S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣየ ትሕትና - ቊ.1 (14 መስከረም 2025 ፈ | መስከረም 4, 2018 ግዕዝ)

 "እቲ ቕድመይ ዝነበረ፡ ድሕረይ ዚመጽእ ንሱ (ኢየሱስ)’ዩ። ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ’ኳ ዘይበቅዕ’የ።" ዮሃ 1፡27 ካ.ት

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 11 ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 1-7 ዘሎ ሰሙን፡ "ዘመነ ዮሐንስ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና። ዘመነ ዮሐንስ፡ ንመጥምቀ መለኮት ንቕዱስ ዮሐንስ ክንዝክረሉ፡ ካብ’ቲ ዝነበሮ ቕዱስ ህይወትን ኣገልግሎትን ብዙሕ ክንምሃረሉ፡ ኣብ ኣሰሩ ረጊጽና ኣርኣያኡ ንስዕብ ምህላውና ኸነረጋግጸሉ ዝተሰርዓልና ኣገዳሲ ቕንያት’ዩ። ቅዱስ ዮሐንስ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ብቕዱሳን ነብያት ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ነብዩ’ዩ (ኢሳ40፡3-5 ፣ ሚል3፡1 ፣ 4፡5,6)። ንሱ ናይ ኣምላኽ ኣዋጅ ኪነግር፡ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መገዲ ኺጸርግ ዝተላእከ፡ ብመንፈስ ቅዱስ "ነብዪ ናይ’ቲ ልዑል" ዝተሰምየ፡ ዓብይ ናይ ኣምላኽ ሰብ’ዩ። በቲ ነብዪ ኤልያስ ዘገልገለሉ መንፈስን ሓይልን ዘገልገለ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኤልያስ ድማ’ዩ (ሉቃ1፡17 ፣ ማቴ11፡13-15 ፣ 17፡11-13)። ኣብ’ቲ ህዝቢ እስራኤል ካብ ኣምላኽ ርሒቑሉ ዝነበረ ኽፉእ ዘመን፡ ልዑል ተቐባልነት ረኺቡ፡ ህዝቢ ናብ’ቲ ዘለዎ ኣጻምእ በረኻ እናኸደ ይሰምዖን ይንሳሕን ይጥመቕን ነበረ (ማቴ3፡5,6)። በቲ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ድማ፡ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት ምድሓን ኣስነቖ (ሉቃ1፡76,77)። ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 30 ዓመቱ ኺጥመቕ ናብኡ ኺመጽእ ምስ ረኣዮ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ምዃኑ፡ ብመለኮቱ ቕድሚኡ ዝነበረ፡ ብስጋ ግና ድሕሪኡ ዚመጽእ ስግው መለኮት ምዃኑ፡ ካብኡ ዚሕይልን ዚብርትዕን ዚዓብይን፡ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ ንሱ ምዃኑ መስከረሉ (ዮሃ1፡26-34)። ነቲ ፍጹም ኣምላኽ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኢዱ ስለ ዘጥመቖ ድማ፡ ብኣገላልጻ ቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ “መጥምቀ መለኮት” ተባህለ (ማቴ3፡13-17)። ኵሉ ኣገልግሎቱ፡ ንርእሱ ኣንኢሱ (ኣትሒቱ) ንክርስቶስ ንምዕባይ ዝተወፈየ ነበረ (ዮሃ3፡29,30)። በቲ ዚህቦ ዝነበረ ትብዓት ዝመልኦ ኣገልግሎቱ ንማእሰርትን ሰማእትነትን ዝበቕዐ፡ ቅዱስ ነብዪ’ዩ  (ሉቃ3፡19,20 ፣ ማቴ14፡1-12)።

ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር ሰንበት "ዮሐንስ አኅድአ" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ትርጉሙ ኸኣ፦ “ዮሐንስ ካብ’ቶም ካልኦት ንላዕሊ ኸም’ዚ ብምባል ጨደረ፡ "ቃለ-አብ ካብ ላዕሊ ወረደ"፡ ማይ ዮርዳኖስ ካብ ግርማ መለኮቱ ዝተላዕለ ተናወጸ። ኵሉ ኃይሊ ሰማያትን ምድርን ድማ ሰንበደ። ዮሐንስ ንኢየሱስ ምስ ረኣዮ፡ "እንሆ ገንሸል እግዚኣብሔር" ኢሉ ጨደረ። ኢየሱስ ንዮሐንስ፡ "ማይ ብማዕተብ ሰማይ ምእንቲ ኪቕደስ፡ ብማይ ኣጥምቐኒ" በሎ። ዮሐንስ ንኢየሱስ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ኣጥመቖ። ምስ ኣጥመቖ ድማ፡ ንርእሱ ተጠምቀ። ነቲ ሕዝቢ ድማ፡ "ሰንበት ኣኽብሩ፡ ጽድቂ ግበሩ" ኢሉ መሃሮ።

ዮሐንስ፡ ኣብ በረኻ ብቓል ሰላም፡ ጥምቀተ ንስሓ ኺሰብኽ መጸ። ንሱ (እቲ ቓል) ንሰንበት ጐይታኣ’ዩ። ሰንበቶም ንጻድቃን ሓጐስ፡ ንኃጥኣን ከኣ ዕረፍቲ’ያ። ሎሚ ኣብ’ዛ ዕለት’ዚኣ ሓቢርና ንተሓጐስ።”

ማለት’ዩ። እዚ መዝሙር’ዚ፡ ነቲ ጥምቀት ጐይታና ዚትርኽ ክፍሊ ናይ ቅዱስ ወንጌል መሠረት ብምግባር ዝተዳለወ መዝሙር’ዩ (ማቴ 3፡13-17 ፣ ዮሃ 1፡26-34 ማቴ 23፡35)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 1፡19-37 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ቅዱስ ዮሐንስ ብፈሪሳውያን ምስ ተሓትተ ዝሃቦ መልስን ጐይታና ናብኡ ገጹ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ ብዛዕባኡ ዝሃቦ ምስክርነትን ዚገልጽ ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 1፡19-37 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ዝተወስደ’ዩ።

ትሕትና ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዓብይ ኣብነት ዚኸውን ንምንታይ’ዩ፧ ነቲ ትሕትናኡኸ ብኸመይ’ዩ ኼርእዮ ዝኸኣለ፧ ቅድሚ ዅሉ ነቲ ብቕዱሳኑ ገይሩ ከቶ ዘይሃስስ ድሙቕ ኣርኣያ ዝጸገወናን ርእሱ’ውን ብዘይ ምስክር ዘይሓደገን ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኸነመስግኖ ይግብኣና’ዩ። እቲ ንጉስ ትዕቢት ዝዀነ ድያብሎስ ኣብ ዚገዝኣ ዓለም እናነበርካ፡ ኣብ ከማኻ ዝፍጥረቱ፡ ስጋ ዝለበሰ ሰብ ከም’ዚ ዝበለ ትሕትና ምርኣይ፡ "ተኣምር’ዩ" ኺብሃል ዚኽእል’ዩ። እቲ ንእኡ ዝተዋህበ ጸጋን ተልእኾን እምብዛ ዓብይ’ዩ። ሰብ ክነስኻ ናይ ኣምላኽ ጸራግ መገዲ ምዃን፡ ንሰብ ከቶ ዘይምጥኖ ዓብይ ተልእኾን ክብርን’ዩ። መሪሕ ጥቕስና ኣግሂዱልና ኸም ዘሎ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ’ቲ መገዱ ዚጸርገሉ ዘሎ ኣካል መንነት ጽቡቕ ገይሩ ብንጹር ይፈልጥ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ዮሃንስ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ’ዩ ዝተወልደ (ሉቃ1፡36)። ናይ ቀረባ ኣዝማድ ከም ምንባሮም መጠን ድማ፡ ቅዱስ ዮሃንስ ነዚ ሓቂ’ዚ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ’ዩ። እቲ ገላጽ ምስጢራት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሉ ግን፡ ናይ ቅድመ-ዓለም ጥንታዊ ህልውና ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ ኣጸቢቝ ተረዲኡ ነበረ። ስጋ ንዝለበሰ መለኮት የገልግል ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ፡ ብመለኮታዊ ህላወኡ ቕድሚኡ ኸም ዝነበረ፡ ስጋ ብምልባስን ሰብ ብምዃንን ግን ድሕሪኡ ኸም ዝመጸ ተኣመነ። ናይ ትሕትናኡ መበቈልን መሰረትን ድማ፡ እዚ ቕኑዕን ዓሚቝን ርድኢት’ዚ’ዩ። ካብ ኣካይዳ ኣይሁድን ካብ ቃል ጐይታን ከም ’ንርድኦ፡ "ነብዪ ኣብ ዓዱ ይንዓቕ’ምበር፡ ከቶ ኣይከብርን’ዩ"  (ማቴ 13፡57፣ ሉቃ 4፡24፣ ዮሃ 4፡44) ቅዱስ ዮሓንስ ግን በዚ ሰብኣዊ ድኻም’ዚ ኸይተዓንቀፈ ነቲ ባዕሉ ብስጋ ዚቕድሞን ዚዓብዮን ሓዉ፡ ሓለፋ ርእሱ ኣዝዩ ኣዕበዮ። ኣይሁድ ንኢየሱስ ዝነዓቕዎ፡ ብዛዕባ መለኮትነቱ ስለ ዘይፈለጡ ጥራሕ’ዩ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኵሉ’ቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ዚገብሮ ዝነበረ መስተንክር ተኣምራት፡ ግብሪ መለኮት’ምበር፡ ግብሪ ሰብ ኣይነበረን። ልቦም በቲ ኣጋንንታዊ ባህርይ፡ ብትዕቢት፡ ተበላሽዩ ስለ ዝነበረ ግና፡ ንእምነትን ንንስሓን ዚኸውን መንፈሳዊ ዓቕሚ ኣይተረኽቦምን። ስለ’ዚ ኸኣ ሃዋርያ ዮሃንስ፦ "እዚ ኽንዲ’ዚ ዚኣክል ተኣምራት ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ "ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደሉ፡" ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጽም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን።" ብምባል፡ ነታ ኣብ ማእከሎምን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምን ዝተራእየት፡ናይ’ቲ ኣምላኽነቱ ዘግሃደ ኢየሱስ ግህድቲ መንነት ከም ዝነጸግዋን ከም ዝኸሓድዋን ገለጸልና (ዮሃ 12፡37,38)። ቅዱስ ዮሃንስ ግን፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ ዝተወልዱ ዅሎም ሰባት እቲ ዝዓበየ ምዃኑ፡ ብልሳን ጐይትኡ ተመስኪሩሉ ኼብቅዕ፡ ናይ ክርስቶስ ናይ ኣሳእኑ ስራኽ (ላቺ) (Shoelace) ኪፈትሕ’ኳ ዘይበቅዕ ምዃኑ፡ ብቕንዕናን ብዓውታን ልባዊ ተኣምኖኡ (Confession) ብምሃብ ንትሕትናኡ ብርእዮ ኣግሃደ (ማቴ 11፡11)።

እቲ ዚምገቦ ምግቢ፡ ዚለብሶ ኽዳን ኰነ ዚነብረሉን ዜገልግለሉን ቦታ ንርእሱ፡ ካልእ ናይ ትሕትናኡ መርኣያ’ዩ። ካህን ወዲ ኻህናት’ዩ ዝነበረ (ሉቃ1፡5)። ስለ’ዚ ኸም ኵሎም ካህናት ቤት እስራኤል፡ ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ንመስዋእቲ ኻብ ዝመጸ ዅሉ ብሉጽ ቀረባት ናይ ምምጋብን ኣብ ማእከል ከተማ ኢየሩሳሌም ናይ ምንባር መሰልን ሓለፋን ነይርዎ’ዩ (ዘሌ 6፡16-18 ፣ 8፡13፣ 1ሳሙ 2፡28)። ክብርን ልዕልናን ናይ’ቲ ዝለኣኾ ኣምላኽ’ምበር፡ ክብሪ ርእሱ ዘይደልይ ናይ ኣምላኽ እሙን ኣገልጋሊ ስለ ዝነበረ ግና፡ ከም’ቲ ብትንቢት ዝተነግረሉ፡ "ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ" ኪኸውን ናብ በረኻ (ምድረ በዳ) ናይ ይሁዳ ወጸ (ማቴ 3፡1-3)። ስለ’ዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድረ በዳ ተጸፍዩ ኣብ ምድረ በዳ ዚነቍሕ ኣንበጣ ይምገብ ነበረ።

እቶም ካብ ኣምላኽ ንዝተላእከ ዅሉ ዚጻረሩን ዜጥፍኡን ሕሱማት ኣይሁድ፡ ብጐይታኦም ብድያብሎስ ተላኢኾም፡ ናብ ገዛእ ርእሱ ኼድህብን ኬቕልብን’ሞ፡ ብትዕቢት ተፈቲኑ ኺወድቕ ስለ ዝደለዩ፡ "መን ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፧ እቲ ነብዪ (ክርስቶስ) ዲኻ፧ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፧" እናበሉ ከም ሕሱም ተሃላለኽዎ። ንዅሉ ሕቶኦም ብኣሉታ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ መወዳእታ "ሰብ’የ" ዘይኰነስ፧ "ድምጺ’የ" ብምባል ኣቕበጾም። ናይ’ቲ ንሳቶም "እቲ ነብዪ" ኢሎም ዝሰመይዎ ክርስቶስ ስራኽ ኣሳእን ኪፈትሕ’ኳ ኸም ዘይበቅዕ ብምግላጽ፡ ነታ ዘይፈልጥዋን ዚጽየፍዋን ትሕትና፡ ብግብራዊ መገዲ ኣርኣዮም።

እቲ ዝተዋህቦ ተልእኾ ምስ’ቲ ዘርኣዮ ትሕትና ዜዛምዶ እንታይ’ዩ፧ ብኸመይ’ዩኸ ናይ ክርስቶስ ጸራግ መገዲ ዝዀነ፧ ጸራግ መገዲ ኺብሃል ከሎ፡ ብእግሪ ዚኽየዶ መገዲ ኺጸርግ ከም ዘይመጸ፡ ንዝዀነ ሰብ ርዱእ’ዩ። ነብዪ ኢሳይያስ፡ ነቲ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ተልእኾ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ብስእላዊ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።

"ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ፡ ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኵሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል። ቄናን ይቕናዕ፡ ድንጕር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።" ኢሳ 40፡3,4

ነዚ ቓል’ዚ ብምስትውዓል እንተ’ንቢብናዮ፡ እቲ መገዲ፡ ሰባት ዚኸዱሉ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ዚኸደሉ መገዲ’ዩ። በዚ ዮሃንስ ዝጸረጎ መገዲ ዚኸይድ ኣምላኽ ከኣ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። እግረ መገድና’ውን፡ እዚ ትንቢታዊ ቓል’ዚ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽነት ዜረጋግጽ ምዃኑ ኸነስተውዕል ይግብኣና። እቲ "በረኻን ምድሪ ኣጻምእን" ዚብል ቃል ድማ፡ ናይ’ቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ሃለዋት ዜርእይ ተምሳላዊ ኣገላልጻ’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይቶት ዝዀነ ኢየሱስ (ራእ 17፡14)፡ ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከል ሰብ ኪነብር ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ናይ’ቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ዅነታት ኪተኻኸል የድልይ ነበረ። እቲ ኸም ኣኽራን ብትዕቢት ዝተነፍሐ፡ ብትሕትና ለጠቕ ኪብል፣ እቲ ኸም ስንጭሮ እምብዛ ዝወረደን ዝተዋረደን ድማ ልዕል ኪብል ኣድላዪ ነበረ። ናይ’ቲ ህዝቢ ህይወትን መንፈሳውነትን፡ በቶም ንርእሶም ዘይጥዑያት ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪተኻኸል ኣይክእልን’ዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም፡ ንርእሶም ኪተኻኸሉ ዚግብኦም ቄናናት’ዮም ዝነበሩ። ነቲ ጽሑፍ ጥራሕ ደኣ ይፈልጥዎ’ምበር፡ ኣምላኽ ብስጋ ይመጽእ ከም ዝነበረ ፈጺሞም ኣይፈልጡን ነበሩ። ስለ’ዚ ኻብ ማእከሎም፡ ካብ ዓሌት ካህናት ዝዀነ ኻህን ኣተንስኣሎም። ብዅሉ መንፈሳዊ መምዘኒታት፡ ኣበር ኬውጽኡሉ ዘይክእሉ ሰብ ነበረ። ብትምህርቱ፡ ብኣነባብራኡ ዀነ ብህይወቱ ዚምህር ነብዪ ዀይኑ፡ ኣብ በረኻታት ይሁዳ ሰፈረ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስን ኣብ ኣብያተ ጸሎትን ብግብዝነት ዘሰልከይዎ መምህራኑን መራሕቱን ገዲፉ፡ ናብ’ቲ መጽለሊ’ኳ ዘይረኽበሉ በረኻታት ይሁዳ ጐረፈ፡። እዚ ናይ ህዝቢ ጐርፊ (ዋሕዚ)’ዚ፡ ተልእኾ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ማዕረ ኽንደይ ሸቶኡ ዝወቕዐ ውጽኢታውን ዕዉትን ከም ዝነበረ ዜረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ’ዩ።

እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ናይ ጥምቀት ስርዓት፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘይነበረ፡ ንመጀመርታ ጊዜ ብእኡ ዝተኣታተወ ሓድሽ ስርዓት ክነሱ፡ እቲ ህዝቢ ብዘይ ዝዀነ ተቓውሞ ተቐቢሉ ይጥመቕ ነበረ። ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን’ውን ብውሽጦም ዘይተቐበልዎ ኽነሶም፡ እቲ ህዝቢ ኸይምዓቶም ስለ ዝፈርሁ፡ ንገጽ ርአ ተጠመቑ። እቶም ዚጥመቑ ሓጢኣቶም እናተኣመኑ (እናተነስሑ) ይጥመቑ ነበሩ። ንስሓ ድማ፡ ምቕናዕ ምምላስ ማለት’ምበር፡ ካልእ ትርጕም የብሉን። ንስሓ፡ ግብራዊ ምስጢር’ዩ። ንስሓ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ትሕትና ተግባር ድማ’ዩ። ዘይምንሳሕ’ውን፡ ናይ ትዕቢት ዝለዓለ ፍረ’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ እግዚኣብሄር ንጸሎት ንጉስ ሰለሞን መልሲ ኺህብ ከሎ ብቓሉ ኣረጋጊጹልና’ዩ። መስርሕ ንስሓ፡ ትሕት ብምባል ጀሚሩ ካብ ክፍኣትካ ብምምላስ ከም ዚዛዘም፦ "ንሰማይ ማይ ከየውርድ እንተ ዓጸኽዎ፡ ነንበጣ’ውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡ እዚ ብስመይ ዝተሰምየ ህዝበይ ትሕት እንተ በለ፡ (ምሕረት) እንተ ለመነ፡ ገጸይ’ውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ’የ፡ ንሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ንምድሮም’ውን ክፍውሰሎም’የ።"

ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (2ዜና 7፡13,14፣ 1ነገ 21፡17-24,27-29 ፣2ዜና 33፡10-13፣ 2ዜና 12፡12)። ስለ’ዚ ናይ ንስሓ ኣገልግሎት ምሃብ፡ ናይ ትሕትና ኣገልግሎት ምሃብ ማለት’ዩ። ኣገልግሎት ትሕትና ኸኣ፡ ብትሑታት ሰባት ጥራሕ ዚውሃብ ኣገልግሎት’ዩ። ዕቡያት ኣገልገልቲ፡ ሓጢኣት የሰስኑ፡ ልቢ ተገልገልቶም የትርሩ’ምበር፡ ንህዝቢ ብንስሓ ኺመልሱ ዜኽእሎም መንፈሳዊ ብቕዓት የብሎምን። ምኽንያቱ ንስሓ ንልቢ ዕቡያት፡ ዕሽነትን ሕመቕን’ዩ። ስለ’ዚ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ኣገልግሎት፡ ናይ ንስሓ ጐደና ምጽራግ’ዩ። እቲ ህዝቢ ብንስሓ ምስ ቀንዐ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ናብ’ቲ ህዝቢ’ቲ ይመጽእ’ሞ፡ ምሕረቱን ጽድቁን ይህብ ማለት’ዩ። ቅዱስ ዮሃንስ ንልቢ ናይ’ቲ ህዝቢ ብንስሓ ምስ ጸረጎን ምስ ኣቕንዖን፡ እቲ መድሓኒ ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ኣብ ማእከል ህዝቡ ተጋህደ። ጐይታና ቕድሚ ምግሃዱ፡ ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ 30 ዓመታት ምሉእ ተቐሚጡ’ዩ። እቲ ህዝቢ ብኣገልግሎት ዮሃንስ ብንስሓ ኽሳዕ ዚቐንዕ ግን፡ ኪግሃድ ኣይፈቐደን። ኣብ’ዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ዮሃ 1፡19-37)፡ ነቶም ኬዋጥርዎን ኬፈንጥርዎን ዝመጹ ኣይሁድ፡ "ኣነ ብማይ አጥምቕ ኣለኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ (ግን ከኣ) ድሕረይ ዚመጽእ ንሱ’ዩ" ከም ዝበሎም ኣንቢብና ኣለና (ዮሃ 1፡26,27)። ሃዋርያ ዮሃንስ’ውን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ፦ "እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን-ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለም’ውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና (ኣብኣ ምንባሩ) ኣይፈለጠቶን።" ብምባል ደጊሙ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1፡9,10)። እግዚኣብሄር ዚመላለሰሉ ጐደና፡ እቲ ብንስሓ ዝቐንዐን ዝነጽሀን ልቢ ስለ ዝዀነ ግና፡ ዮሃንስ መጥምቕ ብንስሓ ንልቢ ህዝቢ ኽሳዕ ዚጸርጎ፡ ኢየሱስ ንህዝቢ ኣይተጋህደን። እቲ ብነብዪ ሚልክያስ ዝተነግረ፦

"እግዚኣብሄር ጐይታ ሠራዊት፡ "እንሆ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፡ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ’ዩ። ብኡንብኡ ኸኣ፡ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ’ዩ፡ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ ይመጽእ ኣሎ።"

ዚብል ቃል ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቲ እንደልዮን ዝናፈቕናዮን ጐይታና ኣብ ኣገልግሎት ዮሃንስ ተጋሂዱ፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቑ፡ ነቲ ዝተጸርገ ጐደና ተረኪቡ ኣገልግሎቱ ጀመረ (ሚል 3፡1)።

ንኣና ንህዝበ ክርስትያን፡ ናይ’ዚ ዘመን’ዝን ናይ’ዚ ቕዱስ ኣቦ’ዝን መልእኽትን ኣርኣያን እንታይ’ዩ፧ ትዕቢትና ዀነ ትሕትናናኸ ብኸመይ’ዩ ዚግሃድ ዘሎ፧ ኣቐዲሙ ተኣሚቱልና ኸም ዘሎ፡ እዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን፡ "ዘመነ ዮሃንስ"‘ዩ ዚብሃል። ክሳዕ ሕጂ ተማሂርናዮ ብዘለና መሰረት፡ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ዘመንን ኣገልግሎትን፡ ናይ ንስሓን ትሕትናን ስለ ዝዀነ፡ "ዘመነ ንስሓን ዘመነ ትሕትናን" ኺብሃል’ውን ይኽእል’ዩ። ቃል እግዚኣብሄር ኰነ ዕለታዊ ተመክሮና ኸም ዜረጋግጸልና፡ ከይሓጥአ ኸይበደለ ኺነብር ዚኽእል ሰብ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ የለን (1ነገ 8፡46፣ እዮ 9፡20፣ 25፡4-6፣ ምሳ 20፡9፣ መክ 7፡20፣ ኤር 2፡35፣ ሮሜ 3፡9-23፣ 1ዮሃ 1፡8)። ምሉእ መዓልቲ ብሓሳባትና፡ ብስምዒታትና፡ ብቓላትና ዀነ ብተግባርና፡ ሓንሳእ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብተደጋጋሚ ኽንሓጥእ ኢና ’ንውዕል። "ሓጥኣን" ንኽንብሃል ድማ ንዅሉ’ቲ ሕግታት ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ኽንጥሕሶን ከነፍርሶን ክንውዕል ኣየድልን’ዩ። ኣብ ምሉእ ዕድመና ሓንቲ ሕጊ ንሓንቲ ጊዜ ጥራሕ እንተ’ፍረስናያ’ኳ፡ ዕድመና ምሉእ "ሓጥኣን" ኢና፡ ብዘይካ ገሃነም ከኣ ካልእ ስፍራ የብልናን (ያእ 2፡10,11፣ ማቴ 5፡19 ፣ 7፡26,27 ፣ ሮሜ 2፡8,25 ፣ ገላ 3፡10 ፣ ኤፌ 5፡6 ፣ 2ተሰ 1፡8-10 ፣ 1ጢሞ 1፡9,10 ፣ እብ 2፡2,3)። ስለ’ዚ ኸኣ’ዮም ቅዱሳን ሃዋርያት፡ ብግብርና ፈጺምና ኽንድሕን ከም ዘይንኽእል ብኣጽንዖት ዘረጋገጹልና (ኤፌ 2፡8,9፣ 2ጢሞ 1፡9፣ ቲቶ 3፡5፣ ሮሜ 4፡2)። ስለ’ዚ ጽድቂ ሰብ ብንስሓ ጥራይ’ምበር፡ ብኻልእ ኣይኰነን። ንስሓ ድማ፡ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ውህበት ጸጋ’ዩ። ክርስቶስ ኣብ መስቀል ደሙ ኼፍስሰልና ኸሎ፡ ሕድገት ሓጢኣት’ዩ ዘውሃበና። ስለ’ዚ ሓደ ሰብ ጸዲቑ ማለት፡ ሕድገት ሓጢኣት ረኺቡ ማለት’ምበር፡ ካልእ ኣይኰነን። ሕድገት ሓጢኣት ግን፡ ንዝተነስሑ ጥራሕ ዚውሃብ ጸጋ’ዩ። ስለ’ዚ ቅዱሳን ሃዋርያት፡ "(ሰባት) በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ" ኺብሉና ኸለዉ፡ "ብንስሓን ብሕድገት ሓጢኣትን ይጸድቁ" ይብሉና ኸም ዘለዉ ነስተውዕል (ሮሜ 3፡2፣ ግብ 5፡11 ፣ ሮሜ 4፡16 ፣ 5፡15 ፣ 11፡6 ፣ ገላ 2፡16 ፣ ኤፌ 2፡5,8 ፣ 2ጢሞ 1፡9 ፣ ቲቶ 2፡11 ፣ 3፡7 ፣ እብ 13፡9)።

እቲ ጸገም’ምበኣር ኣብ’ዚ’ዩ ዚግሃድ። "ብክርስቶስ ዝኣምን ክርስትያን’የ" እናበልካ፡ ብዛዕባ’ቲ ዕለት መጸ ዚደጋገም ብዙሕ ዝዓይነቱን ዝኽብደቱን ኣበሳኻ ከይተነሳሕካ ናይ ምንባር መንፈሳዊ መልእኽቲ እንታይ’ዩ፧ "እግዚኣብሄር ንሓጢኣት ከም ሓጢኣት ምርኣይ ገዲፍዎ’ዩ፡ ኣብ ሓጢኣት ናይ ምፍራድ ስልጣንን ዓቕምን የብሉን፡ ወይ’ውን ብመሰረቱ እግዚኣብሄር የለን" ዚብል እምነት ኣማዕቢልና እንተ ዘይኴንና፡ ንንስሓ ’ንንዕቀሉን ’ንሓድገሉን ምኽንያት ኪህልወና ኣይክእልን’ዩ። ንፍተው ንጽላእ፡ ይረድኣና ኣይረድኣና፡ ዘይምንሳሕና ነዚ ግሁድ ሰይጣናዊ መልእኽቲ’ዚ ብዓውታ የመሓላልፍ ከም ዘሎ ግን፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኼጠራጥረና ኣይግባእን’ዩ። 

እንተ ተነሳሕና ድማ ከም’ቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣትና ዝጐሃዮ ጌርና እናጐሃና ዘይኰነስ፡ ከም’ቲ ነብዪ ኣሳፍ፦ "ብኣፎም ኣቀባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሓሰዉሉ። ልቦም ናብኡ ኣይቀንዐን፡ ብኺዳኑ’ውን እሙናት ኣይነበሩን።" ዝበሎ፡ ናይ ቃል ዓለም ናይ ጥበራ ንስሓ ንኣትው (መዝ 78፡36,37፣ ኢሳ 29፡13፣ 48፡1፣ 58፡4፣ ኤር 5፡2፣ 7፡8-10፣ 12፡2፣ ህዝ 33፡30-32፣ ሆሴ 8፡1,2፣11፡12፣ ማቴ 7፡21፣ 23፡3፣ 8፡39,41፣ ሮሜ 2፡21,22)። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ከም’ዚ ገይሩ ዜበላሽወና ዘሎ፡ እቲ ኣብ ልብና ዝተደጐለን ዘድበየን ስዉር ዚመስል ግሁድ ትዕቢት’ዩ። ዘይምንሳሕ፡ ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ባህርይ’ዩ። ንሰይጣን ናብ ከም’ዚ ዘብጽሖ ድማ፡ እቲ ኻብ ገጽ እግዚኣብሄር ኪድርበይን ካብ መልኣኽ ብርሃን ናብ መልኣኽ ጸልማት ኪልወጥን ዝገበሮ ትዕቢቱ’ዩ። እምበኣር ኣብ’ዚ ዘመነ ንስሓን ትሕትናን’ዚ በቲ ንኣምላኽ ዜዕግብ ንስሓና ጌርና፡ ኣብ ህይወትና ንትዕቢት ስዒርና ንትሕትና ነንግስ ምህላውና ነረጋግጽ!!

ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራውን መንፈሳውን ናብራና፡ ትሕትናና ይኹን ትዕቢትና ብኸመይ’ዩ ዚግሃድ፧ ቅድሚ ዅሉ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ’ንነብሮ ዅሉ ናብራ፡ ምስ ጽድቅን ሓጢኣትን ዝተዛመደ ስለ ዝዀነ፡ ህይወትናን ናብራናን መንፈሳዊ’ምበር ስጋዊ ዘይምዃኑ ኸነስተውዕሎ ይግብኣና። መንፈሳዊ ናብራ ስለ ዝዀነ ድማ’ዩ፡ ብኸመይ ክንነብሮ ኸም ዚግብኣና፡ ካብ ኣምላኽ መንፈሳዊ ትእዛዛትን መምርሕን ዝተዋህበና። ምስ ወለድና ዘሎና ዝምድና ስጋዊ ስለ ዘይኰነ፡ "ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር" ዚብል መለኮታዊ ሕጊ ተሰርዓልና። ብዛዕባ ዅሉ ስጋዊ ዚመስል ተግባራትናን ዝምድናታትናን’ውን፡ መምርሒ ተዋሂቡና ኣሎ። ነዚ ትእዛዛት’ዚ ኺትግብሮ ዚኽእል፡ እቲ ትሕትና ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ኵሉ ሓጢኣት ድማ፡ ብትዕቢት’ዩ ዚፍጸም። ንዅሉ ሓጢኣት ቀዲምዎ ዚፍጸምን ነቲ ዚስዕብ ኵሉ ኻልእ ሓጢኣት መገዲ ዚጸርግን፡ ትዕቢትዩ። 

እግዚኣብሄር ብቓሉን ብትእዛዛቱን ገይሩ ድሮ ንፍቓዱ ገሊጹልና’ዩ። ስለ’ዚ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ፡ ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ የለን። ግን ንገዛእ ፍቓዱ፡ ካብ ፍቓድ ናይ’ቲ ልዑል ኣምላኽ እምብዛ ኣዕብዩን ኣኽቢሩን ስለ ዚጥምት፡ እናፈለጠ ፈትዩ ነቲ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ጥሒስዎን ረጊጽዎን ይሓልፍ። ትዕቢት ማለት ከኣ፡ ገዛእ ርእስኻን ገዛእ ፍቓድካን ካብ ኣምላኽን ፍቓዱን ንላዕሊ ኣዕቢኻ ምርኣይ ማለት’ዩ። ንሱ "ኣፍቅር" ኢሉ ይእዝዝ፡ ንሕና ግን "ካብ’ቲ ናቱ ፍቕሪ፡ ናተይ ጽልኢ’ዩ ዜሕሸኒ" ዚብል ትዕቢታዊ ውሳነ ሂብና፡ ኣብ ጽልኢ ተኣሊኽና ንነብር። "ኣይትፍረድ፡ ኣይትቀየም፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ’ዩ፡ ሕነ ኣይትፍደይ" ኢሉ ይእዝዘና። ንሕና ግን "ካብ ናቱ ፍርድን ፍትሕን፡ እቲ ናተይ ፍትሒ ብዕጽፍታት ይበልጽ፡ ስለ’ዚ ባዕለይ እፈርዶን እብቀሎን’ምበር፡ ንኣምላኽ ዜጸብይ ምኽንያት የብለይን" ኢልና፡ ብቒምታ ብዝሓረረ ሕልና፡ ኣብ ልዕሊ "በዳሊየይ" ’ንብሎ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ’ውን ሰፍ ዘይብል ከቢድ በደላት ክንፍጽም ንነብር። "ኣይትዘምዉ፡ ብቕድስና ንበሩ" ኢሉ ይእዝዝ፡ ንሕና ኸኣ "ኣብ ገዛእ ኣካላተይን ስምዒታተይን እንታይ ኣእተዎ፡ ከም ድላየይ ገይረ ደኣ ፍትወተይ አርውይ" ኢልና፡ ኣብ ታኼላ ርኽሰት ጥሒልና ንነብር። ብኣፍና ኸምኡ ኣይንብልን ኢና፡ ኣብ ኣእምሮና’ውን ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ኣይሽክርከርን ይኸውን። ካብ ሓሳባትን ቃላትን ኣዝዩ ብዝሓየለን ብዝኸበደን መገዲ ብግብሪ ’ንፍጽሞ እንተ’ሊና ግን፡ ነገሩ "ግብሪ፡ ካብ ቃላት ንላዕሊ ብዓውታ የስምዕ" ስለ ዝዀነ፡ መልእኽትና ድሮ ብንጹር ተመሓላሊፉ’ዩ። ንትዕቢቱ ኺስዕር ዘይከኣለ ሰብ፡ ንፍቓድ ኣምላኽ ኬሽካዕልለሉ’ምበር፡ ኪእዘዞ ኣይክእልን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ የማን ኣምላኽ ‘ንቐውም ብቑዓት ክርስትያን ምእንቲ ኽንከውን፡ ትዕቢትና ቐንጢጥና ትሕትና ንልበስ።

ዓስቢ ትሕትናን ትዕቢትንከ እንታይ’ዩ፧ ቃል እግዚኣብሄር፡ "ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም" ብምባል ኣሕጺሩን ኣነጺሩን ገሊጹልና’ዩ (እዮ 22፡29፣ ኢሳ 66፡1,2፣ ሉቃ 9፡48፣ 18፡14፣ ያእ 4፡6,10፣ 1ጴጥ 5፡5፣ ማቴ 5፡3፣ 18፡4፣ ምሳ 3፡34፣ 15፡33፣ 18፡12፣ 22፡4፣ 29፡23፣ ኢሳ 57፡15)። ስለ’ዚ ንትዕቢት ከም ቅዱስ ዳዊት ብጸሎት ንጋደሎ (መዝ 19፡12,13)። ነቲ ዘለኣለማዊ ዓስቡ ድማ’ምበር፡ ነቲ ምድራዊ ሳዕቤኑ ጥራሕ ኣይንርኣይ። መዓት ዘይኰነስ፡ ጸጋ ንናፍቕ። ኣሰር ናይ’ቲ "ልበይ ትሑት’ዩ" ዝበለ ጐይታናን ኣሰር ናይ’ቶም ብትሕትና ዝተዓወቱ ቅዱሳንን ደኣ ንስዓብ። ምሉእ ዘመን ህይወትና፡ ብስቡር ልብን ብቕጥቁጥ መንፈስን ንመላለስ (መዝ 34፡18፣ 51፡16,17፣ ኢሳ 66፡1,2፣ 57፡15)።)። ኣብ’ዛ ዘመነ ትሕትና’ዚኣ፡ ካባና ዘይውሰድን ዘይቅንጠጥን ትሕትና ንልበስ። ትሕትና ይኹን ትዕቢት ዝደለናዮ እንተ መረጽና፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ፍትሓዊ ኣምላኽ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣን ኣብ’ታ ’ትመጽእ ዓለምን ነቲ ዚግብኣና ዓስቢ፡ ሓንቲ’ኳ ኸየጕደለ፡ ኣኻዕቢቱ ኺፈድየና’ዩ’ሞ፡ ንለብም ደኣ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

14 መስከረም 2025 | መስከረም 4, 2018 ግዕዝ (1ይ ሰንበት: ቊ.፩/1)

ምስባክ

መዝ: ፹፬(፹፭)፡፲,፲፩ "ሣህል ወርትዕ ተራከባ። ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ። ርትዕሰ እምድር ሠረጸት።"

"ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ። ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቍል፡ ጽድቂ`ውን ካብ ሰማይ ክትጥምት’ያ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 11፡17-23

ዲያቆን

ያእ 2፡1-13

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 18፡24-ፍጻመ

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 1፡19-37

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ መዝሙር፦ እኩት አንተ

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div