S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“...ሰባት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥ ካብ ርኽሰት ዓለም (ድሕሪ ምምላቖም) ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም ዚገድድ። ንሳቶም (ነታ ሓቂ) እናፈለጥዋ፡ ካብ ዝተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ (ካብ መጀመርታኡ) እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። እዚ (ንድሕሪት ምምላሶም) ከኣ፡ እቲከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ ከምኡ ኸኣ፡ሓሰማ ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ (ኣብ ሓመድ) ኣንገርገረትዚብል ምስላ፡ ሓቂ ኸም ዝዀነ (ዜረድእ)” 2ጴጥ 220-22 .

እዚ ዕለትዚ፡ ናይ ዘመነ ክረምት ሳልሳይ ሰንበትዩ። ዘመነ ክረምት ስለ ዝዀነ፡ ብመሰረት ናይ ዕለት መዝሙር ቅዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል ማቴ 131-12 ብዛዕባምስላ ዘርእን ዘራእንዚገልጽ፡ ኣዝዩ መሃሪ ኽፍሊ ናይ ወንጌልዩ። እቲ ምስባክውን ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድርናን ዘራእትናን ብዝናሙ ዚፍጸም ግብሪ ሕያውነት ዚገልጽዩ። እቲ ቐጥታዊ መልእኽቲ (ስምዒ) ናይ ምስላ፡ ብዛዕባ ዓይነት ምድርን ውጽኢታውንነቱን ዚገልጽዩ። ኣብ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ንፍርያምነቱ ዜጕድል ብዙሕ ዓይነት ዕንቅፋት ኣሎ። እቲ ሓረስታይ መስተውዓልን ትጉህን እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዕንቅፋት ዚከላኸለሉ ስጉምቲ ኸይወስድ ዓይኑ እናረኣየ ነቲ ኽቡር ዘርኢ ናብ ምድሪ ኣየፍስሶንዩ። እቲ ምስጢራዊ መልእኽቲ (ወርቂ) ናይ ምስላ ግን ብዛዕባ ዘርኢ ወንጌልን ልቢ ሰማዕትን ዚገልጽዩ። ጐይታና ነቲ ምስላ ሰማዒት እዝኒ ንዝነበሮ ኵሉ ሰብ እተዛረቦ። ናይ ሕርሻ ኣስተምህሮ ይህብ ከም ዘይነበረ፡ ኵሉ ሰብ ይፈልጥዩ። ንመልእኽቲ ናይ ምስላ ድማ ይትረፍ ሓፋሽ ህዝቢ፡ ዋላ ደቀ መዛሙርቱውን ከም ዘየስተውዓልዎ፡ ኣብ ወንጌል ማርቆስን ሉቃስን ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ዘይተረድኦ ህዝቢ ግና፡እዚ ምስላ እንታይ ማለትዩ፧ ንኣና ዘለዎ መልእኽቲኸ እንታይዩ፧ኢሉ ኸይሓተተ፡ ልቡ ብድፉኑ ነናብ ዝመጾ ተመልሰ። እቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ገዛእ ህይወቶምን ኪፈልጡ ዚግደሱ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ ምስጢር ናይ ምስላ ኺገልጸሎም ንጐይታ ሓተትዎ። ንሱ ድማ ንዅሉ ወለዶታት ዓለም ብዚጠቅም ኣገባብ ገይሩ መለሰሎም።

ነቲ ምስላ ኺትርጕመሎም ከሎ፡ ኣርባዕተ ዓይነት ሰማዕቲ ኸም ዘለው ገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቃል ወንጌል ገና ናብ ምብቋል ከይበጽሐ ኸሎ፡ ሰይጣን ንዅሉ ዝሰምዕዎ ቓላት ካብ ልቦም ለቒሙ ብምውሳድ፡ ፈጺሞም ከም ዘይሰምዑ ሰባት ዝገብሮም፡ እቶም ቀዳሞት ዓይነት ሰማዕቲዮም። እቶም ካልኦት ዓይነት ከኣ፡ ተሓጕሶም ዚሰምዑ ቀልጢፎም ከኣ ዜብቕሉ ዓይነት ሰባትዮም። እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ኣብ ልቦምን ኣብ ህይወቶምን ኣዕሚቑ ኪስረትን ፍረ ኼፍርይን ግን ዘይፈቕዱሉዮም። ስለ ብዛዕባ ተሓጕሶምን ተቐላጢፎምን ዝተቐበልዎ ቓል፡ ገለ ሒደት ፈተናን መከራን ኪመጾም ከሎ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉን ይጠልሙን፡ ንድሕሪት ድማ ይምለሱ። ናይ ዕለት ኣርእስትናን ትምርትናን ብዛዕባኦምዩ። እቶም ሳልሶት ዓይነት ሰማዕቲ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ልቢ ብዙሕ ዝዓይነቱ ዘራእቲ ዜአንግዱ ዀይኖም፡ ነቲ ዘርኢ ወንጌል ብኻልእ ዘርኢ ጥፍኣት ሓነቆም ዚቐትሉን ከም ዘይፈርይ ዚገብሩንዮም። ዚዅለፉሉ ደረጃ ደኣ በበይኑ ዀይኑምበር፡ እዞም ሰለስተ ዓይነት ሰማዕቲ ናብ ድሕሪት ዚምለሱ ሰማዕቲዮም። ፈጺሞም ንድሕሪት ዘይምለሱ ጽኑዓት ሰማዕቲ፡ እቶም ክሳዕ ፍረ ዚበጽሑ ራብዖት ዓይነት ሰማዕቲዮም። ስለ ንድሕሪት ናይ ምምላስናን ዘይምምላስናን ሓቀኛ መለክዕን መምዘንን፡ ዓይነትን መጠንን ናይ እነፍርዮ ፍረ ምዃኑ ብሩህዩ።

ብዛዕባ ንድሕሪት ምምላስ ንምንታይ ማዕረ ኽንዲ ኽንጥንቀቕ ዜድልየና፧ ንሓንሳእ ንቕድሚት እናገስገስካ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ድማ ናብ ድሕሪት እናተዘሓጥካ ምንባር ንቡርዶ ኣይኰነን፧ ኣይፋሉን፡ ነውሪምበር፡ ንቡርሲ ኣይኰነን። መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ገሊጹልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ግናይ ባህርይ ናይ ኣክላባትን ናይ ሓሰማታትንምበር፡ ብኣርኣያ ስላሴ ናይ ዝተፈጥረ ኽቡር ሰብ ባህርይ ኣይኰነን። ትፋእካ ኻብ ምልማጽ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ተግባር ኣሎ፧ነቲ ነውርኻ ከተጋድዶን ከተዕፍሮን ወሲንካ እንተዘይኴንካ፡ ቀደሙኸ እንታይ ዜትፍእ ምኽንያት ኣሎኻ፧ ርስሓት ኣዝዩ ኸም ዜጽልኣካ ዄንካ ድሕሪ ምሕጻብካ፡ እቲ ዘንጸሃካ ማይ ገና ኸይደረቐ ኸሎ፡ ብኡንብኡ ኣብ ጻብሪተንገርግር እንተ ዄንካ፡ ቀደሙኸ እንታይ ዜሕጽብ ምኽንያት ነይሩካ፧ዚብል ሓያል ሓታቲ እንተ ረኸብና፡ እንታይ ኢልና ኢና ኽንምልስ፧ እቲ ድሒርና እንወስዶ ስጕምት፡ ዋላ ነቲ ቐዳማይ ስጕምትና ከንቱ ዚገብሮ። ስለ እቲ ድሒርና ዝወሰድናዮ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ስጕምቲ፡ ካብ ቐደም ንገብሮ ዝነበርና ተመሳሳሊ ተግባር ኣዝዩ ዝኸፍአን ዝነወረን ዚኸውን። ብኸም ዚስዕብ ብኣብነት ንርኣዮ። ሓደ ዕሉል ሰራቒ ዝነበረ ሰብ፡ ቃል ወንጌል ሰሚዑ ድሕሪ ምቕባሉ፡ ነቲ ናይ ስርቂ ተግባሩ እምብዛ ሓፊሩሉን ተጸዩፍዎን፡ ንስሓ ኣትዩ ገዲፍዎ ንበል። ብመሰረት ናይ መሪሕ ጥቕስና ኣገላልጻ፡ነቲ ናይ ስርቂ ባህርዩን ተግባሩን ተፊእዎንብል ኣለና ማለትዩ። እዚ ሰብዚ፡ ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያትን እቲ ናይ ስርቂ ባህርዩ ደጊስዎ፡ እንደገና ዕሉልን ውፉይን ሰራቒ ናብ ምዃን እንተ ተመሊሱ፡ ነቲ ናይ ቀደም ስርቁን ነዚ ናይ ሕጂ ስርቁን ማዕረ ጌርና ብሓደ ዓይኒ ኽንርእዮ ይከኣልዶ፧ ሕልናኡ ዘበላሸወን ዝቐተለን ሰብ፡ ከም ማዕረን ሓደ ዓይነትን ኣበሳ ገይሩ እንተ ረኣዮ ኣየገርምንዩ። እቲ ፍትሓውን ጻድቕን ኣምላኽ ኰነ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽን ብደም ክርስቶስ ንሕልናኡ ዘንጽሀን ዘሕወየን ሰብ ግና፡ ብሓደ ዓይኒ ኣይርእይዎንዮም። ኣብ ቐዳማይ ጣዕሳኡ ነቲ ናይ ስርቂ ባህርዩን ነቲ ናብ ስርቂ ዚደፍኦ ናይ ስሰዐ ባህርዩን ዝተፍአ። ኣብ ኻልኣይ ጣዕሳኡ ግን፡ ንንስሓኡን፡ ነቲ ናብ ንስሓ ዝረትዖ ቓል ወንጌም፡ ነቲ ናብ ንስሓ ዝደገፎን ዘብቅዖም መንፈስ ቅዱስን ነቲ ንስሓ ሕድገት ሓጢኣትን ኬውህቦ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ዚተፍእ ዘሎ። ንኽብደት ናይ ዳሕረዋይ ኣበሳ ምእንቲ ኼጕልሕ ከኣ መሪሕ ጥቕስና፡ካብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም ዚገድድ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ (ካብ መጀመርታኡ) እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ዝበለና። ንድሕሪት ምምላስምበኣር፡ ብኣካላዊ ቝመናኻን ቅርጽኻን ገናሰብእናመሰልካ ኸለኻ፡ ብመንፈሳዊ ቝመናኻ ግን ናብ ደረጃ ኸልብን ናብ ደረጃ ሓሰማን ዜውርድ፡ ነቲ ኣባኻ ዝተነብረ ኣርኣያ ስላሴ ዚድምስስ፡ ኣዝዩ ሕሱምን ኣነዋርን ኣበሳዩ። ካብ ኣበሳ ዘይተጠንቀቕና ደኣ ኻበየናይ ካልእ ኣበሳ ኽንጥንቀቕ ኢና። ነዚ ኣበሳ በቲ ሓቀኛ ሚዛኑን መልክዑን እንተ ዘይፈሊጥናዮ፡ ከም ደቅና ዚጻወትዎ ናይ ሰለል ሰለል ጸወታ (swing) ጌርና ኣቕሊልና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። እምብዛ ኣቕሊልና ስለ ዝረኣናዮኸኣዩ፡ ንድሕሪት ዚምለስ ሰብ ዚበዝሓና ዘሎ። እቶም ገና ኣብ ስፍራና ዘለና ዚመስለና ኸኣ፡ ብዛዕባ ዝተመልሰ ሰብ ኰነ ብዛዕባ ዝተጠልመ ኣምላኽ ንእኡ ዚምጥን ጓህን ጸሎትን ጻዕርን ዘይረኣየና ኴንና ኣለና።

ብመሰረቱኸንድሕሪት ምምላስእንታይ ማለትዩ፧ ብዛዕባ ርእስና ዀነ ብዛዕባ ኻልኦት ጥዑይ ሚዛን ኪህልወናስ፡ ንድሕሪት ምምላስናን ዘይምምላስናን ብምንታይን ብኸመይን ኢና፡ ንፈልጥ፧ ናይ ቓል ትርጕም ኣብ ናይ ቋንቋ መዝገበ ቃላት፡ ብዝበለጸ ኸኣ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ናይ ስነ መለኮት መዝገበ ቃላት፡ ዝሰፍሐን ዝነጸረን ትርጕም ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና። ነዚ ንኡስ ወረቐትናን ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜናን ብዚምጥን መገዲ ኽንምልሶ ግን ንኽእል ኢና። ቀዳማይ ትርጕሙ፡ ኣንጻር ናይ ኽትከዶ ዝጸናሕካ መገዲ ምኻድ ማለትዩ። ብመሰረት ናይ ጐይታና ኣገላልጻ፡ ካብ ቐጣን መገዲ ጽድቂ ናብታ ገፋሕ መገዲ ሓጢኣት ምኻድ፡ ንድሕሪት ምምላስ (ማቴ 713,14) ከም ዴማስ ካብ መንፈሳውነት ናብ ዓለማውነት ምልዋጥ፡ ንድሕሪት ምምላስ (2ጢሞ 410) ከም ይሁዳ ደድሕሪ ጐይታ ምስዓብ ገዲፍካ፡ ምእንቲ ረብሓ ስጋ ኢልካ ምስ ጸላእቲ ጐይታኻ ተሓባቢርካ ንጐይታኻ ምሻጥን ኣንጻሩ ምስላፍን፡ እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ናይ ድሕሪት ምምላስ (ማቴ 2614-16,21,25 ዮሃ 1321-30) ካልኣይ ትርጕሙ ድማ ካብ ዝነበርካዮን ዝነበረካን ምጕዳልዩ። ንጐይታኻ ዝባንካ ሂብካ ንድሕሪት ኣይኰብለልካን፡ ግን ብዅሉ፡ ብብዙሕ ወይ ብውሑድ ትጐድል ትዘሓጥ፡ ንድሕሪት ትተርፍ። ከም መራሕ ቤተ ክርስትያን ኤፌሶን ብዅሉ ነገር ምሉእን ፍጹምን ጸኒሕካ፡ ብሓንቲ ነገር፡ እሞ ኸኣ በታ ኽንዲ ዅሉ ዝዀነት ፍቕሪ ትጐድል። እቲትስዕቦንተገልግሎን ኣምላኽ ከኣ ምልኣት ዜፍቅር ጐደሎ ዘይቅበል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣይሕጐሰልካን፡ የጠንቅቐካ ድማ።

ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም (መስሓትቲ) ክትጾሮም ከም (ዘይፈተኻን) እፈልጥ ኣለኹ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻሞ፡ እዚ ረኺብካ ኣለኹ። እምበኣርሲ ካበይ ከም ዝወደቕካ (ካበይ ንድሕሪት ከም ዝተመለስካ) ዘክርሞ፡ ተነሳሕ፡ ነቲ (ዘጕደልካዮ) ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። (ብግብራዊ መገዲ) እንተ ዘይተነሳሕካ ግና፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ካብ ስፍራኡ ኸልግሶ (ካብ ኣገልግሎትካን ማዕርግካን ክስዕረካ)ራእ 22-5

ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ድማ፡ ገና ኣብ ቦታኻ እናሃለኻ፡ ከም መራሕ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ፡ ብዅሉ ጐደሎ ምዃን ግን ከኣ ገለ ዚጐድለካ ዘይብልካ ምሉእ ሰብ ምዃንካ እናሓሰብካ ብጥበራ ምንባር ከኣ ኣሎ። ንዅሉ ግብርኻ እፈልጦየ፡ ኣይዝሑል ኣይምውቕ ኢኻ፡ ብኻ ዝሑል ወይ ምውቕ ምዀንካ። ስለ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል፡ ልብጥ ዝበለ ስለ ዝዀንካ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካየ።ሃብታምን ፈሳስንየ፡ ሓንቲ ዚጐድለኒ የብለይንብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኣለኻ) (ነቲ ዘይብልኽ ዅሉ) ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣለኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም (ኵሎም) እገንሖምን እቐጽዖምንየ። ደጊም (ካብ ድቃስካ) ንቓሕሞ፡ ተነሳሕ።ራእ 315-19 .

ምሉእ ክትከውን እናኸኣልካ ጐደሎ ምዃን ምዉቕ (ወይ ውዑይ) ክትከውን እናኸኣልካ ልቡጥ ምዃን፡ ኣምላኽ ዘይዕገሶ ከቢድ ኣበሳዩ። ምኽንያቱ ንሱ ምሉእዩ። ንጐደሎካ ኺመልእ ድማ ድልውን ሕጉስንዩ፡ ዚህበካን ዚምልኣልካን ዘይብሉ ኽነሱ፡ ፈጺምካ ኸይትጐድል ዚእዝዝ እንተ ዚኸውን፡ ግሁድ ግፍዒ ምዀነ፡ ነቲ ጕድለትና ድማ ምኽንያት ምረኸብናሉ ኔርና። ክብሪ ንሕያውነቱን ንምልኣቱን ይኹን፡ ንሱ ግን ከየስተሓፈረ ንዅሉ ሰብ ኵሉ ነገር ብልግሲ ዜውሕዝ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንጐደሎነት እንዕገሰሉን እነመሳምሰሉን ምኽንያት ከልኢና (ያእ 15 ማቴ 77 ዮሃ 1624) ስለዚ ኻብ ዝነበረካ ምጕዳል፡ ግሁድ ምድሕርሓርን ንድሕሪት ምምላስን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ልቡጥ ኴንካ ንርእስኻን ንኣምላኽን ንኸባቢኻን ከተታልል ካብ ምፍታን፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ጕልባብካ ቐሊዕካ ከትከት ዚብል በረድ ክትኰኖ ይመርጽ። ስለ ኸኣ ኣግሂዱ፡

እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቕዱስውን ኣዝዩ ይቀደስብምባል ምርጫኡ ኣፍለጠና (ራእ 2211) እዚ ቓል ናብ ሳልሳይ ትርጕም ዚመርሓና። ንሱ ኸኣ ዘይምውሳኽዩ። ምጕዳልን ዘይምውሳኽን ፈጺሞም ዘይቀራረቡ ምዃኖም መቸም ፈጺሙ ዘየዘራርብ ቅቡል ሓቂዩ። ናይ ህያውነት ቀንዲ መለለዪ ምዕባይ፡ ምውሳኽ ምስሳን ምብዛሕዩ። ካብ ዝነበሮ ናብ ዚስዕብ ደረጃታት ዘይዓብይ፡ ነቲ ዘለዎ ዘይውስኸሉ፡ ነቲ ዝሓዞ ዘየባዝሖ ክርስትያንህይወት ኣለዎኺበሃል ኣይከኣልን፡ ኣይግባእን ከኣዩ። ብኻልእ ቓል ስለ ዝተገልጸምበር፡ፍረ ምፍራይማለት፡ምውሳኽማለትዩ። ፍረ ዘይምፍራይ ከኣ ክትቍረጽን ናብ ሓዊ ኽትድርበይን ዜፍርድ ከቢድ ሓጢኣት (ማቴ 310 79 ሉቃ 39 ዮሃ 152) ስለ ኸኣ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ወስኹ፡ ዕበዩእናበለ ምዒዱናን ኣዚዙናን ኣሎ (2ጴጥ 15-7 318) እቲወስኽዎዝበለና ዅሉ ምስ ወሰኽናኳ፡ ንሱ እናማዕበለ ኪኸይድውን ምዒዱና ኣሎ። ነቲ ምውሳኽን ምምዕባልን ዘይብሉ ክርስትያን ግንካብ ናይ ቀደም ሓጢኣት ምጽራዩ ዝረስዐ፡ ዕውር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርእይብምባል ገሊጽዎ ኣሎ። (2ጴጥ 18,9) ቅዱስ ጳውሎስ ግን ብዝነጸረ ኣገባብ ነጊሩናዩ። “(ብዛዕባ) ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ (እናዓበኻ) ትኸይድ ከም ዘለኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገር ምሉእ ርእስኻ (ኵለንተናኻ) ወፍይ።” 1ጢሞ 415

ንሰብ ተሰሎንቄውን ብዛዕባ ፍቕሮም፡ ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ ንምዕደኩም ኣለናኢልዎም ኣሎ (1ተሰ 41,2,10) ጐይታናውን ኣብ ንምጽኣቱ ኣመልኪቱ ዘስተምሃሮምስላ መክሊት ነቶም ብዕጽፊ ዝወስኹ ክልተ ባሮቱኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያብምባል ነኣዶምን ናብ ዝዓበየ ማዕርግ ሸሞምን። ነቲ ዋላ ሓንቲ ኸይወሰኸ ከም ዝተዋህበቶ ሓንቲ ጥራሕ ሒዙ ዝጸንሐ ባርያኡ ግን፡ኣታ ሃካይ ክፉእ ባርያኢሉ ነቲ ሂብዎ ዝነበረ ኣግዲፉ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ስቓይ ፈረዶ (ማቴ 2514-30 ሉቃ 1912-27) ኣብ ናይምስላ ጕንዲ ወይኒትምህርቱ ድማ፡ ነቶም ዘይፈርዩ ዘይውሰኹ ጨናፍር ቈሪጹ ናብ ሓዊ ኸም ዚድርብዮም ድሕሪ ምግላጹነቲ ፍረ ዚፈርይ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈርይ፡ የጽርዮብምባል፡ ምውሳኽ፡ ምብዛሕ፡ ምዕባይ፡ ምስሳን፡ ሕጊ መለኮትን ሕጊ ህይወትን ዚጠልቦ ግድነታዊ ረቛሒ ምዃኑ ኣነጺሩልና ኣሎ (ዮሃ 152,5,8)

ትርጕም ናይ ድሕሪት ምምላስ እዚ ዝተዘርዘረ ኻብ ኰነ፡ ብድሕሪ ዚተርፈና ነገር ብመንጽር ሓቂ ህይወትና እንታይ ይመስል ምምርማርዩ። ፈጺምና ዝባንና ሂባን ንድሕሪት ተመሊስና እንተ ንኸውን፡ ሕጂ ነዚ መልእኽቲ ኸነንብብን ክንሰምዕን ኣይምኸኣልናን ኔርና። ምሉእ ዕድመና ኻብኡ ሓራ ኢና ማለት ግን ኣይኰነን። ንሃዋርያ ዘይንሕፍ ሓደገኛን ሰራምን መፈንጠራዩ። ካብ ዝነበረና መንፈሳዊ ትሕዝቶ ንደረጃን ጐዲልና ኸይንህልው ድማ ምምርማር የድልየና፡ ጐዲልና ኸይንህልው እንምርምሮ ኽፍሊ ናይ ህይወትና ብዙሕዩ። ካብ ጸጋ፡ ካብ ጸሎት፡ ካብ ፍቕሪ ወዘተ ጐዲልና ኸይንኸውን ብዕቱብ ክንምርምር ይግባእ። ምጕዳል ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘይምውሳኽ ከይህልወናውን ብዕቱብ ክንፍትሽ ይግባእ። ዕድመና ምልእ፡ ምንቕ ከይበልና ኣብ ሓንቲ ደረጃ ጋም-ማን ክንብል ንነብር እንተ ዄንና፡ ብርግጽ ኣምላኽ ኪጕህየልናን ኪፈርደልናንዩ። ምኽንያቱ ስለዘይከኣል ወይ ስለ ዘየድልይ ዘይኰነስ፡እዚ በጺሓዮ ዘለኹ ንኣምላኽ ይኣኽሎዩ፡ በዚሕዎ ኣብ ናይ ስጋ ጕዳያተይ ጥራይ እንተ ወሰኽኩ ይኣኽለኒ ብዚብል ባዕላዊ ምርጫና ዝኣተናዮ መንፈሳዊ ድንዛዘን ዝሕታለንዩ። ኣብቶም ዘይውስኹ ዘይዓብዩ፡ ብኸመይ ከም ዚርእዮምን ከም ዚፈርዶምን ከኣ ልዕል ኢልና ርኢናዮ ኢና።

ንድሕሪት ካብ ምምላስ ንምድሓን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ሓሳባት፡ ንዚበዝሕ ትሕዝቶ ናይ ሕቶ ይምልሶዩ። ንኽብደት ናይ ንድሕሪት ምምላስ ሓጢኣት ከም ዚግባእ እንተ ተረዲእናዮ፡ ትርጕም ናይ ንድሕሪት ምምላስ ብዕምቈት እንተ ፈሊጥናዮ፡ ነቲ ርእስና ናይ ምድሓን ተኽእሎና ኣዚና ኣስፊሕናዮን፡ ነቲ መገዲውን ኣፋሪቕናዮ ምህላውና ርዱእዩ። ኣዝዩ ዚጐድኣና ዘሎ ንኣምላኽ ዜጕህዮን ዜዋርዶን ከቢድ ኣበሳ ፈጺምና እናሃለና፡ ዘጕደልናዮን ዝበደልናዮን ከም ዘይብልና ዄንና ኣስተርሒናን ቀሲንናን ንነብር ምህላውናዩ። በቲ ምርጫናን ግብርናን፡ ርእስና ናብ ደረጃ በሃም እንስሳ ወሪድና እናሃለና፡ ዝዀነ ዓይነት ስኽፍታን ስግኣትን ዘይስምዓና እንተ ዀይኑ፡ ሰይጣን ተዓዊቱ ግርም ገይሩ ነቲ ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ኣብ ልዕሌና ኣስሊጥዎ ኸም ዘሎ ኣሉ ዘይበሃሎ ውሁብን ውዱእን ሓቂዩ። ስለ ርእስና ኻብ ኣጋንንታዊ መፈንጠራ ኸነድሕና እንተ ዄንና፡ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ተኽእሎ፡ ኣብ ህይወትና ኸይክሰት፡ ብምሉእ ሓይልናን ፍቓድናን ክንጋደል ንከነረጋግጽን ይግብኣና። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ

“. . . ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። ፍቓድ ኣምላኽ እንገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዎስ፡ ትዕግስቲ (ጽንዓት) የድልየኩምዩ። ማለት፡ገና ኣዝዩ (ሓጺር) ዘመንዩ፡ እቲ ዚመጽእ ኪመጽእዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት ዚነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብለንን’ (ዚብል ቃል ተጻሒፉልና) ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚኣምኑምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዚምለሱ ኣይኰንናን።ብምባል ጽሑፍይልና ኣሎ (እብ 1035-39) ስለ እቲ ጕዳይ ናይ መደብ (clan) ጕዳይዩ። ገሊኡ ናይ ድሕነት፡ እቲ ዝተረፈ ኻልእ ከኣ ናይ ጥፍኣት ጕጅለ (መደብ)’ዩ። ነቲ መደብ ዚመርጽ ዚምድብን ከኣ ባዕላትና ኢና። ስለ እቲ ኽሳዕ ዕለተ-ሞቱ ንቕድሚት ኪግስግስ፡ እናወሰኸ ኺዓብይምበር፡ ፈጺሙ ኸይገድል ዝመደበን ዝወሰነን ሰብ፡ ኣብ ናይ ድሕነት ግጅለ ዚምድብ፡ መለኮታዊ ክብርን ሓጐስን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ዚጽበዮ ሰብዩ። እቲ ንቕድሚት ንድሕሪት፡ ናብ የማን ናብ ጸጋም እናተላኽዐ ብነፍስ ስጋኡ እናተጻወተ ብዘለኣለማዊ መጻኢኡ እናተጣልዐ ዚነብር ዓሻ ሰብ ከኣ፡ ኣብ ናይ ጥፍኣት ግጅለ ርእሱ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝሰርዐ፡ ወዲ ጥፍኣትዩ። ስለ እቲ ወሳኒ ረቛሒ፡ ኣበየናይ መደብ ክትህልው ምምራጽካን ምውሳንካንዩ። ምድራዊ ምርጫኻ እንተ ኣበላሺኻ፡ ናይ መወዳእታ መዓልቦኻ፡ ናይ ዘለኣለም ምዕራፍ ናይ ህይወትካውን ተበላሽዩ ኣሎ ማለትዩ።

ጠንቂ ናይ ድሕሪት ምምላስከ እንታይዩ፧ እቲ ንድሕሪት እንምለሰሉ ዓይነት ምምላስን፡ ንድሕሪት እንምለሰሉ ገጻት ናይ ህይወትን ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ዘርዚርካ ኽትርእዮ ቐሊል ኣይኰነን። እታ ጕዳይ ውዒላ ሓዲራ፡ ናብ ዘበለት ኣቢላ፡ ናይ ልቢ ጕዳይ ኰይናትተርፍ። ብዘይካ ቛምናሉን ንኸደሉን ዘለና መገዲ ጽድቂ፡ ከም ካልኣይ ኣማራጺ መገዲ፡ ከም ትሕጃ፡ ኣብ ልብና ከም መተካእታ ናይ ምሓዝ ዝንባለ፡ እቲ ቐንዲ ጠንቂ ናይ ውድቀትዩ። ናይ እስራኤላውያን ጸገም ንሱ ነይሩ። ብናይ እግዚኣብሄር ሓያል ቅልጽም ብዜደንጽው ተኣምር፡ ካብ ግብጺ ተመንዚዖም ኪወጹ ኸለው፡ ንግብጺ ኣብ ልቦም ተማሊኦምዋ ወጹ። ንሳቶም ኻብ ግብጺ እንተወጹ፡ ግብጺ ግን ካብኦም ኣይወጸትን። ኣእጋሮም ናብ ከንኣን ገጹ ምጕዓዝ ኣይገደፈን። ኣብ መገዶም ዝዀነት ትኹን ንእሽቶ ጸገም ከተጓንፎም ከላ ግን እታ ኣብ ልቦም ተሓቢኣ ዝጸንሐት ግብጺ ጕልባባ ቐሊዓ ቕልቕል ትብል ነበረት፡ ሓሰውትን ግቡዛት ኰይኖምዮምምበር፡ ግብጺ ንህዝቢ እስራኤል ናይ ስቓይን መከራን፡ ናይ ግፍዕን ባርነትን ቦታ ዝነበረት። ገለ ነገር ክትጐድሎም ከላ ግን ነተን ሽጕርትን ስጋን ናይ ግብጺ እናዘከሩ የጕረምርሙ፡ ነቲ ብሰሪ ግፍዕን ስቓይን ናብ ኣምላኽ ዝበጽሐ መሪር ኣውያቶም ግን ፈትዮም ስለ ዝረስዕዎ ኣየልዕልዎንዮም (D) ንኣናውን ተመሳሳሊ ጸገም ዜጥቕዓና። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣርሒቖም ስለ ዝኸዱ ብልቦምምበር፡ ብኣካል ኪምለስዋ ኣይከኣሉን። ንሕና ግን ካብ ግብጽና፡ ካብ ዓለምዚኣ፡ ኣይወጻእናን። ብኣተሓሳስባናን ብግብርናን ኢና ንፍለያምበር፡ ብኣካልሲ ኣብ ማእከላ ኢናንነብር። ስለ ኻብ ናይ እስራኤላውያን ንላዕሊ ናትና ናይ ክርስትያን ፈተናን ሓደጋን ይበዝሕ። እቲ መሰረታዊ ጸገምና ግን ብኣካል ኣብ ዓለምዚኣ ምንባርና ዘይኰነስ፡ እዛ ዓለምዚኣ ብመንፈስ ኣብ ውሽጥና ትነብር ምህላዋዩ። ናይ ሓቂ ኣሉ ዘይበሃሎ መርትዖ ድማ ይትረፍ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና፡ ዋላ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ብሓጥእ ዓለማዊ ኣገባብ ንዋሳእ ምዃንናዩ። ናይ ዓለምዚኣ ማይ ብሑቕ ንውሽጥና መሊእዎ፡ ኵለንተናና በዅዑ ጉድ ኴንና ንርከብ (ማቴ 165-12 1ቈረ 55-8) ንመንፈሳውነትሲ፡ ብዓለማዊ ሜላን ቅድን ንነብሮ። ስለ ኻብ ቤተ ክርስትያን ኰብሊልና እንኸደሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ እታ እተብህገና ዓለም ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍናን ኣብ ማእከል ኵላትናን ኰፍ ኢላ ተአንግደናን ነአንግዳን ኣለና። ስለ ንድሕሪት ተመሊስና ኸም ዘለና ናይ ምልላይ ተኽእሎና እንሆ ኸም ዓይኒ መርፍእን ከም ኣፍ ዕንቍን ጸቢቡና ይርከብ። ስለ ከምቲ ለባማት ኣቦታትና፡ሰብኣይ ክልተ፡ ንየውስ ነጀው ኪብል ሞተዝበልዎ ይዀነና ኣሎ። በቲ ደጋዊ ገጽና ናብ ኣምላኽ፡ በቲ ልባዊ ገጽና ኸኣ ናብ ዓለምና ናብ ገዛኢኣ ድያብሎስን እናጠመትና ንነብር ኣለና። ኵሉ ጊዜ ድማ እቲ ልቢ ዝሓዘ ዚዕወትን ዝለዓለ ኽብሪ ዚረክብን። እቲ ናይ ጥበራ ንጉስ ድማ መሺእዎ ኣብ ዘይግዛቱ ኣብ ቤት ኣምላኽ ኣሳፊሑ ይገዝእ ስለ ዘሎ፡ጽቡቕ ኢኻ ዘለኻ፡ ከማኻ ዝበለ ወረጃ ክርስትያን ፈጺሙ የለን። በዚ ዘለኻዮ ገስጋስእናበለ፡ ከም ኣድገ በቕሊ ክሳዕ ገሃነም ይኽብክበና ኣሎ።

እንኮ መዋጽኢናምበኣር፡ ካብ ናይ ሞት ድቃስ ምብርባርያ። ነዛ ኣብ ውሽጥና ሰፊራ ተበላሽወና ዘላ ዓለም፡ ካብ ልብና ነቒልና ንደርብያ። መንበርን ገዛን ክንቅይር ኣየድልየናንዩ። ምኽንያቱ ጻሕሊ ስለ ዝቐየርካ ዚምቅር ጸብሒ የለን። ኣተሓሳስባናን ኣካይዳናን ግን ናይ ግድን ንቐይር። ንኣኽላባትን ንሓሳማታትን ካብ ምምሳል፡ ነቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝፈጠረና ኣምላኽ ናብ ምምሳል ንመለስ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንብዓል ማንታ ልቢ፡ ንናይ እምነት ኣመንዝራ ኣይዕገሶንዩ። ዳሕራይና ካብ ቐዳማይና ዝሓሸን ዝበለጸ ይኹን። ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ ንድሕሪት ምምላስ፡ መንፈሳዊ ርእሲ ቕትለትዩ። ሰራዊት ናይ ሰይጣን ካብ ምዃን ነምልጥ፡ ካብ መስርዕን ኣሃዱታትን ናይቶም ንድሕሪት ዚምለሱ ንውጻእ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

21 ሓምለ 2024 | ሓምለ 14, 2016 ግዕዝ (መበል 45 ሰንበት: ቊ.፵፭/45)

ምስባክ

መዝ ፷፬(፷፭)፡፲,፲፩

አርውዮ ለትለሚሃ፡ ወአሥምሮ ለማእረራ፡ ወበነጠብጣብከ ትበቍል ተፈሢሐ።

ንነግሕታታ ተስትዮ፡ ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ፡ ንብቚላ ትባርኾ። ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፡ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥ።

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 15፡31-44

ዲያቆን

2ጴጥ 2፡17-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 14፡8-18

ንፍቅ ካህን

ማቴ 13፡1-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘእግዚእነ  መዝሙር፦ ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div