መእተዊ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ 25-28 ሓምለ 2019 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ኣትላንታ፥ ክፍለ ክዝኣት ጆርጂያ፣ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪክ ተጋቢኡ፡፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ጉዳይ ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብዕምቆት ድኅሪ ምዝታይ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ የውጽእ።
“ድሕሪ ሸሚንተ መዓልቲ ኸኣ . . . መዓጹ ተሸጉሩ ኸሎ፡ ኢየሱስ መጸ። ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ’ውን፡ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ በሎም። ድሕሪ’ዚ ኸኣ ንቶማስ፡ ‘ኣጻብዕካ (ኣብ’ዚ ኣንብር)፡ ነእዳወይ’ውን ርኣይ፡ ኢድካ ናብ’ዚ ኣምጽእ’ሞ፡ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ። ኣማኒ’ምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን’ በሎ። ቶማስ ከኣ መሊሱ፡ ‘ጐይታይን ኣምላኸይን’ በሎ፡ ኢየሱስ ከኣ ‘ሳላ ዝረኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን’ዮም’ በሎ።” ዮሃ 20፡26-29 ካ.ት
ሰብ ከም ሰብ መጠን ንኽነብር፥ ብዙሕ ነገራት ስለ-ዘድልዮ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጻዕርን ድኻምን ዝነብር። ከመይሲ “ኩሉ ዘመን ሕይወትካ
ኣብ ቅንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንርከብ ምህላውና ክንዝክሮ ግዲ ይብለና። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መዓልቲ ሰማእትነቱ ክንዝክር እንከለና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ንዝግበር ዓመጽ ብትብዓት ናብ ንጉስ ቀሪቡ ክኹንኖ እንከሎ፥ እታ ክብርቲ ህይወቱ ድማ ብሰማእትነት ከም ዝሓለፈት ንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል "ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቅንዑ። "ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን" (ሉቃ 3፡ 4-5)። እምበኣር ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኮይና፥ ዓመጽ ዘበለ የብቅዕ፡ ቄናን ኣካይዳ ይወገድ ብምባል ነቲ ዓማጺ ስርዓት ናይ ሃገርና ብትብዓት ከም ዮሓንስ ደው ምባል ክንላማመድ መንፈሳዊ ትብዓት ይሃበና ይብል። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል "ቅኑዕ ክትገብሩ፡ ሓቂ ኽትፈርዱ፡ እእዝዘኩም ኣለኹ። ነቲ ዝተዓመጸ ኻብቲ ዓማጺኡ ኣናግፍዎ (ኤር 22፡ 3)።
ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝነበረ መደብ መሠረት፥ ኣብ ከተማ-ኡምዮ ሃገረ-ስዊዲን፥ ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብተሳትፎ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን፥ ብዓቢይ ድምቀት ክጽምበል ክኢሉ። ከተማ-ኡምዮ፥ ካብ ስቶኮልም ርሕቕ ዝበለት ስለ-ዝኾነት፥ ናብታ ከተማ ንምብጻሕ ቀረባ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቶም ቅንኣት ቤት-ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ግና፥ እዚ ርሕቀት’ዚ ምኽንያት ኮይኑ፥ ካብቲ በዓለ ጽምብል ከትርፎም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ’ዮም ካብ ሃገረ-ስዊዲን ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከይተረፉ’ውን፥ ኣብዚ ተባሂሉ ዘሎ በዓለ-ጽምብል ተሳተፍቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ።
ብዕለት 17 ሓምለ 2019 ኣ.ፈ (፲ ሓምለ ፳፻፲፩ ዓ. ም ግእዝ) ብስም "ሲኖዶስ" ካብ ኣሥመራ ዝተዘርግሐ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ፥ ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዘሕዘነ ጉዳይ እዩ። ሕጋዊ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሎሚዶ ጽባሕ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ይምለሱ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሃረርታን ጸሎትን እንናተጸበዮም ከሎ፥ እቲ ብፖለቲከኛታት ተጎቲቱ ዝኸይድ ጉባኤ ጳጳሳት ዘስደምም ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ምውጽኡ፥ መምዘኒ ሕጊ-ኣልቦ ጉዕዞኡ ዘነጽር ዳግማይ ነቲ ጸሊም ታሪኹ ዝድርዕ ገበን እዩ።

“. . . ኢየሱስ ናዝራዊ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ኣብ ማእከልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን፡ ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ ነበረ። ነዚ፡ (ብመሰረት’ቲ) ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን ዝተወፈየ ኢየሱስ፡ ብኢድ ናይ’ቶም ሕጊ ዘይብሎም (ኣህዛብ) ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን፡ ሞት ኣጽኒዑ ኺሕዞ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ።” ግብ 2፡22-24 ካ.ት
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ኣቦ ኩሉ ክኾኑ፥ ነታ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ መተካእታ ክኾኑ፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተመሪጾም “ይግብኦ” ኢልኩም ጸሊኹም ዝመረጽክምዎም ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?
ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።
መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዚሓስቦ ሓሳባት፡ ኲሉ ጊዜ ስናይን ንደሓናን ዚኸውን ምዃኑ እዩ። ኣብዛ ኣብ ምድሪ እዚኣ ኣብ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመና፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ኣንጻራውን ኲነታት ኢና እንሓልፍ። ኣብቲ ዚሰማምዓና ዂነታት ክንህልዉ ከሎና ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ዚህልወና ስምዒታትን ርድኢትን በኣንጻሩ ኣብቲ ዘይንፈትዎ ዂነታት ክንህሉ ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚህልወና ስምዒትን ርድኢትን፡ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ ዝተረሓሓቐ እዩ።
ጉባኤ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፥ እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ-ካህናት ሎሚ ዓመትውን ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ንሠለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ ክካየድ ቀንዩ ብሰላም ተዛዚሙ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ