽ ምሕረት ገይሩ ተቐቢልዎ (ሉቃ 1517-20) ንስሓ ኣብቲ ለዋህን መሓርን ዝዀነ ባህርይ ኣምላኽ ዚምርኰስ ባዕሉ ዝሃበና መንፈሳዊ ዕድልን ጥበብንዩ። ማለትና ዀይኑ ብምሉእ ልብና ደኣ ናብ ኣምላኽ ንመለስምበር፡ ሳላ መተዓረቒና ኪኸውን ዝለኣኾ፡ ስጋና ዝለበሰ ክርስቶስ መድሓኒና ዝኸፈለልና ቤዛ፡ ንእግዚኣብሄር ንኺድምስሰልና ዚድግሞ ሓጢኣት የለን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰሪ ገበንና ዝቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ዝተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻዕትና ዝተቐበለ፡ ካብ ዝተባረርናዮ ምእንቲ ኽንምለስ መከራ ዝጸገበ መድሓኒናዩ። እግዚኣብሄር ኣቦ ኸኣ ሞቱ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኼምጽኣልና ኣበሳ ኵላትና ኣብኡ ዝጸዓኖ (ኢሳ 534-7,10) እዚ ፍልጠት ሓቂ ሒዝና ኢናምበኣር ነዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ሂቡና ዘሎ ናይ ዕለትዚኣ ዕድል ሓቀኛ ንስሓ ብምንሳሕ ክንጥቀመሉ እንኽእል።

ንስሓ ይጽንሓለይ ኪበሃል ዘይግብኦ መንፈሳዊ ተግባርዩ። ከመይ ጽባሕ ኣይናትናንያ። ነቲንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።ዚብለና ቓል ንዘክር (ያእ 414) ከምቶም ንዝተላእከሎም ናይ መርዓ ዕድመ ንዒቖም ብዘይጠቅም ምኽንያት ሸለል ዝበሉ ኣይንኹን። ንነሳሕ ደኣምበር ባዕልና ኣብ ገዛእ ርእስና ቍጥዓ ኣምላኽ ኣይንኣክብ! እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂያ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ (2ቈረ 62) ቅዱሳን ሃዋርያት ነዛተነስሑን ተመለሱንእትብል ንምድሓን ትዀነና መልእኽቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኬብጽሑዮም ነዚ ጾም ዝጸምዎ። ንሕና ኸኣ ሓቀኛ ንስሓ ብምንሳሕ ካብ በረኸቶም ንካፈል። ንነሳሕ! ንነሳሕ! ንነሳሕ! ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓምሉእ ትምህርቲ ምእንቲ ኽንረክብ ነቲ መሰረተ እምነት ንምስትምሃር ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወፍኖተ ህይወትዘርእስቱ መጽሓፍ ብግልናን ብስድራ ቤትን እናኣንበብና ንጠቐመሉ። ሎሚ ከይንሳሕ ልቡ ንዘትረረ፡ ምስ ሰይጣን ኣብ ገሃነም እንተሕረረ፡ ኣምላኽ እንታይ ዘይገበረ!! ስለዚ ሃብቲ ሕያውነቱ ኣይንንዓቕ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

30  2024 |  23, 2016 ግዕዝ (መበል 42 ሰንበት: ቊ.፵፪/42)

ምስባክ

መዝ. 85 : 15 - 16 

ኣንተሰ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል ርሑቀ መዓት ወብዙኃ ምሕረት ወጽድቅ ነጽር ላዕሌየ ወተሳሃለኒ።

ብትግርኛ፤ ጎይታየ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን ብሳህልን ሓቅን ዓብይ ኣምላኽ ኢኻ ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሓረኒ

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 2 : 1 - 12

ዲያቆን

3ይ ዮሐ 1 : 1 - ፍም

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ ሐዋ 14 : 20 - ፍም

ንፍቅ ካህን

ማቴ 22 : 1 - 14

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘእግዚኢነ |መዝሙር፦ ናክብር ሰንበቶ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div