“...ሰባት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ካብ ርኽሰት ዓለም (ድሕሪ ምምላቖም)፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም’ዩ ዚገድድ። ንሳቶም (ነታ ሓቂ) እናፈለጥዋ፡ ካብ’ቲ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ (ካብ መጀመርታኡ) እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። እዚ (ንድሕሪት ምምላሶም) ከኣ፡ እቲ ‘ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ’፡ ከምኡ ኸኣ፡ ‘ሓሰማ ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ (ኣብ ሓመድ) ኣንገርገረት’ ዚብል ምስላ፡ ሓቂ ኸም ዝዀነ (ዜረድእ’ዩ)።” 2ጴጥ 2፡20-22 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ፡ ናይ ዘመነ ክረምት ሳልሳይ ሰንበት’ዩ። ዘመነ ክረምት ስለ ዝዀነ፡ ብመሰረት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ማቴ 13፡1-12፡ ብዛዕባ “ምስላ ዘርእን ዘራእን” ዚገልጽ፡ ኣዝዩ መሃሪ ኽፍሊ ናይ ወንጌል’ዩ። እቲ ምስባክ’ውን ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድርናን ዘራእትናን ብዝናሙ ዚፍጸም ግብሪ ሕያውነት ዚገልጽ’ዩ። እቲ ቐጥታዊ መልእኽቲ (ስምዒ) ናይ’ቲ ምስላ፡ ብዛዕባ ዓይነት ምድርን ውጽኢታውንነቱን ዚገልጽ’ዩ። ኣብ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ንፍርያምነቱ ዜጕድል ብዙሕ ዓይነት ዕንቅፋት ኣሎ። እቲ ሓረስታይ መስተውዓልን ትጉህን እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዕንቅፋት ዚከላኸለሉ ስጉምቲ ኸይወስድ ዓይኑ እናረኣየ ነቲ ኽቡር ዘርኢ ናብ ምድሪ ኣየፍስሶን’ዩ። እቲ ምስጢራዊ መልእኽቲ (ወርቂ) ናይ’ቲ ምስላ ግን ብዛዕባ ዘርኢ ወንጌልን ልቢ ሰማዕትን ዚገልጽ’ዩ። ጐይታና ነቲ ምስላ ሰማዒት እዝኒ ንዝነበሮ ኵሉ ሰብ’ዩ እተዛረቦ። ናይ ሕርሻ ኣስተምህሮ ይህብ ከም ዘይነበረ፡ ኵሉ ሰብ ይፈልጥ’ዩ። ንመልእኽቲ ናይ’ቲ ምስላ ድማ ይትረፍ’ቲ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ዋላ ደቀ መዛሙርቱ’ውን ከም ዘየስተውዓልዎ፡ ኣብ ወንጌል ማርቆስን ሉቃስን ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ዘይተረድኦ ህዝቢ ግና፡ “እዚ ምስላ’ዚ እንታይ ማለት’ዩ፧ ንኣና ዘለዎ መልእኽቲኸ እንታይ’ዩ፧” ኢሉ ኸይሓተተ፡ ልቡ ብድፉኑ ነናብ ዝመጾ ተመልሰ። እቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ገዛእ ህይወቶምን ኪፈልጡ ዚግደሱ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ ምስጢር ናይ’ቲ ምስላ ኺገልጸሎም ንጐይታ ሓተትዎ። ንሱ ድማ ንዅሉ ወለዶታት ዓለም ብዚጠቅም ኣገባብ ገይሩ መለሰሎም።
ነቲ ምስላ ኺትርጕመሎም ከሎ፡ ኣርባዕተ ዓይነት ሰማዕቲ ኸም ዘለው ገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቃል ወንጌል ገና ናብ ምብቋል ከይበጽሐ ኸሎ፡ ሰይጣን ንዅሉ’ቲ ዝሰምዕዎ ቓላት ካብ ልቦም ለቒሙ ብምውሳድ፡ ፈጺሞም ከም ዘይሰምዑ ሰባት ዝገብሮም፡ እቶም ቀዳሞት ዓይነት ሰማዕቲ’ዮም። እቶም ካልኦት ዓይነት ከኣ፡ ተሓጕሶም ዚሰምዑ ቀልጢፎም ከኣ ዜብቕሉ ዓይነት ሰባት’ዮም። እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣብ ልቦምን ኣብ ህይወቶምን ኣዕሚቑ ኪስረትን ፍረ ኼፍርይን ግን ዘይፈቕዱሉ’ዮም። ስለ’ዚ ብዛዕባ’ቲ ተሓጕሶምን ተቐላጢፎምን ዝተቐበልዎ ቓል፡ ገለ ሒደት ፈተናን መከራን ኪመጾም ከሎ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉን ይጠልሙን፡ ንድሕሪት ድማ ይምለሱ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምርትናን ብዛዕባኦም’ዩ። እቶም ሳልሶት ዓይነት ሰማዕቲ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ልቢ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዘራእቲ ዜአንግዱ ዀይኖም፡ ነቲ ዘርኢ ወንጌል ብኻልእ ዘርኢ ጥፍኣት ሓነቆም ዚቐትሉን ከም ዘይፈርይ ዚገብሩን’ዮም። ዚዅለፉሉ ደረጃ ደኣ በበይኑ ዀይኑ’ምበር፡ እዞም ሰለስተ ዓይነት ሰማዕቲ ናብ ድሕሪት ዚምለሱ ሰማዕቲ’ዮም። ፈጺሞም ንድሕሪት ዘይምለሱ ጽኑዓት ሰማዕቲ፡ እቶም ክሳዕ ፍረ ዚበጽሑ ራብዖት ዓይነት ሰማዕቲ’ዮም። ስለ’ዚ ንድሕሪት ናይ ምምላስናን ዘይምምላስናን ሓቀኛ መለክዕን መምዘንን፡ ዓይነትን መጠንን ናይ’ቲ እነፍርዮ ፍረ ምዃኑ ብሩህ’ዩ።
ብዛዕባ ንድሕሪት ምምላስ ንምንታይ’ዩ ማዕረ ኽንዲ’ዚ ኽንጥንቀቕ ዜድልየና፧ ንሓንሳእ ንቕድሚት እናገስገስካ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ናብ ድሕሪት እናተዘሓጥካ ምንባር ንቡርዶ ኣይኰነን፧ ኣይፋሉን፡ ነውሪ’ምበር፡ ንቡርሲ ኣይኰነን። መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ግናይ ባህርይ’ዚ ናይ ኣክላባትን ናይ ሓሰማታትን’ምበር፡ ብኣርኣያ ስላሴ ናይ ዝተፈጥረ ኽቡር ሰብ ባህርይ ኣይኰነን። ትፋእካ ኻብ ምልማጽ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ተግባር ኣሎ፧ “ነቲ ነውርኻ ከተጋድዶን ከተዕፍሮን ወሲንካ እንተዘይኴንካ፡ ቀደሙኸ እንታይ ዜትፍእ ምኽንያት ኣሎኻ፧ ርስሓት ኣዝዩ ኸም ዜጽልኣካ ዄንካ ድሕሪ ምሕጻብካ፡ እቲ ዘንጸሃካ ማይ ገና ኸይደረቐ ኸሎ፡ ብኡንብኡ ኣብ ጻብሪ ‘ተንገርግር እንተ ዄንካ፡ ቀደሙኸ እንታይ ዜሕጽብ ምኽንያት ነይሩካ፧” ዚብል ሓያል ሓታቲ እንተ ረኸብና፡ እንታይ ኢልና ኢና ኽንምልስ፧ እቲ ድሒርና እንወስዶ ስጕምት፡ ዋላ ነቲ ቐዳማይ ስጕምትና’ዩ ከንቱ ዚገብሮ። ስለ’ዚ እቲ ድሒርና ዝወሰድናዮ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ስጕምቲ፡ ካብ’ቲ ቐደም ንገብሮ ዝነበርና ተመሳሳሊ ተግባር ኣዝዩ ዝኸፍአን ዝነወረን’ዩ ዚኸውን። ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብኣብነት ንርኣዮ። ሓደ ዕሉል ሰራቒ ዝነበረ ሰብ፡ ቃል ወንጌል ሰሚዑ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ነቲ ናይ ስርቂ ተግባሩ እምብዛ ሓፊሩሉን ተጸዩፍዎን፡ ንስሓ ኣትዩ ገዲፍዎ ንበል። ብመሰረት ናይ መሪሕ ጥቕስና ኣገላልጻ፡ “ነቲ ናይ ስርቂ ባህርዩን ተግባሩን ተፊእዎ” ንብል ኣለና ማለት’ዩ። እዚ ሰብ’ዚ፡ ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያትን እቲ ናይ ስርቂ ባህርዩ ደጊስዎ፡ እንደገና ዕሉልን ውፉይን ሰራቒ ናብ ምዃን እንተ ተመሊሱ፡ ነቲ ናይ ቀደም ስርቁን ነዚ ናይ ሕጂ ስርቁን ማዕረ ጌርና ብሓደ ዓይኒ ኽንርእዮ ይከኣልዶ፧ ሕልናኡ ዘበላሸወን ዝቐተለን ሰብ፡ ከም ማዕረን ሓደ ዓይነትን ኣበሳ ገይሩ እንተ ረኣዮ ኣየገርምን’ዩ። እቲ ፍትሓውን ጻድቕን ኣምላኽ ኰነ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽን ብደም ክርስቶስ ንሕልናኡ ዘንጽሀን ዘሕወየን ሰብ ግና፡ ብሓደ ዓይኒ ኣይርእይዎን’ዮም። ኣብ’ቲ ቐዳማይ ጣዕሳኡ ነቲ ናይ ስርቂ ባህርዩን ነቲ ናብ ስርቂ ዚደፍኦ ናይ ስሰዐ ባህርዩን’ዩ ዝተፍአ። ኣብ’ዚ ኻልኣይ ጣዕሳኡ ግን፡ ንንስሓኡን፡ ነቲ ናብ ንስሓ ዝረትዖ ቓል ወንጌም፡ ነቲ ናብ ንስሓ ዝደገፎን ዘብቅዖም መንፈስ ቅዱስን ነቲ ንስሓ ሕድገት ሓጢኣትን ኬውህቦ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ’ዩ ዚተፍእ ዘሎ። ንኽብደት ናይ’ዚ ዳሕረዋይ ኣበሳ ምእንቲ ኼጕልሕ ከኣ’ዩ መሪሕ ጥቕስና፡ “ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም’ዩ ዚገድድ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ (ካብ መጀመርታኡ) እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ዝበለና። ንድሕሪት ምምላስ’ምበኣር፡ ብኣካላዊ ቝመናኻን ቅርጽኻን ገና “ሰብ” እናመሰልካ ኸለኻ፡ ብመንፈሳዊ ቝመናኻ ግን ናብ ደረጃ ኸልብን ናብ ደረጃ ሓሰማን ዜውርድ፡ ነቲ ኣባኻ ዝተነብረ ኣርኣያ ስላሴ ዚድምስስ፡ ኣዝዩ ሕሱምን ኣነዋርን ኣበሳ’ዩ። ካብ’ዚ ኣበሳ’ዚ ዘይተጠንቀቕና ደኣ ኻበየናይ ካልእ ኣበሳ ኽንጥንቀቕ ኢና። ነዚ ኣበሳ’ዚ በቲ ሓቀኛ ሚዛኑን መልክዑን እንተ ዘይፈሊጥናዮ፡ ከም’ዚ ደቅና ዚጻወትዎ ናይ ሰለል ሰለል ጸወታ (swing) ጌርና ኣቕሊልና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እምብዛ ኣቕሊልና ስለ ዝረኣናዮኸኣ’ዩ፡ ንድሕሪት ዚምለስ ሰብ ዚበዝሓና ዘሎ። እቶም ገና ኣብ ስፍራና ዘለና ዚመስለና ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተመልሰ ሰብ ኰነ ብዛዕባ’ቲ ዝተጠልመ ኣምላኽ ንእኡ ዚምጥን ጓህን ጸሎትን ጻዕርን ዘይረኣየና ኴንና ኣለና።
ብመሰረቱኸ “ንድሕሪት ምምላስ” እንታይ ማለት’ዩ፧ ብዛዕባ ርእስና ዀነ ብዛዕባ ኻልኦት ጥዑይ ሚዛን ኪህልወናስ፡ ንድሕሪት ምምላስናን ዘይምምላስናን ብምንታይን ብኸመይን ኢና፡ ንፈልጥ፧ ናይ’ዚ ቓል’ዚ ትርጕም ኣብ ናይ ቋንቋ መዝገበ ቃላት፡ ብዝበለጸ ኸኣ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ናይ ስነ መለኮት መዝገበ ቃላት፡ ዝሰፍሐን ዝነጸረን ትርጕም ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና። ነዚ ንኡስ ወረቐትናን ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜናን ብዚምጥን መገዲ ኽንምልሶ ግን ንኽእል ኢና። ቀዳማይ ትርጕሙ፡ ኣንጻር ናይ’ቲ ኽትከዶ ዝጸናሕካ መገዲ ምኻድ ማለት’ዩ። ብመሰረት ናይ ጐይታና ኣገላልጻ፡ ካብ’ታ ቐጣን መገዲ ጽድቂ ናብታ’ታ ገፋሕ መገዲ ሓጢኣት ምኻድ፡ ንድሕሪት ምምላስ’ዩ (ማቴ 7፡13,14)። ከም ዴማስ ካብ መንፈሳውነት ናብ ዓለማውነት ምልዋጥ፡ ንድሕሪት ምምላስ’ዩ (2ጢሞ 4፡10)። ከም ይሁዳ ደድሕሪ ጐይታ ምስዓብ ገዲፍካ፡ ምእንቲ ረብሓ ስጋ ኢልካ ምስ ጸላእቲ ጐይታኻ ተሓባቢርካ ንጐይታኻ ምሻጥን ኣንጻሩ ምስላፍን፡ እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ናይ ድሕሪት ምምላስ’ዩ (ማቴ 26፡14-16,21,25 ፣ ዮሃ 13፡21-30)። ካልኣይ ትርጕሙ ድማ ካብ’ቲ ዝነበርካዮን ዝነበረካን ምጕዳል’ዩ። ንጐይታኻ ዝባንካ ሂብካ ንድሕሪት ኣይኰብለልካን፡ ግን ብዅሉ፡ ብብዙሕ ወይ ብውሑድ ትጐድል ትዘሓጥ፡ ንድሕሪት ትተርፍ። ከም መራሕ ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን ብዅሉ ነገር ምሉእን ፍጹምን ጸኒሕካ፡ ብሓንቲ ነገር፡ እሞ ኸኣ በታ ኽንዲ ዅሉ ዝዀነት ፍቕሪ ትጐድል። እቲ ‘ትስዕቦን ‘ተገልግሎን ኣምላኽ ከኣ ምልኣት ዜፍቅር ጐደሎ ዘይቅበል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣይሕጐሰልካን፡ የጠንቅቐካ ድማ።
“ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም (መስሓትቲ) ክትጾሮም ከም (ዘይፈተኻን) እፈልጥ ኣለኹ፡ ስለ ስመይ ኢልካ’ውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ’ሞ፡ እዚ ረኺብካ ኣለኹ። እምበኣርሲ ካበይ ከም ዝወደቕካ (ካበይ ንድሕሪት ከም ዝተመለስካ) ዘክር’ሞ፡ ተነሳሕ፡ ነቲ (ዘጕደልካዮ) ቐዳማይ ግብሪ’ውን ግበሮ። (ብግብራዊ መገዲ) እንተ ዘይተነሳሕካ ግና፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ካብ’ቲ ስፍራኡ ኸልግሶ’ዩ (ካብ ኣገልግሎትካን ማዕርግካን ክስዕረካ’የ)።” ራእ 2፡2-5
ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ድማ፡ ገና ኣብ ቦታኻ እናሃለኻ፡ ከም መራሕ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ፡ ብዅሉ ጐደሎ ምዃን ግን ከኣ ገለ ዚጐድለካ ዘይብልካ ምሉእ ሰብ ምዃንካ እናሓሰብካ ብጥበራ ምንባር ከኣ ኣሎ። “ንዅሉ ግብርኻ እፈልጦ’የ፡ ኣይዝሑል ኣይምውቕ ኢኻ፡ ብኻ ዝሑል ወይ ምውቕ ምዀንካ። ስለ’ዚ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል፡ ልብጥ ዝበለ ስለ ዝዀንካ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ’የ። ‘ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ሓንቲ’ኳ ዚጐድለኒ የብለይን’ ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኣለኻ) (ነቲ ዘይብልኽ ዅሉ) ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣለኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም (ኵሎም) እገንሖምን እቐጽዖምን’የ። ደጊም (ካብ ድቃስካ) ንቓሕ’ሞ፡ ተነሳሕ።” ራእ 3፡15-19 ካ.ት
ምሉእ ክትከውን እናኸኣልካ ጐደሎ ምዃን ምዉቕ (ወይ ውዑይ) ክትከውን እናኸኣልካ ልቡጥ ምዃን፡ ኣምላኽ ዘይዕገሶ ከቢድ ኣበሳ’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ምሉእ’ዩ። ንጐደሎካ ኺመልእ ድማ ድልውን ሕጉስን’ዩ፡ ዚህበካን ዚምልኣልካን ዘይብሉ ኽነሱ፡ ፈጺምካ ኸይትጐድል ዚእዝዝ እንተ ዚኸውን፡ ግሁድ ግፍዒ ምዀነ፡ ነቲ ጕድለትና ድማ ምኽንያት ምረኸብናሉ ኔርና። ክብሪ ንሕያውነቱን ንምልኣቱን ይኹን፡ ንሱ ግን ከየስተሓፈረ ንዅሉ ሰብ ኵሉ ነገር ብልግሲ ዜውሕዝ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንጐደሎነት እንዕገሰሉን እነመሳምሰሉን ምኽንያት ከልኢና’ዩ (ያእ 1፡5 ፣ ማቴ 7፡7 ፡ ዮሃ 16፡24)። ስለዚ ኻብ’ቲ ዝነበረካ ምጕዳል፡ ግሁድ ምድሕርሓርን ንድሕሪት ምምላስን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ልቡጥ ኴንካ ንርእስኻን ንኣምላኽን ንኸባቢኻን ከተታልል ካብ ምፍታን፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ጕልባብካ ቐሊዕካ ከትከት ዚብል በረድ ክትኰኖ ይመርጽ። ስለ’ዚ ኸኣ ኣግሂዱ፡
“እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቕዱስ’ውን ኣዝዩ ይቀደስ” ብምባል ምርጫኡ ኣፍለጠና (ራእ 22፡11)። እዚ ቓል’ዚ ናብ’ቲ ሳልሳይ ትርጕም’ዩ ዚመርሓና። ንሱ ኸኣ ዘይምውሳኽ’ዩ። ምጕዳልን ዘይምውሳኽን ፈጺሞም ዘይቀራረቡ ምዃኖም መቸም ፈጺሙ ዘየዘራርብ ቅቡል ሓቂ’ዩ። ናይ ህያውነት ቀንዲ መለለዪ ምዕባይ፡ ምውሳኽ ምስሳን ምብዛሕ’ዩ። ካብ’ቲ ዝነበሮ ናብ’ቲ ዚስዕብ ደረጃታት ዘይዓብይ፡ ነቲ ዘለዎ ዘይውስኸሉ፡ ነቲ ዝሓዞ ዘየባዝሖ ክርስትያን “ህይወት ኣለዎ” ኺበሃል ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣ’ዩ። ብኻልእ ቓል ስለ ዝተገልጸ’ዩ’ምበር፡ “ፍረ ምፍራይ” ማለት፡ “ምውሳኽ” ማለት’ዩ። ፍረ ዘይምፍራይ ከኣ ክትቍረጽን ናብ ሓዊ ኽትድርበይን ዜፍርድ ከቢድ ሓጢኣት’ዩ (ማቴ 3፡10 ፣ 7፡9 ሉቃ 3፡9 ፣ ዮሃ 15፡2)። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “ወስኹ፡ ዕበዩ” እናበለ ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎ (2ጴጥ 1፡5-7 ፣ 3፡18)። እቲ “ወስኽዎ” ዝበለና ዅሉ ምስ ወሰኽና’ኳ፡ ንሱ እናማዕበለ ኪኸይድ’ውን ምዒዱና ኣሎ። ነቲ ምውሳኽን ምምዕባልን ዘይብሉ ክርስትያን ግን “ካብ’ቲ ናይ ቀደም ሓጢኣት ምጽራዩ ዝረስዐ፡ ዕውር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርእይ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (2ጴጥ 1፡8,9)። ቅዱስ ጳውሎስ ግን ብዝነጸረ ኣገባብ ነጊሩና’ዩ። “(ብዛዕባ’ዚ) ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ (እናዓበኻ) ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር’ዚ ምሉእ ርእስኻ (ኵለንተናኻ) ወፍይ።” 1ጢሞ 4፡15
ንሰብ ተሰሎንቄ’ውን ብዛዕባ ፍቕሮም፡ ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ ንምዕደኩም ኣለና” ኢልዎም ኣሎ (1ተሰ 4፡1,2,10)። ጐይታና’ውን ኣብ’ቲ ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ዘስተምሃሮ “ምስላ መክሊት”፡ ነቶም ብዕጽፊ ዝወስኹ ክልተ ባሮቱ “ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ” ብምባል ነኣዶምን ናብ ዝዓበየ ማዕርግ ሸሞምን። ነቲ ዋላ ሓንቲ ኸይወሰኸ ከም’ታ ዝተዋህበቶ ሓንቲ ጥራሕ ሒዙ ዝጸንሐ ባርያኡ ግን፡ “ኣታ ሃካይ ክፉእ ባርያ” ኢሉ ነቲ ሂብዎ ዝነበረ ኣግዲፉ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይ ፈረዶ (ማቴ 25፡14-30 ፣ ሉቃ 19፡12-27)። ኣብ’ቲ ናይ “ምስላ ጕንዲ ወይኒ” ትምህርቱ ድማ፡ ነቶም ዘይፈርዩ ዘይውሰኹ ጨናፍር ቈሪጹ ናብ ሓዊ ኸም ዚድርብዮም ድሕሪ ምግላጹ “ነቲ ፍረ ዚፈርይ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ የጽርዮ” ብምባል፡ ምውሳኽ፡ ምብዛሕ፡ ምዕባይ፡ ምስሳን፡ ሕጊ መለኮትን ሕጊ ህይወትን ዚጠልቦ ግድነታዊ ረቛሒ ምዃኑ ኣነጺሩልና ኣሎ (ዮሃ 15፡2,5,8)።
ትርጕም ናይ ድሕሪት ምምላስ እዚ ዝተዘርዘረ ኻብ ኰነ፡ ብድሕሪ’ዚ ዚተርፈና ነገር ብመንጽር’ዚ ሓቂ’ዚ ህይወትና እንታይ ይመስል ምምርማር’ዩ። ፈጺምና ዝባንና ሂባን ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ንኸውን፡ ሕጂ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኸነንብብን ክንሰምዕን ኣይምኸኣልናን ኔርና። ምሉእ ዕድመና ኻብኡ ሓራ ኢና ማለት ግን ኣይኰነን። ንሃዋርያ’ኳ ዘይንሕፍ ሓደገኛን ሰራምን መፈንጠራ’ዩ። ካብ’ቲ ዝነበረና መንፈሳዊ ትሕዝቶ ንደረጃን ጐዲልና ኸይንህልው ድማ ምምርማር የድልየና፡ ጐዲልና ኸይንህልው እንምርምሮ ኽፍሊ ናይ ህይወትና ብዙሕ’ዩ። ካብ ጸጋ፡ ካብ ጸሎት፡ ካብ ፍቕሪ ወዘተ ጐዲልና ኸይንኸውን ብዕቱብ ክንምርምር ይግባእ። ምጕዳል ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘይምውሳኽ ከይህልወና’ውን ብዕቱብ ክንፍትሽ ይግባእ። ዕድመና ምልእ፡ ምንቕ ከይበልና ኣብ ሓንቲ ደረጃ ጋም-ማን ክንብል ንነብር እንተ ዄንና፡ ብርግጽ ኣምላኽ ኪጕህየልናን ኪፈርደልናን’ዩ። ምኽንያቱ ስለዘይከኣል ወይ ስለ ዘየድልይ ዘይኰነስ፡ “እዚ በጺሓዮ ዘለኹ ንኣምላኽ ይኣኽሎ’ዩ፡ በዚሕዎ’ኳ ኣብ’ቲ ናይ ስጋ ጕዳያተይ ጥራይ እንተ ወሰኽኩ ይኣኽለኒ’ዩ ብዚብል ባዕላዊ ምርጫና ዝኣተናዮ መንፈሳዊ ድንዛዘን ዝሕታለን’ዩ። ኣብቶም ዘይውስኹ ዘይዓብዩ፡ ብኸመይ ከም ዚርእዮምን ከም ዚፈርዶምን ከኣ ልዕል ኢልና ርኢናዮ ኢና።
ንድሕሪት ካብ ምምላስ ንምድሓን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ሓሳባት፡ ንዚበዝሕ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ሕቶ ይምልሶ’ዩ። ንኽብደት ናይ ንድሕሪት ምምላስ ሓጢኣት ከም ዚግባእ እንተ ተረዲእናዮ፡ ትርጕም ናይ ንድሕሪት ምምላስ ብዕምቈት እንተ ፈሊጥናዮ፡ ነቲ ርእስና ናይ ምድሓን ተኽእሎና ኣዚና ኣስፊሕናዮን፡ ነቲ መገዲ’ውን ኣፋሪቕናዮ ምህላውና ርዱእ’ዩ። ኣዝዩ ዚጐድኣና ዘሎ ንኣምላኽ ዜጕህዮን ዜዋርዶን ከቢድ ኣበሳ ፈጺምና እናሃለና፡ ዘጕደልናዮን ዝበደልናዮን ከም ዘይብልና ዄንና ኣስተርሒናን ቀሲንናን ንነብር ምህላውና’ዩ። በቲ ምርጫናን ግብርናን፡ ርእስና ናብ ደረጃ በሃም እንስሳ ወሪድና እናሃለና፡ ዝዀነ ዓይነት ስኽፍታን ስግኣትን ዘይስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ሰይጣን ተዓዊቱ ግርም ገይሩ ነቲ ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ኣብ ልዕሌና ኣስሊጥዎ ኸም ዘሎ ኣሉ ዘይበሃሎ ውሁብን ውዱእን ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ርእስና ኻብ’ዚ ኣጋንንታዊ መፈንጠራ’ዚ ኸነድሕና እንተ ዄንና፡ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ተኽእሎ፡ ኣብ ህይወትና ኸይክሰት፡ ብምሉእ ሓይልናን ፍቓድናን ክንጋደል ንከነረጋግጽን ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ
“. . . ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። ፍቓድ ኣምላኽ እንገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዎስ፡ ትዕግስቲ (ጽንዓት) የድልየኩም’ዩ። ማለት፡ ‘ገና ኣዝዩ (ሓጺር) ዘመን’ዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ’ዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣ’ዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት’ዩ ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብለንን’ዩ’ (ዚብል ቃል ተጻሒፉልና’ሎ)። ንሕና ግና ምስ’ቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑ’ምበር፡ ምስ’ቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።” ብምባል ጽሑፍይልና ኣሎ (እብ 10፡35-39)። ስለ’ዚ እቲ ጕዳይ ናይ መደብ (clan) ጕዳይ’ዩ። ገሊኡ ናይ ድሕነት፡ እቲ ዝተረፈ ኻልእ ከኣ ናይ ጥፍኣት ጕጅለ (መደብ)’ዩ። ነቲ መደብ ዚመርጽ ዚምድብን ከኣ ባዕላትና ኢና። ስለ’ዚ እቲ ኽሳዕ ዕለተ-ሞቱ ንቕድሚት ኪግስግስ፡ እናወሰኸ ኺዓብይ’ምበር፡ ፈጺሙ ኸይገድል ዝመደበን ዝወሰነን ሰብ፡ ኣብ’ቲ ናይ ድሕነት ግጅለ ዚምድብ፡ መለኮታዊ ክብርን ሓጐስን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዚጽበዮ ሰብ’ዩ። እቲ ንቕድሚት ንድሕሪት፡ ናብ የማን ናብ ጸጋም እናተላኽዐ ብነፍስ ስጋኡ እናተጻወተ ብዘለኣለማዊ መጻኢኡ እናተጣልዐ ዚነብር ዓሻ ሰብ ከኣ፡ ኣብ’ቲ ናይ ጥፍኣት ግጅለ ርእሱ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝሰርዐ፡ ወዲ ጥፍኣት’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ወሳኒ ረቛሒ፡ ኣበየናይ መደብ ክትህልው ምምራጽካን ምውሳንካን’ዩ። ምድራዊ ምርጫኻ እንተ ኣበላሺኻ፡ ናይ መወዳእታ መዓልቦኻ፡ ናይ ዘለኣለም ምዕራፍ ናይ ህይወትካ’ውን ተበላሽዩ ኣሎ ማለት’ዩ።
ጠንቂ ናይ ድሕሪት ምምላስከ እንታይ’ዩ፧ እቲ ንድሕሪት እንምለሰሉ ዓይነት ምምላስን፡ ንድሕሪት እንምለሰሉ ገጻት ናይ ህይወትን ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ዘርዚርካ ኽትርእዮ ቐሊል ኣይኰነን። እታ ጕዳይ ውዒላ ሓዲራ፡ ናብ ዘበለት ኣቢላ፡ ናይ ልቢ ጕዳይ ኰይና’ያ ‘ትተርፍ። ብዘይካ’ቲ ቛምናሉን ንኸደሉን ዘለና መገዲ ጽድቂ፡ ከም ካልኣይ ኣማራጺ መገዲ፡ ከም ትሕጃ፡ ኣብ ልብና ከም መተካእታ ናይ ምሓዝ ዝንባለ፡ እቲ ቐንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ውድቀት’ዚ’ዩ። ናይ እስራኤላውያን ጸገም ንሱ’ዩ ነይሩ። ብናይ እግዚኣብሄር ሓያል ቅልጽም ብዜደንጽው ተኣምር፡ ካብ ግብጺ ተመንዚዖም ኪወጹ ኸለው፡ ንግብጺ ኣብ ልቦም ተማሊኦምዋ ወጹ። ንሳቶም’ኳ ኻብ ግብጺ እንተ’ወጹ፡ ግብጺ ግን ካብኦም ኣይወጸትን። ኣእጋሮም ናብ ከንኣን ገጹ ምጕዓዝ ኣይገደፈን። ኣብ መገዶም ዝዀነት ትኹን ንእሽቶ ጸገም ከተጓንፎም ከላ ግን እታ ኣብ ልቦም ተሓቢኣ ዝጸንሐት ግብጺ ጕልባባ ቐሊዓ ቕልቕል ትብል ነበረት፡ ሓሰውትን ግቡዛት ኰይኖም’ዮም’ምበር፡ ግብጺ ንህዝቢ እስራኤል ናይ ስቓይን መከራን፡ ናይ ግፍዕን ባርነትን ቦታ’ያ ዝነበረት። ገለ ነገር ክትጐድሎም ከላ ግን ነተን ሽጕርትን ስጋን ናይ ግብጺ እናዘከሩ የጕረምርሙ፡ ነቲ ብሰሪ ግፍዕን ስቓይን ናብ ኣምላኽ ዝበጽሐ መሪር ኣውያቶም ግን ፈትዮም ስለ ዝረስዕዎ ኣየልዕልዎን’ዮም (D)። ንኣና’ውን ተመሳሳሊ ጸገም’ዩ ዜጥቕዓና። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣርሒቖም ስለ ዝኸዱ ብልቦም’ምበር፡ ብኣካል ኪምለስዋ ኣይከኣሉን። ንሕና ግን ካብ’ዛ ግብጽና፡ ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ፡ ኣይወጻእናን። ብኣተሓሳስባናን ብግብርናን ኢና ንፍለያ’ምበር፡ ብኣካልሲ ኣብ ማእከላ ኢና ‘ንነብር። ስለ’ዚ ኻብ ናይ እስራኤላውያን ንላዕሊ ናትና ናይ ክርስትያን ፈተናን ሓደጋን ይበዝሕ። እቲ መሰረታዊ ጸገምና ግን ብኣካል ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ምንባርና ዘይኰነስ፡ እዛ ዓለም’ዚኣ ብመንፈስ ኣብ ውሽጥና ትነብር ምህላዋ’ዩ። ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኣሉ ዘይበሃሎ መርትዖ ድማ ይትረፍ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ህይወትና፡ ዋላ ኣብ’ቲ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን’ኳ ብሓጥእ ዓለማዊ ኣገባብ ንዋሳእ ምዃንና’ዩ። ናይ’ዛ ዓለም’ዚኣ ማይ ብሑቕ ንውሽጥና መሊእዎ፡ ኵለንተናና በዅዑ ጉድ ኴንና ንርከብ (ማቴ 16፡5-12 ፣ 1ቈረ 5፡5-8)። ንመንፈሳውነትሲ፡ ብዓለማዊ ሜላን ቅድን ንነብሮ። ስለ’ዚ ኻብ ቤተ ክርስትያን ኰብሊልና እንኸደሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ እታ እተብህገና ዓለም ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍናን ኣብ ማእከል ኵላትናን ኰፍ ኢላ ተአንግደናን ነአንግዳን ኣለና። ስለ’ዚ ንድሕሪት ተመሊስና ኸም ዘለና ናይ ምልላይ ተኽእሎና እንሆ ኸም ዓይኒ መርፍእን ከም ኣፍ ዕንቍን ጸቢቡና ይርከብ። ስለ’ዚ ከምቲ ለባማት ኣቦታትና፡ “ሰብኣይ ክልተ፡ ንየውስ ነጀው ኪብል ሞተ” ዝበልዎ ይዀነና ኣሎ። በቲ ደጋዊ ገጽና ናብ ኣምላኽ፡ በቲ ልባዊ ገጽና ኸኣ ናብ ዓለምና ናብ’ቲ ገዛኢኣ ድያብሎስን እናጠመትና ንነብር ኣለና። ኵሉ ጊዜ ድማ እቲ ልቢ ዝሓዘ’ዩ ዚዕወትን ዝለዓለ ኽብሪ ዚረክብን። እቲ ናይ ጥበራ ንጉስ ድማ መሺእዎ ኣብ ዘይግዛቱ ኣብ ቤት ኣምላኽ ኣሳፊሑ ይገዝእ ስለ ዘሎ፡ “ጽቡቕ ኢኻ ዘለኻ፡ ከማኻ ዝበለ ወረጃ ክርስትያን ፈጺሙ የለን። በዚ ዘለኻዮ ገስጋስ” እናበለ፡ ከም ኣድገ በቕሊ ክሳዕ ገሃነም ይኽብክበና ኣሎ።
እንኮ መዋጽኢና’ምበኣር፡ ካብ’ዚ ናይ ሞት ድቃስ’ዚ ምብርባር’ያ። ነዛ ኣብ ውሽጥና ሰፊራ ተበላሽወና ዘላ ዓለም፡ ካብ ልብና ነቒልና ንደርብያ። መንበርን ገዛን ክንቅይር ኣየድልየናን’ዩ። ምኽንያቱ ጻሕሊ ስለ ዝቐየርካ ዚምቅር ጸብሒ የለን። ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ግን ናይ ግድን ንቐይር። ንኣኽላባትን ንሓሳማታትን ካብ ምምሳል፡ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረና ኣምላኽ ናብ ምምሳል ንመለስ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንብዓል ማንታ ልቢ፡ ንናይ እምነት ኣመንዝራ ኣይዕገሶን’ዩ። ዳሕራይና ካብ’ቲ ቐዳማይና ዝሓሸን ዝበለጸ ይኹን። ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ንድሕሪት ምምላስ፡ መንፈሳዊ ርእሲ ቕትለት’ዩ። ሰራዊት ናይ ሰይጣን ካብ ምዃን ነምልጥ፡ ካብ መስርዕን ኣሃዱታትን ናይ’ቶም ንድሕሪት ዚምለሱ ንውጻእ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
21 ሓምለ 2024 | ሓምለ 14, 2016 ግዕዝ (መበል 45 ሰንበት: ቊ.፵፭/45) |
||
ምስባክ መዝ. ፷፬(፷፭)፡፲,፲፩ አርውዮ ለትለሚሃ፡ ወአሥምሮ ለማእረራ፡ ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሐ። ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥ። |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ቈረ 15፡31-44 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 2፡17-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 14፡8-18 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 13፡1-12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ