“ስለ’ዚ ኸም’ቲ ኣካላዊ ሞት ብሓደ ሰብ [ብኣዳም] ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ሙታን [ብክርስቶስ] ብሓደ ሰብ’ዩ ዝመጸ። ከም’ቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ’ዮም። ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብመስርዑ’ዩ፡ ቅድም ክርስቶስ፡ ደሓር ከኣ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ፡ እቶም ናይ ክርስቶስ [ዝዀኑ ክርስትያን]።” 1ቈረ 15፡21-23 ካ.ት
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ጀርመን, 8ይ - ክፋል
ብድሕሪ’ዚ ንእምነት ክርስትና ብሙሉእ ልበይ ስለ-ዝተቐበልኩዎ፥ ነቶም ካህንሥርዓተ-ጥምቀት ክፍጽሙለይ፥ ደጋጊመ ክሓቶም ግድነት ኮነኒ። ካብ ብዝሒ ምህንጣየይ ዝተላዕለ’ውን፥ ንኽጽበ ዘኽእል ትዕግስቲ ኣይነበረንን። ስለምንታይ ምዃኑ እንድዒ ግና፥ ብቐጻሊ “-ተዓገሲ-” ይብሉኒ ነበሩ። እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ከሎ ግና፥ ሓደ ግዜ እቶም ካህን ኣብ በረኻ-ሲና ዝርከብ፥ ናይ ቅድስቲ ካተሪና ገዳም ክበጽሕ ዓደሙኒ። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ ብሓጎስ ተቐበልኩዎ።
ኣቐዲሙ ወጺኡ ብዝነበረ መደብ መሠረት፥ ኣብ ከተማ-ኡምዮ ሃገረ-ስዊዲን፥ ደብረ-ኢየሱስ መድኃኔ-ዓለም ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብተሳትፎ ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምእመናንን፥ ብዓቢይ ድምቀት ክጽምበል ክኢሉ። ከተማ-ኡምዮ፥ ካብ ስቶኮልም ርሕቕ ዝበለት ስለ-ዝኾነት፥ ናብታ ከተማ ንምብጻሕ ቀረባ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቶም ቅንኣት ቤት-ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ግና፥ እዚ ርሕቀት’ዚ ምኽንያት ኮይኑ፥ ካብቲ በዓለ ጽምብል ከትርፎም ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ’ዮም ካብ ሃገረ-ስዊዲን ወጻኢ ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ከይተረፉ’ውን፥ ኣብዚ ተባሂሉ ዘሎ በዓለ-ጽምብል ተሳተፍቲ ኮይኖም ክርከቡ ዝኸኣሉ።
ዓርቢ 30 ሕዳር 2018: እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ መበል 12 ክፋል
“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን, ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልና’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክር’ዩ።
ረቡዕ 31 ጥቅምቲ 2018: ህይወት ቅዱሳን፡ ይስሓቅ- 8ይ ክፋል
ጉባኤ ካህናት መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ብዘውጽኦ መደብ መሠረት፥ እቲ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ (ብድሕሪ ሓድሽ ዓመትን ብድሕሪ ትንሣኤን) ዝጋባእ ርክበ-ካህናት ሎሚ ዓመትውን ኣብቲ ዓሚ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጂያ ዝርከብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፍራ ገዳም ቅድስት ማርያምን ቅድስት ዲምያናን ንሠለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ ክካየድ ቀንዩ ብሰላም ተዛዚሙ።
“ሕጂ ድማ፡ ኦ! ጐይታ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኣይ። ብስም’ቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ኪኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ (ንኣገልገልትኻ) ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሃቦም ..... ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል’ቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ...... ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ኣምጽኡ፡ ኵላቶም’ውን ሓወዩ።” ግብ 4፡29,30 ፣ 5፡12,16
ሓሙስ 27 መስከረም 2018 ዓ.ም በዓል ቅዱስ መስቀል እዩ።
ኣምላኽ ቅዱስን ብሩኽን በዓል መስቀል ይግበረልና። ኣሜን ።
መሰቀል ጽንእነ
መሰቀል ቤዛነ
መስቀል መድሃኒተ ነፍስነ
ንሕነስ ኣመነ በኅይለ መስቀሉ ድኀነ።
(ትርጉም ቤተ ክርስትያን)
(ብዛዕባ ሃገረ ስብከት)
(ትርጉም ኣገልግሎት)
(ዓምዲ ተሳተፍቲ)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ