"ነቲ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወልደ፡ ካብ ምዉታት’ውን ዝተንስአ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል እዚ’ዩ።" 2ጢሞ 2፡8 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 12 ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ፡ ካብ መስከረም 9 ኽሳዕ መስከረም 15 ዘሎ ቕንያት፡ "ዘመነ ፍሬ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ምኽንያቱ እዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ሃገርና እቲ ኣብ ክራማት ተዘሪኡ ዝበቘለ ዘራእቲ፡ ፍሪኡ ዚስውተሉ ቕንያት’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "እኩት አንተ" ዘርእስቱ፡ ብዛዕባ ፍረ ዚገልጽ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ’ዩ። እቶም ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዑ ምስባክን ንባባት ሓድሽ ኪዳንን’ውን፡ ፍረ-ጠቀስ ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም። ትሕዝቶ ናይ’ቲ መዝሙር፦
“ንስኻ ምስጉን ኢኻ፡ ስምካ’ውን ምስጉን’ዩ። ኃይልኻ ኸኣ፡ ዓብዪ’ዩ። ኣብ ኣርያም ‘ትዓርፍ፡ ብትሑታት ‘ትምስገን (ኣምላኽ) ኢኻ። ንስኻ ንዕረፍቲ ኢልካ ሰንበት ሠራዕካ፡ ንዅሉ ድማ፡ ብጽድቂ ሲሳይ ሃብካ። ኦ ጐይታ፡ ንፍረ ምድሪ ባርኽ። ከማኻ መሓርን ጻድቕን መን ኣሎ፧ ብጸጋኻ ክረምቲ ትህብ። ዝደሓነት ነፍስን ዝጠመየት ነፍስን ጸጊባ ተመስግነካ።
ኢየሱስ ኣብ ዕለተ ሰንበት ንደቀ መዝሙሩ ኸም’ዚ እናበለ መሃሮም፡ "እንሆ ዘራኢ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ኺዘርእ ወጸ፡ ሚእትን ሱሳን ሠላሳን ፈረየ"። እቲ ዘራኢ ካህን’ዩ። ግራቱ ድማ፡ ዓለም’ያ። ቃለይ ስምዑ ትእዛዘይ’ውን ሓልዉ፡ ንሰናብተይ ብጽድቂ ኣኽብሩ። ኣቱም ትሕቲ ሰማይ ‘ትነብሩ ሕዝቢ፡ ብፍቕርን ብሰላምን ንበሩ።”ዚብል’ዩ።
እቲ ናይ ማቴ 12፡1-8 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ምስ ደቀ መዝሙሩ ብማእከል ዝሰወተ ዝሩእ ግራውቲ ኸም ዝሓለፈ ዚትርኽ፡ ነዚ ዘለናዮ ንኡስ ዘመን ዚገልጽ ንባብ’ዩ። ዘመነ ፍሬ፡ ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ብዝናም ክራማት ዝሃበና ፍረ ብምስትውዓል ከነመስግኖ፡ ብዛዕባ መጋቢነቱ ኽብሪ ኽንህቦ፡ ብዛዕባ’ቲ እግዚአብሔር ብተፈጥሮ ገይሩ ዚፍጽሞ ግብሪ መጋቢነት ክንምሃረሉ ዝተሰርዓልና’ዩ። እዚ ንወቕቲ ዚምልከት ዘመነ ፍሬ ግን፡ ብዛዕባ ናትና መንፈሳዊ ፍረ ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ኸም ዘሎ ድማ፡ ኣይንዘንግዕ። ብዛዕባ’ቲ ምድሪ ዚህቦ ፍረ ሓሲብናን ኣመስጊንናን፡ ነቲ ንሕና እንህቦ መንፈሳዊ ፍረ እንተ ዘንጊዕናዮ፡ ካብ’ተን ከማና ብፍረ ምድሪ ዚዕንገላ እንስሳታት ዘይንሓይሽ ኴንና’ለና ማለት’ዩ። ከም’ቲ ንሕና ኻብ’ታ ምድርና ፍረ ’ንጽበይ፡ እግዚአብሔር ከኣ፡ ካባና ፍረ ይጽበይ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ከም’ቲ ቕዱስ ጳውሎስ ገሊጹልና ዘሎ፡ ንሕና ናይ ኣምላኽ ግራት ኢና (ማቴ 3፡13-17 ፣ ዮሃ 1፡26-34 ማቴ 23፡35)። ጐይታና ብዛዕባ ኽንፈርዮ ዚግብኣና መንፈሳዊ ፍረ ኼስተምህር ከሎ፡ ነቲ ናይ ግራትን ዘራእትን ምስላታት ዜዘውትረሉ ዝነበረ ምኽንያት ከኣ፡ ንሱ’ዩ (2ዜና 24፡25)። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ዘመነ ፍረ’ዚ ብዛዕባ ፍረ ምድሪ እና’መስገንና፡ ብዛዕባ ፍረ ህይወትና ርእስና ኽንምርምረሉ ዚግብኣና ወርቃዊ ንኡስ ዘመን’ዩ። ፍረ ዘይህብ ኦም ተቘሪጹ ድራር ሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ፍረ መንፈስ ዘይፈርይ ክርስትያን’ውን፡ ካብ ክርስቶስ ኻብ’ቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ተቘሪጹ፡ ናብ ዘለኣለማዊ ሓዊ ገሃነም’ዩ ዚድርበይ (ማቴ 3፡10፣ 7፡19፣ሉቃ 13፡6-9፣ዮሃ 15፡2,6፣እብ 6፡7,8፣2ተሰ 1፡8-10፣ማቴ 3፡12፣5፡22፣ማር 9፡43,48፣ይሁ 7፣ኢሳ 66፡24 ፣ ህዝ 15፡4፣ሉቃ 16፡24፣ያእ 3፡6)። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ንባብናን ካብ’ቲ ናይ 2ጢሞ 2፡1-13 ንባብና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ግን ንምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንዲ’ዚ ተገዲሱ ንኢየሱስ ብዛዕባ ምዝካር ዝኣዘዘ፧ ብዛዕባ ተራ ዝከራ (ምዝካር) ድዩ፡ ወይስ ብዛዕባ ፍሉይ ዝከራ’ዩ ዚዛረብ ዘሎ፧ ብመሰረቱ ምዝካር፡ ኣብ ቃል እግዚኣብሄር ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ዕቱብ’ምበር፡ ተራ ኣርእስቲ ዀይኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ምዝካር፡ መለኮታዊ ኣርእስትን ትእዛዝን’ምበር፡ ሰብ ዘዕበዮን ዘመርኣዮን ኣርእስቲ ኣይኰነን። ናይ ወዲ ሰብ ባህርያዊ ዝንባለ’ሞ፡ ንናይ ኣምላኽ ህላወን ግብርታትን ትእዛዛትን ምርሳዕ ጥራሕ’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና "ዘክር፡ ኣይትረስዕ" ዚብል ትእዛዝ ኪደጋገምን ኪበዝሕን ዝገበረ፡ ንሱ’ዚ ናይ ምርሳዕን ዘይምዝካርን ሓጥእ ዝንባለና’ዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስና ብምስትውዓል እንተ’ንቢብናዮን እንተ’ጽኒዕናዮን፡ ንምዝካርን ምርሳዕን ዚምልከቱ ዅሎም ትእዛዛት፡ መጠንቀቕታ-ሓዘል ኰይኖም ስምዕታውያን ትእዛዛት’ዮም (ዘዳ 7:18፣ 8:18፣ 2ነገ 17:38፣ ነህ 4:14፣ መዝ 20:7፣ 42:6፣ 44:17፣ 63:6፣ 77:3፣ 78:35፣ መክ 12:1፣ ኢሳ 26:8፣ 64:5፣ ኤር 51:50፣ ህዝ 6:9፣ ዮና 2:7፣ ዘካ 10:9)። እግዚኣብሄር ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ምዝካር ኰነ ምርሳዕ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣብ መጻኢናን ዘለዎ ግደ ብምልኣት ስለ ዚፈልጦ’ዩ። እቲ ንኣምላኽ እናዘከረ ብእኡ መንጽር ንመንፈሳዊ ህይወቱ ዀነ ንማሕበራዊ ናብራኡ ዜመሓድር ሰብ፡ ብዅለንተናኡ ንኣምላኽ ዜዕግብን ዜኽብርን ሰብ’ዩ ዚኸውን። ብኣንጻሩ እቲ ንኣምላኽ ዚርስዕ ሰብ ከኣ፡ ህይወቱ "ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ’ዩ" ኢልካ ኽትኣምኖ ኽሳዕ ዜጸግም ስለ ዚበላሸው፡ ኣብ ህልዊ ዀነ ኣብ ናይ መጻኢ ህይወቱ ኸቢድ መንፈሳዊ ዕንወት’ዩ ዜስዕበሉ። እቲ ሰናይና’ምበር፡ ጥፍኣትና ኺርእይ ዘይደልይ ኣምላኽ ግን፡ ብሕያውነቱ ተደሪኹ፡ ናይ ምዝካር ኣገዳስነት ኬፍልጠናን ኬስርጸልናን ዚክኣሎ ዅሉ’ዩ ዚገብር። ሕሉፍ ሓሊፍዎ ንዝኽርና ዜዕብዩ ሓያሎ ጥበባት ኣዚዙ ኣሎ (ዘጸ 13:9፣ 13:16፣ ዘዳ 6:8፣ 11:18፣ ምሳ 7:3፣ ማቴ 23:5)። እስራኤላውያን ንሕጊ ኣምላኾም ምእንቲ ኸይርስዑ፡ ኣብ ጫፍ ናይ ቀምሾም ብሰማያዊ ፍሕሶ ዝተኣልመ ዘፈር ብዙርያኡ ኺገብሩሉ ኣዘዞም (ዘሁ 15፡38፣ ዘዳ 22፡12)። ኣብ ገዛእ ክዳውንቶምን ኣብ ክዳውንቲ ናይ ኻልኦትን ኪርእይዎ ኸለዉ፡ ነቲ ዝተዋህቦም ሰማያዊ ሕጊ ጥራሕ ኪዝክሩ’ዩ ዚግባእ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ዚገብርዎ ዅሉ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዝምድናታትን፡ በቲ ዝዘከርዎ ሕግታት ኪምእዘኑ ኺሕግዞም ይግባእ። እስራኤላውያን ግን፡ ይትረፍ ነቲ ሕጊ ኺዝክሩሉ፡ ብመሰረቱ እቲ ሰማያዊ ዘፈር ኪግበር ዘድለየሉ ዕላማ ረሲዖም፡ ንሕጉ እና’ፍረሱ ንኣምላኽ ምብዳል፡ ፍሉይ መለለስኦም ክሳዕ ዚመስል ተበላሸዉ። ምኽንያቱ "ምርሳዕ" ማለት "ምብልሻው፡ ምስይጣን" ማለት’ዩ። ነቲ ምዝካር ንኣምላኽ ኬኽብሩሉ ኢሎም’ኳ እንተ ዘይገበርዎ፡ እንተ ወሓደ ንረብሓ ርእሶም ኢሎም ኪገብርዎ ምተገብኦም ነይሩ።
ምዝካር ግን፡ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። እቲ እግዚኣብሄር ዚደልዮን ዝኣዘዞን ምዝካር፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓደ ዓይነት ሓሳብ ብመትንታት ሓንጎልካ ሕልፍ ስለ ዝበለስ፡ "ኣምላኽ ትዝ ኢሉኒ፡ ዘኪረዮ" ’ትብሎ ናይ ኣእምሮ ጸወታ ኣይኰነን። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ምዝካር’ሞ፡ ዳርጋ ምሉእ መዓልትን ምሉእ ዕድመናን ኪህልወና ይኽእል’ዩ። ትዝ ካብ ምባል ሓሊፍና፡ ስሙ እና’ልዓልና ብዛዕባኡ ገለ ገለ ነጥብታት ክንዛረብ ክንውዕል’ውን ይክኣል’ዩ። ብፍላይ ሃይማኖቱ ኣብ ልዕሊ ባህሉን ኣተሓሳስባኡን ሓያል ጽልዋ ዘሕደረሉ፡ ከም’ዚ ናትና ዝበለ ህዝቢ፡ ስም ኣምላኽ ብልሳን ኵሉ ሰብ ኪልዓል’ዩ ዚውዕል። ዘይተጸበናዮን ዘይንደልዮን ገለ ነገር ምስ ዜጋጥመና፡ "ኣታ’ዚ ኣምላኽ እንታይ ገይረዮ’የ፡ ከም’ዚ ዚገብረኒ፧" ንብል። ካብ ዘይንደልዮ ገለ ዅነታት እንተ’ምሊጥና ድማ፡ "ኣየ’ወ ሎሚ ኣምላኽ ኣውጺኡኒ፡ ንስክላ’የ ኣምሊጠ" ንብል። ቋንቋናን ባህልናን ብኸም’ዚኣቶም ዝበሉ ኣገላልጻታት ስለ ዝተሃንጸን ስለ ዝተኣልመን ኢና ’ነዘውትሮ’ምበር፡ ንኣምላኽ ስለ ዝዘከርናዮ ኣይኰነን። ዋላ ሰረቕትን ዘመውትን’ውን እቲ ሓጢኣቶም ብቐሊሉ ስለ ዝሰለጦም፡ ተመሳሳሊ ቓላት ተጠቒሞም’ዮም ዚገልጹ። ግን ንስም ኣምላኽ ብኸንቱ ብምልዓሎም ደኣ ሓጢኣት ይውስኹሉ ኣለዉ’ምበር፡ ንኣምላኽ ከም ዝዘከሩ ዀይኑ ኪቝጸረሎም ይኽኣልዶ፧
እሞ ብኸመይ እንተ ዘከርናዮ ደኣ’ዩ ምስ ምዝካር ዚቝጸር፧ ንምዝካርከ መንፈሳውነትን ዘይመንፈሳውነትን ኣለዎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ፍጻመ ’ንዝክረሉ ኣዘኻኽራ፡ ምስ’ቲ ንኣምላኽ ዘሎና ኣዘኻኽራ ሓደ ዓይነት ጌርና እንተ ርኢናዮ፡ ነቲ ዓብይን ክቡርን ኣምላኽ ናብ ደረጃ ሰብ ኣውሪድናዮን ኣዋሪድናዮን ኣለና ማለት’ዩ። እግዚኣብሄር "ዘክሩ" ኺብለና ኸሎ፡ ነቲ ናይ ኣእምሮና ናይ ምዝካር ዓቕሚ ኺፍትሽን ኪሕልውን ደልዩ ዚብሎ ኣይኰነን። ብግብራዊ መገዲ ዚግለጽን ዚልካዕን፡ ኣብ’ቲ ምስኡ ዘሎና ነባሪ ዝምድናን ኣብ ናይ ውልቅና ህይወት ኰነ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘሎና ምውሳኣትን ዝምድናታትን’ውን እወታዊ ጽልዋን ውጽኢትን ዘለዎ ምዝካር ኪህልወና’ዩ ዚእዝዘናን ዚጽበየናን። ሓጢኣት ክንፍጽም ኣብ ’ንፍተነሉ ሰዓታት፡ ኣምላኽ ነዚ ሓጢኣት’ዚ ኽንህቦ ዚደልየና ግብረ መልሲ ዘኪርና፡ ብኸምኡ ኽንምልስ እንተ ኽኢልና’ዩ ንኣምላኽ ከም ዝዘከርናዮ ዚቝጸር። ነቲ ዝተጻወደልና ናይ ሓጢኣት መፈንጠራ እንተ ዘየምሊጥናሉ ግን፡ ዝክር ውዒልና ዝክር እንተ ሓደርና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ፡ እመቤቱ ምስኣ ናይ ዝሙት ርኽሰት ኪፍጽም ክትዕድሞን ከተስገድዶን ከላ፡ ናይ ብሓቂ ንኣምላኹ ዘከሮ። ዮሴፍ፡ ከም ኵሎም መሳቱኡ ኣጕባዝ፡ ሓያል ጾታዊ ፍትወት ዘለዎ፡ ኣብ ብርኩ ዜተንፍስ በጽሒ’ዩ ዝነበረ። ናይ’ዛ ሰበይቲ ጐይትኡ "ምሳይ ደቅስ" ዚብል ዕድመን ትእዛዝን ካብ ምፍጻም ዘድሓኖ ግን፡ ንኣምላኹ ምዝካሩ’ዩ። ነታ ሰበይቲ ድማ፡ "ከመይ ገይረኸ ነዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧" ብምባል መለሰላ (ዘፍ 39፡6-12)። ምዝካር ይብሉኻ፡ ከም’ዚ’ዩ።
ብኣንጻሩ ንጉስ ዳዊት ንኣምላኽ ሓለፋ ዮሴፍ ኣዝዩ ዚፈልጦ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሕጋውያን ኣንስቲ ፡ ኣብ ልዕሊአን ከኣ ዓሰርተ ዕቁባት ኣንስቲ ዝነበራኦ ሰብ ክነሱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰይቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ባትሴባ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ምፍጻም ርእሱ ኺዓግት ኣይከኣለን። "ነቲ ዅሉ ኺገብር ከሎ፡ ኣምላኽ ፈጺሙ ትዝ ኣይበሎን፡ ናብ ሓሳቡ ኣይመጸን ኣይዘከሮን" ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ንገዛእ ሕልናኡን፡ ነቲ ኣብ ልቡ ዝሓደረ ሕጊ ኣምላኽን መንፈስ ኣምላኽን ረጊጹን ጥሒሱን ግን፡ ፍትወቱ ኣርወየ። እግዚኣብሄር ከኣ ብነብስ ናታን ገይሩ፦
"ስለምንታይ ኢኻ ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ዝተራእየ ኽትገብርሲ ቓሉ ዝነዓቕካ፧ እምበኣርስኸ ስለ ዝነዓቕካኒ . . . ሴፍ ካብ ቤትካ ንዘለኣለም ኣየግልስን፡ . . . ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካ’የ።" ብምባል ፍርዱ ኣፍለጦ (2ሳሙ 12፡9-12)።
እምበኣር "ንኣምላኽ ምዝካር" ዚብሃል፡ ከም’ቲ ናይ ዮሴፍ ዝበለ ግብራዊ ምዝካር፡ "ንኣምላኽ ምርሳዕ" ዚብሃል ድማ፡ ከም’ዚ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝበለ ግብራዊ ምርሳዕ’ዩ። ስለ’ዚ ዘካሪ ዲኻ ረሳዒ ምዃንካ ኽትፈልጥ፡ ናይ ኣእምሮ ምርመራ ዘይኰነስ፡ ናይ ናብራ ምርመራ ኽትገብር’ዩ ዚግባእ። ኣምላኽ ዚደልዮ ምዝካር፡ ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ዓይነታዊ ለውጢ ዜምጽእ ዓይነት ምዝካር’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘለዉ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምዝካርን ምርሳዕን ዚገልጹ ጥቕስታት ኣኪብና እንተ’ጽኒዕናዮምን እንተ መርሚርናዮምን፡ ንትርጕምን ረብሓን ናይ ምዝካር ብስእላዊ መገዲ ኣነጺሮም ዜርእዩና’ዮም።
ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ "ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ" ኢሉ ዝኣዘዘሉ ምኽንያትከ እንታይ’ዩ፧ ጢሞቴዎስ ንኢየሱስ እናሰበኸስ ነቲ ዚሰብኮ ኢየሱስ ናይ ብሓቂ ኸይርስዖ ስለ ዝፈርሀ ድዩ፧ እወ ብርግጽ ፈሪሁ’ዩ። እናተዛረብካሉ፡ ተወፊኻ እና’ገልገልካዮ ኸለኻ ክትርስዖ ዚክኣል ምዃኑ ቕዱስ ጳውሎስ ኣብ ብዙሓት መገላግልቱ ዝተዓዘቦ ስዕሩር ተርእዮ’ዩ። ከም’ቲ ንሰብ ገላትያ ዝበሎም፡ እቲ ስቑል ክርስቶስ ኣብ ዓይኒ ሕልናኦም ከም ስእሊ ዀይኑ እናተራእዮም ከሎ፡ ነታ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ብምልኣትን ብሓጐስን ኪእዘዝዋ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ዝኽሩ ካብ ኣእምሮኦም፡ ምስሉ ድማ ኻብ ኣዒንቶም ስለ ዝተደምሰሰ ግን እታ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዋን ዚመልክዋን ሓቂ ጓና ዀይናቶም፡ ዕዙማትን ዕኑዳትን ኪዀኑ ርእይዎም’ዩ (ገላ 3፡1)። ብዘይካ ጢሞቴዎስ ካልኦት ብዙሓት መዓይይቲ’ውን ነይሮምዎ’ዮም። ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ብዝነበሮ ሓልዮት ግን፡ ልክዕ ከምኡ ብንጹህ ልቢ ኺሓልይ ዚኽእል፡ ብዘይካ ጢሞቴዎስ፡ ዝዀነ ኻልእ ሰብ ኣይነበሮን። ከምኡ ዝዀነሉ ቐንዲ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ፡ "ኵላቶም ነናይ ርእሶም’ዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን" ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ፊል 2፡19-21)። ብወንጌል ገይሮም ንኢየሱስ ዘይኰነስ፡ ንገዛእ ርእሶም ዜገልግሉ ሰባት ኰኑ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኢየሱስ እናሰበኽዎስ፡ ምሉእ ብምሉእ ረሲዖምዎን ጐስዮምዎን ነበሩ። ሓደ ኻብ’ቶም መዓይይቱ ዝዀነ ዴማስ ድማ፡ ንክርስቶስ ፈጺሙ ሓዲግዎ ናብ ዓለሙ ተመልሰ (2ጢሞ 4፡9)። ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ተኣሲሩ ንወንጌል ኪማጐተላ ኸሎ ድማ፦
"ኣብ’ቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ (ጐይታ) ኣይሓዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ’ምበር፡ ሓደ’ኳ ምሳይ ኣይነበረን። እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብ’ውን (ወንጌል) ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳ’ውን ኣናገፈኒ።"
ብምባል፡ ኣብ’ቲ ጐይታ ዝቘመሉ ምቛም ዚስእኑ፡ ንጐይታ ዝረስዑን ዝጠለሙን ምንባሮም ብዜሕዝን ቃላት ገለጾም (2ጢሞ 4፡16,17)። እዝን ዝኸምዝን ዝረኣየ ምኩር ሃዋርያ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ተሪፍዎ ዘሎ ፍቱንን እሙንን ዝዀነ እንኮ መንፈሳዊ ወዱ’ውን ናብ’ቲ ናታቶም ደረጃ ወዲቑ ከይበላሸዎ ኢሉ፡ "ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘክሮ" ኢሉ ኣዘዞን መዓዶን። እቲ ንኢየሱስ ዚዝክሮ ሰብ፡ ንኢየሱስ’ዩ ዚመስል። ካብ ክርስቶስ ዚዓብይ ካልእ ኣርኣያ የብሉን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዘይካ ንክርስቶስ ምምሳል ዝዀነ ኻልእ ዕላማን ቅንኣት (1ቈረ 11፡1፣ 4፡16፣ ፊል 3፡10,11)። ጢሞቴዎስ ወዱ’ውን ከምኡ ኪዀነሉ ስለ ዝደለየ፡ ከየቋረጸ ንኢየሱስ ኪዝክሮ፡ ብዘይካ ነቲ ናይ ኢየሱስ ነታ ናይ ርእሱ ኸይደልይ፡ ብጕልባብ ወንጌል ንርእሱ ኸየገልግልን ከየምልኽን ብኣጽንዖት ተማሕጸኖ። ኣብ እምነትን ኣብ ኣገልግሎትን ዘሎ ዅሉ ሰብ፡ ንኢየሱስ ይዝክር’ዩ ማለት ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ምእንቲ ደሞዙ፡ ምእንቲ ስልጣኑ፡ ምእንቲ ኽብረቱን ረብሓ ርእሱን ኢሉ ዚስዕብን ዜገልግልን’ዩ። ጽዉዓት ብዙሓት ክነሶም፡ ሕሩያት ውሑዳት ኪዀኑ ዚገብሮም ድማ ንሱ’ዩ (ማቴ 20፡16፣ 22፡14)
ቅዱስ ጳውሎስ፡ ወዱ ጢሞቴዎስ ንኢየሱስ ኪዝክሮ ዝደለየሉ ዕላማ እንታይ’ዩ፧ እዛ ኣርእስትን መሪሕ ጥቕስን ናይ ትምህርትና ጌርናያ ዘለና ጥቕሲ፡ ሕመረት (ማእከላይ መልእኽቲ) ናይ’ቲ ናይ 2ጢሞ 2፡1-13 ንባብና’ያ። ግደ ሓቂ፡ ናይ ብምሉኡ ወንጌልን፡ ናይ ኵሉ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ማእከላይ’ውን’ያ። ጢሞቴዎስ ገና ኻብ ዕድመ ዅትትና (Teenage)። ጀሚሩ ኣብ ጽዑቕ ናይ ወንጌል ኣገልግሎት ዝተጸምደ መንእሰይ ሃዋርያ’ዩ ዝነበረ። ኣብ’ቲ ዘመን’ቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ኣገልገልትን ናይ ቅዱስ ወንጌል መጠነ-ሰፊሕን መሪርን መከራ ይወርድ ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ንርእሱ፡ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኺጽሕፈሉ ኸሎ፡ ብቔሳር ኔሮ ተኣሲሩን ንሞት ተፈሪድዎን መዓልቲ ስንብታኡ ይጽበይ ነበረ (2ጢሞ 2፡9 ፣ 4፡6,7)። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ብኣሕዋት-ሓሶት ዚወርዶም ዝነበረ መከራ’ውን ቀሊል ኣይነበረን (2ጢሞ 2፡14-18,23,24 ፣ 3፡5-9፣ 4፡1-4)። ነዚ ዅሉ ኸቢድን መሪርን ፈተናታት ብጽድቂ ስዒሩ ብዓወት ኪወጽእ ዚኽእል፡ ኵሉ ጊዜ ንኢየሱስ ዚዝክርን ዚጥምትን እንተ ዀይኑ ጥራሕ’ዩ። ነቶም ብብዝሒ መከራ ተሰላኽዮም ንድሕሪት ኪምለሱ ዚደናደኑ ዝነበሩ እብራውያን ተገልገልቱ’ውን ከምኡ ዜስምዕ ምዕዶ’ዩ ዝሃቦም።
"ምእንቲ’ዚ ንሕና ድማ ክንዲ’ዚ ዚኣኽሉ መሰኻኽር ከም ደበና ኸቢቦምና ስለ ዘለዉ፡ ንዅሉ’ቲ ዚዓናቕፈናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ። በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ (መገዲ) ኸኣ፡ ብትዕግስቲ ንጕየይ። ናብ’ቲ ሕፍረት ዘበለ ንዒቑ፡ ምእንቲ’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ፡ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝዀነ ኢየሱስ ንጠምት። ምእንቲ ኸይትደኽሙን ከይትሕለሉን፡ ነቲ ኻብ ኢድ ሓጥኣን ክንዲ’ዚ ዚኣክል ምጽራር ዝተዓገሰ (ኢየሱስ) ዘክርዎ።" እብ12፡1-3
ንኢየሱስ ዘይዝክርን ናብ ኢየሱስ ዘይጥምትን ክርስትያን፡ ንሓጢኣት ዜርሕቐሉ፡ ጕዕዞኡ ዚቕጽለሉ ዀነ ንመከራ ዚዕገሰሉ ዓቕምን ዓቕልን ኣይርከቦን’ዩ። ኢየሱስ ሓጢኣትና ንኼርሕቕ እዚ ዅሉ ሓሳረ መከራ ኸም ዝተቐበለ ዚዝክርን ነቲ ስቑል ኢየሱስ ወርትግ ኣብ ዓይነ ሕልናኡ ዚርእዮንን ክርስትያን፡ ብሓጢኣት ኪጻወትን ኪበላሸውን ዚፈቅድ ሕልና ኣይህልዎን’ዩ። ምኽንያቱ ምሕጣእ ማለት፡ ብስቓይን ቍስልን ናይ ክርስቶስ ምልጋጽን ምጽዋትን ማለት ምዃኑ፡ ጽቡቕ ገይሩ ይርድኦ’ዩ። መከራ ኸየሐልሎን ከየመርሮን ድማ፡ ነቲ ናቱ መከራ ምስ መከራ ክርስቶስ ምስ ኣነጻጸሮ፡ ነቲ ናቱ መከራ "መከራ" ኢሉ ኺሰምዮ’ኳ ስለ ዜሕፍሮ፡ ይንዕቆ’ምበር ከቢዱ ኣይርኣዮን’ዩ። ንኢየሱስ ምዝካር፡ ኣብ ህይወትና ተኣምራዊ ለውጢ’ዩ ዜምጽእ። ካብ ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ቀዳማይ ሰማእት፡ ጀሚሩ ኽሳዕ’ዛ ዕለት’ዚኣ ምእንቲ ክርስቶስ መከራ ዚቕበሉን ዚስውኡን ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምዝካር’ዮም ዚዕወቱን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚኸብሩን ዘለዉ። ናይ ኢየሱስ ናይ መስቀል መከራኡን ሞቱን ከይዘከረ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ዚዕወት ዝዀነ ይኹን ሰብ የለን። ስለ’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስን ንዅላትናን "ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘክርዎ" ኺብለና ኸሎ፡ ዕላማኡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኼፍልጠናን ብእኡ ኼዐውተናን ስለ ዝደለየ’ዩ። ነቲ ዘይምዝካር ከም ምዝካር እናቘጸርካ ዚንበር ናብራ ግን፡ ወጽዓ’ምበር፡ ረብሓ ኣይርከቦን’ዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዚደልዮን ዝኣዘዞን ናይ ምዝካር ዓይነት እንታይ ምዃኑ፡ ብንጹር ተነጊሩና’ዩ። ስለ’ዚ ኣዘኻኽራና እንተ ኣጸበቕና ጥራሕ’ዩ፡ ህይወትናን መፈጸምታናን ዚጽብቐልና፡ ነቲ ረብሓታቱ ድማ ከነስተማቕሮ ’ንኽእል።
ነዚ ግብራውን ውጽኢታውን ምዝካር’ዚ፡ ብኸመይ ኢና ኣብ’ቲ ዕለታዊ ንጥፈታትናን ዝምድናታትናን ከነተግብሮ ‘ንኽእል፧ እቲ ቐንዲ ጮማ ወይ ሓኸለ ናይ’ዚ ትምህርትና፡ ኣብ መልሲ ናይ’ዛ ሕቶ’ዚኣ’ዩ ዚርከብ። ንኢየሱስ ኣብ ምዝካር ዚዕወት፡ እቲ ንምዝካር ቅዲ ህይወቱን ዕለታዊ ናብራኡን ኣብ ምግባር ዝተዓወተ ሰብ ጥራሕ’ዩ። በይኑ ዀይኑ ኺሓስብ፡ ምስ ሰባት ኰይኑ ኼዕልል፡ ማሕበራዊ ይኹን መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪገብር፡ ገለ ዅነታት ኬጋጥሞ ወይ ኪሰምዕ ከሎ ንኢየሱስ ዚዝክሮ’ሞ፡ ነቲ ዚዀኖን ዚገብሮን ኵሉ ብመንጽር ኢየሱስ ዚርእዮን ዚገብሮን ሰብ፡ እቲ ሓቀኛ ዘካሪ ንሱ’ዩ። ምስ ሓደ ሰብ ኮፍ ኢለ ኸዕልልን ክሓምይን ከጕረምርምን ክሕስውን ውዒለ ዘይዘከርክዎ ኢየሱስ፡ ኣብ ናይ ጉባኤን ትምህርትን ጸሎትን ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘከርክዎ’ሞ፡ ንርእሰይ ከም ናይ ክርስቶስ ዘካሪ እንተ ቘጸርክዋ፡ ብድዐን ላግጽንዶ ኣይኰነን፧ ገለ ዜገራጭውን ዜባእስን ጕዳይ ምስ ተረኽበ፡ ኣብ መንጎና ሓዊ ኺእጐድ ከሎ ዘይተዘከረ ኢየሱስ፡ ምስ ተዳመይና፡ ናብ መሬት ምስ ተዋደቕና፡ ዝምድናታትና ኸም ዘይጽገን ኰይኑ ምስ ዓነወን ምስ ተበታተኸን እንተ ዘከርናዮ፡ ፋይዳኡ እንታይ’ዩ፧ እቲ ቕድሚ ዅሉ ኺዝከር ዝነበሮ፡ ድሕሪ ዅሉ ምዝካርና ጥራሕ’ኳ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ኸቢድ ኣበሳ’ዩ። እቲ ጥዑይ ዘካሪ፡ ልክዕ ከም ቅዱስ ዮሴፍ፡ በቲ ንኣምላኽነቱ ዚምጥን ክብሪ፡ ቅድሚ ዅሉ’ምበር፡ ድሕሪ ዅሉ ኣይኰነን ዚዝክሮ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብፍጹም ኣምላኽነቱ ዀነ ብህላወኡ ኣብ ኵሉ ዚርከብን ንዅሉ ዚመልእን’ዩ (ማቴ 18፡19,20፣ 28፡19,20)። ስለ’ዚ እቶም ’ንርስዖን ’ነጓንዮን ዘለናስ፡ ምሳናን ኣብ ማእከልናን ከሎ ኢና ’ንርስዖ ዘለና ማለት’ዩ። ብመልክዕ ግዙፍ ኣካል ብናይ ስጋ ኣዒንትና ስለ ዘይረኣናዮስ፡ ምሳና ዘየለ ዀይኑ ዚስምዓና’ሞ፡ ፈጺምና ዘይንዝክሮ እንተ ዄንና፡ "እምነት" እንታይ ምዃኑ ዘይንፈልጥ ከሓድቲ ዄንና’ለና ማለት’ዩ (እብ 11፡1፣ ሮሜ 8፡24,25፣ 2ቈረ 4፡18፣ ዮሃ 20፡25-29፣ 1ጴጥ 1፡8,9)። ንኢየሱስ ድሕሪ ምዝካርና ድማ "ኢየሱስ ነዛ ዝዛረባ ዘለኹ ምተዛረባን ባህ ኢልዎ ምሰምዓንዶ፧ ነዛ ዝሓስባ ዘለኹ ሓሳብ፡ ነዛ ዝገብራ ዘለኹ ተግባርከ ምገበራዶ፧" እናበልና ኣብ ኵሉ ንጥፈታትናን ዝምድናታትናን እና’ሳተፍናን ቦታ እናሃብናን እንተ ነበርና፡ ሽዑ ኣምላኽ ዚሕጐሰሎም ጥዑያት ዘከርቲ ንኸውን። እምበኣር ንህይወትና ብዘይ ንሕስያ ብዕቱብ ንመርምር’ሞ፡ ነቲ ንኢየሱስ ናይ ምርሳዕ ነውርና ነርሕቆ፡ ነቲ ንኢየሱስ ናይ ምዝካር ክብርና ድማ ንምለሶ። ንልበሶ ኸኣ፡ ከም ነባሪ ኣኽሊል ኣብ ርእስና ነንብሮ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
21 መስከረም 2025 | መስከረም 11, 2018 ግዕዝ (2ይ ሰንበት: ቊ.2) |
||
ምስባክ መዝ: ፹፬(፹፭)፡፮,፯ "እግዚአብሔርኒ ይሁብ ምሕረቶ። ወምድርኒ ትሁብ ፍሬሃ። ጽድቅ የሐውር ቅድሜሁ።" "ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፡ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ፧ ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካ`ውን ሃበና።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ጢሞ 2፡1-13 |
ዲያቆን |
|
ያእ 5፡1-9 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 14፡14-19 |
ንፍቅ ካህን |
|
ማቴ 12፡1-8 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ እኩት አንተ |
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ