"ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ፡ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።"
" . . . ኵሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። ሰማያዊ ስጋ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ። ግናኸ ክብሪ ናይ’ቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ ናይ’ቶም ምድራውያን’ውን በይኑ’ዩ። ብኽብርስ ኰኾብ’ኳ ካብ ኰኾብ ይበልጽ’ዩ። . . . " ዮሃ17፡22,23 ፣1ቈረ15፡39-41
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ኻልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤን በዓለ ዳግም ትንሳኤን’ዩ። እግዚአብሔር ርሑስን ዝተባረኸን በዓል ይግበረልና። "ዳግም-ትንሳኤ" ዝተባህለ፡ ጐይታና ኽልተ ሳዕ ስለ ዝተንስአ ኣይኰነን። እቶም 11 ሓዋርያት ኣብ ዝነበርዋ ቤት ብኣካል ተረኺቡ ዝተራእዮም ዕለት ስለ ዝነበረን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ብምዃኑን፡ ከም ዝተደግመ ኻልኣይ ትንሳኤ ተቘጺሩ፡ "ዳግም ትንሳኤ" ተባህለ። እቲ ታሪኽ ኣብ ዮሃ 20፡19-29 ተተሪኹልና ኣሎ። ኣብ’ቲ ቐዳማይ ኣብ ዕለተ ትንሳኤ ዝተራእዮም መዓልቲ፡ ሃዋርያ ቶማስ ኣብ ማእከሎም ኣይነበረን። እቶም ዓሰርተ ብጾቱን ኣሕዋቱን ንጐይታ ኸም ዝረኣይዎ እንተ ነገርዎ’ኳ፡ "ኣይኣምንን" ኢሉ ኣቕበጸ። ጽውዓ ሃዋርያነት፡ ምስክር ትንሳኤኡ ምዃን ስለ ዝነበረ፡ ሃዋርያ ቶማስ፡ ከይረኣየ ምስክር ኪኸውን ስለ ዘይክእል ድማ፡ ንእኡ’ውን ኪርኣዮ ናይ ግድን’ዩ። ስለ’ዚ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኣብ 8ይ መዓልቱ ደጊሙ ኣብ ማእከሎም ተረኽበ። ስለ’ዚ ኻብ ዳግማይ ትንሳኤ ኽሳዕ’ቲ ዚስዕብ ቀዳም ዘሎ ንኡስ ዘመን "ዘመነ ቶማስ" ይብሃል። ብዛዕባ ኣገዳስነት እምነት ’ንምሃረሉን ’ነስተንትነሉን ቅንያት ስለ ዝዀነ’ውን፡ "ዘመነ እምነት" ይብሃል’ዩ። ጐይታና፡ ንሃዋርያ ቶማስ ብዛዕባ ዘይምእማኑ ድሕሪ ምግሳጹ፡ ኢዱ ናብ’ቲ ዝተወግአ ጐድኑን ናብ’ተን ዝተሸንከራ ኣእዳዉን ኬእትው ነገሮ። ቅዱስ ቶማስ ግን፡ ብኡንብኡ "ጐይታይን ኣምላኸይን" ብምባል፡ ካብ ዘይምእማን ተመልሰ። እምነት ብምስማዕ’ምበር፡ ብምርኣይ ከም ዘይኰነት፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ዅሎም ድማ ብጹኣን ከም ዝዀኑ፡ ጐይታና ተዛረበ (ዮሃ 20፡29፣ሮሜ 10፡17)። እዚ ናይ ብጽእና ትዕድልቲ’ዚ ድማ፡ ካብ’ታ ጐይታና ዝዓረገላ ዕለት ጀሚሩ ኽሳዕ ምጽኣቱ ኣብ ዘሎ ጊዜ ንጐይታ በዒንቶም ከይረኣዩ ንዚኣምንዎ ዅሎም ዝተዋህበ’ዩ። እዛ እምነት’ዚኣ ብግብሪ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ’ትገሃድ ክሳዕ ዝዀነት፡ ’ተጽድቕን ’ተድሕንን እምነት’ያ። እምበኣር ጐይታና ሎሚ ዘይርኣየና ዘሎ፡ ንእምነትና ኼዕብዮን ንብጽእናና ንኼዕዝዞን’ምበር፡ ንኺፈታተነና ኢሉ ኣይኰነን። ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ዘይምርኣይ ረብሓን ክብርን እንታይ ምዃኑ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
"24ነቲ ዚርእዮስ ተስፋ ዚገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘለና’ሞ፡ ነቲ ዚርአስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። 25ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና።" ሮሜ 8፡24,25
"እቲ ዚርአ ንጊዜኡ’ዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና፡ ንዘለኣለም’ዩ’ሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርአ’ምበር፡ ነቲ ዚርአ ኣይንጥምትን ኢና።" 2ቈረ 4፡18
ነቲ ዘይትርእዮ ተስፋ ምግባርን ምእማንን፡ ትዕግስትን ጽንዓትን ዚወልድ፡ ካብ ምሕላል ከኣ ዜድሕን’ዩ። ሃዋርያ ቶማስ ብዓይኑ ኸይረኣየ ኸሎ፡ ብምስክርነት ናይ ኣሕዋቱ ኣሚኑ እንተ ዚኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ መጐስን ናእዳን ምረኸበ ነይሩ። ሽዑ ግን፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም "ኣይኣምነኩምን’የ" ዝበሎም ኣሕዋቱ፡ ከም "ዘይኣምን ሃዋርያ" ዀይኑ ተነቕፈ (20፡27,29)። ቅዱስ ጴጥሮስ እቶም ከይረኣዩ ዝኣመንዎ ዅሎም፡ ጐይታ ብኣካል ምስ ተመልሰ፡ ብኣዝዩ ኽቡርን ዓብይን ሓጐስ ከም ዚሕጐሱ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (1ጴጥ 1፡6-9)።
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ግን፡ ገጽ ጐይታ ኣብ ምርኣይ ጥራሕ ኪድረት ኣይግብኦን’ዩ። ምኽንያቱ እምነት ኪህልወና ዚጠልብ ብዙሕ መንፈሳውን ማሕበራውን ጕዳያት ኣሎና። ፈውሲ ዜድልዮ ሕማም ምስ ዚህልወና፡ ጐይታ ንሕሙማት ኪፍውስ ከሎ ብግብሪ በዒንትና ስለ ዘይረኣና ጥራሕ፡ ብፈዋስነቱ ኽንኣምን እንተ ተሸጊርና፡ ኣብ ደምበ ናይ’ቶም ዘይኣምኑ ኸም ዘለና ርዱእ’ዩ። ቅዱሳን ደቀ መዝሙሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ብዙሕን ዓበይትን ተኣምራት ኪገብር እናረኣይዎ ኸለዉ፡ ገለ ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ግን፡ ንምእማን ይሽገሩ ነበሩ። ስለ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ፈታኒ ዅነታት፡ ድኻም እምነቶም ይቕላዕ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና "ኣቱም ጕዱላት እምነት" እናበለ ይነቕፎም ነበረ (ማቴ 6፡30፣8፡26፣14፡31፣16፡8፣ሉቃ 92፡28)። እቲ ንጐይታ ብዓይኑ ኸይረኣዮ ኸሎ ዚኣምኖ፡ ማዕበላት ኬህድእ ከሎ ኸይረኣዮ ኸሎ’ውን፡ ኣብ’ቲ ንእኡ ዘጋጠሞ ናይ ህይወት ማዕበላት ኪኣምኖ ናይ ግድን’ዩ። ከምኡ እንተ ዘይገበረ ግን፡ ንርእሱ ምስ ኣመንቲ ኺሰርዓ ኣይግባእን’ዩ። ሓቀኛን ምልእትን እምነት ከም ዘላትና፡ ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ናብራና’ውን ከነግህዶ ይግባእ። እዚ ኽቡር በዓል’ዚ ዚምህረና በዳሂ ኣርእስቲ’ምበኣር፡ ነዚ’ዩ ዚመስል።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ በዓለ ትንሳኤ ክሳዕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዘሎ መዓልታት "ከመ አሐቲ ዕለት (ከም ሓንቲ ዕለት)"’ዩ ዚቝጸር። ናይ ትንሳኤን ዳግም ትንሳኤን መዓልታት’ውን ከም ሓንቲ መዓልቲ’የን ዚቝጸራ። ናይ ዳግማይ ትንሳኤ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር፡ በቲ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ቅዱስ ወንጌል ንባብ፡ ማለት ብዮሃ 17፡1-26 ዝተሃንጸ’ዩ። ኣርእስቱ ኸኣ፡ ካብ ዮሃ 17፡4 ዝተወስደ "ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ" ዚብል ኰይኑ፡ ትርጕሙ ድማ፦
“ጐይታና ብወንጌል ከም’ዚ በለ፡ "ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ፡ ስምካ ንሰብ ነገርኩ። ኣባ ኣቦየ ብኽብርኻ ኣኽብረኒ። ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ። ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ"።
ስምካ ንሰብ ነገርኩ፡ ኣባ ኣቦይ ብኽብርኻ ኣኽብረኒ። ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ፡ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ።
ንኣኻ ንሕያው ኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ስምካ ንሰብ ነገርኩ። ኦ ኣባ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ምሳይ ምእንቲ ኺነብሩ፡ ቅዱሳን ምእንቲ ኪዀኑ ቐድሶም። ነቲ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ ክብረይን ናይ ኣቦይን (ክብሪ) ይንገሩ።
ካባኻ ቅዱሳን ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣባ ቐድሶም። ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ ምሳይ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ነቲ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ ክብረይን ናይ ኣቦይን (ክብሪ) ይንገሩ።”
ማለት’ዩ። ጐይታና ነዚ ናይ ወንጌል ዮሐንስ ምዕራፍ 17 ጸሎቱ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዝሙሩ ዝጸለየሉ ምኽንያት፡ ንሳቶም’ውን ምድራዊ ጕዕዞኦም ወዲኦም ንሞት ኣብ ዝተዳለዉሉ ሰዓት፡ ነዛ ናቱ ተኣምኖ ብትብዓት ኪብልዋ ምእንቲ ኪኽእሉ’ዩ። ምኽንያቱ ንዕዮ ጐይታ ዓንቂፉን ኣብኲሩን ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ደው ምስ በለ ጽቡቕ ዚረክብ ሰብ ኣይኪህልውን’ዩ። ኵላትና’ውን ናይ ብሓቂ ክርስትያን ምዃንናን ንጐይታና ክርስቶስ’ውን ከም ዝመሰልናዮ ’ነረጋግጽ፡ ነዛ "ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ" ትብል ቃል፡ ንሕና’ውን ክንብላ ምስ ’ንኽእል ጥራሕ’ዩ። ጐይታ ዝሃበና ግብሪ "ፍቕሪ፡ ሓቂ፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ወዘተ"’ዩ። ከነፍቅር እናተገብኣና፡ ብጽልኢ እንተ ተበላሺና፡ ሓቂ ኽንዛረብ እናተገብኣና፡ ብሓሶት እንተ ጋዕዚና፡ ክንዕገስ እናተገብኣና ብዅራን ብቝጥዓን እንተ ሓሪርና፡ ነቲ ፈራዲ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ እምብዛ ስለ ዘዋረድናዮ፡ ኣብ’ታ ንበደልቱ ንዘለኣለም ዚብቀለላ መዓልቲ እንታይ ከም ዚውሃበና ርዱእ’ዩ። ስለ’ዚ "ኣብ’ዛ መዓልተይ’ዚኣ፡ ነቲ ኽገብሮ ዝተዋህበኒ ዅሉ ፈጺመስ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንጐይታይ ኣኽቢረዮዶ፧" ኢልና ርእስና እናመርመርና፡ ኣብ ህይወትና መንፈሳውነት ንህነጽ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ቲ ናይ ዮሃ17፡1-ፍጻመ ዝተወስደ ዀይኑ፡ ምስ’ቲ ናይ 1ቈረ15፡20-41 ንባብና ዝተዛመደ’ዩ።
ብዛዕባ ናይ ምንታይ ክብሪ ኢና ’ንዛረብ ዘለና፧ እቶም ሰማያውያንን ምድራውያንን ዚብሃሉ ዘለዉኸ እንታዎት’ዮም፧ እዚ ናይ 1ቈረ15፡20-41 ንባብና፡ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስን ትንሳኤ ሙታንን ዚገልጽ ንባብ’ዩ። ብሓፈሻ እታ ምዕራፍ ብዛዕባ "ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን" ብዕምቈትን ብስፍሓትን ’ትገልጽ፡ ናይ ትንሳኤ ምዕራፍ’ያ። ኣብ’ዚ "መርሓ-ንባባት ሰናብትን በዓላትን (ግጻዌ ዘሰናብት ወበዓላት)" ዘለዉ 17 ናይ ቀዳማይ ቈረንቶስ ንባባት፡ እቶም ሾብዓተ ካብ’ዚ ዓብይ ምዕራፍ’ዚ ዝተወስዱ’ዮም። ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ቲ ብምጽኣት ክርስቶስን ብትንሳኤ ሙታንን ዚኽሰት ዓበይቲ ለውጥታት ኪገልጽ ከሎ፡ ነዚ ናይ ክብሪ ኣርእስቲ ኣስፊሑ ገለጾ። ናይ መልእኽቱ ሕመረት፡ ንሕና ሰባት ናይ ቅድመ-ትንሳኤን ድሕረ-ትንሳኤን ክብርና ዀነ ህይወትና ኣዝዩ ኸም ዚፈላለይ፡ እቶም ሰማያውያን ንምዃን ዚበቕዑ ሰባት ድማ፡ ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ኸም ዚረኽቡ ዚገልጽ’ዩ። እቶም "ሰማያውያንን ምድራውያንን" ንብሃል ዘለና ኸኣ፡ ኵላትና፡ ደቂ ሰባት ኢና። ቅድሚ ምጽኣት፡ እቶም ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዘለና ዅላትና፡ ምድራውያን ሰባት ኢና። ዋላ ዅላትና ምድራውያን ንኹን’ምበር፡ ብዓይነት ናይ እምነትናን ዘሎና ህይወትን ግን፡ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምድባት ንኽፈል ኢና። ቀዳማይ ምድብ እቶም ብክርስቶስ ኣሚንናስ ብግብሪ ኸኣ ’ንስዕቦ ሰባት፡ ብቕዲ ህይወትና "መንፈሳውያንን ሰማያውያንን" ኢና። ከም’ቲ ጐይታና ዝበሎ፡ ኣብ ዓለም እናነበርና ኸለናስ፡ ካብ ዓለምን ናይ ዓለምን ግን ኣይኰንናን። ጐይታና ኣብ ጸሎቱ፦
"ካብ’ቲ ኽፉእ (ድያብሎስ) ክትሕልዎም’ምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘለኹ። ከም’ቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም’ውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።"ብምባል ሰማያውነት እንታይ ምዃኑ ኣብሪሁልና ኣሎ (ዮሃ17፡15,16 ፣ 15፡18,19)። ብክርስቶስ ኣሚኑ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ላዕሊ ካብ ኣቦ ዝተወልደ ክርስትያን፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ዚነብር ሰማያዊ ሰብ’ዩ (ዮሃ3፡3-8)። እቶም ካልኣይ ምድብ ድማ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ’ንነብር ካብ ኣምላኽ ዘይተወለድና፡ ወይ’ውን ብሰሪ ሓጥእ ኣካይዳና ሰማያዊ ውልድነትና ዘጥፋእና ሰባት ኢና። ጐይታና ነዞም ናይ ካልኣይ ምድብ ሰባት "ደቂ ዓለም፡ ናይ ታሕቲ" ኢሉ’ዩ ዝሰምዮም (ሉቃ16፡8)። ንፈሪሳውያን፡ ነቶም ዚጻረርዎ ኣይሁድ፦ "ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ’የ። ንስኻትኩም ካብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ግና ካብ’ዛ ዓለምን’ዚኣ ኣይኰንኩን።"ብምባል ገሊጽዎም ኣሎ (ዮሃ8፡23)። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ ድማ፡ "እቲ ኻብ ምድሪ ዝዀነ፡ ምድራዊ’ዩ፡ ካብ ምድሪ’ውን ይዛረብ።" ኢሉና’ሎ (ዮሃ3፡31)። ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ’ውን፦ "ኣቱም ደቀይ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም። ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ (ድያብሎስ) እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ (ኢየሱስ) ዚዓብይ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም (ነቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ) ስዒርኩምዎም ኣለኹም። ንሳቶምሲ ካብ ዓለም’ዮም፡ ስለ’ዚ ድማ ካብ ዓለም ይዛረቡ ኣለዉ፡ ዓለም’ውን ትሰምዖም ኣላ። ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን’ዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን በዚ ኢና ’ንፈልጦ።" ብምባል፡ ንኽልቲኦም ምድባት ’ነለልየሉ ወርቃዊ ረቛሒታት ገሊጹልና ኣሎ (ዮሃ4፡4-6)። እምበኣር ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብዘሎና ነባርነት፡ ኵላትና ሰባት ምድራውያን ኢና። ኣብ ክርስቶስ ጐይታና ብዘሎና እምነትን በቲ ዝመረጽናዮን ’ንነብሮን ዓይነት ህይወት ግን ገሌና ሰማያውያን፡ እቶም ዝበዛሕና ኸኣ ምድራውያን ኢና ማለት’ዩ።
እቲ ’ንዛረበሉ ዘለና ኽብሪ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ምጽኣት ጐይታና፡ ብትንሳኤ ሙታን ’ንጐናጸፎ ኽብሪ’ዩ። ብሓፈሻ እዛ ’ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ድሕሪ ምትእትታው ሓጢኣት፡ ናይ ውርደት’ምበር፡ ናይ ክብሪ ዓለም ኣይኰነትን። ንጉስ ሰለሞን፡ "ሓጢኣት፡ ውርደት ህዝብታት’ዩ፡" ኢልዎዶ ኣየሎን (ምሳ14፡34)። ሓጢኣት ዚገብር ክሳዕ ዝዀነ፡ ኣብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ኽቡር ሰብ የለን። ብርግጽ ብዓይኒ ስጋ ንዚርእይ ሰብ፡ ገለ ገለ ሰባት ብዚረኽብዎ ኽብሪ ኣዝዩ ኺድነቕን ኪቐንእን ይኽኣል’ዩ። እቲ ቕኑዕ ርእየት ዚህልዎ ግን፡ እቲ ብዓይኒ መንፈስ ዚርእይ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ብዛዕባ ሓቀኛን ነባርን ክብሪ ኽንዛረብ እንተ ዄንና፡ እቲ ብትንሳኤ ሙታን ናብ ሰማያት ምስ ዓረግና፡ ብኣምላኽ ዚውሃበና ኽብሪ ኪኸውን’ዩ ዚግብኦ። ካብ ዓለምን ካብ ሰባትን ዚርከብ ክብሪ፡ ጐሓፍን ወጽዓን’ዩ። ቤልሻጽር፡ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣብ’ታ ዝለዓለ ክብሪ፡ ዝረኸበ መሲልዎ ኣዝዩ ተሓጒሱላ ዝነበረ ህሞት፡ ኢድ ኣምላኽ መጺኣ፡ "ኣብ ሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኺብካ" ብምባል፡ ጅማውቲ ሕቝኡ ኽሳዕ ዚልሕልሕ ገይራቶ ኸደት (ዳን5፡5,6)። መራሒ ቤተ ክርስትያን ሎዲቅያ፡ "ሃብታምን ፈሳስን’የ፡ ሓንቲ ዝደልያ (’ትጐድለኒ) ነገር የብለይን" ኣብ ዝበለላ ቕጽበት፡ "ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን (ድኻን) ዕሩቕን ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኣለኻ" ዚብል መርድእ ተላእከሉ (ራእ3፡17)። ስለ’ዚ ብዛዕባ ኽብሪ ኽንዛረብ እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ዚህበና ሓቀኛን ዓብይን ነባርን ክብሪ’ምበር፡ ብዛዕባ’ዚ ኸም ዕንበባ መሮር ቀምሪሩ ዚረግፍ፡ ክብረት ዚመስል ውርደት ኣይኰነን።
ስለ’ዚ መንፈሳዊ ኽብርስ ብዘይካ ኣብ’ታ ’ትመጽእ ሰማያዊት ዓለም፡ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ንኣሰር’ኳ ኣይርከብን’ዩ ማለትና ድዩ፧ ኣይፋልናን!! ከምኡ ኢልና ድፍን ከነብሎ’ሞ ኣይንኽእልን ኢና። ናይ መነጽር ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ደኣ ይጠልብ ኰይኑ’ምበር፡ መንፈሳዊ ኽብሪ ገና ኣብ ዓለም ብህይወት ከለኻ’ዩ ዚጅምር። ብኣምላኽ ዚኣምን፡ ንኣምላኽ ዚፈርህ፡ ብጽድቂ ዚነብር ሰብ ምዃን ንርእሱ’ኮ፡ ዓብይ መንፈሳዊ ኽብሪ’ዩ። ናብ’ቲ ተነቢሩልና ዘሎ ምሉእ ሰማያዊ ኽብሪ ዜብቅዓና፡ እቲ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ብምርጫና ዝነበርናዮ ኽቡር ናይ ጽድቂ ህይወት’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ምድሪ’ዚ ’ንረኽቦ ኽብሪ፡ ናይ’ቲ ሰማያዊ ኽብሪ ዕርቡን’ዩ። እቲ ጸገም፡ ነዚ ኽብሪ’ዚ ኣምላኽን እቶም ካብ ኣምላኽ ዝዀኑን ዝተወልዱን ጥራሕ ዚርእይዎ ምዃኑ’ዩ። ነቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ሰባት፡ ብእምነትን ብፍርሃት ኣምላኽን ብጽድቅን ምንባር፡ እቲ ዝኸፍአ ውርደትን ስንፍናን ዀይኑ’ዩ ዚርኣዮም። ስለ’ዚ ኸኣ’ዮም ፈጺሞም ኪመርጽዎ ዘይደልዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሰባት ኽብሪ፡ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ዜገርም ሓሳባት ገሊጹልና ኣሎ።
"ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰዪፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ፡ ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቅዕ (ሕስርቲ) ዀይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጒዲ ምድርን ኰለል በሉ።" እብ11፡37,38
ነቲ ነዞም ቅዱሳን’ዚኣቶም ወሪድዎም ዘሎ ዜስካሕክሕ ጸበባ ኽትሓስቦ ኸለኻ፡ ንሳቶም ንዓለም ፈጺሞም ዘይበቕዕዋ ሕሱራት ዝዀኑ ዀይኑ’ዩ ዚርኣየካ። እቲ መለኮታዊ ሓዊ ግን፡ ብኣንጻሩ’ዩ ዀይኑ ዘሎ። እታ ዓለም’ያ ንኣኣቶም ዘይትበቅዕ ኰይና ምጻሮም ስኢና፡ "ኪዱለይ፡ ናብ’ቲ ዝሓረኹምዎ ኣምላኽኩም ኪዱ" እናበለት ትሰጒጎምን ትገፍዖምን ዘላ። ንዓለም ንዒቑ ንኣምላኽ ዚመርጽ ሰብ ድማ፡ እቲ ኽቡር ኣእምሮ ዘለዎ’ሞ፡ ክቡር ሓሳብ ኪሓስብ ዚኽእል ሰብ ጥራሕ’ዩ (ኢሳ32፡8)። ሳውል መሳደዲ ነይሩስ ጐይታና ኣብ መገዲ ደማስቆ ብጸዳል ብርሃኑ መንፈሳዊ ኣዒንቱ ምስ ከፈተሉ፡ ኵሉ’ቲ ኸም ዓብይ ክብሪ ዀይኑ ዚርኣዮ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ከም ዝነዓቖን ከም ዝተጸየፎን ገሊጹ ኣሎ (ፊል3፡4-7 ካ.ት)።
"እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ (ስጋዊ ትምክሕቲ) ግና፡ ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። . . . ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡ’ውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ’ቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ ዝተወጻዕኩ፡ ንዅሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣለኹ።" ፊል3፡7-9
ብኣንጻሩ ምእንቲ ክርስቶስ መከራ ምጽጋብ ክብረት ምዃኑ ይኣምንን ንተገልገልቱ የእምንን ነበረ (ኤፌ3፡13)። ኵላቶም ሃዋርያት ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ነርብዓ ሓደ ጐደል (39 ጊዜ) ብሓለንጊ ተገሪፎም ኪወጹ ኸለዉ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግቡ ብምብቅዖም ክብሪ እናተሰምዖም ብሓጐስ ወጹ (ግብ5፡40,41)። ብስጋ ብዝተሳቐዩን ብዝተዋረዱን መጠን፡ ልዑል መንፈሳዊ ክብሪ ይስምዖም ነበረ። እቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብዓይነት ህይወቱ ዀነ ብዚወርዶ ዅሉ መከራ መንፈሳዊ ኽብሪ ዘይስምዖ፡ ነቲ ኻብ ሰብ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ኸሎ ዚቕበሎ ስጋዊ ኽብሪ ዘይንዕቅን ዘይጽየፍን ሰብ፡ ነቲ ሰማያዊ ኽብሪ ኸም ዘይበቕዖ’ዩ ዜረጋግጽ ዘሎ።
እቲ ድሕሪ ምጽኣትን ድሕሪ ትንሳኤን ዚግሃድ ሰማያዊ ኽብሪ’ኸ እንታይ ዓይነት’ዩ፧ ነዚ ለቢስናዮ ዘለና ስጋ "ምድራዊ፡ ሰማያዊ" እናበልካ ቕጽላት ምሃብከ እንታይ’ዩ ትርጒሙ፧ እዚ ለቢስናዮ ’ንመላለስ ዘለና ስጋ፡ ብሓጢኣት ዝላደየን ዝተረመሰን ዝማሰነን ስጋ’ዩ። ማእለያ ዘይብሉ ድኻማት ዘለዎ፡ ነታ ኽብርቲ ሰማያዊት ዓለም ፈጺሙ ዘይበቅዕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቕዱስ ጳውሎስ፦
"ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ (እዚ ለቢስናዮ ዘለና) ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይክኣሎ፡ እቲ በራሲ ድማ ነቲ ዘይበርስ ከም ዘይወርሶ እነግረኩም ኣለኹ። እንሆ ምስጢር እነግረኩም ኣለኹ፡ እታ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐት፡ ኵላትና ብሓንሳእ ከም ቅጽበት ዓይኒ ኽንልወጥ ኢና’ምበር፡ ኵላትና ኣይክንመውትን ኢና። ከመይ እታ መለኸት ክትንፋሕ’ያ። እቶም ምዉታት ድማ ብዘይበርስ (ስጋ) ኪትንስኡ’ዮም።" 1ቈረ15፡50-52 ካ.ት
ኢሉ ዝጸሓፈልና። ጐይታ ምስ መጸ’ሞ እቲ ናይ መወዳእታ መለኸት ምስ ተነፍሐ፡ እቶም ኣብ መቓብር ዝነበሩ ምውታት ኪትንስኡ፡ ብኡንብኡ ድማ እቲ ዝተንስአ መዋቲ ስጋኦም ናብ ዘይመውት ዘለኣለማዊ ስጋ ኺልወጥ’ዩ። እቶም ብህይወት ዝጸንሑ ድማ፡ ከም ቅጽበት ዓይኒ እቲ መዋቲ ስጋኦም ናብ ዘይመውት ዘለኣለማዊ ስጋ ኺልወጥ’ዩ። እዚ ለውጢ’ዚ ኣብ’ቶም ሓጥኣንን ጻድቃንን ዚፍጸም’ዩ። እቶም ሓጥኣን ንዘለኣለማዊ ስቓይ፡ እቶም ጻድቃን ግን ንዘለኣለማዊ ኽብሪ’ዮም ዚልወጡ። ቅድም ምልዋጥ ዚኽሰተሉ ምኽንያት፡ በቲ ሽዑ ዚግለጽ ሓዊ መለኮት በኒንና ምእንቲ ኸይንጠፍእ’ዩ። እቶም ሓጥኣን’ውን በቲ ዚኣትውዎ መንበሪኦም ዝዀነ ቀላይ ሓዊ (ገሃነመ እሳት) ምእንቲ ኸይጠፍኡ’ዩ። ገለ ገለ ሰባትን ኣብያተ እምነትን፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዝዀነ ዘይነበረና ስጋ ኸም ’ንለብስ ገይሮም ዚገልጹ ኣለዉ። ከምኡ እንተ ዚኸውን’ሞ፡ እቲ ኣብ መቓብር ዘሎ ናብ ሓመድ ዝተለወጠ ስጋና፡ ካብ መቓብር ብትንሳኤ ዜውጽኣሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ እታ ኽንውለድ ከለና ለቢስናያ ዝተወለድና ስጋና ሒዝና ኢና ’ንትንስእ። ነቶም በዚ ናይ ውርደት ስጋኦም ዘኽበርዎ፡ ንሱ ድማ በታ ስጋ’ቲኣ ኬኽብሮም’ዩ። ነቶም ብስጋኦም ዘዋረድዎ ድማ፡ በታ ስጋ’ቲኣ ብዘይጽወር ውርደትን ስቓይን ንዘለኣለም ኪብቀሎም’ዩ። ነቲ ዝበየነሎም ጻድቕ ፍርዲ ንዘለኣለም ኪቕበልዎ እንተ ዀይኖም ግን፡ እቲ ስጋኦም ናይ ግድን ካብ መዋቲ ናብ ዘይመዋቲ ኪልወጥ ይግባእ ማለት’ዩ። ናይ’ቶም ብስጋኦም ብእሙንነት ዘኽበርዎ ቕዱሳኑ ስጋ፡ ልክዕ ከም’ቲ ናይ ክርስቶስ ስጋ ናብ ምዃን ከም ዚልወጥ፡ ቅዱስ ጳውሎስ፦
"ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት’ያ፡ ካብኣ’ውን መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበይ ኣለና። (ጐይታና ኢየሱስ) በቲ ንዅሉ ኺመልከሉ ዚክኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ኺመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኺልውጦ’ዩ።" ብምባል ብንጹር ገሊጹልና ኣሎ (ፊል3፡20,21)። ኣብ ዘመን ምድራዊ ህይወትና፡ ነዚ መዋትን ናይ ውርደትን ስጋና ብቕድስና ሓሊና፡ ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርና እንተ ኣቕሪብናሉን እንተ ኣኽቢርናዮን፡ ንሱ ድማ ነዚ ኸም መስዋእቲ ዝተረከቦ ስጋና፡ ብዘይምጥኖ መለኮታዊ ክብሪ ምእንቲ ኬኽብሮ፡ ዘይመዋትነት የልብሶ። ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ንህያውን ቅዱስን መስዋእቲ ኣይንዕቅን፡ ኣይድርብይን ከኣ’ዩ። ድኹም ሰብ ክነስኻ በታ ስጋኻ ስለ ዘኽበርካዮ፡ ንሱ ድማ ነታ ዘኽበረቶ ስጋ ኬኽብር እቲ ጻድቕን ፍትሓውን ባህርዩ ይድርኾ’ዩ’ሞ፡ ነቲ ምድራዊ ስጋኻ ናብ ሰማያዊ ስጋ ለዊጡን ኣዕብዩን፡ ምስኡን ኣብ የማኑን ከም ዚቐውም ይገብሮ። ጐይታና ንሰዱቃውያን ኪምልሰሎም ከሎ፦ "እቶም ነታ (ሰማያዊት) ዓለም’ቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና፡ ውሉድ ትንሳኤ ብምዃኖም ውሉድ ኣምላኽ’ዮም፡ ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑ’ውን፡ ድሕሪ’ዚ ኺሞቱ ኣይክእሉን’ዮም፡ ኣየእትዉን ኣይተኣታትዉን’ዮም።" ብምባል፡ በቲ ዝለበስዎ ስጋ ናብ ደረጃ መላእኽቲ ኸም ዚዓብዩን ከም ዚልወጡን ገለጸ (ሉቃ20፡35,36)። "ክብሪ ሰማያውያን" ዚብሃል እምበኣር እዚ’ዩ። እቲ ንሰማያውን ዚውሃብ ክብሪ ማዕረ ኽንደይ ዓብይ ምዃኑ ብብዙሕ መገድታት ተገሊጹ’ዩ። ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ነብያቱን ሃዋርያቱን፡ እቶም ጻድቃን ከም ጸሓይን ከዋኽብትን ከም ዚበርሁ፡ ከም ጠፈር ከም ዜንጸባርቑ ገሊጾምልና ኣለዉ (ማቴ13፡43፣ዳን12፡3)። ኣብ ዝፋናት ከም ዚቕመጡ’ውን ተነጊሩና ኣሎ (ራእ፡20፡4፣ማቴ19፡28)። ቅዱስ ጳውሎስ፦
"እቲ ሽዓ ዚሓልፍን ቀሊልን ጸበባና፡ ማእለያ ዘይብሉ፡ ብሉጽ፡ ናይ ዘለኣለም፡ ምሉእ፡ ረዚን ክብሪ የዳልወልና’ዩ’ . . . " ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (2ቈረ4፡16,17)። እዚ መዋቲ ምድራዊ ስጋና ናብ ሰማያዊ ስጋ ኺልወጥ ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ነዚ ልዑል ኽብሪ’ዚ ኺጸውር ምእንቲ ኪኽእል’ዩ። ምድራዊ ስጋ ኸም ዘለዎ ኸሎ፡ ጥቓ መለኮታዊ ኽብሪ ምስ ዚቐርብ ከም ቅጽበት ዓይኒ ይቕዘፍን ይሃፍፍን’ምበር፡ ብህይወት ኪጸንሕ’ኳ ኣይክእልን’ዩ (ዘጸ 33፡20)።
እምበኣር ክብሪ ሰማያውያን ንምረጽ’ሞ፡ ናብኡ ዜብቅዓና ሰማያዊ ናብራ ንንበር። ምኽንያቱ ዓለማዊ ናብራ እናነበርካስ፡ ሰማያዊ ኽብሪ ኽትትስፈው፡ ሕልሚ ዓያሱ’ዩ። ስለ’ዚ ብጥንቃቐን ብዘይ ንሕስያን ርእስና ንመርምር’ሞ፡ ናብ ሰማያዊ ኽብሪ ገጽና ንጐዓዝ ከም ዘለና ነረጋግጽ። ምርጫና ጽቡቕ፡ ኣካይዳና ግን ጽዩቕ ከይከውን ንጠንቀቕ!! ኣብ’ታ መዓልቲ ትንሳኤ፡ ናብ ክብሪ’ምበር፡ ናብ ውርደት ከይንትንስእን ከይንልወጥን ንፍራህ። ከም’ቲ ኣቦታትና "እግርን ከበሮን በበይኑ" ዚብልዎ ኸይኰነና፡ ነካይዳናን ናብራናን በቲ ጽቡቕ ምርጫና ነማእዝኖ። በቲ ንነናይ ዕለቱ ጒዳያትና ተዋሒጥና፡ ነቲ ዘለኣለማውን ሰማያውን ጒዳይና ኸይንርስዖ’ሞ ከይበላሸወና፡ ብመንፈሳዊ ልቦና ንንበር!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
19 ሚያዝያ 2026 | ሚያዝያ 11, 2018 ግዕዝ (መበል 32 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: .፻፲፪(፻፲፫)፡፫-፬ "እምሥራቀ ፀሐይ እስከ ነዓረብ። ይትአኩት ስሙ ለእግዚአብሔር። ልዑል እግዚአብሔር መልዕልተ ኵሉ አሕዛብ። ዓዲ፡" መዝ.፻፲፯ (፻፲፰)፡፳፬,፳፭ "ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| 1ቈረ 15፡20-41 |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 2፡22-36 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ዮሃ 20፡1-18 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ይትፌሣሕ ሰማይ |
|
|
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ