S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓሙስ 27 መስከረም 2018 ዓ.ም በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።

ኣምላኽ ቅዱስን ብሩኽን በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን ።

መሰቀል ጽንእነ

መሰቀል ቤዛነ

መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ

ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮንጀርመን, 7ይ - ክፋል

ጉዕዞ ሕይወተይ ብኸምዚ ይቕጽል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ዝተማልአ ጥዕና ግና ኣይነበረንን። ማለት ከቢድ ናይ ጸቕጢ-ደም ሕማም ስለ-ዝነበረኒ፥ ቅሳነት ነይሩኒ ክብል ዝኽእል ሰብ ኣይነበርኩን። እቲ ዓቐነይ 200/100 ዝበጽሕ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሓደ ግዜ ኣብ ዓራተይ ኮይነ “-ኣታ ጎይታይ በጃኻ ካብዚ ሕማም ገላግለኒ ኢለ-” ጸለኹ። ብእኡ ቀጺለ ምስ-ደቀስኩ ድማ፥ ነዚ ዝስዕብ ሕልሚ ኣብ ድቃሰይ ኮይነ ክሓልም ከኣልኩ። ማለት ሐደ ዝኾነ ነገር፥ ገጸይ ትንክፍ ዘብለኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ከም ሓውሲ ስምባድ ብር ኢለ ብምትንሣእ ድማ፥ ቀልጢፈ መብራህቲ ኣብራህኩ። እንተኾነ ኣብቲ ክፍሊ ዝኾነ ነገር ዝረኣኹዎ ኣይነበረንን። ቀጺለ ድማ ኣብ ድቃሰይ ኣቶኹ። ልበይ ኣውዲቐ ድማ በጥ ኢለ ደቀስኩ።

እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት መንበረ-ማርቆስ፥ ጸኒዑ ይርከብ ከም ዘሎ ዝእመነሉ፥ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ ዘሎ መንበር። ሓድነት ቤተ-ክርስቲያን ንምዕቃብ ብዘለዎ ሓላፍነት፥ ብብዙሕ ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ዝፍለጥዩ። ድሕሪ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ መቝሕ ምእታዎም፥ ማለት ካብ 1998 / (2006) ኣትሒዙ። እዚ ብብፁዕ ኣቦና እናተመርሐ ዝጐዓዝ ዘሎ መንበረ-ጵጵስና፥ ታሪኽን ክብርን ሓድነትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ንምዕቃብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፥ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሓበንን ተስፋን ኮይኑዎ ይርከብ ምህላዉ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ።

ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። .... እምበኣርሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ፡ ንሱ ኸኣ ካባኻትኩም ኪሃድምዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩምዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን ልብኹም ኣንጽሁ።ያእ 46-8 .

ኤጲፋንያ ብምባል እንጽውዖ ብቋንቋ ግሪክ፡ ብናይ ግእዝ ቋንቋና ድማ ኣስተርእዮ ተባሂሉ ተተርጊሙ። ትርጓሜኡ ድማ ምግላጽ ማለት ኢዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ዘመነ ኣስተርእዮ ወይ ድማ ናይ ምግላጽ ዘመን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ኣስተርእዮ

ኣብ ቅንያት በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንርከብ ምህላውና ክንዝክሮ ግዲ ይብለና። ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መዓልቲ ሰማእትነቱ ክንዝክር እንከለና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ንዝግበር ዓመጽ ብትብዓት ናብ ንጉስ ቀሪቡ ክኹንኖ እንከሎ፥ እታ ክብርቲ ህይወቱ ድማ ብሰማእትነት ከም ዝሓለፈት ንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል "ጐደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቅንዑ። "ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን" (ሉቃ 3 4-5) እምበኣር ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኮይና፥ ዓመጽ ዘበለ የብቅዕ፡ ቄናን ኣካይዳ ይወገድ ብምባል ነቲ ዓማጺ ስርዓት ናይ ሃገርና ብትብዓት ከም ዮሓንስ ደው ምባል ክንላማመድ መንፈሳዊ ትብዓት ይሃበና ይብል።  እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል "ቅኑዕ ክትገብሩ፡ ሓቂ ኽትፈርዱ፡ እእዝዘኩም ኣለኹ። ነቲ ዝተዓመጸ ኻብቲ ዓማጺኡ ኣናግፍዎ (ኤር 22 3)

ከም-ዝፍለጥ ንህብን ሃመማን ተመሳሰልቲዮም። ምውዓሎም ግና ሓደ ኣይኮነን። ከመይሲ ሃመማ ዝርከበሉ ኣድራሻ፥ ኣብ ጎዱፍ ክኸውን ከሎ። ንህቢ ግና ኣብ ቖፎ መዓር ዝርከብ። ምርጫ ሰባትውን ከምኡ ይፈላለ እዩ። ገሊኦም መንገዲ ዴማስ መሪጾም፥ ናብቲ ባሕሪ-ዓለም ዘሊሎም ብምእታው ክሕምብሱ ከለዉ። ገሊኦም ድማ ብኣንጻሩ መንገዲ ቤት-ኣምላኽ መሪጾም፥ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምውዓሎም ምሕዳሮም ዝገብሩ ኣለዉ።

ሰንበት 30 መስከረም 2018መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ 

እቶም ግቡዛት፡ ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉዮምሞ፡ ክትጾሙ ኸሎኹም ከምኣቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ።ማቴ 616 .

ኣብ መበል 19 ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ (ቀዳም 22 ሓምለ 2017) ዝተዋህበ ስብከት።

መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ከም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባና ዚሓስቦ ሓሳባት፡ ኲሉ ጊዜ ስናይን ንደሓናን ዚኸውን ምዃኑ እዩ። ኣብዛ ኣብ ምድሪ እዚኣ ኣብ እነሕልፎ ሓጺር ዕድመና፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ኣንጻራውን ኲነታት ኢና እንሓልፍ። ኣብቲ ዚሰማምዓና ዂነታት ክንህልዉ ከሎና ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ዚህልወና ስምዒታትን ርድኢትን በኣንጻሩ ኣብቲ ዘይንፈትዎ ዂነታት ክንህሉ ከሎና ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዚህልወና ስምዒትን ርድኢትን፡ ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ ዝተረሓሓቐ እዩ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div