ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፤ ብውሽጢ ከቢድ ነውጽን ምፍልላይን፡ ብግዳም ድማ ተነጽሎ ካብ ኣድማሳዊ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናትን ካብ ኣሓት ኦርቶዶክሳውያን ኦርየንታልን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣጋጢምዋ ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ፍጻመ እዝን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጽሑፍ በኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ
1. ተልእኾ ቤተክርስቲያን እንታይ እዩ? ቤተክርስቲያን ተልእኾኣ እንተዘይፈጸመት ኣብ ህዝብን ሃገርን እንታይ ጉድኣት ይበጽሕ?
2. ኩነታት ኤርትራዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ቅድምን ድሕሪ ነጻነትን እንታይ ይመስል?
3. ምስ ነጻነት ሃገርና ምምሕዳራዊ ነጻነት ረኺባ ንትንሣኤ እተማዕዱ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ብኸመይ ናብዚ ሕጂ ኣትያቶ ዘላ ደልሃመት ወደቐት?
4. ኣብ መፋርቕ 2005 ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ዝተፈጸመ ማንም ዘይተጸበዮ ሓደጋ ዘኸተሎ ዕንወት እንታይ ይመስል?
5. ካብዚ ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ኣትያቶ ዘላ ናይ ውድቀት መገዲ ብኸመይ ኪትወጽእ ትኽእል?
6. መዛዘምን ለበዋን ንውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ንኡስ ወለዶን ዝብሉ ኣገደስቲ ኣርእስቲ ይርከብዎ። ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ, PDF, 1.36 MB.
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ