“ነቲ ኽብሪ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ’ዩ (ኣምላኽ) ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም፡ ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ’ሞ፡ ነቲ ብቓልና ወይ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ሓዝዎ።” 2ተሰ 2፡14,15
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻምናይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነሓሰ 19 ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ “ንዒ ርግብየ ሠናይት” ዘርእስቱ’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ንሰብ ዜርክስን ዘየርክስን ነገራት ጐይታና ንደቀመዛሙርቱ ዝሃቦ ትምህርቲ ዚገልጽ’ዩ። እቲ ትምህርቲ ብናይ ፈሪሳውያን ተቓውሞ ዝተበገሰ’ዩ። ኣይሁድ ዘተኣታተውዎ ኢድካ ተሓጺብካ ናይ ምብላዕ ጽቡቕ ልማድ ነበሮም። እንተ ዀነ፡ ከም ሓደ ንጥዕና ዚጠቅም ጽቡቕ ልማድ ዘይኰነስ፡ ከም ሓደ ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣተኣታትዮም፡ ንሰባት ይኸስሱሉን የውግዙሉን ነበሩ። እዚ ናይ ምሕጻብ ኣእዳው ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካልእ ብዙሕ ስርዓታት’ውን ኣተኣታትዮም ነበሩ (ማር 7፡1-4)። እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ በዚ ባዕላቶም ዝሓገግዎ ስርዓታቶም፡ ንደቀ መዛሙርቲ ኣብ ቕድሚ ጐይታ ኪኸስስዎም ምህቃኖም’ዩ። ጐይታ ድማ በቲ ስርዓቶም ገይሮም ነቲ ናይ ኣምላኽ ሕጋጋትን ስርዓታትን የፍርስዎ ኸም ዘለዉ ቐልዖም። ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ’ቲ ንፈሪሳውያን ዘየሐጐሰ (ዝዓንቀፈ) ዘረባኡ ምስ ሓተትዎ ድማ፡ ብዛዕባ ንሰብ ዜርክስን ሓጢኣት ዚዀኖን ተግባራት መሰረታዊ ትምህርቲ ኣቕሰሞም። ብኣፍ ዚኣትው ብልዕን መስተን ንሰብ ከም ዘየርክሶን፡ እቲ ቐንዲ ምንጪኢ ናይ ርኽሰት ልብና ምዃኑን፡ ንዅሉ ወለዶታት ዚኸውን ትምህርቲ ሃበ። እዚ ምህሮ’ዚ ንኣና ንህዝበ ክርስትያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ’ዩ። ከም’ቲ ንጉስ ሰለሞን “ህይወት ካብኡ’ያ ‘ትፍልፍል’ሞ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ” ዝበለ፡ ብዛዕባ’ቲ ምንጪ ዅሉ ተግባራትናን ዘረባናን ሓሳባትናን ዝዀነ ልብና ብዙሕ ክንጥንቀቕ ከም ዚግባእ ዜረድእ’ዩ (ምሳ 4፡23)። ነብዪ ኤርምያስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ ልቢ ኣዝዩ ሕሱምን ጐራሕን’ዩ (ኤር 17፡9)። ዋላ ነቲ ዋንኡ ኸይተረፈ’ዩ ዜታልሎን ዜዐሽዎን። ይትረፍ ነቲ ሰብ ዝሰርዖ ስርዓታት፡ ዋላ ነቲ ናይ ኣምላኽ ስርዓታት’ውን ኣጣሚሙ ናይ ምርዳእን ናይ ምጥምዛዝን ልዑል ክእለት ኣለዎ (ማቴ 23፡16-22)። ስለ’ዚ ብዝተጠበረ ልቢ ተጋጊና ኣብ ዘይውደቕ ከይንወድቕ፡ ንልብና ክንጥንቀቐሉ ይግባኣና (ኢሳ 44፡20 ፣ መዝ 95፡10)።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትና’ውን ንልብና ክንሕልዎን ክንጥንቀቐሉን ዚረድእ’ዩ። ምኽንያቱ ንልብና በቲ ዝተመሃርናዮ ትምህርቲ ኢና ንሕልዎ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነቲ ዝተመሃርናዮ ኣጥቢቕና ኽንሕዞ ዝመዓደሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ምስባክ’ውን፦
“ብኣምላኽ ንቓሉ አመስግኖ፡ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ አመስግኖ ኣለኹ። ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን’የ። ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧”
ብምባል፡ እቲ እንመሃሮ መንፈስን ህይወትን ዝዀነ ቓል እግዚኣብሄር ምስጉን ቃል ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (መዝ 56፡10,11 ፣ ዮሃ 6፡63)። ኣህዛብ’ውን፡ ነቲ ኣይሁድ ዝተሓሰምዎ ቓል ወንጌል ምስ ተሰብከሎም ብሓጐስ ድሕሪ ምቕባሎም፡ ንቓል ኣምላኽ ኣመስገኑ (ግብ 13፡46-49)። ንቓል ኣምላኽ ኪምስገን ዚገብሮ፡ በቲ ኣባና ዜስልጦ ዕዮ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን፡ “ዚዓይይ ቃል” ምዃኑ ኣብ 1ተሰ 2፡3 ገሊጹልና ኣሎ። ነቲ ትምህርቲ ኣብ ልብና ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ዝተደልየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ።
“ነቲ ዝመሃርናኩም ሓዝዎ” ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧ ኣብ ምንታይና ወይ ብምንታይ ኢና ኽንሕዞ፧ መጽሓፍ ቅዱስና ነዚ ሓሳብ’ዚ ንምግላጽ፡ “ኣብ ልብኹም ዕቘርዎ፡ ኣንብርዎ፡ ይኹን፡ ኣዋህልልዎ፡ ወዘተ” ዚብል መለሳ ቓላት ይጥቀም’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ዘክርዎ፡ ኣይትረስዕዎ፡ ደጋጊምኩም ኣስተንትንዎ” ዚብል መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ። ክንዝክሮ እንተ ዄንና፡ ናይ ግድን ኣብ ውሽጥና ኺሓድርን ኪነብርን ኣለዎ። ባህርይ ልብናን ኣእምሮናን ጽቡቕ ጌርና ኸም ‘ንፈልጦ፡ ሓንሳእ ስለ ዝሰማዕናዮ ወይ ስለ ዘንበብናዮ ጥራሕ፡ ንሓዋሩ ኣይንሖዞን ኢና። ሓደ ኻብ’ቲ ‘ንሕዘሉ መገዲ፡ ምድግጋም’ዩ። እቲ ምድግጋም ድማ ብምስማዕ ብምንባብ ወይ ብምሕሳብ ኪኸውን ይኽእል። ስለ’ዚ “ሓዝዎ” ኺበሃል ከሎ፡ “ነዚ ዝተጠቕሰ ዅሉኡ ግበሩ” ማለት’ዩ። ካብ’ቲ ባህርያዊ ትዕድልትናን ዓቕምናን ከም ‘ንዕዘቦ፡ ናይ ኵላትና ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዀነ ሜላ ብዙሕ ፍልልያት ኣለዎ። ስለ’ዚ በቲ እንኽእሎን እንመልኮን ጥበብ ተጠቒምና፡ ነቲ እግዚኣብሄር ብቕዱሳት ጽሑፋት ኰነ ብኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ገይሩ ዚህበና ትምህርቲ ብልብና ኸም ዝሓዝናዮን ንጥቀመሉ ኸም ዘለናን ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣሎና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ “ኣብ ልብኻ ዕቘሮ” እናበለ ዚእዝዘና።
“ወደየ፡ ናብ ቓላተይ ኣቕልብ፡ እዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን፡ ንዝረኸበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሲ’የን’ሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።” ምሳ 4፡20-22 ካ.ት
“ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ’ቲ ዝነግረካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፡ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ።” ህዝ 3፡10
“እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ……. እምበኣር ነዚ ቓላተይ’ዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ።” ዘዳ 6፡16 ፣ 11፡18
እዚ ትእዛዝ’ዚ ናይ ኣምላኽ ትእዛዝ ከም ምዃኑ መጠን፡ ከይፈጸምናዮ ምስ ‘ንተርፍ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ሓጢኣት ምዃኑ ኽንዝንግዖ ኣይግባእን’ዩ።
ንምንታይ ኢና ኽንሕዞ ኣብ ልብና ኽንዓቝሮ ዚግብኣና፧ ኣብ ልብኻ ናይ ምዕቛር ረብሃ እንታይ’ዩ፧ እግዚኣብሄር ነዚ ትእዛዝ’ዚኢ ዝሃበሃ፡ ንኣእምራዊ ልምምድ (Exercise) ወይ’ውን መኽዘን ቃላት ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ ኸም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። እዚ ትእዛዝ’ዚ ምእንቲ መንፈሳዊ ረብሓ’ዩ ዝተኣዘዘ። ኣብ ልብና ዓቝርናዮ ኽነስና ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣካይዳናን ዝዀነ ዓይነት ለውጢ እንተ ዘይረኺብናሉ፡ ነቲ ዕላማ ስሒትናዮ ኸም ዘለና ግሁድ መርኣያ’ዩ ዚኸውን። ጐይታና፦
“ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ’ዩ’ሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ፡ ካብ’ቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ፡ ክፉእ ሰብ ከኣ ካብ’ቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ የውጽእ።”
ኢሉ ዝተዛረቦ ቓል፡ ዓይነት ህይወትና ብምልኣት ናይ ልብና ኸም ዚውሰን ዜረጋግጸልና’ዩ (ማቴ 12፡33-34)። ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልብኻ ምዕቛር ማለት ከኣ፡ ንልብኻ ብቓል ኣምላኽ ምምላእ ማለት’ዩ። ልብና በቲ ኣብ ውሽጥና መሊኡ ዘሎ ሓሳባትን ቃላትን ዚምራሕ እንተ ዀይኑ፡ ንልብና ብቓል ኣምላኽ እንተ መሊእናዮ ብቓል ኣምላኽ ‘ንምራሕ ሰባት ንኸውን ማለት’ዩ። ልብና ብቓል ጽድቂ መሊኡ እንተ ዀይኑ፡ ክንዛረብ ከለና ቃላት ጽድቂ ኽንዛረብ ኢና። ብልብና ተደሪኽናን ተመሪሕናን ስለ ‘ንገብር፡ ግብርና’ውን በቲ ንልብና ዝመልአ ቓላት’ዩ ዚምእዘን። ቅዱስ ዳዊት’ውን ንቓል እግዚኣብሄር ኣብ ልቡ ዝዓቘረሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ፦
“ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”ብምባል ገሊጹ ኣሎ (መዝ 119፡11)። በዚ ኣዘራርባኡ’ዚ፡ እቲ ኣብ ልቡ ዝዓቘሮ ቓል፡ በደል ኣብ ምፍጻም ይሕልዎ ኸም ዝነበረ ዜመልክተና’ዩ። እቲ ዝዓቘሮ ቓል፡ ዳዊት ኣብ ዘለዎ ዅሉ ቦታን ኣብ ዚሓልፎ ዅሉ ዅነታትን ምስኡ ስለ ዘሎ፡ ገለ በደል ናይ ምግባር ሓደጋ ኼንጸላልዎ ኸሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቓል፡ “ኣይፋልካን፡ ነዚ ኽትገብር ኣይግብኣካን’ዩ” ብምባል የዘክሮን ይኽልክሎን ማለት’ዩ። እቲ ቓል ኣብ መጽሓፍካ ጥራሕ’ምበር ኣብ ልብኻ ዘየለ እንተ ዀይኑ ግን፡ ከምኡ ገይሩ ዜማእዝነካ ምርሒት ኣይህልወካን’ዩ።
ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውን ግን ዘይምብዳልና ጥራሕ ኣይኰነን። እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍረ ምፍራይናን ምእዛዝና’ዩ። ናብ በደል ዜውድቐና ዘሎ ድማ፡ እቲ ዘይምእዛዝና’ዩ። ስለ’ዚ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብና ኽንዓቝሮ ዚግብኣና መሰረታዊ ምኽንያት፡ ንምእዛዝና ምእንቲ ኼዕዝዞን ከሐይሎን’ዩ። ቅዱስ ዳዊት፡ ነዚ ዜረጋግጽ፦
“ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ኣብ’ቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ትነብር። ጽድቁ ከኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡ ንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ’ዩ”
“እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ’ዮም፡” ሉቃ 8፡15 ብምባል ጽሒፉ ኣሎ (መዝ 103፡17,18)።
ስለ’ዚ ኣብ ልብና ዓቝርና ወርትግ ክንዝክሮ ዜድለየሉ ምኽንያት፡ ምእንቲ ኽንገብሮን ክንእዘዞን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ልብኻ ናይ ምዕቛር ረብሓ፡ ካብ ሓጢኣት ምሕላውን ንትእዛዛቱ ምፍጻምን’ዩ። ካብ ሓጢኣት ኽንእደብ እንተ ዄንና፡ ነቲ “ኣይትግበሮ” ዝተበሃልናዮ ዅሉ ትእዛዛት፡ ኣብ መዛግብቲ ልብና ኽንዓቝሮ ይግብኣና። ብኣንጻሩ ተኣዝዞና ኸነዕዝዝ እንተ ዄንና ድማ፡ ነቲ “ግበሮ” ዝተበሃልናዮ ዅሉ ቓላት ኣብ ማሕደር ልብና ኸነስፍሮ ናይ ግድን’ዩ። እቲ ቓል ኣብ ልብና እንተ ዘየለ ግና፡ ቅኑዕ ዀይኑ ዝተራእየና እናገበርና ኢና ንነብር።
እቲ ኣብ ልብና ዝዓቘርናዮ ቓል ብግብራዊ መገዲ ብኸመይ’ዩ ዚሕግዘና፧ ኣቐዲምና ኸም ዝጠቐስናዮ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ናይ ምዕቛር ኣድላይነት፡ ዓቕሚ ኣእምሮና ንምፍታሽ ዝዓለመ ኣይኰነን። ናይ ብሓቂ ኣብ ልብና ዓቝርናዮ ኸም ዘለና ንኺረጋገጽ ድማ፡ ናይ ቃል ፈተና ኣይኰነን ዚቐርበልና። ናይ ጽድቅን ሓጢኣትን ነገር፡ ግብራዊ ፈተና’ምበር፡ ናይ ቃልን ስምዒትን ጕዳይ ጥራሕ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ኣብ ልብና ዓቝርናዮ ኸም ዘለና ዚረጋግጽ፡ ፈታኒ ወይ በዳሂ ዅነታት ምስ ተኸስተ፡ እቲ ዝተዓቝረ ቓላት ናብ ዝኽርና መጺኡስ ብእኡ ኽንምእዘን ምስ ‘ንኽእል’ዩ። ብርግጽ እቲ ዚፍትነና ዅነታት ሃዋጺ ስምዒታት ስለ ዚፈጥር፡ ርግእ ኢልካ መዛግብቲ ልብኻ ኽትፍሽን ዚሓይሽ ክትመርጽን ዜጸግም ሃዋህው ዚፈጥር’ዩ። ንፍተው ንጽላእ ግን፡ ረብሓ ምዕቋርና ዚገሃደሉን ዚረጋገጸሉን ኵነታት ንሱ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ብቕኑዕ ዕላማ ነቲ ቓል ኣብ ልብና ዝዓቘርና ሰባት እንተ ዄንና፡ በቲ ዅነታት ዘይኰነስ፡ በቲ ዝዓቘርናዮ ቓል ኢና ንምራሕ። ንኣብነት ክንቍጣዕን ክንበኣስን ክንቅየምን ዚደፍኣና ዅነታት ምስ ዚፍጠር፡ ነቲ ኣብ ልብና ዝዓቘርናዮ ንእኡ ዚምልከት ቃል ኣምላኽ ክንዝክርን ብእኡ ተመሪሕና ነቲ ዅነታት ብጽድቂ ኸነማእዝኖን ልዑል ትጽቢት ይግበረልና። ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ኪጸርፈካ ኸሎ፡ ሕጂ ብእኡ ተቓጺልካ ዓጸፋኡ ኽትምልስ ዘይኰነ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኪገብር’ዩ ዚጽበየኒ?” ኢልና ኽንሓትት’ዩ ዚግባእ። እቲ ኣብ መዛግብቲ ልብና ሰፊሩ ዘሎ ዕቑር ቃል ድማ፡ “ክትዕገስ፡ ክትምሕር፡ ከተፍቅር’ዩ ዚግብኣካ” ዚብል መልሲ’ዩ ዚህበና። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሃዋጺ ዅነታት፡ ንእግዚኣብሄር ነቲ ዝተዓቝረ ቓልን እንተ ዘይዘኪርናን እንተ ዘይተግቢርናዮን ግን፡ ነቲ ዝተመሃርናዮ ኣብ ልብና ናይ ምሓዝ ረብሓ ብላሽ ኰይኑ፡ ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። ብኣንጻሩ ንፍርዲ’ዩ ዚዀነና። ምኽንያቱ ጐይታና፦
“እቲ ንፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ (ኼብቅዕ ንምትግባሩ) ዘይተዳለወ፡ ከም’ታ ፍቓዱ’ውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ኺግረፍ’ዩ። እቲ (ዋላ ሓንቲ) ኸይፈለጠ መግረፍቲ ዚግብኦ (በደል) ዝገበረ ግና፡ ሒደት’ዩ ዚግረፍ፡ ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ (ይጽበይዎ)፡ ብዙሕ ንዘማዕቘብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ።” ብምባል ኣነጺሩ ኣፍሊጡና’ዩ (ሉቃ 12፡47,48)። ስለ’ዚ ዓቝርናዮ ኸነብቅዕ እንተ ዘይተጠቒምናሉ፡ ክንረብሃሉ ዘይኰነስ ክንጕድኣሉ ኢና ዝዓቘርናዮ ማለት’ዩ። ዘይምዕቛር፡ በደል’ዩ። ዓቝርካ ኸተብቅዕ፡ ነቲ ዝዓቘርካዮ ዘይምትግባር ድማ እናፈለጥካ ምጽያቕ ዝዓይነቱ ዝኸፍአ በደል’ዩ።
ቅዱስ ዳዊት፡ ነቲ ዝዓቘርካዮ ቓል ኣብ ከመይ ኵነታትን ብኸመይ ከም ‘ትጥቀመሉ ግሩም ኣርኣያ ዝሃበና ኣቦ’ዩ። ዕድሚኡ ምሉእ ብኸቢድ ፈተና ዝሓለፈ ሰብ ምንባሩ፡ ካብ ኵሉ’ቲ መሃሪ መዝሙራቱ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣዝዩ ዜፍቅሮን ዜስተንትኖን ዚእዘዘን ሰብ ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጸልና ሓቂ’ዩ። ኣብ መዝሙራቱ ብተደጋጋሚ ተኣሚንዎ ኸም ዘሎ፡ ክፉኣት ሰባት ኪለዓልዎ ኸለዉ ዚገብሮ ቐዳማይ ስጕምቲ’ ንቓል ኣምላኽ ምስትንታንን ምሕላውን’ዩ።
“ኣብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፡ ኣነ ግና እጽልይ ኣለኹ። …. መሳፍንቲ ተቐሚጦም እንተ ሓመዩኒ’ኳ፡ ባርያኻ (ብቓላትካ) የስተንትን ኣሎ። …… ትዕቢተኛታት ኣዝዮም ኣላገጹለይ፡ ኣነ ግና ካብ ሕግኻ ኣየገለስኩን። ……. ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ ኣለዉ፡ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕልው ኣለኹ። ረሲኣን መፈንጠራ ኣጻወዱለይ፡ ኣነ ግና ካብ ትእዛዛትካ ኣየግለስኩን። መዝ 109፡4 ፣ 119፡23,51,69,110
ነዚ ንሱ ገይርዎ ዘሎ ምግባር ማዕረ ኽንደይ ኸም ዚኸብደና ዅላትና ንፈልጦ ኢና። ንጉስ ዳዊት’ውን ከማና ዝድኻሙ ሰብ’ዩ ዝነበረ። ኣጽዋር ዝዓጠቐ ናይ ውግእ ሰብ’ኳ እንተ ነበረ፡ ግን ንእኡ ኺጥቀመሉ ኣይመረጸን። ብኣንጻሩ ግን ነቲ ኣብ ልቡ ዝዓቘሮ ቃል ኣምላኽ ኪጥቀመሉ’ዩ መሪጹ። ስለ’ዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ “ኵሉ ፍቓደይ ዚገብር፡ ዝኸም ልበይ ሰብኣይ ረኸብኩ” ኢሉ መስከረሉ (ግብ 13፡22,36)። ነዚ ኣካይዳኡ’ዚ ብግብራዊ መገዲ ዝገለጸሉ ታሪኽ ድማ ኣብ 2ሳሙ 16፡5-14 ተጻሒፉልና ኣሎ። እቲ ሽምዒ ዝተባህለ ብንያማዊ ሰብኣይ፡ ብኣፉ ይረግሞን ይጸርፎን ነበረ። ብኢዱ ድማ ብሓመድ ይግጽቦን እምኒ ይድርብየሉን ነበረ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ ዳዊት ብሰራዊቱ ዝተኸብበ ንጉስ’ዩ ነይሩ። እቶም ዚዕጅብዎ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊት ድማ ኪቐትልዎ ኪፈቕደሎም ይደፋፍእዎ ነበሩ። ንሱ ግና ንእግዚኣብሄርን ንቓሉን ኪሰምዕ’ምበር፡ ነቲ እኩይ ድፍኢቶም ኪእዝዝ ኣይመረጸን። ነዚ ተግባር’ዚ፡ እቲ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዓቝሩ ኣብ’ቲ ግቡእ ጊዜኡ ድማ ብግብራዊ መገዲ ዚጥቀመሉ ሰብ ጥራሕ’ምበር፡ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ኣይኰነን። እግዚኣብሄር ብቕዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን ገይሩ ኣብ ልብና ኽንዓቝር ዚእዝዘና ድማ፡ ነዚ ዓብይን ክቡርን መንፈሳዊ ረብሓ’ዚ ምእንቲ ኽንረኽቦ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ብዝተረፈስ ኣሕዋተየ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸተሐጕስዎ፡ ከመይ ጌርኩም ክትነብሩ ኸም ዚግብኣኩም፡ (ናብራኹም እንታይ ኪመስል ከም ዚግብኦ) ካባና ተማሂርኩም ኢኹም። ድሮ’ኳ ትነብርዎ ኣለኹም። ሕጂ ኸኣ ነዚ (መንፈሳዊ ናብራ’ዚ) ብዝበለጸ ኽትነብርዎ ብጐይታና ኢየሱስ ንልምነኩምን ነተባብዓኩምን ኣለና። ከመይ ብጐይታና ኢየሱስ እንታይ ዝዓይነቱ ትምህርቲ ኸም ዝሃብናኩም ትፈልጡ ኢኹም።” ብምባል (ነቲ ትምህርቲ ኣጽኒዕካ ኸይሓዝካን፡ ብግብሪ ኸይነበርካዮን ንኣምላኽ ከተሐጕስ ኸም ዘይከኣል ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ተሰ 4፡1,2 ካ.ት)። ናይ ህይወት ተልእኾና፡ ኣምላኽ ከም ዚሕጐስ ምግባር ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ዝተማሃርካዮ ቓል ኣብ ልብኻ ኣጽኒዕካ ምሓዝን ብእኡ ንናብራኻ ምምእዛንን መዓልቲ ኽንተግሃሉ ዚግብኣና ኽቡር ሓላፍነት’ዩ።
ነቲ ትምህርትኢ ኣጽኒዕኻ ናይ ዘይምሓዝ መልእኽትን ሳዕቤንንከ እንታይ’ዩ፧ ነዚ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብመምህራን ወንጌል ኰነ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ዝመሃረካ ትምህርቲ ኣብ ልብኻ ኣጽኒዕካ ዘይምሓዝ፡ ሕማቕ መልእትን ኣዕናዊ ሳዕቤንን ከም ዘለዎ ብዙሕ ትንተና ዘይሓትት ግሉጽ ሓቂ’ዩ። እቲ ቀዳማይ መልእኽቱ፡ ነቲ ናይ ልዑል ኣምላኽ ክቡር ቃል፡ ከም ቍም-ነገር ከም ዓብይ ትምህርቲ ኸም ዘይረኣኻዮ ዜቃልዕ’ዩ። ነዚ ሓደገኛ ሸለልትነት’ዚ ዝኸበደ ዚገብሮ ድማ፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝነዓቕናዮ ኣምላኽ ደው ኢልና፡ በዚ ዝነዓቕናዮ ቓልን ትምህርትን’ዚ ‘ንፍረድ ምዃንና’ዩ (ዮሃ 12፡47-50 ፣ 2ቈረ 5፡9,10 ካ.ት)። እቲ ኻልኣይ መልእኽቲ ኸኣ ገዛእ ልብና ብኻልእ ነገር ተታሒዙ ኸም ዘሎ፡ ኣምላኽን ትምህርትታቱን ንኣና ኻልኣዊ ጕዳይ ምዃኑ ዚገልጽ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ፍጥረት ባዶሽ (vaccum) የለን። ልብና ንቓል ኣምላኽ ኪሕዝ እንተ ዘይደልዩ፡ ድሮ ብኻልእ ነገር ተታሒዙ ኸም ዘሎ የመልክት ኣሎ ማለት’ዩ። እስራኤላውያን፡ ኣምላኽ ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ዘይደልዩሉ ምኽንያት፡ ድሮ ንልቦም ብጣኦታቶም መሊኦምዎ ስለ ዝነበሩ ምዃኑ ነብዪ ህዝቅኤል ገሊጹ ኣሎ።
“ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዞም ሰባት’ዚኣቶም ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣቝሞምዎ ኣለዉ፡ ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክሕተት’የ፧” ህዝ 14፡3
“ዓይንኻን ልብኻን ብስስዕትን ብምኽዓው ንጹህ ደምን ብምግባር ግፍዕን ዓመጻን ጥራይ ትሕዙ’ዩ” ኤር 22፡7
ልብና ድሮ ትሑዝ ስለ ዝዀነ’ዩ ነቲ ትምህርቲ ናይ ኣምላኽ ዘይሕዞ’ምበር፡ ምሓዙ ዚኸብድን ዘይከኣልን ኰይኑ ኣይኰነን። እዚ ሰንበት መጸ ‘ንመሃሮ ዘለና ትምህርቲ ወንጌል፡ ክንደይ ካብኡ ኣብ ልብና ከም ዘሎን ብእኡ’ውን ማዕረ ኽንደይ ንምርሓሉ ኸም ዘለና ንሕሰብ። ገሌና ይትረፍ ነቲ ትሕዝቶኡ ኽንዝክሮን ክንትግብሮን፡ ንጽባሒቱ’ኳ፡ እታ ኣርእስቲ እንታይ ምንባራ ኽንደግም ኣይንክእልን ኢና። ነቲ መብልዕ እንጌራ ኪዀነና ዝተመሃርናዮ ትምህርትን ዝቐሰምናዮ ሞያን ግን ኣብ ልብና ግጥም ኣቢልና ስለ ‘ንሕዞ፡ ዳርጋ ዕድመና ምሉእ ኣይንርስዖን ኢና። ምኽንያቱ ደጋጊምና ስለ ‘ነጽንዖን ስለ ‘ንጥቀመሉን’ዩ። ነቲ ትምህርቲ ወንጌል ግን ብዝተመቕለ ልቢ ‘ንሰምዖ፡ ብድሕሪ ድማ ኣይንሰምዖ ኣይነንብቦ፡ ክንዝክሮን ከነስተንትኖ’ውን ኣይንሓስብን ኢና። በዚ ኣካይዳና’ዚ ልብና ናብ እግዚኣብሄር ድሮ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ ወዲኡ’ዩ። “ኣብ እምነት የለኹን፡ እቲ ትምህርቲ ንኣይ ኣገዳሲ ኣይኰነን፡ ካብኡ ንላዕሊ በቲ ስጋዊ ትምህርተይን ናብራይን’የ ዝግደስ” ዚብል መልእኽቲ ድሮ ኣመሓላሊፍና ኢና። ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“ሕጂ ኸኣ ኣሕዋተይ ነቲ ኣነ ዝሰብኽኩልኩም ወንጌል ከዘኽረኩም እደልይ ኣለኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን ብእኡ ድማ ጸኒዕኩም እትነብሩ ዘለኹምን’ዩ። ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ኣጽኒዕኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣለኹምሲ፡ ብእኡ ድሒንኩም ኢኹም፡ እንተ ዘይኰነ (እንተ ዘይሓዝኩምዎ ግና) እምነትኩም ከንቱ’ዩ።” 1ቈረ 15፡1,2 ካ.ት
ስለ’ዚ ትምህርትኻ ምሓዝን ዘይምሓዝን ናይ ኣእምራዊ ልምምድ ጕዳይ ዘይኰነስ፡ ናይ ድሕነትን ጥፍኣትን ጕዳይ’ዩ። ትምህርትካ ዘይምሓዝ፡ ንእምነትካ ኸንቱ ኸም ዚገብር፡ እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ብንጹር ነጊሩና ኣሎ።
ነቲ ዝተመሃርናዮ ኣጽኒዕና ንምሓዝ ክንገብሮ እንኽእል እንታይ’ዩ፧ እቲ ቐዳማይ ክንገብሮ ዚግብኣና፡ ነቲ እንመሃሮ ትምህርቲ ከም ቃል ኣምላኽ’ምበር፡ ከም ቃል ሰብ ጌርካ ዘይምርኣይ’ዩ።
“ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝጸውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ንነፍስ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነጸናንዓኩምን ነተባብዓኩምን ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም። ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ፡ ከም’ቲ ኣባኻትኩም ኣብ’ቶም ኣመንቲ፡ ዚዓዮ ዘሎ፡ ከም’ቲ ሓቁ ኸም ቃል ኣምላኽ’ምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየቛረጽና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና።” 1ተሰ 2፡111-13 ካ.ት
እቶም ኣብ ቅድሜና ደው ኢሎም ዚምህሩና ሰበኽቲ ሰባት ስለ ዝዀኑ፡ ናይ ሰባት ትምህርትን ቃልን ጌርና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። እቲ ቐንዲ ዓንቃፊ ረቛሒ (Factor) እዚ ድኹም ኣተሓሳስባ’ዚ’ዩ። እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ይዛረበና ኸም ዘሎ እንተ ‘ንኣምን፡ ገና ኻብ ኣሰማምዓና ጀሚርና ርኡይ ለውጢ ምገበርና ኔርና። ንኸይንርስዖ ምተጠንቀቕና፡ ደጋጊምና መንበብናዮን መጽናዕናዮን፡ ንምትግባሩ’ውን ኣይምዛሕተልናን ኔርና።
ብዝተረፈ እቲ ንዝተማሃርናዮ ትምህርቲ ኣብ ልብና ናይ ምዕቛር ጥበብ፡ ካብ’ቲ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ንምጽናዕ እንጥቀመሉ ሜላ ዝተፈልየ ኣይኰነን። ደጋጊምካ ምንባብን ምስማዕን፡ ነቲ ዝተመሃርካዮ ነጥብታትን ጥቕስታትን ብልብኻ ምጽናዕ (ምሽምዳድ)፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ደጋጊምካ ምስትንታን፡ ምሳኻ ምስ ዝተማህሩ ሰባት ብዛዕባኡ ምዝርራብ፡ ንዘይተማህርዎ ሰባት ምምሃር (ምክፋል) እቲ ዝለዓለ ሜላ ድማ ነቲ ዝተመሃርካዮ ምትግባር’ዩ።
እምበኣር ንድሕሪት ምልስ ኢልና፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝተመሃርናዮ ዅሉ ብኸመይ ከም ዝሓዝናዮ ርእስና ንመርምር፡ ብኣታሕዛና ንድሕን ወይ ንጠፍእ እንተ ዄንና፡ በዚ ህልዊ ኣተሓዛና ኣብ ደምበ ድሑናት ወይ ኣብ ደምበ ጥፉኣት፡ ኣበይ ከም ዘለና ነረጋግጽ። ክንረብሓሉ ብዝተዋህበና ቓልን ትምህርትን ከይንጕዳእ ንጠንቀቕ!! ነቲ ልዑል ኣምላኽ ነቲ ዚፈርድ ቓሉን ቅድሚ ዅሉን ልዕሊ ዅሉን ንስርዓዮ። ዘለኣለምነት ብዘይብሉ ከንቱን ምድራውን ጕዳያት ንልብና ኣይነጻብቦን ኣይነጋዕዝዮን። ልብና ናይ ኣምላኽን ናይ ቃሉን ሕዛእቲ ይኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
25 ነሓሰ 2024 | ነሓሰ 19, 2016 ግዕዝ (መበል 50 ሰንበት: ቊ.፶/50) |
||
ምስባክ መዝ. 55(56)፣10-11 “በእግዚአብሔር እሴብሕ ቃልየ። በእግዚአብሔር ይከብር ዘነበብኩ። ወበእግዚአብሔር ተወከልኩ ኢይፈርህ ምንተ ይሬስየኒ ሰብእ።” “ብኣምላኽ ንቓሉ አመስግኖ። ብእግዚኣብሄር ንቓሉ አመስግኖ ኣለኹ። ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፡ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ተሰ 2፡8-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
1ዮሃ 4፡5-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 16፡35-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 15፡12-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ንዒ ርግብየ ሠናይት |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ