"ንስኻትኩምሲ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም። ንሕና (ክርስትያን) ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። እምበኣር ንንቃሕ፡ ገዛእ ርእስና`ውን ንግታእ ደኣ`ምበር፡፡ ከም`ቶም (ዘይክርስትያን) ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን። . . . ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ስለ ዝዀንና፡ ንእምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፡ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸኣ ከም ቍራዕ ርእሲ ደፊእና፡ ገዛእ ርእስና ብምግታእ ንንበር።"1ተሰ 5፡5,6,8 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ዓስራይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት`ዩ። ብናይ ግእዝ ኣቈጻጽራ ድማ ናይ ጳጕሜን መበል 13 ወርሒ`ዩ። ወርሒ ጳጕሜን "ተረፈ ዓመት" ተባሂሉ`ውን ይጽዋዕ`ዩ። እቲ ትኽክል ኣቈጻጽራኡ፡ ሓሙሽተ መዓልትን ርብዕን (ሽዱሽተ ሰዓታትን)`ዩ። "ርብዒ መዓልቲ" ኢልካ ኽትቈጽር ስለ ዜሸግር ግን፡ እተን ኣርባዕተ "ርብዒ መዓልታት" ብሓንሳእ ተደሚረን፡ ሓደ መዓልቲ ዀይነን ኣብ ዘመነ ሉቃስ ናይ ጳጕሜን ሻድሻይ መዓልቲ ከም ዜቝማ ተገብረ። ወርሒ ጳጕሜን፡ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ዳግም ምጽኣት ከነስተንትን ዝተሰርዓልና ወርሒ`ዩ። ወርሒ ጳጕሜን ካብ ዕለት ሓደ ኽሳዕ ዕለት 6 ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ "ከመ እንተ መብረቅ" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ ማቴ 24፡3,26-28,44፣ሉቃ 17፡23,24,37 ዘሎ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቃል መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ መዝሙር`ዩ። ጐይታና ምጽኣቱ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ኪገልጽ ከሎ፦ "'እንሆ ኣብ በረኻ ኣሎ' እንተ በሉኹም፡ (ናብ በረኻ) ኣይትውጽኡ፡ 'እንሆ፡ ኣብ ቤት ኣሎ' እንተ በሉኹም`ውን፡ ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚረኣይ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን`ዩ። ብምባል ኣነጺሩልና ኣሎ (ማቴ 24፡26,27፣ሉቃ 17፡23,24)። እዚ ኣበሃህላኡ`ዚ፡ ኣብ`ቲ ዘመን`ቲ ክርስቶስ ዘይመጸ ኸሎ፡ ድሮ ኸም ዝመጸ ገይሮም ዚሕስውን ዜደናግሩን ሰባት ከም ዚህልዉ ዚነግረና`ዩ። እንተ ዀነ ምጽኣቱ ብሕብእብእ ዚፍጸም ኣይኰነን። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ እናረኣዮ ስለ ዚግለጽ፡ ነጋሪ ኣየኬድልይን`ዩ። እቶም ብህይወት ዘለዉ ጥራሕ አይኰነ፡ እቶም ኣብ መቓብር ዘለው ኸይተረፉ ዚሰምዕዎን ዚርእይዎን ምጽኣት ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ ነጊሩና`ዩ (ዮሃ 5፡28,29፣1ተሰ 4፡13-17)። ጐይታና ነዚ ዅሉ ኣቐዲሙ ዝነገረና፡ ምጽኣት ምስ ኰነ ምእንቲ ኸይንደናገር ኢሉ`ዩ። ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ናይ ሉቃ 17፡20-37 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ምጽኣት ንጹር ርድኢት ዜቕስመና`ዩ። እቲ ናይ 2ጴጥ 3፡16-18 ንባብ`ውን ሰማይን ምድርን ብሓውን ረስንን ናይ መለኮት መኺኹ ከም ዚጠፍእ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ተዳልዩ ኸም ዘሎ ኣበሲሩ፡ ነዚ ተስፋ`ዚ እናተጸበና ብቕድስናን ብፍርሃት ኣምላኽን ነውርን መንቅብን ዘይብሎም ሰባት ብምዃን ንምጽኣቱ ኸነቀላጥፎ ምዒዱና ኣሎ። እቲ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ምንጪ ዀይኑ ዘሎ ናይ 1ተሰ 5፡10 ንባብ ድማ፡ ምጽኣቱ ዘየዘንግዖም ንቑሓት ኴንና ኽንነብር፡ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኴንና ኽንነብር፡ ኵሉ መንፈሳዊ ፍረ እናፈረና፡ ኵሉ መንፈሳዊ ዕጥቂ ዓጢቕና፡ ርእስና ብምግታእ ክንነብር ኣዚዙና ኣሎ።
ንምንታይ`ዩ ምጽኣት ክሳዕ ክንድ`ዚ ኣገዳሲ ዀይኑስ፡ ጐይታና ዀነ ሃዋርያት ደጋጊሞ ዜዘኻኽሩናን ዜጠንቅቑናን፧ ምጽኣት ማለት`ኮ "መዓልቲ ፍርዲ" ማለት`ዩ። ብዛዕባ ምድራዊ ጕዳያትና ኣብዚ ምድራዊ መጋባእያታት ኣብያተ ፍርዲ ቘጸራ ናይ መዓልቲ ፍርዲ እንተ ዚወሃበና፡ ነታ ዕለት`ቲኣ ኻብ ምሕሳብ ኣእምሮና መዕረፈዶ፧ መዓልትን ለይትን ብዛዕባኡ ኻብ ምሕሳብናን ካብ ምጭናቕናን ዝተላዕለ፡ ንብዙሕ ካልእ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ጕዳያትና ምረሳዕናዮ ኔርና። መብዛሕትና ኣብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሐ ጕዳያት ስለ ዘይሰኣነና፡ ነቲ ተመክሮ`ቲ ንፈልጦ ኢና። እዚ ምድራዊ ጕዳያት እምብዛ ፈኲስን ካብ ናይ ገንዘብ፡ ንብረት፡ መሰል ወዘተ ጕዳያት ዘይሓልፍ ጊዝያውን ንእሽቶን`ዩ። ናይ ምጽኣት ፍርዲ ግን፡ ብቓላት መግለጺ ኽትረኽበሉ ኽሳዕ ዜጸግም ኣዝዩ ዓብይን ከቢድን`ዩ።
እቲ ብምጽኣት ኪወሃብ ዚኽእል ፍርዲ ኽልተ ዓይነት`ዩ። እቲ ቐዳማይ ክብርን ሓጐስን ምጽንናዕን ዕረፍትን ዝመልኦ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ብቓላት ኪግለጽ ዘይክእል ምርረትን ስቓይን ዘለዎ ዘለኣለማዊ ሞት`ዩ። ዘለኣለም ማለት ከኣ ደረት ዘይብሉ፡ ብቝጽሪ ኺግለጽ ዘይክእል ጊዜ ማለት`ዩ። ነዚ ፍርዲ`ዚ፡ እቲ ንእኡ ዝፈጠረን ዘዳለወን ጐይታ ጥራሕ`ዩ ዚፈልጦ። እቶም ካብ ኣፉ ዘሰምዕዎን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሎምን ሃዋርያቱ ኸኣ ይፈልጥዎ። እቲ መሪጽናዮ ዘለና መገዲ እንታይ ከም ዜስዕበልና ደጋጊሞምን ብኣጽንዖትን እንተ ዘይገሊጾምልና፡ ንእኡ ፈሊጥና ኽንጥንቀቐሉ `ንኽእል ዕድል ፈጺሙ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ከምኡ ገይሮም እንተ ዘይነግሩና ድማ፡ ብዛዕባ`ቲ ዚወርደና ስቓይ ብኸፊል ተሓተትቲ ምዀኑ ነይሮም። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ`ዚ ብግልጺ ተኣሚንዎ ኣሎ። ንሰብ ሮሜ "ዕዳ ኣሎኒ" ብምባል ገለጸሎም (ሮሜ 1፡14,15)። ንሰብ ቈረንቶስ ከኣ፡ "ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ፡ ወይለይ!!" ብምባል ክብደት ሓላፍነቱን ተሓታትነቱን ኣግሃደሎም (1ቈረ9፡16)። ንሰብ ኤፌሶን ድማ ንወንጌል ገለ ኸየትረፈ ብምልኣት ስለ ዝሰበኸሎም፡ ካብ ዕዳ ደሞም ርእሱ፡ ኸም ዘንጽሀ ነገሮም (ግብ 20፡26,27)። እዚ ሃዋርያዊ ተኣምኖ`ዚ፡ ነዞም ሎሚ ወንጌል ናይ ምስባኽ ሃዋርያዊ ሓላፍነት ኣብ ዝባንና ተነቢሩ ዘሎ ኣገልገልቲ ወንጌል፡ ኣዝዩ ዓብይ ትምህርትን መጠንቀቕታን`ዩ። ንምጽኣት ክርስቶስ ዝጐሰየ ስብከተ ወንጌል ድማ፡ ምስ ዕንወት`ምበር፡ ምስ ኣገልግሎት ኪስራዕ ኣይግብኦን`ዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ምጽኣት ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ኼዘኻኽሮም ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ ድሕሪ ሞቱ`ውን ኵሉ ጊኤ ኸም ዚዝክርዎ ገይሩ ኼገልግሎም ከም ዚጋደል ደጋጊሙ ተኣሚኑ ኣሎ (2ጴጥ 1፡12-16፣3፡1,2)። ብፍላይ እዚ ዘለናዮ ዘመን እቶም ናይ ምጽኣቱ ምልክታት-ቅልውላው ጕልባቦም ቀሊዖም ተጋህዱሉ ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ናይ ምጽኣት ኣርእስቲ፡ ይትረፍ ካብ ኣእምሮና፡ ካብ ኣፍናን ዘረባና`ውን ፈጺሙ ኺፍለየሉ ዘይግባእ ዘመን`ዩ።
ኣብ ዘመነ ምጽኣት፡ ርእስኻ ምግታእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይን ኣርእስትን ዚዀነሉ ምኽንያት እንታይ`ዩ፧ ነዚ ኣርእስቲ`ዚ ብዚምልከት`ከ ናይ መን ኣርኣያ ኢና ኽንክተል፧ ርእስኻ ምግታእ ኣብ ኵሉ ዘመንን ኣብ ኵሉ ዅነታትን ንዅሉ ሰብን ዜድልዮ ባህርይ`ዩ። "ዘመነ ምጽኣት" ዚበሃል፡ ካብ`ታ ጐይታና ናብ ሰማይ ዝዓረገላ ዕለት ጀሚሩ ክሳዕ`ታ ብመለኮታዊ ኽብሪ ብዳግማይ ምጽኣቱ ዚግለጸላ ዕለት ዘሎ ዘመን`ዩ። ንኣብነት መዓልቲ ምጽኣት ኣብ`ዛ ሕጂ ዘለናያ መበል 21 ክፍለ ዘመን ስለ ዝመጸትሲ፡ እዛ ዘመን`ዚኣ ጥራሕ`ያ ዘመነ ምጽኣት ማለት ኣይኰነን። ምጽኣት ካብ`ቲ ብጐይታና ብወግዒ ዝተነግረሉ ዕለት ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ ኣብ ዓለም ንዘሎ ዅሉ ሰብን ብሕጂ ንዚውለድ ኵሉ ወለዶታትን ዚምልከት ኣርእስቲ`ዩ። እዚ ናይ`ዚ ዕለት`ዚ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ምንጪ ዝዀነ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ ቅድሚ ኣስታት 2000 ዓመታት ዝተጻሕፈ`ዩ። ምጽኣት ቀረባ ኸም ዝዀነ ዚነግር መልእኽቲ ኸኣ`ዩ። ምጽኣት ኣብ ዘመኖም ከይተፈጸመ ስለ ዝተረፈስ፡ ዜሻቕልን ዜጨንቕን ዘይተደላዪ መልእኽቲ ኸም ዝተጻሕፈሎም ጌርና ኽንሓስብ ይግባእዶ፧ ንምጽኣት ኣብ`ታ ተመዲባ ዝተዋህበቶም ዕድመ`ዮም ኪዳለዉላ ዚኽእሉ`ምበር፡ ብህይወት ይነብሩሉ ኣብ ዘየለዉ ዘመን ኪዳለዉ ኣይክእሉን`ዮም። ኪፍረዱ ኸለው ድማ፡ በታ ብህይወት ከለው ንምጽኣቱ ዝነበሮም ድሉውነት`ዮም ዚፍረዱ`ምበር፡ ብዘይነበሩሉ ዘመን ኣይኰነን። ብዛዕባ ድሉውነትና`ምበር፡ ብዛዕባ ምምጽኡን ምድንጓዩን ንኣና ዚምልከት ኣይኰነን። ስለ`ዚ ዘመነ ምጽኣት ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ፡ ርእስኻ ምግታእ ኣብ ኵሉ ዘመንን ንዅሉ ሰብን ኵሉ ሳዕን ዜድልይ ባህርይ`ዩ፡
ርእስኻ ምግታእ ዘመነ ምጽኣት ካብ ዝጀመረሉ ጊዜ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብ`ታ ወዲ ሰብ ዝተፈጥረላ መዓልቲ ጀሚሩ`ውን ኣድላዪ ባህርይ`ዩ። ኣዳምን ሄዋንን ርእሶም ኪገትኡ ስለ ዘይደለዩ`ዮም፡ ናብ`ቲ ለካሚኦም ዝዀነ ናይ ድፍረት ኣበሳ ዝወደቑ። ሰይጣን፡ ዚመስልን ዘይመስልን ሓሶት ምሂዙን ደሪሱን ዝተፈታተኖም፡ ነታ ርእስኻ ናይ ምግታእ ባህርዮምን ሓላፍነቶምን ኬላሽዋ ስለ ዝደለየ`ዩ። ሰሊጥዎ፡ ተዓዊቱ ኸኣ። "ኣይትብላዕ" ማለት "ርእስኻ ግታእ፡ ንሸውሃትካን ባህግኻን ደረት ግበረሉ" ማለት`ዩ። ካብ`ዛ ትእዛዝ`ዚኣ ጀሚሩ ዝተዋህበና "ኣይትግበር፡ ኣይትኹን፡ ኣይትድለይ ወዘተ" ዚብል ኵሉ ትእዛዛት፡ ነቲ ርእስና ናይ ምግታእ ባህርይና ኽንጥቀመሉ ተዋህበና ደጋፊናን መነቓቕሒናን ትእዛዝ`ዩ። ስለ`ዚ እዚ "ርእስኹም ግትኡ" ዚብል ትእዛዝ፡ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኰነ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ሰብ ዚምልከት ትእዛዝ`ዩ። ኣንጻር ኣምላኽ ዝተዓጥቁ ዕሉላት ጸላእቱ እንተ ዄንና ግን፡ ነቲ ርእስኻ ምግታእ ብኣንጻሩ ኢና `ንጥቀመሉ። ጽድቂ ንዘይምግባር ርእስና ንገትእ ሓጢኣት ንምግባር ከኣ ንርእስና ስዲ ንፍንዋ። ንጉስ ሰለሞን፡ ንርእስኻ ምግታእ ኣመልኪቱ፦
"ርእሱ ዘይገትእ ሰብሲ፡ ከም`ታ ቐጽሪ ዘይብላ ኣደዳ ጸላኢ ዝዀነት ከተማ`ዩ። . . . ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ሰብ ካብ (ናይ ውግእ) ጅግና ይበልጽ፡ ካብ`ቲ ንኸተማ ዚገዝእ (ብዓል ስልጣን) ከኣ፡ እቲ ርእሱ ዚገትእ ሰብ ይበልጽ።" ብምባል፡ ምግታእ ርእስኻ ኣዝዩ ዓብይ መንፈሳዊ ኽብርን ብልጫን ምዃኑ ገሊጹልና ኣሎ (ምሳ 25፡28፣16፡32 ካ.ት)።
ርእስኻ ምግታእ ሰብኣዊ ዘይኰነስ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ`ዩ። ብመልክዕን ምስልን ናይ ኣምላኽ ስለ ዝተፈጠርና፡ እዚ ርእስኻ ናይ ምግታእ ተወራሲ ባህርይ፡ ንኣና ተፈጥራዊ ትዕድልትና`ምበር፡ ጓና ባህርይ ኣይኰነን። ስለ`ዚ በዚ ባህርይ`ዚ ንኣምላኽና ኽንመስል፡ ናቱ ኣርኣያ ኽንክተል`ዩ ዚግባእ። ናይ ህላወና፡ ኣብ`ዛ ዓለም`ዚኣ ብህይወት ናይ ምንባርና መሰረት፡ እግዚኣብሄር ርእሱ ዚገትእ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ`ዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብግብርን ብቓልን ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና።
"ህልኸኛ ምዃንካን፡ ክሳድካ ጅማት ሓጺን፡ ግምባርካ`ውን ኣስራዚ ምዃኑ (እፈልጥ`የ)። . . . ስለ ስመይ ኢለ ቝጥዓይ ኣደንጕይ፡ ንኸየጽንተካ ድማ፡ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣለኹ። እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዓዘብኩኻ። (ነቲ ርእስኻ ምግታእ) ስለይ፡ እወ ስለይ ኢለ ኽገብሮ`የ፡ ከመይ ኢለኸ ንስመይ ይርከስ' (ኢለ) ኽሓድጎ፡ ክብረይ ከኣ ንኻልእ ኣይህብን`የ።" ኢሳ 48፡4,9-11
እግዚኣብሄርሲ፡ ጻድቕ ኣምላኽ`ዩ። ናይ ሓጢኣት ፈተና የብሉን። ዝገበረ እንተ ገበረ፡ ንዅሉ ብጽድቂ`ዩ ዚገብሮ። እንተ መሓረ ጻድቕ`ዩ። እንተ ቐጽዐ እንተ ኣጽነተ ድማ ብግብሩ ኣበር ዘይብሉ ፍጹም ጻድቕ`ዩ። ርእሱ እንተ ገትአ፡ እቲ ኽገብሮ ዝሓሰበ ጌጋ ዀይንዎስ ስለ ዝተጣዕሰሉ ዘይኰነስ፡ ንኣና ምእንቲ ኸየጥፍኣናን ንርእሱ ብምሕረት ኬኽብርን ስለ ዝመረጸ`ዩ። እግዚኣብሄር ንኣና ምእንቲ ኸየጥፍእ ኢሉ ካብ`ቲ ጻድቕ ፍርዲ ርእሱ እናገትአ ኸም ዜንብረና፡ ብግብሪ`ውን ደጋጊሙ ኣረጋጊጹልና`ዩ። እስራኤላውያን ብሓጢኣቶም ምስ ኣዋረድዎ ኼጽንቶም ፈሪዱ ኼብቅዕ፡ ተለሚኑ ዀነ ኸይተለመነ ርእሱ ብምግታእ ደጋጊሙ ምሒርዎም`ዩ (ዘጸ32፡7-14፣ዘሁ14፡1-22፣16፡41-50፣21፡1-9፣25፡1-9፣ኣሞ7፡1-6)። ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ነዚ ርእስኻ ናይ ምግታእ ናይ ባህርይ ጸጋኡ ተወራሲ ብምግባር፡ ብሕያውነቱ ዓዲሉና`ዩ። ስለ`ዚ ንሱ ምእንቲ ኸየጥፍኣና ኢሉ ኻብ`ቲ ጻድቕ ግብሩ ርእሱ ዚገትእ እንተ ዀይኑ፡ ርእስና ምእንቲ ኸይነጥፍእ ኢልና ንሕና ኻብ`ቲ ለካሚና ዝዀነ እኩይ ሃቐናናን ተግባርናን ርእስና ኽንገትእ ኣይግብኣናንዶ፧ `ርእስኻ ዘይትገትእ ሰብ ምዃን ማለት፡ ልክዕ ከም`ታ ልጓም (ፈኤኖ- brake) ዘይብላ መኪና ምዃን ማለት`ዩ። ልጓም ዘይብላ መኪና ሒዙ፡ መን ናብ`ታ ዝደለያ ቦታ ብደሓን ኪበጽሕ ምኸኣለ፧ ገና ኻብ`ታ ዝተበገሰላ ቦታ ኸይረሓቐ፡ ኣብ ናቱን ዘይናቱን ህይወትን ንብረትን ሓደጋ ኼውርድ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናብ`ቲ ዝሓሰቦ ፈጺሙ ኺበጽሕ ኣይክእልን`ዩ። ይትረፍ ፈጺሙ ልጓም ዘይብላ ዀይና፡ ሓያል ልጓም ዘለዋ ኽነሳ፡ እቲ መራሒኣ ነቲ ልጓም ኣብ ምጥቃም ብሓንቲ ኽልተ ኻልኢት እንተ ደንጕዩ ጥራሕ`ኳ፡ ዜስዕቦ ጕድኣት ከቢድ`ዩ ዚኸውን። ንሰብ ኣብ`ዛ ዓለም`ዚኣ ኼጋጥሞ ዚኽእል ዝኸፍአ ሓደጋ ኸኣ፡ ሓጢኣት`ዩ። ናይ መኪና ሓደጋ እንተ ሓሰመ ንስጋና ጥራሕ`ዩ ዚቐትል። ሞት ስጋ ኸኣ እንተ በዚ እንተ በቲ ከየጋጠመ ዘይተርፍ፡ ንቡር ትዕድልትና`ዩ። ሓጢኣትን እቲ ብሰንኩ ዚስዕብ ዘለኣለማዊ ስቓይን ሞትን ግን፡ ብሰሪ ዕሽነትናን ሸለልትነትናን እንኣትዎ ናይ መርገም ሞት`ዩ። ሓጢኣት ከኣ ርእስና ኽንገትእ ስለ ዘይደለና እንወድቆ ሰራም ውድቀት`ዩ። እምበኣር፡ እቲ ንምግታእ ርእስኻ ዚጽየፉ ሰብ፡ እቲ ንዘለኣለማዊ ስቓይን ሞትን ዚብህጋ ዓሻ ሰብ`ዩ።
ካብ ምንታይ ኢና ርእስና ኽንገትእ፧ ርእስና ኽንገትኣሉ ዚግብኣና ዅነታትን ጊዜን ብኸመይ ኢና `ንፈልጦ፧
እቲ ቐዳማይ ርእስና ኽንገትኣሉ ዚግብኣና፡ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት`ዩ። ካብ ዓይነት ሓጢኣት እቲ ብቐዳምነት ኪስራዕ ዚግብኦ ኸኣ ግህሰታዊ ሓጢኣት`ዩ። "ኣይትግበሮ" ዝተባህለና ዅሉ ትእዛዝ ብድፍረት ምስ `ንግህስ (ምስ `ንጥሕስ)፡ ግህሰታዊ ኣበሳ ይዀነና። እታ ብሰብ ዝተፈጸመት ቀዳመይቲ ኣበሳ ድማ ብዓይነታ ግህሰታዊት`ያ። "ኣይትብልዑ" ተባሂሎም ኬብቅዑ፡ ብናይ ሰይጣን ምትላልን ድፍኢትን ተደሪኾም፡ ብድፍረት ኣእዳዎም ዘርጊሖም ኣፎም ከፊቶም ሓጢኣት ወሓጡ፡ ብእኡ ኸኣ ንርእሶምን ንዅሉ ዘርኦምን ዘለኣለማዊ ሞት ተፈርዱ (ዘፍ3፡1-19)። "ኣይትግበር" ዚብል ትእዛዝ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወረስናዮ ናይ ምግታእ ርእስኻ ባህርይ ንኽንጥቀመሉ ዜነቓቕሓናን ዚድርኸናን ቅዱስ ትእዛዝ`ዩ። እቲ ኣስዒብና ኽንጥንቀቐሉ ዚግብኣና ዓይነት ሓጢኣት ከኣ፡ "ግበሮ" ዝተባህለልና ትእዛዝ ከይገበርካ ናይ ምግዳፍ "ግድፈታዊ ኣበሳ`ዩ። ሓሶት ከይንዛረብ ዝተኸልከልና ሓቂ ምእንቲ ኽንዛረብ`ምበር፡ ኣይ ሓሶት ኣይ ሓቂ ሓዲግ ኴንና ተጠልጢልና ንኽንተርፍ ኣይኰነን። ነቲ ሓቂ ንኸይንዛረብ ዚዓግተና ዓንቃፊ ምኽንያታት ክንገትኦ እንተ ዘይክኢልና፡ ካብ ሓሶት ርእስና ስለ ዝገታእናስ፡ ቍም ነገር ኪቝጸረልና ኽንጽበይ ኣይንኽእልን ኢና። "ግበርን ኣይትግበርን" ልክዕ ከም ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም`የን። ናይ ሓንቲ ሳንቲም ገጽ ጥራሕ ፈሊና ኽንወስድን ክንህብን ከም ዘይንኽእል፡ ነዘን "ግበርን ኣይትግበርን" ዚብላ ኽልተ ትእዛዛት`ውን ፈላሊና ኽንትግብረን ኣይንኽእልን ኢና። ስለ`ዚ ምሉእ ዕድመና ግህሰታውን ግድፈታውን ኣበሳ ኻብ ምፍጻም ርእስና ኽንገትእ መንፈሳዊ ሓላፍነትና`ዩ።
ብኻልኣይ ደረጃ ዚስራዕ ከኣ ሓጢኣት ዘይኰኑ ግን ንሓጢኣት ዚኸውን ኣፍደገ ዚጸርጉ ወይ`ውን ክትገብሮ ኻብ ዚግብኣካ መንፈሳዊ ግቡኣት ዜብኵሩን ዚዕንቅፉን ልምድታትን ባህግታትን ዝምድናታትን ርእስኻ ምግታእ`ዩ። ንኣብነት ከንቱ ዕላላት፡ ክርክር (ክትዕ)፡ ዕርክነት (ምሕዝነት)፡ ምግብን መስተን፡ ድቃስ፡ ሓልዮት ስጋ ወዘተ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ብቐጥታ ሓጢኣት እንተ ዘይኰኑ`ኳ፡ ብኵራትን ዕንቅፋትን ኬስዕቡ ዚኽእሉ`ዮም። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ ክንጥንቀቐሎምን ክንሕየበሎምን ተነጊሩና ኣሎ። ዘመነ ምጽኣት ካብ ዚጠልበና መንፈሳዊ ንጥፈታት ሓደ፡ ጸሎት`ዩ። ስለ`ዚ ኸኣ ጐይታና ዀነ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ "ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኲላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም`ያ`ሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ`ቲኣ (ኣብ ዘይሓሰብኩምዎ ጊዜ) ብድንገት ከይትመጻኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለ`ዚ ኻብ`ቲ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ (ብትብዓት) ደው ንምናልን፡ ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸለኹም ንቕሑ።" ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ`ዩ፡ ስለ`ዚ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ገዛእ ርእሶም ዝገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ።" ኢሎም ኣለው (ሉቃ21፡34-36፣1ጴጥ4፡7 ካ.ት)። ብጸሎት እንተ ዘይተጋህና`ሞ፡ ካብ ኣምላኽ ሓይሊ እንተ ዘይዓጠቕና፡ ነቲ ንምጽኣት ዚቕድምን ዜሰንዮን ኵሉ ኸቢድ ፈተናታት ከም ዘይንዕወተሉ፡ ስለ`ዚ ኸኣ ንምጽኣት ከም ዘይንረብሓሉ ብግህዶ ተነጊሩልና ኣሎ። ጐይታና ኣብ ዝተታሕዘላ ለይቲ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ "ስጋ ድኹም`ዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ግና (ንረድኤትኩም) ድልዊ`ዩ፡ እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትውስ ንቕሑን ጸልዩን" ኢሉ ነጊርዎም ኬብቅዕ፡ ድቃስ ከቢድዎም ኪነቕሑ ኣይከኣሉን። እታ ንኸይጽልዩ ዝተጋደለቶም ድቃስ፡ ጸላእቶም ሰይፍን ኵናትን ሒዞም ምስ መጽዎም ግን በሪራ ጠፍአት። ብጸሎት ሓይሊ ስለ ዘይዓጠቑ ዳርጋ ዅሎም ሃደሙ። እቲ "ክሳዕ ሞት ኣይክሕደካን`የ" ኽብል ዝጸንሐ ኸኣ፡ ብምፍርራህ ናይ ኣንስትዮ ኣግራድ ብዜሕፍር መገዲ ኸሓደ (ማቴ 26፡40-45,56,69-75)። ምጽኣት ከኣ ንሕሩያት ከይተረፈ ዜስሕትን ዜኽሕድን ፈተናታት ሒዙ ስለ ዚመጽእ፡ ንዘይምጽላይ ዝዀነ ዓይነት ቅቡል ምኽንያት ኪህልወና ኣይክእልን`ዩ። እንተ ዘይገበርናዮ ድማ ኣብ`ታ መለሳ ዘይርከባ ኸባድ መዓልቲ ጉድ ክንከውን ኢና። ሕማቕ ዕርክነት፡ ኣብ ገዛና ዀነ ኣብ ፈቐዶኡ ዜጋጥሙና ከንቱ ዕላላት፡ ዘይጠቕሙ ኽርክራት ድማ ጊዜናን ሓይልናን በሊዖም ባዶን ከንቱን ስለ ዚገብሩና፡ ክንርሕቀሎምን ከነርሕቖምን ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ተኣዚዝና ኣለና (1ቈረ 15፡33፣1ጢሞ 1፡3,4፣4፡7፣6፡4,5,20,21፣2ጢሞ2፡14,16-18,23 ቲቶ1፡14,15፣3፡9)። ሓልዮት ሓዳር ንልብና ኸቢድ ጾር ዀይኑ ኸም `ዚዕንቅፍ ጐይታ ኣብ`ቲ ዝጠቐስናዮ ናይ ሉቃ 21፡34-36 ጥቕሲ ገሊጹልና ኣሎ። ብቕዱስ ተክሊል ሓዳር ኣቝምና ኸነብቅዕ፡ ሓልዮት ዘይብልና ኽንከውን ከም ዘይከኣል ድማ ርዱእ`ዩ። ካብ`ቲ መሰረታዊ ድልየታትና ሕልፍ ኢና፡ ባዕላትና እነብዝሖምን እንውስኾምን ማእለያ ዘይብሎምን ሰፍ ዘይብሉን ኸበድቲ ሓልዮታት ግን ኣለዉ። ናትና ገዛን መኪናን ትካልን ከነጥርያ፡ ዝበለጸን ዘመናውን ዝበልናዮ ንብረት ክንቀያይር፡ ነዚ ምእንቲ ኽንገብር ከኣ መዓልትን ለይትን ክንሰርሕ ይትረፍ ንጸሎት ክንተግህ፡ ምስ ስድራና ዀነ ንኻልእ ማሕበራዊ ዝምድናታትና ዚኸውን ጊዜ ኽሳዕ ምስኣን ክንበጽሕ ምርኣይ ኣዝዩ ዝውቱር ተርእዮ`ዩ። እዚ ዅሉ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ እቲ መንፈሳዊ ህይወትና ንቕርሲ ዚኸውን ሓድጊ`ኳ ኸይገደፈ`ዩ ዚጠፍእ። ቀዳማይ ነገር፡ ካብ`ዚ ዅሉ ሓንቲ`ኳ ኸይተማልኣና ብሞት ንግዕዝ ምዃንና፡ ናይ`ቲ ዕድመና ዘህለኽናሉ ሓልዮት ከንቱነት ዜርእይ`ዩ። ካልኣይ ነገር ከኣ፡ ነታ መዓልቲ ምጽኣት ጥራይ ኢድና ዕርቃንና ወጺእና ብኽቱር መንፈሳዊ ድኽነት ተዋሒጥና ኽንጽበያ ስለ ዚገብረና፡ ንጥፍኣትካ ምሕላይን ምትጋህን ኰይኑ`ዩ ዚተርፍ። ነቲ ርእስና ኽንገትኣሉ ዚግብኣና ዅሉ ነገራት ኣብ`ዚ ንእሽቶ ቘጽሊ ወረቐትን ኣብ`ዚ ሓጺር ናይ ስብከት ጊዜን ጠቒስና ዀነ ገሊጽና ኽንውድኦ ዘይከኣል`ዩ። እቲ ጠቒስናዮ ዘለና ዝርካቡ ነጥብታት ግን፡ ርእስኻ ምግታእ ማዕረ ኽንደይ ግድነታዊ ኣድላይነት ዘለዎ፡ ህይወት ዜድሕን ናይ ባህርይ ጸጋ ምዃኑ ንምርዳእ እኹል`ዩ። ተሓታትነትን ፍርድን ዘለዎ ህይወት ኢና `ንነብር ዘለና። ስለ`ዚ ኸም`ዚ ኣብ ባህልና፡ ዚበሃል "ድላይካ እንተ ዜዛርቡኻ`ሞ፡ ብዘይ ዕዳ እንተ ዚሓድጉኻ" ዝዓይነቱ ናይ ሃሰሰ-ለባም ኣካይዳ ዚብሃል ኽንከይድ ኣይግባእን`ዩ። ካብ`ዚ ርእሰ-ቕትለታዊ ናይ ዕሽነት ኣካይዳ `ትባልሃና ኸኣ፡ እዛ ርእስኻ ብምግታእ ምንባር ጥራሕ`ያ።
ርእስኻ ምግታእ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህርይ ክነሱስ ንምንታይ`ዩ ንዅሉ ሰብ ዚኸብዶ፧ ዳርጋ ዅሉ ጊዜ ርእስና ኣብ ምግታእ እንፈሽለሉ ምኽንያት እንታይ`ዩ፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ርእስኻ ምግታእ በይናውን ንጽልን ባህርይ ዘይምዃኑ`ዩ። መንፈሳውነት ብዅሉ ባህርያት ብድምር`ምበር፡ ብሓንቲ ንጽል ባህርይ ጥራሕ ኪህነጽ ኣይክእልን`ዩ። ብሓንቲ ባህርይ ጥራይ ኪዕወት ዚደልይ ሰብ፡ መንፈሳዊ ህይወት እንታይ ምዃኑ ከም ዚግባእ ዘይተረድኦ ሰብ ጥራሕ`ዩ። ንመረዳእታ ኪዀነና ብዘይካ ሓንቲ እግሩ ኻልእ ኵሉ ኣካላቱ ዝለመሰ ሰብ ንሕሰብ። እዚ ሰብ`ዚ እንታይ ኪሰርሕ፡ ናበይከ ኪኸይድ ምኸኣለ፧ ብምኽንያት ወቕዒ ሓንጐል ፍርቂ ኣካላቱ ጥራሕ ዝለመሰ ሰብ ማዕረ ኽንደይ ከም ዚሽገርን ንርእሱ ምስ ህሉዋት ኪቘጽራ ኸም ዚኸበዶን ንፈልጥ ኢና። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ብሓንቲ ንጽል ባህርይ ጥራሕ ክንዕወት ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ`ዩ። ርእስኻ ምግታእ ድማ ናይ ብዙሕ መንፈሳዊ ባህርያት ድምር ውጽኢት`ምበር፡ ንጽል ባህርይ ኣይኰነን። ክንጻረፍን ክንበኣስን ዚደፍኣና ዅነታት ምስ ዚኽሰት፡ ካብ ባዶ ተበጊስና ርእስና እንዓግተሉ ዓቕሚ ኺህልወና ኣይክእልን`ዩ። ስምዒትና ገንፊሉ ዘየድልይ ነገር ንኸይንገብር፡ ቅድሚ ዅሉ ትዕግስቲ የድልየና። ብስሰዐ ሃነፍነፍ ኢልና ዘይግበር ንኸይንገብር፡ ኣቐዲምና "ይኣኽለኒ፡ በቲ ዘሎኒ ዕጉብ`የ" ዚብል ፍረ መንፈስ የድልየና። ብድሕሪ`ዚ ተደፊእና ናብ ሰራም ኣበሳ ኸይንወድቕ፡ ርእስና ንምግታእ ዓቕሚ ኽንረክብ ንኽእል። ኣካላት ሰብነትና ንሓድሕዱ ተመላሊኡን ተደጋጊፉን ከም ዚሰርሕን ከም ዜስልጥን፡ መንፈሳዊ ባህርያት ከኣ ልክዕ ብኸምኡ`ዩ ዚሰርሕ። እቲ ሓቂ ኸምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ "ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነት`ውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊ`ውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋት`ውን ፍቕሪ ንዂሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኹም፡ እናማዕበለ`ውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሃካያት ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሓድገኩምን`የ። እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ`ዩ።" ብምባል ምዒዱና ኣሎ (2ጴጥ 1፡4-9 ካ.ት)። ምሉኣትን ዕዉታትን ዚገብረና፡ ከም`ዚ ተነጊሩና ዘሎ፡ ብዅሉ መኣዝን ናይ ህይወትና ዅለንተናውን ዝተማልአን ዕብየት ክንዓብይ ከለና`ዩ። ሓንቲ ኦም (ናይ ቱፋሕ፡ ናይ ብርቱኻን)፡ ሓንቲ ፍረ ጥራሕ እንተ ኣፍረየት፡ ነታ ፍረ ደኣ ምተጠራጠርናያ`ምበር፡ ሓንቲ ፍረ ስለ ዝረኣናላስ፡ ኦም ቱፋሕ`ያ ንምባል ኣይምደፈርናን።
እቲ ኻልኣይ ክንዕወት ዜኽእለና ድማ፡ እቲ ርእስኻ ምግታእ ዚጠልብ ኵነታት ምስ ተኸስተ፡ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ዘይኰነ፡ ኣቐዲምካን ኵሉ ጊዜን እትሓስበሉን፡ ኣብ ኣእምሮኻ ሓሳባት፡ ኣብ ኣፍካ ድማ ቓላት ኣቐሚጥካ እትመላለስ ምዃን`ዩ። እቲ ፈተና ካብ መንን መዓስን ከም ዚገጥመካ ኣቐዲምኻ ኽትፈልጥ ከም ዘይከኣል ርዱእ`ዩ። ግን ከኣ ርእስኻ ምግታእ ዚጠልብ ፈተና ዳርጋ መዓልቲ መጸ ኸይጐነፈና ኸም ዘይተርፍ ብዘይ ጥርጥር ስለ ንፈልጥ፡ ኵሉ ጊዜ ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ። ምልክታት ምጽኣት ሓለፋ ዝዀነ ጊዜ ኣብ ዝበዝሓሉ ዘመን ንነብር ከም ምህላውና መጠን፡ ነዛ እተዓውተናን ገጽ ጐይታና ኽንርእይን ኣብ የማኑ ኽንቀውምን እተብቅዓና፡ ርእስና ናይ ምግታእ ወርቃዊት ባህርይ`ዚኣ ኸም ዘጥረናያን ከም ዝመለኽናያን ሚእቲ ሚእታዊት (100%) ርጕጽነት ይሃልወና!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
7 መስከረም 2025 | ጳጕሜን 2, 2016 ግዕዝ (መበል 52 ሰንበት: ቊ.፶፪/52) |
||
ምስባክ መዝ: ፻፫(፻፬)፡፴-፴፩ "ትፌኑ መንፈስከ ወይትፈጠሩ። ወትሔድስ ገጻ ለምድር። ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም።" "ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሓጐስ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
1ተሰ 5፡1-10 |
ዲያቆን |
|
2ጴጥ 3፡10-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 26፡1-15 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 17፡20-ፍጻመ |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ከመ እንተ መብረቅ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ