S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንልኡላውነቱ ነኽብሮ!! ቊ.32(8 መጋቢት 2026 ፈ | የካቲት 29, 2018 ግዕዝ)

""እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ፡ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ’ያ፡ ጐይታ’ውን ኬተንስኦ’ዩ። . . .  ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ’ያ። . . . እዚ (ሕማም’ዚ) ኻባይ ኪርሕቕ፡ ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ። ንሱ ኸኣ ‘‘ሓይለይ ብድኻም’ዩ ዚፍጸም’ሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ’’ በለኒ። ስለ’ዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ (ብሕማመይ) ክምካሕ’የ።"        

ያእ5፡15,16 ፣ 2ቈረ 12፡8,9

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ራብዓይ ሰንበት ናይ’ዚ ዓብይ ጾም’ዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ድማ፡ "መፃጕዕ (መጻጕዕ)" ይብሃል። ብቛንቋ ትርግኛ "መጻጕዕ" ማለት፡ ናይ ምንቅስቓስ ክእለቱን ናይ ስምዒት ህዋሳቱን ዘጥፍአ፡ ኣካላቱ ዝለመሰ ሰብ፡ ምልቡስ፡ ድኑስ ማለት’ዩ። ኣብ ሓደ ዓመተ-ግእዝ፡ ክልተ ዘመነ መፃጕዕ’ዩ ዘሎና። እቲ ቐዳማይ ኣብ ዘመነ ነብያት (ጾመ ነብያት) ዘሎ ሳልሳይ ሰንበትን ሰሙንን (ሕዳር 27-ታሕሳስ 3) ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ፡ እዚ ዘለናዮ ራብዓይ ሰንበትን ሰሙንን ናይ’ዚ ዓብይ ጾም’ዩ። እዚ ዘመነ መጻጕዕ’ዚ፡ ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈዋስነት ’ንምሃረሉን ’ነስተንትነሉን፡ ብዛዕባ’ዚ ሕያውነትን ከኣልነትን’ዚ ልባዊ ምስጋናን ክብርን ’ንህበሉ፡ ብዛዕባ ዜጋጥሙና ናይ ጥዕና ጸገማት ድማ፡ እምነትና ’ነዕብየሉ፡ በቲ ጐይታና ኣብ ልዕሊ ሕማምን ሞትን ኣጋንንትን ዘለዎ መለኮታዊ ስልጣን ትውክልትና ’ነዕብየሉ ንኡስ ዘመን’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ "ዘመነ መፃጕዕ"፡ ብናይ መሰረተ እምነትና ኣገላልጻ "ዘመነ ቀንዲል"’ዩ። ምስጢረ ቀንዲል ብዛዕባ ጥዕናዊ ጸገማትን ፈዋስነት ናይ ጐይታናን ’ንምሃረሉ፡ ካብ’ቶም ሾብዓተ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን ሓደ’ዩ። እዚ ንኡስ ዘመን’ዚ "መፃጕዕ" ስለ ዝተሰምየ ግን፡ ብዛዕባ ምጽጓዐ ጥራሕ ኢና ንሓስብ ማለት ኣይኰነን። እቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብዛዕባ ጐይታና ዝፈወሶ ሓደ መጻጉዕ ስለ ዚትርኽ ደኣ እቲ ንኡስ ዘመን ብእኡ ተሰምዩ’ምበር፡ ንዅሉ ሕማማት ስጋን ሕማማት ነፍስን ዚምልከት መዓልቲ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ብጐይታና ዝተፈጸመ ናይ ሕውየት ተኣምራት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ’ቲ ዅሎም ብስሙ ዝተላእኩ ቕዱሳን ሓዋርያትን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ብናቱ ፍቓድን ስልጣንን ዝፈጸምዎ ናይ ፈውሲ ተኣምራት’ውን ዜጠቓልል’ዩ። ምኽንያቱ ገባር ተኣምራት በይኑ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብሰባት ዚግበር ኵሉ ተኣምራት፡ ገባሪኡ ባዕሉ’ዩ። እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ብምስጢረ ቀንዲል ዚፍጸም ናይ ፈውሲ ተኣምራት’ውን ኣብኡ ዚጠቓለል’ዩ። ማእለያ ዘይብሉ ሕማማት ኣብ ዝመልኣ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ፈውስን ፈዋስነትን ንኣና ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ዜገድሰና ኣርእስቲ ምዃኑ ኽንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ’ዩ። ናይ እግዚአብሔር ፈዋስነት ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ዝተጋህደ መለኮታዊ ባህርይ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝተራእየ ግና፡ እቲ "ኢየሱስ" ዝተሰምየ እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኣብ ማእከልና ምስ ሓደረ’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ሕጂ ብኣካለ ስጋ ኣብ ማእከልና እንተ ዘየለ’ኳ፡ እቲ ፈዋስነቱ ግን ብምስጢረ ቀንዲል ገና ኣብ ማእከልና ኣሎ። እቲ ፈዋሲ ስሙ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ይነጥፍ ኣሎ። 

ነዚ ዕለት’ዚ ብቕዱስ ያሬድ ዝተዳለወ መዝሙር፡ "ኣምላኩሰ ለኣዳም" ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕሙ ድማ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ፦ 

“ኣምላኽ-ኣዳም ንዕረፍቲ ሰንበት ሰርዐ። ኣይሁድ "በየናይ ስልጣን ነዚ ትገብር ኣለኻ" በልዎ። ኢየሱስ "ኣነስ እገብር ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ግና፡ ንግብረይ እመኑ፡ ኣነ ጐይታኣ ንሰንበት’የ። ወልድ ዋሕድ ንሰንበት ጐይታኣ’ዩ። "ኣብ ምድሪ ኃጢኣት ክሓድግ ስልጣን ኣሎኒ። ሓርነት ክሰብኽ፡ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ኣቦይ ለኣኸኒ።" በሎም።

ብሰንበት ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ ጸብሪ ገበረ’ሞ፡ ዕዉር ኣሕወየ። ሃሌ ሉያ፡ ሃሌሉያ!! ሎሚ ፀሓይ ጽድቂ በሪቓትሎም’ያ’ሞ፡ ጻድቃን ብብዝሒ ሰላም ይተሓጐሱ።” 

ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን፡ ካብ’ዚ ናይ ያእ5፡14-20 ንባብና ዝተወስደ ዀይኑ፡ ምስ’ቲ ናይ 2ቈረ 12፡7-10 መልእኽቲ ዝተዛመደ’ዩ። 

ኣብ ዘመነ ቀንዲል (ዘመነ መጻጉዕ) ብዛዕባ ልኡላውነት ኣምላኽ ‘ንምሃረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ሕማምናን ልኡላውነቱን እንታይ ዜዛምድ ኣለዎ፧ ኣብ ህይወትና ዚኽሰት’ሞ፡ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ዚኸውን ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። እዚ ሓቂ’ዚ ንጽቡቕ ይኹን ንኽፉእ፡ ንዓብይ ይኹን ንንእሽቶ፡ ንጥዑም ይኹን ንመሪር፡ ንመንፈሳዊ ይኹን ንስጋዊ ጒዳያት ዜጠቓልል’ዩ። ይትረፍ ሕማም ዚኣክል ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ፡ ዋላ ምውዳቕ ናይ ሓንቲ ንጽል ጸጕርና’ኳ፡ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይክሰት ጐይታና ብንጹር ኣፍሊጡና’ዩ።

"ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን (ብሓንቲ ናይ ግሪኽ ሳንቲም) ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻብኣተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን’ያ፡ ጸጕሪ ርእስኹም ኵላተን’ኳ ቝጹራት’የን፡ እምበኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም’ሞ፡ ኣይትፍርሁ።" ማቴ10፡29-31

ይትረፍ፡ ናይ’ቲ ብመልክዑን ምስሉን ዝደኰኖ ኽቡር ፍጥረቱ ጕዳይ፡ ብዛዕባ’ተን ዋና ዘይብለን ሕሱራት ኣዕዋፍ’ኳ ዚግደስ፡ ፍጹም ኣምላኽ’ዩ። ካባና ሓንቲ ጸጕሪ እንተ ወደቐት፡ ንሕና’ቶም ዋናታታ’ኳ ኣይንፈልጥን፡ ኣይፍለጠናን ከኣ’ዩ። ጐይታና ባዕሉ፡ ንዅሉ ቝጽሪ ናይ ጸጕርና ኸም ዚፈልጦን ከም ዚቈጻጸሮን ስለ ዘፍለጠና፡ ዋላ ጕንፋዕ’ውን ትኹን፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሕማም፡ ዓይነቱ ዀነ ኽብደቱ ብዘየገድስ፡ ካብ ፍቓዱ ወጻኢ ኸም ዘይፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን’ዩ ዚግባእ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም ዝተመሃርናዮ፡ እግዚኣብሄር ዝደለዮ ዚገብር ልኡላዊ ኣምላኽ’ዩ። መንፈሳዊ ብስለት ዘሎና ሰባት እንተ ዄንና፡ ነዚ ልኡላውነት’ዚ ይትረፍ ክንንዕቆ፡ ክንዳፈሮ፡ ክንጕህየሉ ወይ ከነጕረምርመሉ፡ ብመሰረቱ ኽንጠራጠሮን ሕቶ ኺፈጥረልናን’ውን ኣይምተገብአን። ስለ’ዚ ኣባና ይኹን ኣብ ናይ ቀረባ ሰብና ሕማም ኪኽሰት ከሎ፡ ማዕሪኡ ንልኡላውነቱ ኽንዝክርን ካብ ንሕማምና ንላዕሊ፡ ንልኡላውነቱ ኽንጥንቀቐሉን’ዩ ዚግባእ። 

ናይ’ዚ መንፈሳዊ ብስለት’ዚ ዝለዓለ ኣርኣያና፡ ኣቦና እዮብ’ዩ። ኣብ’ታ ተደራራብን ዘይጽወርን መርድኣት ዝሰምዓላ ቕጽበት፡ ካልእ ኵሉ ገዲፉ መጀመርታ ንልኡላውነት ኣምላኽ ዘከረን ኣኽበረን። ኣብ ሓንቲ ቕጽበት፡ ሾብዓተ ሽሕ ኣባጊዑ፡ ሰለስተ ሽሕ ኣግማሉ ሓሙሽተ ሚእቲ ጽምጺ ኣብዑሩ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱጉ ስኣነ። ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ ዓሰርቲኦም ደቁ ምስናይ ስድራ ቤቶም ኣብ እንዳ ዓብይ ሓዎም ምሳሕ እናተመስሑ ኸለዉ ዅሎም ብድንገታዊ ሓደጋ ተጨፍሊቖም ከም ዝሞቱ ተነግሮ። ኣብ’ዛ ህሞት’ዚኣ፡ ብስንባደ ልቡ ጠጠው ኢላቶ ዘይሙማቱ፡ ወይ ኣእምሮኡ ተናዊጽዎ ዘይምጽላሉ ዜገርም ጽንዓት’ዩ። ነዚ ዅሉ መዓት’ዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዛዕባ ዝወረዶ ጕድኣትን ወጽዓን ምሕሳብ ገዲፉ፦

"ጥራየይ’የ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ’የ። እግዚኣብሄር ሃበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፡ ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ።"

ኢሉ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ፡ ነቲ ዝደለዮ ዝገበረ ልኡላዊ ኣምላኽ ሰገደሉ (እዮ 1፡20,21)። ሰይጣን፡ ካልኣይ ፍቓድ ረኺቡ ብብርቱዕ ቍስሊ ስጋ ምስ ወቕዖ’ኳ፡ ካብ’ታ ፍጹምነቱ ነቕ ኣይበለን። ንኣምላኽ ፈጺሙ ኣይነቐፎን፡ ብኸናፍሩ’ውን ኣይሓጥአን። እታ ኣካሉ ዝኹነት እተፍቅሮ ብዓልቲ ኺዳኑ ስቓዩ መሪርዋ፡ "ከም’ዚ ኢልካ ኻብ ምንባርሲ፡ ሞት ይሓይሽ" ናብ ዚብል፡ ንልኡላውነት ኣምላኽ ናብ ዚግህስ ግጉይ መደምደምታ በጺሓ፡ "ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣለኻ፡ ንኣምላኽ ግዳ ኽሓዶ’ሞ ሙት" በለቶ። ብዛዕባ’ቲ ዝወረደካ ጕድኣት፡ ንልኡላውነት ኣምላኽ ምኽሓድ ይብሉኻ ኸም’ዚ’ዩ። ንሱ ግና ንልኡላውነቱ ግሂስና ’ነማዕብሎ ስምዒት፡ ‘ንዛረቦ ዘረባ ዀነ ’ንገብሮ ግብሪ፡ ዕሽነታዊ ምዃኑ ዜረጋግጽ ናይ ልቦና መልሲ ሃባ።    

"ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣለኺ፡ ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ (ሕማቕከ) ኣይንቕበሎንዶ፧" እዮ2፡10

ነቲ ንልኡላውነት ኣምላኽ ዚግህስ ዘረባ ናይ ብዓልቲ ኺዳኑ፡ በቲ ንልኡላውነት ኣምላኽ ክብሪ ዚህብ ጻድቕ ዘረባኡ ገይሩ ኺእርሞ ተራእየ። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ዚገጥመና ሕማም ኰነ ኻልእ ጸገማት፡ ካብ’ቲ ዅነታትና ኣብሊጽና፡ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ንልኡላውነቱ ኽንሰርዖን ከነኽብሮን ከም ዚግብኣና ወርትግ ክንዝክር የድልየና።

ብዛዕባ ዝወረደካ ጕድኣት፡ ዝዀነ ነገር ከም ዘየጋጠመ ጌርካ  ስምዒት-ኣልቦ ምዃን ይከኣልን ንቡርን ድዩ፧ እንተ ተሰምዓካ’ሞ ገለ እንተ በልካ ወይ እንተ ገበርካኸ ሓጢኣት ይዀነካ ማለት ድዩ፧ ስምዒት-ኣልቦ ምዃን ዘይክኣል’ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ዝዀነ ሕማቕ ነገር ከይስምዓና ግን ኣይተኣዘዝናን። ሰብካ ሞይቱካ ኽትጕህይ፡ ሓሚምካ ኽትቅንዞን ክትሰግእን ክትጕህይን ንቡር’ዩ። በዚ ዘይጥዑም ስምዒታት’ዚ ተደሪኽካ፡ ዘየድልይ ክሳዕ ምሕሳብን ምዝራብን ምግባርን እንተ በጺሕካ ግን፡ ደረት ትሰግር ስለ ዘለኻ ዘይንቡርን ሓጢኣትን ኪኸውን ባህርያውን ጽቡይን’ዩ። ኣቦና እዮብ፡ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ዘስተንከረ ቓል ኪዛረብ ከሎ፡ ስለ ዘይጐሃየ ኣይኰነን። ክዳኑ ኽሳዕ ምቕዳድን ጸጕሪ ርእሱ ኽሳዕ ምልጻይን ዘብጽሖ’ኮ፡ እቲ ዝተሰምዖ ጓሂ’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ኸቢድ ጓሂ ዀይኑ ግን፡ ንልኡላውነት ኣምላኽ ዜኽብር ቃል ተዛሪቡ ደኣ ተደፊኡ ብኽብሪ ሰጊዱሉ’ምበር፡ ንኣምላኽ ብምንቃፍ ብኸናፍሩ ኣይሓጥአን። ብኣንጻሩ "እዚ ኣምላኽ እንታይ ገይረዮ’የ ኸም’ዚ ዚፈድየኒ፧ ሓድግን ተረፍን ዘይብለይ ክሳዕ ዝኸውን ከም’ዚ ገይሩ ኺዘምተኒ፧ ወዘተ" እናበለ እንተ ዚምረር ግን፡ "ነቲ ፈታኒ ድያብሎስ እንታይ ምተሰምዖ፡ ኣምላኽከ እንታይ ምበለ፧" ኢልና ንሕሰብ። ከም’ቲ ብዓልቲ ኺዳኑ ዝመኸረቶ፡ ንኣምላኽ እንተ ዚኽሕድ፡ ወይ’ውን ኣብ ክንዲ ምሕረት ሞት እንተ ዚምነይ፡ ከቢድ መንፈሳዊ ዕንወትዶ ኣይምዀነን፧ ዝዀነ ይኹን ጒድኣት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ናብ ዘይተደላዪ ጫፍ ኬድና ኻልእ ዝገደደ ባዕላዊ ጒድኣት ከይነውርድ ዚሕልወና’ምበኣር፡ ንልኡላውነቱ ምዝካርን ክብሪ ምሃብን’ዩ። 

ከምኡ ምግባርና ኻብ ኣምላኽ ንላዕሊ፡ ንኣና ዚህቦ ረብሓ’ዩ ዚዓብይ። ገሊኡ ሰብ ነቲ ኣሉታዊ ስምዒቱ ምዕጋት ምስ ተሳእኖ፡ ናብ ግሁድ ጽላለ፡ ናብ ቅዛነት፡ ልዑል ጸቕጢ ዝጠንቆም ቀተልቲ ሕማማት ናብ ምምዕባል፡ ናብ ጐዳእቲ ወልፍታት፡ ክሳዕ ርእሰ ቕትለት ኪበጽሕ’ውን ኣዘውቲሩ ዜጋጥመና ተርእዮታት’ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ዀነ መንፈሳዊ ዝምድናታቶምን ህይወቶምን ዚወርድ ጒድኣት’ውን ዚገድድ’ምበር፡ ዚሓይሽ ኣይኰነን። ተነጽሎ፡ ባእሲ፡ ጽልኢ፡ ቂምታ፡ ፍትሕ ወዘተ፡ ከምኡ’ውን መንፈሳዊ ህይወቶም ተጐዲኡ፡ ምንባብ ቃል ኣምላኽን ምጽላይን ዚገድፉ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝነበሮም ሕብረት (ኣብ ክርስቶስ ካብ ዝነበሮም ኣካልነት) ዚፍለዩ’ውን ብዙሓት’ዮም። ሕማም፡ ሓዘን ወዘተ ብዘጋጥሞም ሰባት ዚውሃብ ምስክርነታትን ዚጽሓፉ መጻሕፍትን ምስ ‘ነንብብ፡ እቲ ማሕበራዊ ዀነ መንፈሳዊ ቕልውላውን ጕድኣትን ከም ብመስትያት ጐሊሑ’ዩ ዚርኣየና። ነቲ ተጐዳኢ ባዕሉ ዀነ ነቲ ተዓዛቢ ሰብ፡ እዚ ዅሉ ጕድኣት፡ ናይ’ቲ ዘጋጠሞ ሕማም ወይ ሞት ሳዕቤን መሲልዎ፡ ናብ ግጉይ መደምደምታ ኺበጽሕ ይኽእል’ዩ። እዚ ግጉይ መደምደምታ’ዚ ነቲ ጕድኣት ኣብ ምሕዋይ ዘይጠቅም ግጉይ ስጕምትታት ናብ ምውሳድ ዚደፍኣና ምዃኑ፡ ካልእ ጐዳኢ ሳዕቤን’ዩ። እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ’ዚ ዅሉ ጒድኣት ግን፡ ንኣምላኽን ንልኡላዊ ባህርዩን ኣብ ግምት’ኳ ዘየእትው ድኹም ኣተሓሳስባ’ዩ። ንጒዳያትና ኻብ’ቲ ሰናይ ኣምላኽ እንተ ፈሊናዮ፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር ናብ’ቲ ኽፉእ ሰይጣን ንውፍዮ ኸም ዘለና ኽንስሕቶ ኣይግባእን’ዩ። ሰይጣን ከኣ መፍቶኡ ዀይኑሉ፡ ናብ’ቲ ዝረሓቐ ጫፍ ናይ’ቲ ጒድኣት ከብኪቡ የብጽሓና ማለት’ዩ።

ብዛዕባ ሕማምናን ሳዕቤናቱን ንልኡላውነት ኣምላኽ ከም ዝገሃስናዮ ወይ ከም ዘኽበርናዮ ዜረጋግጹልና ምልክታት እንታይ’ዮም፧ እቲ መሰረታዊ ሓሳቡ’ኳ ድሮ ተናኺፍናዮ ኢና። ግን ብነጥብታት ሰሪዕና እንተ ረኣናዮ፡ ንኽንርድኦ ዀነ ንኽንዝክሮን ንኽንጥቀመሉን ይሕግዘና’ዩ።

1. ተገዳስነትና ብዛዕባ ልኡላውነቱ፦ ቅድሚ ዝዀነ ዅነታት ምኽሳቱ፡ ብዛዕባ ልኡላውነቱ ልዑል ተገዳስነትን ኣኽብሮትን እንተ ዘይጸኒሑና እቲ ዜናውጽ ኵነታት ምስ ተኸስተ፡ ክንዝክሮ ዀነ ኸነኽብሮ ዚህልወና ተኽእሎ ኸም ዓይኒ መርፍእ’ዩ ዚጸብብ። ብመሰረቱ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንን ኣገልገልታን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጕስነቶም ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ ልኡላውነት ኣምላኽ እኹል ትምህርትን ፍልጠትን ኬስንቕዎ፡ ሃዋርያዊ ሓላፍነቶም’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዚርኣይ ብኵራት፡ ናይ ብዙሓት ሰባት ዘለኣለማዊ መጻኢ ስለ ዜጸልምት፡ ብዕቱብ ኪርኣይን ኪስርሓሉን ዚግብኦ’ዩ። ዋላ’ቶም ምእመናን’ውን፡ ረብሓኡ ንኣና ስለ ዝዀነ፡ ተገዲስና ኽንሓትተሉን ክንፈልጦን ናይ ግድን’ዩ። ዋላ ኣብ ገዛእ ህይወትና ኣይከሰት፡ ኣብ ከባቢና ኣብ ዘለዉ ሰባት ዚኽሰት ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ኽንግደስ ዜዘኻኽረና ብዙሕ ደወላት ኣሎና። ነቶም ዝሓመሙ ኽንኣልዮም ወይ ክንበጽሖም ከለና፡ ብዛዕባ’ቲ ዝዓበየን ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎን ኣርእስቲ ባዶ ዄንናስ፡ ዕንበባ፡ ካርተሊና ወይ ፍረታት ተሰኪምና እንተ በጻሕናዮም እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ልዕሊ ዅሉ ግን እዚ መንፈሳዊ ርድኢት’ዚ ንኣና ንርእስና ስለ ዜድልየና፡ ናይ ግድን ከነጥርዮ’ዩ ዚግብኣና። ምኽንያቱ ከም’ቲ እዮብ ዝበሎ፡ ንሕና ዘይንፈልጦ ብዛዕባና ዝመደቦ ብዙሕ መደባት ኣለዎ (እዮ23፡14)። ንሱ ብልኡላዊ ስልጣኑ መደባቱ ኺሰርዕ ከሎ፡ ንሕና ድማ ነቲ ንሱ ዝመደበልና ዅነታት ንእኡ (ንኣምላኽ) እና’ኽበርና ኽንሓልፎ ዜኽእለና መንፈሳዊ ቝመና ኽንሃንጽ ይግብኣና ማለት’ዩ። እግዚኣብሄር ሰናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብፍቓዱ ዜውርደልና ዅነታት ንሰናይናን ንረብሓናን ኢሉ’ዩ ዚገብሮ (ኤር29፡11)። እዚ ድሉውነት’ዚ እንተ ዘይብልና ግና፡ በቲ ኽንረብሓሉ ዝተሰርዓልና ዅነታት ተጐዲእና ኽንተርፍ ኢና። 

2. ጸሎት፦ እዚ መንፈሳዊ ስነ ምግባር’ዚ፡ ዓብይ መንፈሳዊ ጸጋ ዜጐናጽፈና፡ ካብ ብዙሕ መንፈሳዊ ዀነ ኣካላዊ ፈተናን ጒድኣትን ዜናግፈና’ዩ። ስለ’ዚ ዅሉ ዅነታት ገና ደሓንን ጥዑይን ከሎ፡ "ካብ ክፉእ ሓልወኒ፡ ባልሃኒ፡ ሰውረኒ" እናበልና፡ ናብ ኣምላኽ ኣዘውቲርና ብጸሎት ክንምዕቈብ ይግብኣና። ጐይታና’ውን ከምኡ’ዩ ዝመሃረና (ማቴ6፡13 ፣ 26፡41)። ከም’ዚ ዝዓይነቱ ጊዜኡ ዝሓለወ ጸሎት፡ ንልኡላዊ ፍቓድን መደባትን ናይ ኣምላኽ ዜኽብር’ዩ። ፍቓዱ ዀይኑ ገለ ሕማም ምስ ዜጋጥመና ድማ፡ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ካልእ ፍታሕ ወይ ረድኤት ምድላይና፡ ብዛዕባኡ ብውልቅና፡ ብስድራ ቤት ኰነ ብመራሕትን ኣገልገልትን ቤተ ክርስትያን ጸሎት ኪግበር ይግባእ። ቅድሚ ናብ ኣምላኽ ናብ ሰብ ምጕያይ፡ ንልኡላውነትን ከኣልነትን ናይ ኣምላኽ ዜስተናዕቕ ክሕደታዊ ምርጫ’ዩ። እቲ፦ 

"ኣሳ . . . ኣእጋሩ ሓመመ፡ እቲ ሕማሙ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ፡ በቲ ሕማሙ ግና፡ ንሓኪማት’ምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን። ኣሳ ድማ . . . ሞተ።" ዚብል ቃል፡ ኬለብመናን ኪእርመናን ዚግብኦ ምስክርነት’ዩ (2ዜና 16፡12,13)። ብኣንጻሩ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ኣሳ ዝዀነ ህዝቅያስ እንታይ ከም ዝገበረ፦ "በቲ ዘመን’ቲ ህዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዚዋላእ ሓመመ። . . . ሽዑ ህዝቅያስ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ . . . ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ህዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ።" 

ብዚብል ቃላት ተተሪኹልና ኣሎ (ኢሳ38፡1-3)። እግዚኣብሄር ብጸሎቱ ተሓጕሱ፡ ነቲ መዲብዎ ዝነበረ ሞት ተጣዒሱሉስ፡ ተወሳኺ ናይ 15 ዓመታት ዕድመ ሃቦ። ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ጀሚርካ፡ ብሕማም ዝተፈተኑ ዅላቶም ቅዱሳን ነዚ ኣርኣያ’ዚ’ዮም ዝሓደጉልና። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰባት ዜሰቅቕን ዜፈንፍንን ሕማም ምስ ሓዞ፡ በቲ ንብዙሓት ፈውሲ ዘውረደ ጸሎቱ ሰለስተ ሳዕ ለመነ (2ቈረ12፡7-10)። ኣብ ክንዲ ፈውሲ ዚህቦ፡ ጸጋ ኸም ዜብዝሓሉ ምስ ተነግሮ ግን፡ ኣዝዩ ተሓጐሰን ብሕማሙ ተመክሐን። ምኽንያቱ እቲ ሕማም ንኼሳቕዮ ዘይኰነስ፡ ካብ’ቲ ኣጋንንታዊ ኣበሳ ዝዀነ ትዕቢት ምእንቲ ኺሕልዎ ዝተዋህቦ፡ ጠቓሚ ሕማምን ስቓይን’ዩ ዝነበረ (ገላ4፡13,14 ፣ 2ቈረ12፡7,8)። 

ጸሎትና ኸይተመለሰ ምስ ዚተርፍ ወይ ምስ ዚድንጕይ፡ ጸሎትና ናይ ምቍራጽ ኣሰካፊ ዝንባለ ኣሎና። እዚ ኸኣ ንእምላኽ ከም ዝቐበጽናዮ፡ ብዛዕባ ልኡላዊ ስልጣኑን ፍቓዱን ኣዝዩ ትሑት ግምትን ከቢድ ንዕቀትን ከም ዘሕደርና ዚገልጽ ግብራዊ ስጕምቲ’ዩ። ኣምላኽ ብሰብ ኪቕበጽ መቸም፡ ምድሪ’ኳ ዘይትጾሮ ኸቢድ ኣበሳ’ዩ። 

3. ንፍቓዱ ቐዳምነት ምሃብ፦ ብልኡላዊ ስልጣኑ ዝተዛረባ ሓንቲ ቓል ከይተፈጸመት ካብ ‘ትሓልፍ፡ ብምሉኡ ሰማይን ምድርን ተጠቕሊሉ ኺሓልፍ ከም ዚቐልል ተነጊሩና’ዩ (ሉቃ16፡17)። ስለ’ዚ እቲ ንሕና ዝደለናዮ ንእሽቶ ነገር ምእንቲ ኪዀነልናስ፡ እቲ ዝዓበየ ፍቓዱ ኺፈርስን ኪስረዝን ምድላይና ንርእሱ፡ ናይ ጥዕና ኣይኰነን። ነዚ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባና ዚፍውስ ኣርኣያ፡ ብጐይታ ተዋሂቡና’ዩ።

"ኣቦይ ዚክኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ’ዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ከም ‘ትደልዮ’ምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። . . . ነዛ (ጽዋእ’ዚኣ) ከይሰተኽዋ ኽሓልፍ ዘይክኣል እንተ ዀይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን።" ማቴ26፡39,42

እቲ ዝተመነናዮን ዝለመንናዮን ከይኰነልና ኺተርፍ ከሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር መደብ ካብ ናትና ዝተፈልየ ምዃኑ ኣስተውዒልና፡ "ጐይታይ ፍቓደይ ዘይኰነ ፍቓድካ ይፈጸም" ብምባል ኢና ንልዕልና ፍቓዱ ኸነኽብሮ ‘ንኽእል። "ፍቓድካ ይኹን" ኢልካ ኸተብቅዕ፡ ጸሎት እንተ ኣቋሪጽካ ግን፡ ክልተ ተጻረርቲ መልእኽታት ተመሓላልፍ ኣለኻ ማለት’ዩ። ንልኡላውነቱ ሓቀኛ ኣኽብሮት ዘለዎ ሰብ፡ ጸሎት ኣየቋርጽን’ዩ። እታ ጓላ ዝሓመመታ ሶርያዊት ሰበይቲ፡ ካብ ጐይታ ኸቢድ መልእኽቲ ዘለዎ ኣሉታዊ መልስታት እናተዋህባ’ኳ፡ ንጸሎታ ኸተቋርጾ ኣይመረጸትን። ኣብ መወዳእታ ድማ ንእምነታ ኣድኒቑን ንኢዱን፡ ንልማኖኣ ፈጸመላ (ማቴ15፡21-28)። እግዚኣብሄር ንጸሎትና መልሲ ንምሃብ ዚድንጕየሉ ወይ ፈጺሙ ዘይህበሉ ምኽንያት፡ በዚ ጸጋ’ዚ ኽንዓብይ ኪድርኸናን ኪምክረናን (test) ኪገብረና ስለ ዚደልይ’ዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዩ ጐይታና "ከየባተኽኩም ኵሉ ሳዕ ጸልዩ፧ ኢሉ ዝኣዘዘናን ዝመዓደናን (ሉቃ18፡1-8 ፣ 1ተሰ5፡17 ፣ ቈሎ4፡2 ፣ ሮሜ 12፡12 ፣ እዮ 27፡ 8-10)። 

4. ንፍቓዱ ‘ነርእዮ ምቕባል፦ ንፍቓዱ ምቕባል፡ ፍቓዱ ቅድሚ ምምጽኡን ቅድሚ ምፍጻሙን ተሃኒጹን ማዕቢሉን ኪጸንሕ ዚግብኦ’ዩ። ኣብ’ዛ ብሰሪ ሓጢኣትና ማእለያ ዘይብሎም ጸገማት ዝመልኣን ብሰይጣን ’ትግዛእን ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ይኽበድ ይቕለል፡ ይቐልጥፍ ይደንጕይ፡ ይብዛሕ ይውሓድ፡ ሓደ ዓይነት ጸገም ኬጋጥመናስ ናይ ግድን’ዩ። እቲ ኣብ ከባቢና ኣብ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ኰነ ስድራ ቤታት ኬጋጥም ‘ንርእዮ ጸገማት እንተ ዀነ’ውን፡ ናባና ዜመሓላልፎ ግሉጽ መልእኽቲ ኣለዎ። ኣብ ባህልና፡ "ጭሕሚ ብጻይካ ኺላጸስ፡ ጭሕምኻ ማይ ልኸይ" ዚብል ምስላ ኣሎና። "ኣይተርፈልካን’ዩ’ሞ፡ ተዳለወሉ" ዜስምዕ፡ ልቦና ዜስንቕ መልእኽቲ ዘለዎ’ዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንምቕባል ዝተዓለመን ዝተዳለወን ልቢ ዘለዎን ዘይብሉን ሰብ፡ እቲ ነገር ምስ ተኸስተ ዜርእይዎ ግብረ-መልሲ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኪህልዎ ጽቡይን ባህርያውን’ዩ። ኣብ ከባቢና ሓደ ነገር ተኸሲቱ ምስ ረኣና፡ "ኣነ ኣብ’ዛ ቦታኦም እንተ ዝህልውከ፡ እንታይ ምዀንኩ፡ እንታይ ምበልኩ፡ እንታይከ ምገበርኩ፧" ኢልና ኽንሓትትን ርእስና ኽንምርምር’ዩ ዚግብኣና። ንእኡ ዜጽውር መንፈሳውን ኣእምራውን ድልውነት እንተ ዘይብልና ድማ፡ ካብኡ ተማሂርና፡ ንልኡላውነት ኣምላኽ ክብሪ ዚህብ መንፈሳውነትን ባህርይን ክንሃንጽ ይግብኣና። ገሌና ሰባት ሰኣን ምስትውዓል፡ ንኸም’ዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ከም ክፉእ ትምኒት፡ ከም ሕማቕ ፋል ጌርና ናይ ምርኣይ ድኻምነት ነንጸባርቕ ኢና። ብመንፈሳዊ ዀነ ብስነ ልቦናዊ መለክዒ ግን፡ ኣዝዩ ዚድነቕ ብስለታዊ መርኣያ’ዩ።

ንሕና ንኣምላኽ ፍጥረቱን ስርሓት-ኢዱን ኢና። ባዕሉ ስለ ዝፈጠረናን ብደም ቅዱስ ወዱ ስለ ዝዓደገናን፡ ኣብ ልዕሌና ድርብ ዋንነት ኣለዎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዅሉ፡ መጋቢና፡ ሓላዊና፡ ረዳኢና ንሱ’ዩ። ሳላኡ ኢና ብህይወት ንነብርን ንወሳወስን ዘለና። ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረቱ ድማ ልኡላዊ ስልጣን ኣለዎ። ሰናይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሌና ዚፍጽሞ ዅሉ ነገር ንረብሓናን ንኽብሩን ኢሉ ጥራሕ’ዩ ዚገብሮ። እዚ መሰረታዊ ሓቂ’ዚ ኣብ ኣእምሮና ሓዲሩ ይገዝእ እንተ’ልዩ፡ ንልኡላዊ ስልጣኑ ብምልኣት ከነኽብሮን ክንግዝኦን’ምበር፡ ክንንዕቆ፡ ክንደፍሮ፡ ክንቀብጾ፡ ክንምረረሉ ዀነ ኸነጕረምርመሉ ኣይኰነልናን’ዩ። ቄናን ብዝዀነ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ልኡላዊ ኽብሩ ኣፍና እንተ ኸፊትናን እንተ’ግፊሕናን ልብና እንተ’ትሪርናን ግን፡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይንዘንግዕ። ንልኡላዊ ስልጣኑን ክብሩን ብልዑል ቅንኣት ይቘመሉን ይዋግኣሉን’ምበር፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣየእትዎን’ዩ። ይትረፍ ኣምላኽ፡ ሰብ’ኳ ነታ ሕስርቲ ኽብረቱ ብቕንኣት’ዩ ዚጣበቐላ። ናይ ሰብ መንግስታትን ሃገራትን’ውን ልኡላውነተን ኪትንከፍ ከሎ፡ ኬጕርራን ኬጕባዕብዓን ናይ ኵናት ነጋሪት ኪወቕዓን’የን ዚርኣያ። ጥፍኣቱ ዘብሃጎን ዝተበርሆን ሰብ ጥራሕ’ዩ፡ ንልኡላውነት ኣምላኽ ዜስተናዕቕ። ጥዕናናን ሕውየትናን፡ ካብ ልኡላውነት ኣምላኽ፡ ይትረፍ ኪዓብይ ኪነጻጸር’ውን ዘይግብኦ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ንእሽቶ ጕዳይና ኽንብል፡ ነቲ ዝዓበየ ልኡላውነቱ ኻብ ምኽባር ከይንበኵር ንጠንቀቕ። ኣቓሑ ኽብሪ’ምበር፡ ኣቓሑ ውርደት ኣይንኹን!! 

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

8 መጋቢት 2026 | ካቲት 29, 2018 ግዕዝ (መበል 26 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: መዝ.፮፡፪-፫ "ተሣሃለኒ እግዚኦ እስመ ድውይ አነ። ወፈውሰኒ እስመ ተሀውካ አዕፅምትየ። ነፍሥየኒ ተሀውከት ፈድፋደ።"

ዓዲ፡ መዝ ፵(፵፩)፡፫,፬ "እግዚአብሔር ይረድኦ ውስተ ዓራተ ሕማሙ።  ወይመይጥ ሎቱ ኵሎ ምስካቤሁ እምደዌሁ። አንስ እቤ እግዚኦ ተሣሃለኒ።"

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 12፡11-17

ዲያቆን

ያእ 5፡14-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 3፡1-12

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 5፡1-18

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘወልደ ነጐድጓድ መዝሙር፦ ኣምላኩሰ ለአዳም

   

 

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div