“ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ (ናብራኦምን) ዚስቀይ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሓኖ።. . .እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ በቲ ኣብ ጸጽባሕ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀይ ነበረት።” 2ጴጥ 2፡7,8።
ዝኽሪ 15 ዓመት ምዕጻው ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ፡ እታ እንኮ ልሳን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፡
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነቲ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉዳይ ዕርቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ብምግባር፥ ዕለት 13 ሓምለ 2017 “እግዚኣብሔር ምሉእን ሓቀኛን ዕርቂ ይግብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፥ ሠናይ ትምኒትና ገሊጽና፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ብቓሎም ንምእመናን ቃለ ቡራኬ ክህቡ፥ ንዝተነብረ ውግዘት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጸሎተ ሥርየት ከልዕልዎን ጸዊዕና።Read more ...
“ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾኽ ድማ ዐበየ ሐነቖውን።” ማቴ 13፡7
እዚ ዕለት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትን፡ ናይ’ቲ “ዘርእ፡ ደመና፡ ጠል” ዝተሰምየ ንኡስ ክፍለ ዘመንን’ዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 3 ኽሳዕ ሓምለ 9 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ነቲ “ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ” ዚብል ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ኢና ንዝምር።
ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ ከም-ዝበሃል፥ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ’ውን፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተደጋጊሙ ዝዝረብሉ እዋን ኮይኑ እንተ-ተረኽበ ዘገርም ኣይኮነን።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ነቲ ዕለት 11 ሓምለ 2017 ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉዳይ ዕርቂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዘውጽኦ መግለጺ መሠረት ብምግባር፥ ዕለት 13 ሓምለ 2017 “እግዚኣብሔር ምሉእን ሓቀኛን ዕርቂ ይግብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፥ ሠናይ ትምኒትና ገሊጽና፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ብቓሎም ንምእመናን ቃለ ቡራኬ ክህቡ፥ ንዝተነብረ ውግዘት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጸሎተ ሥርየት ከልዕልዎን ጸዊዕና።
“እምበኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ሓድሕድኩም’ውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ’ያ።” ያእ 5፡16።
ካብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ሓዋርያ ሰላም፡ ክወጹ እዮም ካብ ማሕዪር ጸላም! ዝብል ሠናይ ወረ ይስማዕ ኣሎ።
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።
13 ሓምለ 2017 ዓ.ም.
ብዕለት 11 ሓምለ 2017 ዝወጸ መግለጺ መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ፥ ንዕርቂ፥ ንሰላምን ድኅነትን ቤተ ክርስቲያን ኣንፈት ዝህብ ጽቡቕ ጅማሮ ምዃኑ ብምእማን፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ እቲ ጅማሮ፥ ኣዝዩ ከም ዘሕጎሶን ንሓቀኛ ዕርቅን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝድግፍን ብመትከል ሓጎሱ ይገልጽ።
“ንሱ ይሓልየልኩም’ዩ’ሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።” 1ጴጥ 5፡7
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ