“ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ (ኪመርሓካ ከም ዚኽእል) ሰኣን ምፍላጥካስ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣለኻ” ሮሜ 2፡4-5
ከም ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘሎ ሰኑይ ጾመ ሃዋርያት ካብ ዚጅምር ድሮ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ። እዚ ጾም’ዚ ብመሰረት’ቲ በዓለ ትንሳኤ ዚውዕለሉ ዕለት ኪነውሕን ኪሓጽርን ዚኽእል ኰይኑ ሓምለ 5 ግ. ጉባኤ ሃዋርያት ወይ ከኣ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዚኽበረሉ በዓል ይዛዘም። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብታ ንመጀመርታ ጊዜ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጠመቑላ ዕለት ብኡንብኡ ስብከቱ እንተ ጀመረ’ኳ ጾምን ጸሎትን ኣካል ናይ ኣገልግሎቶም’ዩ ዝነበረ። በዛ ቐዳመይቲ ስብከቱ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ብክርስቶስ ኣሚኖም ምስ ተጠምቁ፡ ጸሎት ኣካል ናይ’ቲ ዝጀመርዎ ክርስትያናዊ ህይወት ከም ዝነበረ።
“ንሳቶም ከኣ ብትምህርቲ ሃዋርያትን ሓቢሮም ብምንባርን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ (ግብ 2፡42 ካ.ት)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን በርናባስን ቀዳማይ ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ኣብ ኣንጾክያ ካብ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን’ዮም ጀሚሮምዎ፡ ኣብ’ታ ቤተ ክርስትያን ምስ ዝነበሩ ነብያትን መምህራንን ብጾምን ብጸሎትን እናኣገልገሉ ኸለው ድማ መንፈስ ቅዱስ፡“. . . ‘ነቲ ዝመረጽክዎም ኣገልግሎት ንበርናባስን ንሳውልን (ጳውሎስን) ፍለዩለይ’ በሎም።”
ከም’ታ መንፈስ ቅዱስ ዝኣዘዞም ከም ዝገበሩ ድማ ካብ’ቲ “ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን፡ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም’ሞ ኣፋነውዎም” ዚብል ቃል ንርዳእ። ከም’ታ ንሳቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪጾም፡ ብጾምን ጸሎትን ኣገልግሎቶም ዝጀመሩ፡ ንሳቶም ድማ ብግዲኦም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተኸሉሉ ቦታ ዅሉ ነዚ ኣገባብ’ዚ ይኸተሉ ኸም ዝነበሩ ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት ንባብ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊጹ ኣሎ።
“ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስትያን መራሕቲ ምስ ሸሙሎም ድማ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።” ግብ 14፡23
እምበኣር ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሃዋርያዊ ኣገባብ’ዚ መሰረት ብምግባር ካብ’ዚ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት በረከት ምእንቲ ኽንካፈል’ያ ነዚ ጾመ ሃዋርያት ሰሪዓትልና ዘላ። እቶም ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ብምፍጻምን ብምምሃርን እነገልግል ጾምና ንበረኸት ምእንቲ ኺዀነልና እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ
“በዚ ምኽንያት’ዚ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ከተሓድስ አዘክረካ ኣለኹ። ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ሓይልን ፍቅርን ገዛእ ርእስኻ ምግታእን’ምበር መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን።” ዝበሎ ቓል ንዘክር (2ጢሞ 1፡6-7 ካ.ት)። ካብ’ዚ ጾም’ዚ ነቲ ኣባና ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ኬሐድሰልና፡ ኣገልግሎትና ድማ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ብፍቕርን እናወሰኸ ከም ዚኸይድ ምእንቲ ኺገብረልና ንጹምን ንጸልይን። ነቲ ኣብ ግራቱ ዘውፈረና ጐይታ፡ ኣሰር ቅዱሳን ሃዋርያቱ ብምስዓብ ብዙሕን ነባርን ፍረ ድማ ንፍረየሉ (ዮሃ 15፡8,16 ፣ ግብ 2፡41 ፣ 4፡4)። ኵላትና ምእመናን ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያን “ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። ብዘሎ ምረትን ነድርን ቍጣዓን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ክፍኣት ካባኻትኩም ይርሓቕ። ግናኸ ከም’ቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኴንኩም ይቕረ ተብሃሃሉ።” ዝበሎም ቃል ንዘክር (ኤፌ 4፡30-32 ካ.ት)። ነቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ዜጕሂ ኣባና ዘሎ ባህርያትን ተግባራትን ከም መስትያት ክንርእይ ዜኽእለና ቅዱስ ቃሉ’ዩ። ሓድሽ ኪዳን ዕለት ዕለት እናኣንበብና ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕሂ እናኣርሓቕና ነቲ ዜሓጕሶ ኸኣ ንተኣዘዞ። ከም’ቲ ቅዱሳን ሃዋርያት ዝመሃሩና ቅዱስ ህይወት ብምንባር እሙናት መሰኻኽር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንከውን ነዚ ጾመ ሃዋርያት ብግብዝና ሰብ ንኺርእየልና ዘይኰነስ ብሓቂ ንጹምን ንጸልይን። ኣብ’ዘን ተሪፈናና ዘለዋ ናይ ጾም መዓልትታት ካብ ግብሪ ሃዋርያት መዓልታዊ ከክልተ ምዕራፋት ብጽሞና ደጋጊምና እናኣንበብና ካብ’ቲ በረኸት ቅዱሳን ሃዋርያት ክንካፈል ንጸልይ። እግዚኣብሄር ጾምና ይባርኽ።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 18 ክሳዕ ሰነ 25 ‘ዘመነ ኣስተምህሮ’ ይብሃል። ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ግእዝ ዓመት ክልተ ዘመነ ኣስተምህሮ’ ይብሃል። ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ግእዝ ዓመት ክልተ ዘመነ ኣስተምህሮ’ዩ ዘሎ። እቲ ቐዳማይ ድማ ካብ ሕዳር 6 ክሳዕ ታሕሳስ 6 ዀይኑ፡ እቲ ድሕሪኡ ዚስዕብ ‘ዘመነ ስብከት’ ኣብ ዚሓድረሉ ጊዜ ግን ክሳዕ ታሕሳስ 12 ኺምጠጥ (ኺዓርግ) ዚኽእል’ዩ። ‘ዘመነ ኣስተምህሮ’ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝገበሮ ተኣምራትን ዝሃቦ ኣስተምህሮታትን መሰረት ብምግባር ብዝተሰርዑ ንባባት ምእንቲ ኽንመሃር ዝተገብረ’ዩ። ካብ ማቴ 22፡1-14 ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ዕለቱ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ካብ’ቲ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ብምስላ ኻብ ዝመሃሮ ኣስተምህሮታት ሓደ’ዩ። እቲ ዝበዝሐ ምስላታት መንግስተ ሰማይ ሃዋርያ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈልና ወንጌል’ዩ ዚርከብ። ኣብ’ዚ ናይ ዕለተ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝሰማዕናዮ፡ መንግስተ ሰማይ ንወዱ መርዓ ብዘዳለወ ንጉስ’ያ ተመሲላ ዘላ። ቀንዲ መልእኽቲ ናይ’ዚ ምስላ ነቲ ብሕያውነቱ መንግስተ ሰማይ ኣዳልዩ ንዘለኣለም ምስኡ ብሓጐስ ክንነብር ዝዓደመና እግዚኣብሄር እንታይ ከም ዜቘጥዖ ፈሊጥና ምእንቲ ኽንጥንቀቕ’ዩ። ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረልና ዕድመ ብዝዀነ ምኽንያት ሸለል ምባል፡ ነቶም ንሱ ዝለኣኾም ሰበኽቲ ወንጌል ምውራድን ምቕታልን፡ ከምኡ’ውን ንዝገበረልና ዕድመ ዚበቅዕ ህይወት ከይሓዝና ምቕራብ ግዳይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ጌሩ ናብ ናይ ዘለኣለም ቅጽዓት ዜውርደና ተግባር ምዃኑ ዜስተምህር ምስላ’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ትምህርቲ ካብ’ዚ ሓሳብ’ዚ ብዙሕ ከይረሓቐ ካብ’ቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ ‘ሃብቲ ሕያውነቱ ኣይትንዓቒ’ ብዚብል ኣርእስቲ ኪኸውን’ዩ (ሮሜ 2፡4-5)።
ሃብቲ ሕያውነትት ኣምላኽ ብምንታይ’ዩ ዚግለጽ፧
እግዚኣብሄር ብባህሪኡ ሕያዋይ ለዋህን’ዩ። እግዚኣብሄር ብዅሉ ኸኣልነቱ ንዅሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኺፈጥር ከሎ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ መዓልቲ ዝፈጠሮ ሰናይ ዘይኰነ ዋላ ሓደ የለን። ህይወት ንዘለዎም ኣትክልቲ፡ እንስሳ፡ ኣዕዋፍ ይኹኑ ኣብ ማያት ንዘለው ህይወት ዘለዎም ነፍሳት ዜድልዮም ኵሉ ምግብን ስርዓትን ኣዳልዩ’ዩ ፈጢርዎም (ዘፍ ምዕ 1)። ንሰብ ድማ ብፍሉይ፡ ብምስሉን ብመልክዑን ብኣእዳው ሰፊሑ ኣብ’ታ ባዕሉ ዝተኸላ ኤደን ገነት ኣቐመጦ ምስኡ ብሰላምን ብሓጐስን ዜንብሮ ሕጊ ድማ ሃቦ (ዘፍ 2፡8፣16,17)። ሰብ ዝጐደሎ ዘይብሉ ንእግዚኣብሄር ዜጕህይን ዜቘጥዖን ሓጢኣት ምስ ፈጸመ’ውን ብሕያውነት ሃብታም ስለ ዝዀነ ብኡንብኡ ከም ዘይነበረ ገይሩ ኼጥፍኦ ኣይፈተወን። እኳ ደኣ ብውድቀቱ ንዘለኣለም ምይቱ፡ ካብ ኣምላኹ ተፈልዩ ምእንቲ ኸይተርፍ ዳግማይ ዕድል ኪህቦ መረጸ። እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ዚዓርቀሉ ህይወት ዘለእለም መንግስተ ሰማያት ዚወርሰሉ መገዲ ምድሓን እግዚኣብሄር ባዕሉ ኣዳለወሉ። ነዚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ መገዲ ምድሓን ማለት ናይ ዕርቂ ስራሕ ‘ኣነ ኣይግብኣኒን፡ ከም’ዚ ስለ ዝገበርኩ’ዩ ኣድሒኑኒ፡’ ኪብል ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እቲ ብክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ዝተገብረልና ናይ መድሓን ወይ ዕርቂ ስራሕ ገና ድኹማት፡ ሓጥኣንን ጸላእቲ ኣምላኽን ከለና ብሕያውነቱ ዝተገብረልና ምዃኑ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብሪህዎ’ዩ።
“ገና ድኹማት ከሎና ክርስቶስ በቲ ምዱብ ጊዜ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። . . . ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ’ዩ’ሞ። ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ። እምበኣር ሕጂ ብደሙ ዝጸደቕና ኻብ ኰንና፡ ካብ’ቲ ቝጥዓኡ ደኣ ብእኡ ክንደይ ኣዚና ዘይንድሕን፧ ጸላእቱ ከለና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፧ ካብ ተዓረቕና ደኣ ብህይወቱ ኽንደይ ኣዚና ዘይንድሕን!” ሮሜ 5፡6፡8-10 ካ.ት
እግዚኣብሄር ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ምልኣኹ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ፍጹም ጻድቕ ክነሱ ስጋና ለቢሱ ኣብ ክንዳና ኣብ መስቀል ሙማቱ፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣባና ድኹማት ሰባት ሓዲሩ ህይወት ምሃቡ ዓብዪ መግለጺ ናይ ሃብቲ ሕያውነት ኣምላኽ’ዩ። ነዚ ሕያውነቱ ኣሚኖም ብጽድቂ ንዝሰዓብዎ ሰባት ከኣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ተዳልዩሎም ዘሎ መርዓ ኸም’ቲ ብምስላ ጐይታ ዝመሃሮ ርጕጽ ምዃኑ ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብራእይ ገለጸሉ።
“ሽዑ ኸም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸም’ዚ ዚስዕብ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ፡ ‘ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽና ነጊሱ። መርዓ እቲ ገንሸል (ኢየሱስ ክርስቶስ) በጺሑ፡ መርዓቱ’ውን (ቤተ ክርስትያን) ማለት ዅሎም ምእመናን) ተዳልያ ኣላ። ስለዚ ንተሓጐስ ባህ’ውን ይበለና ንእኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ። ዜንጸባርቕን ጽሩይ ሻሽ ክትክደን ከኣ ተዋህባ።’ ሻሽ ናይ’ቶም ቅዱሳን ግብሪ ጽድቂ’ዩ። ብድሕር’ዚ እቲ መልኣኽ ‘እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል ዝተዓደሙ ብጹኣን’ዮም’ ኢልካ ጸሓፍ በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ ‘እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ’ዩ’ በለኒ።” ራእ 19፡6-9 ካ.ት
ጊዜኡ ኣኺሉ ኽሳዕ ዚምለስ ጐይታ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ሞ ተነስሑን እመኑን’ እናበሉ ዚሰብኩ ኣገልገልቱ ለኣኸልና። ነቶም ዓሰርተው ሓደ ኣብ መገዲ ተቐሚጦም ከለው “በሎም ድማ፡ ‘ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ። ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን እቲ ዘይኣመነን ግና ኪዅነን’ዩ።” ብምባል ለኣኾም (ማር 16፡15-16)። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣግሪጳ እሱር ኰይኑ ቐሪቡ ኺመጻረይ ከሎ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ኣሎ፦
“ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ . . . ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣትን ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣን’ውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ፡ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም እልእከካ ኣለኹ። . . . ምእንት’ዚ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ እናገበሩ ኪንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን . . . ኣብ ደማስቆ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ . . . ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳ ንዚነብሩን ነህዛብን ኣብሰርኩ . . . “ ግብ 26፡18-20
እቲ ብቕዱሳን ሃዋርያት ዝጀመረ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ናይ ምስባኽ ኣገልግሎት ከኣ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ኰይኑ መዓልቲ ፍርዲ ኽሳዕ ዚበጽሕ ትቕጽሎ ኣላ (ሉቃ 24፡47)። በዚ ኣገልግሎታ’ዚ ቤተ ክርስትያን ኣካል ናይ’ቲ ሕያውነት ኣምላኽ ዚግለጸሉ መገዲ ዀይና ኸም ዘላ ኽንርዳእ ይግባእ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዚዛረበሉ ዘሎ ሕያውነት ኣምላኽ ምስ’ዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና ሕያውነት ኣምላኽ ብኸመይ’ዩ ዚዛመጽ፧ ምልስ ኢልና ታሪኽ ደቂ ሰባትን ተግባራትናን ክንርኢ ኸለና፡ ብዛዕባ ሕያውነት ኣምላኽ ኪንገረና ኸሎ እንህቦ መልሰ ግብሪ ኣዝዩ ዜሕፍር’ዩ። ንብዘሎ ስምዒትናን ሓሳብናን ዚቘጻጸር፡ ከምኡ’ውን ምሉእ ኣድህቦና እንህቦ ጕዳይ መዓልታዊ መነባብሮና ብምዃኑ ተስፋ ምጽኣቱን ንመንግስተ ሰማያት ዚምልከት መልእኽቲ ኺንገረና ኸሎ ካብ ምስማዕ ሓሊፍና ኣይነተዅረሉን ኢና። እቶም ዝበዛሕና ነቶም ጐይታ ኣብ ዝሃቦ ምስላ ዘለው፡ ተዓዲሞም ኬብቅዑ ግናኸ ነቲ ዕድመ ሸለል ኢሎም ነናብ ዋኒኖም ዝኸዱ ዕዱማት ኢና ንመስል። እግዚኣብሄር ግን ‘ሓንሳእ ዓዲመዮም’የ’ ብምባል ‘ባዕሎም ይፈልጡ’ ኢሉ ስቕ ኣይበለን። ወይ’ውን ንዕድመኡ ስለ ዝነዓቑን ብዙሕ ስለ ዘኽሰርዎን ብኡንብኡ ብቝጥዓ ተላዒሉ ኼጥፍኦም ኣይወሰነን። እቲ ኣዝዩ ዜገርም፡
“ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ‘እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ሰባብሕተይን ኣስዋረይን ሓሪደ፡ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ’ሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም’ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ።” ማቴ 22፡4
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ብትዕግስቱን ብምሕረቱን ብንስሓ ናብኡ ኽንምለስ’ሞ ንመንግስቱ ዚበቅዕ ናብራ ኽንነብር ብሕያውነቱ ደጋጊሙ ዚህበና ዘሎ ዕድል ከነቕልበሉ’ዩ ዚደልየና ዘሎ “መንግስተ ሰማያት ቀሪቡ ኣላ’ሞ ተነስሑን እመኑን’ ዚብል ጻውዒት ደጋጊምና ሰሚዕና ኸነብቅዕ ዘይምንሳሕና፡ ብዛዕባ ባህርያት እግዚኣብሄርን ብዛዕባ መንግስተ ሰማያትን ዘሎና ዝንቡዕ ርድኢት’ዩ ዜንጸባርቕ።
በቲ እግዚኣብሄር ዚህበና ዘሎ ተደጋጋሚ ዕድል ናይ ንስሓ ዘይምጥቃምና፡ ዘይምንሳህ ዘለኣለማዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ዘይምፍላጥናን ዘይምቕባልናን’ዩ ዜረድእ። ነቲ ‘ተነስሑ’ እናበለ ዕድመ ሂቡ ዚዕድመና ዘሎ ኣምላኽ ልክዕ ከም’ቶም ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ኪገብሩ ዘይክእሉ ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ጣኦታት ቈጺርናዮ ከም ዘለና ዚገልጽ ከቢድ ናይ ክሕደት መልእኽቲ’ዩ ዘለዎ። እግዚኣብሄር ሕያዋይ ጥራይ ዘይኰነስ ፍትሓዊ ኣምላኽ ምዃኑ ፈተና ንርስዖ። ንሊቀ ነብያት ሙሴ ኻብ ዝተገልጸሉ ባህርያት እግዚኣብሄር እተን ክልተ ‘ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ኣብ ደቂደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ፡’ ዚብል ንረክብ (ዘጸ 34፡7)። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚባላዕ ሓዊ ቀናእ ኣምላኽ’ዩ’ሞ፡ ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።” ብምባል ንህዝቢ እስራኤል ተዛሪብዎም ኣሎ (ዘዳ 4፡24 ፣ እብ 12፡29)።
ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም’ቲ ኣብ መሪሕ ጥቕስና ዘሎ ዓቃልን ጸዋርን ጥራይ ዘይኰነስ ዚቝጣዕን ዚቐጽዕን ኣምላኽ ምዃኑ ንዘክር (ሮሜ 1፡18 ፣ ቈሎ 3፡6-7 ፣ 2ተሰ 2፡ ፣ ኤር 10፡10 ፣ ኢሳ 5፡25)።
እቲ ኻልእ ብዘይምንሳሕና እንገልጾ መልእኽቲ ድማ፡ ብዘይካ ካብ’ዛ ምድሪ ዘሎ ናብራ ካልእ እንጽበዮ ተስፋ ኸም ዘየልቦ፡ ናይ ሰብ ህይወት መጀመርታኡን መወዳእታኡን እዛ ጊዜያዊት ህይወት ጥራይ ምዃና ዚገልጽ’ዩ። እዚ ድማ ከም’ቶም ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ
“ኣብተን ዳሕሮተ መዓልትታት ብኽፉእ ፍትወት ስጋኦም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ ቕድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ‘ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ካብ’ታ ኣቦታትና ዝሞቱላ መዓልቲ ኻብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸም’ቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ’ ኺብሉ እዮም።”
ዝበሎም ሰባት ኴንና ኣለና ማለት’ዩ (2ጴጥ 3፡3-4 ካ.ት)። ልብና ኺተርር፡ ነቲ ብሕያውነቱ ናይ ንስሓ ዕድል ዚህበና ዘሎ ኣምላኽ ንዒቕና ብላግጺ ኸነሕልፎ ዚገብረና ዘሎ ፍትወት ስጋና’ዩ። ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወትን ፍርድን ኪንገረና ኸሎ፡ ዋላ’ኳ ኸም’ቶም ከሓድቲ ኣፍና ኣውጺእና ‘ድሕሪ ሞት ዘሎ መን’ሞ ርእይ’ዎ፧’ እንተ ዘይበልና፡ ብዘይ ምንሳሕናን ከም ፍቓድ ርእስና ብሓጢኣት ምንባርናን ግን ከሓድቲ ምዃንና እንገልጽ ብዙሓት ኢና። እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርን ኵሉ ኸከም ግብሩ ቕኑዕ ፍርዲ ዚቕበለላ መዓልትን ግን ኣብ’ታ ኣምላኽ ዝመደባ እዋን ከይደንጐየት ከይቀልጠፈት ከም ሰራቒ ኰይና ክትመጽእ’ያ (2ጴጥ 3፡10)። ኣብ ዘመነ ትንሳኤ ኽንመሃሮ ከም ዝቐነና፡ ካብ’ቲ ዝተመደበ ኣካላዊ ሞት ዜምልጥ ሰብ ከም ዘየለ፡ ካብ’ቲ ኣካላዊ ትንሳኤ ካብ ምውታትን ፍርድን ኬምልጥ ዚኽእል ሰብ ድማ የለን። ጐይታ ባዕሉ ብዛዕባ ምምጻእ መንግስተ ኣምላኽ ንዘመነ ኖህን ንዘመነ ሎጥን ኣብነት ጌሩ ዘስተምሃሮ ቓል ንዘክር።
“ከም’ቲ ብዘመነ ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመነ ወዲ ሰብ (ጐይታ ዚመጸሉ መዓልቲ)’ውን ከምኡ ኪኸውን’ዩ። ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ ድማ ንዅሎም ኣጥፍኦም፡ ብዘመነ ሎጥ ድማ ልክዕ ከምኡ፡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ይሸጡን ይሻየጡን፡ ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወጸለ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወሪዱ ንዅሎም ኣጥፍኦም። በታ ወዲ ሰብ (ጐይታ) ዚግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ኪኸውን’ዩ። ሉቃ 17፡26-29 ካ.ት
እቲ ሎሚ ጊዜ ኸሎና ኽንምልሶ ዚግብኣና ሕቶ’ምበኣር ነዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ዚህበና ዘሎ ዕድል ናይ ንስሓ ኸመይ ንጥቀመሉ ኣለና፧ ዚብል’ዩ።
“ንሱ (መድሓኒና ኣምላኽናን)፡ ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን’ዩ ዚፈቱ። ኣምላኽ ሓደ’ዩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደ’ዩ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ሰብ ዝዀነ ክርስቶስ’ዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ፡ እዚ ኸኣ ጊዜኡ ምስ በጸሐ፡ ኣምላኽ ኵሉ ኺድሕን ከም ዚደሊ ምስክር’ዩ።” 1ጢሞ 2፡4-6
“ጐይታስ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ’ምበር፡ ሓደ’ኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ’ምበር፡ ከም’ቲ ንገሊኣቶም ዚመስሎም ንተስፋኡ ኣየደንጒዮን’ዩ።” 1ጴጥ 3፡9
ክቡራት ምእመናን፡ ንሕና በቲ ዝተዋህበና ጸጋ ጥምቀትን ሜሮንን ‘ውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ እቲ መድሓኒና ኸኣ መዋርስቱ’ ኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና (ሮሜ 8፡17)። ይኹን ደኣ’ምበር፡ ኵሉ ኣነባብራና ግን ካብ’ቲ ጽውዓና ዝረሓቐ’ዩ። እቶም ዝበዛሕና ምእመናን፡ ነቲ ብሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ዝረኸብና ዕርቅን ውልድነትን ፍቕርን ዕምቈቱ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኣይንፈልጦን ኢና። ኵሉ ኣነባብራና ኺረኣይ ከሎ፡ ነቲ ጐይታ ኼስተምህር ከሎ ዝገለጾ ‘ጥፍእ ወዲ’ እዩ ዚመስል (ሉቃ 15፡11-24)። እቲ ወዲ ንኣቦኡ ‘ካብ’ዚ ጥሪት እቲ ዚብጽሓኒ ግደ ሃበኒ’ በሎ እሞ፡ ኣቦኡ ድማ መቐሎ። እቲ ወዲ ኸኣ ናብ ርሑቕ ሃገር ከይዱ ነቲ ብጽሒቱ ዝሩግ ህይወት እናነበረ በተኖ። ንሕና ድማ ልክዕ ከምኡ ነቲ ብጸጋ ጥምቀትን ሜሮንን ዝረኸብናዮ ሃብቲ ውልደነት ኣምላኽን መንፈሳዊ ርስትን ካብ ትምህርቲ ክርስቶስ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ርሒቕና ብምንባር ፈጺምና ደቂ እዚ ቕዱስ ኣምላኽ ክሳዕ ዘይንመስል ነቲ መንፈሳዊ ምቅሊትና ኣባኺንናዮ ኢና። ኣእጋርና ኣብ ክንዲ ናብ ቤተ ክርስትያን ናብ ቤት ምዝንጋዕን ዝርጋናን ኪኸዳ’ዩ ዚቐልለን። ኣእዳውና ኣብ ክንዲ ንልግስን ሰናይ ግብርን ንባእስን ስርቅን’የን ዚፈጥና። ብኣፍና (ብልሳና) ሕምየትን ጸርፍን ጸለመን ሓሶትን ምዝራብ’ዩ ዚሰልጠና። ልብና ኣብ ክንዲ ፍቕርን ድንጋጽን ምሕረትን፡ ቂምን ጽልእን ተንኰልን’ዩ ዚቐልሎ። ብምስጢረ ተክሊል ዝጀመርዎ ሓዳር ኬፍርሱ፡ ብስርቅን ብባእስን ወዘተ . . . ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቦም ‘ሃይማኖትካ፧’ ተባሂሎም ኪሕተቱ ኸለው ከይተሰከፉ ‘ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትያን’ ኪብሉ ውሑዳት ኣይኰኑን። ብሓፈሻ እዚ ሎሚ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ንርእዮ ዘለና ዜሕፍር መንፈሳዊ ኣካይዳ፡ ነቲ ንምድሓን ዚዀነና ፍልጠት ሓቅን መንፈስ ቅዱስን ስለ ዘጥፋእናዮ’ዩ። እምበኣር ሎሚ ኣእጋርና ናብ ቤተ ክርስትያን ኣቕኒዑ ነዚ ትምህርቲ’ዚ ኽንመሃር ወይ’ውን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክንሰምዕን ከነንብብን ቅድል ሂቡና ዘሎ፡ ኣምላኽ ብሕያውነቱን ብዓቕሉን ብትዕግስቱን ንነፍስ ወከፍና ናብ ንስሓ ኺመርሓና ስለ ዝደለየ’ዩ።
ንስሓ፡ ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ ‘በደልካ ተኣሚንካ ናብ ኣምላኽ ምምላስ’ ማለት’ዩ። ቃል እግዚኣብሄር ከይትሰምዕ ልብኻ ኣትሪርካ ብፍትወት ስጋኻ ካብ ምንባር ወጺእካ ናብ መገዲ ኣምላኽ ምምላስ’ዩ። እቲ ጥፉእ ወዲ ኵሉ ካብ ቤተ ኣቦኡ ዝወሰዶ ገንዘብ ዘርዩ ምስ ወድአ ቤት ኣቦኡ’ዩ ዘኪሩ።
“ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ ‘እንጌራ ዚተርፎም ኣገልገልቲ ኣቦይ ክንደይ’ዮም፧ ኣነ ግና ኣብ’ዚ ብጥምየት እመውት ኣለኹ። ተንሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ ኦ! ኣቦ ኣብ ቅድሚ ሰማይን (ኣምላኽን) ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ ደጊም ወድኻ ክበሃል ኣይበቅዕን’የ፡ ከም ሓደ ኻብ ገላውኻ ግበረኒ ክብሎ’ በለ።”
ከም’ቲ ዝበሎም ምስ ገበረ ድማ፡ ኣቦኡ ከም’ዚ ኺጽበዮ ዝጸንሐ ገና ርሑቕ ከሎ ምስ ረኣዮ ብድንጋጽ’ዩ ምሕረት ገይሩ ተቐቢልዎ (ሉቃ 15፡17-20)። ንስሓ ኣብቲ ለዋህን መሓርን ዝዀነ ባህርይ ኣምላኽ ዚምርኰስ ባዕሉ ዝሃበና መንፈሳዊ ዕድልን ጥበብን’ዩ። ማለትና ዀይኑ ብምሉእ ልብና ደኣ ናብ ኣምላኽ ንመለስ’ምበር፡ ሳላ’ቲ መተዓረቒና ኪኸውን ዝለኣኾ፡ ስጋና ዝለበሰ ክርስቶስ መድሓኒና ዝኸፈለልና ቤዛ፡ ንእግዚኣብሄር ንኺድምስሰልና ዚድግሞ ሓጢኣት የለን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰሪ ገበንና ዝቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ዝተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻዕትና ዝተቐበለ፡ ካብ ዝተባረርናዮ ምእንቲ ኽንምለስ መከራ ዝጸገበ መድሓኒና’ዩ። እግዚኣብሄር ኣቦ ኸኣ ሞቱ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ኼምጽኣልና’ዩ ኣበሳ ኵላትና ኣብኡ ዝጸዓኖ (ኢሳ 53፡4-7,10)። እዚ ፍልጠት ሓቂ’ዚ ሒዝና ኢና ‘ምበኣር ነዚ ኣምላኽ ብሕያውነቱ ሂቡና ዘሎ ናይ’ዛ ዕለት’ዚኣ ዕድል ሓቀኛ ንስሓ ብምንሳሕ ክንጥቀመሉ እንኽእል።
ንስሓ ይጽንሓለይ ኪበሃል ዘይግብኦ መንፈሳዊ ተግባር’ዩ። ከመይ ጽባሕ ኣይናትናን’ያ። ነቲ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ’ያ፧ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።” ዚብለና ቓል ንዘክር (ያእ 4፡14)። ከም’ቶም ንዝተላእከሎም ናይ መርዓ ዕድመ ንዒቖም ብዘይጠቅም ምኽንያት ሸለል ዝበሉ ኣይንኹን። ንነሳሕ ደኣ’ምበር ባዕልና ኣብ ገዛእ ርእስና ቍጥዓ ኣምላኽ ኣይንኣክብ! እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ’ያ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ’ያ (2ቈረ 6፡2)። ቅዱሳን ሃዋርያት ነዛ ‘ተነስሑን ተመለሱን’ እትብል ንምድሓን ትዀነና መልእኽቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኬብጽሑ’ዮም ነዚ ጾም’ዚ ዝጸምዎ። ንሕና ኸኣ ሓቀኛ ንስሓ ብምንሳሕ ካብ በረኸቶም ንካፈል። ንነሳሕ! ንነሳሕ! ንነሳሕ! ብዛዕባ ምስጢረ ንስሓ’ ምሉእ ትምህርቲ ምእንቲ ኽንረክብ ነቲ መሰረተ እምነት ንምስትምሃር ብሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ‘ፍኖተ ህይወት’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ብግልናን ብስድራ ቤትን እናኣንበብና ንጠቐመሉ። ሎሚ ከይንሳሕ ልቡ ንዘትረረ፡ ምስ ሰይጣን ኣብ ገሃነም እንተ’ሕረረ፡ ኣምላኽ’ሞ እንታይ ዘይገበረ!! ስለዚ ሃብቲ ሕያውነቱ ኣይንንዓቕ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
30 ሰነ 2024 | ሰነ 23, 2016 ግዕዝ (መበል 42 ሰንበት: ቊ.፵፪/42) |
||
ምስባክ መዝ. 85 : 15 - 16 ኣንተሰ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል ርሑቀ መዓት ወብዙኃ ምሕረት ወጽድቅ ነጽር ላዕሌየ ወተሳሃለኒ። ብትግርኛ፤ ጎይታየ ንስኻ ግና መሓርን ጸጋውን ዓቃልን ብሳህልን ሓቅን ዓብይ ኣምላኽ ኢኻ ናባይ ግልጽ በል እሞ ምሓረኒ |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 2 : 1 - 12 |
ዲያቆን |
|
3ይ ዮሐ 1 : 1 - ፍም |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ ሐዋ 14 : 20 - ፍም |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 22 : 1 - 14 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዚኢነ |መዝሙር፦ ናክብር ሰንበቶ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ