“ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኺረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከም’ቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግብኦ’ዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ (ሰብ) ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ’ምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሃ 3፡15,16
ንእግዚኣብሄር ዝተፈልዩ ነገራት ቅዱስ ወይ ድማ ቅድስቲ ዝብል ስያሜ ይወሃቦም። ናይ ቅድስና መሰረታዊ ሕጉ ድማ ንእግዚኣብሄር ምፍላይ፣ ምስኡ ፍጹም ምውጋን፣ ንኻልእ ክሳብ ዘይኮኑ ንዕኡ ብቓል ኪዳን ምፍላይ ብማሕተም ደም ንእግዚኣብሄር ምቑጻር እዩ።
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ ጀርመን 10ይ - ክፋል
ኣብ ዝሐለፈ ጽሑፈይ ከም-ዝገለጽክዎ፥ መስበርቲ-እግሪ ኣብ ዘጋጠመኒ ግዜ።ኣብ እንዳ ኃወይ ክድቅስ ስለ-ዝተገደድኩ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ክኸይድ ተጸጊመ ምንባረይ፥ ትዝክሩዎ ትኾኑ ኢኹም። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ኣነ፥ ዕርፊ ክርስትና ድሕሪ ምጭባጠይ፥ ከመይ’ለ ንድሕሪት ኣቢለ ክምለስ-? ብምባል እጭነቕ ነበርኩ። ቀልጢፈ ክሓዊ’ሞ ክርስቲያንነተይ ድማ፥ ብግብሪ ከረጋግጽ፥ እህወኽ ነበርኩ።
ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ኣሎ። ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።
ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና: 2 ቆሮ 5፥20
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት
“ኣነ’ኳ ብኣኻትኩም ወይ ብኻልእ ሰብ እንተ ተፈረድኩ ግዲ የብለይን። ንገዛእ ርእሰይ’ውን ኣይፈርድን’የ። ሕልናይ ኣይወቕሰንን’ዩ፡ በዚ ግና ጻድቕ’የ ማለት ኣይኰነን። እቲ ዚፈርደኒ ኣምላኽ’ዩ።” 1ቈረ 4፡3,4 ካ.ት
“ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ” (ማርቆስ 2.3-5)።
ዓውደ-ዓመት ተባሂሎም ካብ ዝኸብሩ ብዙሓት በዓላትና ሓደ፥ እቲ “-ቅዱስ-ዮሓንስ-” ብምባል ዝፍለጥ ናይ ዓመት መጀመርታ-ዕለት ምዃኑ፥ ነዚ ክፈልጥ ዘይክእል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕዝብና ኣብዚ በዓል‘ዚ “-እንቋዕ እግዚኣብሔር ብደሓነ ሰላም ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት‘ዚ ኣብጽሓና!!-” ብምባል ሓጎሱን ሠናይ ትምኒቱን ክገልጽ ዝስመዓሉ እዋን እዩ።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 175 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሰነ 28 - ሓምለ 01, 2018 ዝተጋብአ፡ ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ትምህርትታት ዝሓቖፈን ብቅዳሴ ዝተዛዘመን ነይሩ። ዓሚ ከምዝሎሚ፡ ቅዳሴ ብእንግሊዘኛ ንምክያድ ናይ ዓመት ፕሮጀክት፡ ማለት መጽናዕቲ ሥርዓተ ቅዳሴ ተመዲቡ ከምዝነበረ ይዝከር።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፥ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብሓይሊ-ጎነጽ መንግሥትን ምትሕብባር ውሑዳት ጳጳሳትን፥ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ንልዕሊ 13 ዓመታት ካብ መንበሮም ተኣልዮም ይርከቡ። እዚ ዘስዓቦ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ዕንወት፥ ካብ ጳጳሳት ክሳብ ተራ ኣመንቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምብታንን ፍንውነት ምሕደራን ብዓቅሚ’ዚ ጽሑፍ'ዚ ዝግለጽ ኣይኮነን።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ