S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስለ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብግህዶ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣረጋገጸሎም። እምበኣር ንሕና በዘነ ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፡ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፡ ኣምላኽ ከኣ ብኣኣተን ኪሕስው ዘይከኣሎ፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ (ሃዲምና) ናብኡ ተማዕቍብና ዘለና፡ ነቕ ዘይብል (ብርቱዕ) ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። እዛ ተስፋዚኣ ናይ ህይወትና መልሕቕያ። (ተስፋና) ድልድልትን ጽንዕትንያ። ብመጋረጃ ሓሊፉ ኸኣ ናብ ውሽጣዊት መቕደስ እተብጽሕያ። ኢየሱስ ድማ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ብምዃን፡ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩዩ። እብ 617-20 .

ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እግዚኣብሄር ሰሪዑ ዝሃበና ሕገ ተፈጥሮን፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ መስከረም 25 ዘሎ ወርሓት፡ዘመነ ክረምት፡ይብሃል። እዚ ነዊሕ ዘመነ ክረምት ድማ ናብ ንኡስን ክፍላተ ዘመናት ዝተኸፋፈለዩ። እቲ ቐዳማይ ንኡስ ክፍለ ዘመን፡ ብኣቈጻጽራ ግእዛ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ ሓምለ 15 (ቂርቆስ) ዚዝርጋሕ ኰይኑዘርአ፡ ደመና፡ ጠልይብሃል። እዚ ዕለት ቐዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትዩ። ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጀሚርና ኣብ ጾመ ሃዋርያት ተጸሚድና ኸም ዘለና ኸኣ ዚፍለጥዩ። ናይ ዓመት ጾመ ሃዋርያት፡ ሓጻር ናይ 19 መዓልታት ጾም ጥራሕ፡ያ። ነዚ ዕለት ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር፡ድምፀ እገሪሁ ለዝናምዝብል ኰይኑ፡ ንእኡ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ኰነ ምስባኽ፡ ኵሎም ዝናም-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎምዮም። ኣርባዕቲኦም ወቕትታት ናይ ዓመት፡ እግዚኣብሄር በቲ መስተንክር ጥበቡን ከኣልነቱን ዝሰርዖምዮም። ጊዜኦም ከየሕለፉ ብትኽክል ኣብ ዝተሰርዓሎም ጊዜ ይኽሰቱ። ዓይነትን መኣዝንን ናይ ንፋሳት ይለዋወጡ። ናይ መዓልቲ ዀነ ናይ ለይቲ ምናሕን ምሕጻርን ርኡይ ለውጢ ይገብር። ጠልን ድርቀትን ዛሕልን ሙቐትን ናይ ኣየርውን ከምኡ ይለዋወጥ። ንምድሪ ስሩዕ ኣብ ዝዀነ እዋናት ናብ ዝተፈላለየ መኣዝን ከም ትቐንን እናገበረ፡ ነቲ ወቕትታት ይለዋውጦ። ከምኡ እናገበረ ብጥበቡ እንተ ዘየናብረና፡ ኣብ ዓለም ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ፍጡር ኣይምሃለወን።ወቕትታትን ኵነታት ኣየርን እንተ ዘይለዋወጥ ነይሩ እንታይ ምዀንና፧ ኢልና ንሕሰብ። እቶም ኣብ ዓዲ በረድ፡ንነብር ዝዀነ ለውጢ ዘይብሉ ዓመት ምሉእ ውርጭን በረድን እንተ ዚኸውን መን ብህይወት ምተረፈ፧ ዝናም ዘይርከቦ ደረቕ ኵነታት ሃልዩ ዅሉ ጊዜ ሓጋይ እንተ ዚኸውን ዋላውን ዓመት ምሉእ ከየቋረጸ እናዘነመ፡ ኵሉ ጊዜ ክረምቲ እንተ ዚኸውን መን ኪነብር ምኸእለ፧ ብኸኣልነቱን ሕያውነቱን ብዝሰርዓልና ወቕትታት ግን፡ ኣብ ክረምቲ ብዝናሙ ኣብቍሉ ናብ ፍረ ምስ ኣብጽሖ፡ ብጸሓይ ኣድሪቑን ኣብሲሉን ኣብ ጊዜ ቐውዒ ፍርያትና ኣኪብና ዓመት ምሉእ ከም ንቕለብ ይገብረና።

ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነቲ ወቕትታት ባዕላ እንተ ዘይሰርዓቶምስ ወቕቲ ዚኸይድ መሃሪ መደባት እናሰርዐት፡ ነቲ መስተንክር ስራሕ ናይ ኣምላኽ ንኸነስተውዕሎ፡ ከነመስግነሉ፡ ኣብ ኣምላኽ ክንውከለሉ፡ ካብኡ ሓሊፍናውን ካብ ተፈጥራውን ባህርያውን ፍጻመታት ንመንፈሳዊ ህይወት ዚጠቅም ትምህርት ኽንቀስመሉ እንኽእል ግሩም ስርዓተ ኣምልኾ ሰሪዓትልና ትርከብ። ስለ ብድርብ ጸጋ ተባሪኽና ኣለና ማለትዩ። ቐዳማይ ጸጋና፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኸኣልነቱን ብሓያውነቱን ዝሰርዓልና ጸጋ-ተአጥሮ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይን ዝዓበየን ጸጋ ድማ እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ሰሪዓትልና ዘላ መንፈሳዊ ስርዓተ ኣምልኾዩ። ከም በዚ ጸጋ-ተፈጥሮ ንጥቀምን ብህይወት ንነብርን ዘለና፡ ናይ ምስ ጸጋ ተፈጥሮ ተዛሚዱ ዝተሰርዓልና መኣዲ መንፈሳዊ ጸጋ ተጠቀምቲ ምዃንና፡ ንመንፈሳውነትና ብእኡ ንምግቦን ነሐይሎን። ብዛዕባ እግዚኣብሄር ብመገዲ ተፈጥሮ ዝሃበና ጸጋኡውን ነድንቖን ንውድሶን ነመስግኖን ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግብኣናዩ። ህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ጸጋ ተፈጥሮ ዝዀነ ዓይነት ጦብላሕታን ተመስጦን ምስጋናን ዘይብሎም ደረቕ ህዝቢ ዀይኖም ምስ ኣጕሃይዎ፡ ኵሉ ኸሊኡ ብሕሱም ደርቂ ቐጽዖም። እቲ ብፍቁር ባርያኡ ብነብዩ ኤርምያስ ዝለኣኸሎም ናይ ተግሳጽ ቃል፡ ንኣናውን እግዚኣብሄር ካባና እንታይ ከም ዚጽበይ ዓብይ ትምህርቲ የቕስመናዮምሞ፡ ብምስትውዓል ነንብቦ።

እዚ ንደቂ ያእቆብ ኣውርዩሎም፡ ንህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንገርዎም፡ ከምዚኸኣ በልዎም።ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፡ ዓይኒ ኸለዎም ዘይርእዩ፡ እዝኒ ኸለዎም ድማ ዘይሰምዑ፡ ዓያሱ ህዝቢ፡ እዚ ስምዑ። ኣነ እግዚኣብሄርየ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትፈርሁኒ፧ ስለምንታይከ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ዘይትብሉ፧ ብሑጻ ገይረ ንባሕሪ ደረት፡ እወ፡ ንዘለኣለም ኪሰግሮ ዘይክእል ደረት ገበርኩሉ። እቲ ባሕር ማዕበሉ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፡ እንተ ሃጸፈውን ከቶ ኣይሳገሮንዩ። ንስኻትኩም ግና ኣቱም ህዝቢ እምቢተኛታትን ዓለወኛታትን ኢኹም። ንድሕሪት ተመሊስኩም ሓዲግኩምኒ ኸደኩም። በብጊዚኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን እንተ ሃብኩኹም፡ ምዱብ ሳምንታት ቀውዒውን እንተ ሰራዕኩልኩም፡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም (ብዛዕባኡ) ኣየኽበርኩምንን። (ሕጂ ግና) ኣበሳኹም ነዚ ኸልካሊ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቑ ኣኽልኣኩም።

እግዚኣብሄር ነዚ ሃይለ ቃል ዝተዛረቦ፡ ነቲ ዘውሓዘሎም ጸጋ ተፈጥሮ ተዓዚቦም ንሕያውነቱን ንመጋብነቱን ዚምጥን ክብሪ ስለ ዘይሃብዎዩ። እዚ ዅሉ እናተቐበሉ፡ ንእኡ ዚኸውን ጥርትብል ፍርሃት ኣምላኽ ኣይነበሮምን። ብኣንጻሩ ብሓጢኣቶም ላሕ ኣበልዎ። ስለ ነቲ ብሕያውነቱ ዚህቦም ዝነበረ ኵሉ ኸልኦምን ከልከሎምን፡ ንሕናኸ ካብ ናታቶም ዚሓይሽ ታሪኽ ኣሎናዶ፧ ብምኽንያት እንረኽቦ ጸጋ ተፈጥሮ ነቲ ወሃቢና ኣምላኽ ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ነኽብሮዶ፧ ናይ ፈሊምናዮ ዘለና ዘመነ-ክረምት መንፈሳዊ መልእኽቲምበኣር፡ እዚዩ።

ኣብ ዘመነ-ክረምት ብዛዕባ ተስፋ ኽንመሃር ዘድለየሉ ምኽንያት ግን እንታይዩ፧ ንምዃኑኸ ተስፋ እንታይ ማለትዩ፧ ምድሪ ብዝናም ከምትጠልልንትልምልምን፡ ህይወትና ድማ ብተስፋትልምልም። ተስፋ ዘይብሉ ሰብን፡ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዘሎ ደረቕ መሬትን ድማ ሓደዮም። ምድሪ ዜለምልማ ዝናም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ከምትረክብ፡ ንወዲ ሰብ ዜለምልምን ፈራዪ ዚገብሮን ተስፋ ድማ ካብ ኣምላኽ ጥራሕ ዚርከብ። ስለ ኸም ብዛዕባ ምድራዊ ህላወና ኣብ ዝናም ክረምቲንግደስ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ህላወና ድማ ኣብ ተስፋ ኣምላኽ ክንውከልን ክንግደስን ናይ ግድንዩ። መሰረት ህላወና፡ ተስፋ ኣምላኽዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ እግዚኣብሄር ማእለያ ዘይብሉ ተስፋታት ዜውሕዘልና። ንሰብን ንኣምላኽን እተራኽብን እተዛምድን መንፈሳዊት ድንድል፡ እምነትያ። እምነት ግን ካብ ባዶ፡ ካብ ዘየለ ነገር፡ ኣይትበቝልንያ። መበቈል እምነት፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚህበና ቃል ተስፋዩ። እግዚኣብሄር ተስፋ እንተ ዘይህብ ግን ነየናይን ንምንታይን ኽንኣምን ኢና፣ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ እምነት ትርጕም ወይ መግለጺ (Definition) ኺህብ ከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ትርጕም፦

እምነት ግና፡ ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይ ዘይረኣይ ነገር ምርዳእያ።ኣብ ካልኣይ ትርጕም ድማ፡እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከምንረኽቦ ዜረጋግጽ፡ እቲ ዘይረኣይ ነገር ከኣ ከም ዘሎ ዜረድእዩ።” ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ (እብ 111) ተስፋ ማለትምበኣር፡ ሕጂ ኣብ ኢድካ ዘየለ ዘይረኸብካዮ፡ ግን ከኣ ከም እትረኽቦ ከም ዚወሃበካ ዝተነግረካ ቓል ማለትዩ። ብዛዕባ ውሁብ ነገር፡ ተስፋ ኣየድልየካንዩ። ተስፋ ኵሉ ጊዜ ብዛዕባ ዘየለን ዘይረኣይን ነገርዩ። ስለ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦

“. . .  ነቲ ዚረኣይ ተስፋ ምግባር ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዚርእዮ ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ፧ ነቲ ዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና ብትዕግስቲ (ብእምነት) ንጽበዮ ኢና።” “እቲ ዚረኣይ ሓላፊዩ፡ እቲ ዘይረኣይ ግና ዘለኣለማዊዩ። ንሕና (ብክርስቶስ ዝኣመንና ክርስትያን) ከኣ፡ ኣብ ዚረኣይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዘይረኣይ ኢናንጥምት ዘለና።” ብምባል ነቲ መንፈሳዊ ሓቂ ኣግሂጹልና ኣሎ (ሮሜ 824,25 . 2ቈረ 415 .) ስለ ተስፋ ንኽንገብር ገለ ዚረኣይ ምልክታት ወይ ጭብጥታት ንደልይ እንተሊና፡ ሽዑ ኻብ ናይ ተስፋ ዓውዲ ወጺእና፡ ኣብ ካልእ ዓለም ኣቲና ንዅብልልን ንህውትትን ኣለና ማለትዩ። እቲ ወንጌል-ተስፋ ሰቢኹ እምነት ኪተክል ዝተሓርየ ሃዋርያ ቶማስ፡ብዓይነይ ከይረኣኹ፡ ብኢደይ ከይዳህሰስኩ ኣይኣምንን ብዝዓይነቱ ኣዘራርባ ድርቕ ምስ በለ፡ ናብ ልቡ ናብ ግቡእ ሓዲድ ናይ ክርስትና ኺመልሶ ጐይታና ተገልጸሉሞ፦

“. . . ኣማኒምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ . . . ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣንዮም።” ብምባል ገንሖ (ዮሃ 2024-29) ንርእሱ ኣማኒ ዀይኑስ ኣብ ህዝብታት ዓለም እምነት ኪተክል ዝተሓርየ ሃዋርያ፡ ንርእሱ ናብ ዘይኣምን ሃዋርያ እንተ ተለዊጡ፡ ጐይታ ማዕረ ኽንደይ ከም ዚሓዝን ርዱእዩ። ስለ እቲተስፋ ኣሎኒ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃበ ኣምላኽ እኣምኖዚብል ክርስትያን፡ ኣብ ብዓይኒ ዚረኣይን ኣብ ውሁብን ተስፋ ኣይምርኰስንዩ። ብምርኣይ ምእማን፡ ዓንቃፊምበር ሓጋዚ ኣይኰነን፡ ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሓቂ ዜብርህ፡ንንፋስ ዚምለከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዓጽድንዚብል ቃል ጽሒፉልና ኣሎ (መክ 114) እቶም ዝናም ሓዚሎም ዚመጹ ንፋሳት ኪነፍሱ እንተ ዘይረኣየ፡ከይዘነመ እንተ ተረፈኸ፧ ነዘን ዘርኣይ ኣብ ምድሪ ኣፍሲሰዶ ባዕለይ ክኸስረንኢሉ ዚጠራጠር ሓረስታይ፡ ኣብ ዜዝንም ኣምላኽ ተስፋን እምነትን ስለ ዘይብሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ዀፍ ዚብል። ደበና ኺደባነው ዝረኣየ ሓረስታይ ድማ ነዘን እኽሊ ዓጺደ ምስ ኣከብክወን፡ ዝናም መጺኡ ኼብላሽወለይዩ፧ ኢሉ ስለ ዝፈርህ እኽሉ ኸይዓጸደ ይተርፍ። እዞም ሓረስቶትዚኣቶም፡ እቲ ኪገብርዎ ዚግብኦም ካብ ምግባር ዝበዀሩ፡ በቲ ዚርእይዎ ዅነታት ኣየር ስለ ዝተመርሑዮም። ሰለስተ ነገስታት ምስ ኣእላፋት ሰራዊቶም ብስእነት ማይ ተሸጊሮም ፍታሕ ደልዮም ናብ ነብዪ ኤልሳእ ምስ ከዱ ንሱ ድማ ከም ዚስዕብ ኣዘዞም።

ኣብ ንቑጽ ርባ ጐዳጕዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዀዓቱ። ንፋስ ኣይክትርእዮን፡ ዝናምውን ኣይክትርእዮን ኢኹም፡ እዚ ርባ ግና ባዕሉ ማይ ኪመልእሞ፡ ንስኻትኩምን ከብትኹምን መጽዓኛኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።” (2ነገ 316,17 .)

ብዓይኒ ኣብ ዚረኣይ ነገራትን ኵነታትን ጥራሕ ተስፋ ዚገብርን ዚኣምንን ሰብ፡ ነዚ ናይ ነብዪ ኤልሳእ ትእዛዝ ኪፍጽሞ ኣይክእልንዩ።ከይረኣኹ ኣይትስፈውን ኣይኣምንን ከኣዚብል መርገጺ ዘለዎ ሰብ፡ ይረድኣዮ ኣይረድኣዮ፡ገለ መረጋገጺ ወይ ጭብጢ ከይረኸብካሉ፡ ንኣምላኽ ክትኣምኖ ኣጸጋሚዚብልን ንኣምላኽ ዜዋርድ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ። እግዚኣብሄር ንዘይኣምኑ ሰባት ንዘለኣለማዊ ስቓይ ናይ ቀላይ ሓዊ ዚድርብየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱዩ። ስለ ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና ንኣምላኽ ዜኽብር መንፈሳዊ ህይወት፡ ብሞት ይኹን ብምጽኣት ምስ ገዓዝና ኸኣ ኣብ ሰማያት ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ዜውሕሰልና ተስፋ ኣምላኽ ምዃኑ ንሓንቲ ኻልኢት ክንዝንግዖን ክንጠራጠሮን ኣይግባእንዩ።

ብዛዕባ ኣየናይ ተስፋ ኢና ንዛረብ ዘለና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚገልጸልና ዅሎም ተስፋታት ኣምላኽ ማለትና ድዩ፧ ተስፋታት ኣምላኽ ብዓይነቱ ኣዝዩ ብዙሕዩ። ገሊኡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዝተነግረዩ። ገሊኡ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ዝተነግረዩ። ገሊኡ ድማ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ሰብ ዝተዋህበዩ። ኣብ ዓይነት ናይ ተስፋ ድማ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ተስፋ ዀይኑ፡ ገሊኡ መንፈሳዊ፡ ገሊኡ ኸኣ ስጋዊ ተስፍታትዩ። ገሊኡ ተስፋታት ድማ ሰማያዊ፡ ማለት ኣብ ሰማይ ዚፍጸም ተስፋ ዀይኑ ኵሉ ጊዜ መንፈሳዊ ተስፋዩ። ንኣብነት ነቦና ኣብርሃም ምድሪ ኸንኣንን ንእኡን ንዘርኡን ርስቲ ገይሩ ኸም ዚህቦ ዝነገሮ ተስፋ፡ ብዘይካ ንእኡን ንዝርኡን ንዋላ ሓደ ኻልእ ኣይምልከትንዩ።እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰፈረ ተስፋኢልካ፡ ምድሪ ኸናን ክትርስተይ ምትስፋው ፈጺምካ ዘይከኣልዩ። እዚ ተስፋ ነቶም ኣብርሃም ካብ ኣጋርን ካብ ቄጡራን ዝወለዶም እስማኤልን ካልኦትን ፈጺሙ ኣይምልከቶምንዩ። እዚ ተስፋ ነቶም ካብ ይስሃቅ ኰይኖም ካብ ያእቆብ ንዝተወልዱ ዘርኢ ኣብርሃም ጥራሕ ዚምልከትዩ። ዋላ ብዛዕባ ውሉድ ምርካብ ዝተዋህቦ ተስፋውን ንዅሉ ሰብ ዝተዋህበ ተስፋ ኣይኰነን። ብዛዕባ ከኣልነትን እሙንነትን ናይ እግዚኣብሄር ዓብይ እምነት ኪህልወና ንእኡ መሰረት ጌርናውን ብጸሎት ንኽንተግህ ይድግፈናዩ። እግዚኣብሄርውሉድ ክህበካኢሉ ንኣና ኸም ዝሃበና ተስፋ ጌርና ኽንወስዶ ግን ኣይግባእንዩ። ብዘይተዋህበካን ብዘይተነግረካን ተስፋ ምእማን፡ ከይተፈጸመ ምስ ተረፈ ንኣምላኽ ከም ጠላሚ ኸም ዘይእሙን ጌርካ ናብ ምድምዳም ዜጽድፍን ካብ እምነትካ ዚዕንቅፍን ኣካይዳ ስለ ዝዀነ ኽንጥንቀቐሉ ዚግባእ። ብዛዕባ ኽንረኽቦ እንደልይ ነገር ብኣጽንዖት ክንጽልይ ዚሕግዘና፡ ናይ ምስክር ደበና ዀይኑ ዜገልግለና ምዃኑ ግን ፈጺምና ኽንጠራጠሮ ኣይግባእንዩ። (እብ 121) ምኽንያቱ ዅሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታት ንተስፋን ንትምህርትን ኪዀነና ኸም ዝተጻሕፈልና፡ ብንጹር ተነጊሩና (ሮሜ 154 1ቈረ 106,11) ዋላ ፈልዩ ብስምና ዝተነግረ ተስፋ ኣይሃልወና፡ በቲ ኣብ ቅዱሳት ዝገበሮ ዅሉ፡ ተስፋናን እምነትናን ኣዕቢና ብጸሎት ኣበርቲዕና ኽንጋደል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው መንፈሳዊ ሓላፍነትናን ግዴታናንዩ። ስለ ነቲ ናይ ቃል እግዚኣብሄር ተስፋታት ሒዝና ብዛዕባ ስጋዊ ዀነ መንፈሳዊ ድልየታትና፡ ብእምነት ንጋደልን ንጽበይን ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ።

ናይ ወልቀ ሰብ ይኹን ናይ ህዝቢ ስም ከይፈለየ ዝተዋህበ ተስፋታት ግን ምእለያ የብሉን። ጸሎት ሰሚዑ ዚምልስ ምዃኑ፡ እሙን ሓላዊ፡ ረዳኢ፡ መራሒ፡ መጋቢ፡ መድሓኒ ወዘተ ዝኣመሰለ ባህርዩን ግብርታቱን ግን፡ ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ዅሉ ሰብ ዝተዋህበ ተስፋዩ። ብፍላይ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተዋህቡ ኣብ ምድሪ ዚፍጸሙ ዀነ ኣብ ሰማይ ዚፍጸሙ መንፈሳውያን ተስፋታት፡ ዝዀነ ክርስትያን ኪጠራጠረሎም ዘይግባእ፡ ብሶላን (Compass) መልሕቕን (Anchor) ናይ ህይወቱዮም። ብክርስቶስ ንዝኣመነ ዅሉ፡ ጸጋ፡ ንስሓ ሕድገት ሓጢኣት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ሰማያዊ ርስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ተስፋታት፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኽንጠራጠረሎም ዘይግባእ፡ ውሁባትን ጭቡጣትን ተስፋታትናዮም። እዚ ተስፋታት እኝተ ዘይብልካን፡ ህይወትካ በዚ ተስፋታት ዘይትምእዘን እንተልያን፡ ብመሰረቱውን ክርስትያን ከም ዘይኰንካ ዜመልክት። ከም ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ምእንቲ ምድራውን ስጋውን ተስፋታት ኢልካ ንክርስቶስ ምስዓብ፡ ዜደንግጽ ፍጥረት ዚገብር ከቢድ መንፈሳዊ ፍዅስትን ስንክልናንዩ። ሰይጣን ብዘይ ዝዀነ ጻዕርን ብልሓትን፡ ብቐሊሉ ብሓጢኣት ዜጋዕዝየናን ዜነውረናን ዘሎኮ፡ ተስፋ ኣምላኽ ዘይመልአን ዘይለበሰን፡ ብመንፈሳውነት ባዶን ዕሩቕን ህይወት፡ ንመርሕ ስለ ዘለና. ቅዱስ ጳውሎስ፦

እምበኣርከ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ (ዅሉ ተስፋታት ኻብ ዚህልወናስ ካብ ንስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ (ሓጢኣትን ፍትወትን) ርእስና ነንጽህ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ ብቕድስና ፍጹማት ንኹን።” ብምባል ናይ ህላወ ተስፋ ረብሓታት ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ (2ቈረ 71 1ዮሃ 33 .) ብመሰረቱውንብተስፋ ኢና ዝደሓንናተባሂሉና (ሮሜ 824 .) ተስፋ፡ ናይ ህይወትን ድሕነትን ጕዳይምበር፡ ናይ ዝደለኻዮ ነገራት ምርካብን ምስኣንን ጕዳይ ኣይኰነን።

ተስፋ፡ ብመልሕቕ ዝተመሰለትሉ ምኽንያት እንታይ ኰንዩ፧ ንምዃኑኸ መልሕቕ እንታይ ማለትዩ፧ መልሕቕ፡ ኣገዳሲ ኣካል ናይ መርከብዩ። መልሕቕ፡ ናይ መርከብ ልጓም (Brake, ፍሬኖ) መርከብ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ደው ከተብላን ኣብኡ ኽትጸንሓልካን እንተ ደሊኻ፡ መልሕቕ ናይ መርከብ ኢኻ ተውርድ። መልሕቕ ንዕብየትን ክብደትን ናይ መርከብ ዚምጥን ክብደት ዘለዎ ግጹፍን ከቢድን ሓጺንዩ። ክልተ በላሕቲ ጫፋት ዘለዎ ዀይኑ ኣብ መሬት ምስ ዓለበ፡ በቲ ብልሑ ነኺሱ ስለ ዚሕዝ ነታ መርከብ ከይትንቀሳቐስ ኣጽኒዑ ይሕዛ። ደው ኬብልዋ እንተ ደለዩ፡ ነቲ መልሕቕ ምስ መርከብ ብዝተተሓሓዘ ጽኑዕ ሰንሰለት የውርድዎ፡ ነታ መርከብ ኬንቀሳቕስዋ ምስ ዚደልዩ ድማ በቲ ዘውረደሉ ሰንሰለት ስሒቦም ይሰቕልዎ። ማዕበላዊ ንፋሳት ናብ ዘይተደላዩ መኣዝን ከይወስዳን፡ ምስ ገለ ነገር ኣጋጭዩ ኸየጥሕላን ምስ ዚሰግኡ በቲ መልሕቕ ልጓም እናገበሩ፡ እቲ ማዕበል ከም ፍቓዱ ኸይጻወተላ ይከላኸልዎ (ግብ 2713-20,27-30,38-40) ብዘይ መልሕቕ ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝሓደግካያ መርከብ፡ ንጽባሒቱ ንቐይሕ ባሕሪ ሰንጢቓ ኣብ ወደባት ስዑድያን ከተዕገርግርን ስግኣት ፈጢራን ክትጸንሓካ ትኽእልያ። ብዘይ ተስፋ ኣብ ወደባት ቤተ ክርስትያን ዝሓደግናያ ነፍሲ ክርስትያን ድማ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ወደባትሲ ሲኦልን ገሃነምን ዓለባ ኽትጸንሓና ትኽእልያ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንእምነትና ብመርከብ ምምሳሉ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምግላጽ (1ጢሞ 118,19) እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለምን እዛ ንነብራ ዘለና ህይወትን ድማ ብማያት፡ ማለት ብባሕርታትን ብውቅያኖሳትን ክትምስል ግቡእን ብቑዕን መግለጺዩ። ግደ ሓቂ ድማ፡ ኣብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ካብ ዚረኣይ ማዕበላት ንላዕሊ፡ ኣብ ህይወት ውልቀ ሰባት ዚኽሰት ማዕበላት ከም ዚበዝሕን ከም ዚኸብድን፡ ዝዀነ ዜጠራጥር ምኽንያት የልቦን። ቅዱስ ዳዊት ንናብራኡን ነቲ ዚሓልፎ ዅሉ ዅነታትን ብማያትን ብማዕበላትን ይገልጾ ኸም ዝነበረ፡ ካብ ብመንፈስ ቅዱስ ዝደረሶ መዝሙራቱ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና (መዝ 692,14,155 ) እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ፡ ብዛዕባ ተስፋ ዝበዝሐ ዝጸሓፈን ዝዘመረን ሰብ፡ ንጉስ ዳዊት ምዃኑ (መዝ 397 714-5 119116) ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታቱ፡ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ምስ ኣምላኹ ጠቢቑ ኺነብርተኽእሎ ዝነበረት፡ ተስፋኡያ። ስለ እቲ ንውሽጡ ዝመልአ ተስፋታት ኣምላኽ ናይ ብሓቂ መልሕቕ ህይወቱ ዝነበረ።

ንኣናውን ካብ ዝተፈልየ፡ ኻልእ ህይወትን ታሪኽን ኪህልወና ኣይግብኦንዩ። ኣብ ብእልፊ ማዕበላት እትናወጽ ዓለምን ህይወትን መልሕቕ ነፍስና ዀይና፡ ናብ ሰማያዊት ሃገርና፡ ናብ ሕቝፊ ጐይታና እተብጽሓና፡ እታ ብኣምላኽን ኣብ ኣምላኽን ዘላትና ተስፋ ጥራሕያ። እዛ ምድራዊት ህይወትና፡ ብዓይነቱ ዀነ ብቝጽሩ ከቢድን ብዙሕን ብዝስቀ ፈተናታት ክትናወጽ ከላ፡ በታ መልሕቕ ነፍስና ዝዀነት ተስፋ ኢና ብዓወት ክንወጽእን ክንድሕንን እንኽእል። ናይ ማዕበላት ዕላማ፡ ኣብ ሓጢኣት ንኼጥሕለናዩ። ናይ ተስፋ ዕላማ ኸኣ ካብ ሓጢኣትን ኽንነጽህዩ። እቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ 2ቈረ 71 1ዮሃ 33 ጥቕስታት ኣይንረስዕ። ኣብ ኣብ ማይ ዚጠልቕ ኣካል ናይ መርከብ፡ ዋላ ኽንዲ ንእሽቶ ምስማር እትኸውን ቀዳድ እንተልያታ፡ ብቕልጡፍ እንተ ዘይተጸጊና፡ ናይ ጊዜ ጕዳይምበር፡ ምጥሓላ ፈጺሙ ዘይተርፍዩ። ሓጢኣት ዘለዎ ህይወት ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ መዓሙቝ ገሃነም ምዕላቡ ዘይተርፍዩ። ናይ ሓጢኣት ጸወታ ተበሪሁና ናብኡ ገጽና ኽንህንደድ ከለና፡ኣይፋልካን፡ ዘለኣለማዊ ህይወትን ዘለኣለማዊ ክብርን ዚጽበየካ ዘሎ ሰብ ኢኻ። ሓጢኣት ንኣኻ ኣይምጥነካንዩ። በዚ ረሳሕ ምርጫ ነፍስኻ ኣይተሕስርእናበለት ኣደብ ክንገብር ትረድኣና፡ መልሕቕ (ልጓም) ኰይና ቀጥ ኣቢላ ትዓግተና ተስፋያ። ተስፋ፡ ደልድልትን ጽንዕትን ፍትንትን መልሕቕ ምዃና፡ መንፈስ ቅዱስ ዝመስከረላ ክብርቲ መንፈሳዊት ንብረትያ።

እሞ ፈጺምና ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን ማለት ድዩ፧ ተስፋ ዚኸልእ፡ ንዅሉ ነገርካ ዜጸልምት ኵነታት ምስ ዜጋጥም ደኣ እንታይ ኢናንገብሮ፧ተስፋ ምቝራጽማለት፡ ቃል ብቓሉመንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻምማለትዩ። እቲ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት መጺኡ ኸይቈረጸካ ኸሎስ ባዕልኻ ርእስኻ ትቘርጽ ኣለኻ። ንምቝራጽ ዜሀውኽ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ንኽእል እንተ ዄንናስ ንርእስና ደኣ ንሓግዝምበር፡ ነቲ ንጕድኣትና ዝመጸ ፈታኒ ዅነታት ኣይንሓግዝ። ምቝራጽ ቀንዲ ሞያኡን ተልእኾኡን ስለ ዝዀነ ሓገዝና ፈጺሙ ኣየድልዮንዩ። ናትና ናይ ህይወት ተልእኾ፡ እቲ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት፡ ንርእሱ ተስፋ ኸም ዚቘርጽ ምግባር ጥራሕዩ። ብሓቂ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያ፡ ተስፋና ኣዝያ ሓያልን ድልድልትን ጽንዕትን ኣጽዋርያ። እቲ በቲኹ ናብ ባሕሪ ዝደርበያ ጉድ ዚኸደውንምበር፡ ነቲ ኣጽኒዑ ዝሓዘን ዝተጠቕመላንሲ፡ ተድሕኖምበር ኣይትጠልምን፡ ተመክሖምበር ኣይተሕፍሮን (ሮሜ 52,5) ናይ ተስፋ ኣድላይነት ዚጐልሕ፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ኵነታትዩ። ተስፋ ንዘይብሉ ዅነታት ክትስዕርን ከተሳግርን ዘይትኽእል ተስፋ፡ ፈጺማ ተስፋ ኣይኰነትን። እቲኣቦ እምነትዝተሰምየ ኣቦና ኣብርሃም፡ ናይ ሓቂ ግብራዊ ኣርኣያናዩ። ማህጸን ሳራ ቐደም ከም ዝሞተ ናቱ ሰብነትን ዓቕምን ድማ ቀደም ከም ዝጠለመ እናረኣየ፡ተስፋ ኣብ ዘይብሉ (ኵነታት) ብተስፋ ኣመነ” (ሮሜ 418-21) ነቲ ተስፋ ዚቝርጽ ኵነታት፡ ብተስፋ ሰዓሮ። ኣራዊት ኪውርወረካ ምስ ረኣኻ፡ ኣንቢርካዮ ዝነበርካ ኣጽዋርካ ደኣ ተልዕልምበር ኣብ ሽዑ በጺሕካ ኣብ ኢድካ ዝነበረ ኣጽዋር ኣይትድርብይን ኢኻ። ተስፋ ዘይብሉ ዅነታት፡ ብህይወት ከለና ኼጋጥመና ዚኽእል ዝኸፍአ ኣራዊትዩ። ነዚ ኣራዊት ኣጥፊኣ ንኣና እተድሕን እንኮ ኣጽዋር ድማ ተስፋ ጥራሕያ።

ሕጂ እንታይ ዚሓይሽ፧ መልሕቕ ዘይብላ መርከብ ወይከኣ ንመልሕቓ ዝረስዐትን ዘይትጥቀመሉን ብላሽ መርከብዶ ንኹን፡ ነቶም ዕድመና ምሉእ ዜጋጥሙና ህውከተኛ ማዕበላት እንታይ ንገብሮም፧ ቃል እግዚኣብሄር ኣለቢሙና ኣሎ። ንመልሕቕ ነፍስና ንጠቐመላ። ናብንደልያ ወደብ፡ ናብ ሰማያዊት ሃገር፡ ናብ ሰዓሪ ገንሸል ከተብጽሓናያ። ዝመጸ ንፋስ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ዚኽብክባ ብላሽ መርከብ ኣይንኹን። ብህያው ተስፋ ዝወለደና ደቂ ተስፋ ምዃንና ኣይንዘንግዕ (1ጴጥ 134 ገላ 428)!!  ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሓምለ 2024 |  30, 2016 ግዕዝ (መበል 43 ሰንበት: ቊ.፵፫/43)

ምስባክ

መዝ፻፵፮(፻፵፯)፡፰

ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና። ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር። ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር።”

“ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ኣብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡”

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 6፡7-ፍጻመ

ዲያቆን

ያእ 5፡12-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 27፡6-15

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 8፡1-21

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ዘኤጲፋንዮስ  |መዝሙር፦ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div