“እዞም ኵላቶም (ቅዱሳን’ዚኣቶም) ነተን (ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለው ዝተዋህባኦም ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ (ብዓይኒ እምነት) ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ፡ ኣብዛ’ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞተ። እቶም ከም’ዚ (ዚገብሩ) ኸኣ፡ (ነታ ሰማያዊት) ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዮ ኣለው። ነታ ዝወጹላ (ምድራዊት) ሃገር ሓስቦም እንተ ዚዀኑ፡ (ናብኣ) ኺምለሱ ጊዜ ነይሮም’ዩ። ሕጂ ግና (ነታ ዝበለጸት ማለት ነታ ሰማያዊት ሃገር) ይናፍቑ ኣለው። ስለ’ዚ ድማ ኣምላኽ (ሰማያዊት) ከተማ ኣዳሊወሎም ኣሎ’ሞ፡ “ኣምላኾም” ኪበሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን’ዩ።” እብ 11፡13-16,47 ካ.ት
እንሆ እዚ ዕለት’ዚ፡ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ- ክረምትን ካልኣይ ሰንበት ናይ ጾመ ፍልስታን’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ ነሓሰ 8 ኽሳዕ ነሓሰ 14 ዘሎ ዕለታት፡ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ፡ “ዛቲ ይእቲ ማርያም” ዘርእስቱ’ዩ። እቲ ብመሰረት’ዚ መዝሙር’ዚ ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ኣብ’ቲ ምስጢረ ስጋዌ ኣብ ማህጸን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመሉ ቕንያት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ዝነበሮ ዕዙዝ ተራ ኣጕሊሑ ዜርእየና’ዩ። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ፡ እግዚኣብሄር ወልድ ብምስጢረ ስጋዌ ኣብ ማህጸና ፍጹም ሰብ ከም ዚኸውን ኬበስራ ኸሎ፡ ኣብ ትግባረ ናይ’ዚ ምስጢር’ዚ ግደ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዚኸውን፦
“መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡ ሓይሊ ናይ’ቲ ልዑል’ውን ኬጽልለኪ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ‘ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ’ ኪበሃል’ዩ።” ብምባል ገሊጽዎ’ዩ (ሉቃ 1፡35)። ጥንስቲ ዀይና ምስ ተረኽበት፡ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ነገር ከይገለጸ ብሕቡእ ኪሓድጋ ምስ ሓሰበ፡ ንእኡ ንምርዳእ ዝተላእከ መልኣኽ’ውን፡ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትና ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ’ዩ’ሞ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ” ብምባል ነቲ ግደ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብሪሁን ደጊሙን ገለጾ (ማቴ 1፡20,22)። እቲ ምስጢር ድሮ ኸም ዝተፈጸመ ንማርያም ኬረጋግጸላ፡ ንኤልሳቤጥ ኬበስራ ዝተገልጸ’ውን፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ’ዩ። ንቅድስቲ ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ መልኣ’ሞ፡ “ኣደ ጐይታና ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻባይ ኰነለይ፧” ብምባል፡ ድሮ ኣደ ዀይና ኸም ዘላ ኣበሰረታ (ሉቃ 1፡41-45)። ዋላ ጐይታና ተወሊዱ 40 መዓልታት መሊኡ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ዝኸደሉ’ውን፡ ብኽልተ ነብያት ገይሩ ብዛዕባ ጐይታና ዀነ ብዛዕባኣ ዝተዛረቦ ቃል-ትንቢት፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ካብ’ታ ጐይታና ዝተጠንሰላ ዕለት ክሳዕ’ታ ዝዓረገላ ዕለት ዝነበሮ ግደ እናዓዘዘን እናተጋህደን ይኸይድ ከም ዝነበረ ዜርእየና’ዩ (ሉቃ 2፡25-39)። ዋላ ድሕሪ ዕርገቱ’ውን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ንእኡ ብኸመይ ከም ዜኽብሮ ጐይታና፦
“. . . (መንፈስ ቅዱስ) ካብ ርእሱ ኣይዛረብን’ዩ’ሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂ’ውን ኪመርሓኩም’ዩ። (መንፈስ ቅዱስ ካባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን’ዩ’ሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ’ዩ።”
ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ 16፡13,14)። ንሕና ብኣካለ-ስጋ ብህይወት ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኽሳዕ ዘለና፡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነኽብሮ ዚረድኣና’ውን፡ እቲ ብምስጢረ ሜሮን ኣባና ዝሓደረ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ መረጋገጺ ድማ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደ ኣብ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቲ ዝተራእየ መስተንክር ለውጢ’ዩ። ንኣና ንሓጢኣት ምውታት ንጽድቅ ግና ህያዋን ዚገብረና’ውን፡ ንሱ’ዚ ቕዱስ መንፈስ’ዚ’ዩ (ሮሜ 8፡11 ካ.ት)።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትና ድማ ካብ’ቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ እብ 11፡8-16 ንባብ ዝተወሰደ’ዩ። እዚ ንባብ’ዚ እቶም ንእግዚኣብሄር ብእምነቶም ዘስመርዎ ቀዳሞት ቅዱሳን፡ እቲ ዘዐወቶም ረቛሒ እንታይ ምዃኑ ዚገልጸልና’ዪ። እቲ ምስጢር፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣጋይሽን ስድደተኛታትን ምዃኖም፡ እታ ሓቀኛ ሃገሮም እታ ሰማያዊት ምዃና ተተስፍዮምን ኣሚኖምን ዚነብሩ ምዃኖም ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ንሕና ኣስኣሰሮም እንስዕብ ክርስትያን ህዝቢ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ብርግጽ ናብ ዓወት ዜብጽሕ ድሙቕ ኣርኣያኦም ምስዓብ ኣዝዩ ስለ ዜርብሓና፡ ብዛዕባኡ ኽንመሃር፡ ነዚ ተስፋን እምነትን’ዚ ኸኣ ክንውንኖ ይግብኣና’ዩ።
እዛ “ሰማያዊት ‘ትበሃል ዘላ ሃገር ኣየነይትን ከመይ ዝበለት’ያ፧ ሰማያዊት ‘ትበሃል ዘላ፧ እታ እግዚኣብሄርን ቅዱሳን መላእኽቱን ብኽብሪ ዚነብሩላ “መንግስቲ ኣምላኽ ‘መንግስተ ሰማያት” ተባሂላ እትጽዋዕ ኣብ ሰማያት እትርከብ ሃገር’ያ። ምሉእ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ’ዛ ሃገርን መንግስትን’ዚኣ ኺገልጽ ዝተጻሕፈ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓብይ’ውን፡ ነዛ መንግስቲ’ዚኣ ኼፍልጠና፡ ነዛ መንግስቲ’ዚኣ ኺህበና፡ ናብኣ’ውን ኪወሰና’ዩ ናብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ብስጋ ዝመጸ። ስለ’ዚ ኣገልግሎቱ ኺጅምር ከሎ ኣትሒዙ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ሞ፡ ተነስሑ” ኢሉ ሰበኸን መሃረን። እቲ ጸራግ መገዱ ዝዀነ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ኰነ እቶም ንኣገልግሎቱ ተረኪቦም ዝቐጸልዋ ቅዱሳን ሃዋርያቱን ኣርድእቱን’ውን፡ መልእኽቶም ንሳ ነበረት (ማቴ 3፡1 ፣ 4፡17 ፣ 10፡7 ፣ ሉቃ 10፡9)።
ጐይታና ግን ብዛዕባኣ ኺነግረናን ቀረባ ኸም ዘላ ኼፍልጠናን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገና ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸለና’ውን ነታ መንግስቲ’ቲኣ ኺህበና’ዩ ዝመጸ። ሓደ እዋን፡ እቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ኪዛረብ ዝሰምዕዎ ፈሪሳውያን፡ “መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ’ያ ትመጽእ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፦
“መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ’ሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን’ያ፡ “ኣብ’ዚ ወይ ኣብ’ቲ እንሃ’ ዚብላ’ውን የልቦን።” ኢሉ መለሰሎም (ሉቃ 17፡20,21)። ወዮ ደኣ ንኺመሃሩ ዘይኰነስ፡ ንኺፍትኑን ንኼፈንጥሩን ዚሓትቱ ስለ ዝዀኑ’ዮም’ምበር፡ እዚ ተነጊርዎም ዘሎ ቓል፡ ኣዝዩ ዓብይን ኣገዳስን ምስጢር’ዩ። ምኽንያቱ ኣድራሻኣ ኣብ ሰማያት ደኣ ይኹን’ምበር፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰይጣንን መንግስቲ ሰብን እትገዝእ ሓያልን ዓባይን መንግስቲ’ያ። ጂኦግራፍያዊ (ናይ ቦታ) ደረት የብላን። ኣብ ውሽጢ ናይ ሰባት ውልቀ ህይወት’ውን እትገዝእ መንግስቲ’ያ። ኣብ ማእከል ኵላትና ኣላ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍና ኸኣ ኣላ። እቲ ፈትዩ ዝተገዝኣ ውሉዳን ወራሲኣን ይኸውን። ኣብ’ቲ ብእግዚኣብሄር ዝተመደበ መዓልቲ ድማ ብትንሳኤ ሙታን ብኣካለ ስጋ ናብኣ ግዒዙ ይወርሳን ይኸብረላን። እቲ ኸይግዝኣ ዝኣበየን ዝዓለወን ግና፡ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኣትሒዙ ስለ ዚገፍዓ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ኣይኪወርስን’ዩ። ብኣንጻሩ ነታ ንዓለወኛታት ዝተመደበት ናይ ስቓይን ውርደትን መንግስቲ’ዩ ዚወርስ፡ ሓደ እዋን ጐይታና፡ ንቕዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣቱም ንኡስ መጓሰ፡ ኣቦኹም መንግስቲ ኺህበኩም ፈትዩ ኣሎ’ሞ፡ ኣይትፍርሁ።” ብምባል፡ ነታ ኣቦ ፈትዩ ዝሃበና መንግስቲ ኬውርሰና ኸም ዝተገልጸ ነጊርዎም ኣሎ (ሉቃ 12፡32 ካ.ት)። ስለ’ዚ ኸኣ ነታ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ኰይና እትዓይዩ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ክንደልያን ክንእዘዛን፡ ክንግዝኣን፡ ብተደጋጋሚ ምዒዱና ኣሎ (ማቴ 6፡33 ፣ መዝ 37፡4)። እግዚእብሄር ኣቦ ንወዱ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብኣቶም ከም ዚውለድ ገይሩ ቅድም ንኣታቶም ብምሃቡ ንእስራኤላውያን፡ “ደቂ መንግስቲ” ብምግባር ኣኽቢርዎም ነበረ። ንሳቶም ግና ንኣቦን ንወልድን ጸሊኦም ብምሉእ ሓይሎም ተዳፍእዋ። ስለ’ዚ ድማ ካብ’ታ መንግስቱ ኺድርበዩ ፈረዶም። ነቶም ዝተቐበልዎ ኣህዛብ ከኣ ናብ መንግስቱ ኣእትዩ ምስ ቅዱሳኑ ኣኽበሮም (ማቴ 8፡11,12 ፣ 20፡28-32 ፣ ሉቃ 13፡22-30 ፣ ዮሃ 15፡23-25)።
ብኸመይ’ያ ሃገርና እትኸውን፧ ንምንታይ ኢናኸ ንናፍቓ፧ ሃገርና እትዀነሉ ምኽንያት ክልተ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት፡ እቲ ሰማያዊ መበቈልና’ዩ። እግዚኣብሄር ኪፈጥረና ኸሎ፡ ካብ መንፈሱ ኡፍ ኢሉ ብምሃብ፡ ብመልክዑን ምስሉን’ዩ ዝፈጠረና። በዚ መንፈሱ’ዚ ኸኣ ንዅሉ’ቲ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርያቱ ኣውሪሱና’ዩ። እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናዮ መንፈስ፡ ካብ’ቲ ኻብ ምድሪ ዝወረስናዮ መሬት ኣዝዩ ዝኸበረን ዝዓበየን ስለ ዝዀነ፡ ብተፈጥሮና ኻብ ምድራውያን ንላዕሊ ሰማያውን ኢና። ካብ ኣምላኽ ዝተኻፈልናዮ ስለ ዘሎና፡ ደቂ ኣምላኽ ኢና። ስለ’ዚ ብተፈጥሮና ደቂ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ኢና።
እንተ ዀነ ኣዳምን ሄዋንን ብተለሎ (ምትላል) ናይ ሰይጣንን ብዕሽነቶምን ተደሪኾም፡ ካብ ነቲ ሰማያዊ መንነቶም፡ ነቲ ምድራዊ መንነቶም ኬኽብሩ መረጹ። ስለ’ዚ ኸኣ ካብ ገነትን ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ተሰጕጎም ወጹ ብዘይካ ኣብ ኣዝዩ ውሑድ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ናይ መንግስተ ሰማያት ተስፋ ነይሩ ኺበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ እዛ ተልእኾን ግብርን’ዚኣ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ያ ትፍጸም። ነዛ መንግስቲ’ዚኣ ዚእምተልና ናይ ብሉይ ኪዳን ትንቢት፡ እቲ ብነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ሙታን ዝተነግረ ትንቢት’ዩ (ዳን 12፡1-3,13 ፣ 2፡41 ፣ 4፡34,35)።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣካላ ስጋ ኣብ’ዛ ምድሪ ምስ ተገልጸ ግና፡ ኵሉ መልእኽቲ ናይ ቅዱስ ወንጌል፡ መንግስተ ሰማያት ጥራሕ ኰነ። ምኽንያቱ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ’ታ ኻብኣ ዝተሰጐጕና መንግስቲ ኣምላኽ ኪመልሰና’ዩ ዝመጸ። ናብ’ዛ መንግስቲ’ዚኣ ኽንምለስን ክንወርስን እንተ ዄንና፡ ቅድም ናብ ውልድነትና ኽንምለስ ናይ ግድን ነበረ። ኣብ ሉቃ 3፡38 ብንጹር ተመልኪቱ ኸም ዘሎ፡ ኣዳም ወዲ ኣምላኽ’ዩ ዝነበረ። ብሰሪ ዕልወቱን ኣበሳኡን ግና ካብ’ቲ መሰልን ክብርን’ቲ ተሰጕጐን ተፈልየን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተገልጸ ግና፡ በቲ ዜዛዊ መስዋእቱ ብዘፍስሶ ኽቡር ደሙ ዓደጉ፡ ዳግማይ ናብ ውልድነትና፡ ናብ’ቲ ብዕሽነትና ዘጥፋእናዮ ዓብይ መለኮታዊ ትዕድልቲ መለስና (ራእ 5፡9,10 ፣ 1ጴጥ 1፡18,19,22,23 ፣ ቲቶ 2፡14 ፣ ገላ 3፡13,14)።
“ናብ’ቶም ናቱ (ናብ እስራኤላውያን) መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ (ዝተወልዱ)’ምበር፡ ካብ ደም (ሰብ)፡ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወለዱ’ዮም።” ዮሃ 1፡11-13
ኣብ ኵሉ ወለዶታትን ዘመናትን ዝነበረ ዅሉ ሰብ ነዚ ውልድነት’ዚ ምእንቲ ኺረኽቦ ኸኣ፡ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ምስጢረ ጥምቀትን ምስጢረ-ሜሮንን ሰርዓልና። ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ፈሪሳዊ ሊቅ ኪሓትቶን ኬዛርቦን ምስ መጸ ድማ፡ ነቲ ኣገዳስነት ናይ ምስጢራት-ውልድነት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገለጸሉ።
“ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።” . . . “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣትው ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ’ዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ’ዩ። ‘ካብ ላዕሊ ኽትውለዱ ብግዲ’ዩ’ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።” ዮሃ 3፡3,5-7
ብምስጢረ ጥምቀት ካብ ማይ፡ ብምስጢረ ሜሮን ከኣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ተወሊድና ድማ ውሉድ ኣምላኽ ንኸውን። ናይ ኣምላኽ ስድራ ቤትን ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ንኸውን (ኤፌ 2፡19,20)። መንግስተ ሰማያት ሃገርና እትዀነሉ ምስጢር’ምበር፡ ቅድም ብፍጥረትና፡ ደሓር ከኣ በቲ ብክርስቶስ ብምእማንና ብንረኽቦ ውልድነት’ዩ። እቲ ኣብ’ዛ ዘመን ምድራዊ ህይወቱ ብክርስቶስ ኣሚኑ ኣብ ምስጢራት ተኻፊሉ ካብ ላዕሊ ኻብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዅሉ ክርስትያን፡ ምድራዊ ዘይኰነስ፡ ሰማያዊ (ወዲ ሰማይ)’ዩ። ስለ’ዚ ድማ ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱን ነቶም ዚጸልእዎ ኣይሁድን ኪዛረቦም ከሎን፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦኡን ኪጽልይ ከሎን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጋጊሙ’ዩ ገሊጽዎ።
“ከም’ቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። . . . ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ’ያ’ሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ’የ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም’ምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለ’ዚ ዓለም ትጸልኩም’ያ። . . . ኣነ እኸይድ ኣለኹ፡ (ንስኻትኩም ከኣ) ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ግና ኽትሞቱ ኢኹም። ናብ’ቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን’ዩ። . . . ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ግና ኻብ ላዕሊ’የ፡ ንስኻትኩም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኣይኰንኩን።” ዮሃ 17፡16 ፣ 15፡19 ፣ 8፡12,23 ነዛ ሰማያዊት ሃገርና እንናፍቐሉ ምኽንያት’ምበኣር፡ ካብኣ ዝተወለድና ዜጋታት ስለ ዝዀንና’ዩ። እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ግና፡ ንእኣ ነጺግናን ክሒድናን ነታ ሰማያዊት ዓለም ስለ ዝመረጽና፡ ኣዝያ ትጸልኣና። ንሕና’ውን ካብ’ታ መበቈላዊት ሃገርና ፈልያትና ስለ ዘላ፡ ኣዚና ንጸልኣ። ካብ’ታ መበቈላዊት ሃገርና ምእንቲ ኸተትርፈና ብሓጢኣት ከተዐሽወናን ከተበላሽወናን ስለ ‘ትጋደል፡ ናይ ብሓቂ ሰማያውያን እንተ ዄንና ንዓለም፡ ነዛ ጊዝያዊት መጻንሒት፡ ክንጸልኣ ባህርያውን ግድነታውን’ዩ። ብዘይካ’ቲ ብሓጢኣት ምፍትታና፡ ነቲ ፍቓዳ ስለ ዘይመላእና እተውርደልና መከራን ስቓይን ስለ ዘሎ፡ ነታ ሰማያዊት ክንናፍቕ ኣዝዩ ዓብይ ድርኺት’ዩ ዚዀነልና።
ብዓብይ ኸኣ፡ ንገጽ ናይ’ቲ ብሕያውነቱን ብመሓርነቱን ብፍቕሩን ተደሪኹ፡ ብህይወት ሓደ ወዱ ዝተበጀወናን፡ መሰል ውልድነትና ዳግማይ ኪመልሰልናን ኪህበናን ዝፈተወ ኣምላኽ ናይ ምርኣይ ባህጊ ኣሎና። ንዅሉ ምልኣት መለኮትን፡ ንዅላቶም ሰራዊት ቅዱሳን መላእኽትን፡ ነቶም ቅድሜና ዝሓለፉን ኣብ ገነት ዚጽበዩናን ኵላቶም ቅዱሳንን ናይ ምርኣይ ክቱር ናፍቖት’ውን ኣሎና (እብ 12፡22-24)። ነቲ ጽድቂ ጥራሕ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ናይ ምርኣይን ናይ ምውራስን ሃንቀውታ ኣሎና። ኣብኡ ዘይበርስ፡ ዘይረክስ፡ ዘይሓልፍ፡ ማእለያ ዘይብሉ፡ ብሉጽ፡ ዘለኣለማዊት፡ ምሉእ፡ ረዚን ክብርን ሓጐስን ዕረፍትን ምጽንናዕን ይጽበየና ኣሎ (1ጴጥ 1፡3-9 ፣ 2ቈረ 4፡16,17,18)። ኣኽሊል ጽድቅን፡ ኣኽሊል ህይወትን ኣኽሊል ኽብርን ኣኽሊል ዓወትን ምስ ኵሉ’ቲ ንሰዓርቲ ተዳልዩ ዘሎ መለኮታዊ ህያባት’ውን ይጽበየና ኣሎ (2ጢሞ 4፡8 ፣ ያእ 1፡12 ፣ 1ጴጥ 5፡4 2ጢሞ 2፡5 ፣ ራእ 2፡7,10,11,17,26,27 ፣ 3፡5,12,21 ፣ 20፡4)።
ናፍቖት እንታይ ማለት ድዩ፧ ዘይረኣኻዮን ዘይትፈልጦን ነገርከ ይናፈቕ ድዩ፧ ብርግጽ በዚ ማሕበራዊ ህይወትና እነዘውትሮ ስጋዊ ናይ ናፍቖት ዓይነት ክንርድኦ እንተ ፈቲንና፡ ኣብ’ዚ ሰማያዊ ናፍቖት ከይሰርሓልናን ትርጕም ከይህበናን ይኽእል’ዩ። ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ነቲ እንርእዮን እንፈልጦን ዝለመድናዮን ናተይ’ዩ” ዝበልናዮ ሰብን ኵነታትን ቦታን ንብረትን ኢና ‘ንናፍቕ። ናፍቖትና በቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳትና፡ ብምርኣይን ምስማዕን ምሽታትን ምጥዓምን ምድህሳስን’ዩ ዚቕየድን ዚምእዘንን። እቲ በዚ ናፍቖትና’ዚ ዚስምዓናን፡ ነዚ ናፍቖትና’ዚ ንምግላጽ እንጥቀመሉን ኣገባባት’ውን ምስ’ቲ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ዝተዛመደ’ዩ። ቅዱስ ወንጌል ግን እምነትና ዀነ ተስፋና ኣብ ምርኣይ ዝተመርኰሰ ኸም ዘይኰነ ገሊጹልና’ዩ (ሮሜ 8፡24,25 ፣ 2ቈረ 4፡18)። እቶም ብምርኣይ ጥራሕ ዚኣምኑ፡ ምስ ዘይኣመንቲ ኸም ዚሰርዑ ጐይታ ኣፍሊጡና’ዩ (ዮሃ 20፡27,29)። ስለ’ዚ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና መንፈሳዊ ናፍቖት ኣብ ምርኣይ ኣዒንቲ ዝተመርኮሰ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። ነቲ እንኣምኖ ኣምላኽ ብቐንዱስ፡ ስለ ዝረኣናዮ ዲና ኣሚንናዮ፧ (1ጴጥ 1፡8,9)። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ፡ እቶም ነታ ሰማያዊት ሃገሮም ዝናፈቑ ቕዱሳን፡ ነታ ተስፋ ብዓይኖም ኣይረኣይዋን ብኣካል’ውን ኣይተቐበልዋን። ግናኸ ብዓይኒ እምነት ብመንፈሳዊ ዓይነ ልቦናኦም ብርሑቕ ርእዮም ከም ዝረኸብዎ ዀይኖም ሰዓምዋን ተሳለምዋን። በቲ ትኽክልን ብቑዕን ኣገባብ ስለ ዝናፈቑ ድማ፡ እቲ ዘተስፈዎምን ከተማ ዘዳለወሎምን ኣምላኽ፡ ብኣታቶም ተሓቢኑ’ምበር ከቶ ኣይሓፈረን። እምበኣር ንሕና’ውን ኣርኣያ ናይ’ዞም ቅዱሳንና ስዒብና፡ ንኣምላኽ ከነሓብኖ’ዩ ዚግብኣና። እዚ ምግባር፡ ነቶም ናይ ብሓቂ ካብ ላዕሊ ዝተወልዱ ሰማያውያን ኣዝዩ ቐሊልን ንቡርን ተግባር’ዩ። ነቶም ገና ምድራውያን ክነሶም ሰማያውያን ዚኹኑ ዚመስሎም ዝተጠበሩ “ኣመንቲ” ግን፡ ብዘይ ቃል ዓለም ኣዝዩ ኸቢድን ፈጺምካ ዘይሕሰብን’ዩ። መንነትካ ኣበላሺኻስ፡ ጥዑይ ናፍቖት ኪህልወካ ኣይከኣልን’ዩ። ንሰብ ምድራዊ ዚገብሮ፡ እቲ ደፊንዎ ዘሎ መንፈሳዊ ዑረት’ዩ። ብኣንጻሩ ንሰብ ሰማያዊ ዚገብሮ ድማ እቲ ብቕዱስ ወንጌል ዝረኸቦ መንፈሳዊ ብርሃን’ዩ። ፈጺምና ኽንዝንግዕ ዘይግብኣና መንፈሳዊ ሓቂ ድማ ኣሎ።
ንሱ ኸኣ፡ እቶም ሰማያውያን ድሮ ኣብ ሰማይ’ዮም ዚነብሩ ዘለው። እቲ ስጋዊ ሰብነቶምን ህይወቶምን ደኣ’ዩ ኣብ’ዛ ምድሪ ዚነብር ዘሎ’ምበር፡ እቲ ሓቀኛ ህላወኦም ኣብ ሰማይ’ዩ ዘሎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ወንጌል ኣብሪሁልና’ዩ፡ ደጋጊምና ድማ ተማሂርናዮ ኢና።
“. . . ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና። . . . ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ኣተንስኣና፡ ብክርቶስ ገይሩ ኸኣ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣቐመጠና።” ኤፌ 2፡5,6 ካ.ት
“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ፡ ቀልብኹም (ናፍቖትኩም) ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገራት፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። (ምኽንያቱ) ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም’ውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ። እቲ ህይወትኩም ዝዀነ ክርስቶስ (ብምጽኣቱ) ምስ ተገልጸ፡ ንስኻትኩም’ውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።” ቈሎ 3፡1-4 ካ.ት
እቲ ዜናፍቐና ምኽንያት’ምበኣር እዚ’ዩ። እታ ዝዓበየትን እታ ቐንድን ኣካልና፡ እታ ሓቀኛ ህይወትና ድሮ ኣብኡ’ያ ዘላ። ስለ’ዚ ድማ ኢና “ሰማያውያን” እንኸውንን እንበሃልን። ነዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን እንዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። እዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ፡ ናይ’ታ ኣብ ክርስቶስ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተሰዊራ ዘላ ህይወትና ጽላሎት’ዩ። ስጋና፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ሃገሩ ኺገብራ ዘይኰነስ፡ ነታ ሰማያዊት ህይወት ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኺገልጻ፡ ንጽድቂ ሰማይ ኣብ’ዛ ሓጥእ ዓለም ኺገብሮን ከነብሮን ነቶም ነዚ ምስጢር’ዚ ዘይተገልጸሎም ምድራውያን ድማ ብቓልን ብግብርን ኪሰብኽ’ዩ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ተሓዲጉ ዘሎ። በቲ ሓቀኛ መንፈሳዊ መንነትና ናብ’ታ እንናፍቓ ሰማያዊት ሃገርና ድሮ በጺሕና ኸም ዘለና፡ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ብቕዱስ ሃዋርያኡ ገሊጹልና’ዩ፡
“ንስኻትኩምሲ ናብ እምባ ጽዮንን፡ ናብ’ታ ከተማ ህያዋ ኣምላኽ ዝዀነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ናብ’ቶም ብሓጐስ ዝተጋብኡ ኣእላፋት ዝዀኑ መላእኽትን፡ ናብ’ታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተጻሕፈ በዅራት ዝዀኑ (ቅዱሳን) ዝቘመት ቤተ ክርስትያን፡ ናብ’ቲ ንዅሉ ዚፈርድ ኣምላኽን፡ ናብ ነፍሳት ናይ’ቶም ፍጹማን ዝዀኑ ጻድቓንን፡ ናብ’ቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ (ማእከላይ) ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ’ቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም በጺሕኩም ዘለኹም።” እብ 12፡22-24 ካ.ት
እዚ ቓል’ዚ ናብ ፍሉያት ጻድቃን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ዘይኰነስ ብምኽንያት ዝወረዶም መከራ ንድሕሪት ኪምለሱ ዚደናደኑ ዝነበሩ ኸማና ዝድኻሞም ሰባት ዝተጻሕፈ፡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ቃል’ዩ (እብ 3፡1,2,6,12-19 ፣ 4፡1,11 ፣6፡9-12 ፣ 10፡32-39 ፣ 12፡1-17,25 ፣ 13፡7,13,14)። ስለ’ዚ ናይ ብሓቂ ሰማያውነትና ዓቂብና እንተ’ሊና ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ሓሊፍናስ፡ ድሮ ናብኣ ዝበጻሕና ስለ ዝዀንና፡ ነታ ሰማያዊት ሃገርና ብዕዙዝ ናፍቖት እንናፍቐሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።
ናፍቖትና ግን ብኸመይ’ዩ ዚግለጽ፧ ናፍቖት ኸም ዘሎናን ከም ዘይብልናን ብኸመይ ኢና እነረጋግጽ፧ ምድራዊ ናፍቖት ብኸመይ ከም ዚግለጽ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ተመክሮ ስለ ዘሎና፡ ጽቡቕ ጌርና ኢና ንፈልጦ። ዚበዝሕ መግለጺኡ ድማ፡ ልክዕ ከም’ቲ መበቈሉ፡ ስምዒታዊ’ዩ። ናፍቖት ሰማያውያን’ውን፡ ካብ’ቲ ስምዒታዊ ገጻት ናይ ናፍቖት ፈጺሙ ነጻ እንተ ዘይኰነ’ኳ፡ ዳርጋ ዅሉ መግለጺኡ ግን ግብራዊ’ዩ። ናብ’ታ ሰማያዊት ህይወትናን ሃገርናን ብዘይ ምኻድና ዚስምዓና ጓህን ምስቍርቋርን ኣሎ (ሮሜ 8፡22,23 ፣ 2ቈረ 5፡1-4)። እዚ ግና ስጋ ዝለበስና ስለ ዝዀንና ዚስምምዓና’ዩ። እቲ ሓቀኛ መንፈሳውን ግብራውን መግለጺ ናፍቖትና ግን በዚ ዚስዕብ ሰለስተ ግብራዊ ኣገባባት ዚግለጽ’ዩ። ቐዳማይ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ናፍቖትና፡ ነቲ ኻብኣ ዚፈልየና ሓጢኣት ዘለና ጽልእን ውግእን’ዩ። ናፍቖት ናይ’ታ ሰማያዊት ዘይብሉ ሰብ፡ ንሓጢኣት ዚሕሰመሉ ምኽንያትን ዓቕምን ፈጺሙ የብሉን። ስለ’ዚ ብዚጠቅምን ዘይጠቅምን ምኽንያት፡ ብሓጢኣት ኪንውርን ኬነውርን’ዩ ዚርከብ። እቲ ሓቀኛ ናፋቒ ግን፡ ናብ’ታ ሰማያዊት ሃገሩን ህይወቱን ንኸይኣትው እትዕንቅፎ ዝዀነት ትኹን ሓጢኣት ካብ ምፍጻም፡ ህይወቱ ኸፊሉ ብሰማእትነት ኪሓልፍ’ዩ ዚመርጽ። ካልኣይ ካብ እምነቱ ኼዘናብሎ ንዝመጸ ፈተና’ውን ብሓጐስን ብትብዓትን ይምክቶ፡ ናይ ህይወት መስዋእቲ ዚጠልብ ምስ ዚኸውን’ውን ድሕር ኣይብለሉን’ዩ። ምኽንያቱ እዞም ቀተልቲ ስጋኡ ዘይረኽብዋ ህይወት ድሮ ኣብ ሰማይ ዘላቶ ሰብ’ዩ። ታሪኽ ቤተ ክርስትያን እዞም ኵሎም ሰማእታት ንሳቐይቶም ብዘስተንከረ ጅግንነት ከም ዝሓለፉ’ዩ ዜዘንትወልና። ሳልሳይ ናይ ህይወት ተልእኾኡን ኣገልግሎቱን ንምፍጻም ድማ ኣዝዩ ይተግህን ይጋደልን። ዘይተፈጸመ ተልእኾ፡ ዘይተተግበረ ራእይ ሒዙ ባኺኑ ኺጸንሕ ፍቓደኛ ኣይከውንን’ዩ። ምኽንያቱ ኽፉእን ሃካይን ኣገልጋሊ ምዃን ዘለዎ ሳዕቤን እንታይ ምዃኑ ቅዱስ ወንጌል ብንጹር ኣፍሊጥዎ’ዩ (ማቴ 24፡48-51 ፣ 25፡24-30)። እቲ ብዛዕባ ሓጢኣት፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኰነ ብዛዕባ ዚገጥመካ ናይ እምነት መከራ፡ እቲ ኽትገብሮ ዚግብኣካ ኸይገበርካ ኢድካ ኣጣሚርካ፡ ግን ከኣ ዝርንዛሕ እናነባዕካ ሕንቕንቕ እና’በለካ እንተ ተጸበኻ፡ ሰማያዊ ዘይምዃንካን ናፍቖት ኸም ዘይብልካን ብግብሪ ኣረጋጊጽካ ስለ ዘለኻ፡ ናይ ግብዝነትካ መርኣያ መቃልዕን ይዀነካ’ምበር፡ ዝዀነ ዓይነት ትርጕም ረብሓን ኣይህልዎን’ዩ።
እምበኣር ርእስና ንመርምር፡ ዘይምልከተና ሃገር ምእንቲ ኸይንናፍቕ፡ ቅድም ናይ ብሓቂ ሰማያውያን ምዃንና ነረጋግጽ። ናይ ብሓቂ ሰማያውነትና ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና ብግብራዊ መገዲ ይግለጽ ከም ዘሎ ኸነረጋግጽ’ውን ግድነታዊ’ዩ። “ደቂ መንግስቲ ኣምላኽ ኢና” ዚብል እምነት ጸኒሑና። ክርስቶስ ግና፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን’የ፡ ካባይ ርሓቑ ኢሉና ጉድ ከይንኸውን፡ ነዛ ምድራዊት ህይወት ብሰማያዊ መንነትን ብሰማያዊ ናፍቖትን ነማእዝናን ነመሓድራን። (ማቴ 7፡20-23 ፣ ሉቃ 13፡23-30)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
18 ነሓሰ 2024 | ነሓሰ 12, 2016 ግዕዝ (መበል 49 ሰንበት: ቊ.፵፱/49) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፴፩(፻፴፪)፡፲፫-፲፬ “እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን። ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ። ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም።” ዓዲ፡ መዝ.፻፳(፻፳፩)፡፩-፪ “አንሣእኩ አዕይንትየ መንገለ አድባር። እምአይቴ ይምጻእ ረድኤትየ። ረድኤትየሰ እምኀበ እግዚአብሔር።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 11፡8-16 |
ዲያቆን |
|
2 ዮሃ 1፡1-7 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27፡39-ፍጻመ |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 1፡35-45 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘእግዝእትነ ማርያም | መዝሙር፦ ዛቲ ይእቲ ማርያም |
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ