ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን እትርከቡ ክርስቶሳውያን ምእመናን:-
28 ታሕሳስ 2012 ግእዝ (7 ጥሪ 2020 ዓ. ም) በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ዕለተልደት'ዚ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትን “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት” ይኹን (ሉቃ. 2፡14) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ ሰብ እቲ ኣብ ህይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።
ሀ. ሰላም ምስ ኣምላኽ፡- ካብ ኩሉ ክፍኣትን ኃጢኣትን ርሒቕካ፡ ምስ ኣምላኽ ብዕርቅን ሰላምን ምንባር እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ካብ ኣምላኽ እዩ ዝርከብ። ኃጢኣት ካብ ኣምላኽ ዝፈሊ፡ ሰብ ምስ ኣምላኩ ሰላም ዝኸልኦ ስለ ዝኾነ፡ ብዕርቂ ምስ ኣምላኽ ክንነብር ይምህር።
ለ. ሰላም ምስ ኩሉ ሰብ፡- ካብ ትእዛዝ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ፡ እምነትካ ሓሊኻ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላምን ፍቕርን ክትነብር እዩ። ሰላም ምስ ሰብ ምስ ዚጠፍኣካ፡ ውሽጣዊ ሕይወትካ ይጉዳእ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር እዩ ኣዚዙ።
ሐ. ሰላም ምስ ገዛእ ርእስኻ፡- ውሽጣዊ ሰላም ዝሰኣነ ሰብ፡ ንርእሱ፡ ንስድራ ቤቱ፡ ንወገኑን ንሃገሩን ከቢድ ናይ ሕልና ጸገም እዩ። “እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ኪሕልዎ እዩ’ (ፊልጲ 4፡7) ከም ዝተባህለ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ውሽጣዊ ሰላም እቲ ዝዓበየ እዩ።
ሎሚ ዓለምና እዚ ሰላም እዚ ማለት ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ምስ ሰብ፡ ሰላም ምስ ገዛእ-ርእሶም ዝጎደሎም ሰባት ስለዝበዝሕዋ፡ ብውግእን ወረ ውግእን ተሓሚሳ ትርከብ። ስለዚ ኩሉ ምእመን፡ በቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሰላም ተሓልዩ ክነብር፡ ብጸሎትን እምነትን ፍቕርን ክጸንዕ፡ እናተማሕጸንና።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ወሪዱ ዘሎ፡ ከቢድ ፈተና፡ ብጸሎትን ምህልላን፡ ክንዝክሮ፡ ርእሲ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ እግዚኣብሔር ብጥዕናን ሰላምን ክሕልወልና ብጸሎት ክንተግህ መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።
ደጊምና በረኸትን ሰላምን ዝሰፈኖ ቅዱስ በዓል ልደት ይግበረልና።
እግዚኣብሔር ንሃገርና ኤርትራ ሰላሙን ረድኤቱን ይሃባ።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
6 January 2020
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ