“ስለ’ዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ብግህዶ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣረጋገጸሎም። እምበኣር ንሕና በዘነ ክልተ ዘይልወጣ ነገራት፡ ማለት ተስፋኡን ማሕላኡን፡ ኣምላኽ ከኣ ብኣኣተን ኪሕስው ዘይከኣሎ፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምውራስ (ሃዲምና) ናብኡ ተማዕቍብና ዘለና፡ ነቕ ዘይብል (ብርቱዕ) ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። እዛ ተስፋ’ዚኣ ናይ ህይወትና መልሕቕ’ያ። (ተስፋና) ድልድልትን ጽንዕትን’ያ። ብመጋረጃ ሓሊፉ ኸኣ ናብ’ታ ውሽጣዊት መቕደስ እተብጽሕ’ያ። ኢየሱስ ድማ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ብምዃን፡ ምእንታና ቅድሜና ናብኣ ኣትዩ’ዩ። እብ 6፡17-20 ካ.ት
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እግዚኣብሄር ሰሪዑ ዝሃበና ሕገ ተፈጥሮን፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ መስከረም 25 ዘሎ ወርሓት፡ “ዘመነ ክረምት፡” ይብሃል። እዚ ነዊሕ ዘመነ ክረምት ድማ ናብ ንኡስን ክፍላተ ዘመናት ዝተኸፋፈለ’ዩ። እቲ ቐዳማይ ንኡስ ክፍለ ዘመን፡ ብኣቈጻጽራ ግእዛ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ ሓምለ 15 (ቂርቆስ) ዚዝርጋሕ ኰይኑ “ዘርአ፡ ደመና፡ ጠል” ይብሃል። እዚ ዕለት’ዚ ቐዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትዩ። ካብ ጽባሕ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጀሚርና ኣብ ጾመ ሃዋርያት ተጸሚድና ኸም ዘለና ኸኣ ዚፍለጥ’ዩ። ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ጾመ ሃዋርያት፡ ሓጻር ናይ 19 መዓልታት ጾም ጥራሕ፡ያ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተደርሰ መዝሙር፡ “ድምፀ እገሪሁ ለዝናም” ዝብል ኰይኑ፡ ንእኡ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ኰነ ምስባኽ፡ ኵሎም ዝናም-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም። ኣርባዕቲኦም ወቕትታት ናይ ዓመት፡ እግዚኣብሄር በቲ መስተንክር ጥበቡን ከኣልነቱን ዝሰርዖም’ዮም። ጊዜኦም ከየሕለፉ ብትኽክል ኣብ’ቲ ዝተሰርዓሎም ጊዜ ይኽሰቱ። ዓይነትን መኣዝንን ናይ ንፋሳት ይለዋወጡ። ናይ መዓልቲ ዀነ ናይ ለይቲ ምናሕን ምሕጻርን ርኡይ ለውጢ ይገብር። ጠልን ድርቀትን ዛሕልን ሙቐትን ናይ ኣየር’ውን ከምኡ ይለዋወጥ። ንምድሪ ስሩዕ ኣብ ዝዀነ እዋናት ናብ ዝተፈላለየ መኣዝን ከም ትቐንን እናገበረ፡ ነቲ ወቕትታት ይለዋውጦ። ከምኡ እናገበረ ብጥበቡ እንተ ዘየናብረና፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ፍጡር ኣይምሃለወን። “ወቕትታትን ኵነታት ኣየርን እንተ ዘይለዋወጥ ነይሩ እንታይ ምዀንና፧ ኢልና ንሕሰብ። እቶም ኣብ ዓዲ በረድ፡ ‘ንነብር ዝዀነ ለውጢ ዘይብሉ ዓመት ምሉእ ውርጭን በረድን እንተ ዚኸውን መን ብህይወት ምተረፈ፧ ዝናም ዘይርከቦ ደረቕ ኵነታት ሃልዩ ዅሉ ጊዜ ሓጋይ እንተ ዚኸውን ዋላ’ውን ዓመት ምሉእ ከየቋረጸ እናዘነመ፡ ኵሉ ጊዜ ክረምቲ እንተ ዚኸውን መን ኪነብር ምኸእለ፧ ብኸኣልነቱን ሕያውነቱን ብዝሰርዓልና ወቕትታት ግን፡ ኣብ ክረምቲ ብዝናሙ ኣብቍሉ ናብ ፍረ ምስ ኣብጽሖ፡ ብጸሓይ ኣድሪቑን ኣብሲሉን ኣብ ጊዜ ቐውዒ ፍርያትና ኣኪብና ዓመት ምሉእ ከም ንቕለብ ይገብረና።
ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ነቲ ወቕትታት ባዕላ እንተ ዘይሰርዓቶ’ኳ’ምስ’ቲ ወቕቲ ዚኸይድ መሃሪ መደባት እናሰርዐት፡ ነቲ መስተንክር ስራሕ ናይ ኣምላኽ ንኸነስተውዕሎ፡ ከነመስግነሉ፡ ኣብ ኣምላኽ ክንውከለሉ፡ ካብኡ ሓሊፍና’ውን ካብ’ቲ ተፈጥራውን ባህርያውን ፍጻመታት ንመንፈሳዊ ህይወት ዚጠቅም ትምህርት ኽንቀስመሉ እንኽእል ግሩም ስርዓተ ኣምልኾ ሰሪዓትልና ትርከብ። ስለ’ዚ ብድርብ ጸጋ ተባሪኽና ኣለና ማለት’ዩ። ቐዳማይ ጸጋና፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኸኣልነቱን ብሓያውነቱን ዝሰርዓልና ጸጋ-ተአጥሮ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይን ዝዓበየን ጸጋ ድማ እዚ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ሰሪዓትልና ዘላ መንፈሳዊ ስርዓተ ኣምልኾ’ዩ። ከም’ቲ በዚ ጸጋ-ተፈጥሮ’ዚ ንጥቀምን ብህይወት ንነብርን ዘለና፡ ናይ’ቲ ምስ ጸጋ ተፈጥሮ ተዛሚዱ ዝተሰርዓልና መኣዲ መንፈሳዊ ጸጋ ተጠቀምቲ ምዃንና፡ ንመንፈሳውነትና ብእኡ ንምግቦን ነሐይሎን። ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር ብመገዲ ተፈጥሮ ዝሃበና ጸጋኡ’ውን ነድንቖን ንውድሶን ነመስግኖን ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግብኣና’ዩ። ህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ጸጋ ተፈጥሮ ዝዀነ ዓይነት ጦብላሕታን ተመስጦን ምስጋናን ዘይብሎም ደረቕ ህዝቢ ዀይኖም ምስ ኣጕሃይዎ፡ ኵሉ ኸሊኡ ብሕሱም ደርቂ ቐጽዖም። እቲ ብፍቁር ባርያኡ ብነብዩ ኤርምያስ ዝለኣኸሎም ናይ ተግሳጽ ቃል፡ ንኣና’ውን እግዚኣብሄር ካባና እንታይ ከም ዚጽበይ ዓብይ ትምህርቲ የቕስመና’ዮም’ሞ፡ ብምስትውዓል ነንብቦ።
“እዚ ንደቂ ያእቆብ ኣውርዩሎም፡ ንህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንገርዎም፡ ከምዚኸኣ በልዎም። ‘ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፡ ዓይኒ ኸለዎም ዘይርእዩ፡ እዝኒ ኸለዎም ድማ ዘይሰምዑ፡ ዓያሱ ህዝቢ፡ እዚ ስምዑ። ኣነ እግዚኣብሄር’የ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትፈርሁኒ፧ ስለምንታይከ ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ዘይትብሉ፧ ብሑጻ ገይረ ንባሕሪ ደረት፡ እወ፡ ንዘለኣለም ኪሰግሮ ዘይክእል ደረት ገበርኩሉ። እቲ ባሕር ማዕበሉ እንተ በርትዐ’ኳ ኣይሓልፎን፡ እንተ ሃጸፈ’ውን ከቶ ኣይሳገሮን’ዩ። ንስኻትኩም ግና ኣቱም ህዝቢ እምቢተኛታትን ዓለወኛታትን ኢኹም። ንድሕሪት ተመሊስኩም ሓዲግኩምኒ ኸደኩም። በብጊዚኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን’ኳ እንተ ሃብኩኹም፡ ምዱብ ሳምንታት ቀውዒ’ውን እንተ ሰራዕኩልኩም፡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም (ብዛዕባኡ) ኣየኽበርኩምንን። (ሕጂ ግና)፡ ኣበሳኹም ነዚ ኸልካሊ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቑ ኣኽልኣኩም።”
እግዚኣብሄር ነዚ ሃይለ ቃል’ዚ ዝተዛረቦ፡ ነቲ ዘውሓዘሎም ጸጋ ተፈጥሮ ተዓዚቦም ንሕያውነቱን ንመጋብነቱን ዚምጥን ክብሪ ስለ ዘይሃብዎ’ዩ። እዚ ዅሉ እናተቐበሉ፡ ንእኡ ዚኸውን ጥር ‘ትብል ፍርሃት ኣምላኽ ኣይነበሮምን። ብኣንጻሩ ብሓጢኣቶም ላሕ ኣበልዎ። ስለ’ዚ ነቲ ብሕያውነቱ ዚህቦም ዝነበረ ኵሉ ኸልኦምን ከልከሎምን፡ ንሕናኸ ካብ’ዚ ናታቶም ዚሓይሽ ታሪኽ ኣሎናዶ፧ ብምኽንያት’ቲ እንረኽቦ ጸጋ ተፈጥሮ ነቲ ወሃቢና ኣምላኽ ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ነኽብሮዶ፧ ናይ’ዚ ፈሊምናዮ ዘለና ዘመነ-ክረምት መንፈሳዊ መልእኽቲ’ምበኣር፡ እዚ’ዩ።
ኣብ ዘመነ-ክረምት ብዛዕባ ተስፋ ኽንመሃር ዘድለየሉ ምኽንያት ግን እንታይ’ዩ፧ ንምዃኑኸ ተስፋ እንታይ ማለት’ዩ፧ ምድሪ ብዝናም ከም ‘ትጠልልን ‘ትልምልምን፡ ህይወትና ድማ ብተስፋ’ያ ‘ትልምልም። ተስፋ ዘይብሉ ሰብን፡ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ዘሎ ደረቕ መሬትን ድማ ሓደ’ዮም። ምድሪ ዜለምልማ ዝናም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ከም ‘ትረክብ፡ ንወዲ ሰብ ዜለምልምን ፈራዪ ዚገብሮን ተስፋ ድማ ካብ ኣምላኽ ጥራሕ’ዩ ዚርከብ። ስለ’ዚ ኸም’ቲ ብዛዕባ ምድራዊ ህላወና ኣብ ዝናም ክረምቲ ‘ንግደስ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ህላወና ድማ ኣብ ተስፋ ኣምላኽ ክንውከልን ክንግደስን ናይ ግድን’ዩ። መሰረት ህላወና፡ ተስፋ ኣምላኽ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ’ዩ እግዚኣብሄር ማእለያ ዘይብሉ ተስፋታት ዜውሕዘልና። ንሰብን ንኣምላኽን እተራኽብን እተዛምድን መንፈሳዊት ድንድል፡ እምነት’ያ። እምነት ግን ካብ ባዶ፡ ካብ ዘየለ ነገር፡ ኣይትበቝልን’ያ። መበቈል እምነት፡ እቲ እግዚኣብሄር ዚህበና ቃል ተስፋ’ዩ። እግዚኣብሄር ተስፋ እንተ ዘይህብ ግን ነየናይን ንምንታይን’ሞ ኽንኣምን ኢና፣ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ እምነት ትርጕም ወይ መግለጺ (Definition) ኺህብ ከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ትርጕም፦
“እምነት ግና፡ ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይ’ቲ ዘይረኣይ ነገር ምርዳእ’ያ።” ኣብ ካልኣይ ትርጕም ድማ፡ “እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም ‘ንረኽቦ ዜረጋግጽ፡ እቲ ዘይረኣይ ነገር ከኣ ከም ዘሎ ዜረድእ’ዩ።” ብምባል ኣብሪሁልና ኣሎ (እብ 11፡1)። ተስፋ ማለት’ምበኣር፡ ሕጂ ኣብ ኢድካ ዘየለ ዘይረኸብካዮ፡ ግን ከኣ ከም እትረኽቦ ከም ዚወሃበካ ዝተነግረካ ቓል ማለት’ዩ። ብዛዕባ ውሁብ ነገር፡ ተስፋ ኣየድልየካን’ዩ። ተስፋ ኵሉ ጊዜ ብዛዕባ ዘየለን ዘይረኣይን ነገር’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦
“. . . ነቲ ዚረኣይ ተስፋ ምግባር ተስፋ ኣይኰነን። ነቲ ዚርእዮ ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ፧ ነቲ ዘይንርእዮ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና ብትዕግስቲ (ብእምነት) ንጽበዮ ኢና።” “እቲ ዚረኣይ ሓላፊ’ዩ፡ እቲ ዘይረኣይ ግና ዘለኣለማዊ’ዩ። ንሕና (ብክርስቶስ ዝኣመንና ክርስትያን) ከኣ፡ ኣብ’ቲ ዚረኣይ ዘይኰነስ፡ ኣብ’ቲ ዘይረኣይ ኢና ‘ንጥምት ዘለና።” ብምባል ነቲ መንፈሳዊ ሓቂ ኣግሂጹልና ኣሎ (ሮሜ 8፡24,25 ካ.ት ፣ 2ቈረ 4፡15 ካ.ት)። ስለ’ዚ ተስፋ ንኽንገብር ገለ ዚረኣይ ምልክታት ወይ ጭብጥታት ንደልይ እንተ’ሊና፡ ሽዑ ኻብ’ቲ ናይ ተስፋ ዓውዲ ወጺእና፡ ኣብ ካልእ ዓለም ኣቲና ንዅብልልን ንህውትትን ኣለና ማለት’ዩ። እቲ ወንጌል-ተስፋ ሰቢኹ እምነት ኪተክል ዝተሓርየ ሃዋርያ ቶማስ፡ “ብዓይነይ ከይረኣኹ፡ ብኢደይ ከይዳህሰስኩ ኣይኣምንን’የ ብዝዓይነቱ ኣዘራርባ ድርቕ ምስ በለ፡ ናብ ልቡ ናብ’ቲ ግቡእ ሓዲድ ናይ ክርስትና ኺመልሶ ጐይታና ተገልጸሉ’ሞ፦
“. . . ኣማኒ’ምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ . . . ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን’ዮም።” ብምባል ገንሖ (ዮሃ 20፡24-29)። ንርእሱ ኣማኒ ዀይኑስ ኣብ ህዝብታት ዓለም እምነት ኪተክል ዝተሓርየ ሃዋርያ፡ ንርእሱ ናብ ዘይኣምን ሃዋርያ እንተ ተለዊጡ፡ ጐይታ ማዕረ ኽንደይ ከም ዚሓዝን ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ “ተስፋ ኣሎኒ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃበ ኣምላኽ እኣምኖ’የ” ዚብል ክርስትያን፡ ኣብ ብዓይኒ ዚረኣይን ኣብ ውሁብን ተስፋ ኣይምርኰስን’ዩ። ብምርኣይ ምእማን፡ ዓንቃፊ’ምበር ሓጋዚ ኣይኰነን፡ ንጉስ ሰለሞን ነዚ ሓቂ’ዚ ዜብርህ፡ “ንንፋስ ዚምለከት ኣይዘርእን፡ ንደበና ዚጥምት ድማ ኣይዓጽድን’ዩ” ዚብል ቃል ጽሒፉልና ኣሎ (መክ 11፡4)። እቶም ዝናም ሓዚሎም ዚመጹ ንፋሳት ኪነፍሱ እንተ ዘይረኣየ፡ “ከይዘነመ እንተ ተረፈኸ፧ ነዘን ዘርኣይ ኣብ ምድሪ ኣፍሲሰዶ ባዕለይ ክኸስረን’የ” ኢሉ ዚጠራጠር ሓረስታይ፡ ኣብ’ቲ ዜዝንም ኣምላኽ ተስፋን እምነትን ስለ ዘይብሉ ኢዱ ኣጣሚሩ’ዩ ዀፍ ዚብል። ደበና ኺደባነው ዝረኣየ ሓረስታይ ድማ ነዘን እኽሊ ዓጺደ ምስ ኣከብክወን፡ ዝናም መጺኡ ኼብላሽወለይ’ዩ፧ ኢሉ ስለ ዝፈርህ እኽሉ ኸይዓጸደ ይተርፍ። እዞም ሓረስቶት’ዚኣቶም፡ እቲ ኪገብርዎ ዚግብኦም ካብ ምግባር ዝበዀሩ፡ በቲ ዚርእይዎ ዅነታት ኣየር ስለ ዝተመርሑ’ዮም። ሰለስተ ነገስታት ምስ ኣእላፋት ሰራዊቶም ብስእነት ማይ ተሸጊሮም ፍታሕ ደልዮም ናብ ነብዪ ኤልሳእ ምስ ከዱ ንሱ ድማ ከም’ዚ ዚስዕብ ኣዘዞም።
“ኣብ’ዚ ንቑጽ ርባ’ዚ ጐዳጕዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዀዓቱ። ንፋስ ኣይክትርእዮን፡ ዝናም’ውን ኣይክትርእዮን ኢኹም፡ እዚ ርባ’ዚ ግና ባዕሉ ማይ ኪመልእ’ዩ’ሞ፡ ንስኻትኩምን ከብትኹምን መጽዓኛኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።” (2ነገ 3፡16,17 ካ.ት)።
ብዓይኒ ኣብ ዚረኣይ ነገራትን ኵነታትን ጥራሕ ተስፋ ዚገብርን ዚኣምንን ሰብ፡ ነዚ ናይ ነብዪ ኤልሳእ ትእዛዝ ኪፍጽሞ ኣይክእልን’ዩ። “ከይረኣኹ ኣይትስፈውን ኣይኣምንን ከኣ’የ” ዚብል መርገጺ ዘለዎ ሰብ፡ ይረድኣዮ ኣይረድኣዮ፡ “ገለ መረጋገጺ ወይ ጭብጢ ከይረኸብካሉ፡ ንኣምላኽ ክትኣምኖ ኣጸጋሚ’ዩ” ዚብልን ንኣምላኽ ዜዋርድ መልእኽቲ’ዩ ዜመሓላልፍ። እግዚኣብሄር ንዘይኣምኑ ሰባት ንዘለኣለማዊ ስቓይ ናይ ቀላይ ሓዊ ዚድርብየሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ክሳዕ ዘለና ንኣምላኽ ዜኽብር መንፈሳዊ ህይወት፡ ብሞት ይኹን ብምጽኣት ምስ ገዓዝና ኸኣ ኣብ ሰማያት ዘለኣለማዊ ህይወትን ክብርን ዜውሕሰልና ተስፋ ኣምላኽ ምዃኑ ንሓንቲ ኻልኢት’ኳ ክንዝንግዖን ክንጠራጠሮን ኣይግባእን’ዩ።
ብዛዕባ ኣየናይ ተስፋ ኢና ንዛረብ ዘለና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዚገልጸልና ዅሎም ተስፋታት ኣምላኽ ማለትና ድዩ፧ ተስፋታት ኣምላኽ ብዓይነቱ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። ገሊኡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ዝተነግረ’ዩ። ገሊኡ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ዝተነግረ’ዩ። ገሊኡ ድማ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ዅሉ ፍጥረት ሰብ ዝተዋህበ’ዩ። ኣብ ዓይነት ናይ’ቲ ተስፋ ድማ ኣብ’ዛ ምድሪ ዚፍጸም ተስፋ ዀይኑ፡ ገሊኡ መንፈሳዊ፡ ገሊኡ ኸኣ ስጋዊ ተስፍታት’ዩ። ገሊኡ ተስፋታት ድማ ሰማያዊ፡ ማለት ኣብ ሰማይ ዚፍጸም ተስፋ ዀይኑ ኵሉ ጊዜ መንፈሳዊ ተስፋ’ዩ። ንኣብነት ነቦና ኣብርሃም ምድሪ ኸንኣንን ንእኡን ንዘርኡን ርስቲ ገይሩ ኸም ዚህቦ ዝነገሮ ተስፋ፡ ብዘይካ ንእኡን ንዝርኡን ንዋላ ሓደ ኻልእ ኣይምልከትን’ዩ። “እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰፈረ ተስፋ’ዩ” ኢልካ፡ ምድሪ ኸናን ክትርስተይ ምትስፋው ፈጺምካ ዘይከኣል’ዩ። እዚ ተስፋ’ዚ ነቶም ኣብርሃም ካብ ኣጋርን ካብ ቄጡራን ዝወለዶም እስማኤልን ካልኦትን’ኳ ፈጺሙ ኣይምልከቶምን’ዩ። እዚ ተስፋ’ዚ ነቶም ካብ ይስሃቅ ኰይኖም ካብ ያእቆብ ንዝተወልዱ ዘርኢ ኣብርሃም ጥራሕ ዚምልከት’ዩ። ዋላ’ቲ ብዛዕባ ውሉድ ምርካብ ዝተዋህቦ ተስፋ’ውን ንዅሉ ሰብ ዝተዋህበ ተስፋ ኣይኰነን። ብዛዕባ ከኣልነትን እሙንነትን ናይ እግዚኣብሄር ዓብይ እምነት ኪህልወና ንእኡ መሰረት ጌርና’ውን ብጸሎት ንኽንተግህ ይድግፈና’ዩ። እግዚኣብሄር “ውሉድ ክህበካ’የ” ኢሉ ንኣና ኸም ዝሃበና ተስፋ ጌርና ኽንወስዶ ግን ኣይግባእን’ዩ። ብዘይተዋህበካን ብዘይተነግረካን ተስፋ ምእማን፡ ከይተፈጸመ ምስ ተረፈ ንኣምላኽ ከም ጠላሚ ኸም ዘይእሙን ጌርካ ናብ ምድምዳም ዜጽድፍን ካብ እምነትካ ዚዕንቅፍን ኣካይዳ ስለ ዝዀነ ኽንጥንቀቐሉ’ዩ ዚግባእ። ብዛዕባ ኽንረኽቦ እንደልይ ነገር ብኣጽንዖት ክንጽልይ ዚሕግዘና፡ ናይ ምስክር ደበና ዀይኑ ዜገልግለና ምዃኑ ግን ፈጺምና ኽንጠራጠሮ ኣይግባእን’ዩ። (እብ 12፡1)። ምኽንያቱ ዅሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻመታት ንተስፋን ንትምህርትን ኪዀነና ኸም ዝተጻሕፈልና፡ ብንጹር ተነጊሩና’ዩ (ሮሜ 15፡4 ፣ 1ቈረ 10፡6,11)። ዋላ ፈልዩ ብስምና ዝተነግረ ተስፋ ኣይሃልወና፡ በቲ ኣብ ቅዱሳት ዝገበሮ ዅሉ፡ ተስፋናን እምነትናን ኣዕቢና ብጸሎት ኣበርቲዕና ኽንጋደል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣትው መንፈሳዊ ሓላፍነትናን ግዴታናን’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ናይ ቃል እግዚኣብሄር ተስፋታት ሒዝና ብዛዕባ ስጋዊ ዀነ መንፈሳዊ ድልየታትና፡ ብእምነት ንጋደልን ንጽበይን ምህላውና ኸነረጋግጽ ይግባእ።
ናይ ወልቀ ሰብ ይኹን ናይ ህዝቢ ስም ከይፈለየ ዝተዋህበ ተስፋታት ግን ምእለያ የብሉን። ጸሎት ሰሚዑ ዚምልስ ምዃኑ፡ እሙን ሓላዊ፡ ረዳኢ፡ መራሒ፡ መጋቢ፡ መድሓኒ ወዘተ ዝኣመሰለ ባህርዩን ግብርታቱን ግን፡ ብኣርኣያ ስላሴ ንዝተፈጥረ ዅሉ ሰብ ዝተዋህበ ተስፋ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተዋህቡ ኣብ ምድሪ ዚፍጸሙ ዀነ ኣብ ሰማይ ዚፍጸሙ መንፈሳውያን ተስፋታት፡ ዝዀነ ክርስትያን ኪጠራጠረሎም ዘይግባእ፡ ብሶላን (Compass) መልሕቕን (Anchor) ናይ ህይወቱ’ዮም። ብክርስቶስ ንዝኣመነ ዅሉ፡ ጸጋ፡ ንስሓ ሕድገት ሓጢኣት፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ሰማያዊ ርስቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ተስፋታት፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኽንጠራጠረሎም ዘይግባእ፡ ውሁባትን ጭቡጣትን ተስፋታትና’ዮም። እዚ ተስፋታት’ዚ እኝተ ዘይብልካን፡ ህይወትካ በዚ ተስፋታት’ዚ ዘይትምእዘን እንተ’ልያን፡ ብመሰረቱ’ውን ክርስትያን ከም ዘይኰንካ’ዩ ዜመልክት። ከም’ቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ምእንቲ ምድራውን ስጋውን ተስፋታት ኢልካ ንክርስቶስ ምስዓብ፡ ዜደንግጽ ፍጥረት ዚገብር ከቢድ መንፈሳዊ ፍዅስትን ስንክልናን’ዩ። ሰይጣን ብዘይ ዝዀነ ጻዕርን ብልሓትን፡ ብቐሊሉ ብሓጢኣት ዜጋዕዝየናን ዜነውረናን ዘሎ’ኮ፡ ተስፋ ኣምላኽ ዘይመልአን ዘይለበሰን፡ ብመንፈሳውነት ባዶን ዕሩቕን ህይወት፡ ንመርሕ ስለ ዘለና’ዩ. ቅዱስ ጳውሎስ፦
“እምበኣርከ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ (ዅሉ ተስፋታት’ዚ ኻብ ዚህልወናስ ካብ’ቲ ንስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ (ሓጢኣትን ፍትወትን) ርእስና ነንጽህ። ንኣምላኽ እናፈራህና ኸኣ ብቕድስና ፍጹማት ንኹን።” ብምባል ናይ ህላወ ተስፋ ረብሓታት ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ (2ቈረ 7፡1 ፣ 1ዮሃ 3፡3 ካ.ት)። ብመሰረቱ’ውን “ብተስፋ ኢና ዝደሓንና” ተባሂሉና’ዩ (ሮሜ 8፡24 ካ.ት)። ተስፋ፡ ናይ ህይወትን ድሕነትን ጕዳይ’ምበር፡ ናይ ዝደለኻዮ ነገራት ምርካብን ምስኣንን ጕዳይ ኣይኰነን።
ተስፋ፡ ብመልሕቕ ዝተመሰለትሉ ምኽንያት እንታይ ኰን’ዩ፧ ንምዃኑኸ መልሕቕ እንታይ ማለት’ዩ፧ መልሕቕ፡ ኣገዳሲ ኣካል ናይ መርከብ’ዩ። መልሕቕ፡ ናይ መርከብ ልጓም’ዩ (Brake, ፍሬኖ)። መርከብ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ደው ከተብላን ኣብኡ ኽትጸንሓልካን እንተ ደሊኻ፡ መልሕቕ ናይ’ታ መርከብ ኢኻ ተውርድ። መልሕቕ ንዕብየትን ክብደትን ናይ’ታ መርከብ ዚምጥን ክብደት ዘለዎ ግጹፍን ከቢድን ሓጺን’ዩ። ክልተ በላሕቲ ጫፋት ዘለዎ ዀይኑ ኣብ’ቲ መሬት ምስ ዓለበ፡ በቲ ብልሑ ነኺሱ ስለ ዚሕዝ ነታ መርከብ ከይትንቀሳቐስ ኣጽኒዑ ይሕዛ። ደው ኬብልዋ እንተ ደለዩ፡ ነቲ መልሕቕ ምስ’ታ መርከብ ብዝተተሓሓዘ ጽኑዕ ሰንሰለት የውርድዎ፡ ነታ መርከብ ኬንቀሳቕስዋ ምስ ዚደልዩ ድማ በቲ ዘውረደሉ ሰንሰለት ስሒቦም ይሰቕልዎ። ማዕበላዊ ንፋሳት ናብ ዘይተደላዩ መኣዝን ከይወስዳን፡ ምስ ገለ ነገር ኣጋጭዩ ኸየጥሕላን ምስ ዚሰግኡ በቲ መልሕቕ ልጓም እናገበሩ፡ እቲ ማዕበል ከም ፍቓዱ ኸይጻወተላ ይከላኸልዎ (ግብ 27፡13-20,27-30,38-40)። ብዘይ መልሕቕ ኣብ ወደብ ባጽዕ ዝሓደግካያ መርከብ፡ ንጽባሒቱ ንቐይሕ ባሕሪ ሰንጢቓ ኣብ ወደባት ስዑድያን ከተዕገርግርን ስግኣት ፈጢራን ክትጸንሓካ ትኽእል’ያ። ብዘይ ተስፋ ኣብ ወደባት ቤተ ክርስትያን ዝሓደግናያ ነፍሲ ክርስትያን ድማ፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ወደባትሲ ሲኦልን ገሃነምን ዓለባ ኽትጸንሓና ትኽእል’ያ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንእምነትና ብመርከብ ምምሳሉ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምግላጽ’ዩ (1ጢሞ 1፡18,19)። እዛ ንነብረላ ዘለና ዓለምን እዛ ንነብራ ዘለና ህይወትን ድማ ብማያት፡ ማለት ብባሕርታትን ብውቅያኖሳትን ክትምስል ግቡእን ብቑዕን መግለጺ’ዩ። ግደ ሓቂ ድማ፡ ኣብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ካብ ዚረኣይ ማዕበላት ንላዕሊ፡ ኣብ ህይወት ውልቀ ሰባት ዚኽሰት ማዕበላት ከም ዚበዝሕን ከም ዚኸብድን፡ ዝዀነ ዜጠራጥር ምኽንያት የልቦን። ቅዱስ ዳዊት ንናብራኡን ነቲ ዚሓልፎ ዅሉ ዅነታትን ብማያትን ብማዕበላትን ይገልጾ ኸም ዝነበረ፡ ካብ’ቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝደረሶ መዝሙራቱ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና (መዝ 69፡2,14,155 )። እቲ ኣዝዩ ዜገርም ከኣ፡ ብዛዕባ ተስፋ ዝበዝሐ ዝጸሓፈን ዝዘመረን ሰብ፡ ንጉስ ዳዊት ምዃኑ’ዩ (መዝ 39፡7 ፣ 71፡4-5 ፣ 119፡116)። ዋላ ኣብቲ ኣዝዩ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታቱ፡ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ምስ ኣምላኹ ጠቢቑ ኺነብር ‘ተኽእሎ ዝነበረት፡ ተስፋኡ’ያ። ስለ’ዚ እቲ ንውሽጡ ዝመልአ ተስፋታት ኣምላኽ ናይ ብሓቂ መልሕቕ ህይወቱ’ዩ ዝነበረ።
ንኣና’ውን ካብ’ዚ ዝተፈልየ፡ ኻልእ ህይወትን ታሪኽን ኪህልወና ኣይግብኦን’ዩ። ኣብ’ዛ ብእልፊ ማዕበላት እትናወጽ ዓለምን ህይወትን መልሕቕ ነፍስና ዀይና፡ ናብ’ታ ሰማያዊት ሃገርና፡ ናብ ሕቝፊ ጐይታና እተብጽሓና፡ እታ ብኣምላኽን ኣብ ኣምላኽን ዘላትና ተስፋ ጥራሕ’ያ። እዛ ምድራዊት ህይወትና፡ ብዓይነቱ ዀነ ብቝጽሩ ከቢድን ብዙሕን ብዝስቀ ፈተናታት ክትናወጽ ከላ፡ በታ መልሕቕ ነፍስና ዝዀነት ተስፋ ኢና ብዓወት ክንወጽእን ክንድሕንን እንኽእል። ናይ ማዕበላት ዕላማ፡ ኣብ ሓጢኣት ንኼጥሕለና’ዩ። ናይ ተስፋ ዕላማ ኸኣ ካብ ሓጢኣትን ኽንነጽህ’ዩ። እቲ ኣቐዲምና ዘንበብናዮ ናይ 2ቈረ 7፡1 ፣ 1ዮሃ 3፡3 ጥቕስታት ኣይንረስዕ። ኣብ’ቲ ኣብ ማይ ዚጠልቕ ኣካል ናይ መርከብ፡ ዋላ ኽንዲ ንእሽቶ ምስማር እትኸውን ቀዳድ እንተ’ልያታ፡ ብቕልጡፍ እንተ ዘይተጸጊና፡ ናይ ጊዜ ጕዳይ’ዩ’ምበር፡ ምጥሓላ ፈጺሙ ዘይተርፍ’ዩ። ሓጢኣት ዘለዎ ህይወት ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ መዓሙቝ ገሃነም ምዕላቡ ዘይተርፍ’ዩ። ናይ ሓጢኣት ጸወታ ተበሪሁና ናብኡ ገጽና ኽንህንደድ ከለና፡ “ኣይፋልካን፡ ዘለኣለማዊ ህይወትን ዘለኣለማዊ ክብርን ዚጽበየካ ዘሎ ሰብ’ኮ ኢኻ። ሓጢኣት ንኣኻ ኣይምጥነካን’ዩ። በዚ ረሳሕ ምርጫ’ዚ ነፍስኻ ኣይተሕስር” እናበለት ኣደብ ክንገብር ትረድኣና፡ መልሕቕ (ልጓም) ኰይና ቀጥ ኣቢላ ትዓግተና ተስፋ’ያ። ተስፋ፡ ደልድልትን ጽንዕትን ፍትንትን መልሕቕ ምዃና፡ መንፈስ ቅዱስ ዝመስከረላ ክብርቲ መንፈሳዊት ንብረት’ያ።
እሞ ፈጺምና ተስፋ ኽንቈርጽ የብልናን ማለት ድዩ፧ ተስፋ ዚኸልእ፡ ንዅሉ ነገርካ ዜጸልምት ኵነታት ምስ ዜጋጥም ደኣ እንታይ ኢና ‘ንገብሮ፧ “ተስፋ ምቝራጽ” ማለት፡ ቃል ብቓሉ “መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም” ማለት’ዩ። እቲ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት መጺኡ ኸይቈረጸካ ኸሎስ ባዕልኻ ርእስኻ ትቘርጽ ኣለኻ። ንምቝራጽ ዜሀውኽ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልናን። ንኽእል እንተ ዄንናስ ንርእስና ደኣ ንሓግዝ’ምበር፡ ነቲ ንጕድኣትና ዝመጸ ፈታኒ ዅነታት ኣይንሓግዝ። ምቝራጽ ቀንዲ ሞያኡን ተልእኾኡን ስለ ዝዀነ ሓገዝና ፈጺሙ ኣየድልዮን’ዩ። ናትና ናይ ህይወት ተልእኾ፡ እቲ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት፡ ንርእሱ ተስፋ ኸም ዚቘርጽ ምግባር ጥራሕ’ዩ። ብሓቂ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያ፡ ተስፋና ኣዝያ ሓያልን ድልድልትን ጽንዕትን ኣጽዋር’ያ። እቲ በቲኹ ናብ’ቲ ባሕሪ ዝደርበያ’ዩ ጉድ ዚኸደውን’ምበር፡ ነቲ ኣጽኒዑ ዝሓዘን ዝተጠቕመላንሲ፡ ተድሕኖ’ምበር ኣይትጠልምን፡ ተመክሖ’ምበር ኣይተሕፍሮን’ያ (ሮሜ 5፡2,5) ናይ ተስፋ ኣድላይነት ዚጐልሕ፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት’ዩ። ተስፋ ንዘይብሉ ዅነታት ክትስዕርን ከተሳግርን ዘይትኽእል ተስፋ፡ ፈጺማ ተስፋ ኣይኰነትን። እቲ “ኣቦ እምነት” ዝተሰምየ ኣቦና ኣብርሃም፡ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ግብራዊ ኣርኣያና’ዩ። ማህጸን ሳራ ቐደም ከም ዝሞተ ናቱ ሰብነትን ዓቕምን ድማ ቀደም ከም ዝጠለመ እናረኣየ፡ “ተስፋ ኣብ ዘይብሉ (ኵነታት)፡ ብተስፋ ኣመነ” (ሮሜ 4፡18-21)። ነቲ ተስፋ ዚቝርጽ ኵነታት፡ ብተስፋ ሰዓሮ። ኣራዊት ኪውርወረካ ምስ ረኣኻ፡ ኣንቢርካዮ ዝነበርካ ኣጽዋርካ ደኣ ተልዕል’ምበር ኣብ ሽዑ በጺሕካ ኣብ ኢድካ ዝነበረ ኣጽዋር ኣይትድርብይን ኢኻ። ተስፋ ዘይብሉ ዅነታት፡ ብህይወት ከለና ኼጋጥመና ዚኽእል ዝኸፍአ ኣራዊት’ዩ። ነዚ ኣራዊት’ዚ ኣጥፊኣ ንኣና እተድሕን እንኮ ኣጽዋር ድማ ተስፋ ጥራሕ’ያ።
ሕጂ’ሞ እንታይ’ዩ’ቲ ዚሓይሽ፧ መልሕቕ ዘይብላ መርከብ ወይ’ከኣ ንመልሕቓ ዝረስዐትን ዘይትጥቀመሉን ብላሽ መርከብዶ ንኹን፡ ነቶም ዕድመና ምሉእ ዜጋጥሙና ህውከተኛ ማዕበላት እንታይ ንገብሮም፧ ቃል እግዚኣብሄር ኣለቢሙና ኣሎ። ንመልሕቕ ነፍስና ንጠቐመላ። ናብ’ታ ‘ንደልያ ወደብ፡ ናብ’ታ ሰማያዊት ሃገር፡ ናብ’ቲ ሰዓሪ ገንሸል ከተብጽሓና’ያ። ዝመጸ ንፋስ ናብ ዝደለዮ መኣዝን ዚኽብክባ ብላሽ መርከብ ኣይንኹን። ብህያው ተስፋ ዝወለደና ደቂ ተስፋ ምዃንና ኣይንዘንግዕ (1ጴጥ 1፡34 ፣ ገላ 4፡28)!! ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
7 ሓምለ 2024 | ሰነ 30, 2016 ግዕዝ (መበል 43 ሰንበት: ቊ.፵፫/43) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፵፮(፻፵፯)፡፰ ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና። ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር። ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ አድባር።” “ነቲ ንሰማያት ብደበና ዜጐልብብ፡ ንምድሪ ዝናም ዜዳሉ፡ ኣብ ኣኽራን ሳዕሪ ዜብቊል፡” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
እብ 6፡7-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
ያእ 5፡12-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 27፡6-15 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 8፡1-21 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ዘኤጲፋንዮስ |መዝሙር፦ ደምፀ እገሪሁ ለዝናም |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ