"እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን’ሞ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ።" እብ 11፡13 (ሮሜ 4፡18-20)
ዝኾነ ፍጡር ብሰላም ክድቅስ ዘይደልን ዘይምነን የልቦን። ዘየደቅስ ኩነታት እናሃለወ ከሎ ግና፥ ክድቅስ ዝኽእል የልቦን። ናይታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ኩነታት’ውን፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ከደቅሰና ዝኽእል ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ንሳ እዛ ቅድስቲ ዝኾነት ቤት፥ ሰላምን ቅሳነትን ከይረኸበት ከኣ፥ ንሕና እቶም ብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማህጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ሰላም ረኺብና ድቃስ ክወስደና ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ንዓና ነቶም ኦርቶዶክሳውያን፥ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ ነገር፥ ቅድሚት ንሰርዖ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ’ዩ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ዝግበር ኣገልግሎት ብዙሕን ሰፊሕን እዩ። ብሰኣታት ጀሚሩ ብማሕሌት ሓሊፉ ክሳብ ቅዳሴ ዘሎ ግዜ፥ ዘውዕልን ዘሕድርን ኣግልግሎት ምዃኑ ኩሎም ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ይፈልጡዎ እዮም። እቲ በዚ ኣገልግሎት’ዚ ዝበጽሕ ምህልላን ጸሎትን ከኣ’ዩ፥ ንሕዝብና ዓቢይ ጽላልን ረድኤትን ኮይኑዎ ዝነብር ዘሎ።
ናብ ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንየካቲት (February 2, 2019) ናይ ኣዴና ቅ. ድንግል ማርያም ዕረፍታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ምኳኑ ክንገለጽ ንፈቱ።ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተኻፈልቲ በረኸታ ክትኮኑን።
ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም ብኣማላድነት ቅ. ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ፋ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኹም ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን።
እዚ ኣብ ዓለምና ተቐልቂሉ ዘሎ ብ Coronavirus (COVID-19) ዝፍለጥ ለበዳ፥ ንዓለምና ኣብ ሻቕሎት ኣእትይዋ ይርከብ ኣሎ። ስለዚ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ማኅበራዊ ኣኼባታት ካብ ዝካየደሉ ሓደ ኣካል ስለዝኾነት፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ እዚ ዝስዕብ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
"
ሽዑ (ብዙሓት) ካብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ 'መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርእይ ንደልይ ኣለና፡' በልዎ። ንሱ ግና፡ 'ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደልይ፡ ብዘይካ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሃቦን`ዩ' በሎም። . . . 'ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ`ውን ክትቅበሉ ኢኹም፡' በሎም። 'ካብ`ዚ ቄናን ወለዶ`ዚ ድሓኑ' እናበለ ኸኣ፡ ብዙሓት ካልእ ቃል መስከረሎምን መዓዶምን።" ማቴ12፡38,39 (ግብ2፡38,40)

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን 9ይ - ክፋል
20-ታሕሳሥ 1988 ዓ/ም ክሳብ ዝኸውን፥ እቲ መዓልታት ካብቲ ዝተለምደ ካልእ ግዜ፥ ቀልጢፉ ክመስን ክወግሕን ዘይክእል ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ብዝኾነ እዛ ፍልይቲ መዓልቲ እዚኣ ግና፥ ካብ ድቃሰይ ኣንጊሀ ድሕሪ ምትንሥአይ፥ ሰዓት-12 እየ ገና ንግሆ ከሎ ኣንጊሀ ዝገስገስኩ። ንቤተ-ክርስቲያን ክኸይድ ከሎኹ፥ እናሰጎምኩ ዘይኮነ እናተወንጨፍኩ ዝኸይድ’የ ዝመስል ዝነበርኩ። በዚ ፍጥነት’ዚ ድማ ቀልጢፈ’የ ኣብኡ ክበጽሕ ክኢለ። እታ ናይ ክርስትና ኣደይ ክትከውን ዝነበራ’ውን፥ ቀዲማትኒ ኣብኡ ጸንሐት። ክንደይ እተሕጉስ ብርህቲ ፀሓይ ዝነበረቶ መዓልቲ ይመስለኩም። ብልበይ ድማ ናይ ብሓቂ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ሎሚ’ያ በልኩ።
ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ብዝጸንሐ መደብ መሠረት፥ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓቃቤ-መንበር። ካብ ዕለት 16-21/10/2018 ኣብ ሃገረ-ስዊስ፥ ሓዋርያዊ ተልእኮ ክፍጽሙ ቀንዮም።
ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2019፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ። እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ:
"
ስለ’ዚ እቲ ምእንትኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። በዚ መገዲ’ዚ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕልናኦም’ውን እናኣቝስልኩም። ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣለኹም።" 1ቈረ 8፡11,12
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ