S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር እንቋዕ ልጓመ ጾም ፈትሓልና።

ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ። ሓጢኣትና ኪሰርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ምሕረት ለምንልና።

እግዚኣብሔር ንቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብጥዕና ይሓልወልና፥

እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት።

 “መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። . . . ‘(ስለ`ዚ) ናብ ቀራና መገድታት (Cross roads) ኪዱ`ሞ፡ ንዝረኸብኩምዎ (ዅሉ) ናብ መርዓ ጸውዑ’ በሎም። እቶም ባሮት ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዅሉ፡ ንሕሱማትን፡ ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልአ። እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርእይ ናብ`ቲ ዳስ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸድነ ሰብኣይ ረኣየ`ሞ ፡ ‘ኣታ  ዓርከይ፡ ክዳን መርዓ ኸይተኸደንካ ኸመይ ኢልካ ናብ`ዚ ኣተኻ፧” በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። ሽዑ`ቲ ንጉስ ንገላዉኡ፡ ‘ኣእዳውን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽንያት ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። ጽውዓትሲ ብዙሓት`ዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት`ዮም’። በሎም” ማቴ 22፡2,9,14

ኣባ ሉቃስን ግርማይን ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ፥ ዝሕተትዎ ሕቶ፥ ኩነትታ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ጉዳይ ሕግን መምርሒ ቤተ ክርስቲያንን እዩ።

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም  ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልና’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክር’ዩ።

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ከተማ-ማንችስተር፣ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ማለት ዕለት 7-8/ 10/2018 ኣብ ቤተ-ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም፣ ንማኅበረ-ምእመናን ዕግበት ክህብ ዝኸኣለ፥ ዕዉት ኢልካ’ውን ክግለጽ ዝከኣል፥ 2ይ-ዓመታዊ ጉባኤ ተኻይዱ። ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ኢሎም ካብ ሃገረ-ኣሜሪካ ተላዒሎም ዝመጹ ድማ፥  ቀሲስ ዶክተር ተስፎም ገዛኢን ዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ሥዩምን እዮም።

 “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ’የ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም’ዩ። ነቲ መንፈስ ሓቂ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቕበሎ ኣይኰነላን’ዩ። ንስኻትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩም’ውን ኪነብር’ዩ’ሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰድዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ኵሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለ’ውን ኬዘክረኩም’ዩ።” ዮሃ 14፡16,17,26 ካ.ት

ንቡር ከይተርፍ ሲኖዶስ ኢለ ክጽውዖ። እምበር፤ ሲኖዶስ ኢዩ ክትብሎ ዘኽእል ዝኾነ ይኹን ኣቃዉማን ስርዓትን የብሉን። ገዛእ ፓትርያርኩ ንበላዒ ኣሕሊፉ ዝሃበ፤ ርእሱ ዘዘቅንዐ ኣገልጋሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዉርዉር እኮ ኢዩ ሲኖዶስና።

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ጀርመን, 7ይ - ክፋል

ጉዕዞ ሕይወተይ ብኸምዚ ይቕጽል ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፥ ዝተማልአ ጥዕና ግና ኣይነበረንን። ማለት ከቢድ ናይ ጸቕጢ-ደም ሕማም ስለ-ዝነበረኒ፥ ቅሳነት ነይሩኒ ክብል ዝኽእል ሰብ ኣይነበርኩን። እቲ ዓቐነይ 200/100 ዝበጽሕ’ዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ሓደ ግዜ ኣብ ዓራተይ ኮይነ “-ኣታ ጎይታይ በጃኻ ካብዚ ሕማም’ዚ ገላግለኒ ኢለ-” ጸለኹ። ብእኡ ቀጺለ ምስ-ደቀስኩ ድማ፥ ነዚ ዝስዕብ ሕልሚ ኣብ ድቃሰይ ኮይነ ክሓልም ከኣልኩ። ማለት ሐደ ዝኾነ ነገር፥ ገጸይ ትንክፍ ዘብለኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ከም ሓውሲ ስምባድ ብር ኢለ ብምትንሣእ ድማ፥ ቀልጢፈ መብራህቲ ኣብራህኩ። እንተኾነ ኣብቲ ክፍሊ ዝኾነ ነገር ዝረኣኹዎ ኣይነበረንን። ቀጺለ ድማ ኣብ ድቃሰይ ኣቶኹ። ልበይ ኣውዲቐ ድማ በጥ ኢለ ደቀስኩ።

ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ኣሎ። ብጸሎተ ቅዳሴ ብቡራኼ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኩሉ ብሰላም ተዛዚሙ።

Subcategories

(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)

(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)

(ትርጉም ኣገልግሎት)

(ዓምዲ ተሳተፍቲ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div