S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዜድሕን ዕሽነት - ቊ.3 (28 መስከረም 2025 ፈ | መስከረም 18, 2018 ግዕዝ)

 ""ሰባት ንኣምላኽ ብጥበቦም (ምእንቲ) ኸይፈልጥዎ፡ እግዚኣብሄር ብጥበቡ (ዘይክኣል ገበሮ) ኸልከሎም። ነቶም ዚኣምኑ ግና በቲ ኸም ዕሽነት ዚቝጸር ንሕና ’ንሰብኮ ወንጌል፡ ኬድሕኖም ፈቐደ። . . . ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት፡ ነህዛብ ከኣ ዕሽነት ዝዀነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።" 1ቈረ1፡21,23 ካ.ት

እንሆ’ዚ ሰንበት’ዚ መበል 13 ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ መስከረም 17 ኽሳዕ መስከረም 23 ዘሎ ቕንያት "ዘመነ መስቀል" ይብሃል። ብመሰረት ትውፊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ በዓለ መስቀል ዝተሰርዐ፡ ንግስቲ ኢለን፡ ኣደ ንጉስ ቈስጠንጢኖስ፡ ነቲ ኣይሁድ ብጐሓፍ ኢየሩሳሌም ዝደበይዎ መስቀል ጐይታና ፍሒራ ዝረኸበትሉ ዕለት ንምዝካር’ዩ። ኣገዳስነት ናይ’ቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ንኸነስተንትነሉ ዝተሰርዐ መዓልትን ዘመንን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ናይ’ዚ ዘመነ መስቀልን ናይ’ዚ ሰንበት’ዝን ንባባትን ምስባክን መዝሙርን፡ ንእኡ ዚገልጽ’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር-ሰንበት "ዝንቱ ውእቱ መስቀል" ዘርእስቱ፡ ክብሪ ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድሓን ዚገልጽ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፦ “ብፅንዓት ኃይልን ብሰናይ ግብርን እቲ ብሓቂ ጭንቀት ዜቕልል እዚ መስቀል’ዚ’ዩ፡ ብዕንጸይቲ መስቀሉ ሓጢኣት ይሓድግ። ጻድቃን ካብ’ቲ ልዑል ደብሪ፡ ኃጥኣን ምድሪ ድማ ካብ ማእከል ስቓይ ኣእወዩ። ነዴና ጽዮን (ንቤተ ክርስትያን) ማዕበል ቆመ፡ ኣብ  ዕለተ ሰንበት ንባሕሪ ገሰፃ፡ ኣብ ዕለተ ሰንበት ንባሕሪ ገሰፃ፡ ደቂ እስራኤል ብእግሮም ሰገሩ፡ ንሕናስ ረድኤትን ኃይልን ናይ ኣምላኽ ንኣምን። ንሕና በቲ ኣብ ማእከል ጸላኢ ጽንዓትናን በጃናን ዝዀነ ረድኤትን ኃይልን ንኣምን። እዚ መስቀል’ዚ ንኣና ኃይልናን ጸግዕናን መጐሰናን’ዩ።

ክርስቶስ መድኀኒና ብመስቀሉን ብቓሉን ሰላም ገበረልና፡ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰርዐ፡ ፋሕ ዝበልና ኸለና ኣኻኸበና፡ ብመስቀሉ ሕይወትና ዀነ።” ማለት’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል (ማር 8፡27-38)፡ ጐይታና ባዕሉ፡ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪንዓቕን ኪቕተልን፡ ድሕሪ ሳልስቲ’ውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ብምግላጽ፡ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ኣብ መስቀል ዚፍጸም ሞቱ ኣብሪሁ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ቕዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ናይ 1ቈረ 1፡17-31 ንባብ’ውን፡ ንኣና ንክርስትያን ቃል-መስቀል ’ንድሕነሉ ሓይሊ ምዃኑ፡ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ተልእኾ ድማ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ምስባኽ ምዃኑ፡ እቲ ዕሽነትን ድኻምን ዚመስል ናይ ጐይታና ናይ መስቀል ሞት፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣምላኽ ሓይልን ጥበብን ምዃኑ ዜረጋግጸልና’ዩ። እቲ ናይ 1ጴጥ 4፡1-11 ንባብና ድማ፡ ምእንቲ እምነትና ብስጋና መከራ ኽንጸግብ ከለና፡ ኣብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ናይ መስቀል መከራ ኸም ’ንሓብርን፡ ግብሪ ሓጢኣት ክንሓድግ ዜኽእለና ድማ፡ እዚ ኣብ መከራ ክርስቶስ ምክፋልና ምዃኑ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ኵሉ ጊዜ ኣብ ኣእምሮና ኸም ኣጽዋር ክንዓጥቆ ኸም ዚግብኣና ዚገልጽ’ዩ። እቲ ናይ ግብ 2፡22-32 ንባብና ድማ፡ ስቕለት ጐይታና ተንኰል ጸላእቲ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይ እግዚአብሔር ጥንታዊ ምኽርን መደብን ምዃኑ’ውን ዜረጋግጸልና’ዩ (ግብ 2፡23)።

ዘመነ መስቀል ብዛዕባ’ቲ ሮማውያን ንጐይታና ዝሰቐሉሉ ናይ ዕንጸይቲ መስቀል ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዓብዩ ብዛዕባ ስቕለት ጐይታናን ብዛዕባ ናትና ስቕለትን ክንምሃርን ርእስና ኽንምርምርን ዝተሰርዓልና’ዩ። ምኽንያቱ ኸም’ቲ ጐይታና ኣብ ማቴ 10፡38 ፣ ሉቃ 9፡23፦ "መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን’ዩ።" ". . . ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደልይ (እንተ’ሎ)፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል’ሞ፡ ይስዓበኒ።" ብምባል ኣነጺሩልና ዘሎ፡ ስቕለት ክርስትያን ንዘይተሰቕለ ሰብ፡ ናይ መስቀል በዓል ኣይንታዩን’ዩ። ናይ መስቀል ነገር፡ ናብራና ድማ’ምበር ዛንታ ጥራሕ ኰይኑ ኺተርፍ ስለ ዘይግብኦ፡ ኣብ’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ መስቀል ርእስና ብዕቱብ ክንምርምርን፡ እቲ ናይ ገላ 5፡24፦ "እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ፡ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ’ዮም።" ዚብል ሓዋርያዊ ቓል ኣብ ህይወትና ምትግባሩ ኸነረጋግጽን ይግብኣና።   ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ቲ ናይ 1ቈረ 1፡17-31 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።

ዕሽነትሲ የጥፍእ’ምበር፡ ከመይ ገይሩ’ዩ ዜድሕን፧ ወይስ እዚ ’ንዛረበሉ ዘለና ዕሽነት ዝተፈልየ ውስጠዛዊ ትርጕም ኣለዎ’ዩ፧ ነዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ መልእኽቲ ቕዱስ ጳውሎስ ንባብና፡ ብምስትውዓል ኣንቢብናዮ እንተ ዄንና፡ "ዕሽነት" ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ፡ እቲ ሓይሊ ምድሓን ዘለዎ ቕዱስ ወንጌል፡ ቃል መስቀል፡ ብዓብዩ ኸኣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ’ዩ። ነዚ ስም’ዚ ዝሃብዎ ድማ፡ እቶም ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ዝነበሩ ኣረሚን ኣህዛብ’ዮም። እዞም ኣህዛብ’ዚኣቶም በቲ ሽዑ እምብዛ ግኑን ዝነበረ ናይ ግሪኻውያን ፍልስፍና ዝተጸልዉን ኣብኡ ዝጠሓሉን’ዮም። ብሮማውያን ተዓልዮም ክሳዕ ዚውገዱ፡ ከም’ዚ ሎሚ ብዓል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዀይነናኦ ዘለዋ፡ ግሪኽ ናይ ዓለምና ልዕለ-ሓያል (Super power) ሃገር’ያ ዝነበረት። ስለ’ዚ እቲ ብብዓል ሶቅራጥስ ዝማዕበለ ፍልስፍናታቶም፡ ኣብ’ቲ ዚገዝእዎ ዝነበሩ ዅሉ ሃገራትን ዞባታትን ኣህጉራትን እምብዛ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ዋላ ኣብ’ቲ ዘየርከቡሉ ዘይገዝእዎ ሃገራት’ውን ጽልዋኡ ቐሊል ኣይነበረን። ሃገረ እስራኤል ካብ’ቶም ብግሪኻውያን ዝተገዝኣ ሃገራት ሓንቲ ስለ ዝነበረት፡ እቲ ኽሕደታዊ ፍልስፍና፡ ካብ’ቲ ህዝቢ ዀነ ካብ ከም ብዓል ጳውሎስ ዝበሉ ምሁራን (Scholars)’ውን ስዉር ኣይነበረን። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ናይ ኣህዛብ ኪኸውን ብጐይታና ተመዚዙ ወንጌል ኪሰብኽ ኪዘውር ከሎ፡ ናብ ዋና ኸተማ ግሪኽ ናብ ኣቴና ኣተወ። ኣብ ዕዳጋታትን ኣደባባያትን እናሰበኸ ኸሎ ድማ፡ ምስ ክልተ ዓይነት ፍልስፍና ዚኽተሉ ብዙሓት ፈላስፋታት ተራኺቡን ምስኣቶም ገጢሙን ነበረ። እቶም ሓደ ናይ ኤጲቁሬዎስ (Epicurean) ፍልስፍና፡ እቶም ካልኦት ከኣ ናይ ስጦይኮስ (Stoics) ፍልስፍና፡ ዚኽተሉ ነበሩ። ብዙሕ ምስ ሰምዕዎ "እዚ ዓጃው (hubbler) እንታይ’ዩ ኺብል ደልዩ፧" ኢሎም፡ ከም ሓደ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ዕቡድ ቈጺሮም ገዲፎምዎ ኸዱ። ገሊኣቶም ግን ናብ’ቲ መኣከብ ፈላስፋታት ዝዀነ ኣርዮስፋጎስ (Areopagus) ዚብሃል ኣደራሽ ሒዞምዎ ኸዱ። ንትንሳኤ ክርስቶስ ዘማእከለ ወንጌል ድማ ግርም ገይሩ ኣስምዖም። ብኸም’ዚ ኸኣ ቅዱስ ወንጌል ንምስክር ኪኸውን ናብ’ቶም ናይ ጥበብ ዓለም ሊቃውንቲ በጽሐ። መሪሕ ጥቕስና ኣመልኪቱና ኸም ዘሎ ግዳ፡ እቲ ጥበብ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስን ወንጌሉን፡ ብጥበብ ኣምላኽ ጥራሕ’ምበር፡ ብጥበብ ሰብ ኪብጻሕ ከም ዘይክእል ስለ ዝገበሮ፡ ውጹእ ዕሽነት ኰይኑ ተራእዮም። ስለ’ዚ ኸኣ ነቲ ቕዱስ ሃዋርያ ኣላገጹሉ’ሞ፡ ገዲፎምዎ ኸዱ። እቶም ንዘለኣለም ህይወት ዝተመደቡ ውሑዳት ግና፡ በቲ ናይ ዕሽነት ወንጌል ኣመኑ። እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ ምዕራፍ 17 ብዝርዝር ሰፊሩልና ኣሎ።

ሰብ ቈረንቶስ ድማ፡ ግሪኻውያን ኣህዛብ’ዮም። እቲ ዝኣመንዎ ወንጌል ኣብ’ታ ሃገር ብዘለዉ ፈላስፋታት ከም ናይ ዕሽነት ትምህርቲ ኸም ዚግለጽ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡ’ዮም። ስለ’ዚ ቕዱስ ጳውሎስ በቲ ዕለት መጸ ኺሰምዕዎ ዚውዕሉ ኣባህላታት ገይሩ ሓያል መንፈሳዊ መልእኽቲ ኺጽሕፈሎም መረጸ። ንወንጌል ኰነ ንኢየሱስ "ዕሽነት" ዚብል ቃል ተጠቒሙ ዚገልጾ ዘሎ፡ ብናይ’ቲ ግሪኻውያን ፈላስፋታት ኣገላልጻ ኺጥቀም ስለ ዝደለየ’ዩ’ምበር፡ ነቲ ባዕሉ ዚሰብኮ ወንጌልሲ ዕሽነት ምዃኑ ኺገልጽ ስለ ዝደለየ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ በዚ ንኣኣቶም ዕሽነት ኰይኑ ዝተራእዮም ቀሊል (simple) ጥበብ ገይሩ፡ ነቲ እምብዛ ዝተራቐቐ ልዑል ዚመስል ናይ ፍልስፍና ጥበቦም ከንቱ ገበሮ። 

እግዚኣብሄር ግን ንምንታይ’ዩ ንጥበብ ሰብ ወይ ንጥበብ ዓለም ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዚጽየፎን ዚጻረሮን፧ እግዚኣብሄር ምስ ጥበብ ዝዀነ ይኹን ጸገም የብሉን። እግዚኣብሄር’ኮ ጥበብ ዜፍቅር ጥበበኛ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንሱ ንርእሱ ጥበብ’ዩ። ጥበብ ንእኡ፡ ባህርዩን መንነቱን’ዩ። ኣብ’ዛ ንምሃረላ ዘለና ንባብና ጥራሕ’ኳ፡ ባዕሉ እግዚኣብሄር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ "ጥበብ ኣምላኽ" ተሰምዩ ኣሎ (ጥ.24)። ኣብ ቈሎ 2፡3 ድማ "ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ (ኣብ ክርስቶስ) ተሰዊሩ ኣሎ" ብምባል ተገሊጹልና ኣሎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ምዕራፍ 8 ተገሊጹ ዘሎ ጥበብ፡ ባዕሉ ጐይታና’ዩ (ኢሳ 11:2፣ 53:11፣ ማቴ 13:54፣ 21:24፣ 22:21፣ 22:46፣ ማር 6:2፣12:16፣ 12:28፣ ሉቃ 2:40፣ 1ቈረ 1:24፣ ቈሎ 2:3)። ናይ እግዚኣብሄር ኣቦን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ጥበብ’ውን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ብስፍሓት ተገሊጹ’ዩ ((ዘፍ 1:31፣ 12:13፣ መዝ 104:24፣ ምሳ 3:19፣ ኤር 10:7፣ ዳን 2:20፣ ሮሜ 11:33፣ 16:27፣ 1ቈረ 1:25)።

ሰብ ነቲ ዝርካቡ ዚፈልጦ ጥበብ’ውን’ኮ፡ ካብ ኣምላኽ’ምበር ካበይዶ ኣምጺእዎ’ዩ፧ ነቲ ጥበብ ዚምርምር ኣእምሮና ዝፈጠሮ፡ ፍቕርን ጽምኣትን ናይ ጥበብ ዘሕደረሉ ባዕሉ እግዚኣብሄር’ዩ። ንእንስሳታት ከምኡ ዝዓይነቱ ኣእምሮ ስለ ዘይዓደሎም፡ ንጥበብ ይትረፍ ኪብህግዋን ኪደልይዋን፡ እንታይ ምዃና’ውን ኣይፈልጥዋን’ዮም። ካብ ገዛእ ባህርዩ መቒሉ ስለ ዝፈጠሮ፡ ጥበብ’ውን ተወራሲት ባህርይ መለኮት ምዃና ዜመልክተና’ያ። ሰይጣን ነእምሮ ሰብ ካብ ዝተፈታተነላ መዓልቲ ንነጀው ግን፡ ናይ ኣምላኽ ዘይኰነት ዓለወኛን ኰብላሊትን ጥበብ ኪብህግን ሃሰው ኪብልን ጀመረ። ሰይጣን ንሄዋን ንትእዛዝ ኣምላኽ ጥሒሳ ኸም ፍቓዳ ኽትገብር እንተ ጀሚራ፡ ማዕረ ኣምላኽ ዚገብራ ጥበብ ከም ’ትረክብ ገይሩ ነእምሮኣ ኻብ ዜመዛብሎ ንደሓር፡ ደቂ ኣዳም ጽቡቕ ኣይረኸብናን። ካብ ፍረ ኦም፡ እሞ ኸኣ ካብ ክልክልቲ ኦም ጥበብ ኪርከብ ያኢ፡ ነቲ "ኣይትሓዝዋ፡ ኣይትብልዕዋ" ዚብል ጥበብ ኣምላኽ ከተፍርስ ኣእዳዋ ዘርግሐት፡ ኣፋ’ውን ከፈተት። ፍረ ናይ’ቲ ዝወሓጠቶ ሰይጣናዊ ናይ ዘይምእዛዝ ጥበብ ድማ፡ ዘይጽወር ጉድ ወለደልና። ካብ’ታ ዕለት’ቲኣ ዝጀመረ ኽሳዕ ለይቲ ሎሚ፡ አረ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፡ ካብ ኣምላኽ ዘይኰነት፡ ኣምላኽ ዘይብላ፡ ንርእስና ኣማልኽቲ ’ትገብረና ጥበብ ንምርካብ ገና ንዅብልል ኣለና። ናይ’ዛ ዀብላሊት ጥበብ’ዚኣ ናይ መወዳእታ ምህርቲ "ኣምላኽ የለን" ዚብል ክሕደት’ዩ። እቲ ሕልና "ብኣምላኽ የለን" ምስ ደንዘዘ ድማ፡ እዛ ጥበብ ዓለም’ዚኣ ብናይ ኣስገዳድ ሕጊ፡ ግብረ-ሰዶም ከተውርሰናን ከተነውረናን ትጋደል ኣላ። እግዚኣብሄር ነዛ ኽሕደትን ነውርን ዝፍሪኣ ሰይጣናዊት ጥበብ’ምበር፡ ንኻልእ ጥበብ ኣይተጸየፈን፡ ኣይተቓወመን ከኣ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

"ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን፡ ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም’ውን ጸልመተ። "ለባማት ኢና" እናበሉ ዓሸዉ፡ . . .  ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት . . .  ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቀ’ንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦአን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮ’ውን ከምኡ፡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓለንስተይቲ ሓዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ። . . . ከም’ቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ (ኣብ ግምት’ኳ ዘየእተውዎ)፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።"ሮሜ 1፡1።

ነቶም ገበርቱ፡ ባዕላቶም ዝገበርዎ ናይ ጥበብ ምርጫ’ዩ ዚመስሎም። እንተ ዀነ ኣምላኽ’ዩ ብፍርዱ ሕሱር ኣእምሮ ሂቡ ንነውሪ ዝፈለዮም።

ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሕሱር ነውርን ርኽሰትን ኬምልጡሉ ዚኽእሉ ገለ ኻልእ ጥበብ ኣሎ ድዩ፧ ብርግጽ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ "ዜድሕን ዕሽነት"’ዩ። ጥፍኣት ስለ ዝመረጹ፡ እቲ ዜድሕን ወንጌልን እቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስን ውጹእ ዕሽነት ኰይኑ’ዩ ኺርኣዮም ጸኒሑ። ካብ’ዚ ናይ ሕጂ ነውርን ርኽሰትን ካብ’ቲ ዘለኣለማዊ ሳዕቤኑን ኪድሕኑ እንተ መሪጾም ግን፡ እቲ ዓሻ መሲሉ ዝተራእዮም ስቑል ክርስቶስ፡ ንጉስ ጥበብ ምዃኑ ኪበርሃሎም’ዩ። እቲ ዕሽነት ኰይኑ ዝተሰምዖም ናይ ወንጌል ስብከት ድማ ዜድሕን ጥበብን ዜድሕን ሓይልን ናይ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኺርኣዮም’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ፦ "ንሱ (ኢየሱስ ክርስቶስ) ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ (ንግሪኻውያን)፡ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን’ዩ፡ ካብ (ጥበብ) ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ (ሓይሊ) ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ።" ብምባል ኣብ’ቲ ንባብና ገሊጹ ኣሎ (ጥ.24,25)። ቅዱስ ወንጌል፡ ናይ ኣምላኽ ናይ ድሕነት ጥበብ’ዩ። ቅድሚ ዅሉ ግን፡ ካብ’ቲ ኣብ ጸልማት ኣሲሩ ዝሓዘና ሓይሊ ሓጢኣት (ሓይሊ ሰይጣን) እንተ ዘይተናጊፍና፡ ነቲ ህይወት ዚህብ ወንጌል ክንኣምኖ ዀነ ኽንነብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቕዱስ ወንጌል፡ ጥበብ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ኰይኑ’ውን ዝተገልጸ። ነቲ ኣብ ጥ.18,19 ዘሎ፦"ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት’ዩ፡ ንኣና ን’ንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ’ዩ።"ዚብል ቃል ብምስትውዓል ንረድኣዮ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፦"ወንጌል፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ከምኡ’ውን ንጽርኣዊ (ንግሪኻዊ)፡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ (ዜድሕን ሓይሊ ናይ ኣምላኽ’ዩ’ሞ፡) ብወንጌል ኣይሓፍርን’የ።"ብምባል ነዚ ሓቂ’ዚ ብድምቀት ኣኽቢርዎ ኣሎ (ሮሜ 1፡16)። ሰብ ብሰሪ’ቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝወረሶ፡ ብጽድቂ ኼመላልሶ ዚኽእል መንፈሳዊ ሓይሊ፡ ንሓዋሩ ኣጥፊእዎን ከሲርዎን’ዩ። ኪፍጠር ከሎ ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን ስልጣን ተዋሂብዎ’ኳ እንተ ተፈጥረ፡ ንፍቓድ ሰይጣን ተኣዚዙ ኻብ ዝወደቐላ ጊዜ ጀሚሩ ግን፡ ነጻነት ዘይብሉ ባርያ ሓጢኣትን ባርያ ሰይጣንን ኰይኑ ተረፈ። ነታ ፈትዩ ዝኣተዋ ሓጢኣት፡ ጸሊኡ ኺገድፋ ዘይክእል ድኹም ባርያ ዀነ። ነዚ ዜሕዝን ሃለዋትና’ዚ ቕዱስ ጳውሎስ ብስእላዊ ኣገላልጻ ኣብሪሁልና ኣሎ።

"(ናይ ኣምላኽ) ሕጊ፡ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣነ ግና (ባዕለይ) ንሓጢኣት ዝተሸጥኩ (ባርያ ሓጢኣት ዝዀንኩ) መዋቲ ሰብ’የ። ስለ’ዚ ነቲ ዝገብሮ (ዘለኹ) ኣይፈልጦን’የ . . . ። ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣሎኒ’ምበር፡ ምግባር ሠናይሲ የብለይን (ሰናይ ክገብር ዜኽእለኒ ሓይሊ ወይ ዓቕሚ የብለይን)። ስለ’ዚ ኣባይ (ኣብ ስጋይ)፡ ኣብ ሰብኣዊ ባህርየይ ሰናይ ከም ዘየልቦ እፈልጥ ኣለኹ። ነቲ ኽገብሮ ዝደልይ ሰናይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልይ (እከይ) ነገር’የ ዝገብር ዘለኹ። ነቲ ኣነ ዝደልዮ (ሰናይ) ካብ ዘይገብሮ ግና፡ (ነቲ ዝገብሮ ዘለኹ እከይ) እቲ ኣባይ ሓዲሩ (ዚገዝኣኒ) ዘሎ ሓጢኣት’ዩ’ምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘለኹ። ሠናይ ክገብር ኣብ ዝደለኹሉ ኽፉእ እገብር፡ እዚ ሕጊ’ዚ ድማ ባህርያዊ ዀይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ ብሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ’ዩ። ግናኸ ኣብ ሰብነተይ (ኰይኑ) ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ’ውን  ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ (ኻልእ ሓይሊ ኸም ዘሎ) እርእይ ኣለኹ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብ’ዚ (ናይ ሞት ስጋስ) መን ኰን ኬድሕነኒ’ዩ፧"ሜ7፡14-24 ካ.ት

ካብ’ዚ ብዘይ ፍቓድና፡ ዘይንደልዮ ኽነስና እና’ስገደደ ናብ ሞት ዚጐትተና ዘሎ እኩይ መንፈሳዊ ሓይሊ ዜድሕነና ኻልእ መንፈሳዊ ሓይሊ እንተ ዘይረኺብና፡ ናይ ምድሓን ተስፋ ዀነ ተኽእሎ ኣይንረክብን ኢና። ክብሪ ንምሕረቱን ንሕያውነቱን ይኹን፡ እግዚኣብሄር ግና ካብ’ዚ ማእሰርትን ሞትን’ዚ ምእንቲ ኼናግፈና፡ ጥበቡን ሓይሉን ለኣኸልና። ንሱ ኸኣ እቲ ቕዱስ ናይ ዘለኣለም ወንጌል’ዩ። ነዚ ወንጌል’ዚ ሰሚዕና ብምሉእ ልብና ኣሚንና ምስ ተቐበልናዮ፡ ንሓጢኣት "እምቢ" ኢልና ’ንነጽገሉ፡ ነቲ ኽንገብሮ ዜብህገና ሠናይ (ጻድቕ) ግብሪ ድማ ብፍታውና ተገዲስናን ተሓጕስናን ’ንገብረሉ ዓቕሚ ንረክብ ማለት’ዩ። "ድሕነት" ዚብሃል ከኣ ንሱ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ወንጌል፡ "ዜድሕን ሓይሊ ናይ ኣምላኽ" ዝተባህለ፡ እቲ ናብ ሓጢኣትን ሞትን ኪጐትተና ዝጸንሐ እኩይ ሓይሊ፡ ገና ኣብ ስጋና ተቐርቂሩ ይተርፍ’ምበር፡ ናብ ዚኸዶ የብሉን። ሓድሓደ ሓጢኣት ክንፍጽምን ኪጠብቀናን ዚገብር’ውን ንሱ’ዩ። ካብኡ ብዚብርትዕ ሓይሊ ወንጌል ስለ ዝተዓብለለ ግን፡ ኣባናን ኣብ ልዕሊ ፍቓድናን ምልኪ ዘይብሉ ልሙስ ሓይሊ’ዩ ዚኸውን። ምሉእ ብምሉእ ካባና ዚንቀል፡ ኣብ ጊዜ ትንሣኤ ሙታን፡ ስጋና ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ምስ ተለወጠ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓይሊ ምድሓን’ዚ ብዝበለጸ ኼብርሆ ኸሎ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ ኢሉ ጸሓፈልና።

"ኣባና ኣብ’ቶም ’ንኣምን እቲ ኺግመት ዘይክእል ዕብየት ሓይሉ እንታይ ከም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እጽልይ ኣለኹ። እዚ ኣባና ዚሰርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸኣ፡ እቲ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ዘተንስኣሉን ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ዘቐመጠሉን ሓይሉ’ዩ።" ኤፌ 1፡19,20 ካ.ት

እዚ ሓይሊ’ዚ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምእንቲ ክርስቶስ ’ንቕበሎ መከራ ኸይተረፈ እንታይ ዓይነት ውጽኢት ከም ዘለዎ’ውን ኣብሪሁልና ኣሎ።

"ግናኸ እቲ ዓብይ ሓይሊ፡ ናይ ኣምላኽ’ምበር ናትና ኸም ዘይኰነ ምእንቲ ኺግሃድ፡ እዚ (ናይ ሓይሊ) ሃብቲ’ዚ ኣባና፡ ከም ኣብ ኣቕሓ መሬት ዝተቐመጠ’ዩ። (እዚ ሓይሊ’ዚ ኣባና ስለ ዘሎ) ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፡ ግናኸ ኣይንሰዓርን ኢና፣ ’ንገብሮ ይጠፍኣና ተስፋ ግን ኣይንቐብጽን ኢና፣ (ንስጐጕ ድርቡያት ግን ኣይኰንናን)፣ (ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።"  2ቈረ 4፡7-9 (ካ.ት + ቀ.ት)

"እኳ ደኣ ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንርእስና ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ ብመግረፍቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብእምባጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ድቃስ ብምስኣን፡ ብጥምየት፡ ብቕድስና ብምስትውዓል፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ብሓቀኛ ፍቕሪ፡ ሓቂ ብምዝራብ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣጽዋር ጽድቂ ብየማንን፡ ብጸጋምን ብምሓዝ፡ ብኽብርን ብሕስራንን፡ ጽቡቕ ኪዛረቡልና ዀነ ኼጸልሙና ንርኣይ ኣሎና። ሓቀኛታት ከለና ኸም መምሰልቲ ይቘጽሩና፡ ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ ግናኸ ገና ህያዋን ኢና። ብብርቱዕ ንቕጻዕ እንተ ዀነ ገና ኣይተቐተልናን። ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ዅሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡  ኵሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንርኣይ ኣለና።" 2ቈረ 6፡4-10 ካ.ት

ነዚ ዝተጠቕሰ ቓል’ዚ ኸነንብብ ከለና፡ ከም ሰባት መጠን፡ "እምበርዶ ሓቂ’ዩ" ዚብል ምጥርጣር የልዕለልና ይኸውን። እዚ ምጥርጣር’ዚ ኸኣ’ዩ ግሪኻውያን ፈላስፋታት ንወንጌል "ዕሽነት" ኢሎም ኪሰምይዎ ዝገበሮም። እንተ ዀነ ወንጌል ደኣ ንዕሽነቶም ቀሊዕዎ’ምበር፡ ወንጌልሲ ዕሽነት ኣይኰነን። እቶም ብምሉእ ልቦም ዝኣመንዎ ግን፡ ነዚ ሓይሊ ምድሓን’ዚ ረኺቦም ተለዊጦምሉ፡ ፈርዮምሉ ድማ’ዮም።

እዚ ሓይሊ ምድሓን’ዚ ኣብ’ዚ ሎሚ ዚስበኽ ዘሎ ወንጌል’ውን ብርግጽ ኣሎ ድዩ፧ ንምንታይ ደኣ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ መስተንክር ለውጥታት ኣብ ዘመንናን ኣብ ከባቢናን ዘይንርእዮ፧ ጐይታና ኢየሱስን ቅዱስ ወንጌሉን ገና ኣይተለወጡን፡ ክሳዕ ዘለኣለም’ውን ከቶ ኣይኪልወጡን’ዮም። ኣብ ሰብ’ምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ለውጢ የልቦን (እብ 13፡8 ፣ ያእ 1፡17 ፣ ዘሁ 23:19፣ 23:27፣ ዘዳ 7:9፣ 1ሳሙ 15:29፣ እዮ 23:13፣ መዝ 33:11፣ 90:2፣ 102:12፣ 102:27፣ 103:17፣ መክ 3:14፣ ኢሳ 14:24፣ ህዝ 24:14፣ ዳን 7:14፣ ሚል 3:6፣ ሮሜ 11:29፣ 2ጢሞ 2:19፣ እብ 1:12፣ 6:17፣ 7:21፣ 13:8፣ ያእ 1:17)። ሓይሊ ወንጌል ከይግሃድ ዚገብር ዘሎ ጠንቅታት ክልተ’ዩ።

1ይ ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ዘይሃቡና፡ ሰባት ዝደረስዎ ካልእ ወንጌል ምሕዋስ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ብዘይካ’ቲ ስቑል ክርስቶስ ካልእ ከይፈልጥ (ከይሰብኽ) መዲቡ"’ዩ፡ በዚ ወንጌል’ዚ፡ መሰረት ቤተ ክርስትያን ዝሃነጸ (1ቈረ 2፡1-5፣ 1ቈረ 3፡10-13)። ደጊሙ’ውን፦"ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣለና’ምበር ከም’ቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን፡" ብምባል ኣነጺሩልና ኣሎ (2ቈረ 2፡17) ኣስዒቡ’ውን "ንቓል ኣምላኽ ሓሳዊ ኣይገበርናዮን (ኣየጋገናዮን) ብምባል ንጽህናኦም ተኣሚኑ’ዩ (2ቈረ 4፡1,2 ካ.ት + ቀ.ት። ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣርኣያ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ተኸቲሎም፡ ንወንጌል ክርስቶስ እሙናት ኰይኖም እንተ ዘይተረኺቦም፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ዓብይ ናይ ምድሓን ሓይሊ ኺግሃድ ኣይክእልን’ዩ (1ቈረ 4፡1,2 ካ.ት፣ 1ተሰ 2፡3,4፣ 1ጢሞ 1፡12)።

2ይ ድማ ናይ ዘይምእማን ሽግር’ዩ። ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ’ቲ ዚኣምን ኵሉ ሰብ’ምበር፡ ኣብ’ቲ ዚሰምዕ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዚሰርሕን ዚግሃድን። ቅዱስ ወንጌል፡ ክርስቶስ ምእንታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ናይ መርገም ሞት ስለ ዝሞተልና ዝረኸብናዮ ጸጋ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ "ቓል-መስቀል" ተባሂሉ ዚጽዋዕ። እቲ ንወንጌል እትሰምዕ እዝኒ ንዘላቶ ዅሉ ሰብ ዚውሃብ ሓይሊ ወንጌል ግን፡ ነቶም ብኽብሪ ተቐቢሎም ዝኣመንዎ፡ ናይ ህይወቶም መምርሒ’ውን ንዝገበርዎ ሰባት ጥራሕ’ዩ። እግዚኣብሄር ከኣ መን ስማዊ እምነት ወይ ሓቀኛ እምነት ከም ዘለዎ፡ ካብ’ቶም ሰባት ንላዕሊ ኣዳቒቑ ይፈልጥ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ምእማንን ዘይምእማንን ዜምጽኦ ለውጢ እንታይ ከም ዚመስል፦ "ንኣና’ውን ከም’ቲ ንኣኣቶም ዝተሰብከሎም’ዩ ወንጌል ተሰቢኹልና። እንተ ዀነ ነቲ ዝሰምዕዎ ቓል ብእምነት ስለ ዘይተቐበልዎ፡ (እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስ’ቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ (ስለ ዘይተወሃሃደ)፡ ኣይጠቐሞምን፡"". . . ቓል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን’ዩ’ሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ’ዩ። ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን (Joints) ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላልይ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ’ዩ።" ብምባል ኣነጺሩልና ኣሎ (እብ 4፡2,12 ካ.ት + ቀ.ት)። ስለ’ዚ እቲ ብባህርዩ መስለጢ ዝዀነ ቓል ኣባኻ እንተ ዘየስሊጡ፡ ቃል ወንጌል ብመሰረቱ ኣባኻ ኣይበጽሐን፡ ንእዝንኻ ሓሊፉ ናብ ነፍስኻን መንፈስካን ኣይሰረጸን፡ ከም ከውሒ ተሪርካ ኣለኻ ማለት’ዩ። እምበኣር እምነት፡ ናይ መንፈሳዊ ህይወት መፍትሕ’ያ’ሞ፡ ነቲ ’ንሰምዖ ወንጌል ብእምነት ምስ ህይወትና ኣወሃሂድና፡ ሓይሊ ምድሓን፡ ናይ ክርስቶስ ሓይሊ ትንሳኤ ነስተማቕር። ብወንጌል ዘይረብሕ ሰብ እቲ ኣብ ውሽጢ ልቡ፡ ኣብ ባሕሪ ኸብዱ፡ ከም’ቶም ኣህዛብ ንወንጌል ከም ዕሽነት ገይሩ ዚርእዮ፡ ወይ ከኣ ከም ኣይሁድ መዓንቀፊ ገይሩ ዚርእዮ ሰብ’ዩ’ሞ፡ ነቲ መስተንክር ሓይሊ ወንጌል ምእንቲ ኸነስተማቕር፡ ነቲ ዜድሕን ወንጌል ጥበብናን ርስትናን ንግበሮ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

 

28 መስከረም 2025 | መስከረም 18, 2018 ግዕዝ (3ይ ሰንበት: ቊ.3)

ምስባክ

መዝ: ፶፱(፷)፡፬ "ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለይ ፈርሁከ። ከመ ያምሥጡ እምገጸ ቅሥት። ወይድኀኑ ፍቁራኒከ።"

"ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዓል፡ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም። ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ፡ ብየማነይትኻ ኣድሕን’ሞ ስምዓና።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 1፡17-ፍጻመ

ዲያቆን

1ጴጥ 4፡1-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-32

ንፍቅ ካህን

ማር 8፡27-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ዝንቱ ውእቱ መስቀል

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div